ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ይዝርኤል እንታይ ኢዮም ረኺቦም፧

ኣብ ይዝርኤል እንታይ ኢዮም ረኺቦም፧

ኣብ ይዝርኤል እንታይ ኢዮም ረኺቦም፧

 እታ ጥንታዊት ከተማ ይዝርኤል ዝነበረትሉ ቦታ ካብ ዝባድም ዘመናት ሓሊፉ ኣሎ። እዛ ከተማ እዚኣ ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጥቲ ዝነበረትሉ እዋን ነይሩ ኢዩ። ሕጂ ግን እቲ ዝነበራ ክብሪ ተቐንጢጡ ብቐጸላታት ምድሪ ተሸፊና ኵምራ ሓመድ ኰይና ተሪፋ ኣላ። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ተመራመርቲ ስነ⁠-​ጥንቲ ንፍርስራስ ይዝርኤል ክምርምሩ ጀሚሮም ኣለዉ። እዚ ዑና እዚ ብዛዕባ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢዩ ዝገልጸልና፧

እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተገልጸት ይዝርኤል

ከተማ ይዝርኤል እትርከበሉ ቦታ ኣብ ስንጭሮ ይዝርኤል ብሸነኽ ምብራቕ ስለ ዝነበረ: ሓደ ካብቲ ኣብ ጥንታዊት ሃገር እስራኤል ዝርከብ ኣዝዩ ልሙዕ ከባቢታት ኢዩ ነይሩ። ብሰሜናዊ ወገን እቲ ስንጭሮ ኸኣ ሚድያናውያን ምስቲ መስፍን ዝነበረ ጊዴዎንን ሰራዊቱን ክዋግኡ ሰፊሮምሉ ዝነበሩ ኵርባ ሞሬ ይርከብ። ብሸነኽ ምብራቕ ብዙሕ ከይረሓቕካ ኣብ እግሪ ከረን ጊልቦዓ ዓይኒ ማይ ሓሮድ ይርከብ። ኣብዚ ኸኣ ኢዩ የሆዋ ብዘይ​ ሓያል ሰራዊት ንህዝቡ ከድሕን ከም ዝኽእል ምእንቲ ኸርኢ ነቶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዝነበሩ ሰራዊት ጊዴዎን ናብ 300 ጥራይ ዘጕደሎም። (መሳፍንቲ 7:⁠1-25፣ ዘካርያስ 4:⁠6) እቲ ቐዳማይ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ሳኦል ኣብዚ ኸባቢ እዚ ኣብ እትርከብ ከረን ጊልቦዓ ኢዩ ኣብ ሓደ ሃንደበታዊ ውግእ ብፍልስጥኤማውያን እተሳዕረ። ዮናታንን ካልኦት ክልተ ደቂ ሳኦልን ኣብቲ ውግእ ተቐትሉ: ሳኦል ከኣ ርእሱ ቐተለ።​—⁠1 ሳሙኤል 31:⁠1-5

ብዛዕባ እዛ ጥንታዊት ከተማ ይዝርኤል ዝገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ታሪኽ ኣወንታውን ኣሉታውን ፍጻመታት ዝሓዘ ኢዩ። እዚ ታሪኽ እዚ ብዛዕባ እቲ መራሕቲ እስራኤል ዘዘውትርዎ ዝነበሩ ንስልጣን ብዘይ​ግቡእ ምጥቃምን ክሕደትን ከምኡውን ብወገን ኣገልገልቲ የሆዋ እተራእየ ተኣማንነትን ቅንእን ዝገልጽ ኢዩ። ሰማርያ ወግዓዊት ርእሲ ኸተማ እኳ እንተ​ ነበረት: እቲ ኣብ እዋን ካልኣይ መፋርቕ ናይ መበል ዓስራይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. መራሒ ናይቲ ንዓሰርተ ነገድ ዝሓቘፈ ሰሜናዊ መንግስቲ እስራኤል ዝነበረ ንጉስ ኣከኣብ ንቤተ⁠-​መንግስቱ ኣብ ይዝርኤል ኢዩ ኣቚምዎ ነይሩ። (1 ነገስት 21:⁠1) ኢዛቤል እታ ጓና ሰበይቲ ኣከኣብ ንኤልያስ ንኽትቀትሎ እተጕባዕብዓሉ ዝነበረት ኣብ ይዝርኤል ኰይና ኢያ። ኤልያስ ኣብ ከረን ቀርሜሎስ ሓቀኛ ኣምላኽ መን ምዃኑ ዘነጽር ፈተና ምስ ኣቕረበ ንዅሎም ነብያት በዓል ብትብዓት ስለ ዝሓረዶም ኢዛቤል በዚ ነዲራ ነበረት።​—1 ነገስት 18:⁠36–19:⁠2

