ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቶም ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ እተፈላለየ ዓሌት ዘለዎም ሰባት ምሕጋዝ

ነቶም ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ እተፈላለየ ዓሌት ዘለዎም ሰባት ምሕጋዝ

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ

ነቶም ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ እተፈላለየ ዓሌት ዘለዎም ሰባት ምሕጋዝ

 ኣብርሃም ሓለፍ ዝበለት እምነት ነበረቶ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ኣብርሃም ክገልጽ ከሎ “ምስ ተጸውዔ” ንድ​­ምጺ ኣምላኽ ተኣዘዘ: “ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠውን ወጸ” በለ። ንምሉእ ስድራቤቱ ሒዙ ድሕሪ ምግዓዙ ኣብተን ዝተረፋ ሓደ ሚእቲ ዓመታት ህይወቱ “ኣብታ ምድሪ ተስፋ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ዀይኑ ተቐመጠ።”​—⁠እብራውያን 11:​­8, 9

ሎሚውን ብተመሳሳሊ: ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ዝያዳ ሓገዝ ­ዝድለየሉ ቦታ ከይዶም ንኸገልግሉ ናብ ካልእ ሃገር ብምግዓዝ ነቲ ምስኡ ዝመጽእ ግድላት ንኽጋጠምዎ ፍቓደኛታት ኰይኖም ኢዮም። ካልኦት እውን ነቶም ናብ ሃገሮም ተሰዲዶም ዝመጹ ወጻእተኛታት ምእንቲ ክምስክሩ ኢሎም እተፈላለየ ቋንቋታት ተማሂሮም ኢዮም። እዚ ዝስዕብ ኣብነታት ከም ዝሕብሮ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰናይ መንፈስ ምርኣይ ኣብታ 15 ሚልዮን ተቐማጦ: ሓደ ሚልዮን ካብኦም ከኣ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ዝርከብዋ ኔዘርላንድ “ዓብይን ብርቱዕን ደገ” ከም ዝኽፈት ገይሩ ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 16:⁠9

ባራም: ኩንግ ፉ ዝበሃል ዓይነት ርእሰ⁠-­​ምክልኻል ዝምህር ዝነበረ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ካብ እትርከብ ሃገር ዝመጸ ኢዩ። ሓንቲ ቅዳሕ መጽሓፍ ቅዱስን ገለ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋትን ተቐበለ። ባራም ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ሓቂ ከም ዝረኸበ ተረድአ። ንሱን ሰበይቱን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመሩ: እንተዀነ ግን እቲ ጽንዓት ዝመርሓሎም ሰብ ብቛንቋኦም ክዛረቦም ስለ ዘይክእል ጸገም ነበሮም። ብምልክት ኢዮም ዝረዳድኡ ነይሮም። ብኻልእ ኣበሃህላ ከምቲ ንሳቶም ዝብልዎ “በእዳዎምን በእጋሮምን” ኢዮም ዝዘራረቡ ነይሮም። ድሕሪ ገለ ግዜ: ባራምን ሰበይቱን ናይ ዓዶም ቋንቋ ዝዝረበሉ ጉባኤ ክረኽቡ ከኣሉ: ካብኡ ቅልጡፍ ዕቤት ገበሩ። ሕጂ ባራም እተጠምቀ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ኣሎ።

ሰብኣይን ሰበይትን ደቂ ዳች ፓይነራት ንሓደ ኣብ ኣፍ ደገ ድኳን ደው ኢሉ ዝነበረ ወዲ ኢንዶኔዥያ ኣዘራረብዎ። እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ብቛ​­ንቋኡ ምስ ተዛረብዎ ናይ ሓጐስን ምግራምን ስምዒት መልኦ። ኣብ ገዝኡ ከይዶም ንኽበጽሕዎ ምድላው ተገብረ። ን20 ዓመታት ኣብ ሩስያ ከም ዝነበረን ኣብኡ ድማ ሓኪም ማህጸን ከም ዝዀነን ፈለጡ። ኢዘሀራዊ ኢየ ይብል ነበረ: እንተዀነ ግን ንነፍሲ ወከፍ ኣደ ከሕርስ ከሎ “ኣካላት ሰብ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ፍጹም ኰን ኢዩ! እንታይ ዓይነት ተኣምር ኢዩ!” ብምባል የድንቕ ከም ዝነበረ ተኣመነ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሉ ተሰማምዐ: ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ድማ ብዛዕባ ደቅሰብ ዝሓሊ ፈጣሪ ከም ዘሎ ኣመነ። (1 ጴጥሮስ 5:⁠6, 7) ሕጂ እተጠምቀ ሓው ኰይኑ: ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ እትርከብ ናይ ቋንቋ ኢንዶኔዥያ ጉባኤ የገልግል ኣሎ።

ኣብታ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ዝዓበያ ዝበሃላ ወደባት ሓንቲ ምዃና ዝንገረላ ሮተርዳም: ሓደ ጕጅለ ፓይነራት ነቶም ኣብቲ መዐሸግ መራኽብ ዝረኽብዎም እተፈላለየ ቋንቋታት ዝዛረቡ ሰባት ብምስባኽ ክኢላታት ኰኑ። ከም ውጽኢት ናይዚ ጻዕሪ እተሓወሶ ንጥፈት እዚ ድማ ብዙሓት ባሕረኛታት ሓቂ ተቐቢሎም ኢዮም: ገለ ካብኣቶም ሓደ ካፕቴን: ሓደ ሓለቓ ባሕረኛታት: ከምኡውን ሓደ ቀደም ቦዲጋርድ ዝነበረ ይርከብዎም። ሕጂ ንሳቶም እውን ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ብዘላ ዓለም ኣብ ምዝርጋሕ ይሕግዙ ኣለዉ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠14

ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምቶም ኣብ ካልእ ክፍልታት ዓለም ዝርከቡ ኣሕዋቶም ነቲ ናይ ዘለኣለም ወንጌል ንዅሎም ኣህዛብ: ዓሌታት: ቋንቋታት: ከምኡውን ህዝብታት ንምእዋጅ እጃሞም ከበርክቱ ቈሪጾም ኢዮም።​—⁠ራእይ 14:⁠6