ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ደቂቕ ኣካል ለጋስ ልቢ

ደቂቕ ኣካል ለጋስ ልቢ

ደቂቕ ኣካል ለጋስ ልቢ

 ቍመትካ 76 ሰንቲ ሜተር ጥራይ ኰይኑ ንዘይትፈልጦም ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክትነግር ከመይ ኰን ይኸውን፧ ሎራ ክትነግረካ ትኽእል ኢያ። ጓል 33 ዓመት ኰይና ቍመታ 76 ሰንቲ ሜተር ጥራይ ኢዩ። ንሳን እታ 86 ሰንቲ ሜተር ዝቝመታ ጓል 24 ዓመት ማሪያ ሓፍታን ኣብ ኲቶ ዝብሃል ከተማ ናይ ኤኳዶር ኢየን ዝቕመጣ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎተን ዘጋጥመን ዕንቅፋታት እስከ ይግለጻ።

“ናብቲ ናይ ኣገልግሎት ዞባናን ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ንምኻድ ገለ ፍርቂ ኪሎ ሜተር ዝኸውን መገዲ ብእግሪ ተጓዒዝና ኢና ኣውቶቡስ ንረክብ። ምስ ወረድና ድማ ካልአይቲ ኣውቶቡስ ንኽንስቀል ተወሳኺ ፍርቂ ኪሎ ሜተር ብእግሪ ንጓዓዝ። ዘሕዝን ድማ ኣብቲ መገዲ ሓሙሽተ ሕሱማት ኣኻልብ ኣለዉ። ኣኻልብ ክንዲ ኣፍራስ ኰይኖም ስለ ዝረኣዩና ኣጸቢቖም ኢዮም ዘፍርሁና። ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ንምስጓጎም ክንጥቀመሉ በትሪ ሒዝና ኢና ንኸይድ: ንገዛና ክንምለስ ከሎና ስለ ዘድልየና ድማ ኣውቶቡስ ቅድሚ ምስቃልና ኣብቲ መገዲ ንሓብኦ።

“ኣውቶቡስ ምስቃል ንዓና ከቢድ ኢዩ። ብቐሊሉ ምእንቲ ክንስቀል ኣብቲ መጸበዪ ኣውቶቡስ ዘሎ ኵምራ ሓመድ ኢና ንድይብ። ገሊኦም መራሕቲ ነተን ኣውቶቡስ ኣብ ጥቓ እቲ ኵምራ የቕርብወን ገሊኦም ግን ኣየቕርብወንን ኢዮም። ናብቲ ኵምራ ሓመድ እንተድኣ ዘየቕረቡልና እታ ዝነውሐት ነታ ዝሓጸረት ንኽትስቀል ትሕግዛ። ኣብታ ካልአይቲ ኣውቶቡስ እንስቀለሉ ቦታ ንኽንበጽሕ ብዙሓት ማካይን ብዝሓልፍኦ ጽርግያ ኢና ንሳገር: እዚ ኸኣ ኣእጋርና ሓጸርቲ ብምዃነን ንኽንሳገር ብሓቂ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ። ቍመትና ሓጺር ስለ ዝዀነ ከቢድ ቦርሳ ናይ መጻሕፍቲ ምሓዝ ንርእሱ ተወሳኺ ጸገም ኢዩ። ነቲ ቦርሳ ንምፍዃስ: ንእሽቶ መጽሓፍ ቅዱስ ንወስድ: ከምኡውን እተወሰነ ጽሑፋት ንሕዝ።

