ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ ሰላም ከም ዝህሉ ዝገብር ባህርይ

ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ ሰላም ከም ዝህሉ ዝገብር ባህርይ

ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ ሰላም ከም ዝህሉ ዝገብር ባህርይ

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዓቕሙን ቦትኡን ዝፈልጥ ነይሩ እንተ ዝኸውን ዓለም ኣዝያ ባህ እተብል ምዀነት ነይራ። ሰባት ቀልጢፎም ዝዓግቡ ምዀኑ: ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራ​ቤት ብዙሕ ዘይምርድዳእ ኣይምተፈጥረን: ትካላት ኣብ ንሓድሕደን ኣይምተወዳደራን: ሃገራት ከኣ ኣዝየን ተጻባእቲ ኣይምዀናን ነይረን። ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋሁ ኣብ ዘለዋ ዓለም ክትነብር ኣይምፈተኻንዶ፧

 ሓቀኛታት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣምላኽ ኣብታ ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ ድኽመት ዘይኰነስ ከም ብርታዐን ሰናይ ባህርይን ዝቝጸረላ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም ክነብሩ ኢዮም ዝዳለዉ ዘለዉ። (2 ጴጥሮስ 3:⁠13) አረ ሕጂ እውን ከይተረፈ ዓቕምኻ ፈሊጥካ ናይ ምንባር ባህርይ ይዅስኵሱ ኢዮም። ስለምንታይ፧ ከመይሲ የሆዋ ነዛ ባህርይ እዚኣ ከንጸባርቕዋ ትጽቢት ይገብረሎም ኢዩ። ነብይኡ ሚክያስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣታ ሰብ: ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካ፤ እግዚኣብሄርሲ: ቅንዕና ኽትገብር: ምሕረት ከኣ ክትፈቱ: ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና [“ዓቕምኻን ቦታኻን ፈሊጥካ:” NW  ] ኽትመላለስ እንተ ዘይኰይኑስ: ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧”​—⁠ሚክያስ 6:⁠8

እዛ ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ሞደስቲ እትብል ናይ እንግሊዝኛ ቃል እተፈላለየ ትርጕም ክህልዋ ይኽእል ኢዩ። ብዛዕባ ዘሎካ ክእለት: ዝዓመምካዮ ዕማም: ከምኡውን ዘሎካ ንብረት ካብ ምንያት ወይ ምጅሃር ምቝጣብ ዝብል ትርጕም ከተስምዕ ትኽእል ኢያ። ከም ኣገላልጻ ናይ ሓደ መወከሲ መጽሓፍ ከኣ “ካብ ደረት ዘይምሕላፍ” ዝብል ትርጕም እውን ክህልዋ ይኽእል ኢዩ። ሓደ ዓቕሙን ቦትኡን ዝፈልጥ ሰብ ካብ ደረት ናይቲ ከርእዮ ዝግብኦ ጽቡቕ ባህርይ ኣይሓልፍን ኢዩ። እቲ ኽገብሮ ዘለዎን ክገብሮ ዝኽእልን ነገረት ደረት ከም ዘለዎ ይግንዘብ ኢዩ። ዘይምልከቶ ነገራት ከም ዘሎ ይፈልጥ ኢዩ። ምስቶም ዓቕሞምን ቦትኦምን ዝፈልጡ ሰባት ምሕባር ባህ ከም ዝብለና ሓቂ ኢዩ። ጆሴፍ ኣዲሰን ዝበሃል እንግሊዛዊ ጸሓፍ ግጥሚ “ከም ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ ገይሩ ባህ ዘብል ባህርይ የለን” ኢሉ ጸሓፈ።

ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ ምስ ዘይፍጹማት ሰባት ዝፍጠር ባህርይ ኣይኰነን። ነዚ ባህርይ እዚ ንምዅስኳስ ጻዕሪ ክንገብር ኣሎና። ብእተፈላለየ መገዲ ክንጸባረቕ ከም ዝኽእል ንምርኣይ ቃል ኣምላኽ ብዙሕ ኣብነታት ይጠቅስ ኢዩ።

