ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንየሆዋን ሓይሉን ድለዩ”

“ንየሆዋን ሓይሉን ድለዩ”

“ንየሆዋን ሓይሉን ድለዩ”

“ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ: ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ።”​—⁠2 ዜና መዋእል 16:⁠9

1. ሓይሊ እንታይ ኢዩ: ደቅሰብከ ብኸመይ ኢዮም እተጠቕሙሉ፧

 ሓይሊ ንብዙሕ ነገራት ከመልክት ይኽእል ኢዩ። ኣብ ልዕሊ ካልኦት መሪሕነት: ስልጣን: ወይ ጽልዋ ምህላው፣ ስጕምቲ ናይ ምውሳድ ወይ ሓደ ነገር ናይ ምፍራይ ክእለት፣ ኣካላዊ ብርታዐ፣ ወይ ድማ ኣእምሮኣዊ ዀነ ስነ⁠-​ምግባራዊ ብቕዓት ከመልክት ይኽእል ኢዩ። ደቅሰብ ኣብ ኣጠቓቕማ ሓይሎም ጽቡቕ ታሪኽ የብሎምን። እቲ ጸሓፍ ታሪኽ ሎርድ ኣክቶን: ብዛዕባ እቲ ፖለቲካውያን ሰባት ዝሕዝዎ ስልጣን ክዛረብ ከሎ “ስልጣን ናብ ብልሽውና ከም ዘምርሕ: ደረት ዘይብሉ ስልጣን ከኣ ኣብ ብልሽውና ከም ዝእለኽ ኣየጠራጥርን ኢዩ” በለ። ቃላት ሎርድ ኣክቶን ብሓፈሽኡ ክርአ ኸሎ ሓቂ ምዃኑ ዘረጋግጽ ብዙሕ ኣብነታት ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ኣሎ። ከም መበል 20 ዘመን ገይሩ ‘ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ዝሰልጠነሉ’ ግዜ የለን። (መክብብ 8:⁠9) ኣብ ብልሽውና እተኣልኩ ውልቀ⁠-​መለኽቲ ንስልጣኖም ብዘይ​ግቡእ ተጠቒሞምሉ ከምኡውን ብሚልዮናት ናይ ዝቝጸሩ ሰባት ህይወት ኣጥፊኦም ኢዮም። ሓይሊ ብፍቕርን ጥበብን ፍትሕን ገይርካ ምቍጽጻር ዘይግበረሉ እንተ​ ዀይኑ ሓደገኛ ኢዩ።

2. ካልእ መለኮታዊ ባህርያት ነቲ የሆዋ ንሓይሉ ዝጥቀመሉ መገዲ ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ግለጽ።

2 ኣምላኽ ከምቲ መብዛሕትኦም ደቅሰብ ዝገብርዎ ዘይኰነስ ንሓይሉ ንሰናይ ነገር ኢዩ ዝጥቀመሉ። “ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ: ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ።” (2 ዜና መዋእል 16:⁠9) የሆዋ ንሓይሉ ይቈጻጸሮ ኢዩ። ትዕግስቲ ነቶም እኩያት ቅድሚ ምጥፍኡ ንኽንስሑ ኣጋጣሚ ከም ዝህቦም ትገብሮ። ፍቕሩ ንዅሎም ዓይነት ሰባት​—⁠ንጻድቃንን ሓጥኣንን​—⁠ጸሓይ ንኸብርቕ ትድርኾ። ፍትሑ ኸኣ በቲ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሉ ገይሩ ኣብ መወዳእታ ነቲ ጠንቂ ሞት ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ንኸጥፍኦ ክትድርኾ ኢያ።​—⁠ማቴዎስ 5:⁠44, 45፣ እብራውያን 2:⁠14፣ 2 ጴጥሮስ 3:⁠9

