ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ንዓና ዝመርሓሉ ዘሎ መገዲ

የሆዋ ንዓና ዝመርሓሉ ዘሎ መገዲ

የሆዋ ንዓና ዝመርሓሉ ዘሎ መገዲ

“በታ ቕንዕቲ መገዲ ምርሓኒ።”​—⁠መዝሙር 27:⁠11

1, 2. (ሀ) የሆዋ ሎሚ ንህዝቡ ብኸመይ ኢዩ ዝመርሖ ዘሎ፧ (ለ) ካብ ኣኼባታት ምሉእ ረብሓ ንምርካብ እንታይ ነገራት ምግባር ዘጠቓልል ኢዩ፧

 ኣብዛ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም እተመሃርናዮ: የሆዋ ምንጪ ብርሃንን ሓቅን ኢዩ። በታ ቕንዕቲ መገዲ ክንጓዓዝ ከሎና ቃሉ ንመገድና የብርሆ ኢዩ። ብመገድታቱ ክንመላለስ ከሎና እውን ትምህርቱ ብምሃብ ይመርሓና ኢዩ። (መዝሙር 119:​105) ልክዕ ከምቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ጸሓፍ መዝሙር ንመሪሕነት ኣምላኽ ምስጋና ዝመልኦ ምላሽ ንህበሉ: “ዎ እግዚኣብሄር: መገድኻ ምሀረኒ: . . . በታ ቕንዕቲ መገዲ ምርሓኒ” ብምባል እውን ንጽሊ ኢና።​—⁠መዝሙር 27:⁠11

2 ክርስትያናዊ ኣኼባታት ሓደ ካብቲ የሆዋ ሎሚ ትምህርቲ ዝህበሉ ዘሎ መገድታት ኢዩ። ኣብዚ ፍቕራዊ ምድላው (1) ስርዓታውያን ኴንና ብምክፋል: (2) ነቲ ፕሮግራም ብጥንቃቐ ጽን ኢልና ብምስማዕ: ከምኡውን (3) ኣብቲ ሰማዕቲ ንኽሳተፉ ዝዕድም ክፍልታት ብፍታው ተሳትፎ ብምግባር ምሉእ ረብሓ ንረክብዶ ኣሎና፧ ኣብ ርእሲ እዚ ድማ “በታ ቕንዕቲ መገዲ” ጸኒዕና ንምምልላስ ዝሕግዘና ሓሳባት ምስ እንረክብ ብምስጋናዶ ንቕበል ኢና፧

ኣኼባታት ናይ ምክፋል ስርዓታውነትካ ከመይ ኢዩ፧

3. ሓንቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ስርዓታዊ ዄንካ ኣኼባታት ናይ ምክፋል ልምዲ ዘጥረየት ከመይ ገይራ ኢያ፧

3 ገለ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ግዜ ህጻንነቶም ጀሚሮም ኢዮም ስርዓታውያን ኰይኖም ኣኼባታት ዝካፈሉ ዘለዉ። ሓንቲ ኣብ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ዝዀነት ሓብቲ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ:- “ኣብቲ ኣነን ኣሓተይን ንኣሽቱ ዝነበርናሉ 1930ታት: ንወለድና ናብ ኣኼባታት ክንከይድ ምዃንናን ዘይምዃንናን ምሕታት ኣየድልየናን ኢዩ ነይሩ። ብምኽንያት ሕማም እንተ ዘይኰይኑ ክንከይድ ምዃንና ንፈልጥ ነበርና። ስድራቤትና ካብ ኣኼባታት በዂራ ኣይትፈልጥን ኢያ ክበሃል ይከኣል ኢዩ።” ልክዕ ከም ነብዪት ሃና እዛ ሓብቲ እዚኣ ካብ ቦታ ኣምልኾ የሆዋ ‘በዂራ ኣይትፈልጥን’ ኢያ።​—⁠ሉቃስ 2:⁠36, 37 NW

4-6. (ሀ) ገለ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣኼባታት ዘብኵሩ ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) ኣኼባታት ምክፋል ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

