ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ—እቲ ብርቱዕ ሓይሊ ዘለዎ ኣካል

የሆዋ—እቲ ብርቱዕ ሓይሊ ዘለዎ ኣካል

የሆዋ​—እቲ ብርቱዕ ሓይሊ ዘለዎ ኣካል

“ካብ ዕቤት ምልኩን ካብ ብርትዔ ሓይሉን እተላዕለ ሓደ እኳ ኣይተርፍን።”​ኢሳይያስ 40:⁠26

1, 2. (ሀ) ኵላትና ካብ ምንታይ ግኡዝ ነገር ኢና ሓይሊ እንረክብ፧ (ለ) የሆዋ ምንጪ ናይ ኵሉ ሓይሊ ዝዀነሉ ምኽንያት ግለጽ።

 መብዛሕትና ንሓይሊ ብዙሕ ግምት ኣይንህቦን ኢና። ንኣብነት: ነቲ ብርሃንን ሙቐትን ዝህበና ወይ ብቐሊሉ ሰዂዕና እንዓየሉ መሳርሒታት ንኽንጥቀም ዝሕግዘና ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብዙሕ ግምት ኣይንህቦን ኢና። ሃንደበት ምስ ዘቋርጽ ጥራይ ኢዩ ከተማታት ብዘይ​ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዋላ ሓንቲ ክገብራ ከም ዘይክእላ ዝርድኣና። መብዛሕትኡ እቲ እንረኽቦ ኤሌክትሪክ ብተዘዋዋሪ ካብታ ንምድሪ ምንጪ ሓይሊ ብምዃና ዝያዳ ዅሉ ትውክልቲ ዝግበረላ ጸሓይ ኢዩ ዝመጽእ። a ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ኣብ ጸሓይ ሓሙሽተ ሚልዮን ቶን ኑክሌራዊ ነዳዲ ይቃጸል: ንምድሪ ድማ ህይወት ከም ዝቕጽል ዝገብር ሓይሊ ይህባ።

2 እዚ ዅሉ ናይ ጸሓይ ሓይሊ ካበይ ኢዩ ዝመጽእ፧ ነዛ ሰማያዊት ምንጪ ሓይሊ ዝሰርሓ መን ኢዩ፧ ነዚኣ ዝሰርሓ የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ። መዝሙር 74:⁠16 ብዛዕብኡ ክትጠቅስ ከላ “ንብርሃንን ጸሓይን ገበርካየን” ትብል። እወ: የሆዋ ከምቲ ምንጪ ናይ ኵሉ ህይወት ዝዀነ: ምንጪ ናይ ኵሉ ሓይሊ ድማ ኢዩ። (መዝሙር 36:⁠9) ንሓይሉ ኣቕሊልና ክንርእዮ የብልናን። የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ ነቶም ከም ጸሓይን ከዋኽብትን ዝኣመሰሉ ሰማያውያን ኣካላት ክንዕዘቦም እሞ ከመይ ኢሎም ናብ ህላወ ከም ዝመጹ ከነስተንትን የዘኻኽረና ኢዩ። “ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርአዩ: ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧ እቲ ንሰራዊቶም ብፍቕዲ ዜውጽኦ: በብስሞም ዚጽውዖም እዩ: ካብ ዕቤት ምልኩን ካብ ብርትዔ ሓይሉን እተላዕለ ሓደ እኳ ኣይተርፍን።”​—⁠ኢሳይያስ 40:⁠26፣ ኤርምያስ 32:⁠17

