ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ መዕቆብየይን ሓይለይን ኢዩ

የሆዋ መዕቆብየይን ሓይለይን ኢዩ

ታሪኽ ህይወት

የሆዋ መዕቆብየይን ሓይለይን ኢዩ

ብማርሰል ፊልቶ እተዘንተወ

ሰባት ነታ ክምርዓዋ ሓሲበ ዝነበርኩ መንእሰይ “ነዚ እንተ ተመርዒኽዮ ክትእሰሪ ኢኺ” ይብልዋ ነበሩ። ከምዚ ዝበልሉ ምኽንያት እስከ ክገልጸልኩም።

 ብ1927 ኣብ እተወለድኩሉ እዋን: እታ ኣብ ካናዳ እትርከብ ኣውራጃ ኲበክ ሕምብርቲ እምነት ካቶሊክ ኢያ ነይራ። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ኣቢሉ: ሰሲል ዱፉር እትበሃል ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ዝዀነት ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ከተማ ሞንትሪያል ኣብ ገዛና ክትመጽእ ጀመረት። በዚ ምኽንያት እዚ ጐረባብትና ብዙሕ ግዜ የፈራርህዋ ነበሩ። ሕሉፍ ሓሊፉ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ ብምስባኻ ብዙሕ ግዜ ተኣሲራን ተበሳቢሳን ኢያ። ስለዚ እተን “ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም” ዝብላ ቃላት የሱስ ሓቂ ምዃነን ብኡንብኡ ተረዳእና።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠9

ኣብቲ ግዜ እቲ: ሓንቲ ቋንቋ ፈረንሳ እትዛረብ ካናዳዊት ስድራቤት ንናይ ካቶሊክ እምነት ክትገድፍ ብዙሓት ዘይሕሰብ ገይሮም ኢዮም ዝወስድዎ ነይሮም። ወለደይ እተጠምቁ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እኳ እንተ ዘይኰኑ: እቲ ካቶሊካዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን እትምህሮ ትምህርቲ ግን ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይሰማማዕ ብኡንብኡ ኣብ መደምደምታ በጽሑ። ስለዚ: ንሸሞንተ ደቆም ነቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ጽሑፋት ከንብቡ የተባብዕዎም ነበሩ: ነቶም ሓቂ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እተቐበልና ድማ ይድግፉና ነበሩ።

ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት ጽኑዕ ኣቕዋም ምውሳድ

ብ1942 ገና ትምህርቲ ከይወዳእኩ ከለኹ: ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ከሕድር ጀመርኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብነት ናይቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ብምስዓብ ኣብቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝግበር ዝነበረ ውግእ ስለ ዘይተኻፈሉ: ዕዮኦም ኣብ ካናዳ ተኣጊዱ ነበረ። (ኢሳይያስ 2:⁠4፣ ማቴዎስ 26:⁠52) እቲ ዓቢ ሓወይ ሮላ ኣብቲ ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ዓለም ኣጽዋር ምልዓል ስለ ዝኣበየ ኣብ ናይ ሸቕሊ ደምበ ኣእተዉዎ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ: ኣቦይ ብዛዕባ እቶም ንወተሃደራዊ ወፍርታት ናይ ኣዶልፍ ሂትለር ብዘይምድጋፎም ብዙሕ ስቓይ ዝወርዶም ዝነበረ ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እትገልጽ ብፈረንሳይኛ እተሓትመት መጽሓፍ ሃበኒ። a ከምዞም ክምህ ዘይብሉ ኣብነታት ናይ ንጽህና ንኽኸውን ድራኸ ሓደረኒ፣ ኣብ ናይ ብሕቲ ቤት ኣብ ዝግበር ዝነበረ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣኼባታት ከኣ ክካፈል ጀመርኩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብ ዕዮ ስብከት ክካፈል ተዓደምኩ። ክእሰር ከም ዝኽእል ምሉእ ብምሉእ ብምርዳእ ነዚ ዕድመ እዚ ተቐበልኩዎ።

