ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንቕሑ”

“ንቕሑ”

“ንቕሑ”

“ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ: ንቕሑ።”—ማቴዎስ 24:42

1. ንየሆዋ ምግልጋል ካብ ዝጅምሩ ነዊሕ ዝገበሩ ኣሕዋት ብዛዕባ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ዘሕለፍዎ ተወፋይነት ዘለዎ ኣገልግሎቶም ከመይ ኢዩ ዝስምዖም፧ ሓደ ኣብነት ጥቐስ።

 ብዙሓት ንየሆዋ ምግልጋል ካብ ዝጅምሩ ነዊሕ ግዜ ዝገበሩ ኣሕዋት: ንሓቂ ገና ኣጕባዝን ጐራዙትን ከለዉ ኢዮም ፈሊጦምዋ። ልክዕ ከምቲ ኽብርቲ ዕንቊ ምስ ረኸበ ንምዕዳጋ ዘለዎ ዅሉ ዝሸጠ ነጋዳይ: እዞም መጽሓፍ ቅዱስ ንኽምሃሩ ህንጥዮት ዝነበሮም ሰባት ገዛእ ርእሶም ክሒዶም ህይወቶም ንየሆዋ ወፈዩ። (ማቴዎስ 13:45, 46፣ ማርቆስ 8:34) እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ካብቲ ንሳቶም ዝሓሰብዎ ግዜ ዝያዳ ብምጽንሑ ከመይ ይስምዖም፧ ናይ ጣዕሳ ስምዒት ትብሃል የብሎምን! ምስቲ ን60 ዓመት ዝኸውን ብተወፋይነት ንኣምላኽ ምስ ኣገልገለ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ እተዛረበ ሓው አይ. ኤች. ማክሚላን ይሰማምዑ ኢዮም:- “ኣብ እምነተይ ንኽጸንዕ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ቈራጽነት ገይረ ኣሎኹ። እምነተይ ንህይወት ዝያዳ ኸም ዘስተማቕራ ገይራትኒ ኢያ። ነቲ ኣብ መጻኢ ኸጋጥም ዝኽእል ኵነታት ብዘይገለ ፍርሂ ንኽጋጠሞ ገና ትድግፈኒ ኣላ።”

2. (ሀ) የሱስ ንሰዓብቱ እንታይ ዓይነት እዋናዊ ምኽሪ ኢዩ ዝሃቦም፧ (ለ) ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ከመይ ዝበሉ ሕቶታት ኢና ክንምርምር፧

2 ንስኻኸ ከመይ ኢኻ፧ ዕድመኻ ብዘየገድስ: ነቲ የሱስ ዝበሎ ቓላት ኣስተብህለሉ:- “ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ: ንቕሑ።” (ማቴዎስ 24:42) እዛ ምልእቲ ሓሳባት እዚኣ ሓጻር እኳ እንተዀነት: ዓሚቝ ሓቂ ዝሓዘለት ኢያ። ጐይታ ኣብ ልዕሊ እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ፍርዱ ንኸውርድ ኣበየናይ ግዜ ኸም ዝመጽእ ኣይንፈልጥን ኢና። ክንፈልጦ እውን ኣድላዪ ኣይኰነን። ንሕና ኽንገብሮ ዘድልየና ኣብቲ ጐይታ ዝመጽኣሉ እዋን: ዘይንጥዓሰሉ ዓይነት ናብራ ሒዝና ንኽንጸንሕ ምጽዓር ጥራይ ኢዩ። በዚ መዳይ እዚ ንቑሓት ንኽንከውን ዝሕግዘና እንታይ ኣብነታት ኢና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንረክብ እንኽእል፧ የሱስከ ናይዚ ኣድላይነት ብኸመይ ኢዩ ገሊጽዎ ዘሎ፧ ሎሚ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ናይዛ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ንነብር ከም ዘሎና ዘረጋግጽ እንታይ መርትዖ ኣሎና፧

ናይ መጠንቀቕታ ኣብነት

3. ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ምስቶም ኣብ ግዜ ኖህ ዝነበሩ ዝመሳሰሉ ብኸመይ ኢዮም፧