3. እቲ ፍጹም ዝዀነ ሓይሊ ኣምላኽ ንኽንውከሎ ምኽንያት ዝዀነና ስለምንታይ ኢዩ፧

3 እቲ ዘደንጹ ሓይሊ ናይ ሰማያዊ ኣቦና ኣብ መብጽዓታቱን ዕቝባኡን ንኽንውከል ኰነ ንኽንተኣማመን ምኽንያት ይዀነና ኢዩ። ሓደ ንእሽቶ ቘልዓ ምስ ዘይፈልጦም ሰባት ክኸውን ከሎ ኢድ ኣቦኡ እንተ​ድኣ ሒዙ ድሕንነት ይስምዖ፣ ከመይሲ ጕድኣት ክበጽሖ ኣቦኡ ስቕ ኢሉ ከም ዘይርኢ ይፈልጥ ኢዩ። ብተመሳሳሊ: ምስቲ “ንምድሓን ስልጡን” ዝዀነ ሰማያዊ ኣቦና እንተ​ድኣ ተመላሊስና: ካብ ዝዀነ ይኹን ነባሪ ጕድኣት ክከላኸለልና ኢዩ። (ኢሳይያስ 63:⁠1፣ ሚክያስ 6:⁠8) ከም ሓደ ንፉዕ ኣቦ የሆዋ ኵሉ ሳዕ መብጽዓታቱ ይፍጽም ኢዩ። እቲ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሉ ‘ቃሉ ኣብቲ ዝለኣኾ ከም ዘስልጥ’ ውሕስነት ይዀነና።​—⁠ኢሳይያስ 55:⁠11፣ ቲቶስ 1:⁠2

4, 5. (ሀ) ንጉስ ኣሳ ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ምስ ገበረ እንታይ ኣፍረየ፧ (ለ) ጸገማትና ንምፍታሕ ኣብ ሰብኣዊ መፍትሒ ምስ እንውከል እንታይ ከጋጥመና ይኽእል፧

4 ናይ ሰማያዊ ኣቦና ዕቝባ ከም ዘሎና ዘይምርሳዕ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ በዚ ዘሎ ኵነታት ብቐሊሉ ተዋሒጥና ነቲ ሓቀኛ ድሕንነት እንረኽበሉ ክንርስዖ ስለ እንኽእል ኢዩ። እዚ ኣብ ኣብነት ናይቲ ብሓፈሽኡ ክርአ ኸሎ ኣብ የሆዋ ትውክልቲ ዝነበሮ ንጉስ ኣሳ ተራእዩ ኢዩ። ብዘመን ንጉስ ኣሳ: ሓደ ሚልዮን ዝኸውን ሓያል ሰራዊት ኢትዮጵያ ንይሁዳ ኣጥቅዓ። ኣሳ እቲ ወተሃደራዊ ሚዛን ናብ ጸላእቱ ከም ዝዘበለ ምስ ፈለጠ ናብ የሆዋ ከምዚ ኢሉ ጸለየ:- “ጐይታየ: ኣብ መንጎ እቲ ብዙሕ ዘለዎን ኣብ መንጎ እቲ ሓይሊ ዜብሉን ኪረድእ ዚኽእል ብዘይ​ ንስኻ የልቦን: ናባኻ ተጸጋዕና: ብስምካ ኢና ኸኣ ነዚ ጭፍራ እዚ ኽንገጥመሉ ዝመጻእና እሞ: ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ርድኣና። ዎ እግዚኣብሄር: ንስኻ ኢኻ ኣምላኽና እሞ ሰብ ኪሕይለካ ኣይትሕደግ።” (2 ዜና መዋእል 14:⁠11) የሆዋ ንልመና ኣሳ ውሕስነት ሃቦ: ወሳኒ ዓወት ድማ ኣዕተሮ።

5 ይኹን እምበር: ኣሳ ንነዊሕ ዓመታት ብተኣማንነት ድሕሪ ምግልጋሉ: ኣብ ናይ ምድሓን ሓይሊ የሆዋ ዝነበሮ እምንቶ ደኸመ። ካብ ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ዝመጾ ወተሃደራዊ ስግኣት ንምውጋድ: ካብ ሶርያ ሓገዝ ደለየ። (2 ዜና መዋእል 16:⁠1-3) እቲ ንቤን⁠-​ሃዳድ ንጉስ ሶርያ ዝሰደደሉ ጉቦ ነቲ እስራኤል ኣብ ይሁዳ ኣውሪዳቶ ዝነበረት ስግኣት እኳ እንተ​ ኣወገዶ: እቲ ኣሳ ምስ ሶርያ ዝገበሮ ኪዳን ግን ኣብ የሆዋ እምንቶ ከም ዝጐደሎ ዘርኢ ኢዩ ነይሩ። ነብዪ ሃናኒ ድማ ንኣሳ ብግልጺ ከምዚ ኢሉ ሓተቶ:- “ኢትዮጵያውያንን ልብያውያንንዶ ግዳ ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ዓብዪ ሰራዊት ኣይነበሩን፧ ኣብ እግዚኣብሄር ስለ እተመርኰስካ ግና: ንኣታቶም ኣብ ኢድካ ሀበካ።” (2 ዜና መዋእል 16:⁠7, 8) እንተ​ዀነ ግን: ኣሳ ነቲ ተግሳጽ ነጸጎ። (2 ዜና መዋእል 16:⁠9-12) ጸገማት ከጓንፈና ኸሎ ኣብ ሰብኣዊ መፍትሒ ኣይንወከል። ኣብ ክንድኡስ ኣብ ኣምላኽ እምንቶ ከም ዘሎና ነርኢ: ከመይሲ ኣብ ሓይሊ ሰብ ምውካል ብርግጽ ናብ ጓሂ ኢዩ ዘምርሕ።​—⁠መዝሙር 146:⁠3-5

