ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 12:⁠19 “ፍቁራተይ፤ . . . ነቲ መዓትሲ [“ቝጥዓስ:” NW  ] ስፍራ ሕደጉሉ እምበር: ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ” ክብል ከሎ ክርስትያናት ክቝጥዑ ከም ዘይብሎም ድዩ ዘመልክት ነይሩ፧

ብሓጺሩ: ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብዚ ንቝጥዓ ኣምላኽ ኢዩ ዘመልክት ነይሩ። ልክዕ ኢዩ: እዚ ክበሃል ከሎ ግን ክርስትያናት እንተ ተቘጥዑ ወይ እንተ ዘይተቘጥዑ ኣየገድስን ኢዩ ማለት ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ቍጡዓት ንኸይንኸውን ብንጹር ይመኽረና ኢዩ። ገለ ኣብነታት ናይ መለኮታዊ ምኽሪ እስከ ንርአ።

“ኵራ ግደፍ ሓርቖትውን ሕደግ: ኣይተንጸርጽር: እዝስ ናብ እከይ ጥራይ እዩ ዜብጽሕ።” (መዝሙር 37:⁠8) “ንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ዅሉ ኺፍረዶ እዩ።” (ማቴዎስ 5:⁠22) “እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ: ንሱ ኸኣ ምንዝር: ርኽሰት: ዕብዳን: ኣምልኾ ጣኦት: ጥንቈላ: ጽልኢ: ባእሲ: ቅንኢ: ቊጥዓ።” (ገላትያ 5:⁠19, 20) “ብዘሎ መሪርን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን . . . ኻባኻትኩም ይርሐቕ።” (ኤፌሶን 4:⁠31) “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ: ንምዝራብ ደንጓዪ: ንዅራ ደንጓዪ ይኹን።” (ያእቆብ 1:⁠19) ኣብ ርእሲ እዚ: መጽሓፍ ምሳሌ ንቝጥዓ መገዲ ከይንኸፍተሉ ወይ ብዘይ​ጠቅም በደልን ናይ ሰባት ጌጋን ብቐሊሉ ከይንሓርቕ ብተደጋጋሚ ትመኽረና ኢያ።​—⁠ምሳሌ 12:⁠16፣ 14:⁠17, 29፣ 15:⁠1፣ 16:⁠32፣ 17:⁠14፣ 19:⁠11, 19፣ 22:⁠24፣ 25:⁠28፣ 29:⁠22

እዚ ኣብ ሮሜ 12:⁠19 ዘሎ ትሕዝቶ ምስዚ ምኽርታት እዚ ዝሰማማዕ ኢዩ። ጳውሎስ ፍቕርና ብዘይ​ግብዝና ክትከውን: ነቶም ዝሰጉና ክንምርቕ: ንኻልኦት ጽቡቕ ክንሓስበሎም ክንጽዕር: ንሓደ እኳ ክፉእ ኣብ ክንዲ ክፉእ ከይንፈዲ: ከምኡውን ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ክንነብር ተላብዩና ኢዩ። ድሕርዚ: “ፍቁራተይ፤ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ: ኣነ ኽፈድዮ እየ: ይብል እግዚኣብሄር: ጽሑፍ እዩ እሞ: ነቲ መዓትሲ [“ቝጥዓስ:” NW ] ስፍራ ሕደጉሉ እምበር: ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ” ኢሉ ተማሕጸነና።​—⁠ሮሜ 12:⁠9, 14, 16-19

እወ: ቍጥዓና ሕነ ንኽንፈዲ ክድርኸና ክንፈቕደሉ የብልናን። ብዛዕባ ኵነታት ዘሎና ፍልጠትን ናይ ፍትሒ ሚዛንናን ዘይፍጹም ኢዩ። ብቝጥዓ ተለዓዒልና ሕነ እንተ​ድኣ ፈዲና: መብዛሕትኡ ግዜ ጌጋ ኢና ንገብር። እዚ ድማ ንዕላማ ናይቲ ተጻራሪ ኣምላኽ ዝዀነ ድያብሎስ ዝድግፍ ኢዩ። ጳውሎስ ኣብ ካልእ ቦታ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም። ንድያብሎስ ከኣ ስፍራ ኣይትሀብዎ።”​—⁠ኤፌሶን 4:​26, 27

እቲ ዝሓሸን ጥበብ ዘለዎን መገዲ: ኣምላኽ መዓስን ኣብ ልዕሊ መንን ሕነ ክፈዲ ከም ዘለዎ ንኽውስን ምግዳፉ ኢዩ። ነዚ ክገብር ከሎ ናይቲ ጭብጥታት ምሉእ ዘይጉዱል ፍልጠት ስለ ዘለዎ ዝገብሮ ዝዀነ ይኹን መቕጻዕቲ ነቲ ፍጹም ፍትሑ ከንጸባርቕ ኢዩ። ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 12:⁠19 ነዚ የመልክት ከም ዝነበረ: ነቲ “ምፍዳይ ሕነን ምኽሓስን ናተይ እዩ” ዝብላ ቃላት ዝርከባኦ ካብ ዘዳግም 32:⁠35, 41 ዝጠቐሶ ነገር ምስ ኣስተውዓልናሉ ክርድኣና ይኽእል ኢዩ። (ምስ እብራውያን 10:⁠30 ኣረኣእዮ።) ስለዚ: ኣብቲ ናይ ግሪኽ ጽሑፍ “ናይ ኣምላኽ” ዝብላ ቃላት እኳ እንተ ዘይተረኽባ: ብዙሓት ዘመናውያን ተርጐምቲ ነዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ሮሜ 12:⁠19 ኣእትዮምወን ኢዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ይንበብ:- “እቲ ምፍዳይ ሕነ ኣምላኽ ይግበሮ” (ዘ ኮንተምፖራሪ ኢንግሊሽ ቨርሽን )፣ “ንቝጥዓ ኣምላኽ ቦታ ሃብዎ” (ኣመሪካን ስታንዳርድ ቨርሽን )፣ “እንተ ደልዩ ኣምላኽ ይቕጽዓዮም” (ዘ ኒው ተስታመንት ኢን ሞደርን ኢንግሊሽ )፣ “ንመለኮታዊ መቕጻዕቲ ቦታ ሕደጉሉ።”​—⁠ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል

ብጸላእቲ ሓቂ እኳ እንተ ተጸረፍና ወይ እንተ ተሰጐጕና: ኣብቲ ሙሴ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ዝሰምዖ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል መግለጺ ዘሎና ትውክልቲ ከነርኢ ንኽእል ኢና:- “እግዚኣብሄር: እግዚኣብሄር: መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንዅራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን: ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ጸጋ ዚሕሉ: ዓመጽን ምትሕልላፍን ሓጢኣትን ይቕረ ዚብል: ግናኸ ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርኢ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)​—⁠ዘጸኣት 34:⁠6, 7