ሓይሊ ክረክብ ድሕሪ ምጽላይ ንመጀመርታ ግዜ ንሓንቲ ገዛ ኳሕኳሕኩ። ሓንቲ ሕያወይቲ ሰበይቲ ነቲ ማዕጾ ከፈተቶ: ካብኡ ገዛእ ርእሰይ ምስ ኣፋለጥኩ ነተን ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16 ዘለዋ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ . . . ይጠቅም እዩ” ዝብላ ቓላት ኣንበብኩላ።

ድሕርዚ “ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ክትማሃሪ ትደልዪዶ፧” ኢለ ሓተትክዋ።

ንሳ ኸኣ “እወ” ኢላ መለሰትለይ።

ስለዚ ካባይ ንላዕሊ መጽሓፍ ቅዱስ እትፈልጥ ሓብተይ ከምጽኣላ ምዃነይ ነገርክዋ፣ ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ሰሙን ከኣ ከም ቃለይ ገበርኩ። ድሕርቲ ናይ መጀመርታ ተመክሮይ ዝያዳ ምትእምማን ሓደረኒ: እቲ ኣገልግሎት ብሓይልና ንፍጽሞ ከም ዘየሎና ድማ ተማሃርኩ። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ ብሓገዝ የሆዋ ኢና ነዚ እንፍጽሞ። ‘እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ እምበር ካባና ከም ዘይኰነ’ ኣፍልጦ ምሃብ ኣዝዩ ኣድላዪ ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 4:⁠7

ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ: ዕዮ ስብከት ይኹን ማእሰርቲ ስሩዕ ክፍሊ ህይወተይ ኰነ። ነታ ክምርዓዋ ዝሓሰብኩ ሰበይቲ “ነዚ እንተ ተመርዒኽዮ ክትእሰሪ ኢኺ” እንተ በልዋ እምበኣር ዘገርም ኣይነበረን! እንተዀነ ግን: እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮታት ክሳዕ ክንድቲ ኣጸጋሚ ኣይነበረን። መብዛሕትኡ ግዜ ሓንቲ ለይቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣሕለፍና ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተዋሒሱ የውጽኣና ነበረ።

ኣገዳሲ ውሳነ

ብሚያዝያ 1943 ህይወተይ ንየሆዋ ወፈኹ: ነዚ ኸኣ ብማይ ጥምቀት ኣርኣኹ። ድሕርዚ: ብነሓሰ 1944 ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዓቢ ኣኼባ ተኻፈልኩ፣ እዚ ድማ ኣብቲ ጥቓ ዶብ ካናዳ ኣብ ዝርከብ ቡፋሎ: ኒው ዮርክ: ሕ.መ.ኣ. እተገብረ ነበረ። ኣብኡ 25,000 ተኣከብቲ ነበሩ፣ እቲ ፕሮግራም ከኣ ሓደ ካብቶም ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ፓይነር ተባሂሎም ዝጽውዑ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ንኽኸውን ባህጊ ኣሕደረለይ። እቲ ኣብ ካናዳ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረ እገዳ ብግንቦት 1945 ተላዕለ: ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ወርሒ ድማ ፓይነር ኰይነ ከገልግል ጀመርኩ።

ኣብ ኣገልግሎት ዘበርክቶ እጃም እናወሰኸ ክኸይድ ከሎ ግን: ብተደጋጋሚ እእሰር ነበርኩ። ሓደ ግዜ ምስ ሓደ ንነዊሕ እዋን ንየሆዋ እሙን ኰይኑ ዘገልገለ ማይክ ሚለር ዝበሃል ሓው ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ተኣሰርኩ። ኣብቲ ብስሚንቶ እተሰርሐ ባይታ ኮፍ ኢልና ኣዕለልና። እቲ ሃናጺ መንፈሳዊ ዕላልና ኸኣ ብዙሕ ኣበራትዓኒ። ድሓር ግን ‘ኣብ መንጎና ዘይምርድዳእ እንተ ዝህሉ እሞ ንሓድሕድና እንተ ዘይንዘራረብ እንታይ ምዀንና፧’ ዝብል ሕቶ መጸኒ። ምስዚ ፍቑር ሓው እዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፍክዎ ግዜ ሓደ ካብቲ ኣብ ህይወተይ ብሉጽ ትምህርቲ ዝረኸብኩሉ ኢዩ​—⁠ኣሕዋትና ስለ ዘድልዩና ንሓድሕድና ይቕረ እንበሃሃልን ሕያዎትን ክንከውን ኣሎና። እንተ ዘይኰነ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ንሓድሕድኩም እንተ ተናኸስኩምን ተባላዕኩምን ግና: ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ” ብምባል ዝጸሓፎ ኢዩ ዘጋጥም።​—⁠ገላትያ 5:⁠15

