ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጸሎት ዘለዎ ሓይሊ

ጸሎት ዘለዎ ሓይሊ

ጸሎት ዘለዎ ሓይሊ

እዋኑ ጸሓይ ዕራርቦ ኢዩ: እቲ ቦታ ኸኣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ እትርከብ ከተማ ናሆር ኢዩ። ኣልኣዛር ዝስሙ ሓደ ሶርያዊ ሰብኣይ ዓሰርተ ኣግማል ዝርከባኦ ቃፍላይ ሒዙ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ኣብ ዝርከብ ዔላ ማይ ይበጽሕ። ሽሕ’ኳ ድኻምን ጽምእን እንተ​ለዎ: ምእንቲ ጥቕሚ ካልኦት ኢዩ ኣዝዩ ተገዲሱ ዘሎ። ንወዲ ጐይትኡ ሰበይቲ ምእንቲ ክረኽበሉ ኢዩ ካብ ዓዱ ናብዚ መጺኡ ዘሎ። ካብዚ ንላዕሊ ኣገዲስዎ ዘሎ ድማ ነታ ሰበይቲ ክረኽባ ዝግብኦ ካብ ኣዝማድ ጐይትኡ ኢዩ። ነዚ ከቢድ መዝነት ከመይ ገይሩ ኢዩ ክዓሞ፧

 ኣልኣዛር: ጸሎት ሓይሊ ኸም ዘለዎ ዝኣምን ሰብ ኢዩ። ፍልይ ብዝበለን ከም ናይ ቈልዓ ዝኣመሰለ ትውክልቲ ብዝንጸባረቖን ኣገባብ ነዚ ዝስዕብ ትሕትና ዝመልኦ ልመና የቕርብ:- “ኣታ እግዚኣብሄር: ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም: ሎሚ ዀታ ኣገባግበለይ: ንጐይታይ ኣብርሃም ከኣ ምሕረት ግበር። እንሆ: ኣነ ኣብ ጥቓ እዚ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ አሎኹ: ኣዋልድ ደቂ እዛ ኸተማ ኸኣ ማይ ኪቐድሓ ይወጻ አለዋ። ይኹን ከኣ፤ ማይ ክሰቲ: በጃኺ ዕትሮኺ ትሕት ኣብልዮ ዝብላ ጓል: ንሳ ኸኣ: ስተ: ነግማልካውን ከስትየን እየ እትብለኒ: ንሳ ንይስሃቅ ባርያኻ ዝመደብካያ ትኹን። ንጐይታይ ምሕረት ከም ዝገበርካሉ ኸኣ በዚ እፈልጥ።”​—⁠ዘፍጥረት 24:⁠12-14

እቲ ኣልኣዛር ኣብ ሓይሊ ጸሎት ዘለዎ እምንቶ ንኸንቱ ኣይኰነን። ዘገርም ኢዩ: እታ ናብቲ ዔላ ቅድሚ ዅሉ እትመጽእ ዘላ: ንሓዊ ኣብርሃም ጓል ወዱ ኢያ! ስማ ርብቃ ዀይኑ ዘይተሓጽየትን ስነ⁠-​ምግባራዊ ንጽህንኣ ዝሓለወትን መልክዐኛን ኢያ። እቲ ዘደንቕ ከኣ ንኣልኣዛር ጥራይ ኣይኰነትን ተስትዮ ዘላ: ጽምኢ ዅለን ኣግማሉ ንምርዋይ እውን ብሕያውነት ማይ ትቐድሕ ኣላ። ድሕሪ ገለ ግዜ: ስድራ​ቤት ተኣኪቦም ምስ ተላዘቡ: ርብቃ ናብ ርሑቕ ሃገር ብምኻድ ሰበይቲ ይስሃቅ ወዲ ኣብርሃም ክትከውን ንኣልኣዛር ክትስዕቦ ፍቓደኛ ኰነት። እዝስ ኣብቲ ኣምላኽ ሳሕቲ ተኣምራታዊ ነገራት ዝፍጽመሉ ዝነበረ እዋን እተጋህደ ክንደይ ዘደንቕን ንጸሎት ኣልኣዛር እተዋህበ ንጹር መልስን ኰን ኢዩ!

ካብቲ ኣልኣዛር ዘቕረቦ ጸሎት ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና። ጸሎቱ ነቲ ሓለፍ ዝበለ እምነቱን ትሕትንኡን ምእንቲ ጥቕሚ ካልኦት ዝነበሮ ንዓይ ይጥዓመኒ ዘይብል ተገዳስነቱን ዘንጸባርቕ ኢዩ። ብተወሳኺውን ኣልኣዛር ነቲ የሆዋ ምስ ደቅሰብ ዝራኸበሉ መትረብ ተገዛኢ ምዃኑ ኣብቲ ዘቕረቦ ጸሎት ኣርእዩ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ምስ ኣብርሃም ዝነበሮ ፍሉይ ጥብቂ ርክብ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንዅሎም ደቅሰብ ኣብ መጻኢ ግዜ ብኣብርሃም ኣቢሉ ዘውርደሎም በረኸት ዝሃቦ መብጽዓ: ግንዛበ ከም ዝነበሮ ምንም ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ዘፍጥረት 12:⁠3) ስለዚ ድማ ኢዩ ንጸሎቱ “ኣታ እግዚኣብሄር: ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም” ብዝብል ቃላት ዝጀመሮ።

