ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሕና ከምቶም እምነት ዘለዎም ኢና

ንሕና ከምቶም እምነት ዘለዎም ኢና

ንሕና ከምቶም እምነት ዘለዎም ኢና

ክርስትያናት ኣብ ሰኔጋል ንኻልኦት ዘካፍልዎ ዘለዉ ተስፋ

ዓሳ ካብ ግዜ ጥንቲ ጀሚሩ ቀንዲ ንመግቢ ዘገልግል ፍርያት ኢዩ። ንኣሽሓት ዓመታት ሰባት ካብ ባሕሪ: ካብ ቀላይ: ከምኡውን ካብ ወሓይዝ ዓሳ ገፊፎም ኢዮም። ገለ ካብ ሃዋርያት የሱስ ክርስቶስ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ገፈፍቲ ዓሳ ኢዮም ነይሮም። እንተ​ዀነ ግን የሱስ ምስ ካልእ ዓይነት ምግፋፍ ዓሳ ኣላለዮም። እዚ ነቶም ገፈፍቲ ዓሳ ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ዓሳ እውን ዝጠቅም መንፈሳዊ ምግፋፍ ኢዩ ነይሩ።

ብዛዕባ እዚ ኣመልኪቱ የሱስ ነቲ ገፋፍ ዓሳ ዝነበረ ጴጥሮስ “ካብ ሕጂ ገፋፍ ሰብ ክትከውን ኢኻ” በሎ። (ሉቃስ 5:⁠10) እዚ ዓይነት ምግፋፍ ዓሳ እዚ ሎሚ ንሰኔጋል እውን ሓዊስካ ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ይካየድ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:⁠14) ኣብ ሰኔጋል ዘመናውያን “ገፈፍቲ ሰብ” ነቲ ተስፍኦም ብትብዓት ንኻልኦት የካፍሉ ኣለዉ።​—⁠ማቴዎስ 4:⁠19

ሰኔጋል ኣብ ርሑቕ ምዕራባዊ ጫፍ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ኢያ። ካብቲ ብሰሜን ዝርከብ ምስ ሳሃራ ዝዳቦ ሑጻ ዝመልኦ ምድረበዳ ጀሚርካ ክሳዕ እቲ ብደቡብ ዝርከብ ጠሊ ዘለዎ ዱር ናይ ካሳመንሳ ኸኣ ትዝርጋሕ። ኣብ ሰኔጋል እቲ ደረቕ ንፋስ ምድረበዳን ዛሕሊ ዘለዎ ዘሐድስ ህዱእ ንፋስ ኣትላንቲክን ኢዩ ዝነፍስ። ኣብታ ሃገር ልዕሊ ትሽዓተ ሚልዮን ሰባት ይነብሩ። ተቐማጦ ሰኔጋል ፍሉጣት ተቐበልቲ ኣጋይሽ ኢዮም። ዝበዝሑ ካብኣቶም ኣባላት ህዝበ⁠-​ክርስትያን ኣይኰኑን። መብዛሕትኦም ጓሶት ክዀኑ ከለዉ ካልኦት ድማ ከብቲ: ኣግማል: ከምኡውን ኣጣል ዘራብሑ ኢዮም። ናይ ፉል: ጡጥ: ከምኡውን ሩዝ ሕርሻ ዘለዎም ሓረስቶት እውን ኣለዉ። ካብ ኣትላንቲክ ውቅያኖስን ካብቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሓያሎ ዓበይቲ ወሓይዝን ዝገፈፍዎ ዓሳ ኣብ መርበቦም መሊኦም ዝኣትዉ ገፈፍቲ ዓሳ እውን ኣለዉ። ምግፋፍ ዓሳ ኣብ ቍጠባ ሰኔጋል ዓቢ ግደ ኣለዎ። እቲ ፍሉጥ ባህላዊ መግቢ እኳ ድኣ ብሩዝን ዓሳን ኣሕምልትን ዝስራሕ ቺብ ጀን ዝበሃል ጥዑም መግቢ ኢዩ።

