ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መአረምታ እተቐበለ ኣብነታዊ ሰብኣይ

መአረምታ እተቐበለ ኣብነታዊ ሰብኣይ

መአረምታ እተቐበለ ኣብነታዊ ሰብኣይ

 “ኣብ ዛምብያ ዘለዉ ሓራግጽ ኣብ ወርሒ 30 ሰባት ይበልዑ።” እዚ ሓንቲ ኣብ ኣፍሪቃ እትሕተም ጋዜጣ ዓመታት ይገብር ዘቕረበቶ ጸብጻብ ኢዩ። ነዞም ዓይነት ለመምታ እዚኣቶም ንምርምር ዝሓዞም ሓደ ናይ ስነ⁠-​እንስሳ መጽናዕቲ ዘካይድ ብዝበሎ መሰረት “ሓደ ሓርገጽ ንኽትሕዝ 12 ሰባት የድልዩ።” ሓርገጽ ብርቱዕ ጭራን ሓያል ምንጋጋን ስለ ዘለዎ ብሓቂ ዘፍርህ እንስሳ ኢዩ!

ፈጣሪ ንሓርገጽ ‘ሌዋታን’ ኢሉ ብምጽዋዕ ነዚ ‘ንብዘለዉ ደቂ ትዕቢት ንጉሶም’ ዝዀነ እንስሳ ንባርያኡ እዮብ ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ ንኽምህሮ ተጠቕመሉ። (እዮብ 40:⁠25፣ 41:⁠26) እዚ እተፈጸመሉ ድማ ገለ 3,500 ዓመታት ይገብር ኣብ ምድሪ ኡጽ ምናልባት ኣብ ክፍሊ ሰሜናዊ ዓረብ ክኸውን ይኽእል። ነዚ ፍጥረት እዚ ክገልጾ ኸሎ ኣምላኽ ንእዮብ “ንእኡ ኪቕስቅሶ ዚደፍር የልቦን። ኣብ ቅድመይ ዚቐውም ደኣ መን እዩ፧” ኢሉ ነገሮ። (እዮብ 41:⁠2) እዝስ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ዀን ኢዩ! ንሓርገጽ ንፈርሆ ካብ ኰንና: ኣንጻር እቲ ንዕኡ ዝፈጠሮ ደፊርና ንኸይንዛረብ ግዳ ክንደይ ኣዚና ክንፈርህ ዘይግብኣና! እዮብ ጌግኡ ብምንዛዝ ኣብዚ ትምህርቲ እዚ ዘለዎ ሞሳ ኣርእዩ ኢዩ።​—⁠እዮብ 42:⁠1-6

እዮብ ክጥቀስ ከሎ: እቲ ፈተናታት ብምጽማም ዘሕለፎ እሙን ኣብነቱ ይዝከረና ይኸውን። (ያእቆብ 5:⁠11) እዮብ ኣብ እምነቱ ከቢድ ፈተና ከይወረዶ ኸሎ እውን ከይተረፈ የሆዋ ይሕጐሰሉ ነይሩ ኢዩ። ብኣረኣእያ ኣምላኽ: ኣብቲ ግዜ እቲ “ከም እዮብ ገይሩ ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፉእ ዚርሕቕን ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ” ኣይነበረን። (እዮብ 1:⁠8) እዚ ብዛዕባ እዮብ ብዙሕ ንኽንፈልጥ ክድርኸና ይግባእ። ምኽንያቱ እዚ ፍልጠት እዚ ንሕናውን ንኣምላኽ ብኸመይ ከነሐጕሶ ከም እንኽእል ክንርዳእ ይሕግዘና ኢዩ።

ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ ቀዳምነት ሃቦ

እዮብ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ኣብ ርእሲ ወርቂ: 7,000 ኣባጊዕ: 3,000 ኣግማል: 500 ወላድ ኣድጊ: 1,000 ኣብዑር: ብዙሓት ግዙኣትውን ነበርዎ። (እዮብ 1:⁠3) እዮብ ግን ትውክልቱ ኣብ ሃብቱ ዘይኰነስ ኣብ የሆዋ ኢዩ ገይሩ። ከምዚ ድማ በለ:- “ንወርቂ ተስፋ ጌረዮ: ነቲ ጽሩይ ወርቂ፤ እምንቶይ ኢኻ: ኢለ እንተ ዀይነስ: ብ[ዕ]ለይ በዚሑለይ ኢደይ ኣብዚሓ ደሊባ: ኢለ ተሐጒሰ እንተ ዀይነ: . . . በዚ ኸምዝስ ንልዑል ኣምላኽ ከሓዲኡ ምዀንኩ ነይረ እሞ: እዚ ኸኣ ፈራዲ ዚቐጽዖ ኣበሳ ምዀነ ነይሩ።” (እዮብ 31:⁠24-28) ንሕናውን ከም እዮብ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ጥብቂ ርክብ ካብ ንዋታዊ ነገራት ንላዕሊ ኣኽቢርና ክንርእዮ ይግብኣና።

ምስ ብጾቱ ብዘይ​ኣድልዎ ይመላለስ ነበረ

እዮብ ምስ ግዙኣቱ ብኸመይ ኢዩ ዝመላለስ ነይሩ፧ ዘየዳሉን ተቐራብን ከም ዝነበረ ካብቲ እዮብ እተዛረቦ ቃላት ክንርድኦ ንኽእል ኢና:- “ጊልያይን ገረደይን ምሳይ እንተ ተቛየቑስ: ንመሰሎም እንተ ነዐቕክዎ: ኣምላኽ ምስ ተንስኤ ደኣ: እንታይ ክገብር: ምስ ተቛጻጸረንስ: እንታይ ክመልሰሉ እየ፧” (እዮብ 31:⁠13, 14) እዮብ ንምሕረት የሆዋ ኣኽቢሩ ኢዩ ዝርእዮ ነይሩ: ስለዚ ኸኣ ምስ ባሮቱ ብምሕረት ተመላለሰ። እዝስ ብፍላይ ነቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ናይ ሓላፍነት ቦታ ዘለዎም ሰባት ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን ኢዩ ዝዀኖም! ንሳቶም እውን ቅኑዓት: ዘየዳልዉ: ተቐረብቲ ክዀኑ ኣለዎም።

እዮብ ነቶም ካብ ቤቱ ወጻኢ ዝነበሩ ሰባት እውን ሓልዮቱ የርእዮም ነይሩ ኢዩ። ንኻልኦት ሰባት ይስገግ ምንባሩ ክገልጽ ከሎ ከምዚ በለ:- “ነቲ መስኪን ለሚኑኒ ኸሊኤዮ እንተ ዀይነ: ንዓይኒ መበለት ሃረር ኣቢለያ እንተ ዀይነ: ንቝራስ እንጌራይ በይነይ በሊዔያ እንተ ዀይነ: . . . ኣብ ደገስ ጸግዔይ ርእየ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ዘኽታም ኣልዒለ እንተ ዀይነ: መንኩበይ ካብ መጋጥማ ትፈለ: ቅልጽመይውን ካብ ዓጽማ ትሰበር።” (እዮብ 31:⁠16-22) ንሕናውን ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ጽጉማት ሓልዮትና ነርእዮም።

እዮብ ንብጻዩ ብዘይ​ስስዐ ዝሓሊ ሰብ ብምንባሩ ተቐባል ጋሻ ኢዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ እኳ “መጻእተኛ ኣብ ወጻኢ ኣይሐደረን: ደጌታተይ ንመንገደኛ ኸፈትኩ” ክብል ክኢሉ ኢዩ። (እዮብ 31:⁠32) እዚ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣየ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን ኢዩ! ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ክመጹ ኸለዉ: ጽቡቕ ኣቀባብላ ምስ እንገብረሎም ኣብ መንፈሳዊ ዕቤቶም ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል ኢዩ። ንገየሽቲ ተዓዘብትን ካልኦት ክርስትያናትን እውን ፍቕራዊ ኣቀባብላ ክንገብረሎም ከም ዘድልየና ፍሉጥ ኢዩ።​—⁠1 ጴጥሮስ 4:⁠9፣ 3 ዮሃንስ 5-8