4 ሓደ ካብቶም ስርዓታውያን ኰይኖም ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዝካፈሉ ዲኻ ወይስ ሓሓሊፉ ኢኻ እትርአ፧ ስርዓታውያን ከም ዝዀኑ ዝስምዖም ዝነበረ ገለ ክርስትያናት ስርዓታውነቶም ከረጋግጹ ወሰኑ። ንሒደት ሰሙናት ከኣ ንነፍሲ ወከፍ እተኻፈሉላ ኣኼባ ምልክት ገበሩላ። እቲ ናይ መረጋገጺ ግዜ ምስ ኣኸለ: በቲ ካብ ኣኼባ ዝበዀርሉ ብዝሒ ተገሪሞም ኢዮም።

5 ሓደ ሰብ ‘እዚ እሞ እንታይ ዘገርም ኣለዎ: ሎሚ ሰባት ኣብ ትሕቲ ብዙሕ ጸቕጢ ስለ ዘለዉ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኰይኖም ክካፈሉ ቀሊል ኣይኰነን’ ይብል ይኸውን። ኣብ ጭንቂ ዝመልኦ ግዝያት ንነብር ምህላውና ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። ካብዚ ዝኸፍእ ድማ: እቲ ዝወርድ ጸቕጥታት ብዘይጥርጥር እናወሰኸ ክኸይድ ምዃኑ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠13) ከምዚ ምዃኑ ግን ኣብ ኣኼባታት ስርዓታዊ ዄንካ ምክፋል ዘለዎ ኣድላይነት ዝያዳ ዕዙዝ ከም ዝኸውን ዝገብሮዶ ኸይኰነ፧ ጥዑይ መንፈሳዊ መግቢ ብዘይምቍራጽ እንተድኣ ዘይተመጊብና: እዚ ኣገባብ እዚ ንዘውርደልና ጸቕጢ ክንቃወሞ ትጽቢት ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና። ምስ ኣሕዋትና ስርዓታዊ ሕብረት እንተድኣ ዘይገይርና ካብታ “መገዲ ጻድቃን” ንምውጻእ ክንፍተን ኢና። (ምሳሌ 4:⁠18) ሓቂ ኢዩ: ኣብ ስራሕ ድፍእ ክንብል ውዒልና ንገዛ ምስ ተመለስና ኣኼባ ንምክፋል ዕጻይ ምጻጻይ ናይ ምባል ስምዒት ክሓድረና ይኽእል ኢዩ። ሓቦ ገይርና ምስ እንካፈል ግን: ገዛእ ርእስና ንረብሕ ካብኡ ሓሊፍና እውን ነቶም ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ እንረኽቦም ክርስትያናት ብጾት ምንጪ ምትብባዕ ንዀኖም።

6 እብራውያን 10:⁠25 (NW ) እቲ ኣብ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኴንና ኽንካፈለሉ ዘሎና ካልእ ኣገዳሲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ትሕብር። ኣብታ ጥቕሲ እቲኣ ሃዋርያ ጳውሎስ ‘እታ መዓልቲ እናቐረበት ብዝመጸት መጠን ብዝያዳ’ ብሓንሳብ ክእከቡ ንክርስትያናት ብጾት መኺርዎም ኣሎ። እወ: “መዓልቲ ኣምላኽ” እናቐረበት ትመጽእ ኸም ዘላ ክንስሕቶ ዘይብልና ሓቂ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:⁠12) መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ገና ከም ዝዀነ ገይርና ንድምድም እንተድኣ ዄንና: ነቲ ኣብ ኣኼባታት ከም ምክፋል ዝኣመሰለ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ መንፈሳዊ ንጥፈታት ብብሕታዊ ዋኒን ምትካእ ምጅማርና ዘይተርፍ ኢዩ። ሽዑ ከምቲ የሱስ ዝሃበና መጠንቀቕታ ‘እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ክትመጽኣና ትኽእል ኢያ።’​—⁠ሉቃስ 21:⁠34