3 ሎሚ ዘለዉ ሰባት ብብዙሕ መዳያት ምስቶም ኣብ ግዜ ኖህ ዝነበሩ ሰብኡትን ኣንስትን ይመሳሰሉ ኢዮም። ኣብቲ እዋን እቲ ምድሪ ብዓመጻ መሊኣ ነበረት። ሃቐና ልቢ ወድሰብ ከኣ “ወርትግ ክፉእ ጥራይ” ኢዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 6:5) ዝበዝሑ ኣብ መዓልታዊ ናብርኦም ኢዮም ጥሒሎም ነይሮም። ይኹን እምበር የሆዋ ማይ ኣይሂ ቅድሚ ምውራዱ ንሰባት ክናስሑ ኣጋጣሚ ሂብዎም ኢዩ። ንኖህ ክሰብኽ መዝነት ሃቦ ንሱውን ተኣዘዘ። ምናልባት ን40 ወይ 50 ዓመታት ወይ ካብኡ ንላዕሊ “ሰባኽ ጽድቂ” ዀይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 2:5) እቶም ህዝቢ ግን ነቲ ብኖህ እተነግሮም ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ነጺጎምዎ ኢዮም። ንቑሓት ኣይነበሩን። ስለዚ ኸኣ ኣብ መወዳእታ ካብቲ ናይ ጥፍኣት ፍርዲ የሆዋ ክድሕኑ ዝኸኣሉ ኖህን ስድራቤቱን ጥራይ ኢዮም።—ማቴዎስ 24:37-39

4. ኣገልግሎት ኖህ ዕዉት ኢዩ ነይሩ ክበሃል ዝኽእል በየናይ መገዲ ኢዩ: ብዛዕባ ዕዮ ኣገልግሎትካ ከምኡ ክበሃል ዝከኣልከ ብኸመይ ኢዩ፧

4 እቲ ኖህ ዝፈጸሞ ኣገልግሎት ዕዉትዶ ኢዩ ነይሩ፧ በቲ ሒደት ቍጽሪ እቶም ምላሽ ዝሃቡ ሰባት ኣይትፍረድ። ምላሽ ዝሃቡ ሰባት ይንበሩ ኣይንበሩ ብዘየገድስ ስብከት ኖህ ብርግጽ ሸቶኡ ወቒዑ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ በዚ ስብከት እዚ ገይሩ ሰባት ንየሆዋ ንኸገልግልዎ ወይ ንኸየገልግልዎ እኹል ናይ ምምራጽ ኣጋጣሚ ሂብዎም ኢዮም። ዞባ ኣገልግሎትካኸ ከመይ ኢዩ፧ ኣወንታዊ ምላሽ እኳ እንተ ዘይረኸብካ ዓቢ ዓወት ኢኻ ትረክብ ዘሎኻ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ብምስባኽካ መጠንቀቕታ ኣምላኽ ኢኻ እተስምዕ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ የሱስ ንሰዓብቱ ዝሃቦም መዝነት ትፍጽሞ ኣሎኻ ማለት ኢዩ።—ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20

ንነብያት ኣምላኽ ምንጻግ

5. (ሀ) ብግዜ ኣንባቆም ኣብ ይሁዳ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢዩ ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ: እቶም ሰባትከ ነዚ ትንቢታዊ መልእኽቲ እዚ ብኸመይ መለስሉ፧ (ለ) ህዝቢ ይሁዳ ኣብ ነብያት የሆዋ ጽልኢ ዘሕደሩ ብኸመይ ኢዮም፧