3. ሓይሊ የሆዋ ብምግላጹ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

3 የሆዋ ብርቱዕ ሓይሊ ዘለዎ ስለ ዝዀነ: ጸሓይ ነቲ ንህይወትና ኣድላዪ ዝዀነ ብርሃንን ሙቐትን ካብ ምሃብ ከም ዘይተቋርጽ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እንተ​ዀነ ግን: ኣብ ሓይሊ ኣምላኽ እንውከል ብስጋ ዘድልየና መሰረታዊ ዝዀነ ነገራት ንኸማልኣልና ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ ዘድልየና ነገራት ስለ ዘሎ ኢዩ። ካብ ሓጢኣትን ሞትን ምድሓንና: መጻኢ ተስፋና: ከምኡውን ኣብኡ ዘሎና ትውክልቲ ምስ ኣጠቓቕማ ሓይሉ ኣጸቢቑ እተተሓሓዘ ኢዩ። (መዝሙር 28:⁠6-9፣ ኢሳይያስ 50:⁠2) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓይሊ የሆዋ ከም ዝፈጥርን ዝብጆን ከምኡውን ንህዝቡ ከም ዘድሕንን ንጸላእቱ ከም ዘጥፍእን ዝሕብር ብዙሕ መረጋገጺ ኣሎ።

ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ፍጥረት ይግለጽ

4. (ሀ) ዳዊት ብለይቲ ንሰማይ ምዕዛቡ ብኸመይ ኢዩ ዝተንከፎ፧ (ለ) ሰማያውያን ኣካላት ብዛዕባ መለኮታዊ ሓይሊ እንታይ ኢዮም ዝገልጹ፧

4 ሃዋርያ ጳውሎስ ናይ ፈጣሪና ‘ዘለኣለማዊ ሓይሊ ብግብሩ ክፍለጥ ከም ዝኽእል’ ገለጸ። (ሮሜ 1:⁠20) ቅድሚ ብዙሕ ዘመናት እቲ ጸሓፍ መዝሙርን ጓሳን ዝነበረ ዳዊት ብተደጋጋሚ ብለይቲ ንሰማይ ይዕዘብ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ: ከመይሲ ንዕቤት ናይ ኣድማስን ንብርታዐ ሰራሒኡን ኣስተውዒልሉ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ:- “ንሰማያትካ: ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ: ንስኻ ዘቘምካዮም: ወርሕን ከዋኽብትን እንተ​ ጠመትኩ: እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ: እቲ እትሐልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ፧” (መዝሙር 8:⁠3, 4) ዳዊት ብዛዕባ ሰማያዊ ኣካላት ድሩት ፍልጠት እኳ እንተ​ ነበሮ: ምስቲ ፈጣሪ ናይዚ ሰፊሕ ኣድማስ ክወዳደር ኸሎ ግን ፈጺሙ ኣብ ቍጽሪ ዘይኣቱ ምዃኑ ተረዲኡ ነበረ። ሎሚ: ተመራመርቲ ስነ⁠-​ኮኾብ ብዛዕባ ዕቤት ኣድማስን ኣቚምዎ ዘሎ ሓይልን ብዙሕ ይፈልጡ ኢዮም። ንኣብነት: ጸሓይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ምስ ምንታጕ 100,000 ሚልዮን ሜጋቶን ቲ.ኤን.ቲ. ዝመጣጠን ጽዓት ከም እተመንጩ ይሕብሩና ኢዮም። b ካብዚ ኣዝዩ ውሑድ ናብ ምድሪ ይበጽሕ: ኣብ ፕላኔትና ንዝርከብ ህይወት ብምሉኡ ግን ህያው ኰይኑ ንኽቕጽል የኽእሎ። ገና ግን ጸሓይና ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ ከዋኽብቲ እታ ዝሓየለት ኣይኰነትን። ገለ ከዋኽብቲ ኣብ ሓንቲ ካልኢት ጥራይ ክንድቲ ጸሓይ ኣብ ምሉእ መዓልቲ እተውጽኦ ጽዓት የመንጩ። እምበኣር: ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሰማያዊ ኣካላት ክፈጥር ዝኸኣለ ኣካል ክህልዎ ዝኽእል ሓይሊ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ኤሊሁ “ነቲ ዅሉ ዚኽእል ክንረኽቦ ኣይንኽእልን ኢና: ንሱ ብሓይሊ . . . ዓብዪ እዩ” ክብል ሓቁ ኢዩ።​—⁠እዮብ 37:⁠23