ዓቕሞምን ቦትኦምን ዝፈልጡ ዝነበሩ ክልተ ነገስታት

ሓደ ካብቶም ኣዝዮም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እቲ ገና ብንእስነቱ ከሎ ኣብ መጻኢ ንጉስ እስራኤል ንኽኸውን እተቐብአ ዳዊት ኢዩ ነይሩ። ድሕርዚ ንጉስ ሳኦል ክቐትሎ ብምድላይን ከም ዝዅብልል ብምግባርን ዓቕሉ ኣጽበበሉ።​—⁠1 ሳሙኤል 16:⁠1, 11-13፣ 19:⁠9, 10፣ 26:⁠2, 3

ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ከሎ እውን ከይተረፈ ዳዊት ህይወቱ ንምክልኻል ኣብ ዝገብሮ ነገራት ደረት ከም ዘሎ ይግንዘብ ነይሩ ኢዩ። ሓደ ግዜ ኣብ በረኻ ኸሎ ኣቢሳይ ነቲ ደቂሱ ዝነበረ ንጉስ ሳኦል ክቐትሎ ምስ ደለየ ዳዊት “ኢደይ ናብቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ካብ ምዝርጋሕሲ እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ” ብምባል ኣበዮ። (1 ሳሙኤል 26:⁠8-11) ዳዊት ንሳኦል ካብ ቦታ ንግስና ከልግስ ናቱ ስራሕ ከም ዘይኰነ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ዳዊት ካብ ደረት ናይቲ ከርእዮ ዘለዎ ግቡእ ጠባይ ከይወጸ ቦትኡ ከም ዝፈልጥ ኣርእዩ ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ድማ ብተመሳሳሊ ሰብኣዊ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝኣትወሉ ግዜ እውን ከይተረፈ ብዓይኒ የሆዋ ክርአ ኸሎ ክገብርዎ ዘይክእሉ ነገራት ከም ዘሎ ይፈልጡ ኢዮም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠28, 29፣ 21:⁠25

ሰሎሞን ወዲ ንጉስ ዳዊት እውን መንእሰይ ከሎ ዓቕምኻ ናይ ምፍላጥ ባህርይ ኣንጸባሪቑ ኢዩ። ሰሎሞን ምስ ነገሰ: ነቲ ከቢድ ሓላፍነት ናይ ንግስነት ዝኽእሎ ዀይኑ ኣይተሰምዖን። ከምዚ ኢሉ ጸለየ:- “ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ: ንባርያኻ ኣብ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ኣንገስካኒ: ኣነ ኸኣ መውጽእየይን መእተውየይን ዘይፈልጥ ንእሽቶ ጐበዝ እየ።” ካብዚ ብንጹር ከም እንርእዮ ሰሎሞን ክእለትን ተመክሮን ከም ዘይነበሮ ተገንዚቡ ኢዩ። ስለዚ ዘይዕበ: ዓቕሙ ዝፈልጥ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ሰሎሞን ንየሆዋ ምስትውዓል ክህቦ ሓተቶ: ሕቶኡ ኸኣ ተመለሰሉ።​—⁠1 ነገስት 3:⁠4-12

እቲ መሲሕን ጸራግ መገዱን

ድሕሪ ሰሎሞን ልዕሊ 1,000 ዓመት ጸኒሑ ዮሃንስ መጥምቕ ነቲ መሲሕ መገዲ ዝጸርግ ዕዮ ጀመረ። ጸራግ መገዲ ናይቲ ቅቡእ ብምዃኑ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ፈጸመ። ብዛዕባ እቲ ዝነበሮ መሰል ክንየት ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ዮሃንስ ብስጋ ዘመድ እቲ መሲሕ ብምንባሩ እውን ንርእሱ ክብሪ ከም እትረክብ ክገብራ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ዮሃንስ ግን ስራኽ ሳእኒ የሱስ እኳ ክፈትሕ ከም ዘይበቅዕ ተዛረበ። የሱስ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ክጥመቕ ገዛእ ርእሱ ምስ ኣቕረበ እውን “ንኣይ ብኣኻ ምጥማቕ የድልየኒ: ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧” በሎ። እዚ ዮሃንስ ትዕቢተኛ ከም ዘይነበረ ኢዩ ዘርኢ። ቦትኡ ዝፈልጥ ሰብ ኢዩ ነይሩ።​—⁠ማቴዎስ 3:14፣ ሚልክያስ 4:⁠5, 6፣ ሉቃስ 1:⁠13-17፣ ዮሃንስ 1:⁠26, 27