5 ድሕሪ ማይ ኣይሂ ብዙሕ ክፍለ-ዘበናት ምስ ሓለፈ: ኣብ መንግስቲ ይሁዳ ዝነበረ ዅነታት ሸለል ተባሂሉ ዘይሕለፍ እናዀነ መጸ። ኣምልኾ ጣኦት: ዓመጻ: ጭቈና: ከምኡውን ቅትለት ከይተረፈ ልሙድ ተርእዮ ዀነ። የሆዋ ነቶም ህዝቢ እንተ ዘይተናሲሖም ኣብ ኢድ ከለዳውያን ወይ ባቢሎናውያን ክወድቁ ምዃኖም ከጠንቅቖም ንኣንባቆም ኣተንስኦ። (ኣንባቆም 1:5-7) እቶም ህዝቢ ግን ነዚ ከቕልብሉ ኣይደለዩን። ምናልባት ከምዚ ዝብል ምኽንያት ኣቕሪቦም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም:- ‘ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ኣቐዲሙ ነብዪ ኢሳይያስ ተመሳሳሊ መጠንቀቕታ ኸም ዝቃላሕ ገይሩ ነበረ: እቲ እተነበዮ ትንቢት ግን ዛጊት ፍጻሜኡ ኣይረኸበን!’ (ኢሳይያስ 39:6, 7) መብዛሕትኦም ሰበ-ስልጣን ይሁዳ ነቲ ዝቃላሕ ዝነበረ መጠንቀቕታታት ናይ ዘይምግዳስ ስምዒት ነይርዎም ጥራይ ዘይኰነስ: ነቶም ነብያት እውን ከይተረፉ ብዓይኒ ጽልኢ ይርእይዎም ነበሩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንነብዪ ኤርምያስ ክቐትልዎ ፈቲኖም ኢዮም። ኢድ ኣሂቃም ወዲ ሻፋን ምስ ኤርምያስ እንተ ዘይትነብር ከኣ ምተዓወቱ ነይሮም። ንጉስ ዮኣቂም ብኻልእ ተወሳኺ ትንቢታዊ መልእኽቲ ብምንጽርጻር ንነብዪ ኡርያ ቀቲልዎ ኢዩ።—ኤርምያስ 26:21-24

6. የሆዋ ንኣንባቆም ዘደልደሎ ብኸመይ ኢዩ፧

6 ኤርምያስ ይሁዳ ን70 ዓመት ክትባድም ምዃና ኣቐዲሙ ንኽነግር ብመንፈስ ክምራሕ ከሎ ሓያልን ብብዙሓት ዘይፍቶ መልእኽትን ነይርዎ ኢዩ። ኣንባቆም እውን ከምኡ ዝኣመሰለ ኵነታትን መልእኽትን ነበሮ። (ኤርምያስ 25:8-11) ስለዚ እምበኣር ኣንባቆም “ዎ እግዚኣብሄር: ንስኻ ኸይሰማዕካንስ: ክሳዕ መኣዝ ከእዊ እየ፧ ኣነ፤ ዓመጽ: ኢለ ናባኻ ኣእዌኹ: ንስኻውን ኣየድሐንካን” ብምባል ዘውስኦ ቃላት ምስ እነስተብህል ነቲ ዝነበሮ ጭንቀት ክንርድኦ ንኽእል ኢና። (ኣንባቆም 1:2) የሆዋ ንኣንባቆም በዘን ዝስዕባ እምነትካ ዘደልድላ ቃላት ገይሩ ብሕያውነት መለሰሉ:- “እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ: ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ: ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ: እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ።” (ኣንባቆም 2:3) ስለዚ እምበኣር የሆዋ ዓመጻን ጭቈናን ከም ዘኽትም ዝገብረሉ ‘ምዱብ ግዜ’ ነይርዎ ኢዩ። ዝድንጒ እንተ መሰለ እውን ኣንባቆም ተስፋ ክቘርጽ: ንጥፈታቱ ኸኣ ከደስክል ኣይነበሮን። ኣብ ክንድኡስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብናይ ህጹጽነት ስምዒት ብምዕያይ ‘ክጽበ’ ነበሮ። መዓልቲ የሆዋ እትድንጒ ኣይነበረትን!

7. ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከም ኣቈጻጽራ ዘበንና የሩሳሌም እንደገና ንጥፍኣት እተመጠወት ስለምንታይ ኢያ፧

7 እታ ርእሲ ኸተማ ይሁዳ ዝዀነት የሩሳሌም ካብቲ የሆዋ ንኣንባቆም እተዛረበሉ ግዜ 20 ዓመት ዝኸውን ጸኒሓ ጠፍአት። ዳሕራይ የሩሳሌም እንደገና ተሃኒጻ ኢያ: መብዛሕትኡ እቲ ንኣንባቆም ዘጨንቖ ዝነበረ ብልሽውና ኸኣ ኣልጊሱ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. እታ ኸተማ ብሰሪ ጥልመት ተቐማጦኣ እንደገና ንጥፍኣት ተመጠወት። የሆዋ ብምሕረት ተላዒሉ ቅኑዓት ሰባት ዝድሕንሉ ምድላው ገይሩ ኢዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ንእተዋህበ መልእኽቲ ንኸብጽሕ የሆዋ ነቲ ሓለፍ ዝበለ ነብዪ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ ተጠቒሙ። ብ33 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ንሰዓብቱ ኸምዚ ኢሉ ነገሮም:- “የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም: ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ። ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ።”—ሉቃስ 21:20, 21

