ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ዎ ኣምላኽ ብርሃንካ ልኣኽ’

‘ዎ ኣምላኽ ብርሃንካ ልኣኽ’

‘ዎ ኣምላኽ ብርሃንካ ልኣኽ’

“ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ: ንሳተን ይምርሓኒ።”​—⁠መዝሙር 43:⁠3

1. የሆዋ ንዕላማታቱ ዝገልጾ ብኸመይ ኢዩ፧

 የሆዋ ንባሮቱ ብኣዝዩ ሓልዮት ዝመልኦ መገዲ ኢዩ ዕላምኡ ዘፍልጦም። ክደጕሕ ብዝኽእል ብልጭታ ብሓንሳእ ዘይኰነስ: በብቝሩብ ብርሃን ብምብራህ ኢዩ ነታ ሓቂ ዝገልጸልና። እቲ ኣብ መገዲ ህይወት እንገብሮ ጕዕዞ ምስቲ ንሓደ ሰለይ እናበለ ዝኸይድ ሰብ ዝጽበዮ ዘሎ ነዊሕ ናይ እግሪ ጕዕዞ ዝመሳሰል ኢዩ። ንጕዕዝኡ ጋሕጋሕ ለይቲ ኢዩ ዝጅምሮ: ጽልግልግ ከኣ ኢዩ ዝብሎ። ቀይሔጸሊም ክቐድድ ክጅምር ከሎ ግን እቲ ኣብ ጕዕዞ ዘሎ ሰብ ከባቢኡ እንታይ ከም ዝመስል ከለሊ ይኽእል። እቲ ርሕቕ ኢሉ ዘሎ ነገራት ከኣ ብዋግዋጎ ይረኣዮ። ጸሓይ ንላዕሊ እናደየበት ምስ ከደት ግን: እቲ ርሑቕ ናይ ምርኣይ ክእለቱ እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ። እቲ ናይ ኣምላኽ መንፈሳዊ ብርሃን እውን ምስ እዚ ዝመሳሰል ኢዩ። ኣምላኽ ኣብ ሓደ ውሱን ግዜ ሒደት ነገራት ከነስተውዕል ኢዩ ዘኽእለና። እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ኢዩ መንፈሳዊ ብርሃን ዝህብ ዝነበረ። ሃየ እምበኣር: ነቲ የሆዋ ኣብ ግዜ ጥንቲ ይኹን ሕጂ ንህዝቡ ብርሃን ዝህበሉ መገዲ ንመርምር።

2. የሆዋ ኣብቲ ቅድሚ ክርስትና ዝነበረ ግዝያት ብርሃኑ ዝሃበ ከመይ ገይሩ ኢዩ፧

2 መዝሙር መበል 43 ደቂ ቆራህ ዘዳለዉዋ ኢያ እትመስል። ከም ሌዋውያን መጠን ነቲ ህዝቢ ሕጊ ኣምላኽ ናይ ምምሃር መሰል ነይርዎም ኢዩ። (ሚልክያስ 2:⁠7) ርግጽ ኢዩ: ናይቲ ህዝቢ ዓቢ መምህር የሆዋ ኢዩ ነይሩ: ከም ምንጪ ዅሉ ጥበብ ድማ ናብኡ ኢዮም ቍሊሕ ዝብሉ ነይሮም። (ኢሳይያስ 30:⁠20 NW ) እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ ኣምላኽ: . . . ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ: ንሳተን ይምርሓኒ” ብምባል ጸለየ። (መዝሙር 43:⁠1, 3) የሆዋ ንእስራኤላውያን ክሳዕ እቲ ኣብኡ ዘለዎም ተኣማንነት ዝሕልውሉ ዝነበሩ ግዜ: መገድታቱ ምሂርዎም ኢዩ። ድሕሪ ገለ ዘመናት ድማ ብኣዝዩ ፍሉይ ብርሃንን ሓቅን ጸግዪዎም ኢዩ። ነዚ ኸኣ ንወዱ ናብ ምድሪ ብምስዳድ ኢዩ ገይርዎ።