ጽን ኢልካ ስማዕ

7. ቈልዑ ኣብ ኣኼባታት ከቕልቡ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

7 ኣብ ኣኼባታት ምክፋል ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ናብቲ ኣብኡ ዝበሃለልና ኣድህቦ ብምግባር ጽን ኢልና ብጥንቃቐ ክንሰምዕ ይግብኣና። (ምሳሌ 7:⁠24) ደቅና እውን ጽን ኢሎም ክሰምዑ ይግባእ። ሓደ ቘልዓ ናብ ቤት ትምህርቲ ምስ ዝኸይድ: እቲ ዝመሃሮ ዘሎ ዓይነት ትምህርቲ ዘየሐጕሶ ወይ ድማ ክንዮ ዓቕሚ ምርድኡ ይኹን ብዘየገድስ ናብ መምህሩ ከቕልብ ኢዩ ትጽቢት ዝግበረሉ። ኣቓልቦ ንምግባር ዝጽዕር እንተድኣ ዀይኑ ካብቲ ትምህርቲ ገለ ረብሓ ኸም ዝረክብ እቲ መምህር ይፈልጥ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ኣብ ናይ ትምህርቲ ዕድመ ዘለዉ ቘልዑ ኣብ ክንዲ ኣኼባ ገና ጅምር ከብል ከሎ ክድቅሱ ዝፍቀደሎም ናብቲ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ዝወሃብ ትምህርቲ ከቕልቡ ኣለዎም እንተ ተባህለ ምኽንያታዊዶ ኸይኰነ፧ ርግጽ ኢዩ: ገለ ካብቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ ክቡር ሓቅታት ‘ንምርድኡ ዘሸግር ነገራት ኣሎ።’ (2 ጴጥሮስ 3:⁠16) ነቲ ቘልዑ ንኽምሃሩ ዘለዎም ክእለት ግን ኣትሒትና ክንግምቶ የብልናን። ኣምላኽ ከምኡ ኣይገበረን። ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ ግዝያት: ንመንእሰያት ኣገልገልቱ ‘ክሰምዑን ክመሃሩን ንእግዚኣብሄር ክፈርሁን ንቓላት እዚ ሕጊ እዚ ንምግባሩ ክጥንቀቑን’ ኣዚዝዎም ኢዩ፣ ገለ ኻብዚ ቘልዑ ንኽርድእዎ ቀሊል ከም ዘይነበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ዘዳግም 31:⁠12፣ ምስ ዘሌዋውያን 18:⁠1-30 ኣረኣእዮ።) ሎሚ ዘለዉ ቈልዑ እውን ከምዚ ኽገብሩዶ ኸይኰነ የሆዋ ትጽቢት ዝገብረሎም፧

8. ገለ ወለዲ ደቆም ኣብ ኣኼባታት መቕለብቲ ምእንቲ ክዀኑ እንታይ ስጕምትታት ኢዮም ዝወስዱ፧

8 ክርስትያናት ወለዲ መንፈሳዊ ድሌት ደቆም ብኸፊሉ በቲ ኣብ ኣኼባታት ዝመሃርዎ ትምህርቲ ከም ዝዓግብ ይግንዘቡ ኢዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዮም ገለ ወለዲ ደቆም ግቡእ ዕረፍቲ ረኺቦም ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ምእንቲ ኽበጽሑን ነቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ነቒሖም ምእንቲ ኽከታተሉን ናብ ኣኼባታት ቅድሚ ምኻዶም ከም ዝድቅሱ ዝገብሩ። ገለ ወለዲ ኣብተን ኣኼባታት ዝካየደለን ናይ ምሸት እዋናት ነቲ ደቆም ቴለቪዥን ዝከታተልሉ ሰዓታት ብዝምልከት ጽኑዕ ምቍጽጻር ክገብርሉ ወይ እውን ጥበባዊ መምርሒ ከውጽኡ ይኽእሉ ኢዮም። (ኤፌሶን 5:⁠15, 16) ከምዚ ዝገብሩ ወለዲ ኸኣ ነቲ ንደቆም ከም ዘየቕልቡ ዝገብሮም ኵነታት ይንክይዎ ኢዮም። ንዕድመን ዓቕምን ደቆም ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ ንኽሰምዑን ክመሃሩን የተባብዕዎም።​—⁠ምሳሌ 8:⁠32