የሱስ ምስ ተጠምቀ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝገልጽ ብስራት ንኽሰብኽ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመረ። የሱስ ፍጹም ሰብ እኳ እንተ​ነበረ “ካብ ርእሰይ ገለ ኽገብር ኣይክእልን። ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እምበር: ፍቓደይ ኣይደልን እየ” በለ። ኣብ ርእሲ እዚ: የሱስ ካብ ሰባት ክብሪ ኣይደለየን: በቲ ዝገብሮ ዝነበረ ዅሉ ንየሆዋ የኽብር ነበረ። (ዮሃንስ 5:30, 41-44) ኣየ ከመይ ዝበለ ቦታኻ ናይ ምፍላጥ ባህሪ ኰን ኢዩ!

ስለዚ እምበኣር ከም ዳዊት: ሰሎሞን: ዮሃንስ መጥምቕ: ከምኡውን እቲ ፍጹም ሰብ ዝነበረ የሱስ ክርስቶስ ዝኣመሰሉ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዓቕምኻን ቦታኻን ናይ ምፍላጥ ባህርይ ከም ዝነበሮም ኣርእዮም ኢዮም። ዕቡያት: ዝንየቱ: ካብቲ ግቡእ ደረት ዝሓልፉ ኣይነበሩን። እቲ ዘርኣይዎ ኣብነት ነዞም ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ ዓቕምኻን ቦታኻን ናይ ምፍላጥ ባህርይ ንኸማዕብሉን ከንጸባርቑን ምኽንያት ክዀኖም ይኽእል ኢዩ። ገና ግን እዚ ባህርይ እዚ ከነንጸባርቐሉ ዘሎና ካልእ ምኽንያት እውን ኣሎ።

ኣብዚ ኣዝዩ ዘጨንቕ ታሪኽ ደቅሰብ: ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ ንሓቀኛታት ክርስትያናት ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ባህርይ ኢዩ። ንሓደ ሰብ ምስ የሆዋ ኣምላኽ: ብጾቱ ሰባት: ከምኡውን ምስ ገዛእ ርእሱ ሰላም ንኽገብር የኽእሎ ኢዩ።

ምስ የሆዋ ኣምላኽ ሰላም ይህልወና

ምስ የሆዋ ኣምላኽ ብሰላም ክንነብር እንኽእል ነቲ ኣብ ሓቀኛ ኣምልኾ ገይርዎ ዘሎ ደረት ምስ እንሕልዎ ጥራይ ኢዩ። እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና: ኣዳምን ሄዋንን: ነቲ ኣምላኽ ዝገበረሎም ደረት ስለ ዝጠሓሱ ዓቕሞምን ቦትኦምን ዘይፈልጡ ኰይኖም እተረኽቡ ናይ መጀመርታ ሰባት ኰኑ። ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝነበሮም ጽቡቕ ኣቕዋም: ቤቶም: መጻኢኦም: ከምኡውን ህይወቶም ኣበላሸው። (ዘፍጥረት 3:⁠1-5, 16-19) ኣየ ከመይ ዝበለ ዓቢ ዋጋ ኰን ኢዮም ዝኸፈሉ!