3. ኣይሁዳውያን ብትምህርቲ የሱስ እተፈተኑ ብኸመይ ኢዮም፧

3 ወዲ ኣምላኽ: የሱስ ክርስቶስ ተባሂሉ ሰብኣዊ ኣካል ለቢስሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ “ብርሃን ዓለም” ኢዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 8:⁠12) ነቶም ሰባት ‘ብብዙሕ ምስላታት’ ገይሩ ሓደስቲ ነገራት ‘መሃሮም።’ (ማርቆስ 4:⁠2) ንጶንጥዮስ ጲላጦስ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” ኢሉ ነገሮ። (ዮሃንስ 18:⁠36) እዚ ንሓደ ሮማዊ ሓድሽ ሓሳብ ኢዩ፣ ብፍላይ ነቶም ሃገራዊ ስምዒት ዝነበሮም ኣይሁዳውያን እሞ ፍጹም ዘይግምትዎ ነገር ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ ንሳቶም መሲሕ ንሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ኣምበርኪኹ ንእስራኤል ናብቲ ናይ ቅድም ክብራ ክመልሳ ኢዮም ዝጽበዩ ነይሮም። እቲ የሱስ ዘንጸባረቖ ብርሃን ካብ የሆዋ እኳ እንተ ነበረ: እቲ ዝዛረቦ ዝነበረ ቃላት ግን ነቶም ‘ካብ ክብሪ ኣምላኽ ክብሪ ሰብ ኣብሊጾም ዝፈትዉ ዝነበሩ’ ኣይሁዳውያን መራሕቲ ኣየሐጐሶምን። (ዮሃንስ 12:⁠42, 43) ዝበዝሑ ካብቲ ህዝቢ ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ መንፈሳዊ ብርሃንን ሓቅን ኣብ ክንዲ ዝቕበሉ ኣብ ሰብኣዊ ልምድታት ክጠብቁ ፈተዉ።​—⁠መዝሙር 43:⁠3፣ ማቴዎስ 13:⁠15

4. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ በቲ ዝነበሮም ምርዳእ ዘየቋርጽ ዕቤት ክገብሩ ከም ዝነበሮም ብኸመይ ንፈልጥ፧

4 ይኹን እምበር: ነቲ የሱስ ዝምህሮ ዝነበረ ሓቂ ሓንጎፋይ ኢሎም ብሓጐስ እተቐበልዎ ሒደት ቅኑዓት ሰብኡትን ኣንስትን ነይሮም ኢዮም። ንሳቶም ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ኣብ ዝነበሮም ምርዳእ ዘየቋርጽ ዕቤት ገይሮም ኢዮም። ምድራዊ ህይወት ናይቲ ዓቢ መምህሮም ዘብቅዓሉ እዋን እናቐረበ ይመጽእ እኳ እንተ ነበረ: ገና ብዙሕ ክመሃርዎ ዝነበሮም ነገራት ነይሩ ኢዩ። የሱስ “ዝነግረኩም ብዙሕ ካልእ ዘረባ ገና አሎኒ: ግናኸ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ኢልዎም ኢዩ። (ዮሃንስ 16:⁠12) እወ: እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ሓቂ ኣምላኽ ዝነበሮም ምርዳእ ክዓቢ ነበሮ።

እቲ ብርሃን ምብርሁ ይቕጽል

5. ኣብ ቀዳማይ ዘመን እንታይ ሕቶ ኢዩ እተላዕለ: ነዚ ጕዳይ እዚ ንምድቃስ ሓላፍነት ዝነበሮኸ መን ኢዩ ነይሩ፧

5 ድሕሪ ሞትን ትንሳኤን የሱስ: እቲ ካብ ኣምላኽ ዝመጽእ ብርሃን ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ግዜ ንላዕሊ ደሚቑ በርሀ። በቲ ጴጥሮስ ዝረኣዮ ትርኢት ኣቢሉ የሆዋ ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ሰዓብቲ ክርስቶስ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ገለጸ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠9-17) የሆዋ ነዚ ብራእይ ኢዩ ገሊጽዎ! እንተዀነ ግን: ጸኒሑ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ሕቶ ይለዓል:- ኣህዛብ ክርስትያናት ድሕሪ ምዃኖም የሆዋ ክግዘሩ ይደልዮምዶ ኢዩ፧ መልሲ ናይዚ ሕቶ እዚ ኣብቲ ትርኢት ኣይተገልጸን: እቲ ጕዳይ ከኣ ኣብ መንጎ ክርስትያናት ርሱን ክትዕ ኣልዓለ። እቲ ጕዳይ ክድቅስ ነበሮ: እንተ ዘይኰነ እቲ ኽቡር ሓድነቶም ክልሕልሕ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዮም ኣብ የሩሳሌም ‘ሃዋርያትን ሽማግለታትን ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ኺምርምሩ እተኣከቡ።’​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠1, 2, 6

