ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድሉው ብዝዀነ ልቢ ንየሆዋ ምድላዩ

ድሉው ብዝዀነ ልቢ ንየሆዋ ምድላዩ

ድሉው ብዝዀነ ልቢ ንየሆዋ ምድላዩ

 እቲ እስራኤላዊ ካህን እዝራ ናይቲ ሕጊ ሓለፍ ዝበለ ተመራማሪ: ምሁር: ጸሓፊ: ከምኡውን መምህር ኢዩ ነይሩ። ሎሚ ንክርስትያናት ኣብቲ ብምሉእ ነፍስኻ ዝቐርብ ኣገልግሎት ብሉጽ ኣብነት ክዀኖም ይኽእል ኢዩ። ከመይ ኢሉ፧ ኣብታ ብናይ ሓሶት ኣማልኽትን ኣምልኾ ኣጋንንትን መሊኣ ዝነበረት ከተማ ባቢሎን ይነብር እኳ እንተ​ ነበረ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ሒዙ ብምምልላሱ ኣብነት ይዀኖም።

እቲ እዝራ ዘርኣዮ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ብኣጋጣሚ ዝመጸ ነገር ኣይነበረን። ብርግጽ ጽዒርሉ ኢዩ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ “ሕጊ እግዚኣብሄር ንምምርማርን ንምግባርን . . . ልቡ ኣዳለወ ” ብምባል ይነግረና። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)​—⁠እዝራ 7:⁠10

ሎሚውን ልክዕ ከም እዝራ: ህዝቢ የሆዋ ኣብ ሓንቲ ንጽሩይ ኣምልኾ ተጻባኢት ዝዀነት ዓለም ይነብሩ እንተ​ለዉ ኵሉ እቲ የሆዋ ካብኦም ዝሓቶ ዘበለ ክገብሩ ኢዮም ዝደልዩ። ንሕናውን እምበኣር ሃየ “ሕጊ እግዚኣብሄር ንምምርማርን ንምግባርን” ነቲ ሓሳባትና: ዝንባለታትና: ድሌታትና: ድራኸታትና እውን ዘጠቓልል ውሽጣዊ ሰብነት ዝዀነ ልብና ከነዳልወሉ እንኽእል መገድታት ንዳህስስ።

ንልብና ምድላዉ

“ምድላው” ክበሃል ከሎ “ንእተወሰነ ዕላማ ኣቐዲምካ ምስንዳእ:- ክዓዪ: ኣብ መዓላ ክውዕል: ወይ ድማ ኣብ ሓደ ኣገባብ ክኣቱ ኣብ ዝኽእለሉ ኵነታት ከም ዝህሉ ምግባር” ማለት ኢዩ። ሓቂ ኢዩ: ድሮ ርጡብ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ዘጥረኻን ህይወትካ ንየሆዋ ዝወፈኻን እንተ​ድኣ ዄንካ: ልብኻ ብርግጽ እተዳለወን ምስቲ የሱስ ብዛዕባ ምስላ ዘራኢ ክዛረብ ከሎ ዝገለጾ “ጽቡቕ ምድሪ” ክመሳሰልን ይኽእል ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 13:⁠18-23

ይኹን እምበር: ልብና ብዘይ​ምቍራጽ ኣድህቦን ምዅስኳስን የድልዮ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ክልተ ምኽንያት ኣሎ። ቀዳማይ: ልክዕ ከምቲ ኣብ ግራት ዝበቍል ጻህያይ: ጐዳኢ ዝንባለታት ብቐሊሉ ሱር ስለ ዝሰድድ ኢዩ: ብፍላይ ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ናይ ሰይጣን ኣገባብ ሰፊኑ ዘሎ “ኣየር” ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ብጐዳኢ ዝዀነ ዘርኢ ናይ ስጋዊ ኣተሓሳስባ መሊኡ ኢዩ ዘሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5፣ ኤፌሶን 2:⁠2) እቲ ካልኣይ ምኽንያት ነቲ ምድሪ ዝምልከት ኢዩ። በዱ ዝተረፈ መሬት ቀልጢፉ ንቑጽን ደረቕን ብቝሊ ዘይህብን ኢዩ ዝኸውን። ወይ ድማ ሰባት መገዲ ይገብርዎ እሞ እቲ ሓመድ ክሳዕ ናብ ከውሒ ዝቕየር ይርገጽ። እቲ ምሳልያዊ ሓመድ ልብና እውን ተመሳሳሊ ኵነታት ከጋጥሞ ይኽእል ኢዩ። ዕሽሽ እንተ​ድኣ ተባሂሉን ብመንፈሳዊ ጥዕናና ብዘይ​ግደሱ ሰባት እንተ​ድኣ ተረጊጹን ጨንጨሮማ ዀይኑ ኢዩ ክተርፍ።

