ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብኣምላኽ ምድሓንና እልል ንበል

ብኣምላኽ ምድሓንና እልል ንበል

ብኣምላኽ ምድሓንና እልል ንበል

“ብእግዚኣብሄር ባህ ክብል: ብኣምላኽ ምድሓነይ እልል ክብል እየ።”​ኣንባቆም 3:⁠18

1. ዳንኤል ቅድሚ እቲ ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ዘጋጠመ ውድቀት ባቢሎን: ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ራእይ ዝረኣየ፧

 ካብቲ ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ዘጋጠመ ውድቀት ባቢሎን ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣቐዲሙ: እቲ ዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ነብዪ ዳንኤል ሓደ ባህ ዘብል ራእይ ረኣየ። እቲ ራእይ ኣብ መንጎ ጸላእቲ የሆዋን ኣብ መንጎ እቲ ኣምላኽ ንጉስ ገይሩ ዝሸሞ የሱስ ክርስቶስን: ዛዛሚ ኵናት ቅድሚ ምክያዱ ብዛዕባ ዝህሉ ኵነታት ዓለም ኣቐዲሙ ዝሕብር ኢዩ ነይሩ። እንታይ መልሰ⁠-​ግብሪኸ ኣርኣየ፧ ከምዚ ይብል:- “ዐወልኩ: . . . በቲ ራእይ ከኣ እድነቕ ነበርኩ።”​—⁠ዳንኤል 8:⁠27

2. ዳንኤል ነየናይ ውግእ ኢዩ ብራእይ ዝረኣዮ: ብዛዕባ ምቕራቡኸ እንታይ ዓይነት ስምዒት ኢዩ ዘሎካ፧

2 ንሕናኸ ከመይ ኢና፧ እዚ ሕጂ ዘለናሉ ግዜ: እዋን እቶ እቶ ኢዩ! እቲ ዳንኤል ኣብ ዝረኣዮ ራእይ ተገሊጹ ዘሎ ኣምላኽ ዘካይዶ ውግእ ኣርማጌዶን ኣዝዩ ኸም ዝቐረበ ምስ እንግንዘብ እንታይ መልሰ⁠-​ግብሪ መርኣና፧ እቲ ኣብ ትንቢት ኣንባቆም ተገሊጹ ዘሎ እከይ ኣዝዩ ኣስፋሕፊሑ ኸም ዘሎ እሞ ጥፍኣት ጸላእቲ ኣምላኽ ድማ ዘይተርፍ ምዃኑ ምስ እነስተውዕል ከመይ ዝበለ ስምዒት መንጸባረቕና፧ ልክዕ ከም ናይ ኣንባቆም ዝበለ ኣብ ሳልሳይ ምዕራፍ ናይታ ትንቢታዊት መጽሓፉ ተገሊጹ ዘሎ ስምዒታት ከም ዝሓድረና ፍሉጥ ኢዩ።

ኣንባቆም ምሕረት ኣምላኽ ንምርካብ ይጽሊ

3. ኣንባቆም ኣብ ክንዲ መን ኢዩ ጸሎት ዘቕረበ: ቃላቱኸ ብኸመይ ኢዩ ክትንክፈና ዝኽእል፧

3 ኣንባቆም ምዕራፍ 3 ጸሎት ኢያ። ብመሰረት ቍጽሪ 1 እቲ ንመልቀስ ወይ ድጕዓ ዘመልክት ሺግዮኖት ዝብል መጸውዒ ተዋሂብዋ ኣሎ። እቲ ነብዪ ነቲ ጸሎት ከም ናይ ገዛእ ርእሱ ኣምሲሉ ኢዩ ኣቕሪብዎ ዘሎ። ይኹን እምበር: ከም ሓቁ ክንርእዮ እንተድኣ ዄንና ኣንባቆም ኣብ ክንዲ እቲ ሕሩይ ህዝቢ ኣምላኽ ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ። ሎሚ ድማ ጸሎቱ ነቶም ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ተጸሚዶም ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ዓቢ ትርጕም ኣለዎ። ነዚ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ ንምዕራፍ 3 ምስ እነንብባ: እቲ ሒዛቶ ዘላ መልእኽቲ ዘሰምብድ እኳ እንተዀነ ዘሐጕስ ኰይኑ ክንረኽቦ ኢና። ጸሎት ኣንባ​ቆም ወይ ድማ ድጕዕኡ: በቲ ኣምላኽ ምድሓንና ዝዀነ የሆዋ እልል ንኽንብል ድልዱል ምኽንያት ኢዩ ዝዀነና።

