ንየሆዋ ንምግልጋል ቀሊል ናብራ ምንባር
ታሪኽ ህይወት
ንየሆዋ ንምግልጋል ቀሊል ናብራ ምንባር
ብክላራ ገርበር ሞይር እተዘንተወ
ሕጂ ጓል 92 ዓመት ኢየ: ክኸይድ እውን ኣይክእልን ኢየ: እንተዀነ ግን ንጹርን ክምዝግብ ዝኽእልን ኣእምሮ ኣሎኒ። ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ንየሆዋ ናይ ምግልጋል መሰል ብምርካበይሲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኢየ ዘማስወሉ! ቀሊልን ዘይተሓላለኸን ናብራ ምንባር ነዚ ክቡር መዝገብ ንኽረክብ እዚ ዘይበሃል ኣበርክቶ ገይሩለይ ኢዩ።
ኣብ 18 ነሓሰ 1907 ኣብ ኣሊያንስ: ኦሃዮ: ሕ.መ.ኣ. ተወለድኩ። ሓሙሽተ ቈልዑ ነይርና: ኣነ ድማ በዅሪ ነበርኩ። ጓል ሸሞንተ ዓመት ከለኹ ሓደ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ናይቶም ሽዑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብብሽግለታ ናብቲ ሕርሻ ሕልቦ እነካይደሉ መጸ። ምስ ኣደይ: ሎራ ገርበር: ኣብ ኣፍደገ ተራኸቡ እሞ እከይ ክህሉ እተፈቕደሉ ምኽንያት ትፈልጥ እንተ ዀይና ሓተታ። ኣደይ ኵሉ ሳዕ ብዛዕባ እዚ ትሓስብ ነበረት።
ኣደይ ምስቲ ኣብቲ እንዳ ኸብቲ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣቦይ ተላዘበት እሞ ነተን ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ዝበሃላ ሽዱሽተ ጥራዛት (እንግሊዝኛ) ክመጸላ ኣዘዘት። ነዘን ጥራዛት እዚኣተን ተሃንጥያ ኣንበበተን: በቲ እተማህረቶ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ድማ ውሽጣ ተተንከፈት። ነታ ዘ ኒው ክሪኤሽን እትበሃል ጥራዝ 6 ምስ ኣንበበታ ኣብ ማይ ብምጥሓል ዝግበር ክርስትያናዊ ጥምቀት ኣድላዪ ምዃኑ ብንጹር ተረድአት። ነቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እትረኽቦም ስለ ዘይፈለጠት: ዋላ እኳ ቈራሪ ወርሒ መጋቢት ናይ 1916 እንተ ነበረ: ንኣቦይ ኣብቲ ኣብ ሕርሻና ዝነበረ ንእሽቶ ውሕጅ ከጠምቓ ሓተተቶ።
ብዙሕ ከይጸንሐ ኣደይ ኣብቲ ኣብ ኣሊያንስ ዝርከብ ኣደራሽ ዳውተርስ ኦቭ ቨተራንስ ዝርርብ ከም ዝህሉ ኣብ ጋዜጣ ምልክታ ረኣየት። እቲ ዝርርብ “ናይ ዘበናት መለኮታዊ ውጥን” ዝብል ኣርእስቲ ነበሮ። እዚ ዝርርብ እዚ ምስ ኣርእስቲ ናይታ ጥራዝ 1 ናይ ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ሓደ ዓይነት ስለ ዝዀነ ብኡንብኡ ክትከይድ ወሰነት። ካሮሳ ተዳለወ እሞ ስድራቤትና ብምሉእና ብፈረስን