8. (ሀ) ድሕሪ ሞት የሱስ ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ ንገለ ክርስትያናት እንታይ ኢዩ ኣጋጢምዎም ክኸውን ዝኽእል፧ (ለ) እቲ የሱስ ብዛዕባ የሩሳሌም እተዛረቦ ትንቢታዊ ቃላት ብኸመይ ኢዩ ተፈጺሙ፧

8 ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ: እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ክርስትያናት እቲ ብየሱስ እተዋህበ ትንቢት ዝፍጸመሉ ግዜ መዓስ ኰን ይኸውን ብምባል ይሓስቡ ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ገለ ካብቶም ሽዑ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝገበርዎ መስዋእትታት ክትሓስቦ እሞ ፈትን። ምናልባት ንቑሓት ኰይኖም ክጸንሑ ቈሪጾም ብምንባሮም ነቲ ዝቐረበሎም ማራኺ ናይ ንግዲ ኣጋጣሚታት ነጺጎምዎ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ገሊኦም ሰልክይዎምዶ ኢዩ፧ ትንቢት የሱስ ኣብ ግዜኦም ዘይኰነስ ምናልባት ኣብ መጻኢ እዋን ንዝህሉ ወለዶ ኢዩ ዘመልክት ኢሎም ብምሕሳብ ግዜኦም ብኸንቱ የባኽኑ ከም ዝነበሩ ዀይኑዶ ተሰሚዕዎም ኢዩ፧ ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ሰራዊት ሮሜ ንየሩሳሌም ምስ ከበባ እቲ ትንቢት ፍጻሜኡ ረኸበ። እቶም ንቑሓት ኰይኖም ዝጸንሑ ነቲ ምልክት ኣለለይዎ እሞ ካብታ ኸተማ ሃደሙ: ካብቲ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዝወረደ ጥፍኣት ከኣ ደሓኑ።

ንቑሕ ምዃን ዘለዎ ኣገዳስነት ብምሳሌ ምግላጹ

9, 10. (ሀ) ነቲ የሱስ ብዛዕባ እቶም ንጐይታኦም ካብ መርዓኡ ክምለስ እተጸበይዎ ባሮት ዝሃቦ ምሳሌ ብኸመይ ጸሚቝካ መቕረብካዮ፧ (ለ) እቶም ባሮት ንጐይትኦም ምጽባይ ኣሸጊርዎም ነይሩ ክኸውን ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧ (ሐ) ዕጉስ ምዃን ነቶም ባሮት ጠቓሚኦም ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧

9 ንቑሕ ናይ ምዃን ኣድላይነት ከጕልሕ ከሎ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ምስቶም ንጐይታኦም ካብ መርዕኡ ክምለስ ዝጽበይዎ ባሮት የመሳስሎም። ነታ ዝምለሰላ ለይቲ ይፈልጥዋ ኢዮም: ግን ሰዓት ክንደይ፧ ኣብ ቀዳመይቲ ሓለዋ ናይታ ለይቲ፧ ኣብታ ኻልአይቲ፧ ኣብታ ሳልሰይቲ፧ ኣበየነይተን ከም ዝመጽእ ኣይፈልጡን ኢዮም። የሱስ “[እቲ ጐይታ] ኣብ ካልአይቲ ወይስ ሳልሰይቲ ሕልዋ ለይቲ መጺኡ [ኣብ ሓለዋ] እንተ ረኸቦም: እቶም ባሮት እቲኦም ብጹኣን እዮም” በለ። (ሉቃስ 12:35-38) እዞም ባሮት እዚኣቶም ነቲ ጐይታኦም ንምርኣይ ዝነበሮም ናይ ህንጥዮት ስምዒት እሞ ሕስብ ኣብሎ! ዝዀነት ትኹን ሓሸሽ እትብል ድምጽን ሕልፍ እትብል ጽላሎትን ‘ጐይታናዶ ይኸውን፧’ እናበሉ ዝያዳ ኸም ዝርበጹ ትገብሮም ነበረት።