ኣብ መስከረም 1945 ኣብቲ ኣብ ቶሮንቶ: ካናዳ: ዝርከብ ቤትኤል ኢልና እንጽውዖ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኰይነ ከገልግል ተዓደምኩ። እቲ ኣብኡ ዝነበረ መንፈሳዊ ፕሮግራም ብሓቂ ሃናጽን እምነት ዘደልድልን ኢዩ ነይሩ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት: ካብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ብወገን ሰሜን 40 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ናይ ቤትኤል ሕርሻ ክዓዪ ተመደብኩ። ኣብኡ ምስ ኣን ዎሊነክ እትበሃል መንእሰይ ኰይነ ስትሮውቤሪ ዝበሃል ፍረ ክኣሪ ከለኹ: ኣካላዊ ትርኢታ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ኣብ የሆዋ ዘለዋ ፍቕርን ቅንእን እውን ከስተውዕል ከኣልኩ። ርክብና እናማዕበለ ከደ እሞ ብጥሪ 1947 ተመርዓና።

ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ለንደን: ኦንታሪዮ: ድሓር ከኣ ኣብታ ኬፕ ብረተን እትበሃል ደሴት ፓይነራት ኴንና ኣገልገልና። ኣብዛ ደሴት እዚኣ ኸኣ ጉባኤ ኣብ ምቛም ሓገዝና። ካብኡ: ብ1949 ኣብ መበል 14 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክንካፈል ተዓደምና: ኣብኡ ድማ ሚስዮናውያን ንኽንከውን ስልጠና ተዋህበና።

ኣብ ኲበክ ሚስዮናዊ ኴንካ ምግልጋል

እቶም ቅድሜና ካብ ጊልዓድ እተመረቑ ካናዳውያን ኣብ ኲበክ ናይ ስብከት ዕዮ ክጅምሩ ተመዲቦም ነበሩ። ብ1950 ንሕናን ካልኦት ምሳና ካብ መበል 14 ክፍሊ እተመረቑ 25 ሚስዮናውያንን ናብ ኲበክ ከድና። ናይ ሚስዮናዊ ንጥፈታት ብምውሳኹ ብመራሕቲ ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን እተለዓዓለ መስጐጕትን ናዕብን ጸዓቐ።

ኣብቲ ሚስዮናውያን ኴንና እተመደብናሉ ከተማ ሮይን ምስ ኣተና ድሕሪ ክልተ መዓልቲ: ኣን ተታሕዘት እሞ ኣብ ናይ ፖሊስ ማኪና ኸኣ ኣእተዉዋ። እዚ ንዓኣ ሓድሽ ተመክሮ ነበረ: ከመይሲ ኣብ ኣውራጃ ማኒቶባ: ካናዳ: ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ቍሸት ኢያ ዓብያ: ፖሊስ እውን ሳሕቲ ኢያ ትርኢ ነይራ። ስለዚ ፈርሀት: ነተን “ነዚ እንተ ተመርዒኽዮ ክትእሰሪ ኢኺ” ዝብላ ቃላት ድማ ዘከረተን። እንተዀነ ግን: ቅድሚ ምኻዶም እቶም ፖሊስ ንዓይ እውን ረኸቡኒ እሞ ኣብታ ኣን ዝነበረታ ማኪና ኣእተዉኒ። ኣን “ንዓኻ ብምርካበይ ብሓቂ ኢየ ተሓጒሰ!” በለት። እቲ ዘገርም ግን ሃዲኣ ነበረት: “ሃዋርያት ብዛዕባ የሱስ ብምስባኾም ተመሳሳሊ ነገር ገጢምዎም ኢዩ” ብምባል ድማ ርእይቶኣ ገለጸት። (ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠1-3፣ 5:⁠17, 18) ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ብዋሕስ ተፈታሕና።