ስለዚ እምበኣር ኵላትና ነቲ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል ምዕዶ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ክንደይ ኣገዳሲ ኰን ኢዩ:- “ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ: ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሐልዎ።”​—⁠ምሳሌ 4:⁠23

“ምድሪ” ልብና ዘልምዕ ነገራት

“ሓመድ” ልብና ጥዑይ ብቝሊ ከም ዘብቍል ኰይኑ ክለምዕ ዘኽእሎ ነገራት ወይ ባህርያት እስከ ንርአ። ርግጽ ኢዩ: ንዅነታት ልብና ከም ዝመሓየሽ ክገብሮ ዝኽእል ብዙሕ ነገራት እኳ እንተ​ሎ: ንሕጂ ግን ሽዱሽተ ክንርኢ ኢና:- እዚ ኸኣ መንፈሳዊ ነገራት ከም ዘድልየና ምግንዛብ: ትሕትና: ቅንዕና: ኣምላኻዊ ፍርሃት: እምነት: ፍቕሪ ኢዩ።

የሱስ “እቶም መንፈሳዊ ድሌቶም ንምምላእ ዝነቕሑ ሕጉሳት ኢዮም” ብምባል ተዛረበ። (ማቴዎስ 5:⁠3 NW ) ልክዕ ከምቲ ስጋዊ ጥሜት ክንበልዕ ከም ዘድልየና ዘዘኻኽረና: መንፈሳዊ ነገራት ከም ዘድልየና ምግንዛብ ከኣ መንፈሳዊ መግቢ ከም እንብህግ ኢዩ ዝገብረና። ደቅሰብ ናይ ህይወት ትርጕምን ዕላማን ካብ መንፈሳዊ መግቢ ስለ ዝረኽብዎ: ብተፈጥሮኦም ናይ ከምዚ ዝበለ መግቢ ድሌት ኣለዎም። ካብ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ዝመጽእ ጸቕጥን መጽናዕቲ ንኸይንገብር ዘጥቅዓና ሕሉፍ ትህኪትን: መንፈሳዊ ድሌት ከም ዘድልየና ብዙሕ ዘይንግንዘብ ክገብረና ይኽእል ኢዩ። የሱስ ግን “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር: ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” ብምባል ተዛሪቡ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 4:⁠4

ስርዓታውን መኣዛ ዘለዎን ንጹህን ኣካላዊ መግቢ: ጥዕና ኣካላት ኣብ ርእሲ ምሕላዉ ንኣካል ኣብ ዝቕጽል ግዜ መግቢ ናይ ምብላዕ ሸውሃት ከም ዘሕድር ይገብሮ። ብመንፈሳዊ መገዲ እውን ተመሳሳሊ ኢዩ። ንገዛእ ርእስኻ መጽናዕቲ ዘይፈቱ ዓይነት ሰብ ገይርካ ትሓስባ ትኸውን፣ ይኹን እምበር: መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ልምዲ እንተ​ድኣ ኣጥሪኻን ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ እተዳለዉ ጽሑፋት ስርዓታዊ ዄንካ እንተ​ድኣ ኣጽኒዕካን ሸውሃትካ እናወሰኸ ከም ዝኸይድ ባዕልኻ ከተረጋግጾ ኢኻ። አረ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጽንዓሉ ግዝያት ብሃንቀውታ ክትጽበዮ ክትጅምር ኢኻ። ስለዚ ብቐሊሉ ተስፋ ኣይትቝረጽ፣ ጽቡቕ መንፈሳዊ ሸውሃት ንምምዕባል ኣበርቲዕካ ጽዓር።

