ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ሓሳብ ክርስቶስ” ኣሎካዶ፧

“ሓሳብ ክርስቶስ” ኣሎካዶ፧

“ሓሳብ ክርስቶስ” ኣሎካዶ፧

“እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ . . . ከምቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም: ሓደ ሓሳብ ክትሐስቡ ይሀብኩም።”—ሮሜ 15:5

1. የሱስ ኣብ ብዙሕ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ቅብኣታት ብኸመይ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ: እዚ ግን ዘይቅኑዕ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

 “ክስሕቕ ተራእዩ ኣይፈልጥን።” እዚ ሓደ ጥንታዊ ናይ ሮሜ በዓል ስልጣን ከም ዝጸሓፎ ብሓሶት ኣብ ዝንገር ሰነድ: ብዛዕባ የሱስ እተገልጸ ኣበሃህላ ኢዩ። እዚ ሰነድ እዚ: በዚ ናይ ሕጂ ትሕዝትኡ ካብ መበል 11 ኽፍለ-ዘበን ጀሚሩ ኢዩ ተፈሊጡ: ንብዙሓት ስነ-ጥበባውያን ድማ ጽልዋ ከም ዝገበረሎም ይዝረበሉ። a የሱስ ኣብ ሓያለይ ቅብኣታት ከም ሓደ ፍሽኽ ኢሉ ዘይፈልጥ ጕሁይ ሰብ ኢዩ ተሳኢሉ ዘሎ። እዚ ግን ካብቲ ንየሱስ ከም ምዉቕን ሕያዋይን ውሽጣዊ ስምዒት ዘለዎን ዓይነት ሰብ ገይሩ ዘቕርቦ ናይ ወንጌላት ጸብጻብ ዝረሓቐ ዘይቅኑዕ ኣገላልጻ ኢዩ።

2. ብኸመይ ኢና ‘ከም ናይ ክርስቶስ የሱስ ገይርና ክንሓስብ’ እንኽእል: እዚኸ እንታይ ንምግባር ኢዩ ዘዕጥቐና፧

2 ስለዚ ነቲ ናይ ሓቂ የሱስ ንምፍላጥ: ንሱ ኣብ ምድሪ ኸሎ እንታይ ዓይነት ሰብ ከም ዝነበረ ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ምሉእ ብምሉእ ርጡብ ምርዳእ ክህልወና ከም ዝግባእ ንጹር ኢዩ። ሃየ እምበኣር ነቲ ንስምዒታቱ: ግንዛበኡ: ሓሳባቱ: ከምኡውን ናይ ምምዝዛን ክእለቱ ዘጠቓልል “ሓሳብ ክርስቶስ” ምእንቲ ከነስተውዕል ንጸብጻብ ወንጌል ንመርምሮ። (1 ቈረንቶስ 2:16) እዚ ኽንገብር ከሎና ብኸመይ ‘ከም ናይ ክርስቶስ የሱስ ገይርና ክንሓስብ’ ከም እንኽእል ንመርምር። (ሮሜ 15:5) ከምዚ ብምግባር ከኣ ኣብ ናብራና ይኹን ኣብቲ ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ ነቲ ዝሓደገልና ኣርኣያ ንምስዓብ ብዝበለጸ ዕጡቓት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ዮሃንስ 13:15

ብቐሊሉ ተቐራቢ

3, 4. (ሀ) እቲ ኣብ ማርቆስ 10:13-16 ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ ከመይ ይመስል ነበረ፧ (ለ) እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንቘልዑ ናብ የሱስ ምምጻእ ክኽልክልዎም ምስ ፈተኑ: የሱስ እንታይ ምላሽ ሃበ፧

3 ሰባት ናብ የሱስ ክቐርቡ ኣይከብዶምን ኢዩ ነይሩ። በብእዋኑ እተፈላለየ ዕድመን መበቈልን ኣተዓባብያን ዝነበሮም ሰባት ናጻ ዀይኖም ቀሪቦምዎ ኢዮም። ነቲ ኣብ ማርቆስ 10:13-16 ተመዝጊቡ ዘሎ ፍጻመ እስከ ንርኣዮ። እቲ ኵነት ኣብ ኣጋ ምዝዛም ኣገልግሎት የሱስ ማለት ዘሰቅቕ ሞት ንኽመውት ናብ የሩሳሌም ናይ መወዳእታ ጕዕዞ ክገብር ከሎ ኢዩ ኣጋጢሙ።—ማርቆስ 10:32-34