5. ኣብቲ የሆዋ ዝፈጠሮ ነገራት እንታይ ናይ ብርታዐኡ መርትዖ ኢና እንረክብ፧

5 ልክዕ ከምቲ ዳዊት ዝገበሮ ‘ንግብሪ ኣምላኽ እንተ​ድኣ መርሚርናዮ:’ ኣብ ኵሉ ቦታ ናይ ብርታዐኡ መርትዖ ንረክብ ኢና። ነዚ ድማ ኣብ ንፋስን ማዕበልን: ኣብ ነጕድን በርቅን: ኣብ ዓበይቲ ወሓይዝን ነዋሕቲ ኣኽራንን ክንርእዮ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 112:⁠2፣ እዮብ 26:⁠12-14) ኣብ ርእሲ እዚ: ከምቲ የሆዋ ንእዮብ ዝበሎ እንስሳታት ንብርታዐኡ የረጋግጹ ኢዮም። ካብዚኣቶም ሓደ ብህሞት ወይ ጉማረ ኢዩ። የሆዋ ንእዮብ “ሓይሉ ኣብ ሕቜኡ . . . ኣካላቱ ኸም በትሪ ሓጺን እዩ” ኢሉ ነገሮ። (እዮብ 40:⁠15-18) ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ እዋን እቲ ዘርዕድ ሓይሊ ናይ ጐባይ እውን ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ፣ ዳዊት ‘ካብ ኣፍ ኣንበሳን ካብ ቀርኒ ጐባይን’ ንኽናገፍ ጸለየ።​—⁠መዝሙር 22:⁠21፣ እዮብ 39:⁠9-11

6. ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዕራይ ንምንታይ የመልክት: ስለምንታይከ፧ (እግረ⁠-​ጽሑፍ ርአ።)

6 ብዕራይ ሓያል ስለ ዝዀነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓይሊ የሆዋ ንምምልካት ውዒሉ ኣሎ። c ኣብቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ ዝፋን የሆዋ ዝረኣዮ ራእይ ኣርባዕተ ህያዋን እንስሳታት ተገሊጾም ኣለዉ: ሓደ ካብዚኣቶም ገጹ ንብዕራይ ይመስል ነበረ። (ራእይ 4:⁠6, 7) በዞም ኪሩቤል ካብ እተገልጸ ኣርባዕተ ቀንዲ ባህርያት የሆዋ ሓደ ሓይሊ ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ። እተን ካልኦት ከኣ ፍቕሪ: ጥበብ: ከምኡውን ፍትሒ ኢየን። ሓይሊ ኣገዳሲ መዳይ ባህርይ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ: ብዛዕባ ሓይሉን ብኸመይ ከም ዝጥቀመሉን ብንጹር ምፍላጥና ናብኡ ንኽንቀርብ ከምኡውን ንዘሎና ዝዀነ ይኹን ሓይሊ ብግቡእ ኣብ ምጥቃም ኣብነቱ ንኽንስዕብ ክሕግዘና ኢዩ።​—⁠ኤፌሶን 5:⁠1

‘እቲ ሓያል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት’

7. ሰናይ ኣብ ልዕሊ እከይ ከም ዝዕወት ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

7 የሆዋ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት “ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ተባሂሉ ኣሎ፣ እዚ ማዕርግ እዚ ንሓይሉ ኣትሒትና ክንርእዮ ወይ ብዛዕባ እቲ ንጸላእቱ ክስዕር ዘለዎ ክእለት ክንጠራጠር ከም ዘይብልና የዘኻኽረና። (ዘፍጥረት 17:⁠1፣ ዘጸኣት 6:⁠3) እዚ ናይ ሰይጣን እኩይ ኣገባብ ኣጸቢቑ እተሰረተ እኳ እንተ​ መሰለ: ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ግን “ኣህዛብ ከም ሓንቲ ነጥቢ ኣብ ዕትሮ: ከም ሓንቲ በሰር ኣብ ሚዛን ይቝጸሩ።” (ኢሳይያስ 40:⁠15) ብሓገዝ እዚ መለኮታዊ ሓይሊ እዚ ሰናይ ኣብ ልዕሊ እከይ ከም ዝዕወት ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣብዚ እከይ ኣስፋሕፊሕሉ ዘሎ ግዜ “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት: እቲ ናይ እስራኤል ስልጡን [“ሓያል:” NW ]” ንእከይ ንዘለኣለም ከም ዘጥፍኦ ምፍላጥና ክንጸናናዕ ንኽእል ኢና።​—⁠ኢሳይያስ 1:⁠24፣ መዝሙር 37:⁠9, 10