ትሕትና ንልቢ የለስልሶ

እተዳለወ ልቢ ንምጥራይ እቲ ኣገዳሲ ነገር ትሕትና ኢዩ: ከመይሲ እዚ ባህርይ እዚ ኢዩ ንኽንመሃር ድሌት ከም እነሕድር ዝገብረና: ከምኡውን ፍቕራዊ ምዕዶን መኣረምታን ንኽንቅበል ዝሕግዘና። ነቲ ጽቡቕ ኣብነት ንጉስ ዮስያስ እስከ ንርኣዮ። ንሱ ንጉስ ኰይኑ ይመርሓሉ ኣብ ዝነበረ እዋን: እቲ ብሙሴ ኣቢሉ እተዋህበ ሕጊ ኣምላኽ ዝሓዘ ሰነድ ተረኽበ። ዮስያስ ንቓላት እቲ ሕጊ ምስ ሰምዐ ኣባሓጎታቱ ካብቲ ጽሩይ ኣምልኾ ኣዝዮም ርሒቖም ከም ዝነበሩ ተገንዘበ እሞ ክዳውንቱ ቐደደን ኣብ ቅድሚ የሆዋ በኸየን። ቃል ኣምላኽ ንልቢ እቲ ንጉስ ክሳዕ ክንድዚ ዝተንከፎ ስለምንታይ ኢዩ፧ ዮስያስ “ዝለስለሰ” ልቢ ኸም ዝነበሮ ኢዩ እቲ ጸብጻብ ዝገልጽ: ስለዚ ኸኣ ኢዩ ቃል የሆዋ ምስ ሰምዐ ርእሱ ዘትሓተ። የሆዋ ነቲ ትሑትን ዘይደንዘዘን ልቢ ዮስያስ ኣስተብሃለሉ እሞ በረኸት ኣውሓዘሉ።​—⁠2 ነገስት 22:⁠11, 18-20

ትሕትና ነቶም “ዘይተማህሩ ጭዋታት” ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነቲ “ብስጋ” ‘ብልህታትን ለባማትን’ ዘይረኸብዎ መንፈሳዊ ሓቂ ክረኽቡን ብእኡ ክመላለሱን ኣኽኢልዎም ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠13፣ 1 ቈረንቶስ 1:⁠26፣ ሉቃስ 10:⁠21) እቶም ብስጋዊ መገዲ ብልህታትን ለባማትን ዝነበሩ ሰባት ቃል የሆዋ ንምቕባል ድሉዋት ኣይነበሩን: ምኽንያቱ ልቦም ብትዕቢት ተሪሩ ኢዩ ነይሩ። የሆዋ ንትዕቢት እንተ​ ጸልኦስ ዘገርም ድዩ፧​—⁠ምሳሌ 8:13፣ ዳንኤል 5:⁠20

ቅንዕናን ኣምላኻዊ ፍርሃትን

ነብዪ ኤርምያስ “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ: መንከ የስተውዕሎ፧” ብምባል ጸሓፈ። (ኤርምያስ 17:⁠9) እዚ ጕርሒ እዚ ብእተፈላለየ መገድታት ኢዩ ዝንጸባረቕ። ሓደ ካብዚ መገድታት እዚ ጌጋ ኽንፍጽም ከሎና እነቕርቦ ምስምሳት ኢዩ። ኣፍኲስካ ክርአ ንዘይብሉ ብሕታዊ ድኻማትና ንምምኽናይ ኣብ እንገብሮ ፈተነ እውን ይንጸባረቕ ኢዩ። ይኹን እምበር: ቅንዕና ምምሕያሽ ምእንቲ ኽንገብር ነቲ ናይ ሓቂ ኵነታትና ኣሚንና ንምቕባሉ ሓይሊ ብምሃብ ኣብ ልዕሊ ጐራሕ ልብና ንኽንዕወት ይሕግዘና ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ እግዚኣብሄር: መርምረንን ተዐዘበንን: ንልበይን ኰላሊተይን መርምሮ” ኢሉ ኽጽሊ ኸሎ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅንዕና ኢዩ ኣርእዩ። ነቲ ዘሎካ ሕማቕ ባህርያት ምእንቲ ኸተሰንፎ ኣፍልጦ ምሃብ ዝሓትት እኳ እንተ​ ነበረ: ብርግጽ እቲ ጸሓፍ መዝሙር: የሆዋ ክምርምሮን ክዕዘቦን ንልቡ ኣዳልዩ ነይሩ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 17:⁠3፣ 26:⁠2

