ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብቲ ሓደገኛ ዞባ ርሓቕ!

ካብቲ ሓደገኛ ዞባ ርሓቕ!

ካብቲ ሓደገኛ ዞባ ርሓቕ!

 ምርምር ብምግባርን ንመርትዖታት ብምግምጋምን እሳተ-ጎመራ ክነቱጕ ከም ዝኽእል ምጥንቃቕ ናይቶም እሳተ-ጎመራ ዘጽንዑ ሰባት ሓላፍነት ኢዩ። (እምባ ፉገን ሓንሳእ ምስ ነተጐ: ኣባላት ፖሊስ ንሰባት ናብቲ ሓደገኛ ዞባ ንኸይኣትዉ ክኽልክልዎም ነይርዎም።) ብተመሳሳሊ: ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንምልክታት ናይ ‘መወዳእታ ዓለም’ ይዕዘቡ እሞ ንኻልኦት ሓደጋ ኣንጠልጢሉ ከም ዘሎ የጠንቅቑ።—ማቴዎስ 24:3

ኣብታ ዓለምለኻዊ ጥፍኣት ኣንጠልጢሉ ከም ዘሎ እትገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ምዕራፍ: ጥፍኣት ቅድሚ ምምጽኡ ብዛዕባ ዝህሉ ምዕባለታት ተጻሒፉ ይርከብ:- “ህዝቢ ናብ ህዝቢ: መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። . . . ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡ: ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ: ናይ ብዙሓት ፍቅሪ ኽትዝሕል እያ። . . . እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።”—ማቴዎስ 24:7-14

እዚ ትንቢት እዚ: ሕጂ ይፍጸም ከም ዘሎ ንኽንርዳእ ናይ ዜና ተንተንቲ ክንከውን ኣየድልየናን ኢዩ። ብፍላይ ካብ 1914 ኣትሒዙ ነዚ ተመኲርናዮ ኢና። ኣብዚ ክፍለ-ዘበን እዚ ክልተ ውግእ ዓለም: ሓያሎ ውግእ ሓድሕድ: ንኣሽቱ ውግኣት: ከምኡውን ዓሌታውን ሃይማኖታውን ግርጭታት ርኢና ኢና። ኣብ ርእሲ እቲ ብናይ ተፈጥሮ ዕንወት ዝመጽእ ድኽነት: እዚ ውግኣት እዚ ዘስዓቦ ሕጽረት መግቢ ንደቅሰብ ኣሳቕይዎም ኢዩ። ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብዙሕ ህይወት ጠፊኡ ኢዩ። ኵነታቶም ዘጠራጥር መራሕትን ጥሩፋት ሰዓብትን ዘለዉዎም ኣንቆራታት ተላዒሎም ኢዮም። “ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ” ሰባት ፍቕሪ ዘይብሎም ኰይኖም ኣለዉ: ጕርብትና ኸኣ ከም ቀደሙ ኣይኰነን።

እቲ ካልእ መዳይ ናይቲ ምልክት ዝዀነ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ይፍጸም ከም ዘሎ እተረጋገጸ ኢዩ። ንገበር ናይዛ መጽሔት እስከ ርኣዮ፣ “መንግስቲ የሆዋ ዝእውጅ” ዝብላ ቃላት ክፍሊ ናይቲ ኣርእስቲ ምዃነን ክትምልከት ኢኻ። እዚ ኣብ ሓንቲ ሕታም ብ132 ቋንቋታትን ብልዕሊ 22 ሚልዮን ቅዳሓትን ዝሕተም ግምቢ ዘብዐኛ: ነቶም ‘ነዚ ወንጌል መንግስቲ’ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝሰብኩ ሰባት ቀንዲ መሳርሒኦም ኢዩ። እዚ ወንጌል እዚ እቲ ናይ ኣድማስ ፈጣሪ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ንዅሉ እዚ እኩይ ኣገባብ ኣጥፊኣ ገነት እተምጽእ ሰማያዊት መንግስቲ ከም ዘቘመ ዝገልጽ መልእኽቲ ዝሓዘ ኢዩ። ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ስጕምቲ ከም ዝወስድ ዝሕብር ምልክት ሕጂ ይርአ ከም ዘሎ እተረጋገጸ ኢዩ፣ እዚ ድማ ህይወት ናይዞም ኣብዚ ኣገባብ እዚ ዘለዉ ሰባት ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ይሕብር።—ምስ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5፣ 2 ጴጥሮስ 3:3, 4፣ ራእይ 6:1-8 ኣረኣእዮ።