4. ስለምንታይ ኢዩ ኣንባቆም ዝፈርሐ: ብዛዕባ ኣየናይ ኣጠቓቕማ ሓይሊ ኣምላኽ ኢናኸ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

4 ከምቲ ኣብተን ክልተ ቀዳሞት ዓንቀጻት ርኢናዮ ዘሎና: ኣብ ግዜ ኣንባቆም እቲ ኣብ ሃገር ይሁዳ ዝነበረ ዅነታት ኣዝዩ ሕማቕ ኢዩ ነይሩ። ኣምላኽ ግን እዚ ዅነታት እዚ ክቕጽል ድላዩ ኣይነበረን። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ዝገበሮ ሕጂውን ስጕምቲ ክወስድ ነበሮ። ስለዚ እምብኣር እቲ ነብዪ “ዎ እግዚኣብሄር: እቲ ዘስማዕካኒ ሰማዕኩ ፈራህኩውን” ኢሉ እንተ ኣእወየ ዘገርም ኣይኰነን! እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧ እቲ ብዛዕባ ‘እግዚኣብሄር ዝሰምዖ’ ነገራት እቲ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ሰፊሩ እንረኽቦ ኣብ ከም ቀይሕ ባሕሪ: ኣብ በረኻ: ከምኡውን ኣብ ያሪኮ እተፈጸመ ዓበይቲ ግብርታት ኣምላኽ ኢዩ። ኣንባቆም ነዚ ግብርታት እዚ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነይሩ ኢዩ: የሆዋ ጸላእቱ ንምጥፋእ እንደገና ነቲ ብርቱዕ ሓይሉ ኽጥቀም ምዃኑ ስለ እተገንዘበ ኸኣ ኢዩ ዝፈርሐ። ንሕናውን ነዚ ሎሚ ደቅሰብ ዝፍጽምዎ ዘለዉ እከይ ምስ እንርኢ: የሆዋ ከምቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝወሰዶ ዓይነት ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ንግንዘብ ኢና። እዚ የሻቕል ድዩ፧ እወ የሻቕል ኢዩ! ይኹን እምበር: ልክዕ ከም ኣንባቆም “ዎ እግዚኣብሄር: ንዕዮኻ ኣብ ማእከል ዓመታት ህያው ግበሮ: ኣብ ማእከል ዓመታት ኣፍልጦ: ብቝጥዓ ኸኣ ምሕረት ዘክር” ዝብል ጸሎት ኢና እነቕርብ። (ኣንባቆም 3:⁠2) እቲ ተኣምራት ዝፍጽም ሓይሊ ኣምላኽ ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ: “ኣብ ማእከል ዓመታት:” ዝገሃድ ይግበሮ። ኣብቲ እዋን እቲ ኸኣ እቶም ዘፍቅርዎ ኣብ ምሕረቱ ዝዝከሩ ይግበሮም!

የሆዋ ይግስግስ!

5. ብኸመይ ኢዩ ‘እግዚኣብሄር ካብ ቴማን ዝመጸ:’ እዚኸ ብዛዕባ ኣርማጌዶን እንታይ ይሕብር፧

5 የሆዋ ነቲ ምሕረት ንምርካብ እነቕርቦ ጸሎት ምስ ሰምዖ እንታይ ክስዕብ ኢዩ፧ ነቲ መልሲ ኣብ ኣንባቆም 3:⁠3, 4 ኢና እንረኽቦ። ብመጀመርታ እቲ ነብዪ “እግዚኣብሄር ካብ ቴማን: እቲ ቅዱስ ከኣ ካብ ከረን ፋራን መጸ” ብምባል ይዛረብ። ንድሕሪት ናብቲ ነብዪ ሙሴ ዝነበረሉ ግዜ እንተድኣ ተመሊስና ቴማን ከምኡውን ፋራን: እስራኤላውያን ናብ ከነኣን ንምኻድ ብበረኻ ኣቢሎም ክጓዓዙ ኸለዉ ዝሓለፍወን ቦታታት ኢየን ነይረን። እዚ ማእለያ ዘይነበሮ ህዝቢ እስራኤል ነቲ ነዊሕ ጕዕዞ ክፍጽም ከሎ: የሆዋ ምስኦም ዝነበረ ኢዩ ዝመስል። ዋላ ሓደ ክዓግቶ ዝኽእል እውን ኣይነበረን። ሙሴ ቀቅድሚ ሞቱ “እግዚኣብሄር ካብ ሲና መጸ: ካብ ሰዒር ድማ ተላዕለሎም: ካብ ከረን ጳራን ኣንጸባረቐ: ካብ ኣእላፋት ቅዱሳን [መላእኽቲ] መጸ” ብምባል ተዛሪቡ ኢዩ። (ዘዳግም 33:⁠2) የሆዋ ኣብ ኣርማጌዶን ኣንጻር ጸላእቱ ምስ ተላዕለ: ብተመሳሳሊ መገዲ ነቲ መዳርግቲ ኣልቦ ዝዀነ ብርታዐ ሓይሉ ከርኢ ኢዩ።