በታ ካሮሳን ገይርና ናብቲ ናይ መጀመርታ ኣኼባና ከድና። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኣብ ኣኼባ ንኽንካፈል ነፍሲ ወከፍ ሰንበትን ረቡዕን ምሸት ናብ እንዳ ኣሕዋት ንኸይድ ነበርና። ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሐ: ኣደይ ብሓደ ወኪል ናይ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንደገና ተጠምቀት። እቲ ዅሉ ሳዕ ኣብ ዕዮ ሕርሻ ትሑዝ ዝነበረ ኣቦይ እውን ኣብ መወዳእታ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ተገዳስነት ኣሕደረ እሞ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ድማ ተጠምቀ።ምስቶም መሪሕነት ዝወሰዱ ምርኻብ
ኣብ 10 ሰነ 1917 እቲ ሽዑ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ፕረዚደንት ዝነበረ ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ ናብ ኣሊያንስ ምብጻሕ ገበረ: “ኣህዛብ ዝዋግኡ ስለምንታይ ኢዮም፧” ዘርእስቱ ዝርርብ ከኣ ሃበ። ኣብቲ ግዜ እቲ ጓል ትሽዓተ ዓመት ነበርኩ: ምስ ወለደይን ምስ ዊሊን ቻርለስን ዝበሃሉ ክልተ ኣሕዋተይን ኰይነ ድማ ኣብቲ ኣኼባ ተኻፈልኩ። ልዕሊ ሚእቲ እንኸውን ተኣከብቲ ነበርና። ሓው ራዘርፎርድ ዝርርቡ ምስ ወድአ መብዛሕትኦም እቶም ተኣከብቲ ኣብ ወጻኢ እቲ ዝርርብ እተዋህበሉ ኮሎምቢያ ቲያትር ዝበሃል መአከቢ ደው ኢሎም ተሳእሉ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ሰሙን ኤ. ኤች. ማክሚላን ኣብታ ኣደራሽ እቲኣ “እትመጽእ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ” ዘርእስቱ ዝርርብ ሃበ። እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ነታ ንእሽቶ ከተማና ብምብጽሖም ፍሉይ መሰል ኢና ረኺብና።
እቲ ዘይርሳዕ ናይ ቀደም ዓበይቲ ኣኼባታት
እቲ ንመጀመርታ ግዜ እተኣከብኩሉ ዓቢ ኣኼባ: ብ1918 ካብ ኣሊያንስ ሒደት ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ኣትዋተር: ኦሃዮ: ኣብ ዝበሃል ቦታ እተገብረ ኢዩ። ኣደይ ነቲ ናይ ማሕበር ወኪል ንኽጥመቕ ዕድመይ ዝፈቕደለይ እንተ ዀይኑ ሓተተቶ። ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ተቐባልነት ዘለዎ ወፈያ ክገብር ዝኽእል ኰይኑ ተሰምዓኒ: ስለዚ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ጥቓ ሓደ ዓቢ ግራት ቱፋሕ ዝነበረት ንእሽቶ ውሕጅ ተጠመቕኩ። ኣብቲ ኣሕዋት ንመቐየሪ ክዳን ኢሎም ዝተኸልዎ ድንኳን ክዳነይ ቀየርኩ እሞ ሓደ ኣረጊትን ረጒድን ክዳን ለይቲ ገይረ ተጠመቕኩ።
ኣብ መስከረም 1919 ኣነን ወለደይን ናብታ ኣብ ጥቓ ቀላይ ኢሪ እትርከብ ሳንዱስኪ: ኦሃዮ ብባቡር ከድና። ካብኡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ብጃልባ ገይርና ናብቲ ዘይርሳዕ ዓቢ ኣኼባ እተገብረሉ ሰዳር ፖይንት ከድና። ካብ ጃልባ ክንወርድ ከሎና: ኣብቲ መዐሸግ ጀላቡ መግቢ ዝሽየጠላ ንእሽቶ ድኳን ነበረት። ኣነ ሃምበርገር በላዕኩ: ኣብቲ ግዜ እቲ ነዚ ብቐሊሉ ኣይረኽቦን ኢየ ነይረ። ጥዑም ከኣ ኢዩ ነይሩ! እቲ ዝለዓለ ቍጽሪ ተኣከብቲ ናይቲ ንሸሞንተ መዓልቲ ዝገበርናዮ ዓቢ ኣኼባ 7,000 ነበረ። መጕልሒ ድምጺ ስለ ዘይነበረ ተጠንቂቐ ክሰምዕ ነበረኒ።
