ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ሓሳብ ክርስቶስ” ምፍላጥ

“ሓሳብ ክርስቶስ” ምፍላጥ

“ሓሳብ ክርስቶስ” ምፍላጥ

“ንእግዚኣብሄር ኪምህሮ ኢሉ: ሓሳቡ ዝፈለጠኸ እንታዋይ እዩ፧ ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ አሎና።”—1 ቈረንቶስ 2:16

1, 2. የሆዋ ኣብ ቃሉ ብዛዕባ የሱስ እንታይ ክግለጽ ኢዩ ሓርዩ፧

 የሱስ እንታይ ይመስል ነበረ፧ ናይ ጸጕሩ: ቈርበቱ: ኣዒንቱ ሕብሪ እንታይ ዓይነት ነበረ፧ ቍመቱ ክንደይ ኢዩ ነይሩ፧ ክብደቱ ክንደይ ይምዘን ነበረ፧ ኣብዚ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘበናት ካብ ዝነበረ ስነ-ጥበባዊ ስእልታትን ምስልታትን የሱስ: ገሊኡ ምኽንያታዊ ክኸውን ከሎ ገሊኡ ድማ ምእማኑ ዘጸግም ኢዩ ነይሩ። ገሊኦም ስነ-ጥበባውያን ንየሱስ ስብእነት ዝንጸባረቖን ብርቱዕን ገይሮም ክገልጽዎ ኸለዉ: ገሊኣቶም ከኣ ከም ድኹምን ስልኩይን ገይሮም ኢዮም ገሊጾምዎ።

2 መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣብ ደጋዊ ትርኢት የሱስ ኣየተኵርን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ: የሆዋ ካልእ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ማለት የሱስ እንታይ ዓይነት ሰብ ከም ዝነበረ ኢዩ ክግለጽ ሓርዩ። እቲ ኣብ ወንጌል ዝርከብ ጸብጻብ ነቲ የሱስ እተዛረቦን ዝገበሮን ጥራይ ዘይኰነስ ክንዮ ቃላቱን ተግባራቱን ንዝነበረ ውሽጣዊ ስምዒትን ኣተሓሳስባን ኢዩ ዝገልጽ። እዚ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ እዚ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ሓሳብ ክርስቶስ” ኢሉ ዝገለጾ ንኽንምርምሮ ዘኽእለና ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 2:16) ምስ ሓሳባትን ስምዒታትን ባህርያትን የሱስ ክንላለ ኣገዳሲ ኢዩ። ስለምንታይ፧ እንተ ወሓደ ክልተ ምኽንያታት ኣሎ።

3. ምስ ሓሳብ ክርስቶስ ምልላይና እንታይ ንኸነስተውዕል ኢዩ ክሕግዘና ዝኽእል፧

3 ቀዳማይ: ሓሳብ ክርስቶስ ብዛዕባ ሓሳብ የሆዋ ኣምላኽ ይሕብረና ኢዩ። የሱስ ምስ ኣቦኡ ናይ ማሕርሮ ሌላ ስለ ዝነበሮ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ኽዛረብ ክኢሉ ኢዩ:- “ንወዲ መን ምዃኑ: ብዘይ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። ነቦ ኸኣ መን ምዃኑ: ብዘይ ወድን ወዲ ኸኣ ኪገልጸሉ ዝፈተወን እምበር: ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን።” (ሉቃስ 10:22) እዚ ኸኣ የሱስ ‘የሆዋ ከመይ ምዃኑ ክትፈልጡ እንተድኣ ደሊኹም: ኣባይ ተመልከቱ’ ዳርጋ ከም ዝበለ ኢዩ ዝቝጸር። (ዮሃንስ 14:9) ስለዚ: ነቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ብዛዕባ ኣተሓሳስባን ስምዒትን የሱስ ዝገልጽ ሓሳባት እንተድኣ ኣጽኒዕናዮ: ብርግጽ ንኣተሓሳስባን ስምዒትን የሆዋ ኢና እንመሃር ዘሎና። ከምዚ ዝበለ ፍልጠት ናብ ኣምላኽና ከም እንቐርብ ኢዩ ዝገብረና።—ያእቆብ 4:8

