ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክሳዕ መኣዝ ኢዩ ህላወ እኩያት ክቕጽል፧

ክሳዕ መኣዝ ኢዩ ህላወ እኩያት ክቕጽል፧

ክሳዕ መኣዝ ኢዩ ህላወ እኩያት ክቕጽል፧

“[ኣታ የሆዋ ] ከመይከ እቲ ረሲእ ነቲ ኻብኡ ዚጸድቕ ኪውሕጦ ኸሎ ትም እትብል፧ ”​ኣንባቆም 1:⁠13

1. ምድሪ ምሉእ ብምሉእ ብፍልጠት ክብሪ የሆዋ እትመልኣሉ ግዜ መዓስ ኢዩ፧

 ኣምላኽ ንእኩያት ከጥፍኦም ድዩ፧ ከጥፍኦም እንተድኣ ዀይኑኸ ክሳዕ መኣዝ ኢና ኽንጽበ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ኣብ መላእ ምድሪ ብዝርከቡ ሰባት ኢዩ ዝሕተት። ናይዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ኣበይ ክንረኽቦ ንኽእል፧ ናይዚ መልሲ ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ዝገልጽ ብመለኮታዊ መሪሕነት እተጻሕፈ መንፈስ ዝነፈሶ ትንቢታዊ ቓላት ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። እዚ ቓላት እዚ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዅሎም እኩያት ፍርዱ ኸም ዝፍጽም የረጋግጸልና። ድሕርዚ ጥራይ ኢያ ምድሪ “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ” ምሉእ ብምሉእ “ብፍልጠት ክብሪ እግዚኣብሄር ክትመልእ” እትኽእል። እዚ ኣብቲ ቕዱስ ዝዀነ ቃል ኣምላኽ ኣብ ኣንባቆም 2:⁠14 ዝርከብ ብትንቢት እተነግረ መብጽዓ ኢዩ።

2. መጽሓፍ ኣንባቆም እንታይ ሰለስተ መለኮታዊ ናይ ጥፍኣት ፍርድታት ኢያ ሒዛ ዘላ፧

2 እታ ብ628 ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢላ እተጻሕፈት መጽሓፍ ኣንባቆም: ብየሆዋ ኣምላኽ ዝፍጸሙ ሰለስተ ተኸታተልቲ ናይ ጥፍኣት ፍርድታት ዝሓዘት ኢያ። ክልተ ኻብዚ ፍርድታት እዚ ድሮ ተፈጻምነቱ ረኺቡ ኢዩ። እቲ ቐዳማይ: ኣንጻር እቲ ዓለወኛ ህዝቢ ጥንታዊት ይሁዳ እተፈጸመ ፍርዲ የሆዋ ኢዩ። እቲ ኻልኣይከ፧ እቲ ኻልኣይ: ኣብ ልዕሊ እታ ጨቋኒት ዝነበረት ባቢሎን እተፈጸመ ፍርዲ ኣምላኽ ኢዩ። ብርግጽ እምበኣር እቲ ሳልሳይ መለኮታዊ ፍርዲ ተፈጻምነቱ ኸም ዝረክብ እምንቶ ኽንገብር ዘኽእለና ድልዱል ምኽንያት ኣሎና። አረ: ድሕሪ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ ፍጻሜኡ ክረክብ ትጽቢት ክንገብር ንኽእል ኢና። ኣምላኽ ምእንቲ እዞም ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዘለዉ ቅኑዓት ሰባት ኢሉ: ኣብ ልዕሊ ዅሎም እኩያት ደቅሰብ ጥፍኣት ከውርድ ኢዩ። ተረፍ መረፍ ናይዞም እኩያት እዚኣቶም ከኣ ኣብታ እናተሓምበበት ትቐርብ ዘላ “ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ኣብ ዝካየድ ‘ውግእ:’ ናይ መወዳእታ ትንፋሶም ክትሓልፍ ኢያ።​—⁠ራእይ 16:⁠14, 16

3. ኣብ ልዕሊ እዞም ኣብ ግዜና ዘለዉ እኩያት ዝወርድ ዘየጠራጥር ነገር እንታይ ኢዩ፧

3 እታ ናይ ኣምላኽ ዓባይ መዓልቲ ውግእ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ኢያ ኣዝያ ቀሪባ ዘላ። ልክዕ ከምቲ እቲ ኣንጻር ይሁዳን ባቢሎንን እተወሰነ ፍርድታት የሆዋ ፍጻሜኡ ዝረኸበ: እቲ ኣብ ልዕሊ እዞም ኣብ ግዜና ዘለዉ እኩያት እተወሰነ መለኮታዊ ፍርዲ ኸኣ ተፈጻምነቱ ኸም ዝረክብ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ይኹን እምበር: ንምንታይ ሕጂ ንገዛእ ርእስና ኣብ ይሁዳ ኣብ ግዜ ኣንባቆም ከም ዘሎና ገይርና ዘይንሓስባ፧ ኣብታ ሃገር እንታይ ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ፧

