ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ጽንዓት ዝርከብ ዓወት

ካብ ጽንዓት ዝርከብ ዓወት

ካብ ጽንዓት ዝርከብ ዓወት

 ጽንዓት ኣብዚ ዘመናዊ እዋን ሳሕቲ ጥራይ ዝርአ ባህርይ እናዀነ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ብዙሓት ሰባት ዓወት ጸኒዕካ ብምቕጻል ዘይኰነስ ኣብቲ ግቡእ ቦታ በቲ ግቡእ ሰዓት ብምብጻሕ ኢዩ ዝርከብ ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ። መን ኣሎ ክወቕሶም ዝኽእል፧ ከመይሲ መራኸቢ ብዙሓን በቲ ዝዀነ ይኹን እትደልዮ ነገር ብዙሕ ጻዕሪ ከይገበርካ ቁሩብ ገንዘብ ብምውሳኽ ጥራይ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ ዝብል ሰላሕ እናበለ ስርሑ ዘስልጥ ናይ ሬክላም ጭርሖታት ኢዩ መሊኡ ዘሎ። ጋዜጣታት ብዛዕባ እቶም ካብ ቤት ትምህርቲ ምስ ተመረቑ ብናእሽትኦም ብቕጽበት ሚልዮናት ገንዘብ ክእክቡ ዝኸኣሉ ሰባት ዝገልጽ ዛንታታት ዝመልአ ኢዩ።

ጸሓፍ ዓምዲ ሊዮናርድ ፒትስ ከምዚ ብምባል ሻቕሎቱ ይገልጽ:- “ኣብዚ ማሕበረሰብ ኣዝዩ ነቒሑሉ ዘሎ ግዜ ዕቤት ምርካብ ቀሊል ይመስል። . . . ዝዀነ ይኹን ሰብ ነቲ ምስጢር እንተድኣ ተረዲእዎ: ክእለት እንተድኣ ኣልይዎ: ወይ መለኮታዊ ሓገዝ እንተድኣ ረኺቡ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ኢዩ ዝመስል።”

ጽንዓት እንታይ ማለት ኢዩ፧

ጽንዓት ማለት ‘ዕንቅፋት ወይ ጸገማት እናሃለወ ካብ ዕላማኻ: ኵነታትካ: ወይ ስራሕካ ምንቕ ከይበልካ ምቕጻል’ ኢዩ። ሽግር እናሃለወ ብቘራጽነት ምቕጻል: ብርቱዕ ምዃን: ዘይምሕላል ኢዩ ዘመልክት። እዛ ባህርይ እዚኣ ኣድላዪት ምዃና መጽሓፍ ቅዱስ የጕልሕ ኢዩ። ንኣብነት: ቃል ኣምላኽ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይምዕድ:- “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ [“ምድላይ ቀጽሉ:” NW ]” “[“ብቐጻሊ:” NW ] ኳሕኳሕ ኣብሉ: ኪኽፈተልኩም እዩ:” “ጸሎት ኣዘውትሩ:” ከምኡውን “ነቲ ሰናይ ሓዝዎ።”​—⁠ማቴዎስ 6:​33፣ ሉቃስ 11:9፣ ሮሜ 12:12፣ 1 ተሰሎንቄ 5:​21

እቲ ቀንዲ ክፍሊ ናይ ጽንዓት ነቲ ከልግስ ዘይክእል ዝመስል ዕንቅፋት ብዓወት ምስዓሩ ኢዩ። ምሳሌ 24:⁠16 “እቲ ጻድቕ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ ይትንስእ” ትብል። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እቲ ናይ ምጽናዕ ባህርይ ዘለዎ ሰብ ሽግር ወይ ፍሽለት ከጋጥም ከሎ ኣብ ክንዲ ‘ዘቋርጽ’ ‘ተንሲኡ’ ይቕጽል: ብተደጋጋሚ ኸኣ ይፍትን።

ይኹን እምበር: ብዙሓት ነቲ ከጋጥሞም ዝኽእል ዕንቅፋት ወይ ፍሽለት እተዳለዉ ኣይኰኑን። ምጽናዕ ዝብል ነገር ሓሲቦምሉ እውን ስለ ዘይፈልጡ ተስፋ ይቘርጹ። ጸሓፊ ሞርለይ ካልጋን ከምዚ ይብል:- “ብዙሓት ሰባት ነቲ ዘጋጥሞም ፍሽለት ንገዛእ ርእሶም ክጐድእ ብዝኽእል መገዲ ይምልስሉ። የስቈርቍሩ: ንዅሉ ሰብ ይወቕሱ: ይጕህዩ: ከምኡውን . . . ኢዶም ይህቡ።”