ድሕርዚ ኣጋጣሚ እዚ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ጸኒሑ: ኣብቲ ሓድሽ እተመደብናሉ ሞንትሪያል ካብ ቤት ናብ ቤት እናገልገልና ከሎና ናይ ረብሻ ድምጺ ሰማዕኩ: መናዓብቲ ሰባት ኣእማን ክድርብዩ ኸለዉ ድማ ረኣኽዎም። ንኣንን ንብጸይታን ክሕግዘን ክኸይድ ከለኹ ፖሊስ መጹ። እቶም ፖሊስ ግን ነቶም መናዓብቲ ኣብ ክንዲ ዝኣስርዎም: ንኣንን ንብጸይታን ኣሰርወን! ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከለዋ ኣን ነታ ሓዳስ ናይ የሆዋ ምስክር እተን “ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ሰብ ኪጸልኣኩም እዩ” ዝብላ ቃላት የሱስ ይፍጸማ ምህላወን ኣዘኻኸረታ።​—⁠ማቴዎስ 10:⁠22

ኣብ ሓደ እዋን: 1,700 ኣቢሉ ዝኸውን ኣንጻር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝቐረበ ክስታት ኣብ ኣብያተ⁠-​ፍርዲ ኲበክ ጠልጠል ኢሉ ነበረ። ብሓፈሽኡ: መናዓቢ ወይ ፍቓድ ዘይብሉ ጽሑፋት ዘርጊሕኩም ተባሂልና ተኸሰስና። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ እቲ ክፍሊ ሕጊ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኣንጻር መንግስቲ ኲበክ ስጕምቲ ወሰደ። ንነዊሕ እዋን ሕጋዊ ቃልሲ ምስ ተገብረ: የሆዋ ኣብ ቅድሚ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ ክልተ ዓበይቲ ዓወታት ኣዕተረና። ብታሕሳስ 1950 ካብቲ ጽሑፋትና መናዓቢ ምዃኑ ዝገልጽ ክሲ ሓራ ኰንና: ብጥቅምቲ 1953 ድማ ብዘይገለ ፍቓድ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ንኽንዕድል ዘሎና መሰል ተረጋገጸልና። ስለዚ: የሆዋ ብኸመይ “መዕቈብን ሓይልን: ብጸበባ ፍጡን ረድኤትን” ከም ዝዀነልና ብጋህዲ ርኢናዮ ኢና።​—⁠መዝሙር 46:⁠1

እቲ ዘደንቕ ከኣ: ብ1945 ፓይነር ኰይነ ከገልግል ክጅምር ከለኹ ኣብ ኲበክ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቍጽሮም 356 ነበረ: ሎሚ ግን ልዕሊ 24,000 በጺሖም ኣለዉ! ልክዕ ከምቲ “ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኵሉ ኣይኪጠቅምን እዩ: ነቲ ንፍርዲ ዚትንስኣኪ ዅሉ ልሳን ድማ ክትረትዕዮ ኢኺ” ዝብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ትንቢት ኢዩ ተፈጺሙ።​—⁠ኢሳይያስ 54:⁠17

ኣብ ፈረንሳ ዝገበርናዮ ኣገልግሎት

ብመስከረም 1959: ኣብ ፓሪስ: ፈረንሳ: ኣብ ዝርከብ ቤትኤል ከነገልግል ተዓደምና፣ ኣነ ድማ ናይ ሕትመት ተዓዛቢ ኰይነ ክዓዪ ተመዘዝኩ። ብጥሪ 1960 ናብታ ሃገር ክሳዕ እንኸይድ እቲ ሕትመት ኣብ ናይ ንግዳዊ ትካል ይግበር ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ፈረንሳ ግምቢ ዘብዐኛ ንኸይሕተም ተኣጊዱ ስለ ዝነበረ: ነቲ መጽሔት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ከም 64 ገጽ ዘለዋ ንእሽቶ መጽሓፍ ገይርና ንሓትሞ ነበርና። እታ ንእሽቶ መጽሓፍ ውሽጣዊት ቡለቲን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂላ ትጽዋዕ ነበረት: ኣብ ውሽጢ ወርሒ ኣብ ጉባኤታት ዝውሰድ ትምህርቲ ዝሓዘት ከኣ ነበረት። ካብ 1960 ክሳዕ 1967 ኣብ ዝነበረ ዓመታት: ናይቶም ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዕዮ ስብከት ዝካፈሉ ዝነበሩ ኣስፋሕቲ ቍጽሪ ካብ 15,439 ናብ 26,250 በጽሐ።