ኣብዚ ዓቢ ኣኼባ እዚ እቲ ዘ ጎልደን ኤጅ (ሕጂ ንቕሑ! ) ዝበሃል ካልኣዩ ንመጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ወጸ። ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ እቲ ንኽካፈል ናይ መጀመርታ ሰሙን ትምህርቲ ሓሊፉኒ ኢዩ: እንተዀነ ግን ኣይከሰርኩን። ሰዳር ፖይንት ናይ መዘናግዒ ቦታ ኢያ ነይራ: ኣብቲ ኣብኡ ዝነበረ ቤት መግቢ ኸኣ ነቶም ተኣከብቲ ዝኸውን መግቢ ዘዳልዉ ከሸንቲ ነበሩ። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ግዜ እቲ እቶም ከሸንትን እተን ኣሳሰይትን ኣዲሞም ስለ ዝነበሩ እቶም መግቢ ኣብ ምድላው ተመክሮ ዝነበሮም ክርስትያን ኣሕዋት ነቲ ስራሕ ተተሓሓዝዎ እሞ ነቶም ተኣከብቲ መግቢ ኣዳለዉሎም። ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው ንብዙሕ ዓሰርተ ዓመታት: ህዝቢ የሆዋ ኣብ ኣሰምብሊታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ባዕሎም ኢዮም መግቢ ዘዳልዉ ነይሮም።
ኣብ መስከረም 1922 ናብቲ ኣብ ሰዳር ፖይንት እተገብረ ልዕሊ 18,000 ተኣከብቲ ዝነበርዎ ትሽዓተ መዓልቲ ዝወሰደ ዓቢ ኣኼባ ተመሊስና ናይ ምኻድ መሰል ረኺብና ኢና። ኣብቲ ኣኼባ እቲ ኸኣ ኢዩ ሓው ራዘርፎርድ “ብዛዕባ እቲ ንጉስን እታ መንግስትን ኣውጁ: ኣውጁ: ኣውጁ” ብምባል ዘተባብዓና። ይኹን እምበር: ቅድሚ ገለ ዓመታት ብብሕተይ ትራክትታት ከምኡውን ዘ ጎልደን ኤጅ ብምዝርጋሕ ኣገልግሎት ጀሚረ ነበርኩ።
ነቲ ኣገልግሎት ምምሳው
ኣብ መጀመርታ ናይ 1918 ነታ ዘ ፎል ኦቭ ባቢሎን ዘርእስታ ትራክት (እንግሊዝኛ) ነቶም ጐረባብተይ ኣብ ምዕዳል ተኻፊለ ኢየ። ቍሪ ስለ ዝነበረ ሶፕስቶን ዝበሃል ማዕድን ኣብቲ ኣብ ገዛና ዘሎ ብዕንጨይቲ ዝሰርሕ እቶን ኣርሲንና ኣእጋርና ንሙማቝ ኣብ ካሮሳ ምሳና ሒዝናዮ ንኸይድ ነበርና። እታ ካሮሳ ብላዕልን ብጎንን መሸፈኒ እኳ እንተ ነበራ መሞቒ ግን ስለ ዘይነበራ: ረጒድ ጃኬትን ቆብዕን ንገብር ነበርና። ይኹን እምበር: እቲ ግዜ እቲ ዘሐጕስ ኢዩ ነይሩ።
ብ1920 እታ ዘድጂ ኢልና እንጽውዓ ፍልይቲ ሕታም ናይታ ዘ ፊንሽድ ሚስትሪ ዘርእስታ ጽሕፍቲ (እንግሊዝኛ) ብመልክዕ መጽሔት ወጸት። a ኣነን ወለደይን ንቕዳሓት ናይዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ሒዝና ኣብ ኣሊያንስ ከነገልግል ጀመርና። ኣብቲ ግዜ እቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንበይኑ ካብ ቤት ናብ ቤት ይኸይድ ነበረ: ስለዚ ብዙሓት ሰባት ኣብ ገበላ ኮፍ ኢሎም ከለዉ እናፈራህኩ ቀሪበ ተዛረብክዎም። ድሕርዚ: ሓንቲ ሰበይቲ “ከመይ ዝበለ ጽቡቕን ሓጺርን ዝርርብ ኢያ ዝሃበት” በለት እሞ ነታ ጽሕፍቲ ወሰደታ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ 13 ዘድጂ ዓደልኩ: ንመጀመርታ ግዜ ኸኣ ካብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድ ንነዊሕ ግዜ ብስሩዕ ኣገባብ ኣቀራርባ ገይረ ሰበኽኩ።