“ገፈፍቲ ሰብ”

ኣብ ሰኔጋል 863 ቀናኣት ሰበኽቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣለዉ። ኣብታ ሃገር መንፈሳዊ ምግፋፍ ዓሳ እተጀመረ ኣብ መጀመርታ 1950ታት ኢዩ። ብ1965 ኣብ ዳካር: ርእሲ ኸተማ ሰኔጋል: ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ተኸፍተ። ሚስዮናውያን “ገፈፍቲ ዓሳ” ካብ እተፈላለየ ርሑቕ ሃገራት ኣተዉ: ዕዮ “ምግፋፍ ዓሳ” ድማ ተጀመረ። እቲ ክርስትያናት ንኻልኦት ዘካፍልዎ ተስፋ ስርዓታዊ ዀይኑ ቀጸለ። ኣብ መወዳእትኡ ኣብቲ ብጫፍ ዳካር ዝርከብ ኣላማድየስ ዝበሃል ቦታ ሓድሽ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ተሃንጸ፣ ብሰነ 1999 ድማ ንየሆዋ ተወፈየ። ከመይ ዝበለ እዋን ሓጐስ ኰን ኢዩ ነይሩ!

ሓቂ ኣብ ምቕባል ዘሎ ብድሆ

እተፈላለየ ኣተዓባብያ ዘለዎም ሰባት ስሩዕ ብዝዀነ ኣገባብ ይብጽሑ ኣለዉ: ገሊኦም ከኣ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ናይ ተስፋ መልእኽቲ ጽቡቕ ምላሽ ሂቦምሉ ኢዮም። ብዙሓት ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይብሎም እኳ እንተ​ዀኑ: ድሕሪ ቀረባ ግዜ እቲ የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ነብያቱ ዝነገሮም ተስፋ ክፍጸም ምዃኑ ብምፍላጦም ይሕጐሱ ኣለዉ።

ብፍላይ ናይ ኣቦታት ዝብሃል ባህሊ ከምኡውን ልምድታት ክህሉ ኸሎ ንክርስትያናዊ ስርዓታት ጸኒዕካ ምቛም መብዛሕትኡ ግዜ ትብዓት ዝሓትት ኢዩ ዝኸውን። ንኣብነት ኣብ ሰኔጋል ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ምምርዓው ልሙድ ኢዩ። ኵነታት ናይ ሓደ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ክጅምር ከሎ ክልተ ኣንስቲ ዝነበርኦ ሰብኣይ እስከ ንርአ። ክርስትያናዊ ሓቂ ተቐቢሉ ምስቲ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ ጥራይ ክኸውን ዝሓትት ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓት ክሰማማዕ ትብዓት ረኺቡ ዶኾን ይኸውን፧ (1 ጢሞቴዎስ 3:⁠2) ምስታ መጀመርታ እተመርዓዋ ሰበይቲ ንእስነቱ ይቕጽልዶ ይኸውን፧ ከምዚ ዝበለ ስጕምቲ ኢዩ ወሲዱ: ሕጂ ድማ ኣብ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዳካር ዘለዋ ዓበይቲ ጉባኤታት ንፉዕ ሽማግለ ኰይኑ የገልግል ኣሎ። እታ ናይ መጀመርታ ሰበይቱ ምስ ኵሎም እቶም 12 ደቁ ሓቂ ተቐበለት: እቶም 10 ካብታ ቀዳመይቲ ሰበይቱ እቶም ክልተ ድማ ካብታ ካልአይቲ ሰበይቱ ዝነበረት ዝወለዶም ኢዮም።

