ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናት ጽኑዓት እኳ እንተዀኑ ተዓጻጸፍቲ ኢዮም

ክርስትያናት ጽኑዓት እኳ እንተዀኑ ተዓጻጸፍቲ ኢዮም

ክርስትያናት ጽኑዓት እኳ እንተዀኑ ተዓጻጸፍቲ ኢዮም

እቲ ብግዝፉ ፍሉጥ ዝዀነ ዓርኮብኮባይ ቀንዲ ኣብነት ጽንዓት ኢዩ። ብርቱዕ ንፋስ ክነፍስ ከሎ ኵሉ ግዜ ዳርጋ ሽግር የብሉን: ጸኒዑ ክጻወሮ ይኽእል ኢዩ። ዓርኮብኮባይ በቲ ዘለዎ ትርን ጽንዓትን ንዝበዝሕ ህቦብላ ንፋስ ክጻወሮ ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ሓንቲ ንእሽቶ ናይ ሳዕሪ ቈጽሊ እውን ብርቱዕ ንፋስ ክትጻወር ትኽእል ኢያ። ነዚ ብርቱዕ ንፋስ ተጻዊራ ህያው ኰይና ክትቅጽል እትኽእል ግን ከም ዓርኮብኮባይ ትሪ ስለ ዘለዋ ኣይኰነትን። እንታይ ድኣ፧ ተዓጻጻፊት ስለ ዝዀነት ኢያ። ብርቱዕ ንፋስ ክመጽእ ከሎ ከይተሰብረት ዕጽፍ ጥራይ ኢያ እትብል።

ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ባህርይ እምበኣር ኣየናይ ኢዩ: ጽኑዕ ምዃን ወይስ ተዓጻጻፊ፧ ንሓደ ክርስትያን ክልቲኡ ዓይነት ባህርያት የድልዮ ኢዩ። ይኹን እምበር: ሓድሓደ እዋን ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ እውን ከይተረፈ እዚ ጽኑዕን ተዓጻጻፍን ናይ ምዃን ባህርያት ሚዛኑ ይስሕት ኢዩ። ህዝቢ ኣምላኽ ልዑል ስርዓታት እኳ እንተ ሃለዎም: ገሊኣቶም ግን ፈጺሞም ዘይዕጸፉ ኢዮም ዝዀኑ። ካልኦት ከኣ ልክዕ ከም ‘ብንፋስ ሰሰው ዝብል ሻምብቆ’ ይዀኑ። (ማቴዎስ 11:7) ንጸቕጥታትን ጽልዋታትን ናይዛ እክይቲ ዓለም ኢዶም ይህቡ። ወይ ከኣ ንዅሉ ሸለል ዝብሉ ክሳዕ ዝዀኑ ይድንዝዙ።

ሰሎሞን “ንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ” ብምባል ጽሒፉ ኣሎ። (መክብብ 3:1) ስለዚ እምበኣር: መዓስ ኢዩ ጽኑዕ ምዃን ዘድሊ፧ መዓስከ ኢዩ ተዓጻጻፊ ምዃን ዘድሊ፧

መዓስ ጽኑዕ ከም እትኸውን

ሓደ ግዜ ንሳኦል ንጉስ እስራኤል ብግልጺ ከምዚ ዝስዕብ ትእዛዝ ተዋሂብዎ ነበረ:- “ኺድ እሞ ንኣማሌቅ [ጸላእቲ እስራኤል ዝነበሩ ህዝቢ] ተዋግኣዮ: ዘለዎ ዘበለ ዅሉ ድማ ፈጺምካ ኣጥፍኣዮ: ኣይትንሐፎ: ግናኸ ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ: ካብ ቈልዓ ኽሳዕ ሕጻን: ካብ ብዕራይ ክሳዕ በጊዕ: ካብ ገመል ክሳዕ ኣድጊ ቕተል።” (1 ሳሙኤል 15:3) ኣማሌቃውያን ንኣምላኽን ህዝቡን ብምጽራር ፍሉጣት ብምንባሮም ክጸንቱ ነበሮም። (ዘዳግም 25:17-19) “ሳኦልን እቲ ህዝብን ግና ንኣጋግን [ንጉስ ኣማሌቃውያን] ነተን ዝበለጻ ኣባጊዕን ኣሓን . . . ኬጥፍእዎ ኣይፈተዉን እሞ: ነሐፍዎ።” ሳኦል ነቲ እተወሃቦ መምርሒ ገዲፉ ተዓጻፊ ብምዃኑ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ነብዪ ሳሙኤል ‘እንሆ ምስማዕ ካብ መስዋእቲ ይበልጽ’ ዝበሎ።—1 ሳሙኤል 15:9-22