ዕግርግር ዝመልኣ ሃገር

4. ኣንባቆም እንታይ ዘሰምብድ ዜና ኢዩ ዝሰምዕ፧

4 እቲ ነብዪ የሆዋ ዝዀነ ኣንባቆም ነቲ ዝነፍስ ዘሎ ናይ ምሸት ዝሑል ኣየር እናኣስተማቐረ ኣብ ዝባን ናሕሲ ቤቱ ኾፍ ኢሉ ኸም ዘሎ ገይርካ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ኣብ ጐድኑ ናይ ሙዚቃ መሳርሒት ኣላ። (ኣንባቆም 1:⁠1፣ 3:⁠19 መኸተምታ) ኣንባቆም ግን ዘሰምብድ ዜና ይሰምዕ። ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ ንነብዪ ኡርያ ቀተሎ እሞ ንሬሳኡ ድማ ኣብ መቓብር ማንም ህዝቢ ደርበዮ። (ኤርምያስ 26:⁠23) ሓቂ ኢዩ ኡርያ ፈሪሑ ናብ ግብጺ ብምህዳሙ ትውክልቱ ኣብ የሆዋ ኣይነበረን። እንተ​ዀነ ግን: ዮኣቂም ዝፈጸሞ ዓመጽ ንየሆዋ ክብሪ ክህብ ደልዩ ኸም ዘይኰነ ኣንባቆም ይፈልጥ ኢዩ። ከምዚ ዓይነት ድሌት ከም ዘይነበሮ ካብቲ እቲ ንጉስ ንመለኮታዊ ስርዓት ዝነበሮ ሕሉፍ ንዕቀት ከምኡውን ካብቲ ንነብዪ ኤርምያስን ካልኦት ኣገልገልቲ የሆዋን ዝነበሮ ጽልኢ ብግሁድ ክርአ ይከኣል ኢዩ።

5. መንፈሳውነት ይሁዳ ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢዩ ዘሎ: ኣንባቆምከ እንታይ ዓይነት ስምዒት ኢዩ ዝሓድሮ፧

5 ኣንባቆም ካብ ናሕስታት እተን ኣብቲ ኸባቢ ዘለዋ ኣባይቲ: ናይ ዕጣን ትኪ ንላዕሊ ገጹ ክዓርግ ይርኢ። እቲ ህዝቢ ንኣምልኾ የሆዋ ኣይኰነን ዕጣን ዝዓጥን ዘሎ። ብምትብባዕ እቲ እኩይ ንጉስ ይሁዳ ዝዀነ ዮያቂም ኣብ እተኣታተወ ናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ ተግባራት ኢዮም ተጸሚዶም ዘለዉ። ከመይ ዝኣመሰልዎ ንዕቀት ኰን ኢዩ! ኣዒንቲ ኣንባቆም ንብዓት ይቛጽራ: ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ድማ እህህትኡ ይገልጽ:- “ዎ እግዚኣብሄር: ንስኻ ኸይሰማዕካንስ: ክሳዕ መኣዝ ከእዊ እየ፧ ኣነ፤ ዓመጽ: ኢለ ናባኻ ኣእዌኹ: ንስኻውን ኣየድሐንካን። ስለምንታይ ኣበሳ እተርእየኒ: ንስኻስ ሕሰም እትጥምት፧ ምዝራፍን ዓመጽን ኣብ ቅድመይ እዩ: ባእስን ክርክርን ይለዐል አሎ። ስለዚ ሕጊ ደኸመ: ፍትሒውን ከቶ ኣይወጸን። እቲ ረሲእ ነቲ ጻድቕ ከቢብዎ እዩ እሞ: ስለዚ ፍርዲ ቐኒኑ ይወጽእ አሎ።”​—⁠ኣንባቆም 1:⁠2-4

6. ኣብ ይሁዳ ሕግን ፍትሕን ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ነበረ፧

6 እወ: ምዝራፍን ዓመጽን ብዝኸድካዮ ኢዩ መሊኡ ዘሎ። ኣብ ኵሉ እቲ ኣንባቆም ዝርእዮ ዘሎ ቦታታት ብዙሕ መከራ: ባእሲ: ክርክር ኣሎ። ‘ሕጊ ደኺሙን’ ለሚሱን ነበረ። ፍትሒኸ፧ ዘገርም ኢዩ ፍትሒ “ከቶ ኣይወጸን:” ኣይነገሰን! ፍጹምውን ኣይሰፈነን። ኣብ ክንድኡስ ነቲ ንመሳኪን ጸግዒ ክዀኖም ተሓሲቡ ዝነበረ ድንጋገታት ብምግሃስ ‘ረሲኣን ንጻድቃን ይኸብዎም።’ ብርግጽ: “ፍርዲ ቐኒኑ ይወጽእ አሎ።” ዘንቢዑ ኢዩ። ክንደይ ዘሕዝን ኵነታት ኰን ኢዩ ዘሎ!