እቲ “ንኽፍኣት ምጽላእ” ዘጠቓልል ኣምላኻዊ ፍርሃት ኣብዚ መስርሕ ምምርማር ሓያል ጽልዋ ዘለዎ ሓገዝ ኢዩ። (ምሳሌ 8:⁠13) ሓደ ንየሆዋ ብሓቂ ዝፈርህ ሰብ ንፍቕርን ሕያውነትን የሆዋ ዝግንዘቦ እኳ እንተ​ዀነ: የሆዋ ነቶም ዘይእዘዝዎ ብሞት እውን ከይተረፈ ንኽቐጽዕ ስልጣን ከም ዘለዎ ወትሩ ኣይስሕቶን ኢዩ። የሆዋ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ብዛዕባ እስራኤል ክዛረብ ከሎ እቶም ዝፈርህዎ ክእዘዝዎ እውን ከም ዘለዎም ኣርእዩ ኣሎ:- “ንኣታቶምን ንደቆምን ንዘለኣለም ምእንቲ ኺጽብቐሎም: ኪፈርሁንን ኵሉ ትእዛዛተይ ኪሕልዉን: ንሓዋሩ እዚ ልቢ እዚ እንተ​ ዚህልዎም መን ምሀበ።”​—⁠ዘዳግም 5:⁠29

ፍርሃት ኣምላኽ: ርዒድና ንኽንግዛእ ዘይኰነስ: ነቲ ኣባና ናይ ሓቅን ንጽቡቕናን ዝግደስ ምዃኑ እንፈልጦ ፈቃር ኣቦና ንምእዛዝ ዝድርኸና ክኸውን ከም ዘለዎ ንጹር ኢዩ። አረ እዚ ኸምዚ ዝበለ ኣምላኻዊ ፍርሃትሲ ፍናንካ ክብ ዘብልን ዘሐጕስን ኢዩ: የሱስ ክርስቶስ እውን ከይተረፈ ምሉእ ብምሉእ ኣንጸባሪቕዎ ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 11:⁠3፣ ሉቃስ 12:⁠5

እተዳለወ ልቢ ምሉእ እምነት ኣለዎ

ድልዱል እምነት ዘለዎ ልቢ እቲ የሆዋ ብቓሉ ኣቢሉ ካባና ዝሓቶ ነገር ወይ ድማ ዝህቦ መምርሒ ወትሩ ቅኑዕን ንጽቡቕናን ምዃኑ የስተውዕል ኢዩ። (ኢሳይያስ 48:⁠17, 18) ከምዚ ዝኣመሰለ ልቢ ዘለዎ ሰብ ነቲ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ዝብል ኣብ ምሳሌ 3:⁠5, 6 ዝርከብ ምዕዶ ኣብ ተግባር ብምውዓል ዕግበትን ርውየትን ይረክብ። እምነት ዘይብሉ ልቢ ግን ኣብ የሆዋ ናይ ምውካል ዝንባለ የብሉን: ብፍላይ ናብ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምትኳር ኢልካ ከም ቀሊል ናብራ ምንባር ዝኣመሰለ መስዋእቲ ዝሓትት ኵነታት እንተ​ድኣ ኣጋጢሙ ንዕኡ ኣይእንታዩን ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠33) የሆዋ ንዘይኣምን ልቢ ከም “እኩይ” እንተ​ ረኣዮ እምበኣር ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ።​—⁠እብራውያን 3:⁠12

ኣብ የሆዋ ዘሎና እምነት ኣብ ብዙሕ መዳያት: እንተ​ላይ ኣብ ቤትና ንብሕትና ዄንና ኣብ እንገብሮ ተግባራት እውን ኢዩ ዝንጸባረቕ። ንኣብነት: ነቲ ኣብ ገላትያ 6:⁠7 ዘሎ “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ እሞ: ኣይትጠበሩ: ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ” ዝብል መሰረታዊ ስርዓት እስከ ንርኣዮ። ኣብዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ዘሎና እምነት ኣብቲ እንርእዮ ዓይነት ፊልም: እነንብቦ ዓይነት መጻሕፍቲ: እንገብሮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ከምኡውን ኣብ ጸሎትና ክንጸባረቕ ኢዩ። ‘ንመንፈስ ኢልና’ ክንዘርእ ዝድርኸና ድልዱል እምነት: ንቓል የሆዋ ንምቕባልን ንምእዛዝን እተዳለወ ልቢ ኣብ ምጥራይ እቲ ቐንዲ ነገር ከም ዝዀነ ርግጽ ኢዩ።​—⁠ገላትያ 6:⁠8