ነቲ ካብ የሆዋ ዝርከብ ሓይሊ ድለዩ

6. ‘ንየሆዋን ሓይሉን ክንደሊ’ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

6 የሆዋ ንኣገልገልቱ ሓይሊ ይህቦምን የዕቝቦምን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ን“እግዚኣብሄርን [“ንየሆዋን:” NW ] ሓይሉን ድለዩ” ኢሉ ይምሕጸነና። (መዝሙር 105:⁠4) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ብብርታዐ ኣምላኽ እንተ​ ዓዪና ንሓይልና ከምቲ ካልኦት ሰባት ዝገብርዎ ንጕድኣት ዘይኰነስ ንረብሓ ካልኦት ክንጥቀመሉ ኢና። በዚ መዳይ እዚ ካብቲ ‘ብሓይሊ እግዚኣብሄር’ ገይሩ ብዙሕ ተኣምራት ዝገበረ የሱስ ክርስቶስ ንላዕሊ ኣብነት ክዀነና ዝኽእል የለን። (ሉቃስ 5:⁠17) የሱስ ሃብታም: ውሩይ: ወይ ዝሓየለ ንጉስ ክኸውን ይኽእል ነይሩ ኢዩ። (ሉቃስ 4:⁠5-7) ኣብ ክንድኡስ: ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ንምልምማድን ንምምሃርን ከምኡውን ንምሕጋዝን ንምፍዋስን ተጠቕመሉ። (ማርቆስ 7:⁠37፣ ዮሃንስ 7:⁠46) ኣየ ከመይ ዝበለ ኣብነት ኰን ኢዩ ዝዀነና!

7. ብናትና ዘይኰነስ ብሓይሊ ኣምላኽ ምስ እንዓዪ እንታይ ኣድላዪ ባህሪ ኢና እነማዕብል፧

7 ኣብ ርእሲ እዚ: በቲ ‘ኣምላኽ ዝህቦ ሓይሊ’ ገይርና ምስ እንዓዪ ትሑታት ኴንና ንኽንነብር ይሕግዘና። (1 ጴጥሮስ 4:⁠11) እቶም ሓያላት ክዀኑ ዝደልዩ ሰባት ዕቡያት ኢዮም ዝዀኑ። ንኣብነት: እቲ ናይ ኣሶር ንጉስ ዝነበረ ኤሳር⁠-​ሓዶን “ኣነ ሓያል: ካብ ኵሉ ዝበርትዐ: ጅግና: ዓርሞሸሽ: ዓቢ ኢየ” ኢሉ ተጃሃረ። ብኣንጻሩ ግን የሆዋ “ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኼሕፍር . . . ነቲ ድኻም እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ።” ስለዚ: ሓደ ሓቀኛ ክርስትያን ክምካሕ እንተ​ ዀይኑ: ኵሉ እቲ ዝፈጸሞ ብናይ ገዛእ ርእሱ ሓይሊ ከም ዘይኰነ ስለ ዝፈልጥ ብየሆዋ ኢዩ ዝምካሕ። ‘ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት ምባል’ ናይ ሓቂ ክብሪ የምጽእ።​—⁠1 ቈረንቶስ 1:⁠26-31፣ 1 ጴጥሮስ 5:⁠6