6. ሃዋርያትን ሽማግለታትን ነቲ ንግዝረት ዝምልከት ሕቶ ክምርምሩ ኸለዉ ከመይ ዝበለ ኣሰራርሓ ኢዮም ዝሰዓቡ፧

6 እቶም ኣብቲ ኣኼባ እተኻፈሉ እቲ ንኣመንቲ ኣህዛብ ዝምልከት ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ክውስኑ ዝኽእሉ ከመይ ገይሮም ኢዮም፧ የሆዋ ነቲ ዝግበር ዝነበረ ምይይጥ ዝመርሕ መልኣኽ ኣይለኣኸን: ከምኡውን ነቶም ተሳተፍቲ ብራእይ ገይሩ ጽልዋ ኣይገበረሎምን። ይኹን እምበር: እቶም ሃዋርያትን ሽማግለታትን ብዘይገለ መሪሕነት ኣብ ጥራይ ጐልጎል ኣይተደርበዩን። ኣብ ልዕሊ ዘይግዙራት ኣህዛብ መንፈስ ቅዱሱ ብምኽዓው ኣምላኽ ምስቶም ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ ሰባት ርክብ ምግባር ከም ዝጀመረ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝዀኑ ገለ ኣይሁድ ክርስትያናት ንዝሃብዎ መርትዖ መርሚሮም ኢዮም። መምርሒ ንምርካብ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እውን ምርምር ኣካይዶም ኢዮም። ከም ውጽኢት እዚ ድማ ወደ መዝሙር ያእቆብ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ብርሃን ኣብ ዝህብ ክፍሊ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ምሕጽንታ ኣቕረበ። ነቲ መርትዖ ኣጸቢቖም ምስ መርመርዎ ፍቓድ ኣምላኽ ተነጸረ። ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ እቶም ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ ሰባት ምግዛር ኣየድልዮምን ነበረ። ክርስትያናት ብጾት ነዚ መምርሒ እዚ ምእንቲ ኽስዕቡ ነቲ ውሳነ ኣብ ጽሑፍ ንምስፋሩ እቶም ሃዋርያትን ሽማግለታትን ግዜ ኣየጥፍኡን።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠12-29፣ 16:⁠4

7. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዕቤት ዘርእዩ ዝነበሩ በየናይ መገዲ ኢዮም፧

7 ከምቶም ኣብ ልምድታት ናይ ኣቦታቶም ልሒጎም ዝነበሩ ኣይሁዳውያን መራሕቲ ሃይማኖት ዘይኰኑስ ዝበዝሑ ኣይሁድ ክርስትያናት ምንም እኳ ብሓፈሻ ኣብ ኣህዛብ ዝነበሮም ኣረኣእያ ክልውጡ ዝሓቶም እንተ ነበረ: በቲ ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ንዝዀኑ ሰባት ብዛዕባ ዝነበሮ ዕላማ ዝረኸብዎ ፍሉይ ሓድሽ ምርዳእ ተሓጒሶም ኢዮም። የሆዋ ነቲ ትሕትና ዝመልኦ መንፈሶም ባሪኽዎ ኢዩ፣ “ስለዚ እተን ማሕበር በዚ ኸምዚ ብእምነት ይጸንዓ: ቍጽረን ድማ ኣብ ጸጽባሕ ይውስኽ ነበረ።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠31፣ 16:⁠5

8. (ሀ) ድሕሪ ምዝዛም ቀዳማይ ዘመን ዝያዳ ብርሃን ንኽመጽእ ትጽቢት ክግበር ይከኣል ከም ዝነበረ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) እንታይ ምስዚ ዝሰማማዕ ሕቶታት ኢና ክንምርምር፧