የሱስ ክርስቶስ እቲ ዅሎም እዙዛት ደቅሰብ ብእኡ ኣቢሎም ዝባረኹሉ ዘርኢ ኣብርሃም ኢዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 22:⁠18) ሎሚውን ጸሎትና ክስማዕ ንብህግ እንተ​ድኣ ዄንና: ነቲ ኣምላኽ ምስ ደቅሰብ ብወዱ ኣቢሉ ዝራኸበሉ መትረብ ብትሕትና ኣፍልጦ ክንህበሉ የድልየና። የሱስ ክርስቶስ “ኣባይ እንተ​ ጸናዕኩም: ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ​ ሐደረ: እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም” ኢሉ ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 15:⁠7

እቲ ሰዓብ ክርስቶስ ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሓቅነት እዘን የሱስ እተዛረበን ቃላት ካብ ተመክርኡ ኣረጋጊጽወን ኢዩ። እቲ ኣብ ሓይሊ ጸሎት ዝነበሮ እምነት ከንቱ ዀይኑ ኣይተረፈን። ንክርስትያናት ብጾቱ ንዅሉ ጭንቀቶም ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ከቕርብዎ ድሕሪ ምትብባዕ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ብምባል ኣረጋገጸሎም። (ፊልጲ 4:⁠6, 7, 13) እዚ ግን ኵሉ እቲ ጳውሎስ ናብ ኣምላኽ ብጸሎት ዘቕረቦ ልመና መልሲ ይወሃቦ ነይሩ ማለት ድዩ፧ እስከ ቀጺልና ንርአ።

ኵሉ ልመና መልሲ ኣይረክብን

ጳውሎስ ብሰንኪ እቲ ‘ኣብ ስጋኡ’ ከም ዝነበረ ዝገለጾ “ግራጭ” ኣብቲ ምእንቲ ጥቕሚ ካልኦት ዝፈጸሞ ኣገልግሎት ስቓይ ኣሕሊፉ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 12:⁠7) እዚ ግራጭ እዚ ምናልባት ብሰንኪ ተጻረርቲ ከምኡውን ብሰንኪ “ኣሕዋት ሓሶት” እተላዕለ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጭንቀት ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 11:⁠26፣ ገላትያ 2:⁠4) ወይ ድማ ብሰንኪ እቲ ሕዱር ናይ ዓይኒ ሕማም ዘሕለፎ ኣካላዊ ስቓይ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ገላትያ 4:⁠15) እቲ ምኽንያት እንታይ ከም ዝነበረ ብዘየገድስ: እቲ ‘ኣብ ስጋኡ’ ዝነበረ “ግራጭ” ንጳውሎስ ከም ዝሕለል ገይርዎ ኢዩ። “እዚ ኻበይ ኪርሕቕ: ብዛዕባኡ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንኩዎ” ብምባል ጸሓፈ። ይኹን እምበር: እቲ ዘቕረቦ ልመና ምላሽ ኣይረኸበን። እቲ ከም ንፈተናታት ክጽመም ዝሕግዞ ሓይሊ ዝኣመሰለ ካብ ኣምላኽ እተቐበሎ መንፈሳዊ ረብሓታት ንዕኡ እኹል ከም ዝነበረ ተገልጸሉ። ብተወሳኺውን ኣምላኽ “ሓይለይ ብድኻም እዩ ዚፍጸም” ብምባል ተዛሪብዎ ኢዩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 12:⁠8, 9

ካብዚ ናይ ኣልኣዛርን ጳውሎስን ኣብነታት እንታይ ኢና እንመሃር፧ የሆዋ ኣምላኽ ንጸሎት እቶም ብትሕትና ከገልግልዎ ዝደልዩ ብርግጽ ይሰምዖ ኢዩ። ከምዚ ክበሃል ከሎ ግን ነቲ ዘቕርብዎ ልመና ወርትግ ምላሽ ይህበሉ ኢዩ ማለት ኣይኰነን: ከመይሲ ኣምላኽ ንእተፈላለየ ጕዳያት ክርእዮ ኸሎ ክንዮ እቲ ልማኖ ዝቐርበሉ ዘሎ ነገራት ኣርሒቑ ዝጥምት ኢዩ። ካባና ንላዕሊ እቲ ንዓና ዝሓይሽ ዝፈልጥ ኢዩ። ካብዚ ንላዕሊ ኣዝዩ ዘገድስ ድማ ወትሩ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝምዝገብ ብምግባር ገሊጽዎ ዘሎ ዕላምኡ ተሰማሚዑ ስጕምቲ ዝወስድ ምዃኑ ኢዩ።