4. ልክዕ ከም ክርስቶስ ክንመላለስ እንተድኣ ዄንና ቅድም ክንማሃሮ ዘሎና ነገር እንታይ ኢዩ: ስለምንታይከ፧

4 ካልኣይ: ሓሳብ ክርስቶስ ምፍላጥና ‘ኣስኣሰሩ ክንስዕብ’ ዝሕግዘና ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 2:21) ንየሱስ ምስዓብ ማለት ንእተዛረቦ ቓላት ምዝውታርን ንተግባራቱ ምቕዳሕን ጥራይ ኣይኰነን። ዘረባን ግብርን ብሓሳብን ውሽጣዊ ስምዒትን ስለ ዝጽሎ: ንክርስቶስ ንምስዓብ “እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ” ምጥራይ ዝሓትት ኢዩ። (ፊልጲ 2:5) ብኻልእ ኣዘራርባ: ብሓቂ ከም ክርስቶስ ክንመላለስ እንተድኣ ዄንና: ፈለማ ከም ናቱ ዝበለ ኣተሓሳስባን ስምዒትን ንምጥራይ ክንለማመድ ኣሎና። ከምዚ ክበሃል ከሎ ግን ክሳዕ እቲ ከም ዘይፍጹማት መጠን ዓቕምና ዝፈቕደልና ኢዩ። ሃየ እምበኣር: ብሓገዝ ጸሓፍቲ ወንጌል ንሓሳብ ክርስቶስ ንመርምሮ። ፈለማ ንኣተሓሳስባን ስምዒትን የሱስ ጽልዋ ዝገብረሉ ዝነበረ ረቛሒታት ክንድህስስ ኢና።

ሰብ ኰይኑ ቅድሚ ምምጽኡ ዝነበሮ ህይወት

5, 6. (ሀ) እቶም ዝሓብሩና ብጾት ብኸመይ ክትንክፉና ይኽእሉ፧ (ለ) እቲ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ ናብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ኣብ ሰማያት ከመይ ዝበለ ሕብረት ኢዩ ዝነበሮ: እንታይ ጽልዋኸ ገበረሉ፧

5 ብቐረባ እንሓብሮም ሰባት ይጸልዉና ኢዮም፣ እቲ ጽልዋኦም ከኣ እንተ ንጽቡቕና እንተ ንኽፉእና ንሓሳባትና: ስምዒትና: ከምኡውን ተግባራትና ዝትንክፍ ኢዩ። a (ምሳሌ 13:20) ነቲ የሱስ ናብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ኣብ ሰማይ ዝነበሮ ሕብረት እስከ ንርኣዮ። ወንጌል ዮሃንስ ነቲ የሱስ ከም ናይ ኣምላኽ “ቃል:” ወይ ኣፈኛ: ብምዃን ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ዝነበሮ ህይወት ቈላሕታ ትገብረሉ ኢያ። ዮሃንስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ቃል ብመጀመርታ ነበረ: እቲ ቓል ድማ ኣብ [“ምስ:” NW] ኣምላኽ ነበረ: እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። እዚ ብመጀመርታ ኣብ [“ምስ:” NW] ኣምላኽ ነበረ።” (ዮሃንስ 1:1, 2) የሆዋ መጀመርታ ስለ ዘይነበሮ: እቲ ቃል “ብመጀመርታ” ምስ ኣምላኽ ምንባሩ ዝሕብር ጸብጻብ ነቲ ኣምላኽ ናይ ፍጥረት ዕዮኡ ዝጀመረሉ እዋን ንምምልካት ኢዩ። (መዝሙር 90:2) የሱስ ‘በዅሪ ዅሉ ፍጥረት’ ኢዩ። ስለዚ ቅድሚ ካልኦት መንፈሳውያን ፍጡራትን እዚ ግኡዝ ኣድማስን ኣብ ህላወ ነይሩ ኢዩ።—ቈሎሴ 1:15፣ ራእይ 3:14

6 ብመሰረት ገለ ስነ-ፍልጠታዊ ዓውድታት: እዚ ግኡዝ ኣድማስ ብግምት እንተ ወሓደ ናይ 12 ቢልዮን ዓመታት ዕድመ ኣለዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ግምታት ልክዕ እንተድኣ ዀይኑ: እቲ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ ቅድሚ ፍጥረት ኣዳም ንቝጽሪ ዘይብሉ መዋእላት ምስ ኣቦኡ ጥብቂ ርክብ ኣስተማቒሩ ኢዩ። (ምስ ሚክያስ 5:2 ኣረኣእዮ።) ስለዚ ኣብ መንጎኦም ለውሃት ዝመልኦን ዓሚቝን ምትእስሳር ማዕቢሉ ኢዩ። እዚ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ ከም መሰሌታ ጥበብ ኰይኑ “[በ]የዕለቱ ኤሐጕሶ: ኵሉ ጊዜ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ” ከም ዝበለ ተዘሪብሉ ኣሎ። (ምሳሌ 8:30) ብርግጽ እቲ ምስቲ ቀንዲ ምንጪ ፍቕሪ ዝዀነ ፈጣሪ ዘሕለፎ ኣዝዩ ብዙሕ መዋእላት ኣብ ወዲ ኣምላኽ ዓቢ ጦብላሕታ ሓዲጉ ኢዩ! (1 ዮሃንስ 4:8) ወዲ ኣምላኽ ንሓሳብን ስምዒትን መገድታትን ኣምላኽ ካብ ዝዀነ ይኹን ኣካል ንላዕሊ ክፈልጦን ከንጸባርቖን ክኢሉ ኢዩ።—ማቴዎስ 11:27