ታሽዓይ ክፍሊ ከለኹ: ኣደይ ብነድሪ ሳምቡእ ተጠቕዐት እሞ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝኸውን ደቀሰት። እታ ዝነኣሰት ሃዘል ሓብተይ ገና ህጻን ስለ ዝነበረት ትምህርተይ ኣቋሪጸ ኣብ ሕርሻ ክሕግዝን ነቶም ቘልዑ ክኣልን ጀመርኩ። ገና ግን: ስድራቤትና ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ኣርዚንና ንርእዮ ነበርና: ኣብ ኵሉ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ድማ ስርዓታውያን ኴንና ንካፈል ነበርና።
ብ1928 ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ “እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ አለዉ፧” ዘርእስታ ትራክት ንዅሎም ተኣከብቲ ተዓደለት። እታ ትራክት እቲኣ ካብቶም ብተኣምራታዊ መገዲ ዝነጽሁ ዓሰርተ ለምጻማት ሓደ ጥራይ ብትሕትና ንየሱስ ከም ዘመስገኖ ዝሕብር ኣብ ሉቃስ 17:11-19 ዘሎ ጸብጻብ እትገልጽ ነበረት። እዚ ንልበይ ተንከፎ። ንገዛእ ርእሰይ ‘ክሳዕ ክንደይ ኢየ ዘማሱ፧’ ኢለ ሓተትኩ።
ኣብቲ እዋን እቲ ኵነታት ቤትና ስለ እተመሓየሸ: ጥዕናይ ከኣ እተማልአ ስለ ዝነበረ: ከምኡውን ኣብ ገዛ ንኽጸንሕ ዘገድድ ሓላፍነት ስለ ዘይነበረኒ: ናብ ካልእ ቦታ ንኽኸይድን ኣብቲ ዕዮ ፓይነር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽካፈልን ወሰንኩ። ወለደይ ከምዚ ንኽገብር ኣተባብዑኒ። ስለዚ: ኣነን ኣግነስ ኣለታ እትበሃል ብጸይተይን እተመደብናዮ ቦታ ተነግረና እሞ ኣብ 28 ነሓሰ 1928 ሰዓት 9:00 ምሸት ኣብ ባቡር ተሰቐልና። ነፍሲ ወከፍና ሓሓንቲ ባልጃን ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋትና መትሓዚ ዝኸውን ሓሓንቲ ቦርሳን ጥራይ ሒዝና ነበርና። ኣብቲ መደበር ባቡር ኣሓተይን ወለደይን ይበኽዩ ነበሩ: ንሕና እውን በኸና። ኣርማጌዶን ኣብ ቀረባ ግዜ ክትመጽእ ኢያ ኢልና ንኣምን ስለ ዝነበርና: ድሕሪ ደጊም እንርአአ ኰይኑ ኣይተሰምዓንን። ንጽብሒቱ ንግሆ ኣብታ ብሩክስቪል: ከንቱኪ እትበሃል እተመደብናላ ከተማ በጻሕና።
ኣብ ሓንቲ ማሕደር ኣጋይሽ ንእሽቶ ክፍሊ ተኻረና፣ ኣብ ታኒካ እተዓሸገ ስፓጌቲ ዓደግና: ንገዛእ ርእስና ዝኸውን ሳንድዊች እውን ባዕልና ሰራሕና። መዓልቲ መዓልቲ ብእተፈላለየ ኣንፈት ብምኻድ በበይንና ነገልግል ነበርና: ንሰብ ቤት ከኣ 1.98 ዶላር ውጽኢት ብምግባር ሓሙሽተ መጻሕፍቲ ክወስዱ ንዕድሞም ነበርና። ቀስ ብቐስ ነታ ንእሽቶ ከተማ ሸፈንናያ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ዘለዎም ብዙሓት ሰባት ድማ ረኸብና።
ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ ኣብ ዝኸውን ግዜ ኣብ ብሩክስቪልን ኣጉስታን ከባቢኡን ዝርከብ ኣባይቲ ብምሉኡ ኳሕኳሕናዮ። ስለዚ: ኣብ ከተማታት ማይስቪል: ፓሪስ: ከምኡውን ሪችመንድ ንኸነገልግል ናብኡ ገዓዝና። ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ሰለስተ ዓመታት: ኣብ ከንቱኪ ዝርከባ ጉባኤታት ዘይነበረን ብዙሓት ዓድታት ሸፈንና። መብዛሕትኡ ግዜ ፈተውትናን ኣባላት ስድራቤትናን ካብ ኦሃዮ ብማኪና መጺኦም ንሓደ ሰሙን ወይ ካብኡ ንዝዛይድ ግዜ ምሳና ኣብ ኣገልግሎት ብምሕላፍ ይሕግዙና ነበሩ።
ካልእ ዘይርሳዕ ዓበይቲ ኣኼባታት
እቲ ካብ 24-30 ሓምለ 1931 ኣብ ኮሎምበስ: ኦሃዮ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ብሓቂ ዘይርሳዕ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኢዩ ኸኣ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ስም እተሰመና። (ኢሳይያስ 43:12) ቅድሚ እቲ ግዜ እቲ: ሰባት ሃይማኖትና እንታይ ምዃኑ ክሓቱና ኸለዉ “ኣህጉራውያን ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ” ኢልና ንምልስ ነበርና። እታ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እትብል ስም ምስ ካልኦት እተፈላለዩ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት እተኣሳሰረት ስለ ዝነበረት ካብ ካልኦት ብግቡእ ኣይትፈልየናን ኢያ ነይራ።
ኣግነስ ብጸይተይ ስለ እተመርዓወት ኣነ በይነይ ነበርኩ፣ ስለዚ እቶም ብጻይ ዝዀኖም ፓይነር ዝደልዩ ኣብ ሓደ ቦታ ከይዶም ከመልክቱ ምስ ተነግረ ተሓጒሰ ኢየ። ኣብኡ ምስ በርዛ ጋረቲ: ኤልሲ ጋረቲ: ከምኡውን በሲ ኢንስሚንገር ተራኸብኩ። ንሳተን ክልተ ማካይን ነበራአን: ምስአን እተገልግል ራብዐይቲ ሓብቲ ድማ ይደልያ ነበራ። ሽሕኳ ተራኺብና ዘይንፈልጥ እንተ ነበርና: እቲ ዓቢ ኣኼባ ምስ ተወድአ ብሓባር ከድና።
ኣብ ሓጋይ ኣብ መላእ ዞባዊ መንግስቲ ፐንሲልቫንያ ኣገልገልና። ክረምቲ ክቐርብ ከሎ ድማ ኣብተን ምውቕ ዝበለ ክሊማ ዘለወን ኣብ ደቡብ ዝርከባ ዞባውያን መንግስታት ናይ ሰሜን ካሮሊና: ቨርጂንያ: ከምኡውን ሜሪላንድ ከነገልግል ኣመልከትና። ኣብ ቀውዒ ናብ ሰሜን ተመለስና። ኣብቲ ግዜ እቲ ፓይነራት ከምኡ ይገብሩ ነበሩ። ብ1934 እቶም ከማና እናተንቀሳቐሱ ዘገልግሉ ዝነበሩ ጆን ቡዝን ሩዶልፍ ኣቡልን ምስኦም ንኸገልግሉ ንራልፍ ሞይርን ንንእሽቶ ሓዉ ዊላርድን ናብ ሃዛርድ: ከንቱኪ ሒዞሞም ከዱ።
ምስ ራልፍ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚ ተራኺብና ኢና: ኣብቲ ካብ 30 ግንቦት–3 ሰነ 1935 ኣብ ዋሽንግተን: ራእይ 7:9-14) ክሳዕ እቲ እዋን እቲ እቶም ዓቢ ጭፍራ ኣባላት ናይ ሰማያዊ ክፍሊ ኰይኖም ብተኣማንነቶም ግን ካብቶም 144,000 ዝተሓተ ደረጃ ዘለዎም ገይርና ንሓስብ ነበርና። (ራእይ 14:1-3) ስለዚ ሓንቲ ካብኣቶም ክኸውን ኣይደለኹን!