10 እቲ ጐይታ: ኣብቲ ካብ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ምሸት ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ዝኸይድ ዝነበረ ካልኣይ ሓለዋ ለይቲ እንተ ዝመጽእ ነይሩኸ፧ እንተላይ ነቶም ካብ ዝወግሕ ጀሚሮም ድፍእ ክብሉ ዝወዓሉ ሓዊስካ ኵሎም ባሮቱ ድሉዋት ኰይኖም ብምጽናሕ ይቕበልዎዶ ይዀኑ: ወይስ ገለ ኻብኣቶም ደቂሶም ይጸንሑ ይዀኑ፧ እቲ ጐይታ ድንጕይ ኢሉ ነቲ ኻብ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ክሳዕ ሰዓት ሰለስተ ናይ ለይቲ ንዘሎ ክፍለ-ግዜ ኣብ ዝሽፍን ዝነበረ ሳልሳይ ሓለዋ ለይቲ እንተ ዝመጽእከ፧ ገለ ካብቶም ባሮቱ ዝድንጒ መሲልዎም ተስፋ ይቘርጹን ይምነዎምንዶ ይኸውን፧ a እቲ ጐይታ ኽመጽእ ከሎ ነቒሖም ዝጸንሑ ጥራይ ኢዮም ብጹኣን ዝበሃሉ። እቲ ኣብ ምሳሌ 13:12 ዘሎ ቃላት ከኣ ብርግጽ ኣባታቶም ዝውዕል ኢዩ። ከምዚ ይብል:- “ነዊሕ ትጽቢት ንልቢ የማህምኖ: እተፈጸመ ድሌት ግና ኦም ህይወት እዩ።”

11. ጸሎት ንቑሓት ክንከውን ክሕግዘና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

11 ኣብቲ ዝደንጐየ ዝመስለሉ ዝነበረ እዋን ሰዓብቲ የሱስ ነቒሖም ንኽጸንሑ እንታይ ምሓገዞም፧ የሱስ ቀቅድሚ ምእሳሩ ኣብ ጌተሴማኔ ኣብ እትርከብ ስፍራ ኣታኽልቲ ኸሎ ንሰለስተ ሃዋርያቱ ከምዚ በሎም:- “ናብ ፈተና ኸይትአትዉስ ንቕሑን ጸልዩን።” (ማቴዎስ 26:41) እቲ ኣብታ ኣጋጣሚ እቲኣ ዝነበረ ጴጥሮስ ድሕሪ ገለ ዓመታት ንክርስትያናት ብጾቱ ተመሳሳሊ ምዕዶ ሂብዎም ኢዩ። ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ። ስለዚ ርእስኹም ግትኡ ንጸሎትውን ንቕሑ።” (1 ጴጥሮስ 4:7) ልባዊ ጸሎት ምቕራብ ሓደ ኽፍሊ ናይ ክርስትያናዊ ናብራና ኽንገብሮ ከም ዘሎና ንጹር ኢዩ። ንቑሓት ኴንና ንኽንቅጽል ክሕግዘና ከየባተኽና ንየሆዋ ክንልምኖ እውን የድልየና።—ሮሜ 12:12፣ 1 ተሰሎንቄ 5:17

12. ኣብ መንጎ ግምትን ንቑሕ ምዃንን ዘሎ ፍልልይ እንታይ ኢዩ፧

12 ጴጥሮስ “መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ” ኸም ዝበለ እውን ኣስተብህል። ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ቐሪቡ፧ ደቅሰብ ነታ ልክዕ መዓልትን ሰዓትን ክፈልጥሉ ዝኽእልሉ መገዲ የብሎምን። (ማቴዎስ 24:36) ይኹን እምበር: ኣብ መንጎ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸይንገብሮ ዘተባብዓና ክትግምት ምህቃንን እቲ ንኽንገብሮ ዘተባብዕና ብሃንቀውታ ንመወዳእታ ምጽባይን ፍልልይ ኣሎ። (ምስ 2 ጢሞቴዎስ 4:3, 4፣ ቲቶስ 3:9 ኣረኣእዮ።) ነቲ መወዳእታ ከየባተኽና ንኽንጽበዮ ዘኽእለና ሓደ መገዲ እንታይ ኢዩ፧ መወዳእታ ኸም ዝቐረበ ናብ ዝገልጽ መርትዖታት ምድሃብ ኢዩ። እስከ እምበኣር ሕጂ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ናይዛ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ንነብር ምህላውና ዘእምነና ሽዱሽተ መርትዖታት ንመርምር።

ሽዱሽተ ዘእምን መርትዖታት

13. እቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ ምዕራፍ 3 ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢት ጳውሎስ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘሎና ከእምነካ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

