ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ክርስቶስ ብኸመይ ክሕግዘና ከም ዝኽእል

የሱስ ክርስቶስ ብኸመይ ክሕግዘና ከም ዝኽእል

የሱስ ክርስቶስ ብኸመይ ክሕግዘና ከም ዝኽእል

 የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ሰባት ንምሕጋዝ ዝገበሮ ዘደንቕ ኢዩ ነይሩ። ናይዚ ሓቅነት ጐሊሑ ይርአ ስለ ዝነበረ: ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ኣብ ህይወት የሱስ ብዛዕባ ዘጋጠመ ፍጻመታት ድሕሪ ምዝንታዉ ከምዚ በለ:- “የሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ አሎ። ኵሉ በብሓደ ተጽሒፉ እንተ ዚኸውንሲ: ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ዅላ እዛ ዓለም እኳ ኣይምአኸለቶን ይመስለኒ።” (ዮሃንስ 21:⁠25) የሱስ ኣብ ምድሪ ብዙሕ ነገራት ስለ ዝገበረ ከምዚ ኢልና ክንሓትት ንኽእል ኢና:- ‘ኣብ ሰማይ ሓጋዚና ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧ ሕጂ ካብ ናይ የሱስ ለውሃት ዘለዎ ድንጋጸ ክንጥቀም ንኽእልዶ ኢና፧’

ናይዚ መልሲ ኣዝዩ ዘሐጕስን ዘጸናንዕን ኢዩ። ክርስቶስ ‘ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክረአየልና ናብኣ ናብታ ሰማይ ከም ዝኣተወ’ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና ኢዩ። (እብራውያን 9:⁠24) እንታይ ኢዩ ገይሩልና፧ ሃዋርያ ጳውሎስ: “[ክርስቶስ] ብደም ዲቤላታትን ምራኹትን ዘይኰነስ: ብደም ርእሱ ናይ ዘለኣለም ምድሓን ረኺቡ ሓደ ጊዜ ናብቲ መቕደስ [“ናብኣ ናብታ ሰማይ”] አተወ” ብምባል ይገልጽ።​—⁠እብራውያን 9:⁠12፣ 1 ዮሃንስ 2:⁠2

እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ብስራት ኰን ኢዩ! የሱስ ናብ ሰማይ ምዕራጉ እቲ ንሰባት ዝገብሮ ዝነበረ ዘደንቕ ዕዮታት ኣብ ክንዲ ከም ዘቋርጽ ዝገብሮ: ንደቅ​ሰብ ዝያዳ ክገብረሎም ኣኽኣሎ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት: ኣምላኽ በቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነቱ ተደሪኹ ንየሱስ “ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ዝፋን ግርማ” ከም “ኣገልጋሊ” ማለት ሊቀ ኻህናት ገይሩ ስለ ዝሸሞ ኢዩ።​—⁠እብራውያን 8:⁠1, 2

“ኣገልጋሊ”

ስለዚ: የሱስ ኣብ ሰማይ ኣገልጋሊ ናይ ደቅሰብ ኢዩ። ከምቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ እቲ ናይ እስራኤል ሊቀ ኻህናት ኣብ ክንዲ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝገብሮ ዝነበረ ዕዮ ድማ ኢዩ ዝፍጽም። እዚ ዕዮ እዚኸ እንታይ ነበረ፧ ጳውሎስ “ሊቀ ኻህናት ዘበለ መባእን መስዋእትን ኬቕርብ ይሽየም እዩ እሞ: ስለዚ ነዚውን [ነቲ ዝዓረገ የሱስ ክርስቶስ] ገለ ዜቕርቦ ኺህልዎ ብግዲ እዩ” ብምባል ገለጸ።​—⁠እብራውያን 8:⁠3

የሱስ ዘቕረቦ መስዋእቲ ካብቲ ናይ ጥንቲ ሊቀ ኻህናት ዘቕርቦ ዝነበረ ኣጸቢቑ ዝበልጽ ኢዩ። “ደም ድቤላታትን ኣረውሕን” ንጥንታዊት እስራኤል እተወሰነ መንፈሳዊ ንጽህና ዝህባ ካብ ኰነስ: ‘ደም ክርስቶስ ግዳ: ንሕና ንህያው ኣምላኽ ከነገልግል ክንደይ ኣዝዩ ንሕልናና ካብ ምዉት ግብሪ ዘየንጽሆ፧’​—⁠እብራውያን 9:⁠13, 14