እዮብ ብዛዕባ ጸላእቱ እውን ከይተረፈ ቅኑዕ ኣመለኻኽታ ነይርዎ ኢዩ። ጸላኢኡ መከራ ክወርዶ ኸሎ ባህ ኣይብሎን ኢዩ ነይሩ። (እዮብ 31:⁠29, 30) ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ሰናይ ክገብረሎም ፍቓደኛ ነበረ። ነቶም ሰለስተ ናይ ሓሶት መጸናናዕቲ ክጽልየሎም ድሉው ምንባሩ ኸኣ ሓደ ናይዚ መረጋገጺ ኢዩ።​—⁠እዮብ 16:⁠2፣ 42:⁠8, 9፣ ምስ ማቴዎስ 5:⁠43-48 ኣረኣእዮ።

ብጾታዊ ስነ⁠-​ምግባር ንጹህ ነበረ

እዮብ ንናይ መርዓ ብጸይቱ እሙን ኢዩ ነይሩ: ልቡ ንኻልእ ሰበይቲ ዘይግቡእ ፍትወት ከማዕብል ኣይሓደጎን። ከምዚ ድማ በለ:- “ምስ ኣዒንተይ ኪዳን ተአታቶኹ: ከመይ ኢለ ደኣ ናብ ቈንጆ ግልጽ ክብል፧ ልበይ ብገለ ሰበይቲ ተሀንዚሉስ: ኣብ ደገ ቤት ብጻየይ ተጸናትየ እንተ ዀይነ: ኤረ እዚ ነውሪ እዩ: ፈራዲ ዚቐጽዖ ሓጢኣት እዩ: ክሳዕ ሲኦል ዚበልዕ ሓዊ: ንጥሪተይ ክሳዕ ሱሩ ዜጥፍእ እዩ እሞ: ሰበይተይስ ንኻልእ ሰብኣይ ትጥሐን: ካልኦት ሰባትውን ይሕቈፍዋ።”​—⁠እዮብ 31:⁠1, 9-11

እዮብ ልቡ ብዘይ​ስነ⁠-​ምግባራዊ ባህግታት ክጽየቕ ኣይፈቐደን። ኣብ ክንድኡ ቅኑዕ መገዲ ኢዩ ስዒቡ። የሆዋ ኣምላኽ በዚ ምስ ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ መስድዒታት ዝቃለስ ዝነበረ እሙን ሰብኣይ ባህ ይብሎ ምንባሩ ኣየገርምን ኢዩ!​—⁠ማቴዎስ 5:⁠27-30

ብናይ ስድራ​ቤቱ መንፈሳውነት ይግደስ ነበረ

ሓድሓደ ግዜ ደቂ እዮብ ኵሎም ኣወዳቱን ኣዋልዱን ዝርከቡሉ ድግስ የዳልዉ ነበሩ። እዚ ናይ ድግስ መዓልትታት እዚ ምስ ሓለፈ ኸኣ እዮብ ደቁ ብገለ መገዲ ንየሆዋ በዲሎም ከይኰኑ ዝብል ሻቕሎት ነበሮ። እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ድማ እዮብ ስጕምቲ ይወስድ ነበረ:- “እተን ንምሳሕ ዚእከቡለን መዓልትታት ምስ ሐለፋ ኸኣ: እዮብ ልኢኹ ይቕድሶም ነበረ። ኣንጊሁ ተንሲኡ ድማ ብቝጽሪ ነፍሲ ወከፎም መስዋእቲ ምሕራር የዕርግ ነበረ። እዮብ፤ እዞም ደቀይ ምናልባሽ በዲሎም: ንኣምላኽ ከኣ ብልቦም ክሒዶም ይዀኑ: ኢሉ ነበረ።” (እዮብ 1:⁠4, 5) እዚ ኸምዚ ዝበለ ተግባር ነቶም ኣባላት ስድራ​ቤቱ ንየሆዋ ኣኽብሮታዊ ፍርሂ ክህልዎምን ብመገድታቱ ክመላለሱን ብርቱዕ ባህጊ ከም ዘለዎ ኣርእይዎም ክኸውን ኣለዎ!