8 ኣብቲ ቐዳማይ ዘመን መንፈሳዊ ብርሃን ምብርሁ ቀጺሉ ኢዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ንዅሉ መዳይ ዕላማታቱ ኣይገለጸሎምን። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ናይ ቀዳማይ ዘመን ኣመንቲ ብጾት “ሕጅስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርኢ አሎና” ብምባል ነገሮም። (1 ቈረንቶስ 13:⁠12) ከምዚ ዝኣመሰለ መረጸን ንጹር ነጸብራቕ ኣየርእን ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ምርዳእ መንፈሳዊ ብርሃን ኣብ ፈለማ ድሩት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ድሕሪ ሞት ሃዋርያት እቲ ብርሃን ንግዚኡ እናደበነ እኳ ኸይዱ እንተ ነበረ: ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ግን ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት እናዓበየ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። (ዳንኤል 12:⁠4) ሎሚ የሆዋ ንህዝቡ ብርሃኑ ዝህቦም ዘሎ ብኸመይ ኢዩ፧ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንዘሎና ምርዳእ ከስፍሖ ከሎኸ ብኸመይ ምላሽ ምሃብናሉ፧

እቲ ብርሃን በብቑሩብ ይበርህ

9. ቀዳሞት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ዝበለ ፍሉይን ውጽኢታውን ሜላ ኣጸናንዓ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ዝጥቀሙ ዝነበሩ፧

9 እቲ ናይ ፈለማ ናይ ሓቂ ጩራ ብርሃን: ሓደ ንክርስትያናት ሰብኡትን ኣንስትን ዝሓቘፈ ጕጅለ: ቅዱሳት ጽሑፋት ብትግሃት ምጽናዕ ምስ ጀመረ ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ኣብቲ ናይ መበል 19 ዘመን ናይ መወዳእታ ርብዒ ክፋል ኢዩ ብልጭ ኢሉ። እቲ ጕጅለ ሓደ ተግባራዊ ዝዀነ ሜላ ኣጸናንዓ መጽሓፍ ቅዱስ ኣማዕበለ። ሓደ ሰብ ሕቶ ይሓትት፣ ሽዑ እቲ ጕጅለ ንዅሉ ምስቲ ሕቶ እተተሓሓዘ ክፍልታት ቅዱሳት ጽሑፋት ይምርምር። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ ምስ ካልእ ዝጋጮ እንተድኣ መሲሉ: እዞም ቅኑዓት ክርስትያናት እዚኣቶም ነዚ ኽልተ ክፍልታት እዚ ከሰማምዕዎ ይጽዕሩ ነበሩ። እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ (ሽዑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝጽውዕሉ ዝነበሩ ስም) ባህልን ሰብ ዝመሃዞ እምነታትን ዘይኰነስ ቅዱሳት ጽሑፋት ክመርሖም ብምቝራጾም ካብቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት እተፈለዩ ኢዮም ነይሮም። ንዅሉ እቲ ዝቐርብ ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖታት ድሕሪ ምምርማር: ንውሳነታቶም ኣብ ጽሑፍ የስፍርዎ ነበሩ። ብኸምዚ ዝበለ መገዲ ድማ ብዛዕባ ብዙሕ መሰረታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሰረተ⁠-​እምነታት ንጹር መረዳእታ ክሕዙ ክኢሎም ኢዮም።

10. ቻርለስ ቴዝ ራስል ነየኖት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝሕግዛ መጻሕፍቲ ኢዩ ዘዳለወ፧

10 ካብዞም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣቶም ጕሉሕ ግደ ዝነበሮ ቻርለስ ቴዝ ራስል ኢዩ። ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስተን መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝሕግዛ ሽዱሽተ ተኸታተልቲ መጻሕፍቲ ጸሓፈ። ሓው ራስል ብዛዕባ እተን ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀና መጽሓፍ ህዝቅኤልን ራእይን ክትገልጽ ዝነበራ ሻብዐይቲ መጽሓፍ ክጽሕፍ መደብ ነይርዎ ኢዩ። “ነቲ መፍትሕ ኣብ ዝረኸብኩሉ ግዜ ነታ ሻብዐይቲ መጽሓፍ ክጽሕፋ ኢየ” በለ። ይኹን እምበር: “ጐይታ ነቲ መፍትሕ ንኻልእ ሰብ እንተድኣ ሂብዎ ክጽሕፋ ይኽእል ኢዩ” ብምባል እውን ተዛሪቡ ኢዩ።

11. ኣብ መንጎ ግዜን ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ዘሎና ምርዳእን እንታይ ምትሕሓዝ ኢዩ ዘሎ፧