የሱስ ዘይትመውት ህይወት ስለ እተዋህቦ ብሉጽ ናይ ደቅሰብ ኣገልጋሊ እውን ኢዩ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል “ኸይነብሩ ብሞት ስለ እተኸልከሉ: ብዙሓት ካህናት ነበሩ።” ናይ የሱስ ድኣ ኸመይ ኢዩ፧ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ዘይሐልፍ ክህነት አለዎ። ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ: ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ: ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ።” (እብራውያን 7:⁠23-25፣ ሮሜ 6:⁠9) እወ: ኣብ ሰማይ ኣብ የማን ኣምላኽ ‘ምእንታና ክልምን ዝነብር’ ናይ ደቅሰብ ኣገልጋሊ ኣሎና። እዚ ንዓና እንታይ ማለት ከም ዝዀነ እሞ ሕስብ ኣብሎ!

የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ሰባት ሓገዝ ደልዮም ናብኡ ይውሕዙ: ሓድሓደ ግዜ ድማ ካብ ሓገዙ ንኽጥቀሙ ኢሎም ነዊሕ መገዲ ይጓዓዙ ነበሩ። (ማቴዎስ 4:​24, 25) ናብ ሰማይ ምስ ከደ እውን ካብ ኵሉ ዓሌታት ንዝመጹ ሰባት ብቐሊሉ ዝቕረብ ኢዩ። ኣብ ሰማያዊ ቦትኡ ኰይኑ ከም ናይ ደቅሰብ ኣገልጋሊ መጠን ኵሉ ሳዕ ተቐራቢ ኢዩ።

የሱስ ከመይ ዝበለ ሊቀ ኻህናት ኢዩ፧

እቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ጸብጻብ: የሱስ ክርስቶስ ሓጋዝን ደንጋጽን ምንባሩ ኢዩ ዝገልጽ። ኣየ ኸመይ ዝበለ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ኰን ኢዩ ዝነበሮ! ኣብ እተፈላለየ እዋናት ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዕረፍቲ ደልዩ ብሕት ክብል ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ካልኦት ሰባት መጺኦሞ ኢዮም። ነቲ ሰላማውን ህዱእን ዝነበረ ብቐሊሉ ዘይርከብ ግዜኡ ከም ዝረበሽዎ ኰይኑ ኣይተሰምዖን: የግዳስ ነቶም ሓገዝ ዝደልዩ ዝነበሩ ሰባት “ደንገጸሎም።” የሱስ ደኺሙን ጠምዩን ጸሚኡን ከሎ እውን ከይተረፈ ብሕያውነት “ተቐበሎም:” ቅኑዓት ሓጥኣን ንምሕጋዝ ከኣ ብፍቓዱ መግቡ ይሓድግ ነበረ።​—⁠ማርቆስ 6:⁠31-34፣ ሉቃስ 9:⁠11-17፣ ዮሃንስ 4:⁠4-6, 31-34

የሱስ ብድንጋጸ ተደሪኹ ነቲ ኣካላውን ስምዒታውን መንፈሳውን ድሌት ሰባት ንምምላእ ተግባራዊ ስጕምትታት ወሰደ። (ማቴዎስ 9:⁠35-38፣ ማርቆስ 6:⁠35-44) ኣብ ርእሲ እዚ: ነባሪ ዕረፍትን ምጽንናዕን ምእንቲ ክረኽቡ ማሃሮም። (ዮሃንስ 4:⁠7-30, 39-42) ንኣብነት: እቲ ከምዚ ብምባል ዘቕረቦ ዕድመ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዝምስጥ ኰን ኢዩ:- “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት . . . እዩ እሞ: ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።”​—⁠ማቴዎስ 11:⁠28, 29

የሱስ ንደቅ​ሰብ ዓሚቝ ፍቕሪ ስለ ዝነበሮ: ኣብ መወዳእታ ኣብ ክንዲ ሓጥኣን ደቅሰብ ህይወቱ ሃበ። (ሮሜ 5:⁠6-8) ኣብዚ መዳይ እዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል የረድእ:- “[የሆዋ ኣምላኽ] ንወዱ እኳ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ዝሀቦ እምበር: [ካብ] ዘይነሐፎ: ከመይ ደኣኸ ምስኡ ዅሉ ዘይህበና፧ . . . ክርስቶስ የሱስ: እቲ ዝሞተ: ኤረ ኻብ ምዉታት እኳ ዝተንስኤ: ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ እዩ።”​—⁠ሮሜ 8:⁠32-34