7. ኣንባቆም እንታይ ንምግባር ኢዩ ቈራጽነት ዝገበረ፧

7 ኣንባቆም ዝን ብምባል ብዛዕባ እቲ ዅነታት ይሓስብ። ንመዝነቱ ይጥንጥኖዶ ይኸውን፧ ብፍጹም! ብዛዕባ እቲ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዘሕለፍዎ መስጐጕቲ ኣጸቢቑ ምስ ሓሰበ: እዚ እሙን ሰብኣይ እዚ ነቲ ጽኑዕን ነቕ ዘይብልን ናይ የሆዋ ነብዪ ኰይኑ ክቕጽል ዝወሰዶ ቘራጽነት መሊሱ የሐድሶ። ዋላ እውን ሞት ዘስዕብ እንተዀነ መልእኽቲ ኣምላኽ ከየባተኸ ክእውጅ ኢዩ።

የሆዋ ንምእማኑ ዘጸግም “ግብሪ” ይፍጽም

8, 9. የሆዋ እንታይ ንምእማኑ ዘጸግም “ግብሪ” ኢዩ ዝፍጽም ዘሎ፧

8 ኣንባቆም ነቶም ንኣምላኽ ዝንዕቅዎ ናይ ሓሶት ሃይማኖታውያን ብራእይ ይርእዮም። የሆዋ እንታይ ከም ዝብሎም እሞ ስምዑ:- “ኣብ ማእከል ኣህዛብ ርአዩን ጠምቱን: ተገረሙ ተደነቑውን።” ኣምላኽ ስለምንታይ ነቶም እኩያት ከምዚ ኢሉ ይዛረቦም ከም ዘሎ ንኣንባቆም ከየገረሞ ኣይተርፍን ኢዩ። ከምዚ ዝስዕብ ክብሎም ከሎ ግን ሰሚዕዎ ኢዩ:- “እንተ ነገሩኹም እኳ ዘይትአምንዎ ግብሪ ብመዓልትታትኩም እገብር አሎኹ።” (ኣንባቆም 1:⁠5) እወ: የሆዋ ባዕሉ ኢዩ ነዚ ‘ዘይኣምንዎ ግብሪ ዝገብሮ’ ዘሎ። እዚ ተግባር እዚ ግን እንታይ ኢዩ፧

9 ኣንባቆም ነተን ኣብ ኣንባቆም 1:⁠6-11 ተመዝጊበን ዘለዋ ኣምላኽ ወሲኹ እተዛረበን ቃላት ጽን ኢሉ ይሰምዐን። እዚ ኣምላኽ ዝሰደዶ መልእኽቲ ኢዩ​—⁠ዝዀነ ይኹን ናይ ሓሶት ኣምላኽ ወይ ዝዀነ ይኹን ህይወት ኣልቦ ጣኦት ተፈጻምነቱ ንኸይረክብ ክዓግቶ ዝኽእል የልቦን​—⁠ትሕዝትኡ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ:- “እንሆ: ዘይናቶም መናበሪ ኺወርሱ: ኣብ ስፍሒ ምድሪ ዚኸዱ መረርትን ፍጡናትን ህዝቢ ከለዳውያን ከተንስእ እየ። ንሳቶም ዜፍርሁን ዜሰምብዱን እዮም: ፍርዶምን ክብረቶምን ካባታቶም ይወጽእ። ኣፍራሶም ካብ ነብሪ ይቕልጥፉ: ካብ ቶዅላ ምሸት ይፈጥኑ: ፈረሰኛታቶም ይዝርግሑ: ፈረሰኛታቶም ካብ ርሑቕ ይመጹ: ከምቲ ናብ ምብላዕ ዚቕልጥፍ ንስሪ ይነፍሩ። ኵላቶም ኪዕምጹ ይመጹ: ትምኒት ገጾም ናብ ቅድሚኦም እዩ: ከም ሑጻ ዝምብዝሖም ይማርኹ። ንነገስታት የላግጽሎም: መሳፍንቲ ኸኣ መስሓቒ ይዀንዎ። ብዅሉ ዕርድታት ይስሕቁ: መሬት ይእክብ: ይወስዶ ኸኣ። ሽዑ ኸም ንፋስ ይሐልፍ: ንኽንየው ይሐልፍ: በዳሊ ኸኣ ይኸውን: ሓይሉ ድማ ኣምላኹ እዩ።”