ድሕርዚ ኣብ ይዝርኤል ገበን ተፈጸመ። ናቦት ይዝርኤላዊ ተቐትለ። ንጉስ ኣከኣብ ንኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ይብህጎ ነይሩ ኢዩ። እቲ ንጉስ ነቲ መሬት ክወስዶ ምስ ደለየ: ናቦት ብተኣማንነት “እቲ ርስቲ ኣቦታተይ ክህበካስ: እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ” ኢሉ መለሰሉ። እዚ ኣብ ሕጊ እተመርኰሰ መልሲ ድማ ንኣከኣብ ኣዝዩ ኣጕሃዮ። ንግስቲ ኢዛቤል እቲ ንጉስ ጕህዩ ምስ ረኣየቶ ናቦት ንኣምላኽ ከም ዝጸረፈ ገይራ ብሓሶት ብምኽሳስ ኣብ ልዕሊኡ ቄናን ፍርዲ ከም ዝፍጸም ገበረት። እቲ ንጹህ ዝነበረ ናቦት ገበነኛ ተቘጺሩ ብዳርባ እምኒ ተቐትለ እሞ እቲ ንጉስ ንኣታኽልቲ ወይኑ ወረሶ።​—1 ነገስት 21:​1-​16

ኤልያስ ብምኽንያት እዚ እኩይ ግብሪ እዚ “ንኢዛቤል ኣብ ጸግዒ መካበብያ ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዋ እዮም” ብምባል ተነበየ። እቲ ነብዪ ወሲኹ “ካብ ቤት ኣከኣብ ኣብ ከተማ ንዝሞተ: ኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም . . . ሰበይቱ ኢዛቤል ትድርኾ ነበረት እሞ: ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንምግባርሲ: ከም ኣከኣብ ገይሩ እተሸጠ ኣይነበረን” ይብለና። ይኹን እም​በር: ኤልያስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ ፍርዲ የሆዋ ምስ ነገሮ ኣከኣብ ርእሱ ስለ ዘትሓተ: ብህይወቱ ክሳዕ ዘሎ እቲ መቕጻዕቲ ኣብ ግዜኡ ከም ዘይወርድ የሆዋ ኣፍለጠ። (1 ነገስት 21:⁠23-29) እቲ ቀጺሉ ዘሎ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብ ግዜ እቲ ንኤልያስ ዝተክኦ ኤልሳእ: የሁ ንጉስ እስራኤል ክኸውን ከም እተቐብአ ይነግረና። የሁ እናጋለበ ናብ ይዝርኤል ምስ ከደ: ኢዛቤል ካብቲ ናይ ቤተ⁠-​መንግስቲ መስኰት ክትድርበ ኣዘዘ እሞ በፍራስ ተረግጸት። ድሕሪኡ በኽላባት ተበሊዓ ካብ ኣካላታ ቐረንቀራን ኣእጋርን ግናዕ ኣእዳዋን ጥራይ ተረፈ። (2 ነገስት 9:⁠30-37) ምስ ይዝርኤል ብቐጥታ ዝተሓሓዝ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ናይ መወዳእታ ፍጻመ እቲ 70 ደቂ ኣከኣብ እተቐትልሉ ኵነታት ኢዩ። የሁ ንኣራእሶም ኣብ ክልተ ኵምራ ገይሩ ኣብ ኣፍደገ ከተማ ይዝርኤል ኣንበሮ: ድሕሪኡ ኸኣ ንዅሎም እቶም ምስቲ ዕልወት ዝመልኦ ግዝኣት ኣከኣብ እተሓባበሩ መራሕትን ካህናትን ቀተሎም።​—⁠2 ነገስት 10:⁠6-11