8. የሆዋ ነየኖት ናይ ሰማይ ሰራዊት ኢዩ ዝእዝዞም: ብዛዕባ ሓይሎምከ እንታይ ሓበሬታ ኢዩ ዘሎና፧

8 እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ 285 ግዜ እትርከብ “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት” እትብል መግለጺት እውን ብዛዕባ ሓይሊ ኣምላኽ ተዘኻኽረና ኢያ። እታ ኣብዚ “ሰራዊት” እትብል ቃል ነቶም የሆዋ ዝእዝዞም ጭፍራ መንፈሳውያን ፍጥረታት ኢያ እተመልክት። (መዝሙር 103:⁠20, 21፣ 148:⁠2) ሓደ መልኣኽ ጥራይ ኣብ ሓንቲ ለይቲ ንየሩሳሌም ዝጥልቑላ ዝነበሩ 185,000 ኣሶራውያን ወተሃደራት ቀተለ። (2 ነገስት 19:⁠35) ንሓይሊ ናይዞም ሰማያውያን ሰራዊት የሆዋ ኣፍልጦ እንተ​ድኣ ሂብናሉ: ብተጻረርትና ብቐሊሉ ኣይክንጃጁን ኢና። ነብዪ ኤልሳእ ከምቲ ጊልያኡ ዘይኰነስ ብናይ እምነት ዓይኑ ዓቢ ሰራዊት ሰማያውያን ሓይልታት ከም ዝድግፍዎ ክርኢ ስለ ዝኸኣለ: በቶም ዘናድይዎ ዝነበሩ ሰራዊት ምስ ተኸበበ ኣይተጨነቐን።​—⁠2 ነገስት 6:⁠15-17

9. ልክዕ ከም የሱስ ኣብ መለኮታዊ ዕቝባ እምንቶ ክህልወና ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧

9 የሱስ እውን ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ናይ ጌተሴማኔ ኣስያፍን ኣባትርን ዝሓዙ ብዙሓት ሰባት ምስ መጽዎ ናይ መላእኽቲ ሓገዝ ክረክብ ከም ዝኽእል ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ንጴጥሮስ ሰይፉ ናብ ቦታኣ ክመልሳ ድሕሪ ምንጋሩ: ኣድላዪ እንተ​ ዀይኑ ንኣቦኡ “ካብ ዓሰርተው ክልተ ለጌዎን ዚበዝሑ መላእኽቲ” ንኽሰደሉ ክልምኖ ከም ዝኽእል ነገሮ። (ማቴዎስ 26:⁠47, 52, 53) ንሕና እውን ብዛዕባ እቶም ብኣምላኽ ዝመሓደሩ ሰማያውያን ሰራዊት ተመሳሳሊ ምርዳእ እንተ​ሎና: ኣብ መለኮታዊ ደገፍ ብዘይ​ምውልዋል ክንውከል ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ “እምብኣርሲ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣምላኽ ምሳና ኻብ ኰነኸ: መን እዩ ዚቃወመና፧” ብምባል ጸሓፈ።​—⁠ሮሜ 8:⁠31