እታ መፍርሂት መዓልቲ የሆዋ

የሆዋ ፍርዱ ዝፍጽመሉ ግዜ ምስ ኣኸለ እንታይ ክኸውን ኢዩ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝኸውን ነገራት የሆዋ ብንጹር ክገልጽ ከሎ እስከ ስማዕ:- “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ከኣ ተኣምራት: ደምን ሓውን ኣዕኑድ ትክን: ከርኢ እየ። እታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር ከይመጸት: ጸሓይ ኣብ ጸልማት: ወርሒ ድማ ኣብ ደም ትልወጥ።”—ዮኤል 2:30, 31

እታ ካብ ዝዀነ ይኹን ከጋጥም ዝኽእል ምንታጕ እሳተ-ጎመራ ወይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንላዕሊ እተፍርህን እተዕኑን መዓልቲ ቀሪባ ኢያ ዘላ። ነብዪ ጸፎንያስ ከምዚ በለ:- “እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር: . . . ቀሪባ እያ: ኣዝያ ኸኣ ትቕልጥፍ አላ። . . . ነቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዅላቶም ብድንገት ጥራስ ከጥፍኦም እዩ . . . ኵላ እታ ሃገር ብሓዊ ቕንኣቱ ኽትወሐጥ እያ።” ‘በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ብሩሮም ወይስ ወርቆም ከናግፎም እኳ እንተ ዘይከኣለ:’ ካብታ መፍርሂት መዓልቲ ክድሕኑሉ ዘኽእሎም መገዲ ግን ኣሎ።—ጸፎንያስ 1:14-18

ጸፎንያስ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ብኸመይ ክንድሕን ከም እንኽእል ክገልጽ ከሎ ከምዚ በለ:- “እቲ ርሱን ቍጥዓ እግዚኣብሄር ከይወረደኩም: እታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ከይወረደትኩም: . . . ኣቱም . . . ትሑታት ምድሪ ዅላትኩም ንእግዚኣብሄር [“ንየሆዋ:” NW] ድለይዎ። ምናልባሽ በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር እንተ ተሐባእኩምሲ: ጽድቂ ድለዩ: ትሕትና ድለዩ።” (ጸፎንያስ 2:2, 3) ‘ንየሆዋ ብምድላይ ከምኡውን ጽድቅን ትሕትናን ብምድላይ’ ዕቝባ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ሎሚ ንየሆዋ ዝደልይዎ ዘለዉ እንመን ኢዮም፧

ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ዕዮ ስብከት ብምዕዛብ ነታ “የሆዋ” እትብል ቃል ምስኣቶም ከም እተተሓሕዛ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እዛ መጽሔት እዚኣ ካብ ሓደ ካባታቶም ተቐቢልካያ ትኸውን። ጽፉፍ ናብራ ዝነብሩ: ስነ-ምግባር ዘለዎም ዜጋታት ከም ዝዀኑ ኢዮም ዝፍለጡ። እቲ ንትሕትና እውን ዘጠቓልል “ሓድሽ ሰብ” ክለብሱ ይጽዕሩ ኣለዉ። (ቈሎሴ 3:8-10) እዚ ክኸውን ዝኸኣለ በታ እትርአ ማሕበር የሆዋ ስለ ዝማሃሩ ምዃኖም ይእመኑ ኢዮም: እዛ ማሕበር እዚኣ ኸኣ በተን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢያ እትውከል። እወ: ኣብ መንጎ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃን ምስ ኵሎም ‘ኣሕዋትካ’ ዕቝባ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።—1 ጴጥሮስ 5:9