ኣብ መወዳእታ: መብዛሕትኦም ካብቶም ሚስዮናውያን ገሊኦም ናብ ተዛረብቲ ቋንቋ ፈረንሳ ዝዀና ሃገራት ኣፍሪቃ: ገሊኦም ድማ እንደገና ናብ ኲበክ ተመደቡ። ኣን ስለ ዝሓመመትን መጥባሕቲ ክትገብር ስለ ዝነበራን: ናብ ኲበክ ተመለስና። ንሰለስተ ዓመት ምስ ተሓከመት ጥዕናኣ ተመልሰ። ድሕሪኡ ገያሺ ተዓዛቢ ኰይነ ከገልግል ተመዘዝኩ፣ እዚ ድማ መንፈሳዊ ምትብባዕ ንምሃብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ንሓንቲ ጉባኤ ክበጽሕ ነበረኒ።

ኣብ ኣፍሪቃ ሚስዮናዊ ኴንካ ምግልጋል

ድሕሪ ገለ ዓመታት: ብ1981 ኣብታ ሕጂ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እትበሃል ዘላ ቀደም ዛየር እትበሃል ዝነበረት ሃገር ተመደብና። እቲ ህዝቢ ኣዝዩ ድኻ ኢዩ ነይሩ: ብዙሕ ጸገማት ድማ የሕልፍ ነበረ። ናብታ ሃገር ክንከይድ ከሎና 25,753 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበሩ: ሕጂ ግን ልዕሊ 113,000 በጺሖም ኣለዉ: ብ1999 ኣብ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ከኣ 446,362 ዝዀኑ ሰባት ተኣኪቦም ነበሩ!

ብ1984 ሓድሽ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንምህናጽ ካብ መንግስቲ 200 ሄክታር ኣቢሉ ዝኸውን መሬት ተቐበልና። ድሕርዚ: ብታሕሳስ 1985 ኣብ ርእሲ ከተማ ናይታ ሃገር: ኪንሻሳ: ኣህጉራዊ ዓቢ ኣኼባ ተገብረ: ካብ እተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ከኣ 32,000 ዕዱማት መጹ። ድሕሪኡ: ኣቕሽሽቲ ዘለዓዓልዎ ተቓውሞ ነቲ ኣብ ዛየር ዝነበረ ዕዮና ዓናቐፎ። ብ12 መጋቢት 1986 እቶም ሓላፍነት ዝነበሮም ኣሕዋት ኣብ ዛየር ዝርከብ ማሕበር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይሕጋዊ ምዃኑ ዝገልጽ ደብዳበ ተቐበሉ። እታ ኣብ ኵሉ ንጥፈታትና ከም እተኣገድና እትገልጽ ደብዳበ ክታም ናይቲ ሽዑ ፕረዚደንት ናይታ ሃገር ዝነበረ ሞቡቱ ሰሰ ሴኮ ዝሓዘት ነበረት።

እዚ ሃንደበታዊ ለውጥታት ስለ እተገብረ ነቲ “ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ነበረና። (ምሳሌ 22:⁠3) ጽሑፋትና ኣብ ኪንሻሳ ንምሕታም ካብ ወጻኢ ሃገር ወረቐት: ቀለም: ፊልም: ንመሕተሚ ዝኸውን ቀጸላ: ከምኡውን ኬሚካላት እነእትወሉ መገዲ ረኸብና። ጽሑፋት እንዝርግሓሉ መርበብ እውን ገበርና። ምስ ተማሓደርና: እቲ እንጥቀመሉ ዝነበርና ሜላ ካብቲ ናይቲ መንግስቲ ኣገልግሎት ጶስጣ ብዝሓሸ መገዲ ይዓዪ ነበረ!