ካብዚ ጸብጻብ እዚ ንኣምላኽ ምእዛዝ ኣብ ዝምልከት ነገራት ተዓጻጻፍነት ፈጺሙ ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ ዝብል ንጹር ትምህርቲ ኢና እንረክብ። ሃዋርያ ዮሃንስ “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ: ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ” ኢሉ ኣሎ። (1 ዮሃንስ 5:3) እቲ ናይ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ተመክሮ: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣዛዝነት ኣብ ምርኣይ ክሳዕ ኣበይ ክበጽሑ ከም ዘለዎም ዘረድእ ኢዩ። ነቲ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዘቘሞ ምስሊ ምስጋድ ኣበዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሕጊ ኣምላኽ ብግልጺ ጣኦት ምምላኽ ይዅንን ኢዩ። (ዘጸኣት 20:4-6) ነቲ መለኮታዊ ትእዛዝ ኣብ ምፍጻም ምስ ኵነታት ተዓጻጸፍቲ ክንከውን ንኽእል ኢና ኣይበሉን። ኣብ ክንድኡስ ካብ ከይተኣዘዙ ዝተርፉ ክሞቱ ከም ዝመርጹ ብዘየወላውል መገዲ ኣፍለጡ።—ዳንኤል 3:16-18

ዝበዝሑ ክርስትያናት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብግልጺ እተጻሕፈ ሕጊ ክእዘዙ ዳርጋ ብዙሕ ጸገም የብሎምን። እንተዀነ ግን ክርስትያናት ‘ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎም’ ተባሂሎም ኣለዉ። (እብራውያን 13:17) ሽማግለታት እታ ጉባኤ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ መዓስ ከም እትገብር ይውስኑ ይዀኑ። ወይ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዘሎ ኣቝሑ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ከም ዘሎና ይውስኑ ይዀኑ። ልክዕ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዘሎ ኣቕሓ ብኸመይ ከም ዝቕመጥ ወይ መን ሓላፍነት ክወስድ ከም ዘለዎ ኣይገልጽን ኢዩ። እንተዀነ ግን እቶም ሽማግለታት ብዛዕባ እዚ ምስ ዝውስኑ ምስኦም ክንተሓባበር ሰናይዶ ኸይኰነ፧

ብተመሳሳሊ ሓደ በዓል እንዳ ንስድራቤቱ ዝምልከት እተፈላለየ ውሳነታት ይገብር ይኸውን። እታ ክርስትያን በዓልቲ ቤቱ ብገለ መዳይ ምስቲ ዝገበሮ ውሳነ ዘይትሰማማዕ እኳ እንተዀነት “ሕጊ ሰብኣያ” ክትእዘዝ ኢያ እትደሊ። (ሮሜ 7:2) ንሽማግለታት: በዓል እንዳ: ወለዲ: ከምኡውን ወሃብቲ ስራሕ ንኽትእዘዝ ዘሎካ ግዴታ ተዓጻጻፊ ንምዃን ተባሂሉ ዕሽሽ ክበሃል የብሉን።—ቈሎሴ 3:18-24