ሕጂ ዕቝባ ርኸብ

ንየሆዋ ብምድላይ ዕቝባ ክንረክብ እንተድኣ ደሊና: ፈተውቱ ክንከውን ኣሎና። እዚ እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይምልሰልና:- ‘ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምበኣርከ ፈታው ዓለም ምዃን ዝደሊ: ንሱ ጸላእ ኣምላኽ ኢዩ ዝኸውን።’ (ያእቆብ 4:4) ፈተውቲ ኣምላኽ ንምዃን: ምስዛ ሕጂ ዘላ እክይቲ ዓለም ክህልወና ካብ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ስምዒታዊ ምትሕሓዝ ክንርሕቕ ኣሎና፣ ከመይሲ እዚ ካብ ኣምላኽ ምዕላው ምዃኑ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይምዕደና:- “ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ: ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ: ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን: እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር: ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።” (1 ዮሃንስ 2:15-17) ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት በቲ ከም ፍኑው ጾታዊ ባህጊ: ብስስዐ ደድሕሪ ገንዘብ ምስዓብ: ከምኡውን ዘሎካ ስልጣን ተጠቒምካ ሰባት ምህሳይ ዝኣመሰለ ፍትወት ስጋ ኢዮም ዝመላለሱ። ሓደ ሰብ ኣብ ጎኒ የሆዋ ክቐውም እንተድኣ ዀይኑ ግን ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህግታት ከሰንፍ ኣለዎ።—ቈሎሴ 3:5-8

ነዚ መጽሔት እዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣንቢብካዮ: ምስቲ ብዛዕባ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጾ ኣወዓዕላኡ እውን ትሰማማዕ ትኸውን። እንተዀነ ግን: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምሕባር ተወሳኺ ስጕምቲ ንምውሳድ ትወላወል ትኸውን። ይኹን እምበር: ጥፍኣት ምስ ዝመጽእ: ነቲ መጠንቀቕታ ምስማዕ ጥራይ እኹል ድዩ፧ ካብቲ ኣብ እምባ ፉገን ዘጋጠመ ናይ እሳተ-ጎመራ ምንታጕ ከም ዝረኣናዮ: መጠንቀቕታ ምስ ሰማዕና ስጕምቲ ክንወስድ ኣሎና። እንተ ወሓደ 15 ሪፖርተራትን ሰኣልትን ዘተኣማምን ሓበሬታ ክረኽቡ ክብሉ ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ኣይትረስዕ። አረ ሓደ ካብቶም ሰኣልትስ ክስእል ተቐሪቡ ኸሎ ኢዩ ሞይቱ። ሓደ “ክመውት እንተ ዀይነ: ብእሳተ-ጎመራ ክመውት ኢየ ዝደሊ” ኢሉ ተዛሪቡ ዝነበረ ብዛዕባ እሳተ-ጎመራ ዘጽንዕ ሰብ ከምቲ ዝደልዮ ዓይነት ኣማውታ ሞተ። ኵሎም ንስርሖምን ንሞያኦምን ውፉያት ኢዮም ነይሮም። እንተዀነ ግን: እተዋህቦም መጠንቀቕታ ብዘይምስምዖም ህይወቶም ኢዮም ከፊሎም።

ሎሚ ብዙሓት ሰባት: ኣምላኽ ነዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ከም ዘጥፍኦ ዝገልጽ መልእኽቲ ይሰምዑ ኢዮም: ብዘይጥርጥር እውን እቲ መጠንቀቕታ ቅኑዕ ምዃኑ የስተውዕልዎ ኢዮም። እታ መዓልቲ ‘ኣብ መወዳእታ ክትመጽእ ኢያ: ግን ሕጂ ኣይኰነትን’ ብምባል የማኻንዩ ይዀኑ። ካብቲ ብኣረኣእይኦም ዝያዳ ኣድላዪ ኰይኑ እተሰምዖም ነገራት ንኸየላግሱ ክብሉ ንመዓልቲ የሆዋ ኣርሒቖም ይርእይዋ።

ባሩኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ነበሮ። ነቲ ናይ ጥንቲ ነብዪ ኤርምያስ ጸሓፊኡ ስለ ዝነበረ ንእስራኤላውያን ብዛዕባቲ ኣብ የሩሳሌም ኣንጠልጢሉ ዝነበረ ጥፍኣት የጠንቅቖም ነበረ። ይኹን እምበር: ሓደ ግዜ እቲ እተዋህቦ መዝነት ሰልከዮ። ኣብቲ ግዜ እቲ የሆዋ “ንስኻንዶ ንርእስኻ ዓብዪ ነገር ትደሊ አሎኻ፧ ኣይትድለዮ” ብምባል ኣረሞ። ሃብቲ: ዝና: ወይ ስጋዊ ዕቝባ ይኹን ብዘየገድስ: ባሩኽ ‘ንርእሱ ዓበይቲ ነገራት ክደሊ’ ኣይነበሮን። ኣብ ሓደ ነገር ከተኵር ነበሮ፣ እዚ ድማ ሰባት ኣብ ጎኒ ኣምላኽ ንኽቘሙ ብምሕጋዝ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ነበረ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ‘ነፍሱ ዘመተ ክትኰነሉ’ ተዋህቦ። (ኤርምያስ 45:1-5) ብተመሳሳሊ: ኣብ ክንዲ ‘ንገዛእ ርእስና ዓበይቲ ነገራት እንደሊ:’ ነቲ ንህይወትና ናብ ድሕነት ክመርሓ ዝኽእል የሆዋ ክንደልዮ ኣሎና።