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣስሩ: ብዙሓት ድማ መሪር ስቓይ ወረዶም። እንተዀነ ግን: ብዘይካ ሒደት ኵሎም ነቲ ዝወረዶም መከራ ተጻዊሮምዎ ኢዮም: እምነቶም ከኣ ሓልዮም ኢዮም። ኣነ እውን ተኣሲረ ነበርኩ፣ ነቲ ንኣሕዋትና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘጋጥሞም ዝነበረ ኣዝዩ ሕማቕ ኵነታት ድማ ርእየዮ ኢየ። ብዙሕ ግዜ በቶም ክፍሊ ጸጥታን ሰበ⁠-​ስልጣንን ብዅሉ ወገንና ንጽቀጥ ነበርና: የሆዋ ግን ኵሉ ሳዕ መውጽኢ ይፈጥረልና ነበረ።​—⁠2 ቈረንቶስ 4:⁠8

ኣብ መኽዘን ናይ ሓደ ነጋዳይ ጽሑፋት ዝመልአ 3,000 ካርቶን ሓቢእና ነበርና። ኣብ መወዳእታ ግን ሓደ ካብቶም ሰራሕተኛታቱ ንኽፍሊ ጸጥታ ሓበሮም እሞ ነቲ ነጋዳይ ኣሰርዎ። ናብ ቤት ማእሰርቲ ክወስድዎ ከለዉ ብኣጋጣሚ ኣነ ብማኪናይ ክሓልፍ ከለኹ ተጓነፍና። እቲ ነጋዳይ ነቲ ጽሑፍ ንኸቐምጥ ምሳይ ከም እተወዓዓለ ሓበሮም። እቶም ፖሊስ ደው ኣበሉኒ እሞ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ሓተቱኒ፣ ኣብቲ ናይቲ ሰብኣይ መኽዘን ዘይሕጋዊ ጽሑፋት ኣቐሚጥካ ኢሎም እውን ከሰሱኒ።

“ንምዃኑ: ሓንቲ ካብተን መጻሕፍቲ ሒዝኩምዶ ኣለኹም፧” ኢለ ሓተትክዎም።

“እወ: ከመይ ድኣ” ኢሎም መለሱለይ።

“ከተርእዩኒዶ ትኽእሉ፧” ኢለ ሓተትክዎም።

ካብኡ ሓንቲ ቅዳሕ ምስ ሃቡኒ ኣብ ውሽጣዊ ገጽ ዘሎ “ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተሓትመ” ዝብል ጽሑፍ ኣርኣኹዎም።

“ሒዝኩምዎ ዘለኹም ንብረት ኣመሪካ ድኣ እምበር ናይ ዛየር ኣይኰነን” በልክዎም። ቀጺለ ኸኣ ከምዚ በልክዎም:- “መንግስትኹም ኣብ ዛየር ኣብ ዝርከብ ሕጋዊ ትካል ማሕበር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድኣ ኢዩ እገዳ ዝገበረ እምበር ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ኣይኰነን። ስለዚ ኣብዚ ጽሑፋት እዚ እትወስድዎ ስጕምቲ እንተ ተጠንቀቕኩምሉ ይሕሸኩም።”

ንኽኣስሩኒ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ስለ ዘይነበሮም ክኸይድ ኣፍቀዱለይ። በታ ምሸት እቲኣ ብኽልተ ዓበይቲ ማካይን ገይርና ነቲ ጽሑፋት ብምሉኡ ካብቲ መኽዘን ኣግዓዝናዮ። እቶም ሰበ⁠-​ስልጣን ኣብ ዝቕጽል መዓልቲ መጺኦም ነቲ ቦታ ጥርሑ ምስ ረኸብዎ ሓረቑ። ኣብቲ ግዜ እቲ ንኽኣስሩኒ ካብ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ስለ እተዋህቡ የናድዩኒ ነበሩ። ምስ ረኸቡኒ ማኪና ስለ ዘይነበሮም ናብ ቤት ማእሰርቲ ብማኪናይ ገይረ ወሰድክዎም! ነታ ማኪናይ ምእንቲ ከይህግርዋ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ንኽመልሳ ምሳይ ከደ።