ተመራመርቲ ስነ⁠-​ጥንቲ እንታይ ኢዮም ረኺቦም፧

ብ1990 ይዝርኤል ዝነበረትሉ ቦታ ንምፍሓር ሓደ ናይ ሓባር ፕሮጀክት ተጀመረ። ኣብዚ ፕሮጀክት እዚ እተኻፈላ ኸኣ ኣብ ዩኒቨርስቲ ቴል ኣቪቭ ዘሎ ኢንስቲትዩት ስነ⁠-​ጥንቲ (ብዴቪድ ኡሲሽኪን እትውከል) ከምኡውን ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤት ትምህርቲ ስነ⁠-​ጥንቲ ብሪጣንያ (ብጆን ዉድሄድ እትውከል) ኢየን ነይረን። ካብ 1990 ክሳዕ 1996 ንሽዱሽተ ክፍለ⁠-​ግዜ ዝኣክል (ነፍሲ ወከፍ ክፍለ⁠-​ግዜ ሽዱሽተ ሰሙን ዝሓዘት ኢያ) ካብ 80 ክሳዕ 100 ዝዀኑ ወለንተኛታት ኣብቲ ምፍሓር ተኻፈሉ።

ዘመናዊ ናይ ስነ⁠-​ጥንቲ ምርምር ዕላምኡ ኣቐዲሙ ንዝነበረ ርእይቶን ክልሰ⁠-​ሓሳባትን ከይተወከስካ ብገዛእ ርእስኻ ኣብ ሓደ ቦታ መርትዖ ንምርካብ መጽናዕቲ ምክያድ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ንሓደ አብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ቦታ ዘጽንዕ ተመራማሪ ስነ⁠-​ጥንቲ እቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ጸብጻብ ወሳኒ መርትዖ ኣይኰኖን ኢዩ። ኵሉ ካልእ ምንጭታትን ግኡዝ መርትዖታትን ክምርመርን ብጥንቃቐ ክግምገምን ኣለዎ። ይኹን እምበር: ከምቲ ጆን ዉድሄድ ዝበሎ: ብጀካ እተን ሒደት ምዕራፋት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ይዝርኤል ዝገልጽ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ጥንታዊ መርትዖ የለን። ስለዚ እምበኣር ዝዀነ ይኹን ምርምር ክግበር ከሎ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ጸብጻብን ናይ ግዜ ቅደም ተኸተልን ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ። ተመራመርቲ ስነ⁠-​ጥንቲ ብዝገበርዎ ጻዕርታት እንታይ ኢዩ ተቐሊዑ፧

ዕርድታትን ስርሓት ካይላን ተፋሒሩ ምስ ተረኽበ: እቲ ዑናታት ኣብ ግዜ እቲ መዋእል ሓጺን ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓጺን ምምካኽ እተማህዘሉ ዘመን ዝነበረ ምዃኑ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ንጹር ነበረ። እዚ ኸኣ ብልክዕ ምስቲ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጻ ዘላ ይዝርኤል ዝነበረትሉ እዋን ዝሰማማዕ ኢዩ። ምፍሓር እናቐጸለ ምስ ከደ ግን ብዙሕ ዘደንጹ ነገራት ተረኽበ። እቲ መጀመርታ ዘደንጸወ ነገር ስፍሓት ናይቲ ቦታን እቲ ገዘፍቲ ዕርድን ኢዩ። ተመራመርቲ ስነ⁠-​ጥንቲ: ማዕረ እቲ ኣብ ርእሲ ኸተማ መንግስቲ እስራኤል ዝነበረት ሰማርያ እተረኽበ ቦታታትን ዕርድታትን ሒዝዎ ዝነበረ ስፍሓት ክረኽቡ ኢዮም ተጸብዮም። ይኹን እምበር እቲ ኵዕታ እናቐጸለ ምስ ከደ ይዝርኤል ኣዝያ ዝዓበየት ምዃና ተጋህደ። እቲ መናድቕ ተዓቂኑ ንውሓቱ 300 ብ150 ሜትሮ ኰይኑ ምስ ተረኽበ: ሓፈሻዊ ስፍሓት ናይቲ ዕሩድ ቦታ ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዘን ኣብ እስራኤል ካብ እተረኽባ ከተማታት ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዛይድ ነበረ። ካብቲ ዕርዲ 11 ሜትሮ ንታሕቲ ርሕቕ ኢሉ ቀጽረ⁠-​ማይ ኰይኑ ዘገልግል ዝነበረ ንቑጽ ጕድጓድ ኣብ ዙርያኡ ነበረ። ፕሮፌሰር ኡሲሽኪን ከም ዝበሎ እዚ ቀጽረ⁠-​ማይ እዚ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ ግዜ ሓድሽ ነገር ኢዩ ነይሩ። “ክሳዕ እቲ ውግእ መስቀላውያን ዝጀመረሉ እዋን ምስዚ ዝወዳደር ቀጽረ⁠-​ማይ ኣብ እስራኤል ከም ዝነበረ ዝሕብር ዝዀነ ይኹን መርትዖ ፈጺምና ኣይረኸብናን” በለ።