11 እዚ ሲ. ቲ. ራስል እተዛረቦ ኣቐዲሙ ተገሊጹ ዘሎ ነገር ነቲ ንገለ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምርዳእ ክእለትና ዝጸሉ ኣገዳሲ ረቛሒ ዘጕልሕ ኢዩ። እዚ ረቛሒ እዚ ኸኣ ግዜ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ክወግሓሉ ዝህንጠ ኣብ ጕዕዞ ዘሎ ሰብ: ጸሓይ ቅድሚ እቲ ምዱብ ግዜኣ ከም እትወጽእ ክገብራ ዘይክእል: ብርሃን ኣብ መጽሓፍ ራእይ ከም ዝበርህ ንምግባር ዓቕሚ ኸም ዘይነበሮ ሓው ራስል ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ።

ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ በሪሁ ኢዩ

12. (ሀ) ዝበለጸ ምርዳእ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ዝጥረ መዓስ ኢዩ፧ (ለ) ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንርዳእ ዘሎና ክእለት ኣብ ናይ ኣምላኽ ናይ ግዜ ሰሌዳ እተመርኰሰ ምዃኑ ኣየናይ ኣብነት ኢዩ ዘርኢ፧ (እግረ⁠-​ጽሑፍ ተመልከት።)

12 ከምቲ ሃዋርያት ብዛዕባ እቲ መሲሕ ንዝዛረብ ብዙሕ ትንቢታት ድሕሪ ሞትን ትንሳኤን የሱስ እተረድእዎ: ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ንትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ እቲ ዝደቐቐ ዝርዝራቱ ምሉእ ብምሉእ ዝርድእዎ ድሕሪ ፍጻሜኡ ኢዩ። (ሉቃስ 24:⁠15, 27፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠15-21፣ 4:⁠26, 27) መጽሓፍ ራእይ ትንቢት ዝሓዘት መጽሓፍ ኢያ: ስለዚ ብዛዕባ እታ መጽሓፍ ንጹር ምርዳእ ንኸነጥሪ ትጽቢት ክንገብር ዘሎና እቲ እተዛረበትሉ ነገራት ተፈጻምነቱ ምስ ረኸበ ጥራይ ኢዩ። ንኣብነት: ሲ. ቲ. ራስል ብዛዕባ እቲ ኣብ ራእይ 17:⁠9-11 ተገሊጹ ዘሎ ቀይሕ ኣራዊት ቅኑዕ ምርዳእ ክህልዎ ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ እተን በቲ ኣራዊት ተመሲለን ዘለዋ ማሕበር እተኣሳሰራ መንግስታትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ክሳዕ ድሕሪ ግዜ ሞቱ ኣብ ህላወ ኣይነበራን። a

13. ኣብ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርእስቲ ብርሃን ምስ ዝበርህ ሓድሓደ ግዜ እንታይ ኢዩ ዘጋጥም፧

13 ዘይተገዝሩ ኣህዛብ: ኣመንቲ ብጾት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ተገንዚቦም ኢዮም። እዚ ናይ ግንዛበ ለውጢ እዚ ግን ንኣድላይነት ምግዛር ኣህዛብ ዝምልከት ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ሕቶ ከም ዝለዓል ገይሩ ኢዩ። እዚ ኸኣ ብሓፈሻ ንጕዳይ ግዝረት ደጊሞም ክምርምርዎ ንሃዋርያትን ሽማግለታትን ደሪኽዎም ኢዩ። ሎሚውን ከምዚ ዝበለ ተመሳሳሊ ኣገባብ ኢዩ ዘሎ። ሓድሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ኣርእስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝበርህ ድሙቕ ብርሃን ነቲ ብቕቡኣት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝቘመ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ንተመሳሳሊ ኣርእስትታት ዳግም ክምርምሮ ይመርሖ ኢዩ። እዚ ዝስዕብ ናይ ቀረባ ግዜ ኣብነት ከም መረዳእታ ክጥቀስ ይከኣል ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠45

14-16. እቲ ብዛዕባ እታ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ኣብ ዝነበረና ኣረኣእያ እተገብረ ምትዕርራይ: ነቲ ኣብ ህዝቅኤል 40 ክሳብ 48 ዝነበረና ምርዳእ ዝተንከፎ ብኸመይ ኢዩ፧