9. ጽን ኢልካ ናይ ምስማዕ ክእለትና ንምምዕባል እንታይ ክሕግዘና ምኸኣለ፧

9 የሱስ “ኸመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ተጠንቀቑ” ክብል ከሎ ንዓበይቲ ኢዩ ዝዛረቦም ነይሩ። (ሉቃስ 8:⁠18) ሎሚ ነዚ ኻብ ክትገብሮ ክትዛረበሉ ኢዩ ቐሊል። ንቑሕ ኴንካ ጽን ኢልካ ምስማዕ ርእሱ ዝኸኣለ ከቢድ ዕዮ ምዃኑ ኵልና እንኣምነሉ ሓቂ ኢዩ፣ ይኹን እምበር: ጽን ኢልካ ናይ ምስማዕ ክእለት ከተማዕብሎ ዝከኣል ኢዩ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርብ ወይ ድማ ኣብ ሓደ ኣኼባ ንዝህሉ ክፍልታት ክትሰምዕ ከሎኻ ነቲ ቐንዲ ቐንዲ ነጥብታት ፈሊኻ ንምርኣይ ጽዓር። እቲ ተዛራባይ ቀጺሉ ንዝብሎ ሓሳብ ኣቐዲምካ ትጽቢት ግበረሉ። ኣብ ኣገልግሎትካ ክትጥቀመሉ ወይ ኣብ ህይወትካ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ እትደልዮ ነጥብታት ኣናዲ። እቲ ትምህርቲ እናተዋህበ ኸሎ ነቲ ዝርዝር ነጥብታት ብሓሳብካ ኣገናዝቦ። ሓጺር መዘኻኸሪ ጽሓፍ።

10, 11. ገለ ወለዲ ደቆም ጽን ኢልካ ናይ ምስማዕ ክእለቶም ንኸመሓይሹ ብኸመይ ኢዮም ሓጊዞምዎም: ነየናይ ሜላ ኽትጥቀምከ ኢኻ ሓጋዚ ዀይኑ ዝረኸብካዮ፧

10 ጽቡቕ ጽን ኢልካ ናይ ምስማዕ ክእለት ብዝበለጸ ደረጃ ክጥረ ዝከኣል ኣብ ናይ ቍልዕነት ዕድመ ኢዩ። ምንባብን ምጽሓፍን ቅድሚ ምምሃሮም እውን ከይተረፈ ገለ ተመሃሮ ኣጸደ ህጻናት ኣብ እዋን ኣኼባታት “መዘኻኸሪ” ክጽሕፉ ብወለዶም ተተባቢዖም ኢዮም። ከም “የሆዋ” “የሱስ” ከምኡውን “መንግስቲ ኣምላኽ” ዝኣመሰለ ልሙድ ስያመታት ክሰምዑ ኸለዉ ኣብ ወረቐት ምልክት ይገብሩ። በዚ ኸምዚ ቈልዑ ናብቲ ካብ መድረኽ ዝዝረብ ዘበለ ንኸድህቡ ምምሃሮም ይከኣል ኢዩ።

11 ሓድሓደ ግዜ ፍርዝን ዝበሉ ቈልዑ እውን ከይተረፉ ብኣድህቦ ንኽሰምዑ ምትብባዕ የድልዮም ኢዩ። ሓደ ርእሲ ስድራቤት ኣብ ሓደ ክርስትያናዊ ዓቢ ኣኼባ: እቲ ወዲ 11 ዓመት ወዱ ብሓሳቡ ወፊሩ ኸም ዝነበረ ኣስተብሃለሉ እሞ: መጽሓፍ ቅዱስ ብምሃብ ነቲ እቶም ተዛረብቲ ዝጠቕስዎ ጥቕስታት ገንጺሉ ኽከታተሎ ነገሮ። እቲ መዘኻኸሪ ዝጽሕፍ ዝነበረ ኣቦ: ኣብቲ ወዱ ሒዝዎ ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይምልከት ነበረ። በዚ ኸምዚ ድማ እቲ ቘልዓ ንፕሮግራም እቲ ዓቢ ኣኼባ ብውዕዉዕ ስምዒት ተኸታተሎ።

ድምጽኻ ይሰማዕ

12, 13. ኣብ ናይ ጉባኤ መዝሙር ምስታፍ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

12 ንጉስ ዳዊት ‘ዎ እግዚኣብሄር ድምጺ ምስጋና ኸስምዕ: ንመሰውኢኻ እዞሮ ኣሎኹ’ ብምባል ዘመረ። (መዝሙር 26:⁠6, 7) ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓው ኢልና እምነትና ንምግላጽ ብሉጽ ኣጋጣሚታት ኢዩ ዝኸፍተልና። ኣብ ናይ ጉባኤ መዝሙር ምስታፍ ነዚ ክንገብር እንኽእለሉ ሓደ መገዲ ኢዩ። እዚ ሓደ ኣገዳሲ መዳይ ኣምልኾና እኳ እንተ​ዀነ: ብቐሊሉ ዕሽሽ ክበሃል ግን ይኽእል ኢዩ።