ሎሚ: ክርስትያን ርእሲ ስድራ​ቤታት ንስድራ​ቤቶም ብቓል ኣምላኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ክምህርወን የድልዮም። (1 ጢሞቴዎስ 5:⁠8) ኣብ ክንዲ ኣባላት ስድራ​ቤትካ ክትጽሊ እውን ግቡእ ኢዩ።​—⁠ሮሜ 12:⁠12

ኣብ ትሕቲ ፈተና ብተኣማንነት ጸንዐ

ዝበዝሑ ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዮብ ዝወረደ ከቢድ ፈተናታት ይፈልጥዎ ኢዮም። ሰይጣን ድያብሎስ: እዮብ ፈታኒ ኵነታት እንተ​ድኣ ወሪድዎ ንኣምላኽ ክኽሕዶ ምዃኑ ገለጸ። የሆዋ ነዚ ብድሆ እዚ ምስ ተቐበሎ ኸኣ ሰይጣን ድሕር ከይበለ ኣብ ልዕሊ እዮብ መከራ ኣውረደ። ኵሉ ጥሪቱ ሰኣነ። ካብዚ ዝኸፍአ ድማ ኵሎም ደቁ ብሞት ተፈለይዎ። ብድሕሪኡ ቍሩብ ጸኒሑ ኸኣ ሰይጣን ካብ ርእሱ ክሳዕ እግሩ ብብርቱዕ ቍስለተ ስጋ ወቕዖ።​—⁠እዮብ ምዕራፍ 1, 2

ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧ ሰበይቱ ንኣምላኽ ክረግም ምስ ደፋፍኣቶ: እዮብ “ንስኺ ኣዘራርባ ዓሻ ሰበይቲ ትዛረቢ አሎኺ። ካብ ኢድ ኣምላኽ ሰናይ ተቐቢልናስ: ነቲ እኩይከ ኣይንቕበሎንዶ፧” በላ። እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ቀጺሉ “እዮብ በዚ ዅሉ ነገር ብኸናፍሩ ኣይሓጥኤን” ይብለና። (እዮብ 2:⁠10) እወ: እዮብ ብተኣማንነት ጸንዐ: ድያብሎስ ሓሳዊ ምዃኑ ኸኣ መረጋገጺ ኣቕረበ። ንሕናውን ብተመሳሳሊ ፈተናታት ብምጽማም እቲ ንኣምላኽ እንገብሮ ኣገልግሎት በቲ ንየሆዋ ዘሎና ንጹህ ፍቕሪ እተደረኸ ምዃኑ ነርኢ።​—⁠ማቴዎስ 22:⁠36-38

ብትሕትና መአረምታ ተቐበለ

ሽሕ’ኳ እዮብ ብብዙሕ መገድታት ኣብነታዊ እንተ​ዀነ ፍጹም ሰብ ኣይነበረን። ከምቲ ባዕሉ ዝበሎ “ካብቲ ርኹስሲ ንጹህ ኬውጽእ ዚኽእልዶ አሎ፧ ሓደ እኳ የልቦን።” (እዮብ 14:⁠4፣ ሮሜ 5:⁠12) ስለዚ እምበኣር ኣምላኽ ንእዮብ ፍጹም ኢሉ ክጽውዖ ኸሎ ንዅሉ እቲ ኣምላኽ እቶም ዘይፍጹማትን ሓጢኣተኛታትን ዝዀኑ ኣገልገልቱ ከማልእዎ ዝጽበዮ ነገራት ኣማሊኡ ነይሩ ማለቱ ኢዩ። እዝስ ክንደይ ዘተባብዕ ኰን ኢዩ!