13 ቀዳማይ: እቲ ጳውሎስ ብዛዕባ “ዳሕሮት መዓልትታት” እተዛረቦ ቃላት ብንጹር ክፍጸም ንርእዮ ኣሎና። ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ: እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ: ፈተውቲ ገንዘብ: ተጀሃርቲ: ዕቡያት: ተጻረፍቲ: ንወለዶም ዘይእዘዙ: ዘየማስዉ: ርኹሳት: ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም: ተቐየምቲ: ሓመይቲ: ቀለልቲ: ጨካናት: ሰናይ ዘይፈትዉ: ኣሕሊፎም ዚህቡ: ህዉኻት: ተፈኽነንቲ: ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ: እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም: ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ . . . ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ: ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ። እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሐቱን እናሰሐቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም።” (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5, 13) እዚ ትንቢት እዚ ኣብ ግዜና ክፍጸም ንርእዮዶ ኣየሎናን፧ እቶም ነቲ ጭብጥታት ዕሽሽ ዝብልዎ ጥራይ ኢዮም ነዚ ክኽሕድዎ ዝኽእሉ! b

14. እቲ ኣብ ራእይ 12:9 ብዛዕባ ድያብሎስ እተነግረ ቃላት ሎሚ ዝፍጸም ዘሎ ብኸመይ ኢዩ: ድሕሪ ቐረባ ግዜኸ እንታይ ከጋጥሞ ኢዩ፧

14 ካልኣይ: ሳዕቤን ናይቲ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብ ሰማይ እተደርበይሉ ኵነታት ንርእዮ ኣሎና: እዚ ድማ መፈጸምታ ናይ ራእይ 12:9 ኢዩ። ከምዚ ኸኣ ይብል:- “እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀል ዓብዪ ገበል: እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ: ናብ ምድሪ ተደርበየ: መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።” እዚ ንምድሪ ከቢድ ወዮ ኣምጽኣላ። ብፍላይ ድማ ካብ 1914 ንነጀው ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ እዚ ዘይበሃል ወዮ ክወርድ ጸኒሑ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ራእይ እንረኽቦ ትንቢት ቀጺሉ ድያብሎስ ናብ ምድሪ ምስ ተደርበየ “ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ” ይፈልጥ ምዃኑ ይነግረና። (ራእይ 12:12) ኣብዚ እዋን እዚ ሰይጣን ምስቶም ቅቡኣት ሰዓብቲ ክርስቶስ ውግእ ይኸፍት። (ራእይ 12:17) ሳዕቤን ናይዚ ውግእ እዚ ኸኣ ኣብ ግዜና ብርግጽ ርኢናዮ ኢና። c ይኹን እምበር ድሕሪ ቑሩብ ግዜ ሰይጣን “ደጊም ነህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም” ናብ መዓሙቝ ክድርበ ኢዩ።—ራእይ 20:1-3

15. ራእይ 17:9-11 ኣብ ግዜ መወዳእታ ንነብር ከም ዘሎና መርትዖ እትህበና ብኸመይ ኢያ፧

15 ሳልሳይ: ኣብ ግዜ ናይቲ ኣብ ራእይ 17:9-11 ብትንቢት ተጠቒሱ ዘሎ ሻምናይን ናይ መወዳእታን ‘ንጉስ’ ኢና እንነብር ዘሎና። ኣብዚ ሃዋርያ ዮሃንስ ነቶም ሸውዓተ ሓይልታት ዓለም ዘመልክቱ ሸውዓተ ነገስታት ይጠቅስ: ንሳቶም ከኣ ግብጺ: ኣሶር: ባቢሎን: ሜዶንን ፋርስን: ግሪኽ: ሮሜ: እቲ ድርብ ሓይሊ ዓለም ዝዀነ ኣንግሎ ኣመሪካ ኢዮም። “ካብቶም ሸውዓተ” ዝወጸ ‘ሻምናይ ንጉስ’ ከኣ ይርኢ። እቲ ንመወዳእታ ግዜ ዮሃንስ ዝረኣዮ ሻምናይ ንጉስ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘመልክት ኢዩ። ዮሃንስ እዚ ሻምናይ ንጉስ እዚ ‘ናብ ጥፍኣት ኢዩ ዝኸይድ’ ይብል። ድሕሪ እዚ መበል ሻሙናይ እተጠቕሰ ምድራዊ ንጉስ የለን። d