ምድራዊ ህይወትን ጽልውኡን

7. እቲ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ ናብ ምድሪ ክመጽእ ኣድላዪ ዝዀነሉ ሓደ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧

7 ወዲ ኣምላኽ ተወሳኺ ትምህርቲ የድልዮ ነበረ: ከመይሲ የሆዋ ወዱ “ብድኻምና ኺድንግጸልና” ዝኽእል ርሕሩሕ ሊቀ ኻህናት ንኽኸውን ናይ ምድላው ዕላማ ነይርዎ ኢዩ። (እብራውያን 4:15) ሓደ ኻብቲ ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ ዝመጽኣሉ ምኽንያታት ከኣ ነዚ ዕማም እዚ ንምፍጻም ዝድለ ብቕዓታት ንምምላእ ኢዩ። ናብ ምድሪ ምስ መጸ ድማ ስጋን ደምን ዝለበሰ ሰብ ብምዃን ነቲ ቕድም ኣብ ሰማይ ኰይኑ ክዕዘቦ ጥራይ ዝኽእል ዝነበረ ኵነታትን ጽልዋታትን ተቓልዐ። ንስምዒታትን ትካዘን ደቅሰብ ባዕሉ ክምከሮ ክኢሉ ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ድኻም: ጽምኢ: ጥሜት እውን ይስምዖ ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 4:2፣ ዮሃንስ 4:6, 7) ካብዚ ዝገደደ ድማ እተፈላለየ ዓይነት ጸገማትን ስቅያትን ኣሕሊፉ ኢዩ። በዚ ኸምዚ “ምእዛዝ ተማህረ” እሞ: ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ንዝፍጽሞ ዕማም ድማ ምሉእ ብምሉእ ብቑዕ ኰይኑ ተረኽበ።—እብራውያን 5:8-10

8. ብዛዕባ እተን ቀዳሞት ዓመታት ምድራዊ ህይወት የሱስ እንታይ እንፈልጦ ነገር ኣሎ፧

8 ብዛዕባ እተን ቀዳሞት ዓመታት ምድራዊ ህይወት የሱስከ እንታይ ክበሃል ይከኣል፧ እቲ ንቝልዕነቱ ዝገልጽ ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ ኣዝዩ ሒደት ኢዩ። አረ ማቴዎስን ሉቃስን ጥራይ ኢዮም ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ እተወልደሉ እዋን እተፈጸመ ኵነታት ዝገለጹ። እቶም ጸሓፍቲ ወንጌል: የሱስ ናብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ኣብ ሰማይ ይነብር ከም ዝነበረ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ዝነበሮ ህይወት እንታይ ዓይነት ሰብ ከም ዝነበረ ካብ ዝዀነ ይኹን ምንጪ ንላዕሊ ዝገልጽ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: የሱስ ምሉእ ብምሉእ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ፍጹም እኳ እንተ ነበረ: ካብ ናጽላነት ናብ ቍልዕነት ክዓኵዅን ካብ ንእስነት ናብ ብጽሕነት ክሰግርን ነበሮ። ኣብ ኵሉ እቲ ዓመታት ዕቤቱ ድማ ትምህርቲ ክቐስም ነበሮ። (ሉቃስ 2:51, 52) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ህይወት የሱስ ብዘይጥርጥር ጽልዋ ዝነበሮ ሓድሓደ ነገራት ይገልጽ ኢዩ።

9. (ሀ) የሱስ ኣብ ድኻ ስድራቤት ከም እተወልደ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ (ለ) የሱስ ኣብ ከመይ ዝበለ መነባብሮ ዝነበራ ስድራቤት ኢዩ ዓብዩ ክኸውን ዝኽእል፧