8. ሓይሊ የሆዋ ንምርካብ መጀመርታ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

8 ሓይሊ ኣምላኽ ብኸመይ ክንረክብ ንኽእል፧ ብቐዳምነት: ንኽወሃበና ብጸሎት ክንልምን ኣሎና። የሱስ ነቶም መንፈስ ቅዱስ ክወሃቦም ዝልምኑ ኣቦኡ ከም ዘፍስሰሎም ንደቀ መዛሙርቱ ኣረጋገጸሎም። (ሉቃስ 11:⁠10-13) እቶም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ነቶም ብዛዕባ የሱስ ምምስካር ከቋርጹ ዘገደድዎም ሃይማኖታውያን መራሕቲ ዘይኰነስ ንኣምላኽ ክእዘዙ ምስ መረጹ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝወረዶም ክሳዕ ክንደይ ሓይሊ ከም ዝመልኦም እሞ ሕስብ ኣብሎ። ሓገዝ ደልዮም ናብ የሆዋ ምስ ጸለዩ እቲ ቅንዕና ዝነበሮ ጸሎቶም መልሲ ረኸበ: ነቲ ብስራት ብድፍረት ንኽሰብኩ ኸኣ መንፈስ ቅዱስ ኣበርትዖም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠19, 20, 29-31, 33

9. ካልኣይ ምንጪ ናይ መንፈሳዊ ብርታዐ እንታይ ምዃኑ ግለጽ: ውጽኢቱ ዘርኢ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነት ከኣ ጥቐስ።

9 ካልኣይ: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈሳዊ ብርታዐ ክንረክብ ንኽእል ኢና። (እብራውያን 4:⁠12) ሓይሊ ናይ ቃል ኣምላኽ ብዘመን ዮስያስ ተራእዩ ኢዩ። እዚ ንጉስ ይሁዳ እዚ ድሮ ካብታ ሃገር ጣኦታት ኣጥፊኡ እኳ እንተ​ ነበረ: ንሕጊ የሆዋ ኣብ ቤት መቕደስ ብሃንደበት ብምርካቡ ነቲ ናይ ምጽራይ ፕሮግራም ኣበርቲዑ ንኽቕጽሎ ደሪኽዎ ኢዩ። a ዮስያስ ነቲ ሕጊ ባዕሉ ምስ ኣንበበሎም: ብምልኡ እቲ ህዝቢ ምስ የሆዋ ኪዳን ኣተወ፣ ድሕርዚ: ንኻልኣይ ግዜ ኣንጻር ኣምልኾ ጣኦት ዝሓየለ ወፍሪ ተጀመረ። እቲ ዮስያስ ዝገበሮ ምሕዳስ ጽቡቕ ውጽኢት ነበሮ: እዚ ድማ እቶም ህዝቢ “ብዅሉ ዘመኑ . . . ካብ ምስዓብ እግዚኣብሄር . . . ኣየግለሱን።”​—⁠2 ዜና መዋእል 34:⁠33

10. ካብ የሆዋ ብርታዐ እንረኽበሉ ሳልሳይ መገዲ እንታይ ኢዩ: እዚ ኣድላዪ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧

10 እቲ ካብ የሆዋ ብርታዐ እንረኽበሉ ሳልሳይ መገዲ ክርስትያናዊ ሕብረት ኢዩ። ክርስትያናት “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ” ከምኡውን ንሓድሕዶም ንኽተባብዑ ስርዓታውያን ኰይኖም ኣብ ኣኼባታት ክካፈሉ ጳውሎስ ኣተባቢዕዎም ኢዩ። (እብራውያን 10:⁠24, 25) ጴጥሮስ ብተኣምራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጸ: ምስ ኣሕዋቱ ክኸውን ደለየ: ስለዚ ብቐጥታ ናብ ቤት ናይታ ኣደ ማርቆስ ዝበሃል ዮሃንስ ከደ፣ ኣብኡ ኸኣ “ብዙሓት ተኣኪቦም ይጽልዩ ነበሩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 12:⁠12) እዚኣቶም ኣብ በቤቶም ኰይኖም ክጽልዩ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። እንተ​ዀነ ግን: ኣብቲ ጽንኩር እዋን ንኽጽልዩን ንሓድሕዶም ንኽተባብዑን ብሓባር ምዃን መረጹ። ጳውሎስ ናብ ሮሜ ዝገበሮ ነዊሕን ሓደገኛን ጕዕዞ ክውዳእ ቁሩብ ምስ ተረፎ ኣብ ጱተዮሉስ ምስ ዝነበሩ: ድሓር ድማ ንዕኡ ክረኽብዎ ኢሎም ተጓዒዞም ምስ ዝመጹ ኣሕዋት ተራኸበ። ነዚኣቶም ምስ ረኸቦም እንታይ ተሰምዖ፧ “ጳውሎስ ከኣ [ነቶም ተጓዒዞም ዝመጹ] ምስ ረአዮም: ንኣምላኽ ኣመስገነ ልቡውን ሀድኤ።” (ግብሪ ሃዋርያት 28:⁠13-15) ንኣመንቲ ብጾቱ እንደገና ብምርካቡ ተበራትዐ። ንሕና እውን ምስ ክርስትያናት ብጾትና ብምሕባር ሓይሊ ንረክብ ኢና። ናጻ ክሳዕ ዝዀንና ከምኡውን ንሓድሕድና ክንራኸብ ክሳዕ ዝኸኣልና: በታ ናብ ህይወት እትወስድ ቀጣን መገዲ ክንጓዓዝ ከሎና ክንፍለ ክንፍትን የብልናን።​—⁠ምሳሌ 18:⁠1፣ ማቴዎስ 7:⁠14

11. “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ብፍላይ ዘድልየሉ ገለ ኵነታት ጥቐስ።

11 ከየባተኽና ብምጽላይ: ቃል ኣምላኽ ብምጽናዕ: ከምኡውን ምስ ኣመንቲ ብጾትና ብምሕባር ‘ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን ንብርትዕ’ ኢና። (ኤፌሶን 6:⁠10) ኵላትና ‘ብጐይታ ሓይሊ’ ከም ዘድልየና ኣየጠራጥርን ኢዩ። ገሊኣቶም ብዘማስን ሕማም: ካልኦት ድማ ብእርጋን ወይ ብሞት ናይ መርዓ ብጻዮም ይሳቐዩ ኢዮም። (መዝሙር 41:⁠3) ገሊኣቶም ከኣ ዘይኣማኒ ናይ መርዓ ብጻዮም ዘውርዶ ምጽራር ይጽመሙ ኢዮም። ወለዲ: ብፍላይ ከኣ ንጽል ዝዀኑ: ምሉእ መዓልቲ እናሰርሑ ስድራ​ቤቶም ምእላይ ኣድካሚ ሓላፍነት ክዀኖም ይኽእል ኢዩ። ክርስትያን መንእሰያት ናይ መዛኑ ጸቕጢ ንኽጻወሩ ከምኡውን ሓሽሽ ክጥቀሙን ዘይስነ⁠-​ምግባራውነት ክፍጽሙን ክሕተቱ ከለዉ ንኽኣብዩ ሓይሊ የድልዮም ኢዩ። ዋላ ሓደ ሰብ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ብድሆታት ምእንቲ ክዋጽኣሉ ኢሉ የሆዋ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ንኽህቦ ካብ ምልማን ድሕርሕር ክብል የብሉን።​—⁠2 ቈረንቶስ 4:⁠7

“ንድኹም ሓይሊ ይህብ”

12. የሆዋ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ዘጽንዓና ብኸመይ ኢዩ፧

12 ብተወሳኺ: የሆዋ ባሮቱ ኣገልግሎቶም ክፍጽሙ ኸለዉ ሓይሊ ይህቦም ኢዩ። ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “ንድኹም ሓይሊ ይህብ: ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ። . . . እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ . . . ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ: ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን: ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።” (ኢሳይያስ 40:⁠29-31) ሃዋርያ ጳውሎስ ኣገልግሎቱ ንኽፍጽም ሓይሊ ተቐቢሉ ኢዩ። ስለዚ ድማ ኣገልግሎቱ ዕዉት ነበረ። ኣብ ተሰሎንቄ ንዝነበሩ ክርስትያናት “እቲ ወንጌልና ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን . . . እዩ እምበር: ብቓል ጥራይ ኣይመጸኩምን” ኢሉ ጸሓፈሎም። (1 ተሰሎንቄ 1:⁠5) ስብከቱን ትምህርቱን ኣብ ህይወት እቶም ዝሰምዕዎ ዓቢ ለውጥታት ናይ ምምጻእ ሓይሊ ነበሮ።