እዚ ዘሕዝን ኢዩ። ፒትስ “ብሽግር ንኽንሓልፍ ምኽንያት ከም ዘሎና ንርስዕ: ካብ ሽግራት ገለ ቝም ነገር ይርከብ ኢዩ” ይብል። እቲ ቍም ነገር እንታይ ኢዩ፧ ከምዚ ኢሉ ይድምድም:- “[ሓደ ሰብ] ፍሽለት ቀታሊ: ስዕረት ከኣ ነባሪ ከም ዘይኰነ ይማሃር። ዓሚቝ ፍልጠት ይረክብ። ቅሩብ ይኸውን።” መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ “ኣብ ሽግር ዘበለ ረብሓ ኣሎ” ይብል።​—⁠ምሳሌ 14:⁠23

ሓደ ሽግር ምስ ኣጋጠመካ ነገራት ኣጣጢእካ እንደገና ክትጅምር ኵሉ ግዜ ቀሊል ከም ዘይኰነ ሓቂ ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ንኽንዕወት ንዝገበርናዮ ኵሉ ጻዕሪ ዝብድህ ሽግር የጋጥመና ኢዩ። ናብቲ ዘውጻእናዮ ሸቶ እናቐረብና ኣብ ክንዲ እንኸይድ ንድሕሪት ገጽና እናተመለስና ንኸይድ ዘሎና ኰይኑ ክስመዓና ይኽእል ኢዩ። ዓቕልና ይጸበናን ድኹማት ኰይኑ ይስመዓናን እሞ ተስፋ ቘሪጽና ብጭንቀት ንወሓጥ ንኸውን። (ምሳሌ 24:⁠10) መጽሓፍ ቅዱስ ግን “እንተ ዘይተጸልኣናስ: ብጊዜኡ ኽንዐጽድ ኢና እሞ: ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ” ብምባል የተባብዓና።​—⁠ገላትያ 6:9 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

ንኽንጸንዕ እንታይ ክሕግዘና ይኽእል፧

ኣብቲ ዝመረጽናዮ መገዲ ንኽንጸንዕ ዝሕግዘና ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ቍም ነገር ዘለዎን ክብጻሕ ዝከኣልን ሸቶ ምግባር ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ብርግጽ ተረዲእዎ ነይሩ ኢዩ። ንሰብ ቈረንቶስ “እጐዪ አሎኹ: ግናኸ ኸምቲ ንዘይፍሉጥ ዚጐዪ ኣይኰንኩን: እምክት አሎኹ: ከምቲ ንንፋስ ዚወቅዕ ግና አይኰንኩን” በሎም። ጳውሎስ ኣብቲ ዝገብሮ ጻዕሪ ክዕወት እንተድኣ ኰይኑ ልክዕ ከምቲ ሓደ ተቐዳዳማይ ነታ ናይ መወዳእታ ሕንጻጽ ንኽሰግራ ዕላማ ብምግባር ዝጐዪ: ንጹር ሸቶ ከም ዘድልዮ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። “ኣብቲ ስፍራ ቕድድም ዚቃዳደሙኸ ዅላቶም ከም ዚጐዩ: ነታ ዓስቢ ዓወት ግና ሓደ ኸም ዚወስዳዶ: ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትረኽብዋ: ከምኡ ጕየዩ” ብምባል ተማሕጸኖም። (1 ቈረንቶስ 9:24, 26) ብኸመይ ኢና ከምዚ ክንገብር እንኽእል፧

ምሳሌ 14:⁠15 “ለባም . . . ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን” ትብል። ሒዝናዮ ዘሎና ኣንፈት ምትዕርራይ የድልዮ ድዩ ኣየድልዮን ብምምርማር ነቲ ኣብ ህይወት ዘሎና ሸቶ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክንሓስበሉ ጥበብ ኢዩ። ክንዓሞ እንደሊ ነገር እንታይ ምዃኑን ስለምንታይ ከም እንገብሮን ኣብ ኣእምሮና ንጹር ምርዳእ ክህልወና ኣገዳሲ ኢዩ። እቲ ኣብ መወዳእታ ክንበጽሖ ዘሎና ሸቶ ኣብ ኣእምሮና ብንጹር እንተድኣ ተቐሪጹ ናብ ተስፋ ምቝራጽ ገጽና ኣይክንዘብልን ኢና። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መንፈስ ዝነፈሶ ምስላ “ኣዒንትኻ ቀኒዔን ይርአያ . . . ኵሉ ጐደናኻ ምዱብ ይኹን” ብምባል ይምዕድ።​—⁠ምሳሌ 4:25, 26