ዲ.ሲ. እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ኸኣ ኣጸቢቕና ተፋለጥና። ብዛዕባ “ብዙሓት ሰብ” ወይ “ዓቢ ጭፍራ” (NW ) ዝርርብ ክቐርብ ከሎ ኣነን ራልፍን ኣብ ሰገነት ኮፍ ኢልና ነበርና። (ሓው ራዘርፎርድ እዞም ብዙሓት ሰብ ካብ ኣርማጌዶን ድሒኖም ንምድሪ ዝወርሱ እሙናት ሰባት ምዃኖም ምስ ገለጸ ብዙሓት ተገሪሞም ኢዮም። ድሕርዚ: ኵሎም እቶም ኣባላት ናይቶም ብዙሓት ሰብ ሓፍ ክብሉ ዓደሞም። ኣነ ኣይተሳእኩን: ራልፍ ግን ተስአ። ጸኒሑ: እቲ ነገር በርሃለይ: ስለዚ 1935 ካብቲ ኣብ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ዝቐርብ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን እተኻፈልኩላ ናይ መወዳእታ ዓመት ኢያ ነይራ። ኣደይ ግን ክሳዕ እቲ ዝሞተትሉ እዋን: ማለት ሕዳር 1957 ትካፈል ነበረት።
ቀዋሚ ብጻይ
ኣነን ራልፍን ደብዳበ ንጸሓሓፍ ነበርና። ኣነ ኣብ ሌክ ፐላሰድ: ኒው ዮርክ: ንሱ ድማ ኣብ ፐንሲልቫንያ የገልግል ነበረ። ብ1936 ሓንቲ ብማኪናኡ ክጐታ ዝኽእል ንእሽቶ ገዛ ሰርሐ። ሒዝዋ ድማ ካብ ፖትስታውን: ፐንሲልቫንያ ናብቲ ካብ ጥቅምቲ 16-18 ኣብ ንዩዋርክ: ኒው ጀርሲ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ መጸ። እቲ ፕሮግራም ምስ ተወድአ: ሓደ ምሸት ገለ ፓይነራት ነታ ራልፍ ዝሰርሓ ንእሽቶ ተጐታቲት ክንሪኣ ኸድና። ኣነን ንሱን ጥቓ እቲ ኣብ ውሽጢ እታ ተጐታቲት እተሃንጸ መሕጸቢ ኢድ ደው ኢልና ኸሎና “ነዛ ተጐታቲት ፈቲኽያዶ፧” ኢሉ ሓተተኒ።
ከም ዝፈተኽዋ ርእሰይ ብምንቕናቕ ምስ መለስኩሉ: “ኣብዚኣ ክትነብሪ ትደልዪዶ፧” ኢሉ ሓተተኒ።
“እወ:” ኢለ ምስ መለስኩሉ ሰዓመኒ: ነዚ ክሳዕ ሕጂ ኣይርስዖን ኢየ። ድሕሪ ገለ መዓልትታት ናይ መርዓና ወረቐት ምስክር ተቐበልና። ኣብ 19 ጥቅምቲ: ማለት ደድሕሪ እቲ ዓቢ ኣኼባ ዝወዳእናላ መዓልቲ: ናብ ብሩክሊን ከድና እሞ ነቲ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ሕትመት መሳለጥያታት ረኣናዮ። ድሕርዚ: ዞባ ክወሃበና ሓተትና። ግራንት ሱይተር ዞባ ኣብ ምምዳብ ሓላፍነት ነበሮ እሞ ነቲ ዞባ መንና ክዓዮ ምዃኑ ሓተተና። ራልፍ “ክንምርዖ እንተ ኽኢልና ንሕና ክንዓዮ ኢና” ኢሉ መለሰሉ።
ሓው ሱይተር “ሰዓት 5:00 ድ.ቐ. እንተድኣ መጺእኩም ከነዳልወልኩም ኢና” በለና። ስለዚ ኣብታ ምሸት እቲኣ ኣብ ብሩክሊን ሀይትስ ኣብ ዝርከብ ቤት ናይ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ተመርዓና። ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ቤት መግቢ ምስ ፈተውትና ተደረርና: ድሕርዚ ብናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ገይርና ናብታ ናይ ራልፍ ተጐታቲት ዝነበረትላ ንዩዋርክ: ኒው ጀርሲ ከድና።
ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸናሕና ናብታ ንመጀመርታ ግዜ ክልቴና ፓይነር ኴንና እተመደብናላ ሂዝስቪል: ቨርጂንያ ከድና። ኣብ ኣውራጃ ኖርዝኡምበርላንድ ኣገልገልና እሞ ድሕሪኡ ናብተን ኣብ ፐንሲልቫንያ ዝርከባ ኣውራጃታት ፉልተንን ፍራንክሊንን ከድና። ብ1939 ራልፍ ናይ ዞን ዕዮ ንኽዓዪ ተጸውዐ: ኣብዚ ዕዮ እዚ በብተራ ንብዙሓት ጉባኤታት ክንበጽሕ ነበረና። ኣብ ዞባዊ መንግስቲ ቴነሲ ዝርከባ ጉባኤታት ኣገልጊልና ኢና። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት ኣለን ወድና ተወልደ: ብ1941 ከኣ እቲ ዕዮ ዞን ተቛረጸ። ድሕርዚ ኣብ ማርያን: ቨርጂንያ ፍሉያት ፓይነራት ኴንና ከነገልግል ተመደብና። ኣብቲ ግዜ እቲ: ፍሉይ ፓይነር እንተ ዄንካ ኣብ ወርሒ 200 ሰዓታት ኣብ ኣገልግሎት ከተሕልፍ ኣሎካ።