ክድንግጽ ዝኽእል ሊቀ ኻህናት

የሱስ ከም ሰብ መጠን ጥሜት: ጽምኢ: ድኻም: ጭንቀት: ቃንዛ: ከምኡውን ሞት እንታይ ከም ዝመስል ይፈልጥ ኢዩ። እቲ ዘሕለፎ ውጥረትን ጸቕጥን ከም ሊቀ ኻህናት መጠን ነቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ደቅሰብ ብፍሉይ መገዲ ንኸገልግሎም ኣዕጢቕዎ ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “[የሱስ] ነቲ ሓጢኣት ህዝቢ ምእንቲ ኼተዐርቕ: ብናይ ኣምላኽ ዘበለ ደንጋጽን እሙንን ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ብዅሉ ነቶም ኣሕዋቱ ኺመስሎም ተገብኦ። ንሱ ባዕሉ ኺፍተን ከሎ ተሰቅዩ እዩ እሞ: ነቶም ዚፍተኑ ኺረድኦም ይከአሎ እዩ።”​—⁠እብራውያን 2:⁠17, 18፣ 13:⁠8

የሱስ ሰባት ናብ ኣምላኽ ንኽቐርቡ ክሕግዞም ብቑዕ ምዃኑን ፍቓደኛ ከም ዝዀነን ኣርእዩ ኢዩ። እዚ ክበሃል ከሎ ግን: ንሓደ ብቐሊሉ ይቕረታ ዘይገብርን ተሪርን ምሕረት ዘይብሉን ኣምላኽ ከእምን ኣለዎ ማለት ድዩ፧ ፈጺሙ ከምኡ ኣይኰነን: መጽሓፍ ቅዱስ “እግዚኣብሄር: ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን” ምዃኑ የረጋግጸልና ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ከምዚ ይብል ኢዩ:- “ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና: ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና: ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።” (መዝሙር 86:⁠5፣ 1 ዮሃንስ 1:⁠9) ብሓቂ ክርአ ኸሎ: እቲ ናይ የሱስ ለውሃት ዝመልኦ ቃላትን ተግባራትን ነቲ ናይ ኣቦኡ ድንጋጽ: ምሕረት: ከምኡውን ፍቕሪ ኢዩ ዘንጸባርቕ።​—⁠ዮሃንስ 5:⁠19፣ 8:⁠28፣ 14:⁠9, 10

የሱስ ንዝናስሑ ሓጥኣን ዕረፍቲ ዘምጽኣሎም ብኸመይ ኢዩ፧ ንኣምላኽ ንምሕጓስ ኣብ ዝገብርዎ ልባዊ ጻዕሪ ሓጐስን ዕግበትን ንኽረኽቡ ብምሕጋዝ ኢዩ። ጳውሎስ ንቅቡኣት ክርስትያናት ብጾቱ ክጽሕፈሎም ከሎ ከምዚ ብምባል ነቲ ኵነታት ኣጠቓለሎ:- “ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ: ብዅሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር: ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይኽእል ሊቀ ኻህናት የብልናን እሞ: ብሰማያት ዝሐለፈ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት: የሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዚህልወና: ምእማንና ነጽንዕ። ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቅበል: ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ: ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።”​—⁠እብራውያን 4:⁠14-16

‘ብግዜ ጸበባ ረድኤት’

ከም ከቢድ ሕማም: ዝደቍስ ናይ ገበን ስምዒት: ክቱር ተስፋ ምቝራጽ: ከምኡውን ጭንቀት ዝኣመሰለ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኰይኑ ዝስምዓና ጸገማት ከጓንፈና ኸሎ እንታይ ኢና ክንገብር እንኽእል፧ ነቲ የሱስ ባዕሉ ኵሉ ግዜ ዝተኣማመነሉ ዝነበረ ክቡር መሰል ዝዀነ ምድላው ናይ ጸሎት ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ቅድሚ እታ ህይወቱ ምእንታና ዝኸፈለላ ለይቲ “ኣጽኒዑ ይልምን ነበረ። ረሃጹ ኸኣ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ።” (ሉቃስ 22:⁠44) እወ: የሱስ ንኣምላኽ ኣጽኒዕካ ክትልምን ከሎኻ ከመይ ከም ዝስምዓካ ይፈልጥ ኢዩ። ‘ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ናብቲ ኻብ ሞት ከድሕኖ ዝከኣሎ: ጸሎትን ምህልላን ምስ ኣቕረበ: ብዛዕባ ንኣምላኽ ምፍራሁ ተሰምዐ።’​—⁠እብራውያን 5:⁠7