ሸቶኻ እንታይ ምዃኑ ምስ ፈለጥካ ቀጺልካ እትወስዶ ስጕምቲ ናብኡ ብኸመይ ከም እትበጽሕ ምምርማር ኢዩ። የሱስ “ካባኻትኩምከ: ምስራሕ ግምቢ ዚደሊ እሞ . . . ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ: እንታዋይ እዩ፧” ብምባል ሓተተ። (ሉቃስ 14:28) ምስዚ ስርዓት እዚ ብምስምማዕ ሓደ ኪኢላ ጥዕና ኣእምሮ ከምዚ በለ:- “ብዛዕባ እቶም ዕዉታት ሰባት እተዓዘብክዎ ሓደ ነገር ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ህይወቶም ዘጋጥም ጠንቅን ሳዕቤንን ዘሎ ርክብ ብንጹር ይርድእዎ ኢዮም። ዕዉታት ሰባት ሓደ ነገር ምስ ዝደልዩ: ንኽረኽብዎ ኵሉ ኣድላዪ ዝዀነ ነገር ክገብሩ ከም ዘለዎም ይርድኡ ኢዮም።” ነቲ እንደልዮ ነገር ንምግባር ዘድሊ ስጕምትታት እንታይ ምዃኑ ብንጹር ምርዳእ ናብኡ ንኸነተኵር ይሕግዘና ኢዩ። ገለ ዕንቅፋት ምስ ዘጋጥም እንደገና ተወዲብና ንምጅማሩ ዝቐለለ ከም ዝኸውን ይገብሮ። ንኦርቪልን ዊልበርን ደቂ ራይትስ ከም ዝዕወቱ ዝገበሮም ቀንዲ ነገር ድማ ከምዚ ዝኣመሰለ ምርምር ምግባር ኢዩ።

ስለዚ ኸኣ ዕንቅፋት ምስ ዘጋጥም ብኣወንታዊ መገድን ገለ ተመክሮ ከም እትረኽበሉን ገይርካ ርኣዮ። ነቲ ኵነታት መርምሮ: ኣበይ ከም እተጋገኻ ተረዳእ: ድሕርዚ ነቲ ጌጋ አዐርዮ ወይ ነቲ ድኽመት ፍትሓዮ። “ሃቐና ብምኽሪ ይጸንዕ” ስለ ዝብል ምስ ካልኦት ምዝራብ እውን ይሕግዝ ኢዩ። (ምሳሌ 20:18) ካብቲ እትገብሮ ነፍሲ ወከፍ ጻዕሪ ዝያዳ ተመክሮን ክእለትን ተጥሪ: እዚ ኸኣ ኣብ መወዳእትኡ ዓወት ንኽትረክብ ብዓቢኡ ኣበርክቶ ክገብረልካ ይኽእል ኢዩ።

ሳልሳይ ኣድላዪ ክፍሊ ጽንዓት ከኣ ብቐጻሊ ስጕምቲ ምውሳድ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “እዚ ጥራይ: በቲ ዝበጻሕናዮ መጠን ብሓደ መገዲ ንመላለስ” ብምባል ይምዕደና። (ፊልጲ 3:16) ሓደ ምሁር ከም ዝበሎ “ሚዛናውነትን ቀጻልነትን ውዒሉ ሓዲሩ ርኡይ ፍረ የምጽእ ኢዩ።” እዚ ኣብቲ ብዛዕባ ጐብየን ማንቲለን ዝገልጽ ጽውጽዋይ ጽቡቕ ገይሩ ተገሊጹ ኣሎ። ጐብየ ክንዲ ማንቲለ ዘይጐዪ እኳ እንተዀነ ኣብቲ ቅድድም ተዓዊቱ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ከመይሲ ጐብየ ቀጻልን ምዕሩይን ኣጓይያ ኢዩ ነይርዎ። ካብቲ ቅድድም ኣይወጸን: ክሳዕ መወዳእታ ዘዋጽኦ ናህሪ ኢዩ ነይርዎ: ነታ ናይ መወዳእታ ሕንጻጽ ክሳዕ ዝሓልፋ ኸኣ ጸንዐ። እቲ ምሕዱርን ምዕሩይን ሰብ ቀጻሊ ምዕባለ ስለ ዝገብር ኵሉ ግዜ ንስራሕ እተዳለወ ኢዩ: ስለዚ ኸኣ ነቲ ውድድር ዳርጋ ኣየቋርጾን ወይ ካብቲ ውድድር ተሳዒሩ ኣይወጽእን ኢዩ። እወ: ኣብ ሸቶኹም ንኽትበጽሑ “ከምኡ ጕየዩ።”