4 ነቲ ዓውደ-ፍጻመ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ሰባት የሱስ ምእንቲ ክባርኾም እንተላይ ህጻናት ዝርከብዎም ቈልዑ ከምጽኡ ይጅምሩ። b እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግን ነቶም ቈልዑ ናብ የሱስ ካብ ምምጻእ ክኽልክልዎም ይፍትኑ። ምናልባት የሱስ ኣብዘን ዘየላብዋ ሳምንታት እዚኣተን ብቘልዑ ክህወኽ ኣይደልን ኢዩ ዝብል ስምዒት ሓዲርዎም ይኸውን። እንተዀነ ግን ተጋግዮም ኢዮም። የሱስ እቶም ደቀ መዛሙርቲ እንታይ ይገብሩ ከም ዘለዉ ይግንዘብ: ኣይሕጐሰሎምን ከኣ። “ሕደግዎም: ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ” እናበለ ድማ ነቶም ቈልዑ ናብኡ ይጽውዖም። (ማርቆስ 10:14) ድሕሪኡ ናይ ሓቂ ለውሃቱን ፍቕሩን ይገልጸሎም። እቲ ጸብጻብ “ሐቝፉ ኢዱ ኣንቢሩሎም ባረኾም” ብምባል ይገልጽ። (ማርቆስ 10:16) የሱስ ነቶም ቈልዑ ሕቝፍ ምስ ኣበሎም ፍዅስ ይብሎም ከም ዝነበረ ፍሉጥ ኢዩ።

5. እቲ ኣብ ማርቆስ 10:13-16 ዝርከብ ጸብጻብ: የሱስ እንታይ ዓይነት ሰብ ከም ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ ዝገልጸልና፧

5 እዚ ሓጺር ጸብጻብ እዚ የሱስ እንታይ ዓይነት ሰብ ከም ዝነበረ ብዙሕ ዝገልጸልና ነገር ኣለዎ። ተቐራቢ ምንባሩ ኣስተብህል። ኣብ ሰማይ ልዕል ዝበለ ቦታ እኳ እንተ ነበሮ: ንዘይፍጹማት ሰባት ዘፈራርህን ዘናእስን ኣይነበረን። (ዮሃንስ 17:5) ኣብ ርእሲ እዚ: ቈልዑ ምስኡ ክዀኑ ኸለዉ ፍዅስ ይብሎም ምንባሩስ ክስትብሃለሉ ዝግባእዶ ኣይኰነን፧ ናብ ሓደ ምዉቕ ስምዒት ዘይብሉ ፍሽኽ ኢሉ ወይ ስሒቑ ዘይፈልጥ ሰብ ከም ዘይቀርቡ ፍሉጥ ኢዩ! ምዉቕ ስምዒት ዝነበሮ ዝስገግ ዓይነት ሰብ ምዃኑ ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ: ኣብ ርእሲኡ ድማ ከም ዘየስተሓፍሮም እምንቶ ስለ ዝነበሮም ኣብ ኵሉ ክሊ ዕድመ ዝነበሩ ሰባት ይቐርብዎ ነበሩ።

6. ሽማግለታት ንገዛእ ርእሶም ዝያዳ ተቐረብቲ ክገብርዋ ዝኽእሉ ከመይ ገይሮም ኢዮም፧

6 ነዚ ጸብጻብ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ንገዛእ ርእስና ከምዚ ዝስዕብ ኢልና ክንሓትት ንኽእል ኢና:- ‘ሓሳብ ክርስቶስ ኣሎኒ ድዩ፧ ተቐራቢ ድየ፧’ ኣብዘን ጽንኩራት ግዝያት ኣባጊዕ ኣምላኽ “ካብ ንፋስ ከም ከውሊ” ዝዀኑ ተቐረብቲ ጓሶት ኢየን ዝደልያ። (ኢሳይያስ 32:1, 2፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1) ሽማግለታት ቅንዕና ዝመልኦን ልባውን ናይ ምግዳስ ስምዒት እንተድኣ ኣማዕቢልኩምን ብእኦም ንምስጋግ ፍቓደኛታት እንተድኣ ዄንኩምን: ኣሕዋትኩም ሓለይቲ ምዃንኩም ክርድኡ ኢዮም። ነዚ ኣብ ገጽኩም ከንብብዎ ኢዮም: ካብ ቃና ድምጽኹም ክሰምዕዎ ኢዮም: ከምኡውን ኣብቲ እተርእይዎ ሕያውነት ክዕዘብዎ ኢዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓቂ ምዉቕ ስምዒትን ሓልዮትን ካልኦት እንተላይ ቈልዑ ብቐሊሉ ከም ዝቐርብኹም ዝገብር ናይ ምትእምማን ሃዋህው ክፈጥር ይኽእል ኢዩ። ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ንሓደ ሽማግለ ግልጺ ዀይና ክትዛረብ ዝኸኣለትሉ ምኽንያት ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ብለውሃትን ድንጋጽን ኢዩ ኣዘራሪቡኒ። እንተ ዘይኰይኑ ሓንቲ ቓል እውን ትኹን ኣይመውሳእክሉን ነይረ። ድሕንነት ከም ዝስምዓኒ ኢዩ ገይሩ።”