6. መስተውዓልቲ ክርስትያናት ኣብ ርእሲ ክብሪ ኣምላኽ እንታይ ካልእ ኢዮም ዝርእዩ፧

6 ኣንባቆም ከምዚ ዝስዕብ ብምባል እውን ይገልጽ:- “ክብረቱ ሰማያት ከደነ: ምድሪ ድማ ብምስጋናኡ መልኤት። ምንጽብራቑ ኸም ብርሃን ነበረ።” ኣየ ኸመይ ዝበለ መስተንክር ዝዀነ ትርኢት ኰን ኢዩ! ርግጽ ኢዩ: ደቅሰብ ንየሆዋ ኣምላኽ ርእዮምዎ ብህይወት ክነብሩ ኣይክእሉን ኢዮም። (ዘጸኣት 33:⁠20) ይኹን እምበር: እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ዕቤት ግርምኡ ምስ ዘስተንትኑ ኣዒንቲ ልቦም በቲ ዝርእያኦ መስተንክር ትርኢት ይምሰጣ ኢየን። (ኤፌሶን 1:⁠18) መስተውዓልቲ ክርስትያናት ኣብ ርእሲ ግርማ የሆዋ ካልእ ተወሳኺ ነገራት ይርእዩ ኢዮም። ኣንባቆም 3:⁠4 “ካብ ኢዱ ጩራታት ወጸ: ሓይሉውን ኣብኡ ተሐብኤ” ዝብል መደምደምታ ኣለዋ። እወ: የሆዋ ነታ ምልክት ብርታዐኡን ሓይሉን ዝዀነት የማነይቲ ኢዱ ወስ ንምባላ ተዳልዩ ኢዩ ዘሎ።

7. ግስጋሰ ኣምላኽ ነቶም ካብኡ ዝዓልዉ እንታይ ማለት ኢዩ፧

7 የሆዋ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ እንተድኣ ገስጊሱ: ነቶም ካብኡ ዝዓልዉ ህልቂት ማለት ኢዩ። ኣንባቆም 3:⁠5 “ቀቅድሚኡ ፌራ ኸደ: ረስኒ ድማ እግረ እግሩ ወጸ” ትብል። ኣብቲ እስራኤላውያን ናብ ዶባት ምድሪ ተስፋ ተጸጊዖምሉ ዝነበሩ 1473 ቅ.ኣ.ዘ. ብዙሓት ኣብ ዘይስነ⁠-​ምግባራውነትን ኣምልኾ ጣኦትን ብምውዳቕ ዓልዮም ኢዮም። ከም ሳዕቤን እዚ ድማ ካብ ኣምላኽ ብዝወረደ መዓት ልዕሊ 20,000 ሞቱ። (ዘሁልቍ 25:⁠1-9) ድሕሪ ኣዝዩ ቐረባ እዋን የሆዋ ናብታ ‘ዓባይ መዓልቲ ውግእ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ’ ምስ ገስገሰ: እቶም ካብኡ ዝዓልዉ ተመሳሳሊ ዓስቢ ሓጢኣቶም ክረኽቡ ኢዮም። ገሊኦም እሞ ቃል ብቓሉ ብፌራ ይሞቱ ይዀኑ ኢዮም።​—⁠ራእይ 16:⁠14, 16