9 መርትዖታት ከም ዝሕብሮ የሱስ ካብ ሓንቲ ድኻ ስድራቤት ኢዩ ተወሊዱ። እታ ስድራ ድኻ ከም ዝነበረት ካብቲ የሱስ ምስ ተወልደ ድሕሪ 40 መዓልቲ ኣቢሉ ዮሴፍን ማርያምን ናብ ቤት መቕደስ ዘምጽእዎ መስዋእቲ ክፍለጥ ይከኣል ኢዩ። ሽዑ: ንዝሓርር መስዋእቲ ገንሸል ዓመት: ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ጫጩት ርግቢ ወይ ከኣ ባሬቶ ኣይኰኑን ኣምጺኦም፣ ኣብ ክንድኡስ: ‘ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ’ ኢዮም ኣምጺኦም። (ሉቃስ 2:24) ብመሰረት ሕጊ ሙሴ ከምዚ ዓይነት መስዋእቲ ንድኻታት እተገብረ ምድላው ኢዩ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 12:6-8) ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን እዛ መስኪን ስድራቤት እዚኣ እናዓበየት ከደት። ዮሴፍን ማርያምን ድሕሪ እቲ ተኣምራታዊ ምላድ የሱስ: ብባህርያዊ መገዲ ዝወለድዎም እንተ ወሓደ ሽዱሽተ ደቂ ነይሮምዎም ኢዮም። (ማቴዎስ 13:55, 56) ስለዚ የሱስ ኣብ ሓንቲ ትሑት መነባብሮ ነይሩዋ ክኸውን ዝኽእል ብዙሓት ውሉዳት ዝነበሩዋ ስድራቤት ኢዩ ዓብዩ።

10. ዮሴፍን ማርያምን ንኣምላኽ ዝፈርሁ ሰባት ምንባሮም ዝሕብር እንታይ ኢዩ፧

10 የሱስ ይሓልዪሉ ብዝነበሩ ፈሪሃ-ኣምላኽ ዝነበሮም ወለዲ ኢዩ ዓብዩ። ኣዲኡ ማርያም ፍልይቲ ሰበይቲ ኢያ ነይራ። ገብርኤል መልኣኽ ሰላም ክብላ ኸሎ “ኣቲ ምልእቲ ጸጋ: እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ” ከም ዝበላ ዘክር። (ሉቃስ 1:28) ዮሴፍ እውን ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዝነበሮ ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ። ፋስጋ ኣብ የሩሳሌም ንምብዓል ብዘይምቍራጽ ዓመት ዓመት 150 ኪሎ ሜተር ይጓዓዝ ነበረ። እዚ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዝድለ እኳ እንተ ነበረ: ማርያም እውን ኣብቲ በዓል ትካፈል ነበረት። (ዘጸኣት 23:17፣ ሉቃስ 2:41) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደ ኣጋጣሚ: ዮሴፍን ማርያምን ነቲ ወዲ 12 ዓመት ዝነበረ የሱስ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ምስ ደለይዎ ኣብ መወዳእታ ኣብ ቤት መቕደስ ኣብ ማእከል መምህራን ረኸብዎ። የሱስ ከኣ ነቶም ተጨኒቖም ዝነበሩ ወለዱ “ኣብቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” በሎም። (ሉቃስ 2:49) “ኣቦይ”—እዛ ቓል እዚኣ ንየሱስ ምዉቕን ኣወንታውን ስምዒት ተሕድረሉ ከም ዝነበረት ፍሉጥ ኢዩ። ሓደ ካብቲ ምኽንያት: የሆዋ እቲ ናይ ሓቂ ኣቦኡ ምንባሩ ብርግጽ ተነጊርዎ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ርእሲኡ ድማ ዮሴፍ ከም ኣቦ ዀይኑ ዘዕበዮ ሕያዋይ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ብርግጽ የሆዋ ነቲ ዝፈትዎ ወዱ ሓደ ተሪርን ሕሱምን ሰብኣይ ከዕብዮ ኣይደለየን!

11. የሱስ እንታይ ዓይነት ሞያ ኢዩ ተማሂሩ: ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ ግዜኸ እዚ ዓይነት ሞያ እዚ እንታይ ዘጠቓልል ነበረ፧