ንኻልኦት ዝሓሊ ኢዩ ነይሩ

7. (ሀ) የሱስ ንኻልኦት ዝሓሊ ምዃኑ ብኸመይ ኢዩ ዘርኣየ፧ (ለ) የሱስ ንሓደ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ናይ ምርኣይ ክእለቱ በብቝሩብ ከም ዝምለሰሉ ዝገበረ ስለምንታይ ኢዩ፧

7 የሱስ ሓላዪ ኢዩ ነይሩ። ስምዒት ካልኦት ዝርዳእ ዓይነት ሰብ ኢዩ ነይሩ። እተወጽዑ ሰባት ርእይ ምስ ዘብል ውሽጣዊ ስምዒቱ ይትንከፍ ብምንባሩ ካብ ስቓዮም ከናግፎም ይድረኽ ነበረ። (ማቴዎስ 14:14) ንድሩት ዓቕምን ጸገምን ሰባት ኣብ ግምት ዘእቱ ኢዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 16:12) ሓደ ግዜ ገለ ሰባት ሓደ ዕዉር ሒዞም ብምምጻእ ከሕውዮ ንየሱስ ለመንዎ። የሱስ ናይቲ ሰብኣይ ናይ ምርኣይ ክእለት ከም ዝምለስ ገበረ: ነዚ ዝፈጸሞ ግን በብቝሩብ ኢዩ። ኣብ ፈለማ እቲ ሰብኣይ ዋግዋጎ ኢዩ ርእዩ: “ሰባት እርኢ አሎኹ: ኪመላለሱ ኸለዉ ኣእዋም መሲሎም እርእዮም አሎኹ” ድማ በለ። ድሕርዚ የሱስ ናይ ምርኣይ ክእለቱ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝምለስ ገበረ። ስለምንታይ ኢዩ ግን በብቝሩብ ከም ዝሓዊ ዝገበሮ፧ እዚ ሜላ እዚ ምናልባት ንሓደ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ዝነበረ ሰብ ሃንደበት ብርሃን ጸሓይን ዘደናግር ከባብን ምስ ዝርኢ ዕግንግን ከም ዘይብሎ ንምግባር እቲ ዝበለጸ መገዲ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—ማርቆስ 8:22-26

8, 9. (ሀ) የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ዞባ ዓሰርተ ዓዲ ምስ ኣተዉ ድሕሪ ሓጺር እዋን እንታይ ኣጋጠመ፧ (ለ) የሱስ ነቲ ጸማም ሰብኣይ ከሕውዮ ኸሎ ዝነበረ ኵነታት ግለጽ።

8 ነቲ ናይ 32 ከ.ኣ.ዘ. ፋስጋ ምስ ሓለፈ ዘጋጠመ ፍጻመ ድማ እስከ ንርኣዮ። የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብቲ ካብ ባሕሪ ገሊላ ብወገን ምብራቕ ዝርከብ ዞባ ዓሰርተ ዓዲ ኣትዮም ነበሩ። ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ከኣ ሕሙማትን ስንኩላንን ሒዞም ናብቲ ቦታ መጹ: የሱስ ድማ ንዅሎም ኣሕወዮም። (ማቴዎስ 15:29, 30) እቲ ዘገርም ግን የሱስ ንሓደ ሰብኣይ ፍሉይ ሓልዮት ንኽገብረሉ ንበይኑ ወሰዶ። እቲ ብዛዕባ እዚ ኵነት እዚ ንሱ ጥራይ ዝመዝገበ ጸሓፍ ወንጌል ዝዀነ ማርቆስ እንታይ ከም እተፈጸመ ጸብጻብ ሂቡ ኣሎ።—ማርቆስ 7:31-35