ካልእ ትጽቢት ዘይተገብረሉ መዳይ ከኣ ኣብ ማእከል እታ ኸተማ ዓበይቲ ህንጻታት ዘይምንባሩ ኢዩ። እታ ኸተማ ክትህነጽ ከላ ዝመጸ ብዙሕ ቀይሕ ሓመድ ኣብ ውሽጣ በሪኽ ቦታ​—⁠ክብ ዝበለ ዓቢ መድረኽ​—⁠ንምስራሕ ጠቒሙ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ቴል ይዝርኤል እተገብረ ዅዕታ ዝሕብር ካልኣይ ኣፈናዊ ጸብጻብ እዚ ብሉጽ መድረኽ እዚ: ይዝርኤል ካብ ቤተ⁠-​መንግስቲ ንላዕሊ ከም ዝነበረት ዘረጋግጽ መርትዖ ክኸውን ከም ዝኽእል ርእይቶ ይህብ። “ይዝርኤል ነቲ ኣብ ግዜ ንግስነት ዖምራውያን [ዖምሪን ዘርኡን] ዝነበረ ሰራዊት እስራኤል: ወተሃደራዊ ማእከሉ ነይራ ክትከውን ከም እትኽእል ክንገልጽ ንፈቱ . . . ኣብኡ ድማ እቶም ናይ ንጉስ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ልምምድ ይወሃቦም ነበረ።” ንግዝፊ ናይዚ ክብ ኢሉ ዝርአ ዝነበረ መድረኽን ዙርያኡን ኣብ ግምት ብምእታው ዉድሄድ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዝነበረ ዅሉ ዝገዘፈ ሓይሊ ሰረገላ ዝሓዘ ወተሃደራዊ ሰራዊት ዝርኣየሉ ዝነበረ ሓደ ናይ ሰልፊ ኣደባባይ ነይሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምት።

እቲ ብዅዕታ እተረኽበ ትርፋፍያ ኣፍደገ ናይታ ኸተማ ሓደ ካብቲ ንተመራመርቲ ስነ⁠-​ጥንቲ ከም ዝምሰጡ ዝገበሮም መዳይ ኢዩ። እዚ ትርፋፍያ እዚ እንተ​ወሓደ ኣርባዕተ ኣፍደገ ዝነበሮ መእተዊ ከም ዝነበረ ዝሕብር ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ካብቲ ቦታ እቲ ብዙሕ ኣእማን ስለ እተዘምተ እቲ እተገብረ ምርምር ኣብ ጭቡጥ መደምደምታ ዘብጽሕ ኣይነበረን። ዉድሄድ: እቲ እተረኽበ ፍርስራስ ምስቲ ኣብ መጊዶ: ሓጾር: ከምኡውን ጌዘር እተረኽበ ትርፋፍያ ማዕረ ስፍሓት ዘለዎ ሽዱሽተ ኣፍደገታት ከም ዝነበረ ዝሕብር ኢዩ ዝብል ርእይቶ ኣለዎ። a