11 ኣብተን ኣብ ናዝሬት ዘሕለፈን ዓመታት: የሱስ ምናልባት ካብቲ ከም ኣቦ ዀይኑ ዘዕበዮ ዮሴፍ ኢዩ ዝኸውን ጽርበት ዕንጨይቲ እተማህረ። የሱስ ንባዕሉ በቲ ሞያ ወሓለ ብምንባሩ “እቲ ጸራቢ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኢዩ። (ማርቆስ 6:3) ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ ግዜ: ጸረብቲ ኣብ ኣባይቲ ናይ ምህናጽ ዕዮ ይቝጸሩ: ኣቝሑት ገዛ (እንተላይ ጠረጴዛ: ድኳ: መንበር) ይሰርሑ: ከምኡውን ናውቲ ማሕረስ የዳልዉ ነበሩ። እቲ ኣብ ካልኣይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነብር ዝነበረ ጀስቲን ማርቲር ኣብታ ድያሎግ ዊዝ ትራይፎ እትበሃል መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) “ኣብቲ ሰባት ማሕረሻን ኣርዑትን ዝሰርሕሉ ዝነበሩ እዋን ጸራባይ ኴንካ ናይ ምዕያይ ልምዲ ኣጥርዩ ነበረ” ብምባል ብዛዕባ የሱስ ይጽሕፍ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዕዮ ቀሊል ኣይነበረን: ከመይሲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ጸረብቲ ዝሽየጥ ዕንጨይቲ ክረኽቡ ኣይክእሉን ኢዮም ነይሮም። ኣብ ክንድኡስ ባዕሎም ከይዶም ኦም ብምሕራይ ንኽቘርጽዎ ብማሕጸ ሓኾት ይብሉ ነይሮም ክዀኑ ኣለዎም: ነቲ ዕንጨይቲ ኸኣ ተሰኪሞም ዓዲ የእትውዎ። ስለዚ የሱስ ነቲ ምስ ዓማዊል ዘሎ ስሓቦ ጕተቶ ከምኡውን ነቲ ነዃላት ስድራቤት ንምዕባስ ድፍእ ኣብ ምባል ዘሎ ብድሆ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ።

12. ዮሴፍ ቅድሚ የሱስ ብርግጽ ሞይቱ ከም ዝነበረ ክሕብረና ዝኽእል እንታይ ኢዩ: እዚኸ ንየሱስ እንታይ ማለት ነበረ፧

12 ዮሴፍ ዝሞተ ቅድሚ የሱስ ክኸውን ስለ ዘለዎ: ከም ናይታ ስድራቤት ዓቢ ወዲ መጠን የሱስ ነታ ስድራ ኣብ ምእላይ ሓጊዙ ክኸውን ኣለዎ። b እታ ናይ 1 ጥሪ 1900 ሕታም ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ገሊጻ ኢያ:- “የሱስ ገና ንእሽቶ ኸሎ ዮሴፍ ከም ዝሞተ እሞ የሱስ ነቲ ዕዮ ጽርበት ባዕሉ ከም ዝሓዞን ነታ ስድራ ይድግፋ ኸም ዝነበረን ኣፈ-ታሪኽ ይሕብር ኢዩ። እዚ ኸኣ በቲ የሱስ ባዕሉ ጸራቢ ተባሂሉ እተጸውዓሉ ከምኡውን ኣዲኡን ኣሕዋቱን እተረቝሕሉ ዮሴፍ ግን ከይተጠቕሰ እተሓልፈሉ ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ዝድገፍ ኢዩ። (ማርቆስ 6:3) . . . ስለዚ እምበኣር እተን ካብቲ [ኣብ ሉቃስ 2:41-49 ተመዝጊቡ ዘሎ] ፍጻመ ክሳዕ እቲ ጐይታና እተጠመቐሉ እዋን ዝነበራ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመታት ህይወቱ ኣብ ተራ ናብራ ተጸሚዱ ዘሕለፈን ኢዩ ዝመስል።” ንየሱስ ሓዊስካ ማርያምን ደቃን ነቲ ሓደ ፈቃር በዓል ቤትን ኣቦን ብሞት ምስ ዝፍለ ዝህሉ ናይ ሓዘን ስምዒት ይርድእዎ ነይሮም ይዀኑ ኢዮም።