13 ገለ ቘልዑ ዘየንብቡ ኽነሶም ንቓላት እቲ ኣብ ሰሙን ሰሙን ኣብ ኣኼባታት ዝዝመር መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ከጽንዕዎ ይኽእሉ ኢዮም። ምስ ዓበይቲ ክዝምሩ ብምኽኣሎም ከኣ ሓጐስ ኢዩ ዝስምዖም። ቈልዑ እናዓበዩ ምስ ከዱ ግን መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምዝማር ድራኸ ከጥፍኡ ይኽእሉ ኢዮም። ገለ ዓበይቲ እውን ኣብ ኣኼባታት ምዝማር የሕፍሮም ኢዩ። እንተዀነ ግን: ልክዕ ከም ግራት ኣገልግሎት: መዝሙር ምዝማር እውን ክፍሊ ኣምልኾና ኢዩ። (ኤፌሶን 5:⁠19) ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንየሆዋ ንምውዳስ ብእተኻእለና መጠን ኢና እንጽዕር። ማዕረ ማዕረ እዚኸ ጥዑም ቃና ይሃልወና ኣይሃልወና ብዘየገድስ ድምጽና ዓው ኣቢልና መዝሙር ውዳሰ ካብ ልቢ ብምዝማር ንየሆዋ ከነኽብሮ ኣይምኸኣልናንዶ፧​—⁠እብራውያን 13:⁠15

14. እቲ ኣብ ጉባኤ እነጽንዖ ትምህርቲ ኣቐዲምና ብጥንቃቐ ክንዳለወሉ ዘድልየና ስለምንታይ ኢዩ፧

14 ኣብ ኣኼባታትና ናይ ተኣከብቲ ተሳትፎ ዝድለየሉ ኽፍልታት ኣብ ዝህልወሉ እዋን: ሃናጺ ሓሳባት ብምሃብ እውን ንኣምላኽ ንውድሶ ኢና። እዚ ግን ምድላው ዝሓትት ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ዓሚቝ ምርዳእ ዝሓትት ክፍልታት ቃል ኣምላኽ ኣጸቢቕካ ንምስትንታን ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ኢዩ። እቲ ህንጡይ ተመሃራይ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ተገንዚብዎ ኢዩ። “ወዳጄ: መዓሙቕ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን” ብምባል ጽሒፉ ኢዩ። (ሮሜ 11:⁠33) ኣቱም ርእሲ ስድራቤት ዝዀንኩም ኣቦታት: ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤትኩም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተገሊጹ ኣብ ዘሎ ጥበብ ኣምላኽ ምርምር ከካይድ ክትሕግዝዎ ኣድላዪ ኢዩ። ካብቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸበድቲ ነጥብታት እትገልጽሉን ስድራቤታትኩም ንኣኼባታት ክዳለዉ እትሕግዝሉን ገለ ግዜ መድቡ።

15. ሓደ ሰብ ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ንኽህብ እንታይ ክሕግዞ ይኽእል፧

15 ኣብ ኣኼባታት ኣዘውቲርካ ሓሳብ ምሃብ ትደሊ እንተድኣ ዄንካ: ነቲ ኽትብሎ እትደሊ ንምንታይ ኣቐዲምካ ዘይትዳለወሉ፧ ሰፊሕ ሓሳብ ክትህብ ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። ምስቲ ሓሳብ ዝሰማማዕ ብምሉእ ምርዳእ ዝንበብ ጥቕሲ ወይ ድማ ካብ ልቢ ዝወጽእ ሒደት ምሩጽ ቃላት ዝነኣድ ኢዩ። ገለ ኣስፋሕቲ ኣብ እተወሰነ ቍጽሪ እታ ናይ ፈለማ ሓሳብ ንምሃብ ዕድል ንኽህቦም ነቲ ዝመርሕ ሓው ኣቐዲሞም ይሓትዎ ኢዮም: ከምዚ ዝገብሩ ኸኣ እቲ እምነቶም ናይ ምግላጽ ኣጋጣሚ ምእንቲ ኸይሓልፎም ኢዩ።