8. ብመሰረት ኣንባቆም 3:⁠6 ንጸላእቲ ኣምላኽ እንታይ ኢዩ ተዓቚርሎም ዘሎ፧

8 እቲ ነብዪ ብዛዕባ ግስጋሰ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ስእላዊ መግለጺ ክህብ ከሎ ስምዓዮ። ኣብ ኣንባቆም 3:⁠6 ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “[የሆዋ ኣምላኽ] ደው በለ: ንምድሪውን ለክዓ: ጠመተ: ነህዛብ ከኣ ኣንቀጥቀጦም: እቶም ዘለኣለማውያን ኣኽራን ፈረሱ: እቶም ጥንታውያን ኵርባታት ድማ ለጠቕ በሉ: መገድታቱ ኻብ ዘለኣለም እዩ።” የሆዋ ኣብ ፈለማ ልክዕ ከም ሓደ ንዓውዲ ውግእ ዘጽንዕ ጀነራል ‘ደው ይብል።’ ጸላእቱ ብፍርሒ ራዕራዕ ይብሉ። መን ይዋግኦም ከም ዘሎ ይርእዩ እሞ ራዕዲ ይኣትዎምን ይምብድበዱን። የሱስ ‘ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ዝበኽይሉ’ እዋን ከም ዝህሉ ተዛሪቡ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠30) ኣንጻር የሆዋ ደው ክብል ዝኽእል ዋላ ሓደ ኸም ዘየለ ክግንዘቡ እኳ እንተዀኑ: ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ ኢዩ ክኸውን። ሰብኣውያን ትካላት​—⁠ዋላ እተን ከም “ዘለኣለማውያን ኣኽራን” ከምኡውን “ጥንታውያን ኵርባታት” ዝኣመሰላ እውን ከይተረፋ​—⁠ክዓንዋ ኢየን። እዚ ግብሪ ናይቲ “መገድታቱ ኻብ ዘለኣለም” ዝዀነ ኣምላኽ ኢዩ: ልክዕ ከምቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝወሰዶ ስጕምቲ ክወስድ ኢዩ።

9, 10. ኣብ ኣንባቆም 3:7-11 ብዛዕባ እንታይ ኢና ተዘኻኺርና ዘሎና፧

9 የሆዋ ብጸላእቱ ‘ኰርዩ’ ኢዩ ዘሎ። የሆዋ ኣብቲ ዘካይዶ ዓቢ ውግእ እንታይ ዓይነት ኣጽዋር ኢዩ ኽጥቀም፧ እቲ ነብዪ ብዛዕባ እዚ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ክገልጽ ከሎ ጽን ኢልካ ስምዓዮ:- “ከምቲ ብቓልካ ዝመሐልካዮ: ኢድካ ኣውጺእካ ነቶም ነገድ ቀስትኻ ገተርካሎም። . . . ንምድሪ ሰንጢቕካ ርባታት ኣውጻእካ። እቶም ኣኽራን ረአዩኻ እሞ ኣንቀጥቀጡ: ሞገድ ማያት ሐለፈ: መዓሙቝ ድምጹ ኣስምዔ: ኣእዳዉ ኸኣ ናብ ላዕሊ ኣልዐለ። ጸሓይን ወርሕን ኣብ ስፍራኤን ቈማ: ብብርሃን ፍላጻታትካን ብምንጽብራቕ ማሕማሕ ዚብል ኲናትካን ከዱ።”​ኣንባቆም 3:⁠7-11

10 የሆዋ ኣብ ግዜ እያሱ ጸሓይን ወርሕን ደው ከም ዝብላ ብምግባር እቲ ዘደንቕ ሓይሉ ኣርእዩ ኢዩ። (እያሱ 10:⁠12-14) ትንቢት ኣንባቆም: የሆዋ ኣብ ኣርማጌዶን ተመሳሳሊ ሓይሊ ኸም ዝጥቀም ኢዩ ዘዘኻኽረና። ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. የሆዋ ሰራዊት ፈርኦን ንምጥፋእ ንቐይሕ ባሕሪ ኽጥቀመሉ ኸሎ: ነቲ ኣብ ብማያት እተሸፈነ መዓሙቓት ምድሪ ዘለዎ ምልኪ ኣርእዩ ኢዩ። ድሕሪ ኣርብዓ ዓመት እስራኤላውያን ምድሪ ተስፋ ንምእታው ክግስግሱ ኸለዉ እቲ ኣፍ ንኣፍ መሊኡ ዝነበረ ርባ ዮርዳኖስ ምንም ዕንቅፋት ክዀኖም ኣይከኣለን። (እያሱ 3:⁠15-17) ኣብ ግዜ ነብዪት ዴቦራ ኣዝዩ ብርቱዕ ማይ ንሰረገላታት እቲ ጸላኢ እስራኤል ዝነበረ ሲሰራ ጸራሪግወን ኢዩ። (መሳፍንቲ 5:⁠21) የሆዋ ኣብ ኣርማጌዶን እውን ምዕልቕላቕን ብርቱዕ ዝናብን ንመዓሙቝ ዝሽፍን ማያትን ክጥቀም ኢዩ። ልክዕ ከም ጭማራ ወይ ድማ ፍላጻታት ዝመልአ ጕልድባ: ነጕድን በርቅን ክዓትር ኢዩ።