10. የሆዋ ንመን ኢዩ ዘተንስእ ዘሎ፧

10 ኣየ እዝስ ካብቲ ኣዝዩ ልዑል እተዋህበ ክንደይ ዘፍርሕ ትንቢታዊ መጠንቀቕታ ኰን ኢዩ! የሆዋ ነቶም ኣረመን ህዝቢ ባቢሎን ዝዀኑ ከለዳውያን ኢዩ ዘተንስእ ዘሎ። እቲ ህዝቢ “ኣብ ስፍሒ ምድሪ” ኽምርሽ ከሎ ኣዝዮም ብዙሓት ህዝብታት ንዝሰፍርሉ ቦታታት ጐቢጡ ክሕዞ ኢዩ። ኣየ ኽንደይ ዘርዕድ ኰን ኢዩ! እዚ ጭፍራ ኸለዳውያን እዚ ‘ዘፍርህን ዘሰምብድን:’ ሕሱምን ርጉምን ኢዩ። ናይ ገዛእ ርእሱ ዘይዕጸፍ ሕግታት ኢዩ ዘለዎ። ‘ፍርዱ ኻብኡ ኢዩ ዝወጽእ።’

11. ንኣመጻጽኣ ሓይልታት ባቢሎን ኣንጻር ይሁዳ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

11 ኣፍራስ ባቢሎን ካብ ፈጣናት ነብሪ ንላዕሊ ይቕልጥፉ። እቶም ፈረሰኛታት ከኣ ካብ ብለይቲ ዝሃድኑ ዝጠመዩ ተዃሉ ንላዕሊ ኣራዊታዊ ጭካነ ኣለዎም። እናሓንሓኑ ስለ ዝኸዱ: እቶም ኣፍራስ ብሃወኽ ‘[ኣእጋሮም] ይዝርግሑ።’ ካብታ ኣብ ርሑቕ ዝነበረት ባቢሎን ንይሁዳ ገጹ ዘቃንዐ ኣንፈት ኢዮም ሒዞም ዘለዉ። ከምቲ ንስሪ ናብቲ ዝሃርፎ ገምቢ ዝቕልጥፍ ኢዮም ከለዳውያን እናበረሩ ዝኸዱ ዘለዉ: ድሕሪ ሓጺር ግዜ ድማ ንግዳዮም ክጐብጥዋ ኢዮም። እዚ ግን ብሒደት ወተሃደራት ዝካየድ መጥቃዕቲ ድዩ፧ ኣይፋሉን! ነቲ ኣቐዲሙ “ኵላቶም ኪዕምጹ ይመጹ” ተባሂሉ ተነጊርሉ ዝነበረ ከቢድ ዕንወት ንምውራድ ዝለዓል ገዚፍ ሰራዊት ኢዩ። እቲ ናይ ምህንዳድ ስምዒቶም ኣብ ገጾም ኢዩ ዝንበብ: ከም ንፋስ ምብራቕ እናተሓምበቡ ኸኣ ንምዕራብ ገጾም ናብ ይሁዳን የሩሳሌምን ኣቢሎም ኢዮም ዝውንጨፉ ዘለዉ። ‘ከም ሑጻ ዝምብዛሖም ምሩኻት’ ከኣ ብሓይልታት ባቢሎን ይውሰዱ።

12. ባቢሎናውያን ከመይ ዝበለ ስምዒት ኢዩ ክህልዎም: እዚ ዘይድፈር ጸላኢ እዚኸ ብኸመይ ኢዩ ‘በዳሊ ዝኸውን’፧

12 ሰራዊት ከለዳውያን ነቶም ንሕስያ ንዘይብሉ መጥቃዕቱ ደው ከብልዎ ዓቕሚ ዘይብሎም ነገስታትን መሳፍንትን የላግጸሎምን የካፍኦምን። እቲ ሰራዊት ‘ብዅሉ ዕርድታት ይስሕቕ:’ ከመይሲ እቶም ባቢሎናውያን መጥቃዕቲ ዝፍንውሉ ‘መሬት ብምእካብ’ ሓመድ ክዅምሩ ኸለዉ ዝዀነት ትኹን ዕርዲ ፈሪሳ ማለት ኢዩ። ኣብቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ እዚ ዘይድፈር ጸላኢ እዚ “ኸም ንፋስ ይሐልፍ።” ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን መጥቃዕቲ ብምውራድ ንህዝቢ ኣምላኽ ይሃስዮም: “በዳሊ ኸኣ ይኸውን።” ኣብዚ ደምሳሲ ውግእ ዓወት ምስ ተረኽበ: እቲ ከለዳዊ ኣዛዝ ሰራዊት ‘እዚ ሓይሊ እዚ ሳላ ኣምላኽና ኢዩ’ ብምባል ይምካሕ። እዝስ ከመይ ዝበለ ድንቁርና ዀን ኢዩ!