ፍቕሪ​—⁠እታ ዓባይ ባህርይ

ፍቕሪ ብሓቂ ልዕሊ ዅሉ ካልእ ባህርያት ንሓመድ ልብና ንቓል የሆዋ መልሰ⁠-​ግብሪ ከም ዝህብ ትገብሮ ኢያ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኢዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ምስ እምነትን ተስፋን ከወዳድራ ኸሎ ንፍቕሪ “ካብዚኣተን እትዐቢ” ዝበላ። (1 ቈረንቶስ 13:⁠13) ብፍቕሪ ኣምላኽ ዝመልአ ልቢ ንኣምላኽ ብምእዛዝ ልዑል ዕግበትን ሓጐስን ይረክብ እምበር: በቲ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት ጸላዕላዕ ዝብሎ ኣይኰነን። ሃዋርያ ዮሃንስ “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ: ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ” ይብል። (1 ዮሃንስ 5:⁠3) የሱስ እውን “ዜፍቅረኒ እንተ​ሎ: ቃለይ ይሕሉ እዩ: ኣቦይ ድማ የፍቅሮ” ብምባል ተመሳሳሊ ሓሳብ ሂቡ ኣሎ። (ዮሃንስ 14:⁠23) ከምዚኣ ዝኣመሰለት ፍቕሪ ከንቱ ኸም ዘይትተርፍ ኣስተብህል። እወ: የሆዋ ነቶም ብፍቕሪ ናብኡ ዝቐርቡ ኣጸቢቑ የፍቅሮም ኢዩ።

የሆዋ ዘይፍጹማት ምዃንናን ወትሩ ሓጢኣት ከም እንፍጽምን ይፈልጥ ኢዩ። ይኹን እምበር: ከቶ ኣይርሕቀናን ኢዩ። እቲ የሆዋ ካብ ኣገልገልቱ ዝደልዮ ነገር ‘ፍጹም ልቢ’ ምህላው ኢዩ: እዚ ዓይነት ልቢ እዚ ኸኣ ኢዩ ‘ብፍታው ነፍሲ’ ከነገልግሎ ዝድርኸና። (1 ዜና መዋእል 28:⁠9) ጽቡቕ ባህርያት ኣብ ልብና ኰስኲስና ፍረ መንፈስ ንምፍራይ ግዜን ጻዕርን ከም ዝሓተና የሆዋ ይፈልጥ ኢዩ። (ገላትያ 5:⁠22, 23) ስለዚ ድማ ኢዩ ዝዕገሰና፣ “ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ: ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ።” (መዝሙር 103:⁠14) ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ብምሓዝ ከኣ ኢዩ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በቲ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ጌጋታት ሓያል ነቐፌታ ኣብ ክንዲ ዝህቦም ብትዕግስቲ ዝሕግዞምን ዘተባብዖምን ዝነበረ። ከምዚ ዝኣመሰለ የሆዋን የሱስን ዘርኣይዎ ፍቕርን ምሕረትን ትዕግስትን ዝያዳ ንኸተፍቅሮምዶ ኣይድርኸካን፧​—⁠ሉቃስ 7:⁠47፣ 2 ጴጥሮስ 3:⁠9

ከም ጻህያይ ዝኣመሰለ ልምድታት ምሒኻ ምድርባይ ወይ ነቲ ተሪርን ከውሕን ዝዀነ ባህርያት ዝሓዘ ቆፎ ልቢ ምስባር ከቢድ ቅልስ ኰይኑ እንተ​ድኣ ተሰሚዑካ: ኣብ ክንዲ እትሕለልን ተስፋ እትቘርጽን የሆዋ መንፈሱ ንኽህበካ ዘየባትኽ ምህለላ ዘለዎ ‘ጸሎት ብምዝውታር’ ምምሕያሽ ንምግባር ኣበርቲዕካ ዕየ። (ሮሜ 12:⁠12) ኣብቲ “ሕጊ እግዚኣብሄር ንምምርማርን ንምግባርን” ምሉእ ብምሉእ እተዳለወ ልቢ ንምጥራይ እትገብሮ ጻዕሪ ልክዕ ከም እዝራ ብሓገዝ እቲ የሆዋ ብፍታው ዝህበካ ደገፍ ክትዕወት ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

እዝራ ኣብ ባቢሎን እውን ከይተረፈ ኣምላኻዊ ተወፋይነቱ ዓቂቡ ኢዩ

[ምንጪ ስእሊ]

Garo Nalbandian