11. የሆዋ ነቲ ብርቱዕ ሓይሉ ምስ ፈነዎ እንታይ ክፍጸም ኢዩ፧

11 የሆዋ ነቲ ብርቱዕ ሓይሉ ምስ ፈነዎ ብሓቂ ዘርዕድ እዋን ክኸውን ኢዩ። ቃላት ኣንባቆም ለይቲ ናብ መዓልቲ ኽልወጥ ምዃኑ: መዓልቲ ኸኣ ካብቲ ብብርሃን ጸሓይ ክደምቆ ዝኽእል ንላዕሊ ኸም ዝደምቕ ኢየን ዝገልጻ። እዚ ብመሪሕነት መንፈስ ብዛዕባ ኣርማጌዶን እተጻሕፈ ትንቢታዊ መግለጺ ቃል ብቓል ይኹን ምሳልያዊ ብዘየገድስ: ሓደ ነገር ግን ርግጽ ኢዩ​—⁠ዋላ ሓደ ኻብ ጸላእቱ ከምልጠሉ ብዘይክእለሉ ኵነታት የሆዋ ክዕወት ኢዩ።

ህዝቢ ኣምላኽ ከም ዝድሕኑ ተረጋጊጽሎም ኢዩ!

12. የሆዋ ንጸላእቱ እንታይ ክገብሮም ኢዩ: ዝድሕኑ ግን መን ኢዮም፧

12 እቲ ነብዪ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ዘውርዶ ጥፍኣት ምግላጹ ኣየቋረጸን ዘሎ። ኣብ ኣንባቆም 3:⁠12 “ንምድሪ ብዅራ ሐለፍካያ: ነህዛብ ብቝጥዓ ኣኼድካዮም” ዝብል ነንብብ። ይኹን እምበር: የሆዋ ናይ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ሜላ ጥፍኣት ኣይኰነን ክጥቀም። ገለ ኻብ ደቅሰብ ክነሓፉ ኢዮም። ኣንባቆም 3:⁠13 “ንስኻ ንምድሓን ህዝብኻን ንምድሓን ቅቡእካን ወጻእካ” ትብል። እወ: የሆዋ ንእሙናት ቅቡኣት ኣገልገልቱ ከድሕኖም ኢዩ። ጥፍኣት ናይታ ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ሽዑ ምሉእ ብምሉእ ክዛዘም ኢዩ። ሎሚ ግን መንግስታት ነቲ ጽሩይ ኣምልኾ ንምጥፋእ ህርድግ ኢዮም ዝብሉ ዘለዉ። ድሕሪ ቑሩብ ግዜ ኣገልገልቲ የሆዋ ካብ ሓይልታት ጎግ ናይ ማጎግ መጥቃዕቲ ክወርዶም ኢዩ። (ህዝቅኤል 38:⁠1–39:⁠13፣ ራእይ 17:⁠1-5, 16-18) እዚ ሰይጣናዊ መጥቃዕቲ እዚ ክዕወት ድዩ፧ ብፍጹም! ልክዕ ከም ኣብ መኼዳ ዘሎ እኽሊ ዝርገጽ: ሽዑ የሆዋ ንጸላእቱ ብቝጥዓ ክድህኮም ኢዩ። ነቶም ብመንፈስን ብሓቅን ዘምልኽዎ ግን ከድሕኖም ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 4:⁠24