መዓስ ተዓጻጻፊ ከም እትኸውን

ይኹን እምበር: ተዓጻጻፊ እትዀነሉ እዋን እውን ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ለውሃትኩም [“ምኽንያታውያን ምዃንኩም:” NW] ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ” ክብል ከሎ ብዛዕባ እዚ ኢዩ ዝሕብር ነይሩ። (ፊልጲ 4:5) እታ ኣብዚ ጳውሎስ ተጠቒሙላ ዘሎ ናይ ግሪኽ ቃል “ኣብቲ እተጻሕፈ ሕጊ ድርቕ ዘይምባል፣ ‘ብሰብኣዊ ርህራሀን ምኽንያታውነትን ንጭብጥታት ሓደ ጕዳይ’ ኣብ ግምት ናይ ምእታው ሓሳብ እተመሓላልፍ ኢያ።” (ብዳብሊው. ኢ. ቫይን እተዳለወ ኣን ኤክስፖዚተሪ ዲክሸነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ዎርድስ [እንግሊዝኛ]) ምኽንያታዊ ምዃን መብዛሕትኡ እዋን ነቲ ህልው ኵነታት ንምቕባል ፍቓደኛ ምዃን ማለት ኢዩ።

ንኣብነት: ሓደ ኣብ ካልእ ሃገር ከይዱ ዘገልግል ሚስዮናዊ: ባህሊ ናይቲ ዘገልግለሉ ዘሎ ከባቢ ካብ ባህሊ ናይቲ ተወሊዱ ዝዓበየሉ ሃገር ፍልይ ዝበለ ምዃኑ ቀልጢፉ ይግንዘብ ይኸውን። ይኹን እምበር: ናይቶም ሰባት ባህሊ ዝንዕቕ: ከምኡውን ንኽለምዶ ኢሉ ምትዕርራያት ምስ ዘይገብር ኣገልግሎቱ ከመይ ኢሉ ውጽኢት ዘለዎ ክኸውን ይኽእል፧ ስለዚ ነቲ ጠቓሚ ዝዀነ መዳያት ናይቲ ሓድሽ ባህሊ ብጥበብ ኢዩ ዝለምዶ።—1 ቈረንቶስ 9:19-23

ጳውሎስ ኣብታ ጉባኤ ዝነበራ ክልተ እተባእሳ ኣንስቲ ምስ ጠቐሰ ቀጺሉ ነቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ክርስትያናት ምኽንያታውያን ክዀኑ ምትብብዑ ኣድህቦኻ ዝስሕብ ኢዩ። (ፊልጲ 4:2-5) ጳውሎስ ስለምንታይ ከም እተባእሳ እኳ እንተ ዘይነገረና: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መንጎ ርክብ ናይ ክልተ ሰባት ወጥሪ ምስ ዝህሉ እቲ ጸገም ምኽንያታዊ ዘይምዃን ኢዩ። ምስ ሓደ ነቓፊ ዝዀነ ሰብ ወይ ንደቂቕ ነገራት ዝቈጻጸር ሰብ ክሓብር ባህ ዝብሎ ዋላ ሓደ የለን። ሰሎሞን ከምዚ ብምባል የጠንቅቕ:- “እምብዛ ጻድቕ ኣይትኹን: ንርእስኻውን እምብዛ ጥበበኛ ኣይትግበር: ስለምንታይ ንርእስኻ እተጥፍእ፧”—መክብብ 7:16

ክርስትያናት ካልኦት ብሰንኪ ዘይፍጽምና ዝገብርዎ ነገራት ከም ዘሎ ክርስዑ የብሎምን። ንነገራት ኣብ ቦታ ናይቲ ሓደ ሰብ ኴንና ክንርእዮስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ሰናይ ኰን ኢዩ! እቲ ዘሕዝን ግን ገለ ካብቶም ኣብ ጥንታዊት ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ብዛዕባ ብሕታዊ “መሰላት” ኣዝዮም ይግደሱ ስለ ዝነበሩ ንክርስትያናት ብጾቶም ኣብ ቤት ፍርዲ ክሳዕ ምኽሳስ በጺሖም ኢዮም። ነቲ ዝነበሮም ጸገማት ዓለማውያን ከም ዝፈልጥዎ ብምግባሮም ነታ ጉባኤ ውርደት ኣምጺኡላ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ምስሕሓብ ኣግዲድዎ ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 6:1-6

