ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ኢጣልያ ዘጸናንዕ መልእኽቲ ምብጻሕ

ኣብ ኢጣልያ ዘጸናንዕ መልእኽቲ ምብጻሕ

ንሕና ከምቶም ዝኣምኑ ኢና

ኣብ ኢጣልያ ዘጸናንዕ መልእኽቲ ምብጻሕ

 የሆዋ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ኢዩ። ንዕኡ ክመስሉ ብምምሃር: ኣገልገልቱ ‘ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም ከጸናንዑ ይኽእሉ’ ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 1:3, 4፣ ኤፌሶን 5:1) እዚ ሓደ ካብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፍጽምዎ ዘለዉ ቀንዲ ዕላማ ዕዮ ስብከት ኢዩ።

ንሓንቲ እተጸገመት ሰበይቲ ምሕጋዝ

ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ድኽነት: ውግእ: ከምኡውን ዝሓሸ ናብራ ምብሃግ ንብዙሓት ሰባት ናብተን ሃብታማት ዝብሃላ ሃገራት ከም ዝስደዱ ገይርዎም ኢዩ። እንተዀነ ግን ንሓደ ሓድሽ ከባቢ ክትለምድ ቀሊል ኣይኰነን። ማንዮላ ምስ ደቂ ዓዳ ኣልባናውያን ኣብ ቦርጎማኔሮ ትነብር ነበረት። ሓንቲ ቫንዳ እተባህለት ናይ የሆዋ ምስክር ከተዘራርባ ምስ ደለየት ድማ ኣብ ኢጣልያ ብዘይሕጋዊ መገዲ ስለ ዝኣተወት: ፈርሀት። እንተዀነ ግን ኣብ መወዳእትኡ ቫንዳ ምስ ማንዮላ ተቛጸረት። ማንዮላ ዋላ እኳ ናይ ቋንቋ ጸገም እንተ ነበራ ቀልጢፋ ቃል ኣምላኽ ንምጽናዕ ባህጊ ኣሕደረት። ሒደት መዓልትታት ድሕሪ ምጽንዐን ግን ቫንዳ ኣብ ገዛ እንዳ ማንዮላ ሰብ ሰኣነት። እንታይ ኢዩ ኣጋጢምዋ፧ ሓደ ካብቶም ኣብኡ ዝቕመጡ: ዓርኪ ማንዮላ ዝነበረ ወዲ: ብምኽንያት ቅትለት ምስ ተደልየ ኵሎም እቶም ኣብቲ ገዛ ዝቕመጡ ሰባት ሃዲሞም ከም ዝኸዱ ሰምዐት።

ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ቫንዳ እንደገና ምስ ማንዮላ ተራኸበት። ቫንዳ ብዛዕባ ማንዮላ ክትዛረብ ከላ “ጸምሊያን ዓቢራን ብምንባራ ብሓቂ ኣብ ሽግር ዝወደቐት ኢያ ትመስል” ትብል። ማንዮላ እቲ ቅድም ዓርካ ዝነበረ ወዲ ከም እተኣስረ: እቶም ክሕግዝዋ ኢላ ዝኸደቶም ፈተውቲ ተስፋ ከም ዘቝረጽዋ ነገረታ። ዓቕላ ምስ ጸበባ ናብ ኣምላኽ ጸለየት። ብድሕርዚ ነታ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ተዛሪባታ ዝነበረት ቫንዳ ዘከረታ። እንደገና ብምርኻበን ማንዮላ ኣዝያ ተሓጐሰት!

እንደገና መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕን ቀልጢፋ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክትካፈልን ጀመረት። ኣብ ኢጣልያ ንኽትነብር ድማ ሕጋዊ ፍቓድ ረኸበት። ድሕሪ ሓደ ዓመት ማንዮላ እተጠምቀት ናይ የሆዋ ምስክር ኰነት። በቲ መለኮታዊ መብጽዓታት ተጸናንዐት እሞ እዚ ዘጸናንዕ መልእኽቲ ንደቂ ዓዳ ንኽትነግር ናብ ኣልባንያ ተመልሰት።