ሓቀኛ ኣምልኾ ብኸመይ ክንመላለስ ከም ዘሎና ደረት ስለ ዝገብር ካብ ናይ ኣዳምን ሄዋንን ጌጋ ንማሃር። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ “ኣመንዝራታት: ወይ መምለኽቲ ጣኦት: ዘመውቲ: ወይ ሕንቁቓት: ወይ ግብሪ ሰዶም ዚገብሩ: ሰረቕቲ: ወይ ስሱዓት: ወይ ሰካራት: ወይ ተጻረፍቲ: ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም” ይብለና። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10) የሆዋ ነዚ ደረት እዚ ንጥቕምና ኢሉ ኢዩ ገይርዎ: ካብዚ ደረት እዚ ምስ ዘይንሓልፍ ከኣ ጥበበኛታት ምዃንና ነንጸባርቕ። (ኢሳይያስ 48:⁠17, 18) ምሳሌ 11:⁠2 “ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት [“ዓቕሞምን ቦትኦምን ዝፈልጡ:” NW  ] እያ” ትብለና።

ሓንቲ ሃይማኖታዊት ማሕበር ነዚ ደረት እዚ ጥሒስና ከሎና ምስ ኣምላኽ ሰላም ክንገብር ንኽእል ኢና ኢላ ምስ እትምህረናኸ፧ እታ ሃይማኖት እቲኣ ከተጋግየና ኢያ እትጽዕር ዘላ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ጥብቂ ዝዀነ ርክብ ክንገብር ክትሕግዘና ኢያ።

ምስ ብጾትና ሰላም ይህልወና

ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ ምስ ካልኦት ሰባት ሰላማዊ ርክብ ከም ዝህልወካ እውን ይገብር ኢዩ። ንኣብነት: ወለዲ በቲ ዘድልዮም ስጋዊ ነገራት ምስ ዝዓግቡ ከምኡውን ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ምስ ዝህቡ ደቆም እውን ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ከም ዘሕድሩ ፍሉጥ ኢዩ። ድሕርዚ እቶም ንኣሽቱ እቲ ዝደልይዎ ነገራት እንተዘይረኸቡ እውን ከይተረፈ በቲ ዘለዎም ዝዓግቡ ክዀኑ ኢዮም። እዚ ኸኣ ዓቕሞምን ቦትኦምን ፈሊጦም ከም ዝነብሩ ይገብሮም: ናብራ እታ ስድራ​ቤት ድማ ዝያዳ ሰላም ዘለዎ ይኸውን።

እቶም ኣብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ዘለዉ ብፍላይ ዓቕሞምን ቦትኦምን ፈሊጦም ክነብሩን ስልጣኖም ብግቡእ ክጥቀምሉን ጥንቁቓት ክዀኑ ኣለዎም። ንኣብነት: ክርስትያናት “ክንየው እቲ ጽሑፍ ከይትሐስቡ” ዝብል መምርሒ ተዋሂብዎም ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 4:6) ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ካብ ናይ ብሕቶም ምርጫታት ተበጊሶም ኣብ ካልኦት ተጽዕኖ ክገብሩ ከም ዘይብሎም ይግንዘቡ ኢዮም። ኣብ ክንድኡስ ንጠባይ: ኣከዳድና: ኵልንትናዊ ኣቃውማ: ወይ ምዝንጋዕ ዝምልከት ነገራት እቲ ግቡእ እንታይ ምዃኑ ንምትብባዕ ቃል ኣምላኽ ኢዮም ከም መሰረት ገይሮም ዝጥቀምሉ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠14-17) ኣባላት እታ ጉባኤ እቶም ሽማግለታት ካብቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ደረት ከም ዘይሓልፉ ምስ ዝርእዩ ንኸኽብርዎም ይተባብዑ: ኣብታ ጉባኤ ኸኣ ምዉቕ: ፍቕራዊ: ከምኡውን ሰላማዊ መንፈስ ይህሉ።