“ካብ ግዜ ቍልዕነትና ኣትሒዝና ክልቴና ብዛዕባ ነብስና ብዙሕ ኢና ንሓስብ ነይርና። ጐረባብትና ንዘይንፈልጦም ሰባት ምዝራብ ኵሉ ግዜ የፍርሓና ከም ዝነበረ ይፈልጡ ኢዮም። ስለዚ ኣብ ኣባይቶም ክንኵሕኵሕ ከሎና ይግረሙን ይምሰጡን: መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ጽን ኢሎም ይሰምዑና። ዘይፈልጡና ሰባት ክንረክብ ከሎና ግን ድንኪ ምዃንና ጥራይ ኢዮም ዝርእዩ: በዚ ምኽንያት ድማ ብዙሕ ግዜ ነቲ ሒዝናዮ ዘሎና መልእኽቲ ከምቲ ዝግብኦ ገይሮም ኣይከታተልዎን። ይኹን እምበር: የሆዋ ከም ዘፍቅረና ምፍላጥ ነቲ ዕዮ ስብከት ብሓቦ ንኽንቅጽሎ ይሕግዘና። በቲ ኣብ ምሳሌ 3:5, 6 ዘሎ ቃላት ምስትንታን እውን ትብዓት ይህበና ኢዩ።”

ከምዚ ሎራን ማሪያን ዝገበርኦ: ኣካላዊ ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠመ ብምጽዋር ንኣምላኽ ምኽባር ይከኣል ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ እቲ ኣካላዊ ስቓይ ክኸውን ዝኽእል ዝነበረ ናይ ‘ስግኡ ግራጭ’ ኣምላኽ ከልግሰሉ ጸልዩ ኢዩ። ኣምላኽ ግን “ሓይለይ ብድኻም እዩ ዚፍጸም እሞ: ጸጋይ ይአኽለካ” በሎ። እወ: ንኣምላኽ ንኸነገልግል ኣካላዊ ጕድለት ከልግሰልና ግድን ኣይኰነን። ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ትውክልቲ እንተ ኣልዩና ነቲ ኵነታትና ብዝበለጸ ንኽንጥቀመሉ ክሕግዘና ኢዩ። ጳውሎስ ነቲ ናይ ‘ስግኡ ግራጭ’ በዚ መገዲ እዚ ስለ እተመልከቶ ኢዩ “ምስ ዝደክም: ሽዑ እየ ዝብርትዕ” ክብል ዝኸኣለ። (2 ቈረንቶስ 12:7, 9, 10) ድሕሪ ገለ ዓመታት ጳውሎስ “በቲ ሓይሊ ዝህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ብምባል ጸሓፈ።—ፊልጲ 4:13

ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ: ኣምላኽ እቲ ሰፊሕ ዕዮኡ በቶም ንዕኡ ምሉእ ብምሉእ እተወፈዩ ሰብኡት: ኣንስቲ: ከምኡውን ቈልዑ ኣቢሉ ኢዩ ዝፍጽሞ ዘሎ። ብዙሓት ካብኣቶም ብገለ መገዲ ኣካላዊ ጸገም ዘለዎም ኢዮም። ዋላ እኳ ኵሎም ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብመለኮታዊ መገዲ ክፍወሱ ተስፋ ዝገብሩ እንተዀኑ: ኣምላኽ ካብ ጸገማትና ምስ ገላገለና ሽዑ ከነገልግሎ ኢና ብዝብል ሓሳብ ግን ኢዶም ኣጣሚሮም ኮፍ ኣይበሉን።

ብገለ ኣካላዊ ጸገም ትሳቐዶ ኣሎኻ ኢኻ፧ ኣጆኻ! ብእምነትካ ከም ጳውሎስ: ሎራ: ከምኡውን ማሪያ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ከምቲ “ካብ ድኻም በርትዑ” እተባህለሎም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ናይ እምነት ሰባት ብዛዕብኦም እውን ከምኡ ክብሃል ይከኣል ኢዩ።—እብራውያን 11:34

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ማሪያ

ሎራ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ማሪያ ንሎራ ኣብ ኣውቶቡስ ንኽትስቀል ትሕግዛ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

“ኣኻልብ ክንዲ ኣፍራስ ኰይኖም ስለ ዝረኣዩና ኣጸቢቖም ኢዮም ዘፍርሁና”

ታሕተዋይ:- ሎራን ማሪያን እቶም ምስኣተን መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዑ ሰባትን