10. የሆዋ ንሓይሉ ምእንቲ መን ኢዩ ዝጥቀመሉ፧

10 እምበኣር ኣብ ዕቝባ የሆዋ ክንውከል ዘኽእለና ብቑዕ ምኽንያታት ኣሎና። ኵሉ ሳዕ ንሓይሉ ንረብሓና ኢዩ ዝጥቀመሉ: ከምኡውን ምስ ካልእ ባህርያቱ​—⁠ፍትሕን ጥበብን ፍቕርን​—⁠ብምስምማዕ ኢዩ ዝጥቀመሉ። (እዮብ 37:⁠23፣ ኤርምያስ 10:⁠12) ሓያላት ሰባት ስስዐ ዝመልኦ መኽሰብ ንኽድልቡ ኢሎም ነቶም ድኻታትን ትሑታትን ብተደጋጋሚ ዝጭፍልቕዎም እኳ እንተ​ዀኑ: የሆዋ ግን “ንመስኪን ካብ ሓመድ የተንስኦ” ከምኡውን ‘ንምድሓን ስልጡን’ ኢዩ። (መዝሙር 113:⁠5-7፣ ኢሳይያስ 63:⁠1) ከምቲ እታ ትሕትና ዝነበራ ማርያም ኣደ የሱስ እተረድኣቶ “እቲ ሓያል” ነቶም ዕቡያት ብምውራድ: ንትሑታት ከኣ ልዕል ብምባል ንብርታዐኡ ምእንቲ እቶም ዝፈርህዎ ይጥቀመሉ ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 1:⁠46-53

የሆዋ ንኣገልገልቱ ሓይሉ ይገልጽ

11. ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. እስራኤላውያን እንታይ ሓይሊ ኣምላኽ ኢዮም ዝረኣዩ፧

11 ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት የሆዋ ንኣገልገልቱ ሓይሉ ገሊጹ ኢዩ። ሓደ ካብዚ እቲ ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ከረን ሲና ዝዀነ ፍጻመ ኢዩ። ኣብታ ዓመት እቲኣ እስራኤላውያን ድሮ ዘደንቕ መርትዖ ናይ ሓይሊ ኣምላኽ ርእዮም ነይሮም ኢዮም። እተን ዓሰርተ ዘዕንዋ መዓት: ኢድ የሆዋ ሓያል ምዃናን ኣማልኽቲ ግብጺ ልሙሳት ምዃኖምን ኣርእየን ኢየን። ደድሕሪኡ ኸኣ ንቐይሕ ባሕሪ ብተኣምራት ምስጋሮምን ሰራዊት ፈርኦን ኣብኡ ምጥፍኡን ናይ መለኮታዊ ብርታዐ ተወሳኺ መረጋገጺ ዀይኑ ኢዩ። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ: የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣብ እግሪ ከረን ሲና ‘ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ገንዘቡ’ ክዀኑዎ ዓደሞም። ንሳቶም እውን ብወገኖም “እግዚኣብሄር ዝበሎ ዅሉ ንገብር” ኢሎም ተማባጽዑ። (ዘጸኣት 19:⁠5, 8) ድሕርዚ ሓይሉ ብንጹር ኣርኣዮም። ከረን ሲና በቲ ነጕድን በርቅን ደሃይ መለኸትን ተኸኸን ተንቀጥቀጠን። እቶም ርሒቖም ደው ኢሎም ዝነበሩ ህዝቢ ኣዝዮም ፈርሁ። ሙሴ ግን እዚ ተመክሮ እዚ ኣምላኻዊ ፍርሃት ክምህሮም ከም ዘለዎ ነገሮም: እዚ ፍርሂ እዚ ኸኣ ነቲ ሓደ በይኑ ሓቀኛ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ብዅሉ ሓይሎም ንኽእዘዙ ዝድርኾም ክኸውን ነበሮ።​—⁠ዘጸኣት 19:⁠16-19፣ 20:⁠18-20