13. የሱስ ኣገልግሎቱ ክጅምር ከሎ ካልእ ሰብ ዘይነበሮ ፍልጠት: ምስትውዓል: ውሽጣዊ ስምዒት ክህልዎ ዝኸኣለ ስለምንታይ ኢዩ፧

13 የሱስ ጥጡሕ መነባብሮ ኣብ ዝነበሮ ስድራ ከም ዘይተወልደ ንጹር ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ: ንናብራ ናይ ተራ ሰባት ባዕሉ ኢዩ ተመኲርዎ። ድሕርዚ ብ29 ከ.ኣ.ዘ. ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝጽበዮ ዝነበረ መለኮታዊ መዝነት ዝፍጽመሉ ግዜ መጸ። ኣብ እዋን ቀውዒ ናይታ ዓመት እቲኣ ኸኣ ኣብ ማይ ተጠምቀ እሞ መንፈሳዊ ወዲ ኣምላኽ ኰይኑ ድማ ተወልደ። ‘ሰማያት ተኸፍተሉ:’ እዚ ኸኣ ብርግጽ ነቲ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ኣብ ሰማይ ዝነበሮ ህይወት እንተላይ ነቲ ኣቐዲሙ ኣጥርይዎ ዝነበረ ኣተሓሳስባን ስምዒታትን ክዝክር ከም ዝኸኣለ ዝሕብር ኢዩ። (ሉቃስ 3:21, 22) ስለዚ የሱስ ኣገልግሎቱ ክጅምር ከሎ: ካልእ ዝዀነ ይኹን ሰብ ክህልዎ ዘይከኣለ ፍልጠት: ምስትውዓል: ከምኡውን ውሽጣዊ ስምዒት ነይርዎ ኢዩ። እቶም ጸሓፍቲ ወንጌል እምበኣር ዝበዝሕ ናይቲ ዘዳለውዎ ጽሑፋት ንኣገልግሎት የሱስ ዝምልከት ፍጻመታት ከም ዝሽፍን ምግባሮም ቅቡል ምኽንያት ነይርዎም ኢዩ። ከምኡ ዀይኑ ከብቅዕ እኳ ንዅሉ እቲ የሱስ ዝበሎን ዝገበሮን ክምዝግብዎ ኣይከኣሉን። (ዮሃንስ 21:25) እቲ ብመንፈስ ተመሪሖም ዝጸሓፍዎ ግን ንሓሳብ እቲ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ክንምርምር ዘኽእለና ኢዩ።

የሱስ እንታይ ዓይነት ሰብ ከም ዝነበረ

14. ወንጌላት: ንየሱስ ከም ለውሃት ዝመልኦን ምዉቕን ዓሚቝን ስምዒት ዝነበሮ ሰብ ገይሩ ዝገልጾ ብኸመይ ኢዩ፧

14 ኣብ ወንጌላት ተንጸባሪቑ ዘሎ ባህርያት የሱስ: ናይ ሓደ ለውሃት ዝመልኦን ምዉቕን ዓሚቝን ስምዒት ዘለዎ ሰብ ኢዩ። ንሱ ብእተፈላለየ መገድታት ውሽጣዊ ስምዒቱ ገሊጹ ኢዩ። ንለምጻም ድንጋጽ ኣርኣየ (ማርቆስ 1:40, 41)፣ ብተሪር ዝልቦም ሰባት ሓዘነ (ሉቃስ 19:41, 42)፣ ኣብ ልዕሊ ስሱዓት ሸረፍቲ ግቡእ ቍጥዓ ገለጸ (ዮሃንስ 2:13-17)። ከም ድንጋጽ ዝመልኦ ሰብ መጠን የሱስ ነቢዑ ኢዩ: ውሽጣዊ ስምዒታቱ እውን ኣይሓብአን። እቲ ዘፍቅሮ ዓርኩ ኣልኣዛር ሞይቱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: የሱስ ንማርያም ሓብቲ ኣልኣዛር ክትበኪ ረኣያ እሞ ንሱ ንባዕሉ ኣሕነቕኒቑ ነብዐ: ካልኦት እናረኣይዎ ኸኣ በኸየ።—ዮሃንስ 11:32-36

15. እቲ ለውሃት ዝመልኦ ስምዒታት የሱስ ኣብቲ ንኻልኦት ዝነበሮ ኣረኣእያን ኣተሓሕዛን እተጋህደ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

15 እቲ ለውሃት ዝመልኦ ስምዒታት የሱስ ብፍላይ ኣብቲ ንኻልኦት ዝነበሮ ኣረኣእያን ኣተሓሕዛን ተጋሂዱ ኢዩ። ድኻታትን ግፉዓትን ‘ንነፍሶም ዕረፍቲ ክረኽቡ’ ንምሕጋዞም ተቐቢልዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 11:4, 5, 28-30) እንተስ ደም ዝፈሳ ዝነበረት እሞ ሰላሕ ኢላ ክዳኑ ዝተንከየት ሰበይቲ ትኹን ወይስ ስቕ ምባል ዝኣበየ ዕዉር ዝነበረ ለማኒ ይኹን ብዘየገድስ ግዜ ስኢኑ ንዅሎም ውጹዓት ዘድልዮም ዘበለ ካብ ምምላእ ኣይዕገትን ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 9:20-22፣ ማርቆስ 10:46-52) የሱስ ናይ ካልኦት ጽቡቕ ጐድኒ ኢዩ ዝጥምት ነይሩ: ይንእዶም ከኣ ነበረ፣ እንተዀነ ግን: ኣብቲ ዘድለየሉ ግዜ መግናሕቲ ንምሃብ እውን ድሉው ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 16:23፣ ዮሃንስ 1:47፣ 8:44) ሓድሓደ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ምስ የሱስ ንምዃን ገለ ሓለፋታት ክረኽባ ኸለዋ: ሚዛናዊ ብዝዀነ ዕዙዝ ኣረኣእያን ክብርን ይቐርበን ነበረ። (ዮሃንስ 4:9, 27) ብጥሪተን ብፍታው ዘገልግልኦ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ምንባረን እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን።—ሉቃስ 8:3