ተስፋ ዝህብ ምኽንያት

13. ንኣንባቆም ተስፋን እምንቶን ዝሓደሮ ስለምንታይ ኢዩ፧

13 ኣንባቆም ብዛዕባ ዕላማ የሆዋ ተወሳኺ ምርዳእ ብምርካቡ ተስፍኡ እናዓበየ ይኸይድ። ምሉእ እምንቶ ብምግባር ከኣ ብዛዕባ የሆዋ ክብሪ ብዝመልኦ ኣገባብ ይዛረብ። ከምቲ ኣብ ኣንባቆም 1:⁠12 (NW ) ተጻሒፉ ዘሎ እቲ ነብዪ ከምዚ ብምባል ይዛረብ:- “ዎ የሆዋ ካብ ጥንቲ ንስኻዶ ኣይኰንካን፧ ዎ ኣምላኸይ: ቅዱሰይ ንስኻ ኣይትመውትን ኢኻ።” ብርግጽ የሆዋ “ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም:” እወ ንዘለኣለመ ኣለም ኣምላኽ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 90:⁠1, 2

14. እቶም ከሓድቲ ዝዀኑ ደቂ ይሁዳ ከመይ ዝበለ መገዲ ኢዮም ስዒቦም፧

14 ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዘርኣዮ ራእይ ኣዕሚቑ ብምሕሳብን በቲ ኻብቲ ራእይ ዝረኸቦ ምርዳእ ብምሕጓስን እቲ ነብዪ ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “ዎ እግዚኣብሄር: ንፍርዲ ኣንበርካዮም: ኣታ ኸውሒ: ንመቕጻዕቲ ሰረትካዮም።” ኣምላኽ ንኸሓድቲ ደቂ ይሁዳ ብዘሰክሕ መገዲ ይፈርዶም ኢዩ ዘሎ: እቲ ኻብ የሆዋ ዝወርድ መግናሕትን ከቢድ መቕጻዕትን ከኣ ዝግብኦም ኢዩ። ንኣምላኽ ከም ከውሖም: ከም እንኮ ናይ ሓቂ ጸግዖም: መዕቈቢኦም: ከምኡውን ከም ምንጪ ምድሓኖም ክርእይዎ ኢዩ ዝግብኦም ነይሩ። (መዝሙር 62:⁠7፣ 94:⁠22፣ 95:⁠1) ኰይኑ ግን: እቶም ከሓድቲ መራሕቲ ይሁዳ ናብ ኣምላኽ ገጾም ኣይቀርቡን ጥራይ ዘይኰነስ ንመሳኪን ኣምለኽቲ የሆዋ ቀጻሊ ይጭቍንዎም።

15. ብዛዕባ የሆዋ ‘ኣዒንቱ እከይ ንምርኣይ ኣዝየን ጽሩያት ኢየን’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

15 እዚ ዅነታት እዚ ንነብዪ የሆዋ ኣዝዩ የጨንቖ። ስለ ዝዀነ ኸኣ ኢዩ “ኣዒንትኻ እኩይ ንምርኣይ ኣዝየን ጽሩያት እየን: ኣበሳ ኽትጥምት ኣይኰነልካን” ብምባል ዝዛረብ። (ኣንባቆም 1:⁠13) ብርግጽ እምበኣር የሆዋ ‘እከይ ንምርኣይ ኣዒንቱ ኣዝየን ጽሩያት’ ኢየን: እዚ ኸኣ ንእከይ ክጻወሮ ይኽእል ማለት ኢዩ።

16. ነቲ ኣብ ኣንባቆም 1:⁠13-17 ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ ብኸመይ ጸሚቝካ መቕረብካዮ፧