እቲ ብስነ⁠-​ጥንቲ እተረኽበ ነገራት: ሓንቲ ብወተሃደራዊ ይኹን ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣኣ እተደንቕ ሓጺር እዋን ዝጸንሐት ከተማ ከም ዝነበረት ዝሕብር ኢዩ። ይዝርኤል ሓንቲ ዓባይ ዕርድቲ ከተማ እኳ እንተ​ ነበረት ነዊሕ ከም ዘይጸንሐት ማለት ንሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ጥራይ ከም ዝቐጸለት ዉድሄድ የጕልሕ። እዚ ድማ ምስተን ኣብ እስራኤል ዝነበራ ከም መጊዶ: ሓጾርን እታ ርእሲ ኸተማ ዝነበረት ሰማርያን ዝኣመሰላ ብዙሓት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ዘለዋ ኣገደስቲ ከተማታት ዝጸንሓሉ እዋን ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ሓጺር እዋን ኢዩ። እዘን ከተማታት እዚኣተን ኣብ እተፈላለየ እዋናት ብተደጋጋሚ ተሃኒጸን: ሰፊሐን ከምኡውን ማሕደር ሰብ ኰይነን ኢየን። እታ ግቡእ ኣቀማምጣ ዝነበራ ከተማ ይዝርኤል ኣዝዩ ብዝቐልጠፈ መገዲ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዝዀነት ደኣ ስለምንታይ ኢያ፧ ዉድሄድ ብዛዕባ እዚ ሓሳብ ክህብ ከሎ ኣከኣብን ስርወ⁠-​ንግስነቱን ነቲ ናይታ ሃገር ሃብቲ የባኽንዎ ስለ ዝነበሩ ቍጠባዊ ውድቀት ከም ዘስዓበ ይገልጽ። እዚ ሓቂ ምዃኑ ካብቲ ሓለፍ ዝበለ ዕቤትን ብርታዐን ይዝርኤል ተራእዩ ኢዩ። እቲ ኣብ ትሕቲ የሁ ዝምራሕ ዝነበረ ሓድሽ ምምሕዳር: ኣከኣብ ምእንቲ ኸይዝከር ክኸውን ይኽእል ነታ ከተማ ጠንጢንዋ ኸደ።

ኵሉ እቲ ክሳዕ ሕጂ እተረኽበ መርትዖታት ከም ዝሕብሮ ይዝርኤል እትርከበሉ ዝነበረት ቦታ ኣብ እዋን መዋእል ሓጺን ቀንዲ ማእከል እስራኤል ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ ኢዩ። ዕቤታን ዕርድታታን ምስቲ ናይ ኣከኣብን ኢዛቤልን ምርእይቲ ቤተ⁠-​መንግስቲ ምዃና ዝሕብር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መግለጺ ዝሰማማዕ ኢዩ። እቲ ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ ቍጽሪ ተቐማጦኣ ውሱን ምዃኑ ዝገልጽ ሓበሬታ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ብዛዕባ እታ ኸተማ ዝገልጽ ጸብጻብ ዝሰማማዕ ኢዩ። እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ጸብጻብ: ይዝርኤል ኣብ ግዜ ምምሕዳር ኣከኣብ ቅልጡፍ ተፈላጥነት ከም ዝረኸበት ጸኒሓ ግን ብትእዛዝ የሆዋ ማለት የሁ “ኣብ ይዝርኤል ካብ ቤት ኣከኣብ ተሪፎም ንዝነበሩ ዅሎምን ንብዘለዉ ዓበይቱን ኣመንቱን ካህናቱን ድማ: ሓደ እኳ ኸየትረፈ [ምስ] ቐተሎም” ተዋሪዳ ኽትከውን ከም እትኽእል ዝገልጽ ኢዩ።​—⁠2 ነገስት 10:⁠11