16. የሱስ ኣብ ህይወትን ስጋዊ ነገራትን ሚዛናዊ ኣረኣእያ ከም ዝነበሮ ዘርኢ እንታይ ኢዩ፧

16 የሱስ ኣብ ህይወት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ነበሮ። ንስጋዊ ነገራት እቲ ቐንዲ ኣገዳሲ ገይሩ ኣይወሰዶን። ስጋዊ ጥሪት ዘይነበሮ ኢዩ ዝመስል ነይሩ። ‘ወዲ ሰብ ንርእሱ እኳ ዘጸግዓሉ የብሉን’ ብምባል ተዛሪቡ ኢዩ። (ማቴዎስ 8:20) በቲ ሓደ ሸነኽ ግን የሱስ ንሓጐስ ካልኦት መቐረት ይውስኸሉ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ሓደ ሙዚቃን ደርፍን ሓጐስን ዝነበሮ ናይ መርዓ ድግስ ምስ ተረኽበ: ገርቢቡ ኸም ዘይነበረ ብሩህ ኢዩ። አረ እታ ናይ መጀመርታ ተኣምራቱስ ኣብኡ ኢዩ ፈጺምዋ። ወይኒ ምስ ተወድአ: ማይ ናብ ጽቡቕ ወይኒ ለወጠ። እወ: ናብቲ ‘ንልቢ ሰብ ዘሐጕስ’ መስተ ኢዩ ለዊጥዎ። (መዝሙር 104:15፣ ዮሃንስ 2:1-11) በዚ ኸምዚ እቲ ድግስ ክቕጽል ከኣለ: ብዘይጥርጥር ከኣ መርዓውን መርዓትን ካብ ሕፍረት ድሒኖም ኢዮም። የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ንነዊሕ እዋንን ኣበርቲዑን ክዓዪ ኸሎ ሚዛኑ ይሕሉ ኸም ዝነበረ ዘርኢ ካልእ ተወሳኺ ኣጋጣሚታት እውን ኣሎ።—ዮሃንስ 4:34

17. የሱስ እቲ ዓቢ መምህር እንተ ነበረ ዘየገርም ስለምንታይ ኢዩ: ትምህርታቱኸ እንታይ ዘንጸባርቕ ነበረ፧

17 የሱስ እቲ ዓቢ መምህር ኢዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ዝህቦ ዝነበረ ትምህርትታት ንክውንነት እቲ ባዕሉ ኣጸቢቑ ዝፈልጦ መዓልታዊ ናብራ ዘንጸባርቕ ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 13:33፣ ሉቃስ 15:8) ኣገባብ ኣመሃህርኡ መወዳድርቲ ኣይነበሮን: ወትሩ ብሩህን ቀሊልን ተግባራውን ኢዩ ነይሩ። አረ እቲ ዝያዳ ኣገዳስስ እቲ ዝምህሮ ዝነበረ ትምህርቲ ኢዩ። ትምህርትታቱ ነቲ ሰማዕቱ ምስ ሓሳብን ስምዒትን መገድን የሆዋ ክፋለጡ ዝነበሮ ልባዊ ድሌት ዘንጸባርቕ ኢዩ ነይሩ።—ዮሃንስ 17:6-8

18, 19. (ሀ) የሱስ ብኸመይ ዝበለ ህያው ቃላት ገይሩ ኢዩ ንኣቦኡ ዝገለጾ፧ (ለ) ኣብታ እትስዕብ ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ክንመያየጥ፧