13. ኤርምያስ ምጽራር እናኣጋጠሞ ጸኒዑ ንኽቕጽል ዘበራትዖ ነገር እንታይ ኢዩ፧

13 ኣብ ዞባና ዘይምግዳስ ምስ ዘጋጥመና: ማለት ብተደጋጋሚ ንነዊሕ ዓመታት ተሰቢኹ ክነሱ ምላሽ ዝህቡ ሒደት ምስ ዝዀኑ: ተስፋ ክንቈርጽ ንኽእል ኢና። ብተመሳሳሊ ኤርምያስ በቲ ዘጋጥሞ ዝነበረ ምጽራር: ላግጺ: ከምኡውን ዘይምግዳስ ተስፋ ቘሪጹ ኢዩ። ምስ ገዛእ ርእሱ ክዛረብ ከሎ “[ንኣምላኽ] ኣይክዝክሮን: ደጊምሲ ብስሙ ኣይክዛረብን እየ” ኢሉ ኢዩ። ስቕ ክብል ግን ኣይከኣለን። እቲ መልእኽቲ ‘ኣብ ዓጻጽምቱ ተዓጽዩ ከም ዝነድድ ሓዊ ዀይንዎ’ ኢዩ። (ኤርምያስ 20:⁠9) ክንድዚ ዝኣክል ሽግር እናኣጋጠሞ ክነሱ ዘሐድስ ሓይሊ ዝሃቦ መን ኢዩ፧ ኤርምያስ “እግዚኣብሄር ከም ሓያል ጅግና ምሳይ እዩ” በለ። (ኤርምያስ 20:⁠11) ኤርምያስ እቲ መልእኽቱን እቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መዝነትን ኣዝዩ ኣድላዪ ምዃኑ ብምርድኡ ነቲ ካብ የሆዋ ዝመጸ ምትብባዕ ምላሽ ከም ዝህበሉ ገበሮ።

ንኽትጐድእን ንኽትፍውስን ስልጣን ዘለዋ ኣካል

14. (ሀ) መልሓስ ክሳዕ ክንደይ ሓያል መሳርሒት ኢያ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ መልሓስ ከተስዕቦ እትኽእል ጕድኣት ኣብነት ሃብ።

14 ሓይልና ዅሉ ብቐጥታ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን እንረኽቦ። ንኣብነት: መልሓስ ንኽትጐድእን ንኽትፍውስን ስልጣን ኣለዋ። ሰሎሞን “ሞትን ህይወትን ኣብ ስልጣን መልሓስ እዩ” ብምባል የጠንቅቕ። (ምሳሌ 18:21) ሳዕቤን ናይቲ ሰይጣን ምስ ሄዋን ዝገበሮ ሓጺር ዝርርብ: ቃላት ክሳዕ ክንደይ ዕንወት ከስዕብ ከም ዝኽእል የርኢ። (ዘፍጥረት 3:1-5፣ ያእቆብ 3:⁠5) ንሕና እውን ብመልሓስና ከቢድ ጕድኣት ከነስዕብ ንኽእል ኢና። ንሓንቲ መንእሰይ ብዛዕባ ርጕዳ እንተ​ድኣ ኣናሺናያ መግቢ ምብላዕ ብምቍራጽ ናብ ሕማም ኣናረክስያ ከተምርሕ ትኽእል ኢያ። ብዛዕባ ሰብ ከይሓሰብካ ብተደጋጋሚ ንኻልኦት ምስ እተጸልም ነቲ ዝነበረ ዕርክነት ንሓዋሩ ክበትኮ ይኽእል ኢዩ። እወ: ንመልሓስና ክንቈጻጸራ ኣሎና።

15. መልሓስና ንምህናጽን ምፍዋስን ክንጥቀመላ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