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ምምስካር

ብዙሓት ኣብ ኢጣልያ ዝርከባ ጉባኤታት ንኸም ማንዮላ ዝኣመሰሉ ስደተኛታት ንምስባኽ ምትዕርራያት ገይረን ኢየን። ንኣብነት: ሓንቲ ኣብ ፍሎረንስ እትርከብ ጉባኤ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ስርዓታዊ ምብጻሕ ንምፍጻም ምትዕርራያት ገበረት። መብዛሕትኦም ካብ ምብራቕ ኣውሮጳ: መሶዶንያ: ከምኡውን ኮሶቮ ዝመጹ ተቐማጦ ናይቲ መዓስከር እተፈላለየ ጸገማት ኣለዎም። ገሊኦም ሽግር ናይ ሓሽሽ ወይ መስተ ኣለዎም። ብዙሓት ድማ ብስርቂ ዝናበሩ ኢዮም።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ከባቢ ምስባኽ በዳሂ ኢዩ። ኣብ መወዳእትኡ ግን ሓንቲ ፓውላ ዝስማ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ምስ ሓንቲ ዣክሊና እትብሃል ብዓልቲ መሶዶንያ ሰበይቲ ተራኸበት። ንቝሩብ እዋን ድሕሪ ምዝርራበን ዣክሊና ንሓንቲ ሱዛና እትብሃል መሓዝኣ መጽሓፍ ቅዱስ ክትምርምር ኣተባብዓታ። ሱዛና እውን ብግዲኣ ንኻልኦት ኣዝማዳ ነገረቶም። ኣብ ሓጺር እዋን ሓሙሽተ ኣባላት ናይታ ስድራቤት ስርዓታውያን ኰይኖም መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ: ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክካፈሉ: ነቲ እተማህርዎ ድማ ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ጀመሩ። ዋላ እኳ ጸገማት እንተ ኣጋጠሞም ካብ የሆዋን ካብ ቃሉን ምጽንናዕ ረኸቡ።

ሓንቲ ድንግል ብየሆዋ ትጸናናዕ

ኣብ ከተማ ፎርሚያ: ሓንቲ ኣሱንታ እተባህለት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ንሓንቲ እናተጸገመት ትኸይድ ዝነበረት ሰበይቲ ኣዛረበታ። እታ ሰበይቲ ኣባል ናይ ሓንቲ ንሕሙማትን ኣካላዊ ጸገም ዘለዎምን ሰባት ኣብ ሆስፒታልን ኣብ ኣባይትን እትሕግዝ ሃይማኖታዊት ማሕበር ኢያ።

ኣሱንታ ነታ ድንግል “ትሳቐዪ ኣለኺ ኣይኰነንዶ፧ ዘሕዝን ግን ንዅላትና ሽግር የጋጥመና ኢዩ” በለታ። ከምኡ ምስ በለታ እታ ድንግል በኸየት: ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ከም ዘለዋ ኸኣ ነገረታ። ኣሱንታ ድማ ቃል ኣምላኽ ከጸናንዓ ከም ዝኽእል ብምንጋር ኣተባብዓታ። እታ ድንግልውን ነቲ ኣሱንታ ዝሃበታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መጽሔታት ተቐበለት።

ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ ምዝርራበን እታ ፓልሚራ ዝስማ ድንግል ኣዝያ ትሳቐ ከም ዝነበረት ተኣመነት። ንነዊሕ ግዜ ኣብ ሓደ ብደናግል ዝማሓደር ትካል ኢያ ትነብር ነይራ። ንግዜኡ ብምኽንያት ጥዕንኣ ምስ ወጸት ተመሊሳ ምእታው ተኸልከለት። ይኹን እምበር: ፓልሚራ በቲ ከም ድንግል መጠን ንኣምላኽ ዝገበረቶ መብጽዓ እስርቲ ከም ዝዀነት ኢዩ ዝስምዓ ነይሩ። “ንኽትፍወስ” ናብ ፈወስቲ ከደት: እንተዀነ ግን በቲ ዘጋጠማ ነገራት ናይ ኣእምሮ ጭንቀት ሓደራ። ፓልሚራ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ፍቓደኛ ኰነት ንሓደ ዓመት ዝኸውን ድማ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ተኻፈለት። ብድሕርዚ ናብ ካልእ ከባቢ ከደት ምስታ ምስክርውን ተጣፍኣ። ምስ ኣሱንታ እንደገና ቅድሚ ምርኻበን ክልተ ዓመት ሓለፈ። ፓልሚራ ካብ ስድራቤታን ካብ ቤተ-ክህነትን ብርቱዕ መስጐጕቲ ኣጓነፋ። ይኹን እምበር: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ቀጸለት እሞ መንፈሳዊ ዕቤት ድማ ኣርኣየት ከም ናይ የሆዋ ምስክር መጠንውን ተጠምቀት።

እወ: ብዙሓት በቲ ‘ብኣምላኽ ምጽንናዕ’ ዝወሃብ መልእኽቲ ይተባብዑ ኢዮም። (ሮሜ 15:4, 5) ስለዚ እቶም ኣብ ኢጣልያ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ዘደንቕ መልእኽቲ ምጽንናዕ ናብ ካልኦት ብምብጻሕ ንኣምላኽ ምምሳል ክቕጽሉ ወሲኖም ኢዮም።