12, 13. ንኤልያስ መዝነቱ ከም ዝገድፍ ዝገበሮ ኵነታት እንታይ ኢዩ: የሆዋ ግን ብኸመይ ኣበራትዖ፧

12 ሓያሎ ዘመናት ጸኒሑ: ብግዜ ኤልያስ ኣብ ከረን ሲና ካልእ መግለጺ መለኮታዊ ሓይሊ ተራእየ። እዚ ነብዪ እዚ ድሮ ሓይሊ ኣምላኽ ክዓዪ ኸሎ ርእዩ ነይሩ ኢዩ። ኣምላኽ ብሰንኪ ክሕደት ህዝቢ እስራኤል ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ‘ንሰማያት ዓጸዎ።’ (2 ዜና መዋእል 7:⁠13) ኤልያስ ብሰንኪ እቲ ዝሰዓበ ድርቂ ኣብ ርባ ከሪት ተቐመጠ: ኣብኡ ድማ ኳዃት ይቕልብዎ ነበሩ፣ ድሕርዚ ሒደት ሓርጭን ዘይትን ናይ ሓንቲ መበለት ብተኣምራታዊ መገዲ ከም ዘይውዳእ ኰነ እሞ ንዕኡ ድማ ቀለብ ኰኖ። አረ የሆዋ ንኤልያስ ሓይሊ ብምሃብ ንወዲ እዛ መበለት እዚኣ ካብ ሞት ንኸተንስኦ ሓጊዝዎ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ: ኣብ ከረን ቀርሜሎስ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ መን ምዃኑ ንምንጻር ፈተነ ተገብረ: ሓዊ ካብ ሰማይ ወሪዱ ድማ ነቲ ኤልያስ ዘቕረቦ መስዋእቲ በልዖ። (1 ነገስት 17:⁠4-24፣ 18:⁠36-40) ይኹን እምበር: ኢዛቤል ከም እትቐትሎ ምስ ጠለቐትሉ ኤልያስ ፈርሀን ተሓለለን። (1 ነገስት 19:⁠1-4) ከም ነብዪ ኰይኑ ዝገብሮ ኣገልግሎት እተፈጸመ ስለ ዝመሰሎ ካብታ ሃገር ሃደመ። የሆዋ ምእንቲ ከጽንዖን ከበራትዖን ኢሉ መለኮታዊ ሓይሉ ኣርኣዮ።

13 ኤልያስ ኣብ በዓቲ ተሓቢኡ ኸሎ ዘፍርህ ምርኢት ናይቲ የሆዋ ዝቈጻጸሮ ሰለስተ ሓይልታት ረኣየ፣ እዚ ኸኣ ብርቱዕ ንፋስ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ኣብ መወዳእታ ድማ ሓዊ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: የሆዋ ንኤልያስ ብ“ህዱእ ቅሩብ ደሃይ” ተዛረቦ። ዝያዳ ንኽዓዪ መዘዞ: ኣብታ ሃገር ገና 7,000 እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ ከም ዘለዉ ኸኣ ሓበሮ። (1 ነገስት 19:⁠9-18) ከም ኤልያስ ኣብ ኣገልግሎትና ፍረ ብምስኣንና እንተ​ድኣ ተሓሊልና: የሆዋ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ክህበና ክንልምኖ ንኽእል ኢና፣ እዚ ሓይሊ እዚ ድማ ነቲ ብስራት ከየባተኽና ምስባኽ ንኽንቅጽል ዘበራትዓና ኢዩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 4:⁠7

ሓይሊ የሆዋ መብጽዓታቱ ከም ዝፍጸም ውሕስነት ይኸውን

14. ብሕታዊ ስም የሆዋ እንታይ ኢዩ ዝገልጽ: ሓይሉኸ ምስ ስሙ ብኸመይ ኢዩ ዝተሓሓዝ፧

14 ሓይሊ የሆዋ ምስ ስሙን ምፍጻም ፍቓዱን ኣጸቢቑ ይተሓሓዝ ኢዩ። እቲ “ከምቲ ዝኸውን ዘኽውን” ዝብል ትርጕም ዘለዎ ፍሉይ ስም የሆዋ: መብጽዓታት ዝፍጽም ምዃኑ ይገልጽ። ተጠራጠርቲ ሰባት ዕላማ ኣምላኽ ክፍጸም ዘይክእል ገይሮም እኳ እንተ​ ወሰድዎ: ንኣምላኽ ግን ዕላምኡ ካብ ምፍጻም ክኽልክሎ ዝኽእል ነገር የለን። ከምቲ የሱስ ሓደ ግዜ ንሃዋርያቱ ዝበሎም “ንኣምላኽ . . . ኵሉ ይከአሎ እዩ።”​—⁠ማቴዎስ 19:⁠26