15 ይኹን እምበር: መልሓስ ክትሃንጽን ከተፍርስን ትኽእል ኢያ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስላ “ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ አሎ: መልሓስ እቶም ጠቢባን ግና ጥዕና እዩ” ይብል። (ምሳሌ 12:⁠18) ጥበበኛታት ክርስትያናት መልሓሶም ንዝጐሃዩን ዝሓዘኑን ንምጽንናዕ ኢዮም ዝጥቀሙላ። ድንጋጽ ዝመልኦ ቃላት ነቶም ምስ ጐዳኢ ናይ መዛኑ ጸቕጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኰተቴታት የተባብዖም ኢዩ። ሓልዮት ዘለዎ ዘረባ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣሕዋትን ኣሓትን ገና ተደለይትን ተፈቀርትን ምዃኖም የረጋግጸሎም። ሕያውነት ዝመልኦ ቃላት ነቶም ዝሓመሙ ሰባት ከም ዝፈዅሶም ክገብር ይኽእል ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ: ነቶም ዝሰምዑና ሰባት እቲ ሓያል መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ንምክፋል ብመልሓስና ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ልብና ናብ ቃል ኣምላኽ ዘድህብ እንተ​ድኣ ዀይኑ: ንምእዋጁ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኣይኰነናን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኢድካ ኽትገብረሉ ዚከአላ እንተ​ ዀይኑስ: ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ” ይብል።​—⁠ምሳሌ 3:⁠27

ግቡእ ኣጠቓቕማ ስልጣን

16, 17. ሽማግለታት: ወለዲ: ሰብኡት: ከምኡውን ኣንስቲ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ስልጣን ክጥቀሙሉ ኸለዉ ንየሆዋ ክመስልዎ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

16 የሆዋ ኵሉ ዝኽእል እኳ እንተ​ዀነ ንጉባኤኡ ብፍቕሪ ኢዩ ዝመርሓ። (1 ዮሃንስ 4:⁠8) ክርስትያናት ተዓዘብቲ ንዕኡ ብምምሳል መጓሰ ኣምላኽ ንኽጓስዩ እተዋህቦም ስልጣን ብዘይ​ግቡእ ዘይኰነስ ብፍቕሪ ኢዮም ዝጥቀሙሉ። ልክዕ ኢዩ: ሽማግለታት ሓድሓደ እዋን ‘ክገንሑ: ክቐጽዑ: ክምዕዱ’ የድልዮም ኢዩ: እንተ​ዀነ ግን “ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን” ኢዮም ዝገብርዎ። (2 ጢሞቴዎስ 4:⁠2) ስለዚ ሽማግለታት ነቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ኣብ ጉባኤታት ስልጣን ዘለዎም ከምዚ ብምባል ዝጸሓፈሎም ቃላት ብቐጻሊ የስተንትኑሉ ኢዮም:- “ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ: ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር: ብግዲ ኣይኹን: ብታሕጓስ እምበር: ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን: ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር: ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኹኑ።”​—⁠1 ጴጥሮስ 5:⁠2, 3፣ 1 ተሰሎንቄ 2:⁠7, 8

17 ወለድን ሰብ ሓዳር ሰብኡትን እውን የሆዋ ዝሃቦም ስልጣን ኣለዎም: ነዚ ስልጣን እዚ ኸኣ ንምሕጋዝ: ንምዕንጋል: ከምኡውን ንምሕብሓብ ክጥቀሙሉ ኣለዎም። (ኤፌሶን 5:⁠22, 28-30፣ 6:⁠4) ናይ የሱስ ኣብነት ንስልጣን ብፍቕራዊ መገዲ ብግቡእ ክትጥቀመሉ ከም እትኽእል የርኢ። መቕጻዕቲ ሚዛኑ እንተ​ ሓልዩን ዘይቀያየር እንተ​ ዀይኑን ቈልዑ ኣይድቈሱን ኢዮም። (ቈሎሴ 3:⁠21) ክርስትያን ሰብኡት ንርእስነቶም ብፍቕሪ ምስ ዝጥቀሙሉ ከምኡውን ኣንስቲ ካብቲ ኣምላኽ ዝመደበለን ደረት ብምሕላፍ ኣብ ክንዲ ዝዕብልላ ወይ ብመገደን ዝኸዳ: ንርእስነት ሰብኡተን ኣጸቢቐን ምስ ዘኽብራ ሓዳር ይድልድል ኢዩ።​—⁠ኤፌሶን 5:⁠28, 33፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠7

18. (ሀ) ቍጥዓና ኣብ ምቍጽጻር ናይ የሆዋ ኣብነት ብኸመይ ክንቀድሖ ኣሎና፧ (ለ) እቶም ስልጣን ዘለዎም ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዘለዉ እንታይ ክሰርጹሎም ኢዮም ክጽዕሩ ዘለዎም፧