ንሸሞንተ ሰዓት ዝኸውን ምርመራ ምስ ገበሩለይ: ካብታ ሃገር ክሰጕኒ ወሰኑ። እንተዀነ ግን: ንንብረት ናይቲ ኣብ ዛየር ዝርከብ እተኣገደ ማሕበር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽሸይጥ ካብ መንግስቲ መዝነት ከም እተዋህበኒ ናይ ዝገልጽ ደብዳበ ፎቶ ኮፒ ኣርኣኽዎም። ስለዚ: ኣብ ቤትኤል ኰይነ ዕዮይ ክቕጽል ፈቐዱለይ።

ንኣርባዕተ ዓመት ኣብ ዛየር ኣብ ትሕቲ እገዳ ኰይነ ምስ ኣገልገልኩ: ደም ዝወጽእ ቍስሊ ጨጐራ ስለ ዘጥረኹ ንህይወተይ ዘስግእ ኰነ። ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከይደ ክሕከም ተወሰነ: ኣብኡ ኸኣ እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ግቡእ ምክንኻን ገበረለይ እሞ ሓወኹ። ኣብ ዛየር ንሸሞንተ ዓመታት ምስ ኣገልገልና ብ1989 ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ደቡብ ኣፍሪቃ ገዓዝና፣ እተን ኣብ ዛየር ዘሕለፍናየን ዓመታት ዘይርሰዓን ዘሐጕስ ተመክሮታት ዝረኸብናለንን ኢየን ነይረን። ብ1998 ናብ ዓድና ተመለስና: ካብ ሽዑ ኣትሒዝና ድማ ኣብ ናይ ካናዳ ቤትኤል ነገልግል ኣሎና።

ንኣገልግሎት ምምሳው

ነቲ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘሕለፍክዎ 54 ዓመታት ምልስ ኢለ ክርእዮ ከለኹ: ናይ ንእስነት ሓይለይ ኣብ ናይ የሆዋ ክቡር ኣገልግሎት ብምሕላፈይ ኣዝየ ኢየ ዘማስወሉ። ኣን ብዙሕ ፈታኒ ኵነታት እኳ እንተ ተጸመመት ኣጕረምሪማ ግን ኣይትፈልጥን: ኣብ ክንድኡስ ኣብ ኵሉ ንጥፈታት ብዙሕ ትሕግዘኒ ነበረት። ክልቴና ብሓባር ብዙሓት ንየሆዋ ንኽፈልጡ ኣብ ምሕጋዝ መሰል ረኺብና ኢና: ሕጂ መብዛሕትኦም ካብዚኣቶም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኢዮም። ደቆም አረ ገለ ካብ ደቂ ደቆም እውን ከይተረፈ ነቲ ዓቢ ኣምላኽ: የሆዋ: ከገልግሉ ከለዉ ምርኣይ ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ!

እዛ ዓለም እዚኣ እትቕርበልና ዝዀነ ይኹን ነገር ምስቲ የሆዋ ዝህበና መሰላትን በረኸታትን ክወዳደር ከም ዘይክእል ኣረጋጊጸ ኢየ። ልክዕ ኢዩ: ብዙሕ ፈተናታት ተጻዊርና ኢና: ዅሉ ግን ኣብ የሆዋ ዘሎና እምነትን እምንቶን ንኸነዕቢ ኢዩ ሓጊዙና። ብርግጽ የሆዋ ጽኑዕ ግምቢ: መዕቆቢ: ከምኡውን ኣብ ግዜ ጭንቂ ፍጡን ረዳኢ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዛ መጽሓፍ እዚኣ መጀመርታ ብቛንቋ ጀርመን ክሮይትሱግ ጌገን ዳስ ክርስተንቱም (ኣንጻር ክርስትና እተገብረ ውግእ መስቀላውያን) ብዝብል ኣርእስቲ ተሓትመት። ናብ ፈረንሳይኛን ቋንቋ ፖላንድን ተተርጒማ ኢያ: ናብ እንግሊዝኛ ግን ኣይተተርጐመትን።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ብ1947 ብሓባር ፓይነር ኴንና ከነገልግል ከሎና፣ ሎሚ ምስ ኣን

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ኣብ ዛየር ዝረኸብናዮም ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ኣፍቂሮምዎ ኢዮም