13. ኣንባቆም 3:⁠13 ብኸመይ ኢያ ፍጻሜኣ ኽትረክብ፧

13 ብዛዕባ እቲ ኻብ እኩያት ዋላ ሓደ ዘይተርፈሉ ናይ ምጽናት ኵነታት በዘን “ነቲ መሰረት ክሳዕ ክሳድ ቀሊዕካ: ርእሲ ቤት ረሲእ ጨፍለቕካ” ዝብላ ቓላት ኣቐዲሙ ተነጊሩ ኢዩ። (ኣንባቆም 3:⁠13) እዚ “ቤት” ተባሂሉ ዘሎ: እቲ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ሰይጣን ድያብሎስ ዝጸንሐ እኩይ ኣገባብ ኢዩ። ተሓምሺሹ ኸኣ ክጠፍእ ኢዩ። እቶም “ርእሲ” ተባሂሎም ዘለዉ ወይ ድማ ኣንጻር ኣምላኽ ኣቕዋም ዘለዎም መራሕቲ ክድዕሞኹ ኢዮም። ኵሉ እቲ መዋቕር ካብ ላዕላዩ ክሳብ ታሕታዩ ካብ መሰረቱ ተበርቊቑ ክድርበ ኢዩ። ካብ ህላወ ወጻኢ ክኸውን ኢዩ። ሽዑስ ኣየ ከመይ ዝበለ እፎይታ ኰን ኢዩ ክኸውን!

14-16. ብመሰረት ኣንባቆም 3:⁠14, 15 ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ክዀኑ ኢዮም: ጸላእቶምከ፧

14 እቶም ‘ንቕቡእ’ የሆዋ ከጥፍኡ ዝፍትኑ: ኣብ ዓውዲ ውግእ ኣርማጌዶን ፋሕ ጭንግራሕ ክኣትዎም ኢዩ። ኣንባቆም 3:⁠14, 15 ከም እትገልጾ እቲ ነብዪ ንኣምላኽ ከምዚ ብምባል ይዛረቦ:- “ንርእሲ ሓላቑኡ ብገዛእ ኲናቶም ወጋእካዮ። ንሳቶም ከም ህቦብላ ኺብትኑኒ መጹ: ሓጐሶም ከምቲ ነቲ መስኪን ብሕቡእ ዚውሕጥ ነበረ። ንስኻ በፍራስካ ንባሕሪ: ነቲ ዅምራ ዓበይቲ ማያት ረገጽካዮ።”

15 ኣንባቆም “ሓላቑኡ . . . ከም ህቦብላ ኺብትኑኒ መጹ” ክብል ከሎ ኣብ ክንዲ ቅቡኣት ኣገልገልቲ የሆዋ ዀይኑ ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ። ልክዕ ከምቲ ከተርቲ ኣድብዮም ዝጸንሑ: መንግስታት ድማ ንኣገልገልቲ የሆዋ ከጥፍኡ ክዘሉ ኢዮም። እዞም ጸላእቲ ኣምላኽን ህዝቡን ዝዀኑ ሓይልታት እዚኣቶም ከም ዝዕወቱ ምሉእ ተኣማንነት ብምሕዳር: ልዑል ‘ሓጐስ’ ክስምዖም ኢዩ። እሙናት ክርስትያናት ልክዕ ከም ሓደ “መስኪን” ድኹማት መሲሎም ክርኣዩ ኢዮም። እቶም ኣንጻር ኣምላኽ ኣቕዋም ዘለዎም ሓይልታት መጥቃዕቶም ምስ ፈነዉ ግን: የሆዋ ንኣጽዋራቶም ኣብ ንሓድሕዶም ከም ዘውዕልዎ ክገብር ኢዩ። ንዕጥቆም ወይ ድማ ‘ንኲናውቶም’ ኣንጻር ናይ ገዛእ ርእሶም ተዋጋእቲ ከዋድድዎ ኢዮም።

16 አረ ካብዚ ንላዕሊ እውን ኢዩ ኽፍጸም። የሆዋ ንጥፍኣት ጸላእቱ ዝዛዝምዎ ልዕለ⁠-​ሰብኣዊ መንፈሳውያን ሓይልታት ክጥቀም ኢዩ። ‘በፍራስ’ እቶም ብየሱስ ክርስቶስ ዝምርሑ ሰማያውያን ሓይልታት ገይሩ የሆዋ ብማእከል ‘ባሕርን ኵምራ ዓበይቲ ማያትን’ ንቕድሚት ብዓወት ክሓልፍ ኢዩ። ‘ባሕርን ኵምራ ዓበይቲ ማያትን’ ነቲ ጸላእ ኣምላኽ ዝዀነ ሓፋሽ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዘመልክት ኢዩ። (ራእይ 19:⁠11-21) ድሕሪኡ እኩያት ካብ ገጽ ምድሪ ኽጽረጉ ኢዮም። እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ህያው መርኣያ ናይ መለኮታዊ ሓይልን ፍትሕን ኰን ኢዩ!