ምትዕርራያት ምግባር
ብ1943 ፍልይቲ ፓይነር ኰይነ ምግልጋል ከቋርጽ ነበረኒ። ኣብ ንእሽቶ ተጐታቲት እናነበርኩ ንንእሽቶ ቈልዓ ኣልየ: መግቢ ኣዳልየ: ናይ ኵላትና ክዳውንቲ ሓጺበ ምስ ወዳእኩ: ኣብ ወርሒ ዳርጋ 60 ዝኸውን ሰዓታት ጥራይ ኢየ ከገልግል ዝኽእል ዝነበርኩ። ራልፍ ግን ፍሉይ ፓይነር ኰይኑ ምግልጋል ቀጸለ።
ብ1945 ናብ ኣሊያንስ: ኦሃዮ ተመለስና እሞ ነታ ንትሽዓተ ዓመታት ገዛና ዀይና ዝነበረት ተጐታቲት ሸጥናያ: ካብኡ ናብቲ ወለደይ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ኣብ ሕርሻ ዝርከብ ገዛ ገዓዝና። ኣብቲ ቦታ እቲ ኣብ ዝርከብ ገበላ ኸኣ ኢያ ሪበካ ጓልና እተወልደት። ራልፍ ኣብ ከተማ ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ ጀመረ: ስርዓታዊ ፓይነር ኰይኑ ድማ የገልግል ነበረ። ኣብቲ ሕርሻ እናዓየኹ ፓይነር ኰይኑ ንኽቕጽል ብዝከኣለኒ ዅሉ ሓገዝክዎ። ሽሕኳ ወለደይ መሬትን ገዛን ብናጻ ክህቡና እንተ ደለዩ: ራልፍ ግን ኣበየ። ብዝያዳ ንረብሓታት ናይታ መንግስቲ ኣብ ምድንፋዕ ምእንቲ ክንጽመድ: ገለ ዕንቅፋት ዝዀነና ነገር ክህሉ ኣይደለየን።
ብ1950 ናብ ፖትስታውን: ፐንሲልቫንያ ገዓዝና እሞ ንወርሒ 25 ዶላር ዝኽፈሎ ገዛ ተኻረና። ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ 30 ዓመታት እቲ ክራይ ገዛ ናብ 75 ዶላር ጥራይ ደየበ። የሆዋ ቀሊል ናብራ ንምንባር ከም ዝሓገዘና ይስምዓና ኢዩ። (ማቴዎስ 6:31-33) ራልፍ ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልቲ ቀምቃማይ ኰይኑ ይዓዪ ነበረ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ምስ ክልተ ደቅና መጽሓፍ ቅዱስ ነጽንዕ: ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንካፈል: ከምኡውን ከም ስድራቤት መጠን ብሓባር ኴንና ብስራት መንግስቲ ንሰብኽ ነበርና። ራልፍ: ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ናይታ ኣብ ከባቢና እትርከብ ጉባኤ ኰይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ። ቀሊል ናብራ ብምንባር: ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብዙሕ ክንዓዪ ክኢልና ኢና።
ናይቲ ፍቑር ብጻየይ ሙማት
ኣብ 17 ግንቦት 1981 ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኮፍ ኢልና ህዝባዊ ዝርርብ እናሰማዕና ከሎና: ራልፍ ተጸልኦ እሞ ካብቲ ኣደራሽ ወጸ: በቲ ተቐባል ጋሻ ገይሩ ድማ ናብ ገዛ ከም ዝኸደ ዝሕብር መልእኽቲ ኣብ ወረቐት ጽሒፉ ለኣኸለይ። ራልፍ ከምዚ ገይሩ ስለ ዘይፈልጥ ብኡንብኡ ንሓደ ሰብ ብማኪና ናብ ገዛ ከብጽሓኒ ሓተትክዎ። ራልፍ ከቢድ ወቕዒ ስለ ዘጋጠሞ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ሞተ። በታ ንግሆ እቲኣ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ምስ ተወድአ: ራልፍ ከም ዝሞተ ኣብታ ጉባኤ ምልክታ ተነግረ።