15. ኣብርሃምን ሳራን ንየሆዋ ዝጨንቆ ነገር ከም ዘየለ ብኸመይ ተዘኻኸሩ፧

15 ንኣብነት: ሓደ ግዜ የሆዋ ንኣብርሃምን ሳራን ንዘርኦም ዓቢ ህዝቢ ከም ዝገብሮ ተማባጽዓሎም። እንተ​ዀነ ግን: ንብዙሕ ዓመታት ውላድ ኣይነበሮምን። የሆዋ መብጽዓኡ ክፍጸም ሒደት ግዜ ከም ዝተረፎ ክነግሮም ከሎ ክልቲኦም ኣሪጎም ስለ ዝነበሩ ሳራ ሰሓቐት። እቲ መልኣኽ ከኣ “ንእግዚኣብሄርዶ ዚጨንቆ ነገር አለዎ፧” ኢሉ ሓተታ። (ዘፍጥረት 12:⁠1-3፣ 17:⁠4-8፣ 18:⁠10-14) ድሕሪ ኣርባዕተ ዘመናት: ሙሴ ነቶም ሽዑ ዓቢ ህዝቢ ኰይኖም ዝነበሩ ዘርኢ ኣብርሃም ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ምስ ኣከቦም ኣምላኽ ኵሉ መብጽዓታቱ ከም ዝፈጸመ ኣዘኻኸሮም። ከምዚ ድማ በሎም:- “[የሆዋ] ነቦታትካ ስለ ዝፈተዎም ድማ: ብድሕሪኦም ንዘርኦም ሐረየ: ባዕሉ ኸኣ ብዓብዪ ሓይሉ ቀቅድሚኡ ኻብ ግብጺ ኣውጽኣካ። ሃገሮም ርስቲ ገይሩ ኺህበካ: ናብኣ ምእንቲ ኼእትወካ: ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ ኻባኻ ዚዐብዩን ዚሕይሉን ህዝብታት ካብ ቅድሜኻ ሰጐጎም።”​—⁠ዘዳግም 4:⁠37, 38

16. ሰዱቃውያን ትንሳኤ ምዉታት ናብ ምኽሓድ ክበጽሑ ዝኸኣሉ ስለምንታይ ኢዮም፧

16 ድሕሪ ብዙሕ ዘመናት: የሱስ ነቶም ኣብ ትንሳኤ ዘይኣምኑ ዝነበሩ ሰዱቃውያን ወቐሶም። ሰዱቃውያን ነቲ ኣምላኽ ምዉታት ንኸተንስእ ዝኣተዎ መብጽዓ ዘይኣመንዎ ስለምንታይ ኢዮም፧ የሱስ “መጻሕፍቲ ወይስ ሓይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩም” ኢሉ ነገሮም። (ማቴዎስ 22:⁠29) ቅዱሳት ጽሑፋት ‘ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጺ ወዲ ሰብ ከም ዝሰምዑን ዝወጹን’ የረጋግጸልና ኢዩ። (ዮሃንስ 5:⁠27-29) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ትንሳኤ እንታይ ከም ዝብል እንተ​ድኣ ፈሊጥና: እቲ ኣብ ሓይሊ ኣምላኽ ዘሎና እምንቶ ምዉታት ክትንስኡ ምዃኖም ከም እንኣምን ይገብረና። ‘እግዚኣብሄር ተዛሪቡ ኢዩ እሞ ንሞት ንሓዋሩ ኽውሕጦ’ ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 25:⁠8

17. ኣብ የሆዋ ምውካል ኣድላዪ ዝዀነሉ ብፍላይ ኣየናይ መጻኢ ግዜ ኢዩ፧

17 ድሕሪ ሓጺር እዋን: ነፍሲ ወከፍና ኣብቲ ዘድሕን ሓይሊ ኣምላኽ ብፍላይ ክንውከለሉ ዘሎና ግዜ ክመጽእ ኢዩ። ሰይጣን ድያብሎስ ኣብቶም ዕቝባ ዘይብሎም ዝመስሉ ህዝቢ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ክፍኑ ኢዩ። (ህዝቅኤል 38:⁠14-16) ድሕርዚ ኣምላኽ ነቲ ዓቢ ሓይሉ ምእንታና ክብል ክገልጾ ኢዩ: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ድማ ንሱ የሆዋ ምዃኑ ክፈልጥ ኢዩ። (ህዝቅኤል 38:⁠21-23) ኣብቲ ወሳኒ ግዜ ሰንከልከል ንኸይንብል ኣብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ዘሎና እምነትን እምንቶን እንሃንጸሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ።