16 ስለዚ ኸኣ ኢዩ ንኣንባቆም ዘተሓሳስብ ሕቶታት ዝመላለሶ ዘሎ። ከምዚ ብምባል ድማ ይሓትት:- “ስለምንታይ ነቶም ጠለምቲ እትጥምቶም፧ ከመይከ እቲ ረሲእ ነቲ ኻብኡ ዚጸድቕ ኪውሕጦ ኸሎ ትም እትብል፧ ከመይሲ ንሰባት ከምቶም ዓሳ ባሕርን ከምቶም ገዛኢ ዜብሎም ለመምታን እትገብሮም፧ ንዅላቶም ብመቝለብ ኣውጽኦም: ብመርበቡ ሰሐቦም: ብመግፈፊኡ ድማ አከቦም: ስለዚ ባህ ኢልዎ እልል ይብል። ስለዚ ንመርበቡ መስዋእቲ የቕርበሉ: ንመግፈፊኡ ድማ ዕጣን ይዓጥን አሎ: እዚ ኸኣ ብኣታቶም ግዲኡ ስለ ዝሰብሓሉ ምግቡውን ስለ ዝጠዐመሉ እዩ። ስለዚዶ መርበቡ ኼዕርቕ እዩ፧ ኵሉ ጊዜዶኸ ንህዝብታት ብዘይ ምሕረት ኪቐትል እዩ፧”​—⁠ኣንባቆም 1:⁠13-17

17. (ሀ) ባቢሎናውያን ንይሁዳን የሩሳሌምን ከጥቅዕወን ከለዉ ብኸመይ ኢዮም ዕላማ ኣምላኽ ዝፈጸሙ፧ (ለ) የሆዋ ንኣንባቆም እንታይ ኢዩ ኽገልጸሉ፧

17 ባቢሎናውያን ንይሁዳን ነታ ርእሲ ኸተማኣ ዝዀነት የሩሳሌምን ከጥቅዑወን ከለዉ ከምቲ ባህጎም ገይሮም ኢዮም ስጕምቲ ክወስዱ። ኣምላኽ ኣንጻር ሓደ ጠላም ህዝቢ ጽድቃዊ ፍርዱ ንኽፍጽሙ ከም መሳርሒ ይጥቀመሎም ከም ዘሎ ኣይክፈልጡን ኢዮም። ኣምላኽ ነቶም እኩያት ባቢሎናውያን ፍርዱ ንኽፍጽሙ ክጥቀመሎም ምድላዩ: ንኣንባቆም ስለምንታይ ከም ዘይውሓጠሉ ክትርድኦ ቀሊል ኢዩ። እቶም ንሕስያ ዘይብሎም ጨካናት ከለዳውያን እቲኣቶም ኣምለኽቲ የሆዋ ኣይኰኑን። ንሰባት ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሮም ንምግባርን ንምዕምጣሮምን ካብ ‘ዓሳን ለመምታን’ ፈልዮም ዘይርእዩ ኢዮም። እዚ ንኣንባቆም ድንጽው ኢልዎ ዘሎ ዅነታት ግን ከምኡ ኢሉ ኣይክቕጽልን ኢዩ። ባቢሎናውያን ብሰንኪ እቲ ስሱዕ ዘመተኦምን ህሩፍ ናይ ደም ጽምኦምን ከይተቐጽዑ ኸም ዘይተርፉ የሆዋ ቁሩብ ጸኒሑ ንነብዪኡ ክገልጸሉ ኢዩ።​—⁠ኣንባቆም 2:⁠8

ተወሳኺ ቃላት የሆዋ ንምስማዕ ይዳሎ

18. ካብቲ ኣብ ኣንባቆም 2:⁠1 ተገሊጹ ዘሎ ናይ ኣንባቆም ዝንባለ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧

18 ይኹን እምበር: ኣብዛ ግዜ እዚኣውን ኣንባቆም ተወሳኺ ቃላት የሆዋ ክሰምዕ ይጽበ። እቲ ነብዪ “ብዛዕባ እቲ ኽትዔይ ንሱ እንታይ ከም ዚዛረበንን ኣነ እንታይ ከም ዝመልሰሉን ተጠንቂቐ ኽርእስ: ኣብቲ መሓለውየይ ደው ክብል: ኣብ ልዕሊ ግምቢውን ክቐውም እየ” ብምባል ዘለዎ ቘራጽነት ይገልጽ። (ኣንባቆም 2:⁠1) ኣንባቆም ነቲ ኣምላኽ ከም ነብዪኡ መጠን ብእኡ ኣቢሉ ክዛረቦ ዘለዎ ንምስማዕ ተሃንጥዩ ኢዩ ዘሎ። እቲ ከም ንኽፍኣት ዘይጻወር ኣምላኽ መጠን ኣብ የሆዋ ዘለዎ እምነት ስለምንታይ እከይ ኣስፋሕፊሑ ኸም ዘሎ ኣገሪምዎ እኳ እንተዀነ: ኣተሓሳስብኡ ንኸዐሪ ግን ሰናይ ድሌት ኢዩ ሒዙ ዘሎ። ንሕናኸ ከመይ ኢና፧ የሆዋ ኣምላኽ እኩይ ንዝዀነ ነገራት ስለምንታይ ብተጻዋርነት ይርእዮ ኸም ዘሎ ምስ ዘተሓሳስበና እቲ ኣብ ጽድቂ ኣምላኽ ዘሎና እምንቶ: ሚዛንና ንኽንሕሉን ተስፋና ኣብኡ ንኽንገብርን ክሕግዘና ይግብኦ።​—⁠መዝሙር 42:⁠5, 11