ኣብታ ወርሒ እቲኣ ራልፍ ልዕሊ 50 ሰዓታት ኣብ ኣገልግሎት ኣሕሊፉ ነበረ። ንልዕሊ 46 ዓመታት ፓይነር ኰይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ። ካብ ሚእቲ ንዝበዝሑ ሰባት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ መሪሑሎም ኢዩ: እዚኣቶም ድማ ኣብ መወዳእታ እተጠምቁ መሰኻኽር የሆዋ ኰይኖም ኢዮም። እቲ ዝረኸብናዮ መንፈሳዊ በረኸታት ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝገበርናዮ ዝዀነ ይኹን መስዋእትታት ኣጸቢቑ ዝበልጽ ኢዩ ነይሩ።
ነቲ ዝረኸብክዎ መሰላት አማስወሉ ኢየ
ኣብዘን ዝሓለፋ 18 ዓመታት ባዕለይ ናብ ኣኼባታት እኸይድ: ብእተኻእለኒ መጠን ንኻልኦት እሰብኽ: ከምኡውን ባዕለይ ቃል ኣምላኽ አጽንዕ ኣለኹ። ሕጂ ኣረጋውያን ኣብ ዝጥወርሉ ቦታ ኢየ ዝነብር ዘለኹ። ብዙሕ ኣቝሑ የብለይን: ተሌቪዥን ክህልወኒ እውን ኣይደለኹን። ህይወተይ ግን መንፈሳዊ በረኸት ዝመልኦ ኢዩ። ወለደይን ክልተ ኣሕዋተይን ክሳዕ ዕለት ሞቶም እሙናት ኢዮም ነይሮም: እተን ክልተ ኣሓተይ እውን ኣብ መገዲ ሓቂ ብተኣማንነት ይመላለሳ ኣለዋ።
ኣለን ወደይ ክርስትያን ሽማግለ ኰይኑ የገልግል ምህላዉ የሐጕሰኒ ኢዩ። ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ኣደራሻት መንግስቲ: ኣብ ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሻት: ከምኡውን ኣብ ሓጋይ ንዝግበሩ ዓበይቲ ኣኼባታት ናይ ድምጺ መሳርሒ ኣብ ምትካል ሰሪሑ ኢዩ። በዓልቲ ቤቱ እምንቲ ኣገልጋሊት የሆዋ ኢያ: ክልተ ደቁ ኸኣ ሽማግለታት ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ሪበካ ከረስ ጓለይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ካብ እትኸውን ልዕሊ 35 ዓመታት ኰይንዋ ኣሎ: ካብዚኣተን እተን ኣርባዕተ ዓመታት ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ዓለምለኻዊ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢያ ኣሕሊፋቶ። ዝሓለፈ 25 ዓመታት ንሳን በዓል ቤታን ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዕዮ መገሻ ተጸሚዶም ኢዮም።
የሱስ ነታ መንግስቲ ከም እተሓብአ መዝገብ ገይሩ ገለጻ። (ማቴዎስ 13:44) ስድራቤተይ ነዚ መዝገብ እዚ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ብምርካቦም አማስወሉ ኢየ። ነቲ ህይወተይ ወፍየ ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ዘሕለፍክዎ ልዕሊ 80 ዓመታት ምልስ ኢለ ክርእዮ ከለኹስ ኣየ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢየ ረኺበ: ዋላ ሓደ ዘጣዕሰኒ ነገር እውን የብለይን! ህይወተይ ከም ብሓድሽ እንተ ዝጅምሮ: ከምቲ ዘሕለፍክዎ ናብራ ምደገምኩ ነይረ፣ ከመይሲ ‘ለውሃት [ኣምላኽ] ካብ ህይወት ይበልጽ።’—መዝሙር 63:3
[እግረ-ጽሑፍ]
a እታ ዘ ፊንሽድ ሚስትሪ እትበሃል ጽሕፍቲ: ሻውዐይቲ ጥራዝ ናይተን ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስተን ተኸታተልቲ ጽሑፋት ኢያ፣ እተን ናይ መጀመርታ ሽዱሽተ ጥራዛት ብቻርለስ ቴዝ ራስል እተጻሕፋ ኢየን። እታ ዘ ፊንሽድ ሚስትሪ ግን ድሕሪ ሞት ራስል ኢያ ተሓቲማ።
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ብ1917 ሓው ራዘርፎርድ ኣብ ኣሊያንስ: ኦሃዮ ዝሃቦ ዝርርብ ሰሚዕና ኢና
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ምስ ራልፍ: ኣብ ቅድሚ እታ ባዕሉ ዝሰርሓ ተጐታቲት
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ሎሚ ምስ ክልተ ደቀይ