ገርህታት ጠቢባን ይዀኑ

16, 17. ሓደ ሽማግለ ንሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ እንታይ ማዕዳ ኢዩ ዝሃቦ: እቲ ማዕዳ ውጽኢታዊ ዝነበረኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

16 ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቃል ኣምላኽ መዓልቲ መዓልቲ ኸነንብብ ወትሩ ኢና እንዘኻኸር። ከምዚ ምግባር ከኣ ዘሐድስ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ጥበባዊ ውሳነታት ንኽንውስን: ናይ ባህርይና ኣበራት ንኽንእርም: ንፈተናታት ክንጻወሮ: ብግጉይ ኣንፈት ክንከይድ እንተድኣ ጀሚርና መንፈሳዊ ሚዛንና ንኽንሕሉ ይሕግዘና።​—⁠መዝሙር 19:⁠7

17 ንዅነታትና ዝሰማማዕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ማዕዳ ንኽህቡና ድሉዋት ዝዀኑ ብሱላት ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ኣለዉ። እቲ ኽንገብሮ ዝግብኣና እምበኣር ነቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ብምግባር ዝህብዎ ማዕዳኦም ‘ክንቀድሖ’ ጥራይ ኢዩ። (ምሳሌ 20:⁠5) ሓደ እዋን ሓደ ውዕዉዕ ቅንኢ ዘለዎ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዝዀነ መንእሰይ ነታ ጉባኤ ብዝያዳ ክጠቕመሉ ዝኽእል መገዲ ንኽሕብሮ ንሓደ ሽማግለ ሓተቶ። እቲ ነቲ መንእሰይ ኣጸቢቑ ዝፈልጦ ሽማግለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱሱ ነታ እተመዘዙ ሰብኡት ‘ምኽንያታውያን’ ክዀኑ ከም ዝግብኦም እትገልጽ 1 ጢሞቴዎስ 3:⁠3 (NW ) ገንጸላ። ኣብቲ ምስ ካልኦት ዝገብሮ ርክባት ምኽንያታውነት ከርእየሉ ዝኽእል መገድታት ብሕያውነት ሓበሮ። እቲ መንእሰይ ሓው በቲ ብግልጺ እተዋህቦ ማዕዳ ተቐይሙዶ ይኸውን፧ ኣይፋሉን! “እቲ ሽማግለ: መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሙ ስለ ዝመኸረኒ እቲ ማዕዳ ካብ የሆዋ ይወሃበኒ ከም ዝነበረ ኢየ ተገንዚበ” ብምባል ይገልጽ። እቲ ኣገልጋሊ ጉባኤ ብሞሳ ነቲ ማዕዳ ኣብ ግብሪ ኣውዓሎ: ጽቡቕ ዕቤት እውን ይገብር ኣሎ።

18. (ሀ) ንሓንቲ ክርስትያን መንእሰይ ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጥማ ዝነበረ ፈተና ኽትቃወሞ ዝሓገዛ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ፈተና ምስ ዘጋጥመካ ነየናይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ምዘከርካ፧