18 የሱስ ወትሩ ምሳሌታት ይጥቀም ብምንባሩ: ብቐሊሉ ክርሳዕ ብዘይክእል ህያው ቃላት ገይሩ ንኣቦኡ ገሊጽዎ ኢዩ። ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ምግላጽ ሓደ ነገር ኢዩ። ንየሆዋ ምስ ሓደ ወዱ ክምለስ ርእዩ እተደፋነቐ እሞ ‘ክሳዱ ሓኒቑ ንምስዓም ዝጐየየ’ ይቕረ በሃሊ ኣቦ ምምስሳሉ ግን ካልእ ርእሱ ዝኸኣለ ፍሉይ ኣገላልጻ ኢዩ። (ሉቃስ 15:11-24) የሱስ ነቲ መራሕቲ ሃይማኖት ንተራ ሰባት ዝንዕቁሉ ዝነበሩ ተሪር ባህሊ ብምንጻግ: ኣቦኡ ሓደ ምኩሕ ፈሪሳዊ ዘቕረቦ ግብዝና ዝመልኦ ጸሎት ብምንጻግ ናይ ሓደ ትሑት ተጋዊ ዘቕረቦ ልመና ዝሰምዐ ተቐራቢ ኣምላኽ ምዃኑ ገሊጹ ኢዩ። (ሉቃስ 18:9-14) የሆዋ ሓንቲ ንእሽቶ ዑፍ ኣብ ምድሪ ከም ዝወደቐት እውን ዝፈልጥ ሓላዪ ኣምላኽ ምዃኑ ገሊጹ ኢዩ። ንደቀ መዛሙርቱ “ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ: ኣይትፍርሁ” ብምባል ኣረጋገጸሎም። (ማቴዎስ 10:29, 31) ስለዚ ሰባት ‘ብምህሮ’ የሱስ እንተ ተገረሙ ዘደንቕ ኣይኰነን። (ማቴዎስ 7:28, 29) አረ ሓደ ግዜስ “ብዙሕ ህዝቢ” ዝብላዕ መግቢ ዘይብሎም ክነሶም ሰለስተ መዓልቲ ምስኡ ቀንዮም ኢዮም!—ማርቆስ 8:1, 2

19 የሆዋ ኣብ ቃሉ ንሓሳብ ክርስቶስ ስለ ዝገለጸልና ከነመስግኖ ንኽእል ኢና! ይኹን እምበር: ኣብቲ ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ ሓሳብ ክርስቶስ ከነማዕብልን ከነንጸባርቕን እንኽእል ከመይ ገይርና ኢና፧ እዚ ኣብታ እትስዕብ ዓንቀጽ ክንመያየጠሉ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a መንፈሳውያን ፍጡራት ጽልዋ እቶም ዝሓብርዎም ኣካላት ክትንክፎም ከም ዝኽእል ዝገልጽ ሓበሬታ ኣብ ራእይ 12:3, 4 ኣሎ። ኣብዚ ጥቕሲ እዚ ሰይጣን ከም ሓደ ካልኦት “ኸዋኽብቲ” ማለት መንፈሳውያን ውሉዳት ናብቲ መገዲ ዕልወቱ ምእንቲ ኽጽምበርዎ ኢሉ ጽልዋ ናይ ምግባር ክእለቱ እተጠቕመ “ገበል” ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ።—ምስ እዮብ 38:7 ኣረኣእዮ።

b ዮሴፍ ንመወዳእታ ግዜ ብቐጥታ እተረቝሐ ኣብታ የሱስ ወዲ 12 ዓመት ከሎ ኣብ ቤት መቕደስ እተረኽበላ እዋን ኢዩ። ኣብቲ የሱስ ኣገልግሎቱ ዝጀመረሉ እዋን ኣብ ቃና እተገብረ ናይ መርዓ ድግስ: ዮሴፍ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ሓሳብ የልቦን። (ዮሃንስ 2:1-3) ብ33 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ምስ ተሰቕለ ንማርያም ምእንቲ ኽኣልያ ነቲ ፍቑር ወዲ መዝሙር ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ ኢዩ ሕድሪ ሂብዎ። ዮሴፍ ብህይወቱ ነይሩ እንተ ዝኸውን የሱስ ምናልባት ከምዚ ኣይምገበረን።—ዮሃንስ 19:26, 27

ትዝክሮዶ፧

ምስ “ሓሳብ ክርስቶስ” ክንላለ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

የሱስ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ኣብ ዝነበሮ ህይወት ከመይ ዝበለ ሕብረት ኢዩ ዘሕለፈ፧

የሱስ ኣብ ግዜ ምድራዊ ህይወቱ እንታይ ባዕሉ እተመከሮ ኵነታትን ጽልዋታትን ኢዩ ዘሕለፈ፧

ወንጌላት ብዛዕባ ባህርያት የሱስ እንታይ ኢዩ ዝገልጽ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ኣብ ሓንቲ ብዙሓት ውሉዳት ዝነበርዋ ስድራቤት ኢዩ ዓብዩ: ትሑት መነባብሮ ዝነበሮም ከኣ ኢዩ ዝመስል

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

እቶም መማህራን ብምስትውዓል ናይቲ ወዲ 12 ዓመት ዝነበረ የሱስን ዝህቦ ዝነበረ መልስታትን ተገሪሞም ኢዮም