9 እቲ ሰብኣይ ጸማምን ናይ ምዝራብ ጸገም ዝነበሮን ኢዩ ነይሩ። የሱስ ነቲ ናይዚ ሰብኣይ እዚ ፍርህን ሕፍረትን ተገንዚብዎ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ሓደ ዘይተለምደ ነገር ከኣ ገበረ። ነቲ ሰብኣይ ካብቲ እኩብ ህዝቢ ንበይኑ ነጺሉ ናብ ብሕት ዝበለ ቦታ ወሰዶ። ሽዑ የሱስ እንታይ ክገብር ምዃኑ ነቲ ሰብኣይ ንምሕባር ብምልክት ነገሮ። “ኣጻብዑ ኣብ ኣእዛኑ ኣንቢሩ: ጡፍ ኢሉ ልሳኑ ተንከዮ።” (ማርቆስ 7:33) ቀጺሉ የሱስ ናብ ሰማይ ገጹ ቍሊሕ ብምባል ናይ ጸሎት እህህትኡ ገለጸ። እዚ ኣካላዊ ምንቅስቓሳትን ተግባራትን እዚ ነቲ ሰብኣይ: ‘ዝገብረልካ ዘለኹ ብሓይሊ ኣምላኽ ኢየ ዝፍጽሞ’ ዝብል መልእኽቲ ንኸመሓላልፈሉ ኢሉ ኢዩ ገይርዎ ዝኸውን። ኣብ መወዳእታ የሱስ “ተኸፈት” በለ። (ማርቆስ 7:34) ናይቲ ሰብኣይ ናይ ምስማዕ ክእለት ድማ ተመልሰ: ብዘይገለ ጸገም ከኣ ክዛረብ ከኣለ።

10, 11. ስምዒት ካልኦት ኣብ ግምት ከም እነእቱ ኣብ ጉባኤ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ ኣብ ውሽጢ ስድራቤትከ፧

10 የሱስ ንኻልኦት ኣየ ከመይ ዝበለ ሓልዮት ኰን ኢዩ ዘርኣየ! ስምዒት ካልኦት ብቐሊሉ ዝርዳእ ዓይነት ሰብ ኢዩ ነይሩ: እዚ ድንጋጽ ዝመልኦ ተገዳስነት እዚ ኸኣ ምስ ስምዒቶም ብዝሰማማዕ መገዲ ስጕምቲ ንኽወስድ ደሪኽዎ ኢዩ። በዚ ዝመጸ ንሕናውን ከም ክርስትያናት መጠን ሓሳብ ክርስቶስ ከነማዕብል ሰናይ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኵላትኩም ሓደ ዝሐሳቦም: እትዳናገጹ: ሕውነት እተፍቅሩ: ለዋሃት: ትሑታት ኩኑ” ብምባል ይመኽረና። (1 ጴጥሮስ 3:8) እዚ ድማ ብርግጽ ንስምዒታት ካልኦት ኣብ ግምት ብዘእቱ መገድታት ክንዛረብን ክንመላለስን ዝሓተና ኢዩ።

11 ኣብ ጉባኤ ከምቲ ንሕና ክግበረልና እንደልዮ ዓይነት ኣተሓሕዛ ገይርና ንኻልኦት ብምሓዝን ክብሪ ብምሃብን ስምዒታቶም ኣብ ግምት ከም እነእቱ ከነርኢ ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 7:12) እዚ ኸኣ እንታይ ከም እንዛረብን ብኸመይ ከም እንዛረቦን ምጥንቃቕ ዘጠቓልል ኢዩ። (ቈሎሴ 4:6) ‘ከም ሰይፊ ገይሩ ዝቘርጽ ዘረባ’ ከም ዘሎ ኣይትረስዕ። (ምሳሌ 12:18) ብዛዕባ ስድራቤትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ኣብ መንጎኦም ዓሚቝ ፍቕሪ ዘለዎም ሰብኣይን ሰበይትን ስምዒት ሓድሕዶም ብቐሊሉ ዝርድኡ ኢዮም። (ኤፌሶን 5:33) ብቐሊሉ ክሓዊ ዘይክእል ናይ ስምዒት መድቈስቲ ከምጽእ ዝኽእል ተሪር ቃላት: ንሕስያ ዘይብሉ ነቐፌታ: ሃሳዪ ምንሻው የወግዱ ኢዮም። ቈልዑ እውን ስምዒት ኣለዎም: ፈቃራት ወለዲ ድማ ነዚ ስምዒት እዚ ኣብ ግምት የእትውዎ ኢዮም። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ወለዲ ጌጋታት ደቆም ክእርሙ ኸለዉ ነዚ በቲ ኽብሪ ደቆም ዝሕሉ መገዲ ኢዮም ዝፍጽምዎ: ካብ ዘየድሊ ሕፍረት ከኣ የድሕንዎም። c (ቈሎሴ 3:21) በዚ ኸምዚ ኣብ ካልኦት ዘሎና ሓልዮት ምስ እንገልጽ: ሓሳብ ክርስቶስ ከም ዘሎና ኢና እነርኢ።