19. ንፍጻሜ እቲ ኣምላኽ ንኣንባቆም ዝነገሮ ቃላት: ኣብ ልዕሊ እቶም ፋሉል ዝኸዱ ደቂ ይሁዳ እንታይ ኢዩ ዝወረደ፧

19 ኣምላኽ ብመሰረት እቲ ንኣንባቆም ዝበሎ ቓላት: ባቢሎናውያን ንይሁዳ ክወሩዋ ብምፍቃድ ኣብ ልዕሊ እቲ ፋሉል ዝኸደ ህዝቢ ይሁዳ ፍርዱ ፈጸመ። ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ባቢሎናውያን ንየሩሳሌምን ነታ ቤት መቕ​ደስን ኣዕነዉወን: ንዓበይትን ንኣሽቱን ቀተሉ: ንብዙሓት ከኣ ምሩኻት ገይሮም ወሰድዎም። (2 ዜና መዋእል 36:⁠17-20) ኣብ ባቢሎን ሓያለይ ናይ ምርኮ ግዝያት ድሕሪ ምሕላፎም: እሙናት ኣይሁዳውያን ተረፍ ናብ ሃገሮም ተመልሱ እሞ ጸኒሖም ነታ ቤት መቕደስ ሃነጹዋ። ይኹን እምበር: ጸኒሖም ከኣ ኣይሁድ እንደገና ንየሆዋ​—⁠ብፍላይ ንየሱስ ከም መሲሕ ምቕባል ምስ ኣበይዎ⁠—​ጠሊሞምዎ ኢዮም።

20. ንምንጻግ የሱስ ብዝምልከት ብኸመይ ኢዩ ጳውሎስ ንኣንባቆም 1:⁠5 እተጠቕመላ፧

20 ብመሰረት ግብሪ ሃዋርያት 13:⁠38-41 ሃዋርያ ጳውሎስ ንየሱስ ምንጻግን ነቲ በጅነታዊ መስዋእቱ ምንዓቕን እንታይ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ነቶም ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ኣይሁድ ገሊጽሎም ኢዩ። ካብቲ ናይ ግሪኽ ትርጕም ሰፕቱጀንት ንኣንባቆም 1:⁠5 ብምጥቃስ ከኣ ከምዚ ይብል:- “እቲ ብነብያት፤ ኣቱም ነዓቕቲ: ርአዩ: ሓደ እኳ እንተ ነገረኩም: ከቶ ዘይትአምንዎ ግብሪ ብዘመንኩም ክገብር እየ እሞ: ተገረሙን ጥፍኡን: ዚብል ከይበጽሓኩም ተጠንቀቑ።” ብመሰረት እዛ ናይ ጳውሎስ ጥቕሲ እዚኣ የሩሳሌምን ቤት መቕደሳን ብ70 ኸ.ኣ.ዘ. ብሰራዊት ሮሜ ምስ ተደምሰሳ ኣንባቆም 1:⁠5 ካልኣይ ፍጻሜኣ ረኺባ ኢያ።

21. እቶም ኣብ ግዜ ኣንባቆም ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ነቲ ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ከም ዘጥፍእዋ ብምግባር ክግለጽ ዝነበሮ “ግብሪ” ኣምላኽ ብኸመይ ረኣይዎ፧

21 እታ ኸተማ: ኣምልኾ የሆዋ ዝካየደላ ስፍራ ከምኡውን ዝፋን እቲ የሆዋ ዝቐብኦ ንጉስ ዝቕመጠላ ቦታ ኢያ ነይራ፣ ስለዚ ኸኣ እቲ ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ንኸጥፍእዋ ብምፍቃድ ዝግለጽ “ግብሪ” ኣምላኽ ነቶም ኣብ ግዜ ኣንባቆም ዝነበሩ ኣይሁድ ዘይሕሰብ ኢዩ ነይሩ። (መዝሙር 132:⁠11-18) ቅድሚኡ የሩሳሌም ከምዚ ዝኣመሰለ ጥፍኣት ኣጋጢምዋ ኣይፈልጥን ኢዩ። እታ ኣብታ ኸተማ ዝነበረት ቤት መቕደስ ነዲዳ ኣይትፈልጥን ኢያ ነይራ። እቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ዳዊት ካብ ስልጣን ተኣልዩ ኣይፈልጥን ኢዩ ነይሩ። የሆዋ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ንኽፍጸም ከፍቅድ ኢዩ ኢልካ ምእማን ብሓቂ ዘጸግም ኢዩ ነይሩ። ኣምላኽ ግን ብኣንባቆም ኣቢሉ እዚ ዘሰምብድ ፍጻመታት እዚ ብርግጽ ከም ዝኸውን ግቡእ መጠንቀቕታ ሂቡ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ኣቐዲሙ ተነጊሩ ዝነበረ ኸኣ እዚ ነገራት እዚ ፍጻሜኡ ኸም ዝረኸበ ታሪኽ ዘረጋግጾ ሓቂ ኢዩ።