ምስ ገዛእ ርእስና ሰላም ይህልወና

እቶም ዓቕሞምን ቦትኦምን ፈሊጦም ዝነብሩ ሰባት ውሽጣዊ ሰላም ኣለዎም። ዓቕሙን ቦትኡን ዝፈልጥ ሰብ ሓደ ነገር ንምርካብ ሃነፍነፍ ኣይብልን ኢዩ። እዚ ግን ብሕታዊ ሸቶ ኣይገብርን ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት: ኣብ ኣገልግሎት ተወሳኺ መሰላት ክረክብ ይብህግ ይኸውን: እንተ​ዀነ ግን ንየሆዋ ኢዩ ዝጽበ: ዝረኸቦ ኵሉ ክርስትያናዊ መሰላት ከኣ የሆዋ ከም ዝሃቦ ገይሩ ኢዩ ዝቘጽሮ። ብብሕቲ ዝረኸቦ ዓወታት ገይሩ ኣይርእዮን ኢዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ዓቕሙ ዝፈልጥ ሰብ ናብቲ “ኣምላኽ ሰላም” ዝዀነ የሆዋ ከም ዝጽጋዕ ይገብሮ።​—⁠ፊልጲ 4:⁠9

ንኣብነት: ሓድሓደ ግዜ ካልኦት ዝጐሰዩና ኰይኑ ይስምዓና ይኸውን። እንተ​ዀነ ግን: ብትዕቢት ናብ ገዛእ ርእስና ኣትክሮ ክግበረልና ኣብ ክንዲ እንጽዕር ዓቕምናን ቦታናን ስለ እንፈልጥ ብኻልኦት ሸለል እንተ ተባሃልናዶ ኣይሓይሽን፧ ዓቕሞምን ቦትኦምን ንዝፈልጡ ሰባት ካልኦት ኣቓልቦ ክገብሩሎም ኢሎም ሃነፍነፍ ኣይብሉን ኢዮም። ስለዚ ድማ ምስ ገዛእ ርእሶም ሰላም ኣለዎም: እዚ ኸኣ ንስምዒታውን ኣካላውን ጥዕና ኣድላዪ ኢዩ።

ዓቕምኻን ቦታኻን ናይ ምፍላጥ ባህርይ ምምዕባልን ምዕቃብን

ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ትዕቢት ወዲቖም ኢዮም​—⁠እዚ ባህርይ እዚ ኸኣ ናብ ዘርኦም ኣመሓላለፍዎ። ከምቲ ናይ መጀመርታ ወለድና ዝገበርዎ ዝኣመሰለ ጌጋ ካብ ምግባር ንኽንድሕን እንታይ ክሕግዘና ይኽእል፧ ነዚ ሰናይ ዝዀነ ዓቕምኻን ቦታኻን ናይ ምፍላጥ ባህርይ ብኸመይ ከነማዕብሎ ንኽእል፧

ምስቲ ናይ ኣድማስ ፈጣሪ ዝዀነ የሆዋ ኣወዳዲርና ቦታና እንታይ ምዃኑ ምፍላጥ ነዚ ባህርይ እዚ ንምጥራይ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ምስቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ክወዳደር ዝኽእል እንታይ ብሕታዊ ዓወታት ኢዩ እሞ ዘሎና፧ የሆዋ ነቲ እሙን ባርያኡ ዝነበረ እዮብ “ኣነ ንምድሪ ኽስርታ ኸሎኹስ: ኣበይ ነበርካ፧ ኣእምሮ እንተ አልዩካስ: ንገረኒ፧” በሎ። (እዮብ 38:⁠4) እዮብ መልሲ ክህብ ኣይከኣልን። ንሕና እውን ከም እዮብ ፍልጠትና: ክእለትና: ከምኡውን ተመክሮና ድሩትዶ ኸይኰነ፧ ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ኣፍልጦ እንተ ንህበሉ ጠቓሚዶ ኸይኰነ፧