መንፈሳዊ ምሕዋይ ዝፍጸመሉ ግዜ

ኣምላኽ ኣብ እዋን እቲ ወዱ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝነግሰሉ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት: ንደቅ​ሰብ ካብ ኵሉ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ሕማማት ከሕውዮም ምዃኑ መብጽዓ ኣትዩ ኣሎ። (ራእይ 20:⁠1-3፣ 21:⁠3-5) ኣምላኽ ነዚ ንኽትግብር ኣብ ዘለዎ ሓይሊ ምሉእ እምነት ብምርኣይ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነዚ መብጽዓ እተገብረሉ መጻኢ ግዜ ብሃንቀውታ ኢዮም ዝጽበይዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣምራታዊ ምሕዋይ ሕጂ ክፍጸም ትጽቢት ዘይገብሩ እኳ እንተ​ዀኑ: ንዘጋጥም ጽንኩር ኵነታት ምእንቲ ኽዋጽእሉ ንኸጸናንዖምን ከበርትዖምን ናብ ኣምላኽ ይጽልዩ ኢዮም። (መዝሙር 55:⁠22) ብዘይ​ዚውን ሕማም ምስ ዘጋጥሞም በቲ ዘለዎም ቍጠባዊ ዓቕሚ ዝበለጸ ሕክምና ኣብ ምርካብ ኣምላኽ መሪሕነቱ ምእንቲ ክህቦም ክጽልዩ ይኽእሉ ኢዮም።

ገለ ሃይማኖታት ነቲ ብየሱስን ሃዋርያቱን እተፈጸመ ተኣምራታዊ ናይ ምፍዋስ ተግባራት ብምዝኽኻር: ሕሙማት ሕጂ ካብ ሕማሞም ንኽሓውዩ ክጽልዩ የተባብዓ። የሱስን ሃዋርያቱን ተኣምራት ዝገበሩ ግን ንፍሉይ ዕላማ ኢዩ ነይሩ። የሱስ እቲ ናይ ሓቂ መሲሕ ከም ዝነበረ ንምርግጋጽ ከምኡውን ኣምላኽ ሕጂ ስምረቱ ንህዝቢ ኣይሁድ ዘይኰነስ ነታ ውልዶ ክርስትያናዊት ጉባኤ ከም ዝሃባ ንምርኣይ ኢዩ ነይሩ። ሽዑ ኣብቲ ግዜ እቲ እምነት እታ ሓዳስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንምድልዳል ተኣምራታዊ ውህበታት ኣድልዩ ነበረ። እታ ዕሸል ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ብኽልተ ኣእጋራ ደልዲላ ደው ምስ በለትን ብስለት ምስ ኣጥረየትን ግን እቲ ተኣምራታዊ ውህበታት ‘ተሳዒሩ’ ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 13:⁠8, 11

ኣብዚ ዘለናሉ ዘየላቡ ግዜ እዚ: የሆዋ ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ናብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ብመንፈስ ናይ ምሕዋይ ዕዮ ከም ዘተኵሩ ኢዩ ዝገብሮም ዘሎ። ሰባት ገና ግዜ ኸለዎም ነዚ ዝስዕብ ጻውዒት ብቕልጡፍ ምላሽ ክህብሉ የድልዮም:- “ንእግዚኣብሄር በቲ ዚርከበሉ ጊዜ ድለይዎ: ቀረባ ኸሎውን ጸውዕዎ። ረሲእ መገዱ: ዓመጸኛ ኸኣ ሓሳቡ ይሕደግ: ናብ እግዚኣብሄር ይመለስ: ንሱ ኸኣ ኪምሕሮ እዩ: ኣዝዩ ይቕረ ይብል እዩ እሞ: ናብ ኣምላኽናውን ይመለስ።”​—⁠ኢሳይያስ 55:⁠6, 7

እዚ እተናስሑ ሓጥኣን ዝጥዕይሉ መንፈሳዊ ምሕዋይ ብስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ ኢዩ ዝዕመም ዘሎ። (ማቴዎስ 24:⁠14) የሆዋ ኣምላኽ ነዚ ህይወት ዘድሕን ዕዮ ንምፍጻም ዘድልዮም ሓይሊ ንኣገልገልቱ ብምሃብ: ካብ ኵሎም ህዝብታት ንእተዋጽኡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ቅድሚ ምውድኡ ካብ ሓጢኣቶም ንኽናስሑን ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ንኽምስርቱን ይሕግዞም ኣሎ። ኵሎም እቶም ከምዚ ዝበለ መንፈሳዊ ምሕዋይ ንኽረኽቡን ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ምሕዋይ ዕዮ ንምፍጻም ሓገዝ ንኽወሃቦምን ዝጽልዩ ዘበሉ ብርግጽ ጸሎቶም ይምለሰሎም ኣሎ።

[ምንጪ ስእሊ]

ኣልኣዛርን ርብቃን/The Doré Bible Illustrations/Dover Publications