ነቲ ክርስትያናት ንኻልኦት ዘካፍልዎ ተስፋ ንኸይትቕበል ዕንቅፋት ዝኸውን ካልእ ከኣ መሃይምነት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ ክበሃሎ ከሎ ግን ሓደ መሃይም: ሓቂ ክቕበልን ብእኡ ክመላለስን ኣይክእልን ኢዩ ማለት ድዩ፧ ፈጺሙ ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ኣብነት ናይታ ኣደ ሸሞንተ ንኣሽቱ ቈልዑ ዝዀነት ጻዕረኛ ማሪ ንመልከት። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ደቃ ናብ ቤት ትምህርቲ ንሳ ኸኣ ናብ ስራሕ ቅድሚ ምኻዶም ዕለት ጥቕሲ ምምይያጥ ኣድላዪ ምዃኑ ቀልጢፋ ተገንዘበት። ኣንቢባ ስለ ዘይትኽእል ግን ነዚ ከመይ ገይራ ትግበሮ፧ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣንጊሃ ነታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር እትብሃል ንእሽቶ መጽሓፍ ሒዛ ኣብቲ ቅድሚ ገዝኣ ዘሎ ደበቝበቋ መገዲ ደው ትብል ነበረት። ሰባት ክሓልፉ ከለዉ ኣንቢቦም ዝኽእሉ እንተ ዀይኖም ትሓቶም። ኣንቢቡ ዝኽእል ሰብ ምስ ረኸበት ከኣ ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ ትህቦ እሞ ብሃረርታ ድማ “ኣንቢበ ኣይክእልን ኢየ: ስለዚ በጃኻ ነዛ ክፍሊ እዚኣ ኣንብበለይ” ብምባል ትሓትት። ነቲ ዝንበብ ጽን ኢላ ትሰምዕ። ብድሕሪኡ ነቲ ሓላፍ መገዲ ኣመስጊና ደቃ ናብ ቤት ትምህርቲ ቅድሚ ምኻዶም ብዛዕባ እታ ጥቕሲ ውዕዉዕ ምይይጥ ንምግባር ብጕያ ናብ ገዛ ትኣቱ ነበረት!

ኵሉ ዓይነት ሰብ ምላሽ ይህብ

ኣብ ሰኔጋል ሰባት ኣብ መገዲ ኮፍ ኢሎም ዓሳ: ኣሕምልቲ: ወይ ኣብ ዕዳጋ ፍረታት ክሸጡ ወይ ኣብ ትሕቲ ድማ ዝብሃል ገዚፍ ገረብ ኮፍ ኢሎም ኣታያ ዝብሃል ምርር ዝበለ ቀጠልያ ሻሂ ክሰትዩ ከለዉ ክትረኽቦም ልሙድ ኢዩ። ክልተ ኣሕዋት ንዝረኽብዎ ዘበለ ኵሉ ብስራት ንኽነግሩ ቈራጽነት ብምውሳድ ንሓደ ኣብ መገዲ ዝልምን ዝነበረ ስንኩል ሰብኣይ ኣዘራረብዎ። ሰላም ድሕሪ ምባሎም “ብዙሓት ሰባት ገንዘብ ይህቡኻ ይዀኑ: ደው ኢሎም ግን ኣየዘራርቡኻን ኢዮም። ንመጻኢ ህይወትካ ዝምልከት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ንኽንነግረካ ኢና መጺእና” ብምባል ቀረብዎ። እቲ ለማኒ ገረሞ። እቶም ኣሕዋት ቀጺሎም “ሕቶ ክንሓተካ ደስ ምበለና። ኣብ ምድሪ ብዙሕ ስቅያት ዘሎ ስለምንታይ ይመስለካ፧” በልዎ። እቲ ለማኒ ኸኣ “ፍቓድ ኣምላኽ ኢዩ” ኢሉ መለሰ።