ስለዚ ኸኣ ኢዩ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ እተባኣሱ ክርስትያናት ተዓጻጸፍቲ ናይ ምዃን ኣረኣእያ ክሓድሮም ዘተባብዖም። ከምዚ ኢሉ ተማሕጸኖም:- “ብርግጽ ኣብ ንሓድሕድኩም መፋራረዲ ምህላውኩም ብሱሩ ጕድለትኩም እዩ። ከመይ ግዳ ዘይትዕመጹ: ከመይከ ዘይትግፍዑ፧” (1 ቈረንቶስ 6:7) ሓደ ክርስትያን ምስ መንፈሳውያን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ጽቡቕ ርክብ ክዕቅብ ዓወት ኢዩ።

ብፍላይ እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ምኽንያታውያን ክዀኑ ኣድላዪ ኢዩ። ንኣብነት: ወለዲ ንደቆም ምሸት ገዛ ዝኣትውሉ ሰዓት ይውስኑሎም ይዀኑ። ሓደ ካብቶም ውሉዳት ግን ንሓንቲ መዓልቲ ጥራይ እቲ ሰዓት ክልወጠሉ ሓቲቱ ንበል። ነቲ ፍሉይ ኵነታት ኣብ ግምት ምእታው ግቡእዶ ከይኰነ፧ ክርስትያን ሽማግለታትከ፧ ምኽንያታውያን ክዀኑ ሓደ ካብቲ ዘድልዮም ብቕዓትዶ ከይኰነ፧ (1 ጢሞቴዎስ 3:3 NW) እወ። ግን መዓስን ብኸመይን ኢዮም ነዚ ባህርይ እዚ ዘንጸባርቕዎ፧

ሽማግለታት ጽኑዓት እኳ እንተዀኑ ተዓጻጸፍቲ ኢዮም

ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም “ምኽንያታውያን” ሰባት ምስቶም “ባህ ከተብሎም ዘይከኣል” ኣነጻጺርዎም ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 2:18 NW) ሓደ ሽማግለ ንሓደ ሓው ነቲ ናይ ምዝራብ ክእለቱ ንምምሕያሽ ኢሉ ገለ ሓሳባት ይህቦ ይኸውን። እንተዀነ ግን: እቲ ሽማግለ ናይቲ ሰብ ደረጃ ትምህርቲ: ክእለት: ከምኡውን ኵነታት ኣብ ግምት ከየእተወ ትርር ዝበለ መዐቀኒ ክጥቀም ምስ ዝፍትን እንታይ መጋጠመ፧ እቲ ሓው ንሽማግለታት “ባህ ከተብሎም ዘይከኣል” ኢዩ ብምባል ነቲ ምኽሪ ኣይቅበሎን ወይ ኣዝዩ ተስፋ ይቘርጽ ይኸውን።

ሽማግለታት ኣብታ ጉባኤ ገለ ስርዓታት ተግባራዊ ኣብ ምግባር እውን ተዓጻጸፍቲ ክዀኑ ኣለዎም። ንኸምዚ ዝኣመሰለ መምርሒታት ካብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ፍጹም ስርዓታት ንላዕሊ ዝያዳ ክብደት ብምሃብ ‘ንቓል ኣምላኽ ከንቱ ኣይገብርዎን’ ኢዮም።—ማቴዎስ 15:6፣ 23:23