18. (ሀ) ብዛዕባ ሓይሊ የሆዋ ብምስትንታን እንታይ ረብሓታት ኢና እንረክብ፧ (ለ) ኣብዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ እንታይ ሕቶ ኢና ክንምርምር፧

18 ብዛዕባ ሓይሊ የሆዋ ከነስተንትነሉ ዝግብኣና ብዙሕ ምኽንያታት ከም ዘሎ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ንግብርታቱ ኣዕሚቝና እንተ​ ሓሲብናሉ ነዚ ዓቢ ፈጣሪና ብትሕትና ክንውድሶ: ንሓይሉ ብጥበብን ብፍቕራዊ መገድን ስለ ዝጥቀመሉ ኸኣ ከነመስግኖ ንድረኽ። ኣብ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ትውክልቲ እንተ​ድኣ ገይርና ፈጺምና ኣይክንፈርህን ኢና። ኣብ መብጽዓታቱ ዘሎና እምነት ዘይነቓነቕ ክኸውን ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ብመልክዕ ኣምላኽ ከም እተፈጠርና ኣይንረስዕ። ስለዚ: ዋላ እኳ ድሩት እንተ​ዀነ: ሓይሊ ኣሎና። ኣብ ኣጠቓቕማ ሓይልና ንፈጣሪና ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧ እዚ ኣብዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ክንምርምሮ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቲ ከም ቀንዲ ምንጪ ሓይሊ ናይ መደበር መመንጨዊ ኤሌክትሪክ ኰይኑ ዘገልግል ከም ነዳዲ ዘይትን ከሰልን ዝኣመሰለ ነገራት ሓይሉ ካብ ጸሓይ ኢዩ ዝረኽቦ።

b እቲ ክሳዕ ሕጂ ካብ እተፈተነ ዝሓየለ ዝበሃል ኑክሌራዊ ቦምብ ክነትጕ ከሎ ምስ 57 ሜጋቶን ቲ.ኤን.ቲ. ዝመጣጠን ጽዓት ኢዩ ዘመንጩ።

c እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጐባይ ተባሂሉ ዘሎ ነቲ ብእንግሊዝኛ ኦሮክስ (ላቲን ዩረስ ) ዝበሃል እንስሳ ዘመልክት ክኸውን ኣለዎ። ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመታት እዞም ዓይነት እንስሳ ኣብ ጎል (ሕጂ ፈረንሳ) ዝበሃል ቦታ ይርከቡ ነይሮም: ጁልየስ ቄሳር ብዛዕብኦም ክገልጽ ከሎ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እዞም ዩሪ እዚኣቶም ካብ ሓራምዝ ብዙሕ ኣይንእሱን ኢዮም: ብባህሪኦምን ሕብሮምን ቕርጾምን ግን ጐባይ ኢዮም። ኣዝዮም ብርቱዓትን ቅልጡፋትን ኢዮም፣ ንሰብ ይኹን እንስሳ ሓንሳእ ምስ ረኣይዎ ኣየናሕስዩሉን ኢዮም።”

ነዚ ሕቶታት እዚ ክትምልሶዶ ምኸኣልካ፧

ፍጥረት ብዛዕባ ሓይሊ የሆዋ እንታይ ይገልጽ፧

የሆዋ ንህዝቡ ንምሕጋዝ እንታይ ሰራዊት ኢዩ ክጥቀም ዝኽእል፧

የሆዋ ሓይሉ ዝገለጸሉ ገለ ኣጋጣሚታት እንታይ ኢዩ፧

የሆዋ መብጽዓታቱ ከም ዝፍጽም እንታይ ውሕስነት ኣሎና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

“ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርአዩ: ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧ ”

[ምንጪ ስእሊ]

Photo by Malin, © IAC/RGO 1991

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባ እቲ ሓይሊ የሆዋ እተገልጸሉ ኣጋጣሚታት ምስትንታን ኣብ መብጽዓታቱ ዘሎና እምነት ይሃንጸልና