እዮብ ነቲ ዝወረዶ ፈተናታት ተጸሚሙ ኢዩ: ይኹን እምበር እዚ ፈተናታት እዚ ጕድለታቱ ከም ዝቕላዕ ገበረ። ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ ኵሉ መከራታት ምስ ሰምዑ መጸናናዕቲ እተባህሉ ሰለስተ ሰባት ክበጽሕዎ መጹ። (እዮብ 2:⁠11-13) የሆዋ ንእዮብ ዝቐጽዖ ዝነበረ ከቢድ ሓጢኣት ስለ ዝፈጸመ ኢዩ ብምባል ወቐስዎ። እዮብ በዚ ናይ ሓሶት ክስታት እዚ ጐሃየ እሞ ክመጻረ ኸኣ ህርድግ በለ። ይኹን እምበር: ቅንዕንኡ ከረጋግጽ ክጽዕር ከሎ ሚዛኑ ኣይሓለወን። ሕሉፍ ሓሊፉውን ካብ ኣምላኽ ከም ዝጸድቕ ኣምሲሉ ተዛረበ!​—እዮብ 35:​2, 3

ኣምላኽ ንእዮብ የፍቅሮ ስለ ዝነበረ ብሓደ መንእሰይ ገይሩ ጌግኡ ነገሮ። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብለና:- “ሽዑ ኤሊሁ: . . . ብዅራ ተናደደ። ንእዮብ ከኣ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንነፍሱ ስለ ዘጽደቓ: ኣበርቲዑ ዀረየሉ።” ኤሊሁ ከም እተዓዘቦ “እዮብ፤ ኣምላኽ ደኣ ፍትሒ ደፊኑለይ እምበር: ኣነስ ጻድቕ እየ: [በለ]።” (እዮብ 32:⁠2፣ 34:⁠5) ይኹን እምበር: ኤሊሁ ኣምላኽ ንእዮብ ብሓጢኣቱ ይቐጽዖ ከም ዝነበረ ገይሩ ግጉይ መደምደምታ ስለ ዘይሃበ ምስቶም ሰለስተ “መጸናናዕቲ” ኣይሓበረን። ኣብ ክንድኡ ግን ኤሊሁ ኣብቲ እሙን እዮብ ዝነበሮ እምንቶ ገሊጹ ኢዩ: ከምዚ ብምባል ከኣ መኸሮ:- “ፍትሒ ኣብ ቅድሚኡ [ኣብ ቅድሚ የሆዋ] አሎ: ንስኻውን ተጸበዮ።” እዮብ ርእሱ ክመጻረ ክብል ተሃዊኹ ኣብ ክንዲ ዝዛረብ ንየሆዋ ክጽበዮ ነበሮ። ኤሊሁ ከምዚ ብምባል ንእዮብ ኣረጋገጸሉ:- ‘ንሱ [ኣምላኽ] ብፍርዲ: ብፍትሒ ንሓደ እኳ ኣይጭቍንን።’​—እዮብ 35:14፣ 37:23