14 ኣብ 1971 ብዛዕባ ትንቢት ህዝቅኤል እትገልጽ “ኵሎም ህዝብታት ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክፈልጡ ኢዮም ”​—⁠ብኸመይ፧ እትብሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ተሓቲማ ወጸት። ኣብታ መጽሓፍ እትርከብ ሓንቲ ምዕራፍ ብዛዕባ እታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤት መቕደስ ዝድህስስ ሓሳብ ነይርዋ ኢዩ። (ህዝቅኤል ምዕራፍ 40-48) ሽዑ ተተኲሩሉ ዝነበረ ሓሳብ: እታ ኣብ ናይ ህዝቅኤል ራእይ እተራእየት ቤት መቕደስ ኣብ ሓዳስ ዓለም ብኸመይ ፍጻሜኣ ከም እትረክብ ዝገልጽ ኢዩ ነይሩ።​—⁠2 ጴጥሮስ 3:⁠13

15 ይኹን እምበር: ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 1972 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጻ ክልተ ዓንቀጻት ነቲ ኣብ ናይ ህዝቅኤል ራእይ ዝነበረና ምርዳእ ተንኪፈናኦ ኢየን። ብዛዕባ እታ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 10 ተዛሪቡላ ዘሎ ዓባይ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ዝገልጽ ሓሳብ ሂበን ኢየን። ኣብታ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ዝርከብ ቅድስቲ ዝበሃል ክፍልን ውሽጣዊ ኣጸድን ምስቲ ቅቡኣት ኣብ ምድሪ ኸለዉ ዝህልዎም ኵነታት ከም ዝመሳሰል እታ ግምቢ ዘብዐኛ ገለጸት። ድሕሪ ገለ ዓመታት ከኣ ህዝቅኤል ምዕራፍ 40 ክሳብ 48 እንደገና ምስ ተመርመረ: ከምቲ እታ መንፈሳዊት ቤት መቐደስ ኣብዚ ሕጂ እዋን እትዓዪ ዘላ እታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤት መቕደስ እውን ሎሚ ክትዓዪ ግድን ከም ዝዀነ ክስትውዓል ተኻእለ። ብኸመይ፧

16 ኣብ ናይ ህዝቅኤል ራእይ: ካህናት ኣብቲ ኣጸድ እቲ ቤት መቕደስ ንካህናት ዘይኰኑ ነገዳት ንምግልጋል ንየው ነጀው ክብሉ ኸለዉ ይርኣዩ ኢዮም። እዞም ካህናት እዚኣቶም ነቶም ቅቡኣት ኣገልገልቲ የሆዋ ዝዀኑ “ናይ መንግስቲ ኽህነት” ከም ዘመልክቱ ብሩህ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 2:⁠9) ይኹን እምበር: ኣብ ብምልኡ እቲ ናይ ክርስቶስ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ኣብ ምድራዊ ኣጸድ እቲ ቤት መቕደስ ኰይኖም ኣይከገልግሉን ኢዮም። (ራእይ 20:⁠4) እቶም ቅቡኣት ንዝበዝሐ ግዜ ናይቲ እዋን እቲ: እንተ ዘይኰይኑ ድማ ንብምልኡ: ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን እታ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ኰይኖም ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ኢዮም ከሕልፍዎ፣ እታ ቅድስተ ቅዱሳን ‘እታ ሰማይ’ ተባሂላ ኣላ። (እብራውያን 9:⁠24) ካህናት ኣብታ ናይ ህዝቅኤል ቤት መቕደስ ኣብ ዝርከብ ኣጸድ ንየው ነጀው ክብሉ ስለ ዝረኣዩ: እዚ ገና ገለ ካብቶም ቅቡኣት ኣብ ምድሪ ኸለዉ ሎሚ ተፈጻምነቱ ዝረክብ ዘሎ ራእይ ክኸውን ኣለዎ። በዚ መሰረት እዚ ኸኣ ኢያ እታ ናይ 1 መጋቢት 1999 ሕታም ናይዚ መጽሔት እዚ: ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ምትዕርራይ እተገብረሉ ኣረኣእያ ሒዛ ዝወጸት። በዚ ኸምዚ ክሳዕ እዚ መበል 20 ዘመን እተዛዘመሉ እዋን: ኣብ ትንቢት ህዝቅኤል መንፈሳዊ ብርሃን ክበርህ ጸኒሑ ኢዩ።