16. ፍጻሜ ናይቲ ኣብ ሕልሚ ነቡካድነጻር እተራእየ ምስሊ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘሎና ዝሕብር ብኸመይ ኢዩ፧

16 ራብዓይ: እግሪ ናይቲ ኣብ ሕልሚ ነቡካድነጻር እተራእየ ምስሊ ኣብ ዝሽፍኖ ግዜ ኢና እንነብር ዘሎና። ነብዪ ዳንኤል ነዚ ብምስሊ ሰብ ዝቘመ ገዚፍ ምስሊ እንታይ ከም ዘመልክት ተርጒምዎ ኣሎ። (ዳንኤል 2:36-43) እቲ ኻብ ርእሲ ዝዀነ ሃጸይ ባቢሎን ክሳዕ እቲ ሎሚ ንዝገዝኣ ዘለዋ መንግስታት ዝውክል ኣጻብዕቲ እግሪ ተዘርጊሑ ዝነበረ ኣርባዕተ ተኸታታሊ ዓይነት ማዕድን ንእተፈላለያ ሓይልታት ዓለም ዘመልክት ኢዩ። ኵለን እተን በቲ ምስሊ ተመሲለን ዘለዋ ሓይልታት ዓለም ህላወአን ተራእዩ ኢዩ። ሕጂ እግሪ ናይቲ ኣብ ሕልሚ እተራእየ ምስሊ ኣብ ዝሽፍኖ ግዜ ኢና እንነብር ዘሎና። ካልእ ሓይሊ ዓለም ክመጽእ ምዃኑ ዝገልጽ ሓበሬታ ከቶ ኣይንረክብን ኢና። e

17. ዕዮ ስብከትና ኣብ ግዜ መወዳእታ ንነብር ከም ዘሎና ተወሳኺ መርትዖ ዝህብ ብኸመይ ኢዩ፧

17 ሓሙሻይ: እቲ የሱስ ቀቅድሚ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ክስበኽ ኢዩ ዝበሎ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ክፍጸም ንርኢ ኣሎና። የሱስ ከምዚ በለ:- “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።” (ማቴዎስ 24:14) ሎሚ እዚ ትንቢት እዚ ቅድሚ ሕጂ ዀይንዎ ብዘይፈልጥ ዝርጋሐ ኢዩ ተፈጻምነቱ ዝረክብ ዘሎ። ልክዕ ኢዩ: ክሳዕ ሕጂ ብስራት ዘይበጽሖ ቦታታት ኣሎ: ኣብቲ የሆዋ ዝፈቐዶ እዋን ድማ ናብ ዝዓበየ ንጥፈት ዝመርሕ ዓቢ ደገ ክኽፈት ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 16:9) ይኹን እምበር: ኵሉ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘሎ ሰብ ብብሕቲ ኽሳዕ ዝምስከረሉ የሆዋ ክጽበ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ክሳዕ እቲ የሆዋ ዝዓግበሉ እቲ ብስራት ክስበኽ ይግባእ። ሽዑ ኢዩ መወዳእታ ዝመጽእ።—ምስ ማቴዎስ 10:23 ኣረኣእዮ።

18. እቲ ዓቢ ጸበባ ክጅምር ከሎ ገለ ካብቶም ቅቡኣት ኣብ ምድሪ ክጸንሑ ድዮም: እዚኸ ብኸመይ ኢዩ ክፍለጥ ዝኽእል፧

18 ሻድሻይ: እቶም ናይ ሓቂ ቅቡኣት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ቍጽሮም ይጐድል እኳ እንተሎ: እቲ ዓቢ ጸበባ ክጅምር ከሎ ገና ኣብ ምድሪ ክጸንሑ ኢዮም። መብዛሕትኦም ቅቡኣት ተረፍ ሕጂ ብዕድመ ዝደፍኡ ኢዮም: ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ከኣ ቍጽሪ ናይቶም ብሓቂ ቅቡኣት ዝዀኑ እናጐደለ ኽመጽእ ጸኒሑ ኢዩ። ይኹን እምበር ነቲ ዓቢ ጸበባ ንምምልካት የሱስ ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ: ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን።” (ማቴዎስ 24:21, 22) ብርግጽ እምበኣር እቲ ዓቢ ጸበባ ኽጅምር ከሎ ገለ ኻብቶም “ሕሩያት” ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኽህልዉ ኢዮም። f