ይዝርኤል ዝነበረትሉ እዋን ዝገልጽ ናይ ግዜ ጸብጻብ

ጆን ዉድሄድ “ኣብ ስነ⁠-​ጥንቲ ሓደ ነገር እተፈጸመሉ ዕለት ዝሕብር መሰረት ክትረክብ ኣጸጋሚ ኢዩ” ብምባል ይእመን። ስለዚ እቶም ተመራመርቲ ስነ⁠-​ጥንቲ ንሸውዓተ ዓመታት ናይ ኵዕታ ምርምር ድሕሪ ምግባሮም ንዝረኸብዎ ውጽኢት መጽናዕቲ ገይሮም: ምስቲ ኣብ ካልእ ናይ ስነ⁠-​ጥንቲ ምርምር እተኻየደሉ ቦታታት እተረኽበ ውጽኢት የወዳድርዎ። እዚ ድማ ናብ ዳግመ⁠-​ግምገማን ክትዕን መርሐ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ካብቲ እስራኤላዊ ተመራማሪ ስነ⁠-​ጥንቲ ዝዀነ ዪጋኤል ያዲን ኣብ 1960ታትን ኣብ መጀመርታ 1970ታትን ኣብ መጊዶ ብዅዕታ ምርምር ዝገበረሉ ዕለት ኣትሒዙ: እቲ ዝረኸቦ ዕርድታትን ኣፍደገታት ከተማን ንጉስ ሰሎሞን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከም ዝነበረ ብዙሓት ተመራመርቲ ስነ⁠-​ጥንቲ ደምዲሞም ኢዮም። ሕጂ እቲ ኣብ ይዝርኤል እተረኽበ ዕርድታትን ስርሓት ካይላን ደጌታትን ግን ንብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እዚ መደምደምታ እዚ ከም ዝጠራጠሩ ገይርዎም ኣሎ።

ንኣብነት: እቲ ኣብ ይዝርኤል እተረኽበ ስርሓት ካይላ ምስቲ ያዲን ምስ እዋን ግዝኣት ሰሎሞን ዘተሓሓዞ ኣብ መጊዶ እተረኽበ ቀጸላ ሓደ ዓይነት ኢዩ። ናይቲ ኣፍደገ ቅርጽን ስፍሓትን ሓደ ዓይነት ኢዩ እኳ እንተ​ ዘይተባህለ ተመሳሳሊ ኢዩ። ዉድሄድ ከምዚ በለ:- “ኵሉ እዚ እተረኽበ መርትዖታት ንይዝርኤል ምስ ግዜ ሰሎሞን ወይ ከኣ ነቲ ካልእ ቦታታት [መጊዶን ሓጾርን] ምስ ግዜ ኣከኣብ ዘተሓሕዞ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።” መጽሓፍ ቅዱስ ንታሪኽ ይዝርኤል ምስ ግዜ ኣከኣብ ስለ ዘተሓሕዞ: እዚ ቀጸላታት እዚ ነቲ ምምሕዳር ኣከኣብ ዝነበረሉ ግዜ ከም ዘንጸባርቕ ገይርካ ክትወስዶ ዝያዳ ምኽንያታዊ ኰይኑ ረኸቦ። ዴቪድ ኡሲሽኪን ምስዚ ብምስምማዕ ከምዚ በለ:- “መጽሓፍ ቅዱስ ሰሎሞን ንመጊዶ ሃኒጽዋ ይብለና​—⁠ነቲ ግምብታት ኣፍደገ ንሱ ከም ዝሃነጾ ግን ኣይነግረናን ኢዩ።”