ኣረኣእያኻ ንምትዕርራይ ፍቓደኛ ምዃን

17. ናብ ፍልጠት ሓቂ ካብ እትመጽእ ንነጀው ኣብ ዝነበረካ ብሕታዊ ኣረኣእያ እንታይ ምትዕርራይ ኢኻ ገይርካ: እንታይ ረብሓኸ ኣምጺኡልካ፧

17 ናብ ፍልጠት ሓቂ ክመጽእ ዝደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ‘ኵሉ ኣእምሮ ንክርስቶስ ንኽእዘዞ ክማረኽ’ ምሉእ ፍታው ክህልዎ ኣለዎ። (2 ቈረንቶስ 10:⁠5) ከምዚ ምግባር ግን ኵሉ ግዜ ቀሊል ኣይኰነን: ብፍላይ እቲ ዘሎካ ኣረኣእያ: ሱር ዝሰደደ ምስ ዝኸውን ከቢድ ኢዩ። ንኣብነት: ነቲ ኣምላኽ ዝገልጾ ሓቂ ቅድሚ ምምሃርካ ንገለ ሃይማኖታዊ በዓላት ምስ ስድራቤትካ ምብዓል የሐጕሰካ ነይሩ ይኸውን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ተመሃርካ ግን: እዚ በዓላት እዚ ብርግጽ ኣረማዊ መበቈል ከም ዘለዎ ክትግንዘብ ክኢልካ ኢኻ። ኣብ ፈለማ ነቲ እትመሃሮ ዝነበርካ ኣብ ግብሪ ካብ ምውዓል ኣድሓርሒርካ ትኸውን ኢኻ። ኣብ መወዳእትኡ ግን ካብቲ መሳጢ ሃይማኖታዊ ስምዒታት ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ ስለ ዝበርትዐ: ኣብቲ ንኣምላኽ ባህ ዘየብል በዓላት ካብ ምጽምባር ተቘጢብካ ኢኻ። የሆዋ ነቲ ዝገበርካዮ ውሳነ ኣይባረኾንዶ ኢዩ፧​—⁠ምስ እብራውያን 11:⁠25 ኣረኣእዮ።

18. ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝነበረና ምርዳእ ምስ ዝንጽር ከመይ ክስምዓና ኣለዎ፧

18 ንነገራት ብመገዲ ኣምላኽ ንፍጽሞም እንተድኣ ዄንና ወትሩ ረብሓ ክንረክብ ኢና። (ኢሳይያስ 48:​17, 18) ስለዚ ኣብ ሓደ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረና ኣረኣእያ ምስ ዝንጽር: በቲ እናደንፍዐ ዝኸይድ ሓቂ ንተሓጐስ! ብርግጽ እቲ ቐጻሊ እናደመቐልና ዝኸይድ ብርሃን ኣብታ ቅንዕቲ መገዲ ኸም ዘሎና ዘረጋግጽ ኢዩ። እታ ‘ከም ብርሃን ወገግታ ፍጹም መዓልቲ ክሳዕ ዝኸውን እናወሰኸት እትበርህ: መገዲ ጻድቃን ኢያ።’ (ምሳሌ 4:⁠18) ርግጽ ኢዩ: ኣብዚ ሕጂ እዋን ንገለ መዳያት ዕላማ ኣምላኽ “ዋግዋጎ” ኢና እንርእዮ። በታ “መገዲ” ጸኒዕና እንተድኣ ተመላሊስና ግን: ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ንሓቂ ብዅሉ ሸነኻታ ብድምቀት ኳዕ ኢላ በሪሃ ክንርእያ ኢና። ክሳዕ ሽዑ ግን ነቲ ዛጊት ንጹር መረዳእታ ዘይተረኽበሉ ነገራት ክበርህ እናተጸበና: በቲ የሆዋ ድሮ ገሊጽዎ ዘሎ ሓቅታት ባህ ይበለና።