መዓልቲ የሆዋ ትመጽእ ኣላ!

17. (ሀ) ቃላት ኣንባቆም ከም ዝፍጸም እምንቶ ዝህልወና ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ነታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ክንጽበ ኸሎና ከም ኣንባቆም ክንከውን እንኽእል ከመይ ገይርና ኢና፧

17 ቃላት ኣንባቆም ድሕሪ ሓጺር እዋን ከም ዝፍጸም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣይክድንጕን ኢዩ። ነዚ ኣቐዲምና ክንግንዘቦ ክኢልና ዘሎና ጕዳይ እንታይ ዓይነት መልሰ⁠-​ግብሪ መርኣኻሉ፧ ኣንባቆም ኣብ ትሕቲ መለኮታዊ መሪሕነት ኰይኑ ይጽሕፍ ከም ዝነበረ ኣይትረስዕ። የሆዋ ስጕምቲ ክወስድ ኢዩ: እዚ ኽፍጸም ከሎ ድማ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዕንወት ክህሉ ኢዩ። እቲ ነብዪ እምበኣር ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ቃላት እንተ ጸሓፈ ዘገርም ኣይኰነን:- “ሰማዕኩ: ከብደይ ከኣ ኣንቀጥቀጠ: ከናፍረይ በቲ ድምጺ ኣንፈጥፈጠ: ቍንቍነ ኣብ ኣዕጽምተይ አተወ። በታ መዓልቲ ጸበባ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ዚገጥመሉ ኽሳዕ ዚመጽእ ትም ኢለ ኽጽበስ ክሳዕ ታሕተይ ኣንቀጥቀጥኩ።” (ኣንባቆም 3:⁠16) ኣንባቆም ኣዝዩ ርዒዱ ኢዩ: ብሓቂ ኸኣ ዘርዕድ ኵነታት ኢዩ። እምነቱ ግን ተናዊጻ ድያ፧ ብፍጹም! ነታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ብህድኣት ክጽበያ ፍቓደኛ ኢዩ ነይሩ። (2 ጴጥሮስ 3:⁠11, 12) ንሕናኸ ከምዚ ዝበለ ዝንባለዶ ኣይኰነን ዘሎና፧ ብርግጽ ከምኡ ዝበለ ዝንባለ ኢዩ ዘሎና! ትንቢት ኣንባቆም ከም ዝፍጸም ምሉእ እምነት ኣሎና። ክሳዕ ሽዑ ግን ብትዕግስቲ ክንጽበ ኢና።

18. ኣንባቆም ጸገማት ክኸውን ትጽቢት እኳ እንተ ገበረ: እንታይ ዓይነት ዝንባለ ኢዩ ግን ዝነበሮ፧

18 ውግእ ዋላ ነቶም ንምሸቱ ዝዕወቱ እውን ከይተረፈ ጸገም ኢዩ ዝሓድግ። ዋሕዲ መግቢ ከጋጥም ይኽእል ኢዩ። ንብረት ክዓኑ ይኽእል። መነባብሮ እናሓመቐ ክኸይድ ይኽእል። ከምዚ ዝበለ ኵነታት እንተ ዘጋጥመና እንታይ ዓይነት መልሰ⁠-​ግብሪ መርኣና፧ ኣንባቆም ኣብነታዊ ዝንባለ ነይርዎ ኢዩ: ከመይሲ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ተዛሪቡ ኢዩ:- “ኦም በለስ ኣይክትዕምብብን: ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኣይኪህሉን: ፍረ ኣውሊዕ ኪጠልም: ግርሁ ምግቢ ኣይኪህብን እዩ: ኣባጊዕ ካብ ደምበ ኪጠፍኣ: ኣሓውን ኣብ ደምቤታት ኪሰአና እየን። ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ክብል: ብኣምላኽ ምድሓነይ እልል ክብል እየ።” (ኣንባቆም 3:⁠17, 18) ኣንባቆም ኣብ ክውንነት እተመስረተ ትጽቢት ገይሩ ኢዩ: ምናልባት ጥሜት ክህሉ ኢዩ ተጸብዩ ዝኸውን። ይኹን እምበር: በቲ ዘድሓኖ የሆዋ ምሕጓሱ ከቶ ኣየቋረጸን።

19. ብዙሓት ክርስትያናት እንታይ ጸገማት ኢዮም ዘሕልፉ ዘለዉ: ንየሆዋ ኣብ ህይወትና ቀዳማይ ቦታ እንተድኣ ሂብናዮ ግን ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