ንኻልኦት ሕድሪ ክህብ ፍቓደኛ ነበረ

12. የሱስ ኣብ ደቀ መዛሙርቱ ከመይ ዝበለ ሚዛናውን ክውንነታውን ኣረኣእያ ኢዩ ዝነበሮ፧

12 የሱስ ኣብ ደቀ መዛሙርቱ ሚዛናውን ክውንነታውን ኣረኣእያ ነይርዎ ኢዩ። ፍጹማት ከም ዘይነበሩ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነበረ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣልባብ ደቅሰብ ከንብብ ይኽእል ነበረ። (ዮሃንስ 2:24, 25) ይኹን እምበር: ነቲ ዘይፍጽምንኦም ዘይኰነስ ነቲ ጽቡቕ ባህርያቶም ኢዩ ዘተኵረሉ ነይሩ። ብተወሳኺውን ነቲ እዞም የሆዋ ዝሰሓቦም ሰባት ኣብ መጻኢ ክዀንዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ ዓይነት ሰብ ኢዩ ዝርኢ ነይሩ። (ዮሃንስ 6:44) እቲ የሱስ ኣብ ደቀ መዛሙርቱ ዝነበሮ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኣብቲ ምስኦም ዝነበሮ ርክብን ኣተሓሕዝኡን ተጋሂዱ ይርአ ነበረ። እቲ ሕድሪ ንኽህቦም ዝነበሮ ፍታው ሓደ መረጋገጺ ኢዩ።

13. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ሕድሪ ንኽህቦም ድላይ ከም ዝነበሮ ብኸመይ ኢዩ ዘርኣየ፧

13 የሱስ ሕድሪ ንኽህቦም ኣብኣቶም ዝነበሮ ትውክልቲ ብኸመይ ኢዩ ዘርኣዮ፧ ንሰማይ ክዓርግ ከሎ ንቕቡኣት ደቀ መዛሙርቱ ከቢድ ሓላፍነት ኢዩ ኣሰኪምዎም። ነቲ ዓለምለኻዊ ረብሓ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምእላይ ሓላፍነት ኣረኪብዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 25:14, 15፣ ሉቃስ 12:42-44) ኣገልግሎቱ ይፍጽመሉ ኣብ ዝነበረ እዋናት ብንኣሽቱን ተዘዋዋርን መገድታት ገይሩ ሕድሪ ዘጽንዑ ሰባት ምዃኖም ኣርእዩ ኢዩ። ብዙሓት ሰባት ንምምጋብ ብተኣምራታዊ መገዲ መግቢ ከም ዝባዛሕ ምስ ገበረ: ንደቀ መዛሙርቱ ናይ ምዕዳል ሓላፍነት ሂብዎም ኢዩ።—ማቴዎስ 14:15-21፣ 15:32-37

14. ነቲ ኣብ ማርቆስ 4:35-41 ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ ብኸመይ ጸሚቝካ መቕረብካዮ፧

14 ነቲ ኣብ ማርቆስ 4:35-41 ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ እውን እስከ ንርኣዮ። ኣብቲ እዋን እቲ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ ባሕሪ ገሊላ ንምብራቕ ገጾም ብጃልባ ይኸዱ ነበሩ። ቍሩብ ሰፊፎም ምስ ተጓዕዙ የሱስ ኣብ ዳሕረዋይ ወገን እታ ጃልባ ብጐቦ ይኸውን እሞ ከቢድ ድቃስ ይወስዶ። ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ግን ‘ህቦብላን ብርቱዕ ንፋስን ኰነ።’ ከምዚ ዝኣመሰለ ማዕበል ኣብ ባሕሪ ገሊላ ልሙድ ኢዩ ነይሩ። እቲ ባሕሪ ትሕት ኢሉ (ገለ 200 ሜትሮ ትሕቲ ጽፍሒ ባሕሪ) ዝርከብ ብምዃኑ እቲ ናይቲ ባሕሪ ኵነታት ኣየር ካብቲ ኸባቢ ምዉቕ ዝበለ ኢዩ። እዚ ኸኣ ርጉእ ኵነታት ኣየር ከም ዘይህሉ ይገብር። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ካብቲ ብወገን ሰሜን ዝርከብ ከረን ሄርሞን ብሩባ ዮርዳኖስ ኣቢሉ ዝወርድ ብርቱዕ ንፋሳት ኣሎ። ንግዚኡ ህዱእ ዝመስል ኵነታት ኣየር ሃንደበት ናብ ብርቱዕ ማዕበላት ክልወጥ ይኽእል ኢዩ። ብዛዕባ እዚ እሞ ሕስብ ኣብል:- የሱስ ነዚ ልሙድ ናይ ማዕበላት ተርእዮ እዚ ብዘይጥርጥር ይፈልጦ ነይሩ ኢዩ: ከመይሲ ኣብ ገሊላ ኢዩ ዓብዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ ክእለት ናይቶም ገለ ኻብኣቶም ገፈፍቲ ዓሳ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ብምውካል ብዘይገለ ስክፍታ ደቀሰ።—ማቴዎስ 4:18, 19