ኣብ ርእሲ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ “ንሳን [ምድርን] ምልኣታን: ዓለምን ዚነብርዋን ናቱ እዮም” ይብለና። እዚ ድማ “ኵሎም እንስሳ በረኻን ኣብ ኣሻሕ ኣኽራን ዘለዋ ኸብትን” ዘጠቓልል ኢዩ። የሆዋ “ብሩር ናተይ እዩ: ወርቂ ኸኣ ናተይ እዩ” ክብል ይኽእል ኢዩ። (መዝሙር 24:1፣ 50:10፣ ሃጌ 2:⁠8) ምስቲ ናይ የሆዋ ክወዳደር ዝኽእል እንታይ ንብረት ኢና ከነርኢ እንኽእል፧ እቲ ኣዝዩ ሃብታም ዝበሃል ሰብ እውን ከይተረፈ በቲ ዘለዎ ክንየት ምኽንያት የብሉን! ስለዚ እምበኣር: ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ‘ነፍሲ ወከፍ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር: ካብቲ ዝግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሓስብሲ: በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ ኣሎኹ’ ብምባል ዝሃቦም ምኽሪ ምስዓብ ጥበብ ኢዩ።​—⁠ሮሜ 12:3

ዓቕምኻን ቦታኻን ናይ ምፍላጥ ባህርይ ክንኵስኵስ እንደሊ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን ፍረ መንፈስ​—⁠ፍቕሪ: ሓጐስ: ሰላም: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ከምኡውን ርእስኻ ምግታእ​—⁠ንምጥራይ ክንጽሊ ይግብኣና። (ሉቃስ 11:13፣ ገላትያ 5:​22, 23) ስለምንታይ፧ ከመይሲ እዘን ባህርያት እዚኣተን ነፍሲ ወከፈን ዓቕምኻን ቦታኻን ናይ ምፍላጥ ባህርይ ንምዅስኳስ ዝቐለለ ከም ዝኸውን ዝገብራልና ኢየን። ንኣብነት: እታ ኣብ ኣሕዋትና ዘላትና ፍቕሪ ናይ ምጅሃር ወይ ምንያት ዝንባለ ከይነሕድር ትሕግዘና። ርእስኻ ምግታእ ከኣ ብትዕቢት ሓደ ስጕምቲ ቅድሚ ምውሳድና ርግእ ኢልና ከም እንሓስብ ትገብረና።

ሃየ እምበኣር ንጠንቀቕ! ኣብ ናይ ትዕቢት መፈንጠራ ንኸይንወድቕ ብቐጻሊ ክንጥንቀቕ የድልየና። ካብቶም ኣቐዲምና ዝረኣናዮም ነገስታት እቶም ክልተ ኵሉ ግዜ ኣይኰኑን ዓቕሞምን ቦትኦምን ዝፈልጡ ነይሮም። ንጉስ ዳዊት ብሃወኽ ንእስራኤላውያን ቈጸሮም: እዚ ኸኣ ኣንጻር ፍቓድ የሆዋ ኢዩ ነይሩ። ንጉስ ሰሎሞን ዘርኣዮ ትዕቢት ሕሉፍ ሓሊፉ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ክሳዕ ምምላኽ ኣብጺሕዎ ኢዩ።​—⁠2 ሳሙኤል 24:​1-​10፣ 1 ነገስት 11:​1-​13

እዚ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ኣገባብ ክሳዕ ዝሓልፍ ዓቕምኻን ቦታኻን ፈሊጥካ ንምንባር ብቐጻሊ ንቑሕ ምዃን ይሓትት። እቲ እንገብሮ ጻዕሪ ግን ፍረ ዘለዎ ኢዩ። ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ዝነብር ኵሉ ዓቕሙን ቦትኡን ዝፈልጥ ሰብ ጥራይ ኢዩ ክኸውን። ሽዑ ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ ከም ድኽመት ዘይኰነስ ከም ብርታዐ ኢዩ ክርአ። ኵሎም ሰባትን ስድራ​ቤታትን በቲ ዓቕምኻን ቦታኻን ካብ ምፍላጥ ዝርከብ ሰላም ክባረኹ ክትርእስ ክንደይ ባህ ዘብል ኣጋጣሚ ኰን ኢዩ ክኸውን!

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ዓቕሙን ቦትኡን ብምፍላጥ ኵሉ ንኽብሪ የሆዋ ኢዩ ዝገብሮ ነይሩ