19 እቲ የሆዋ ኣንጻር እኩያት ዝገብሮ ውግእ ቅድሚ ምምጽኡ እውን ከይተረፈ ሎሚ ብዙሓት ከቢድ መከራ የሕልፉ ኣለዉ። ውግእ: ጥሜት: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ፌራ ክፍሊ እቲ ብዛዕባ ‘ህላወ’ ንጉሳዊ ስልጣኑ ዝሃቦ ‘ምልክታት’ ምዃኑ የሱስ ኣቐዲሙ ነጊሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠3-14፣ ሉቃስ 21:⁠10, 11) ብዙሓት ኣመንቲ ብጾትና ኣብተን ፍጻሜ ቃላት የሱስ ኣዐርዩ ዝርኣየለን ሃገራት ዝነብሩ ብምዃኖም ኣዝዩ ከቢድ ጸገማት የሕልፉ ኣለዉ። ካልኦት ክርስትያናት ኣብ መጻኢ ብተመሳሳሊ ኵነታት ይጥቅዑ ይዀኑ። መወዳእታ ቅድሚ ምምጽኡ ንመብዛሕትና ‘ኦም በለስ ከይዕምብበልና’ ይኽእል ይኸውን ኢዩ። ይኹን እምበር: እዚ ኵነታት እዚ ዝፍጸመሉ ዘሎ ምኽንያት ስለ እንፈልጥ ንበራታዕ ኢና። ልዕሊ ዅሉ ድማ ደገፍ ኣሎና። የሱስ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” ብምባል ተመባጺዑልና ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠33) እዚ ንምቾት ዘለዎ ናብራ ውሕስነት ዝህብ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ ንየሆዋ ቀዳምነት ንህብ እንተድኣ ዄንና: ባዕሉ ኸም ዝኣልየና ዘረጋግጽ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 37:⁠25

20. ግዝያዊ ጸገማት እኳ እንተ ሃለወ: እንታይ ንምግባር ኢና ቈራጻት ክንከውን ዘሎና፧

20 ስለዚ እምበኣር: እተፈላለየ ግዝያዊ ጸገማት የጋጥመና ብዘየገድስ ኣብ ናይ የሆዋ ናይ ምድሓን ሓይሊ ዘሎና ትውክልቲ ከነጥፍእ የብልናን። በዚ ዝመጸ ብዙሓት ኣብ ኣፍሪቃን ምብራቕ ኣውሮጳን ካልኦት ሃገራትን ዝነብሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ጽንኩር ጸገማት ዘጋጥሞም እኳ እንተዀነ: ወትሩ ‘ብእግዚኣብሄር ባህ ኢዩ ዝብሎም።’ ብተመሳሳሊ ንሕናውን ከምኣቶም ብዘይ​ምቍራጽ ባህ ዝብለና ይግበሮ። እቲ ልዑል ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ናይቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ‘ሓይሊ’ ምንጭና ምዃኑ ኣይትረስዕ። (ኣንባቆም 3:⁠19) ከቶ ኣይክሓድገናን ኢዩ። ኣርማጌዶን ብዘይጥርጥር ክትመጽእ ኢያ: ሓዳስ ዓለም ድማ ብርግጽ ክትስዕባ ኢያ። (2 ጴጥሮስ 3:⁠13) ሽዑ “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት ክብሪ እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ።” (ኣንባቆም 2:⁠14) ክሳዕ እቲ እዋን እቲ ግን: ሃየ ነቲ ናይ ኣንባቆም ሰናይ ኣብነት ንስዓቦ። ‘ብኣምላኽ ምድሓንና እልል ካብ ምባል’ ፍጹም ድሕር ኣይንበል።

ትዝክሮዶ፧

ጸሎት ኣንባቆም ብኸመይ ኢዩ ክትንክፈና ዝኽእል፧

የሆዋ ስለምንታይ ኢዩ ዝግስግስ፧

ትንቢት ኣንባቆም ብዛዕባ ድሕነት እንታይ ይገልጽ፧

ነታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ብኸመይ ዝበለ ዝንባለ ኢና ኽንጽበያ ዘሎና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣምላኽ ኣብ ኣርማጌዶን ኣንጻር ጸላእቱ ነየኖት ሓይልታት ከም ዝጥቀም ትፈልጥ ዲኻ፧