15. ነቲ የሱስ ንኻልኦት ሕድሪ ክህብ ዝነበሮ ድሌት ብኸመይ ክንቀድሖ ምኸኣልና፧

15 ነቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ሕድሪ ክህቦም ዝነበሮ ድሌት ክንቀድሖ ንኽእልዶ፧ ገሊኦም ንኻልኦት ሓላፍነት ክህብዎም ይጽግሞም ኢዩ። ኵሉ ነገር ባዕሎም ክቈጻጸሩ ኢዮም ዝደልዩ። ‘ሓደ ነገር ብጽቡቕ ክዕየ እንተድኣ ዀይኑ: ባዕለይ ክገብሮ ኣሎኒ!’ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣለዎም። ኵሉ ነገር ባዕልና ክንገብሮ እንተድኣ ዄንና ግን: ገዛእ ርእስና ኢና ንሃሲ: ምናልባትውን ምስ ስድራቤትና ከነሕልፎ ዝነበረና ግዜ ይባኽን ይኸውን። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ንኻልኦት ክፍጽምዎ ዝኽእሉ ዕዮታትን ክዋጽእሉ ዝኽእሉ ሓላፍነታትን እንተድኣ ዘይሂብናዮም: እቲ ዝድለ ተመክሮን ልምምድን ከም ዘይረኽቡ ኢና ንገብሮም ዘሎና። ንገለ ዓይነት ዕዮን ሓላፍነትን ብምምዛዝ ንኻልኦት ሕድሪ ከም ዘጽንዑ ገይርካ ትውክልቲ ክትገብረሎም ምልምማድ ጥበብ ኢዩ። ብቕንዕና ንገዛእ ርእስና ከምዚ ዝስዕብ ኢልና ኽንሓትት ሰናይ ኢዩ:- ‘በዚ ዝመጸ ሓሳብ ክርስቶስ ኣሎኒ ድዩ፧ ኣብቲ ዝከኣሎም ዘበለ ንምግባር ዘለዎም ድሌት ብምውካል: ንኻልኦት ኣብ ገለ ዕዮታት እምዝዞም ድየ፧’

ንደቀ መዛሙርቱ ይኣምኖም ከም ዝነበረ ኣርኣየ

16, 17. ኣብታ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዝነበረት ናይ መወዳእታ ምሸት: ሃዋርያቱ ክርሕርሕዎ ምዃኖም ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ የሱስ እንታይ ኢዩ ዘረጋገጸሎም፧

16 የሱስ ኣብ ደቀ መዛሙርቱ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ከም ዝነበሮ ብኻልእ ኣገዳሲ ዝዀነ መገዲ ገሊጹ ኢዩ። ብእኦም ዝተኣማመን ምዃኑ ከም ዝፈልጡ ገይሩ ኢዩ። እዚ ኸኣ ኣብታ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዝነበረት ናይ መወዳእታ ምሸት ንሃዋርያቱ ኣብ እተዛረበን ቃላት ብጋህዲ ተራእዩ ኢዩ። እንታይ ከም ዘጋጠመ እስከ ንርአ።