ዋጋ ዘለዎ ሸቶ ምምራጽ

ልክዕ ኢዩ: ጽንዓት ፍረ ዘለዎ ንኽኸውን ዋጋ ዘለዎ ሸቶ ክህልዎ ይግባእ። ብዙሓት ሰባት ደድሕሪ እቲ ሓጐስ ዘየምጽእ ነገራት ኢዮም ዝጐዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን “እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ: ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት: ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን . . . ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ” ኢሉ ይሕብር። (ያእቆብ 1:25) እወ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሕግታት ኣምላኽ ንኸተጽንዖ ሸቶ ምግባር ብሓቂ ቍም ነገር ዘለዎ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ከመይሲ ሕጊ ኣምላኽ ኣብቲ ፍጹምን ጻድቕን መለክዒታቱ እተመርኰሰ ኢዩ። ከም ፈጣሪ መጠን ንፍጡራቱ ዝጠቕሞም እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ስርዓታት ኣምላኽ ኣብ ምምሃርን ኣብ ህይወትና ንምትግባሩን ምስ እንጸንዕ ሓጐስ ከም ዘምጽኣልና ርግጽ ኢዩ። ምሳሌ 3:⁠5, 6 “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን . . . ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣካይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ብምባል ትመባጻዕ።

ኣብ ርእሲ እዚ የሱስ ንኣምላኽን ንዕኡን ምፍላጥ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ምዃኑ ተዛሪቡ ኣሎ። (ዮሃንስ 17:3) ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ከም ዘሎና ኢዩ ዝሕብር። (2 ጢሞቴዎስ 3:​1-5፣ ማቴዎስ 24:​3-​13) ድሕሪ ቀረባ ግዜ እታ ጽድቃዊ ምምሕዳር ዘለዋ መንግስቲ ኣምላኽ መምርሒኣ ኣብ ልዕሊ ተቐማጦ ምድሪ ክትገብር ኢያ። (ዳንኤል 2:​44፣ ማቴዎስ 6:​10) እዛ መንግስቲ እዚኣ ንዅሎም እዙዛት ደቅሰብ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ዘመን ሰላምን ብልጽግናን ድሕንነትን ከተምጽኣሎም ኢያ። (መዝሙር 37:10, 11፣ ራእይ 21:4) ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠34 “ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ” ትዛረብ። እወ: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ ዝርከብ ረብሓታት ከስተማቕር ተዓዲሙ ኣሎ!

መጽሓፍ ቅዱስ ጥበብን ትርጕምን ዝመልኦ ጥንታዊ መጽሓፍ ኢዩ። ንኽትርድኦ ግዜን ጻዕርን ይሓትት። እንተ​ዀነ ግን: ነቲ ፍልጠት ክንረክብ ብቐጻሊ ምስ እንጽዕር ብሓገዝ ኣምላኽ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። (ምሳሌ 2:​4, 5፣ ያእቆብ 1:5) እተማሃርናዮ ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ በዳሂ ክኸውን ከም ዝኽእል ፍሉጥ ኢዩ። ኣብ ኣተሓሳስባናን ልምድናን ምትዕርራይ ክንገብር የድልየና ይኸውን። ንጽቡቕና ዝሓስቡ ፈተውቲ ወይ ኣባላት ስድራቤት እውን ከይተረፈ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕና ይጻረሩ ይዀኑ። ስለዚ ጽንዓት ኣድላዪ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ‘ሰናይ ኣብ ምግባር እተዓገሱ’ ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝህቦም የዘኻኽረና። (ሮሜ 2:⁠7) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ሸቶ እዚ ንምብጻሕ ክሕግዙኻ ሕጕሳት ኢዮም።

ብዛዕባ ኣምላኽን ፍቓዱን ኣብ ምምሃር: ነቲ እተማሃርካዮ ኸኣ ብቐጻሊ ኣብ ግብሪ ኣብ ምውዓል ምስ እትጸንዕ ከም እትዕወት ርግጸኛ ኩን።​—⁠መዝሙር 1:⁠1-3

[ምንጪ ስእሊ]

Culver Pictures

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባ ኣምላኽን ፍቓዱን ኣብ ምምሃር ምስ እትጸንዕ ክትዕወት ኢኻ