ሽማግለታት ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣብ ዘይጥሕስ ነገራት ተዓጻጸፍቲ ክዀኑ ግቡእ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ሓደ ብዙሕ ሰብ ዘለዎ ዓቢ ኣኼባ ንኻልእ ሰብ ኮፍ መበሊ ምሓዝ ከም ዘይፍቀድ ይፈልጡ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ኣብ ሓንቲ ብዙሕ ኮፍ መበሊ ዘለዋ ንእሽቶ ጉባኤ ከምዚ ዝኣመሰለ መምርሒ ኣብ ግብሪ ክውዕል ይግባእ ድዩ፧ ወይ እቶም ሽማግለታት ካብ ቤት ናብ ቤት ከነገልግል ከሎና ብሓፈሻ ገለ ዓይነት ኣከዳድና—ንኣብነት ንደቂ ተባዕትዮ ጁባን ክራቫታን—ምግባር ጽቡቕ ኰይኑ ይስምዖም ይኸውን። ኣብ ሓንቲ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዘላ ሃገር እትርከብ ጉባኤ ከምዚ ኣጋጢሙ ኢዩ። ሓደ ሽማግለ ግን ሓደ መንእሰይ ነቲ ብስራት ንኻልኦት ካብ ምንጋር የድሓርሕር ምንባሩ ተገንዘበ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ጁባን ክራቫታን ክገዝእ ዓቕሚ ኣይነበሮን። እቲ ሽማግለ ተዓጻጻፊ ምዃን ኣድላዪ ኰይኑ ተሰምዖ እሞ ንኻልኦት ምምስካር ክጅምር ነቲ መንእሰይ ኣተባብዖ።

ኣብ ጉባኤ ኣብ ዘጋጥም ናይ ፍርዲ ጕዳያት እውን ተዓጻጻፍነት ምርኣይ ዝግባእ ኢዩ። ሓደ ሰብ በቲ ዝፈጸሞ በደል ክውገድ ዝግብኦ እኳ እንተዀነ ምስ ዝናሳሕከ፧ የሆዋ ኣብቲ ምስ ህዝቢ ነነዌ ዝገበሮ ርክብ ክንስዕቦ እንኽእል ግቡእ ኣብነት ገዲፉ ኣሎ። ኣምላኽ ንዮናስ “ነነዌ ኣርብዓ መዓልቲ ጸኒሓ ኽትግምጠል እያ” ኢሉ ነገሮ። እቶም ህዝቢ ምስ ተናስሑ ግን የሆዋ ‘ነቲ ዝበልክዎ ናይ ጥፍኣት ፍርዲ ክፍጽሞ ኣሎኒ’ ኣይበለን። ኵነታት ከም እተቐየረ ተረድአ። (ዮናስ 3:4, 10) ሽማግለታት እውን ብተመሳሳሊ እቲ ሰብ ብሓቂ ከም እተናስሐ ምስ ዘርኢ ‘ኣዝዮም ይቕረ በሃልቲ’ ንምዃን ፍታው ክሓድሮም ኣለዎ።—ኢሳይያስ 55:7

ጽኑዕን ተዓጻጻፍን ኣብ ምዃን ሚዛንካ ምሕላው ቀሊል ኣይኰነን። ዘይፍጹማት ሰባት ብባህርይና መጠኑ ዝሓለፈ ነገራት ናብ ምግባር ዝዘበልና ኢና። ይኹን እምበር: እቶም ጽኑዓት ግን ከኣ ተዓጻጸፍቲ ክዀኑ ዝጽዕሩ ክርስትያናት ብዙሕ በረኸት ኢዮም ዝረኽቡ። ተዓጻጸፍቲ ክዀኑ ስለ ዝፍትኑ ምስ ካልኦት ጽቡቕ ርክብ የስተማቕሩ: ካብ ስምዒታዊ ምርባሽ ከኣ ይድሕኑ። ኣብ ርእሲ እዚ ሽማግለታት: ከም ሓለውቲ ንጽህና መጠን ሰናይ ኣብ ምግባር ጽኑዓትን ዘይነቓነቑን ብምዃኖም እታ ጉባኤ ብምልእታ እምንቶ ከም እትገብረሎምን እትተሓባበሮምን ዝገብር ኣብነት ይገድፉ: በዚ ኸኣ ኵላቶም ናብቲ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ገጾም ይግስግሱ።—ኢሳይያስ 32:2፣ 1 ቈረንቶስ 15:58