17 የሱስ ንሃዋርያቱ ኣእጋሮም ብምሕጻብ ብዛዕባ ትሕትና ብግብሪ እተሰነየ ትምህርቲ ክህብ፣ ድሕሪኡ ድማ ነቲ ዝኽሪ ሞቱ ዝኸውን ድራር ክሰርዕ ምሉእ ምሸት ሓለፈ። ድሕርዚ ኸኣ እቶም ሃዋርያት እንደገና ሓደ ኻብኣቶም ‘ኣነ እዓቢ’ ብምባሉ እተላዕለ ዝመስል ርሱን ክትዕ ገበሩ። ሕጂውን እንተዀነ የሱስ ብተሪር ቃል ኣይገንሖምን: ኣብ ክንድኡስ ትዕግስቲ ብምግባር ብልእመት ኢዩ ተረዳዲእዎም። የሱስ “ንጓሳ እወቕዖ: እተን ኣባጊዕ መጓሰ ድማ ፋሕ ይብላ: ተጽሒፉ አሎ እሞ: በዛ ለይቲ እዚኣ ዅላትኩም ብኣይ ክትዕንቀፉ ኢኹም” ብምባል ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝጽበዮም ዝነበረ ዅነታት ነገሮም። (ማቴዎስ 26:31፣ ዘካርያስ 13:7) ኣብቲ ዝያዳ ሓገዝ ዝደልየሉ እዋን እቶም ናይ ቀረባ ብጾቱ ክርሕርሕዎ ምዃኖም ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣይኰነኖምን። በንጻሩ እኳ ድኣስ: “ምስ ተንሳእኩ ግና: ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እየ” በሎም። (ማቴዎስ 26:32) እወ: ምንም እኳ ንሳቶም ክርሕርሕዎ እንተ ዀኑ: ንሱ ግን ከም ዘይርሕርሖም ኢዩ ኣረጋጊጽሎም። እዚ ከቢድ ፈተነ እዚ ምስ ሓለፈ: እንደገና ክራኸቦም ነበሮ።

18. የሱስ ኣብ ገሊላ ነየናይ ከቢድ መዝነት ኢዩ ንደቀ መዛሙርቱ ብሕድሪ ዝሃቦም: እቶም ሃዋርያትከ ነዚ መዝነት እዚ ብኸመይ ፈጸምዎ፧

18 የሱስ ቃሉ ሓልዩ ኢዩ። ድሕሪ ገለ ግዜ እቲ ዝተንስአ የሱስ ነቶም ብርግጽ ምስ ብዙሓት ካልኦት ተኣኪቦም ዝነበሩ 11 እሙናት ሃዋርያት ኣብ ገሊላ ተራእይዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 28:16, 17፣ 1 ቈረንቶስ 15:6) ኣብኡ ድማ እዚ ዝስዕብ ከቢድ መዝነት ሃቦም:- “ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።” (ማቴዎስ 28:19, 20) መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት: ነዚ ተልእኾ እዚ ከም ዝፈጸምዎ ንጹር መርትዖ ትህበና። ሃዋርያት ነቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝካየድ ዝነበረ ዕዮ ስብከት ብስራት: ግምባር ቀደም ኰይኖም ብተኣማንነት መሪሖምዎ ኢዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 2:41, 42፣ 4:33፣ 5:27-32

19. እቲ የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ዝገበሮ ተግባራት ብዛዕባ ሓሳብ ክርስቶስ እንታይ ኢዩ ዝምህረና፧

19 እዚ ምስትውዓል ዝውስኽ ጸብጻብ እዚ ብዛዕባ ሓሳብ ክርስቶስ እንታይ ይምህረና፧ ሃዋርያቱ ብተደጋጋሚ ኣጕህዮምዎ እኳ እንተዀኑ: የሱስ “ኽሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም።” (ዮሃንስ 13:1) ጕድለታቶም ብዘየገድስ: ዝተኣማመነሎም ምዃኑ ከም ዝፈልጡ ገይሩ ኢዩ። እምንቶ የሱስ ንኸንቱ ኣይነበረን። እቲ ኣብኣቶም ዘርኣዮ እምንቶን ትውክልትን ብዘይጥርጥር ነቲ ክገብርዎ ዝኣዘዞም ዕዮ ንኽፍጽሙ ጽኑዓት ክዀኑ ኣበራቲዕዎም ኢዩ።

20, 21. ኣብ ኣመንቲ ብጾትና ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ከም ዘሎና ከነርኢ እንኽእል ከመይ ገይርና ኢና፧

