ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መፍትሕ ዓወት እንታይ ኢዩ፧

መፍትሕ ዓወት እንታይ ኢዩ፧

መፍትሕ ዓወት እንታይ ኢዩ፧

 ክልተ ህርኩታት መንእሰያት ሓንቲ ሓዳስ ማሽን ብጥበብ ሰሪሖም ንኽፍትንዋ የዳልውዋ ነበሩ። ሃንደበት ዝመጸ ብርቱዕ ንፋስ ግን ነዛ ተሰባሪት ኣቕሓ እዚኣ ኣብ ኣየር ሕምብሊል ኣቢሉ ብምውሳድ ሰባበራ። እቶም መንእሰያት ተስፋ ቘሪጾም ተዓነዱ። እታ ተጠንቂቖም ብብርቱዕ ጻዕሪ ዘዳለውዋ ተሰባቢራ ኩምራ ዕንጨይትን ሓጺንን ኰይና ተረፈት።

እቲ ንኦርቪልን ዊልበርን ደቂ ራይት ኣብ ጥቅምቲ 1900 ካብ ኣየር ዝኸበደት ክትነፍር እትኽእል ማሽን ክሰርሑ ኸለዉ ዘጋጠሞም ተስፋ ዘቝርጽ ዕንቅፋት ናይ መጀመርታ ኣይነበረን። ንዕኣ ንኽፍትኑ ድሮ ገለ ዓመታት ኣሕሊፎም: ብዝሕ ዝበለ ገንዘብ ከኣ ኣጥፊኦም ነይሮም ኢዮም።

ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ዘርኣይዎ ጽንዓት ዓስቢ ከም ዝረኽቡ ገይርዎም ኢዩ። ብ17 ታሕሳስ 1903 ኣብ ኪቲ ሃዋክ: ሰሜናዊ ካሮላይና: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: እቶም ደቂ ራይት ን12 ካልኢታት ዝኣክል ኣብ ኣየር ዝጸንሐት ብሞተር እትንቀሳቐስ መርኣያ ናይ ዘመናዊት ነፋሪት ሰርሑ። እዚ ምስቲ ሕጂ ነፈርቲ ኣብ ኣየር ዝጸንሕኦ ግዜ ክወዳደር ከሎ ሓጺር እኳ እንተዀነ እቲ ንዓለም ንሓዋሩ ኣብ ምልዋጥ ዝገበሮ ጽልዋ ክርአ ከሎ ግን ብሓቂ ነዊሕ ኢዩ ነይሩ!

ኣብ መብዛሕትኡ ዕዮታት ዝርከብ ዓወት ብትዕግስቲ ኣብ እተርእዮ ጽንዓት እተመርኰሰ ኢዩ። ከም ሓድሽ ቋንቋ ምምላኽ: ገለ ዓይነት ሞያ ምምሃር: ወይ ምስ ሰባት ጽቡቕ ርክብ ምፍጣር ዝኣመሰለ መብዛሕትኡ ዋጋ ዘለዎ ነገራት ዘየቋርጽ ጻዕሪ ብምግባር ኢዩ ዝብጻሕ። ደራሲ ቻርለስ ተምፕሌተን “ተስዓ ካብ ሚእቲ: ዓወት ምስ ኣበርቲዕካ ምጽዓር ብቐጥታ እተተሓሓዘ ኢዩ” ይብል። ጸሓፍ ዓምዲ ሊዮናርድ ፒትስ ጁንየር ከኣ ከምዚ ይብል:- “ብዛዕባ ተውህቦ ንዛረብ: ንዕድል ኣፍልጦ ንህበሉ። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ነቲ ከም ኣበርቲዕካ ምዕያይን ዘጋጥም ፍሽለታትን: ከምኡውን ነዊሕ ሰዓታት ምስራሕን ዝኣመሰለ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ሸለል ንብሎ።”

እዚ ኸኣ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነዊሕ ግዜ ይገብር “ኢድ ትጉሃት ክትገዝእ እያ” ብምባል እተዛረቦ ዘረጋግጽ ኢዩ። (ምሳሌ 12:⁠24) ህርኩት ምዃን ማለት ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ጽንዓት ምርኣይ ማለት ኢዩ። ዝወጠንናዮ ነገር ክንፍጽሞ ንደሊ እንተድኣ ዄንና እዚ ኣድላዪ ኢዩ። ጽንዓት እንታይ ማለት ኢዩ፧ ኣብ ሸቶና ንኽንበጽሕ ብኸመይ ኢና ክንጸንዕ እንኽእል: ኣብ ከመይ ዝበለ ስራሕከ ኢና ክንጸንዕ ዘሎና፧ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ክምለስ ኢዩ።

[ምንጪ ስእሊ]

U.S. National Archives photo