ኣብ እምባ ፉገን እቲ እሳተ-ጎመራ ነቲጉ ክሳዕ ዘንድዶም ልዕሊ ዓሰርተ ክልተ ዝዀኑ ኣባላት ፖሊስን መጥፋእቲ ሓውን ሓላፍነቶም ይፍጽሙ ነበሩ። ነቶም ኣብ ሓደጋ ዝነበሩ ሰባት ክሕግዝዎም ወይ ከዕቍብዎም ኢዮም ዝጽዕሩ ነይሮም። ነዛ ዓለም እዚኣ ንምምሕያሽ ዝዓዩ ጽቡቕ ኣረኣእያ ዝነበሮም ሰብኡትን ኣንስትን ነበሩ። ከምኡ ንምግባር ዝደረኾም ስምዒት ዝንኣድ እኳ እንተዀነ: “ቄናን [ግን] ኪቐንዕ ኣይከአልን” ኢዩ። (መክብብ 1:15) እዚ ቄናን ኣገባብ እዚ እውን ክቐንዕ ኣይክእልን ኢዩ። ነዚ ኣምላኽ ዘጥፍኦ ዓለምለኻዊ ኣገባብ ንኸተድሕን ኢልካ “ፈታው ዓለም” ምዃን ምኽንያታዊዶ ኢዩ፧

ሓንሳእ ምስ ሃደምካ ኣይትመለስ

ካብዚ ጥፍኣቱ ቀሪቡ ዘሎ ኣገባብ ምህዳም ሓደ ነገር ኢዩ: ኣብ ዕቝባ ናይ ማሕበር “ሕውነት” ምጽናሕ ግን ካልእ ጕዳይ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 2:17) ነቶም ካብቲ ቦታ ከም ዝግዕዙ እተገብሩ ድሓር ግን ነቲ ጥቓ እምባ ፉገን ዝነበረ ግራውቶም ክርእዩ እተመልሱ ሓረስቶት ኣይንረስዓዮም። ምናልባት: ናብቲ “ልሙድ” ናብርኦም ክምለሱ ተሃንጥዮም ይዀኑ። ንኽምለሱ ዝገበርዎ ውሳነ ግን ዘይጥበባዊ ከም ዝነበረ ትፈልጥ ኢኻ። ምናልባት ናብቲ እተኸልከለ ቦታ ንመጀመርታኦም ኣይኰኑን ከይዶም ዝዀኑ። ኣብቲ ሓደገኛ ዞባ ንሓጺር እዋን ጥራይ ጸኒሖም ይዀኑ: ዋላ ሓደ ድማ ኣየጋጠሞምን። ካልእ እዋን: ዝያዳ ግዜ ጸኒሖም ይዀኑ: ሽዑ እውን ምንም ኣየጋጠሞምን። ድሕሪ ሓጺር ግዜ ናብቲ እተኸልከለ ቦታ ጥሒስካ ምእታው ለመድዎ: ኣብቲ ጥፍኣቱ ቀሪቡ ዝነበረ ቦታ ዝጸንሑሉ ግዜ ንኸናውሑ እውን ትብዓት ረኸቡ።

የሱስ ክርስቶስ ኣብ ‘መወዳእታ ዓለም’ ተመሳሳሊ ኵነታት ከም ዘጋጥም ገሊጹ ኢዩ። ከምዚ ድማ በለ:- “ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ: ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲ: ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ: ማይ ኣይሂ መጺኡ: ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን። ምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ።”—ማቴዎስ 24:3, 38, 39