ታሪኽ ይዝርኤል ክፍለጥ ይኽእልዶ፧

እዚ ብተመራመርቲ ስነ⁠-​ጥንቲ እተረኽበ ነገራትን ዝሰዓበ ክትዕን ነቲ ብዛዕባ ይዝርኤልን ሰሎሞንን ተዋሂቡ ዘሎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንረኽቦ ጸብጻብ ከም እንጠራጠረሉ ዝገብር ድዩ፧ ብሓቂ ክርአ እንተ​ድኣ ዀይኑ እቲ ኣብ መንጎ ተመራመርቲ ስነ⁠-​ጥንቲ ዘሎ ክትዕ ምስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ርክብ የብሉን። ተመራመርቲ ስነ⁠-​ጥንቲ ታሪኽ ክምርምሩ ኸለዉ ዝምርኰስሉ መሰረት ካብ መሰረት ናይቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ ታሪኽ እተፈልየ ኢዩ። እተፈላለየ ሕቶታት ብምቕራብ ኣብ ሓደ እተፈልየ ነገር የተኵሩ። ንተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስን ተመራማሪ ስነ⁠-​ጥንትን ኣብ ሓደ መገዲ ዳርጋ ጎድኒ ንጎድኒ ምስ ዝጓዓዙ ዘለዉ ሰባት ከነመሳስሎም ንኽእል ኢና። እቲ ሓደ ማኪና እናዘወረ ብማእከል ጽርግያ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ: እቲ ሓደ ግን ኣብ መገዲ ኣጋር ብእግሩ ኢዩ ዝጓዓዝ ዘሎ። ኣትኵሮኦምን ተገዳስነቶምን እተፈላለየ ኢዩ። ሒዞምዎ ዘለዉ ኣንፊ መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ድኣ እምበር ዝጋጮ ኣይኰነን። ናይዞም ክልተ ተጓዓዝቲ ድራኸ ምውድዳሩ ሓደ ዘደንቕ ነገር ከም እነስተውዕል ክገብረና ይኽእል ኢዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጥንታዊ ፍጻመታትን ጥንታውያን ሰባትን ዝገልጽ ጸብጻብ ሒዙ ኣሎ፣ ተመራመርቲ ስነ⁠-​ጥንቲ ኸኣ ኣብ መሬት ተቐቢሩ ዝጸንሐ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ዝዀነ ይኹን ኣሰር ብምምርማር ብዛዕባ እዚ ፍጻመታት እዝን ሽዑ ዝነበሩ ሰባትን ሓበሬታታት ክእክቡ ይጽዕሩ። እንተ​ዀነ ግን እዚ ትርፋፍያ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ጐደሎ ኢዩ: እተፈላለየ ትርጕም ድማ ኢዩ ዝወሃቦ። ነዚ ብዝምልከት ኣሚሃይ ማዛር ኣብታ ኣርኪኦሎጂ ኦቭ ዘ ላንድ ኦቭ ዘ ባይብል​—⁠10,000-586 ቢ.ሲ.ኢ. ዘርእስታ መጽሓፉ ከምዚ ዝብል ርእይቶ ሃበ:- “ናይ ስነ⁠-​ጥንቲ ምርምር ዝካየደሉ ዓውደ ስራሕ . . . ብዓብይኡ ስነ⁠-​ጥበብ ከምኡውን ልምምድን ክእለትን ዘጣመረ ኢዩ። ድርቕ ዝበለ ሜላ መጽናዕቲ ዓወት ከምጽእ ኣይክእልን ኢዩ። ነቶም ኣብቲ ዕዮ እቲ እተጸምዱ ሰባት ዝመርሕዎም ግድን ተዓጻጻፍነትን ናይ ምምሃዝ ተኽእሎን ክህልዎም ኣለዎ። ተመራማሪ ስነ⁠-​ጥንቲ ዘለዎ ባህሪ: ተውህቦ ኰነ ሓፈሻዊ ኣረኣእያ ካብቲ ዝረኸቦ ምልምማድን ክረኽቦ ዝኽእል ምንጭን ብዘይ​ንእስ መገዲ ኣገዳስነት ኣለዎ።”

ኣብ ይዝርኤል ሓደ ዓቢ ንጉሳውን ወተሃደራውን ማእከል ከም ዝነበረ ብስነ⁠-​ጥንቲ ተረጋጊጹ ኢዩ። እዚ ኸኣ ልክዕ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ኣብቲ ምምሕዳር ኣከኣብ ዝነበረሉ ግዜ ንሓጺር ታሪኻዊ እዋን ዝጸንሐ ማእከል ኢዩ ነይሩ። ተመራመርቲ ስነ⁠-​ጥንቲ ኣብ ዝመጽእ እዋን መጽናዕቲ ክገብርሉ ዝኽእሉ ብዙሕ ካልእ ዝምስጥ ሕቶታት ተላዒሉ ኢዩ። ይኹን እምበር እቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ተመራመርቲ ስነ⁠-​ጥንቲ ክገብርዎ ብዘይ​ክእሉ መገዲ ምሉእ ዛንታ ብምቕራብ ኣነጺሩ ምግላጹ ክቕጽል ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 1988 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) “ምስጢር ደጌታት” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ዓንቀጽ ርአ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ብተመራመርቲ ስነ⁠-​ጥንቲ ተፋሒሩ እተረኽበ ዑናታት ይዝርኤል

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ይዝርኤል እተረኽበ ናይ ከነኣናውያን ጣኦት