ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ደቅሰብ—ምዕቡላት እንስሳታት ጥራይ ድዮም፧

ደቅሰብ—ምዕቡላት እንስሳታት ጥራይ ድዮም፧

ደቅሰብ—ምዕቡላት እንስሳታት ጥራይ ድዮም፧

“ብዛዕባ መበቆል ህይወት እንኣምኖ ነገር ከገድሰና ይግባእዶ ኢዩ፧”

 እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕቶ: ሓንቲ ኣብ ብራዚል እትነብር ጓል 16 ዓመት “ደቅሰብ—ምዕቡላት እንስሳታት ጥራይ ድዮም፧” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝሃበቶ ኣስተምህሮ ኣብ መእተዊኣ ዘቕረበቶ ኢዩ። መምህራ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ እትገልጽ ሓንቲ ቅዳሕ ናይ 22 ሰነ 1998 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ምስ ተቐበለት: ነዛ ተማሃሪት ብዛዕባ እዛ ሕቶ እዚኣ ንደቂ ክፍላ ንኽትገልጸሎም ዓደመታ።

እዛ መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር እዚኣ ትምህርቲ ፍልቀት ክሳዕ ክንደይ ጕድኣት ከም ዘምጽእ ኣጕልሐት። ንኣብነት: ናይ ፍልቀት ክልሰ-ሓሳብ ንገሊኦም ውግእ ባህርያዊ ዝዀነ ንህላወኻ ኢልካ ዝግበር ዘለኣለማዊ ቃልሲ ገይርካ ናብ ምርኣይ ከም ዝመርሖም ብዙሓት ሰባት ይስምዖም ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ፋሺዝምን ናዚዝምን ንኽምዕብል መገዲ ኣብ ምጽራግ ሓጊዙ ኢዩ።

እታ ተማሃሪት ኣብ መንጎ ደቅሰብን እንስሳታትን ዓቢ ጋግ ከም ዘሎ ገለጸት። ከምዚ ድማ በለት:- “ደቅሰብ ጥራይ ኢዮም መንፈሳውነት ከማዕብሉ ዝኽእሉ። ደቅሰብ ጥራይ ኢዮም ትርጕምን ዕላማን ህይወት ክረኽቡ ዝጽዕሩ። ደቅሰብ ጥራይ ኢዮም ብሞት ዝጭነቑ: ብዛዕባ መበቆሎም ዝሓስቡ: ከምኡውን ንዘለኣለም ክነብሩ ባህጊ ዘለዎም። ግዜ ወሲድና ብዛዕባ መበቆልና ገለ ነገር ክንፈልጥሲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኰን ኢዩ!”

እታ መምህር ስለቲ ጽቡቕ ኣቀራርባኣ ኣመስገነታ። ከምዚ ገይራ ከተቕርቦ ዝኸኣለት እታ ኰተቴ ናይ የሆዋ ምስክር ንባብ ብምፍታዋ ምዃኑ ገለጸት። እታ ጓል ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ከም ንቕሑ! ከምኡውን ግምቢ ዘብዐኛ ዝኣመሰለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ብትግሃት እተንብብ ምዃና ኢያ እትፍለጥ።

እቲ ናይ ፍልቀት ክልሰ-ሓሳብ ኣብ ኣልባብን ኣእምሮን መንእሰያት ዘለዎ ጽልዋ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር የተሓሳስቦም ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ: እታ እዛ ጓል እዚኣ እትእከበሉ ጉባኤ ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መንእሰያት ቅዳሕ ናይ 22 ሰነ 1998 ንቕሑ! ንመምህራኖምን መማህርቶምን ክዕድሉ ኣተባብዓቶም። ኣብታ ከተማ እቲኣ ኣብ ዝርከባ እተፈላለያ ኣብያተ-ትምህርቲ 230 ዝኸውን መጽሔታት ተዓደለ። ኣብ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ሓደ ሓላፊ ናይ ክፍሊ ስነ-ፍልጠት ኵንትራት ናይ ንቕሑ! ኣተወ።

እወ: ብዛዕባ መበቆል ህይወት እንኣምኖ ነገር ኣገዳሲ ኢዩ! እዛ መንእሰይ እዚኣን ብጾታን ኣብ ፈጣሪ ዘርኣይዎ እምነት ኣብ ህይወቶም ዓቢ ለውጢ ኣምጺእሎም ኢዩ።