19. ንሓቂ ከም እነፍቅራ ከነርኢ እንኽእለሉ ሓደ መገዲ እንታይ ኢዩ፧

19 ነቲ ኣብ ብርሃን ሓቂ ዘሎና ፍቕሪ ብኸመይ ዝበለ ተግባራዊ መገዲ ከነርእዮ ምኸኣልና፧ ቃል ኣምላኽ ስርዓታዊ ዄንካ​—⁠እንተ ተኻኢሉ መዓልቲ መዓልቲ​—⁠ምንባብ ሓደ መገዲ ኢዩ። ስርዓታዊ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎካዶ፧ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብባህ ዘብል ኣኽል ታርፍ ጥዑይ መንፈሳዊ መግቢ ኢዩ ዝዕንግለና። ነቲ ንረብሓና ተባሂሉ ዝዳሎ መጻሕፍቲ: ብሮሹራት: ካልእ ጽሑፋት እውን ኣይትረስዓዮ። ኣብ ርእሲ እዚኸ: ብዛዕባ እቲ ንንጥፈታት ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዝምልከት ዘተባብዕ ጸብጻባት ሒዙ ዝወጽእ ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧

20. ኣብ መንጎ እቲ ካብ የሆዋ ዝርከብ ብርሃን ሓቅን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምክፋልን እንታይ ምትሕሓዝ ኢዩ ዘሎ፧

20 እወ: የሆዋ ነቲ ኣብ መዝሙር 43:⁠3 ቀሪቡ ዘሎ ጸሎት ብዘደንቕ መገዲ መሊስዎ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ክፍሊ እታ ጥቕሲ “[ብርሃንካን ሓቅኻን] ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ” ዝብል ሓሳብ ነንብብ። ምስ ካልኦት ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ኴንካ ንየሆዋ ከተምልኾ ትብህግዶ፧ እቲ ኣብ ኣኼባታትና ዝቐርብ መንፈሳዊ ትምህርቲ: የሆዋ ኣብዚ ዘለናሉ ግዜ ብርሃኑ ዝህበሉ ዘሎ ኣገዳሲ መትረብ ኢዩ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዘሎና ሞሳ ንምዕማቝ እንታይ ክንገብር ምኸኣልና፧ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ: ጸሎት ዝመልኦ ምርምር ክትገብር ነተባብዓካ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ድሕሪ ሞት ሲ. ቲ. ራስል: እታ ሻብዐይቲ መጽሓፍ ናይ ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ብዛዕባ መጽሓፍ ህዝቅኤልን ራእይን መብርሂ ንምሃብ ብዝብል ሃቐና ተዳለወት። እታ መጽሓፍ ብኸፊሉ ብዛዕባ እተን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጻሕፍቲ እቲኣተን ራስል ሂብዎ ኣብ ዝነበረ መግለጺ መሰረት ብምግባር ኢያ ተዳልያ። ይኹን እምበር: ትርጕም እቲ ኣብተን መጻሕፍቲ ተዋሂቡ ዘሎ ትንቢታት ዝግለጸሉ ግዜ ዛጊት ኣይኣኸለን ኢዩ ነይሩ፣ ብሓፈሽኡ ክርአ ኸሎ እውን: እቲ ኣብታ ክፍሊ ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ዝዀነት መጽሓፍ ተዋሂቡ ዝነበረ መብርሂ ንጹር ኣይነበረን። ኣብተን ስዒበን ዝመጻ ዓመታት: ሳላ እቲ ዘይንበቕዖ ናይ የሆዋ ሕያውነትን ዝለዋወጥ ዝነበረ ኵነታት ዓለምን: ክርስትያናት ነቲ እተን ትንቢታውያን መጻሕፍቲ እቲኣተን ሒዘንኦ ዘለዋ ትርጕም ዝያዳ ንጹር ብዝዀነ መገዲ ክርድእዎ ክኢሎም ኢዮም።

ክትምልስዶ ምኸኣልካ፧

የሆዋ ንዕላማታቱ በብቝሩብ ዝገልጾ ብኸመይ ኢዩ፧

ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ንጕዳይ ግዝረት ብኸመይ ኢዮም ዘደቀስዎ፧

ቀዳሞት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ዝበለ ሜላ ኣጸናንዓ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ከዘውትሩ ዝጀመሩ: ስለምንታይከ ኢዩ ፍሉይ ዝዀነ፧

መንፈሳዊ ብርሃን ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ብኸመይ ከም ዝበርህ ኣብነት ሃብ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ቻርለስ ቴዝ ራስል ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግቡእ ግዜ: ኣብ መጽሓፍ ራእይ ብርሃን ከም ዝበርህ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