ቀጺሉ ዝመጽእ እንታይ ኢዩ፧

19, 20. ሎሚ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንቑሓት ኴንና ክንጸንሓሉ ዘሎና ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧

19 መጻኢ ግዜ እንታይ ሒዙልና ኣሎ፧ ዘሐጕስ ግዝያት ገና ብሕጂ ኽመጽእ ኢዩ። ጳውሎስ “መዓልቲ ጐይታ ኸም ሰራቒ ዀይና ብለይቲ ኸም እትመጽእ” ኣጠንቂቑ ኣሎ። ኣስዒቡ ድማ ነቶም ብዓለም ጥበበኛታት መሲሎም ዝርኣዩ ሰባት ብምጥቃስ ከምዚ ይብል:- “ሰላምን ደሓንን እዩ ኺብሉ ኸለዉ: . . . ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም።” ስለዚ ጳውሎስ ንኣንበብቱ ከምዚ ብምባል ይላበዎም:- “ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን እምበር: ከምቶም ካልኦት ኣይንደቅስ።” (1 ተሰሎንቄ 5:2, 3, 6) እወ: እቶም ሰላምን ደሓንን ብሰብኣውያን ትካላት ክመጽእ ተስፋ ዝገብሩ ሰባት ነቲ ክዉን ኵነታት ዕሽሽ ይብልዎ ኣለዉ። እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከቢድ ድቃስ ኢዩ ወሲድዎም ዘሎ!

20 ጥፍኣት እዚ ኣገባብ እዚ ሃንደበት ክወቅዕ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ንመዓልቲ የሆዋ ተጸበያ! ኣምላኽ ንኣንባቆም “ኣይኪድንጕን ድማ እዩ” ብምባል ተዛሪብዎ ኣሎ! ነቒሕና ንምጽናሕ ከም ሎሚ ገይሩ ኣገዳሲ ዀይንሉ ዝፈልጥ እዋን የለን።

[እግረ-ጽሑፋት]

a እቲ ጐይታ መዓስ ከም ዝመጽእ ንባሮቱ ቈጸራ ኣይገበረሎምን። ስለዚ ብዛዕባ ኣመጻጽኡን ኣካይድኡን ጸብጻብ ክህብ ኣየድለዮን: ብዛዕባ እቲ ንባሮቱ መሲሉ እተራእዮም ምድንጓይ እውን እንተዀነ መብርሂ ክህብ ኣይተገደደን።

b ዝርዝር መግለጺ ናይዚ ትንቢት እዚ ንምፍላጥ ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 11 ርአ።

c ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 180-6 ርአ።

e ነታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ምዕራፍ 4 ርአ።

f እቲ የሱስ ብዛዕባ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን ዝሃቦ ምሳሌ: ኣብ እዋን እቲ ዓቢ ጸበባ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ኽመጽእን ንኽፈርድ ክቕመጥን ምዃኑ ይገልጽ። ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ ደገፍ ሂቦምዎም እንተ ዀይኖም ወይ እንተ ዘይኰይኖም መሰረት ብምግባር ኢዩ ዝፈረዶም። ኵሎም ኣሕዋት ክርስቶስ ምድራዊ ህይወቶም ካብ ዝውድኡ ሓያለይ ግዜ ምስ ሓለፈ እቲ ፍርዲ ኽካየድ እንተድኣ ዀይኑ: ከምዚ ዓይነት ኣገባብ ፍርዲ ተጠቒምካ ምፍራድ ትርጕም ኣልቦ ምዀነ ነይሩ።—ማቴዎስ 25:31-46

ትዝክሮዶ፧

ንቑሓት ኴንና ክንጸንሕ እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት ኢዩ ክሕግዘና ዝኽእል፧

የሱስ ንቑሕ ኴንካ ምጽናሕ ዘለዎ ኣድላይነት ብኸመይ ዝበለ ምሳሌ ኢዩ ገሊጽዎ ዘሎ፧

እንታይ ሽዱሽተ መርትዖታት ኢዩ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘሎና ዘረጋግጸልና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

አይ. ኤች. ማክሚላን ንገለ ስሳ ዓመታት ዝኸውን ንየሆዋ ብተኣማንነት ኣገልጊሉ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ምስቶም ንቑሓት ኰይኖም ዝጸንሑ ባሮት ኣመሳሲልዎም ኣሎ