18 ብተወሳኺ ቃል ኣምላኽ ንመንእሰያት ‘ካብ ትምኒት ጕብዝና ክሃድሙ’ ይሕግዞም ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:⁠22) ሓንቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ዝወድአት መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር እቲ ብዛዕባ ገለ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምስትንታንን ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ኣብ ብምሉኡ እቲ ኣብ ትምህርቲ ዘሕለፈቶ ዓመታት: ፈተናታት ክትቃወም ኣኽኢሉዋ ኢዩ። ነቲ ኣብ ምሳሌ 13:⁠20 ተመዝጊቡ ዘሎ “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን” ዝብል ማዕዳ ካብ ኣእምሮኣ ኣውጺኣቶ ኣይትፈልጥን ኢያ። ስለዚ ምስተን ንስርዓታት ቅዱሳት ጽሑፋት ዓሚቝ ኣኽብሮት ዝነበረን ጥራይ ምሕዝነት ክትገብር ትደሊ ነበረት። እዚ ዝገበረትሉ ምኽንያት ክትገልጽ ከላ ከምዚ ትብል:- “ኣነ ካብ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይበልጽን ኢየ። ምስ ዘይጠቕማኒ መሓዙት እንተድኣ ሓቢረ: ንመሓዙተይ ከሐጕስ ኢለ ኣብ ሓደጋ ከውድቐኒ ዝኽእል ተግባር ንምፍጻም ድሌት ክሓድረኒ ኢዩ።” እቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 1:⁠8 ተመዝጊቡ ዘሎ ጳውሎስ ዝሃቦ ማዕዳ እውን ሓጊዝዋ ኢዩ። ጳውሎስ “ምእንቲ ወንጌል ምሳይ መከራ ጽገብ እምበር: ብምስክር ጐይታና . . . ኣይትሕፈር” ብምባል ጽሒፉ ኢዩ። ምስዚ ማዕዳ እዚ ብምስምማዕ እታ መንእሰይ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነታ ንደቂ ኽፍላ ኣብ ኵሉ ዝምሽእ ኣጋጣሚታት ትነግር ነበረት። ንተመሃሮ መደረ ከተስምዕ ኣብ እትምዘዘሉ እዋናት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብጥበብ ንምምስካር ዘኽእላ ኣርእስቲ ትመርጽ ነበረት።

19. ሓደ መንእሰይ ንጸቕጥታት እዛ ዓለም እዚኣ ክዋጽኣሉ ዘይከኣለ ስለምንታይ ኢዩ: መንፈሳዊ ሓይሊ ክህቦ ዝኸኣለ ግን እንታይ ኢዩ፧

19 ካብታ “መገዲ ጻድቃን” ኣብ እነላግሰሉ እዋን: ቃል ኣምላኽ ስጕምትና ንኸነቕንዕ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 4:⁠18) ሓደ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነብር መንእሰይ ነዚ ባዕሉ ተመኲርዎ ኢዩ። ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ በጽሖ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ተሰማምዐ። በቲ ዝመሃሮ ዝነበረ ሕጉስ እኳ እንተ ነበረ: ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ኣብ ቤት ትምህርቲ ምስ ዘይጠቕምዎ ሰባት ክሓብር ጀመረ። ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ ኣብ ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ኣነባብራ ተኣልከ። “ሕልናይ ይሳቕየኒ ብምንባሩ ኣኼባታት ምክፋል ኣቋረጽኩ” ብምባል ይእመን። ጸኒሑ ግን ኣኼባታት እንደገና ኽካፈል ጀመረ። ነዚ ዝስዕብ ምስትውዓል ዝመልኦ ሓሳብ ከኣ ይህብ:- “ናይዚ ዅሉ ቀንዲ ጠንቂ እቲ ንነዊሕ እዋን ኣጥቂዑኒ ዝጸንሐ መንፈሳዊ ዓጸቦ ዀይኑ ረኺበዮ ኢየ። ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ኣይገብርን ኢየ ነይረ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢየ ነቲ ዘጋጥመኒ ዝነበረ ፈተና ክዋጽኣሉ ዓቕሚ ዝሰኣንኩ። ድሕርዚ ግን ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ከንብብ ጀመርኩ። በብቝሩብ መንፈሳዊ ሓይሊ ኽረክብን ጽፉፍ ኣነባብራ ክሕዝን ከኣልኩ። እዚ ነቶም ዝገበርክዎ ለውጢ ዘስተብህሉ ዝነበሩ ሰባት ጽቡቕ ምስክርነት ኢዩ ነይሩ። ህይወተይ ወፍየ ተጠመቕኩ: ሕጂ ሕጉስ ኢየ።” እዚ መንእሰይ ንስጋዊ ድኽመታቱ ከሰንፍ ሓይሊ ዝሃቦ እንታይ ኢዩ፧ ስርዓታዊ ዝዀነ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር መንፈሳዊ ሓይሊ እንደገና ክረክብ ክኢሉ ኢዩ።