ዘይእመን ዘመናዊ “ግብሪ” ኣምላኽ

22. እቲ ንዘበንና ዝምልከት ዘይእመን “ግብሪ” የሆዋ እንታይ ኢዩ፧

22 ኣምላኽ ኣብ ዘበንና ዘይእመን “ግብሪ” ክፍጽም ድዩ፧ ዋላ እኳ ንተጠራጠርቲ ምእማኑ ዘጸግም ዝመስሎም እንተዀነ: ስጕምቲ ኸም ዝወስድ ርግጸኛታት ኩኑ። ኣብዚ እዋን እዚ ዘይእመን ግብሪ የሆዋ: ጥፍኣት ህዝበ⁠-​ክርስትያን ኢዩ ክኸውን። ልክዕ ከምታ ጥንታዊት ይሁዳ: ህዝበ⁠-​ክርስትያን ንኣምላኽ ከም እተምልኽ ትዛረብ እኳ እንተ ዀነት ምሉእ ብምሉእ ግን ብልሽውቲ ኢያ ዀይና ዘላ። ድሕሪ ሓጺር እዋን የሆዋ ነዛ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት “ዓባይ ባቢሎን” ብምልእታ ኸጥፍኣ ኸሎ: ካብ ሃይማኖታዊ ኣገባብ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ሓንቲ ኣሰር እውን ትኹን ከም ዘይትተርፍ ገይሩ ኢዩ ኸጥፍኣ።​—⁠ራእይ 18:⁠1-24

23. መንፈስ ኣምላኽ: ኣንባቆም ቀጺሉ እንታይ ንኽገብር ኢዩ ዝደረኾ፧

23 ኣንባቆም: የሩሳሌም ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ቅድሚ ምጥፍኣ ክፍጽሞ ዘለዎ የሆዋ ዝሃቦ ዕዮ ነይርዎ ኢዩ። ኣምላኽ ንነብዪኡ እንታይ ገና ዘይነገሮ ነገር ኢዩ ዘለዎ፧ ዘገርም ኢዩ: ኣንባቆም ናይ ሙዚቃ መሳርሒኡ ኣልዒሉ ቍዝማ ዝመልኦ መዝሙር ጸሎት ናብ የሆዋ ከም ዘቕርብ ዝገብሮ ነገራት ክሰምዕ ነበሮ። ፈለማ ግን ነቲ እተፈላለየ ወዮ ዝገልጽ ኣዋጅ ምእንቲ ኽነግር መንፈስ ኣምላኽ ነቲ ነብዪ ክድርኾ ነበሮ። ዓሚቝ ትርጕም ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ዝገልጽ ትንቢታዊ ቓላት ንምርዳእ ጥልቕ ዝበለ ምስትውዓል ምስ እንረክብ ብሞሳ ኸም እንቕበሎ እተረጋገጸ ኢዩ። ሃየ እምበኣር: ንትንቢት ኣንባቆም ተወሳኺ ኣድህቦ ንግበረሉ።

ትዝክሮዶ፧

ኣብ ግዜ ኣንባቆም ኣብ ይሁዳ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢዩ ዝነበረ፧

የሆዋ ኣብ እዋን ኣንባቆም እንታይ ዘይእመን “ግብሪ” ኢዩ ዝፈጸመ፧

ኣንባቆም ተስፋ ንኽገብር እንታይ ምኽንያት ኢዩ ዝነበሮ፧

ኣምላኽ ኣብ ዘበንና እንታይ ዘይእመን “ግብሪ” ኢዩ ኽፍጽም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ስለምንታይ ኣምላኽ እከይ ክቕጽል ከም ዝፈቐደ ንኣንባቆም ኣተሓሳሲብዎ ኢዩ። ንዓኻኸ፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ሃገር ይሁዳ ብኢድ ባቢሎናውያን መከራ ኸም ዝወርዳ ኣንባቆም ኣቐዲሙ ነጊሩ ነይሩ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ስነ -​ጥንታዊ መርትዖ ፍርስራሳት ናይታ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ዝጠፍአት የሩሳሌም