ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዘርኣይዎ እምነት ዓስቢ ረኸቡ

ብዘርኣይዎ እምነት ዓስቢ ረኸቡ

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ

ብዘርኣይዎ እምነት ዓስቢ ረኸቡ

 ሃዋርያ ጳውሎስ ፍሉይ እምነት ዝነበሮ ሰብ ኢዩ ነይሩ: ንኣመንቲ ብጾቱ ድማ እምነት ክዅስኵሱ ኣተባብዖም። “እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመ​ጽእ ዚደሊ: ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን: ኪአምን ይግብኦ እዩ።” (እብራውያን 11:​6) እዚ ዝስዕብ ካብ ሞዛምቢክ እተረኽበ ተመክሮታት የሆዋ ጽኑዕ እምነት ንዘለዎ ሰብ ብኸመይ ዓስቢ ከም ዝህቦ: ንዝቐርበሉ ልባዊ ጸሎት ከኣ ብኸመይ ምላሽ ከም ዝህበሉ ዘርኢ ኢዩ።

ኣብ ሰሜናዊ ኣውራጃ ንያሳ እትነብር ሓንቲ መበለት ሓብቲ ኣብቲ “ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ምስ ሽዱሽተ ደቃ ከመይ ገይራ ክትካፈል ከም እትኽእል ኣተሓሳሰባ። እቲ እንኮ ምንጪ እቶታ ኣብቲ ናይቲ ከባቢ ዕዳጋ ኣቝሑ ብምሻጥ ኢዩ ነይሩ: ዕለት ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ምስ ቀረበ ግን ንዓኣን ንስድራ​ቤታን ብባቡር ንመኼዲ ጥራይ ክሽፍን ዝኽእል ገንዘብ ኢዩ ነይርዋ። ይኹን እምበር: ኣብ ናይ የሆዋ ምድላው እምንቶ ገይራ ኣብ መደባ ጸንዐት።

ምስ ሽዱሽተ ደቃ ባቡር ተሰቕለት እሞ ክጓዓዙ ከለዉ እቲ ፎቶሪኖ ቲኬት ክቘርጸላ ቀረበ። እቲ ኣብ ኣፍ ልበባ ገይራቶ ዝነበረት ካርድ ምስ ረኣየ ናይ ምንታይ መለለዪ ምዃኑ ሓተታ። እቲ መለለዪ ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኻፋሊት ምዃና ከም ዝሕብር ነገረቶ። እቲ ፎቶሪኖ “እዚ ኣኼባ እዚ ኣበይ ኢዩ ክካየድ፧” ኢሉ ሓተታ። እቲ ዓቢ ኣኼባ ኣብታ 300 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኣውራጃ ናምፑላ ከም ዝካየድ ምስ ተረድአ: ዘይተጸበየቶ ካብቲ ክትከፍሎ ዝግብኣ ዋጋ ቲኬት ፍርቂ ጥራይ ኣኽፈላ! በቲ ዝመለሰላ ፍርቂ ገንዘብ ከኣ ንዓኣን ንስድራ​ቤታን መምለሲ ዝኸውን ቲኬት ቈረጸላ። ኣብ የሆዋ ትውክልቲ ብምግባራ ኣየ ክንደይ ኰን ኢያ እተሓጐሰት!​—⁠መዝሙር 121:⁠1, 2

ሓንቲ ሃይማኖታዊት ሰበይቲ ኣምላኽ ንዕኡ እተምልኸሉ ቅኑዕ መገዲ ምእንቲ ክሕብራ ን25 ዓመታት ዝኸውን ጸለየት። እቲ እትመላለሰሉ ዝነበረት ቤተ⁠-​ክርስትያን ንሃይማኖታዊ በዓላት ምስ ልምዳዊ ጽንብላት ዝሓዋውስ ኢዩ ነይሩ። እዚ ዓይነት ኣምልኾ እዚ ንኣምላኽ ዘሐጕሶ እንተ​ዀይኑ ምጥርጣር ነበራ።

ከምዚ ብምባል ከኣ ተዘንቱ:- “ነቲ ኣብ ማቴዎስ 7:⁠7 ዝርከብ ‘ለምኑ ይውሀበኩም። ድለዩ: ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ: ይኽፈተልኩም እዩ’ ዝብል ቃላት የሱስ ኵሉ ግዜ ኢየ ዝዝክሮ ነይረ። ነዚ ጥቕሲ እዚ ኣብ ኣእምሮይ ብምሓዝ ከኣ ኣምላኽ ናብ ሓቂ ምእንቲ ክመርሓኒ ኣዘውቲረ እጽሊ ነበርኩ። ሓደ መዓልቲ እቲ ቐሺ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዘሎ ዕዳጋ ንዝሰርሑ ዘበሉ ኵሎም ምእንቲ ክባርኾም ካብቲ ዝሸጥዎ ገለ ኣቝሑን እተወሰነ ገንዘብን ከምጽእሉ ሓተተ። እዚ ልመና እዚ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዘይድገፍ ኰይኑ ተሰምዓኒ እሞ ምንም ነገር ኣየምጻእክሉን። እቲ ቐሺ ‘ወፈያ’ ከም ዘየምጻእኩ ምስ ፈለጠ: ኣብ ቅድሚ ኵሎም ኣባላት እታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ከዋርደኒ ጀመረ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣምላኽ በዚ መገዲ እዚ ክምለኽ ከም ዘይደሊ ተገንዘብኩ እሞ ነታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ሓደግኩዋ። ሓቂ ንኽረክብ ከየቋረጽኩ ጸለኹ።

“ኣብ መወዳእታ ተቢዐ ምስ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዘመደይ ተራኸብኩ። ትራክት ሃበኒ እሞ ምስ ኣንበብክዋ: ኣምላኽ ንጸሎተይ ይምልሰለይ ምህላዉ ብኡንብኡ ተገንዘብኩ። ድሕሪ ገለ ግዜ እቲ መናብርተይ እውን ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ከማስወሉ ጀመረ: ንመርዓና ኸኣ ሕጋዊ ገበርናዮ። ይኹን እምበር ጸኒሑ ሰብኣየይ ከቢድ ሕማም ሓመመ። ክሳዕ ግዜ ሞቱ ግን ኣብ ገነት እንደገና ምእንቲ ክንራኸብ ኣብ መገዲ ሓቂ ክጸንዕ ኣተባብዓኒ።

“የሆዋ ጸሎተይ ስለ ዝመለሰለይ: ንዕኡ ዘምልኸሉ ቅኑዕ መገዲ ኸኣ ስለ ዝሓበረኒ ንዘለኣለም ከመስግኖ ኢየ። ሸሞንቲኦም ደቀይ ህይወቶም ዝወፈዩ ኣገልገልቲ የሆዋ ኰይኖም ብምርኣየይ እውን ጸሎተይ ተመሊሱ ኢዩ።”