20. ሓደ መንእሰይ ንመጥቃዕትታት ሰይጣን ክቃወሞ ዝኽእል ከመይ ገይሩ ኢዩ፧

20 ኣቱም ክርስትያን መንእሰያት: ሎሚ ዒላማ ምዃንኩም ኣይትረስዑ! ንመጥቃዕትታት ሰይጣን ክትቃወምዎ እንተድኣ ዄንኩም: ስርዓታውያን ኴንኩም መንፈሳዊ መግቢ ክትምገቡ ይግባእ። እቲ ብርግጽ መንእሰይ ዝነበረ ጸሓፍ መዝሙር ነዚ ሓቂ እዚ ይርድኦ ነይሩ ኢዩ። ‘ጐበዝ ንመገዱ ከንጽሃ’ ምእንቲ ክኽእል የሆዋ ቃሉ ስለ ዝሃበ ኣመስጊንዎ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 119:⁠9

በቲ ኣምላኽ ዝመርሓና ኣቢልና ኽንከይድ ኢና

21, 22. መገዲ ሓቂ ኣመና ጽንኩር ከም ዝዀነ ገይርና ክንድምድም ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧

21 ንህዝቢ እስራኤል ካብ ግብጺ ናብታ ምድሪ ተስፋ ዝመርሖም የሆዋ ኢዩ። እቲ ክኸድሉ ዝሓረዮ መገዲ ብዓይኒ ሰባት ክርአ ኸሎ ዘየድሊ ሃልኪ ዝነበሮ ይመስል ነይሩ ይኸውን ኢዩ። በቲ ብወገን ባሕሪ መዲተራንያን ዝነበረ ዝቐለለን ኣቋራጭን ዝመስል መገዲ ኣብ ክንዲ ዝወስዶም: የሆዋ ንህዝቡ ብኣጸጋሚ ጕዕዞ ምድረበዳ ኢዩ መሪሕዎም። ይኹን እምበር: ነዚ ብወገን ኣምላኽ ኴንና ኽንርእዮ ኸሎና ብሓቂ ሕያውነቱ ዝገልጽ ኢዩ። እቲ ብጸግዒ ጸግዒ ባሕሪ ኽገብርዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ መገዲ ሽሕኳ ሓጺር እንተ ነበረ: በቲ እቶም ተጻባእቲ ዝዀኑ ፍልስጥኤማውያን ዝነበርዎ ቦታታት ኢዩ ዝወስዶም ነይሩ። የሆዋ ካልእ መገዲ ብምሕራዩ ግን ንህዝቡ ካብቶም ኣብ ዘይሰዓቱ ከጓንፍዎም ዝነበሮም ፍልስጥኤማውያን ባሊህዎም ኢዩ።

22 ብተመሳሳሊ: እቲ የሆዋ ሎሚ ንዓና ዝመርሓሉ ዘሎ መገዲ ሓድሓደ ግዜ ጽንኩር መሲሉ ይረኣየና ይኸውን። ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ: ግራት ኣገልግሎት ሓዊስካ ሰሙን ሰሙን ብክርስትያናዊ ንጥፈታት ዝመልአ መደብ ኢዩ ዘሎና። ካልእ መገድታት እቲ ዝቐለለ መሲሉ ይርአ ይኸውን። ንመሪሕነት ኣምላኽ እንተ ስዒብናዮ ጥራይ ኢና ግን ኣብቲ ንኽንበጽሖ ኣበርቲዕና እንጽዕረሉ ዘሎና ቦታ ክንበጽሕ እንኽእል። ሃየ እምበኣር: ከየባተኽና ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝወሃበና መምርሒታት ብምቕባል ንዘለኣለም ጸኒዕና “በታ ቕንዕቲ መገዲ” ንመላለስ!​—⁠መዝሙር 27:⁠11

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኴንና ክንካፈል ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

ወለዲ ደቆም ኣብ ኣኼባታት ብኣቕልቦ ንኽሰምዑ ንምሕጋዝ እንታይ ክገብሩ ምኸኣሉ፧

ጽን ዝብል ንፉዕ ሰማዒ ምዃን እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧

ኣብ ኣኼባታት ሓሳባት ንምሃብ እንታይ ክሕግዘና ምኸኣለ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምክፋል ንመዓልቲ የሆዋ ካብ ኣእምሮና ንኸይነውጽኣ ይሕግዘና

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንየሆዋ እንውድሰሉ እተፈላለየ መገድታት ኣሎ