20 በዚ ዝመጸ ሓሳብ ክርስቶስ ከነንጸባርቕ እንኽእል ከመይ ገይርና ኢና፧ ኣብ ኣመንቲ ብጾትካ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኣይሃልኻ። ሕማቕ እንተድኣ ትሓስብ ኴንካ: ኣዘራርባኻን ተግባርካን ነዚ ከም ዘንጸባርቕ ፍሉጥ ኢዩ። (ሉቃስ 6:45) መጽሓፍ ቅዱስ ፍቕሪ “ኵሉ ትአምን” ብምባል ይነግረና። (1 ቈረንቶስ 13:7) ፍቕሪ ኣወንታዊት ደኣ እምበር ኣሉታዊት ኣይኰነትን። ሃናጺት ደኣ እምበር መፍረሲት ኣይኰነትን። ሰባት ብቐሊሉ ምእዙዛት ኰይኖም ዝርከቡ ምጕብዕባዕ ክግበረሎም ከሎ ዘይኰነስ ፍቕርን ምትብባዕን ክወሃቦም ከሎ ኢዩ። ኣብኣቶም ዘሎና እምንቶ ብምግላጽ ንኻልኦት ክንሃንጾምን ከነተባብዖምን ንኽእል ኢና። (1 ተሰሎንቄ 5:11) ልክዕ ከም ክርስቶስ ኣብ ኣሕዋትና ኣወንታዊ ኣረኣእያ እንተድኣ ኣልዩና: በቲ ክሃንጾም ዝኽእል መገዲ ክንሕዞምን ነቲ ጽቡቕ ጐኖም ጥራይ ክንርእን ኢና።

21 ሓሳብ ክርስቶስ ምምዕባልን ምንጽብራቕን ክንዮ እቲ የሱስ ዝገበሮ ነገራት ሓሊፉ ዝኸይድ ኢዩ። ከምቲ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ተገሊጹ ዘሎ: ልክዕ ከም የሱስ ክንመላለስ እንተድኣ ዄንና ከም ናቱ ዝበለ ኣረኣእያ ንምጥራይ ክንለማመድ ኣሎና። ከምቲ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ እትድህስሶ ድማ ወንጌላት ነቲ ኻልእ መዳይ ሰብኣዊ ህይወት የሱስ ክንግንዘብ ዘኽእለና ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ነቲ የሱስ ኣብቲ እተመዘዘሉ ዕዮ ዝነበሮ ኣተሓሳስባን ስምዒትን ዝምልከት ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a እቲ ነዚ ትምዩን ሰነድ ዘዳለዎ ሰብ: ንሕብሪ ጸጕሩን ጭሕሙን ኣዒንቱን ዘጠቓልል ኣካላዊ ትርኢት የሱስ ገሊጹ ኣሎ። እቲ ተርጓሚ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ኤድጋር ጀይ. ጉድስፒድ እዚ ትምዩን ሰነድ እዚ: “እቲ ናይ ቅብኣ ሰኣልቲ ዝጥቀምሉ ንኣካላዊ ትርኢት የሱስ ዝሕብር መምርሒ መጻሕፍቲ ተቐባልነት ከም ዝረክብ ንምግባር እተዳለወ ኢዩ” ብምባል ይገልጽ።

b እቶም ቈልዑ እተፈላለየ ዕድመ ዝነበሮም ኢዩ ዝመስል። እታ ኣብዚ “ቈልዑ” ተተርጒማ ዘላ ቓል ነታ 12 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓል ያኢሮስ ንምምልካት እውን ተዘውቲራ ኣላ። (ማርቆስ 5:39, 42፣ 10:13) ይኹን እምበር: ሉቃስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ክዛረብ ከሎ ነታ ንህጻናት ንምምልካት እትዝውተር ቃል ተጠቒሙ ኣሎ።—ሉቃስ 1:41፣ 2:12፣ 18:15

c ነታ ኣብ ናይ 1 ሚያዝያ 1998 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “ክብረቶም ትሕልወሎም ዲኻ፧” እትብል ዓንቀጽ ርአ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

የሱስ ቈልዑ ናብኡ ንኸይመጹ ደቀ መዛሙርቱ ክኽልክልዎም ምስ ፈተኑ እንታይ ምላሽ ኢዩ ዝሃበ፧

የሱስ በየናይ መገድታት ኢዩ ንኻልኦት ሓልዮቱ ዘርኣየ፧

ነቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ሕድሪ ክህቦም ዝነበሮ ድሌት ብኸመይ ምቐዳሕናዮ፧

ነቲ የሱስ ኣብ ሃዋርያቱ ዘርኣዮ እምንቶ ብኸመይ ምቐዳሕናዮ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ቈልዑ ምስ የሱስ ክዀኑ ኸለዉ ፍዅስ ይብሎም ነበረ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

የሱስ ንሰባት ብድንጋጽ ኢዩ ሒዝዎም

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ተቐረብቲ ሽማግለታት በረኸት ኢዮም