ኣተሓሳስባ እዮብ ክእረም የድልዮ ነበረ። ስለዚ ኸኣ የሆዋ: ሰብ ምስ ዕቤት ኣምላኽ ክወዳደር ከሎ ኣዝዩ ንኡስ ምዃኑ ትምህርቲ ሃቦ። የሆዋ ምድሪ: ባሕሪ: ብኸዋኽብቲ ዘጌጸ ሰማያት: እንስሳታት: ከምኡውን ብዙሕ ካልእ ናይ ፍጥረት ድንቅታት ጠቐሰሉ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣምላኽ ብዛዕባ ሌዋታን ማለት ሓርገጽ ተዛረበ። እዮብ ንእተዋህቦ መአረምታ ብትሕትና ተቐበሎ: በዚ ድማ ብኻልእ መዳያት እውን ብተወሳኺ ኣብነት ኰይኑ ኢዩ።

ሽሕ’ኳ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብጽቡቕ ንዓዪ እንተ​ሎና: ጌጋታት ምፍጻምና ዘይተርፍ ኢዩ። እቲ ዝፈጸምናዮ ጌጋ ከቢድ እንተ​ድኣ ዀይኑ የሆዋ ብገለ መገዲ ክእርመና ኢዩ። (ምሳሌ 3:​11, 12) ሕልናና ዝትንክፍ ጥቕሲ ንዝክር ንኸውን። ምናልባት ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ከኣ ኣብ ካልእ ጽሑፋት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ: ብዛዕባ ሓደ ጌጋ ዘዘ​ኻኽረና ገለ ሓሳባት ይወጽእ ይኸውን። ወይ ከኣ ክርስትያን ብጻይና ቀሪቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ስርዓት ምጥሓስና ብሕያውነት ይጠቕሰልና ይኸውን። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መአረምታታት ብኸመይ ኢና ምላሽ እንህበሉ፧ እዮብ ከምዚ ብምባል ናይ ጣዕሳ መንፈስ ገለጸ:- “ኣብ ሓመድን ሓመዅስትን ኰይነ ኸኣ እንሳሕ አሎኹ።”​—⁠እዮብ 42:⁠6

ካብ የሆዋ ዓስቢ ረኸበ

የሆዋ ንእዮብ ካልእ ተወሳኺ 140 ዓመታት ክነብር ብምፍቃድ ዓስቢ ሂብዎ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ካብቲ ቅድም ዝነበሮ ንላዕሊ ተቐቢሉ ኢዩ። ሽሕ’ኳ እዮብ ኣብ መወዳእታ እንተ ሞተ: ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ትንሳኤ ክረክብ ርጉጽ ተስፋ ኢዩ ዘለዎ።​—⁠እዮብ 42:⁠12-17፣ ህዝቅኤል 14:⁠14፣ ዮሃንስ 5:⁠28, 29፣ 2 ጴጥሮስ 3:⁠13

ንሕናውን ንኣምላኽ ብተኣማንነት ነገልግሎ ከምኡውን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ዝወሃበና መአረምታ ንቕበሎ እንተ​ድኣ ዄንና ስምረት ኣምላኽን በረኸቱን ከም እንረክብ እተረጋገጸ ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ኣገባብ ርጉጽ ዝዀነ ተስፋ ይህልወና። ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኸኣ ንኣምላኽ ከነኽብሮ ኢና። በቲ ተኣማንነት ዝመልኦ ጠባይና ዓስቢ ክንረክብ ከምኡውን ሰባት ንእኡ ዘገልግልዎ ብስስዐ ተደሪኾም ዘይኰነስ ካብ ልቢ ብዝነቐለ ፍቕሪ ምዃኑ ንእተዋህበ መረጋገጺ መራጐዲ ክንገብረሉ ኢና። ከምቲ እቲ ብትሕትና መአረምታ እተቐበለ እሙን እዮብ ዝገበሮ ንልቢ የሆዋ ንኸነሐጕስ ኣየ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ ዘሎና!​—⁠ምሳሌ 27:⁠11

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

እዮብ ንዘኽታማትን መበለታትን ካልኦትን ፍቕራዊ ሓልዮቱ ኣርእይዎም ኢዩ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

እዮብ ትሕት ኢሉ መአረምታ ብምቕባሉ ብዙሕ ዓስቢ ረኺቡ ኢዩ