የሱስ ምብላዕ: ምስታይ: ከምኡውን ምምርዓው ከም ዝጠቐሰ ኣስተውዕል። ብመሰረቱ: ዋላ ሓደ ካብዚ ነገራት እዚ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጌጋ ኣይኰነን። ጌጋ ዝነበረ ድኣ እንታይ ኢዩ፧ ኣብ ግዜ ኖህ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ልሙድ ናብርኦም ጥራይ የተኵሩ ስለ ዝነበሩ “ኣይፈለጡን” ነበሩ። ህጹጽ ኵነታት ኣብ ዝህልወሉ እዋን: ሓደ ሰብ “ልሙድ” ናብራ ክነብር ኣይክእልን ኢዩ። ካብዛ ንጥፍኣት እተመጠወት ዓለም ሓንሳእ ምስ ሃደምካ ወይ ምስ ተፈለኻ: ካብኣ ክመጽእ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ረብሓ ንምርካብ ተመሊስካ ንኽትከይድ ዝመጸካ ምድፍፋእ ክትቃለሶ ኣሎካ። (1 ቈረንቶስ 7:31) ካብቲ መንፈሳዊ ድሕንነት ዘለዎ ዞባ ወጺእካ ክትኵብልል ትኽእል ትኸውን: ገለ ጕድኣት ከየጋጠመካ አረ ዋላ ሓደ ሰብ ከይፈለጠ እውን ትምለስ ትኸውን። ይኹን እምበር: እዚ ብዘይጥርጥር ከም እትተብዕን እንደገና ናብ ዓለም ተመሊስካ ኣብኣ ንዝነውሐ ግዜ ከም እትጸንሕን ይገብረካ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን “መወዳእታ ሕጂ ኣይመጽእን ኢዩ” ዝብል ኣረኣእያ ከተማዕብል ትኽእል።

ብዛዕባ እቶም ካብቲ እምባ እሳተ-ጎመራ ክፈስስ ከሎ ነቶም ሪፖርተራትን ሰኣልትን ክጽበዩ ክብሉ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰለስተ ዘወርቲ ታክሲ እውን ሕስብ ኣብል። ሎሚ ገሊኦም ነቶም ናብ ዓለም ንምምላስ ዝደፈሩ ሰባት ኣሰንዮምዎም ኢዮም። እቲ ምኽንያት እዚ ይኹን እቲ ብዘየገድስ: ናብቲ ሓደገኛ ዞባ ንምምላስ እንተ ተሓቢልና ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከም እንኣቱ እተረጋገጸ ኢዩ።

ኵሎም እቶም ኣብ እምባ ፉገን ግዳያት ናይቲ እሳተ-ጎመራ ዝዀኑ ሰባት ካብቲ ዕቝባ ዝነበሮ ቦታ ናብቲ ሓደገኛ ዞባ ከይዶም ኢዮም። እቲ እምባ ሓደ መዓልቲ ከም ዝነቱጕ ትጽቢት ይገብሩ እኳ እንተ ነበሩ: ዋላ ሓደ ካብኣቶም ግን ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ክነቱጕ ኢዩ ኢሉ ዝሓሰበ የለን። ብዙሓት ሰባት ንመወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ዝሕብር ምልክት ብምርኣይ መዓልቲ የሆዋ ከም እትመጽእ ትጽቢት ይገብሩ ኢዮም፣ ድሕሪ ሓጺር እዋን እትመጽእ ግን ኣይመስሎምን ኢዩ። አረ ገሊኣቶምስ እታ መዓልቲ ፈጺማ “ሎሚ” ዘይትመጽእ ኢዩ ኰይኑ ዝስምዖም። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ሓደገኛ ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ።

ሃዋርያ ጴጥሮስ “መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ” ብምባል ኣጠንቀቐ። ‘ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸበናን እናኣቀላጠፍናን ኣብ ቅድሚኡ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ንኽንርከብ እናተጋደልና’ ንቑሓት ክንከውን ከድልየና ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:10-14) እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ምስ ጠፍአ: ሓንቲ ብመንግስቲ ኣምላኽ እትመሓደር ገነታዊት ምድሪ ክትመጽእ ኢያ። መዓልቲ የሆዋ ኣብታ ናብ ዓለም እንምለሰላ መዓልቲ ክትመጽእ ስለ እትኽእል ዝዀነ ይኹን ምኽንያት ይሃልወና ብዘየገድስ ናብቲ ሓደገኛ ዞባ ክንምለስ ኣይንፈትን።

ምስ ህዝቢ የሆዋ ተዓቘብ: ካብኦም እውን ኣይትፈለ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ህዝቢ የሆዋ ተዓቘብ: ካብኦም እውን ኣይትፈለ

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Iwasa/Sipa Press