ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ መጠንቀቕታ ኣቕልበሉ!

ነቲ መጠንቀቕታ ኣቕልበሉ!

ነቲ መጠንቀቕታ ኣቕልበሉ!

ሂም! ብ3 ሰነ 1991 እቲ ኣብ ጃፓን ዝርከብ እምባ ፉገን እዚ ዘይበሃል ናይ እሳተ-ጎመራ ጋዛትን ሓሙዅሽትን ተፍአ። እቲ ምሒር ዝረሰነ ውሁድ ናብቲ ቍልቍለት ፈሰሰ። እዚ ናይ እሳተ-ጎመራ ምንታጕ 43 ሰባት ቀተለ። መብዛሕትኦም እቶም ካብ መዓት ዝወጹ ከቢድ ናይ ምንዳድ ሓደጋ ኣጋጠሞም። ገሊኦም “በጃኹም: ማይ: ማይ” እናበሉ ገዓሩ። መጥፋእቲ ሓውን ኣባላት ፖሊስን ከኣ ንኽሕግዝዎም ሸበድበድ ይብሉ ነበሩ።

 ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ኣብ ጫፍ እምባ ፉገን ናይ ትፋእ እሳተ-ጎመራ ጕልላት ተራእዩ ስለ ዝነበረ እቶም ሰበ-ስልጣንን ተቐማጦን ክነቱጕ ከም ዝኽእል ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። ሓደ ሰሙን እቲ ዕንወት ቅድሚ ምውራዱ ሰባት ካብቲ ቦታ ንኽግዕዙ ምኽሪ ተዋሂቡ ነበረ። ሓደ መዓልቲ እቲ እሳተ-ጎመራ ቅድሚ ምንታጉ: ፖሊስ ንኣባላት ማዕከናት ዜና ናብቲ ቦታ ካብ ምኻድ ክቝጠቡ ሓቲቱ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ኣብታ ተካል ድሕሪ ቐትሪ እቶም 43 ግዳያት ኣብቲ ሓደገኛ ዞባ ነበሩ።

ክንድዚ ዝኣኽሉ ሰባት ናብቲ ሓደገኛ ቦታ ዝኸዱ ወይ ኣብኡ ዝጸንሑ ስለምንታይ ኢዮም፧ ገለ ካብቲ ቦታ ግዒዞም ዝነበሩ ሓረስቶት ንብረቶምን ግራውቶምን ንኽርእዩ ተመልሱ። ብዛዕባ እሳተ-ጎመራ ዘጽንዑ ሰለስተ ሰባት ንትምህርቶም ዝምልከት ዝያዳ ፍልጠት ንምርካብ ክሳብ ዝከኣሎም ናብቲ እሳተ-ጎመራ ዘለዎ ቦታ ገጾም ክቐርቡ ፈተኑ። ብዙሓት ሪፖርተራትን ሰኣልትን ብዛዕባ ናይቲ እሳተ-ጎመራ ንጥፈታት ሓበሬታ ንምርካብ ናብቲ እተኸልከለ ቦታ ኣትዮም ኢዮም። በተን ማዕከናት ዜና እተቘጽሩ ሰለስተ ዘወርቲ ታክሲ ኣብቲ ቦታ ነበሩ። ኣባላት ፖሊስን መጥፋእቲ ሓውን ከኣ ስርሖም ይፍጽሙ ነበሩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናብቲ ሓደገኛ ዞባ ዝኸደሉ ምኽንያት ነይርዎ፣ ከም ሳዕቤኑ ግን ህይወቶም ኣጥፍኡ።

ኣብ ሓደገኛ ዞባ ዲኻ ዘሎኻ፧

ነፍሲ ወከፍና ኣብ ጥቓ ክነቱጕ ዝቐረበ እሳተ-ጎመራ ኣይንነብርን ንኸውን። እንተዀነ ግን: ንብምልእታ ዓለም ዘጠቓልል ንዅላትና እውን ኣብ ሓደገኛ ዞባ ዘእቱ ዓለምለኻዊ ጥፍኣት ምስ ዘጋጥመናኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ሓደ ክንውከሎ እንኽእል ትንቢታዊ ሓበሬታ ዝሓዘ መጽሓፍ ዓለምለኻዊ ጥፍኣት ይመጽእ ከም ዘሎ መጠንቀቕታ ይህበና ኢዩ፣ ከምዚ ብምባል ድማ ይገልጽ:- “ጸሓይ ክትጽልምት: ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ: ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ: ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም። . . . ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ . . . ኢዮም።” (ማቴዎስ 24:29, 30) እዚ ዓለምለኻዊ ዝርጋሐ ዝህልዎ መለኮታዊ ፍጻመ ‘ንዅሎም ዓሌታት ኣህዛብ’ ከም ዝትንክፎም ተገሊጹ ኣሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ: እዚ ትንቢት እዚ ንዅልና ብዛዕባ ዝትንክፍ ጥፍኣት ኢዩ ዘዘንቱ ዘሎ።

እዚ መጽሓፍ እዚ እቲ ክንውከሎ እንኽእል ትንቢታት ዝሓዘ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። እቲ ዘገርም ከኣ: ትሕዝቶ ናይዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ቅዱስ ጽሑፍ ብዛዕባ እቲ ናብ ዓለምለኻዊ ጥፍኣት ዝመርሕ ነገራት ዝርዝር መግለጺ ይህብ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ጕልላት ናይ ትፋእ እሳተ-ጎመራን ካልኦት እሳተ-ጎመራ ከም ዝነቱጕ ዝሕብሩ መሳርሒታትን ንሰበ-ስልጣን ከተማ ሺማባራ ነቲ ሓደገኛ ዞባ ንኽሓጽሩዎ ምኽንያታት ዝዀኖም: መጽሓፍ ቅዱስ እውን ንቑሓት ንኽንከውንን ንድሕነትና ንኽንዳሎን ምኽንያታት ይህበና ኢዩ። ኣብ እምባ ፉገን ካብ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ ትምህርቲ ክንወስድ ከምኡውን ርዝነት ናይቲ ኣብ መጻኢ ዝኸውን ነገር ከነስተውዕሎ ንኽእል ኢና።

[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

COVER: Yomiuri/​Orion Press/​Sipa Press

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Yomiuri/Orion Press/Sipa Press