ብድሕርዚ እቶም ኣሕዋት ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ኣረድእዎ: ንራእይ 21:⁠4 ኸኣ ገለጹሉ። እቲ ናይ ተስፋ መልእኽቲ ከምኡውን ሰባት ብዛዕብኡ ተገዲሶም መጽሓፍ ቅዱስ ከዘራርብዎ ጠጠው ምባሎም ነቲ ለማኒ ኣዝዩ ተንከፎ። ንብዓቱ ቍጽርጽር ክሳዕ ዝብል ድማ ኰነ። ገንዘብ ክወሃቦ ኣብ ክንዲ ዝሓትት: እቲ ኣብታ መለመኒት ታኒክኡ ዝነበረ ገንዘብ ብምሉኡ ክወስድዎ ነቶም ኣሕዋት ግዲ በሎም! ኣትሪሩ ይዛረብ ስለ ዝነበረ ናይ ኵሎም እቶም በቲ መገዲ ዝሓልፉ ዝነበሩ ሰባት ኣቓልቦ ሰሓበ። እቶም ኣሕዋት ነቲ ገንዘብ ከም ዘይወስድዎ ከእምንዎ ዝኸኣሉ ብኽንደይ ጸገም ኢዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእትኡ ገንዘቡ ክሕዝ ተሰማምዐ: እንተ​ዀነ ግን ተመሊሶም መጺኦም ክበጽሕዎ ግዲ በሎም።

እቲ ኣብ ዳካር ዘሎ ዓቢ ዩኒቨርሲቲ እውን ንቝጽሪ ናይቶም ኣብቲ መንፈሳዊ መርበብ ዝትሓዙ ዓሳታት ይውስኸሉ ኣሎ። ኣብኡ ሓደ ዣንሉዊ እተባህለ ናይ ሕክምና ተምሃራይ: መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመረ። ቀልጢፉ ሓቂ ተቐበለ: ህይወቱ ንየሆዋ ወፈየ: ከምኡውን ተጠመቐ። ባህጉ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ፓይነር ኣገልግሎት ንየሆዋ ምግልጋል ኢዩ ነይሩ: እንተ​ዀነ ግን ነቲ ናይ ሕክምና ትምህርቱውን ይፈትዎ ነበረ። ምስ ሃገሩ እተገብረ ውዕል ስለ ዝነበረ ትምህርቱ ክውድእ ግድን ኰኖ። እንተ​ዀነ ግን ማዕረ ማዕረ ትምህርቱ ሓጋዚ ፓይነር ኰይኑ ከገልግል ጀመረ። ብቑዕ ሓኪም ኰይኑ ወረቐቱ ምስ ተቐበለ: ሓኪም ኰይኑ ንኸገልግል ናብ ሓንቲ ዓቢ ስድራ ቤትኤል ዘለዋ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ተጸውዐ። ካልእ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዳካር ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተራኸበ መንእሰይ ሕጂ ኣብቲ ኣብ ዓዱ ዘሎ ስድራ ቤትኤል የገልግል ኣሎ።

እቲ ኣብ ሰኔጋል ዝካየድ ዘሎ መንፈሳዊ ምግፋፍ ዓሳ ብሓቂ ዓስቢ ዘለዎ ኢዩ። ሰባት ነቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝቐርብ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ እተዳለወ ጽሑፋት ኣጸቢቖም ኢዮም ዘማስዉሉ: ሕጂ ኸኣ በቲ ዎሎፍ ዝብሃል ናይቲ ኸባቢ ቋንቋ ይዳሎ ኣሎ። ብዙሓት ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ንሓቂ ብቛንቛ ኣደ ክሰምዕዎ ከለዉ ብሞሳ ምላሽ ክህቡ ኣተባቢዕዎም ኢዩ። እቶም ኣብ ሰኔጋል ዘለዉ ቀናኣት “ገፈፍቲ ሰብ” እቲ ክርስትያናት ንኻልኦት ዘካፍልዎ ተስፋ ብእምነትን ብትብዓትን ከብጽሕዎ ከለዉ: ብበረኸት የሆዋ ገና ብዙሓት ምሳልያውያን ዓሳ ክግፈፉ ምዃኖም ኣየጠራጥርን ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ሰኔጋል

[ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ኣብ ሰኔጋል ንኻልኦት ዘካፍልዎ ዘለዉ ተስፋ

[ምንጪ ስእሊ]

Mountain High Maps® Copyright © 1997 Digital Wisdom, Inc.