18 ቍጥዓ ፍቕሪ ዘይኰነስ ፍርሂ ስለ ዝሰርጽ: እቶም ኣብ ስድራ​ቤትን ኣብ ጉባኤን ስልጣን ዘለዎም ሰባት ቍጥዓኦም ንምቍጽጻር ፍሉይ ጥንቃቐ ክገብሩ ኣለዎም። ነብዪ ናሆም “እግዚኣብሄር ንኵራ ደንጓይን ብዓል ዓብዪ ሓይልን እዩ” በለ። (ናሆም 1:⁠3፣ ቈሎሴ 3:⁠19) ቍጥዓኻ ምቍጽጻር ምልክት ናይ ብርታዐ ኢዩ: ንዅራ መገዲ ምኽፋት ግን ድኹም ምዃንካ የረጋግጽ። (ምሳሌ 16:⁠32) ኣብ ስድራ​ቤት ኰነ ኣብ ጉባኤ እቲ ሸቶ ፍቕሪ ንምስራጽ ኢዩ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ኣብ የሆዋ: ኣብ ንሓድሕድና: ከምኡውን ንቕኑዕ ስርዓታት ዘላትና ፍቕሪ ኢያ። ፍቕሪ ካብ ኵሉ ዝሓየለት ማእሰርን ዝያዳ ዅሉ ቅኑዕ ንኽትገብር እትድርኽን ኢያ።​—⁠1 ቈረንቶስ 13:⁠8, 13፣ ቈሎሴ 3:⁠14

19. የሆዋ እንታይ ዘጸናንዕ መረጋገጺ ኢዩ ዝህብ: ንሕናኸ ብኸመይ ንምልሰሉ፧

19 ንየሆዋ ምፍላጥ ክበሃል ከሎ ንሓይሉ ኣፍልጦ ምሃብ ማለት ኢዩ። የሆዋ ብኢሳይያስ ኣቢሉ ከምዚ በለ:- “እቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ: ከም ዘይደክምን ከም ዘይሕለልን: . . . ኣይትፈልጥንዶ ኣይሰማዕካንዶኸ ኢኻ፧” (ኢሳይያስ 40:⁠28) ሓይሊ የሆዋ ኣይውዳእን ኢዩ። ኣብ ገዛእ ርእስና ዘይኰነስ ኣብኡ እንተ​ድኣ ተወኪልና ዕሽሽ ኣይብለናን ኢዩ። “ምሳኻ እየ እሞ: ኣይትፍራህ: ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ: ኣይትሸበር: ከበርትዓካ: ክረድኣካ: ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ” ብምባል ከኣ የረጋግጸልና ኢዩ። (ኢሳይያስ 41:⁠10) ነዚ ፍቕራዊ ሓልዮት እዚ ብኸመይ ክንምልሰሉ ኣሎና፧ ልክዕ ከም የሱስ: ነቲ የሆዋ ዝሃበና ዝዀነ ይኹን ሓይሊ ኵሉ ሳዕ ንምሕጋዝን ንምህናጽን ንጠቐመሉ። መልሓስና እትፍውስ እምበር እትጐድእ ምእንቲ ከይትኸውን ንቈጻጸራ። ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ ንቑሓት: ኣብ እምነትና ጽኑዓት: ብሓይሊ እቲ ዓቢ ፈጣሪና የሆዋ ኣምላኽ ድማ ብርቱዓት ንኹን።​—⁠1 ቈረንቶስ 16:⁠13

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቶም ኣይሁድ ነቲ ቅድሚ ብዙሕ ዘመናት ኣብ ቤት መቕደስ እተቐመጠ ናይ መጀመርታ ቅዳሕ ሕጊ ሙሴ ከም ዝረኸብዎ ርዱእ ኢዩ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

የሆዋ ንሓይሉ ዝጥቀመሉ ብኸመይ ኢዩ፧

ሓይሊ የሆዋ ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ናይ መልሓስ ስልጣን ክንጥቀመሉ ዘሎና ብኸመይ ኢዩ፧

እቲ ኣምላኽ ዝህበና ስልጣን በረኸት ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንሓይሊ የሆዋ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ተጠቕመሉ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ልብና ናብ ቃል ኣምላኽ ዘድህብ እንተ​ድኣ ዀይኑ: ንምእዋጁ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኣይኰነናን ኢዩ