ደቅሰብ ‘ክስምዑን’ ክበራትዑን ክሳዕ ክንደይ ከም ዝደልዩ የሱስ ይፈልጥ ኢዩ። (ሉቃስ 22:⁠43) ብተወሳኺ: “ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኸም ዚህበኩም: . . . እብለኩም አሎኹ። . . . ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን: ለምኑ ኽትረኽቡ ድማ ኢኹም” ኢሉ ተማባጺዑልና ኢዩ። (ዮሃንስ 16:⁠23, 24) ስለዚ: ነቲ የሱስ ሒዝዎ ዘሎ ስልጣንን ዋጋ በጅነታዊ መስዋእቱን ኣብ ክንዳና ንኽጥቀመሉ ኣምላኽ ከም ዝፈቕደሉ ብምትእምማን ክንልምኖ ንኽእል ኢና።​—⁠ማቴዎስ 28:⁠18

የሱስ በቲ ኣብ ሰማይ ዘለዎ ዓቕሚ ኣብ ግቡእ ግዜኡ እቲ ዝግባእ ሓገዝ ከም ዝህብ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ሓጢኣት ድሕሪ ምፍጻምና ካብ ልብና እንተ​ድኣ ተጣዒስና በቲ “ጠበቓ ኣብ ኣቦ አሎና: ንሱ የሱስ ክርስቶስ: እቲ ጻድቕ: እዩ” ዝብል መረጋገጺ ክንጸናናዕ ንኽእል ኢና። (1 ዮሃንስ 2:⁠1, 2) እቲ ኣብ ሰማይ ዝርከብ ሓጋዚናን መጸናንዒናን ነቲ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ተሰማሚዕና ብስሙ ዝጸለናዮ ጸሎት ንኽምለሰልና ክልምነልና ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 14:⁠13, 14፣ 1 ዮሃንስ 5:⁠14, 15

ነቲ ክርስቶስ ዝህበና ሓገዝ ሞሳ ምርኣይ

ንኣምላኽ ብወዱ ኣቢልካ ካብ ምልማን ንላዕሊ ኢዩ ዘድሊ። “ክርስቶስ” ብበጅነታዊ መስዋእቱ ገይሩ ስለ ‘እተሻየጠና’: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ እቲ ንዓሌት ደቅሰብ “እተሻየጦም ጐይታ” ኰይኑ ኣሎ። (ገላትያ 3:⁠13፣ 4:⁠5፣ 2 ጴጥሮስ 2:⁠1) ነቲ ክርስቶስ ዝገበረልና ነገር ዘሎና ሞሳ ከነርኢ እንኽእል ወናኒና ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ ከምኡውን ነቲ “ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደሊ: ነፍሱ ይቕበጽ: መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ ይስዐበኒ” ብምባል ዘቕረበልና ዕድመ ብሓጐስ ምላሽ ብምሃብ ኢዩ። (ሉቃስ 9:⁠23) ‘ነፍስኻ ምቕባጽ’ ክበሃል ከሎ ወናኒኻ ከም እተቐየረ ብኣፍካ ምዝራብ ጥራይ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ “ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንታኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር: ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ: ንሱ [ክርስቶስ] ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ።” (2 ቈረንቶስ 5:⁠14, 15) ስለዚ: ነቲ በጅነት ዘሎና ሞሳ ኣብ ኣረኣእያናን ሸቶታትናን ኣነባብራናን ዓሚቝ ጽልዋ ኣለዎ። ነቲ ‘ነፍሱ በጃና ዘሕለፈ የሱስ ክርስቶስ’ ዘሎና ዘለኣለማዊ ሞሳ: ብዛዕባኡን ብዛዕባ እቲ ፈቃር ኣቦኡ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽን ዝያዳ ንኽንማሃር ድራኸ ከሕድረልና ኣለዎ። ኣብ እምነትና ዕቤት ከነርኢ: በቲ ጠቓሚ ዝዀነ ናይ ኣምላኽ ስርዓታት ክንነብር: ከምኡውን ‘ንሰናይ ግብሪ ክንቀንእ’ ባህጊ ከነሕድር ኣሎና።​—⁠ቲቶስ 2:⁠13, 14፣ ዮሃንስ 17:⁠3

እቲ ኣብ ግቡእ ግዜኡ ዝወሃብ መግቢ: ምትብባዕ: ከምኡውን መምርሒ በታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቢልና ኢና እንረኽቦ። (ማቴዎስ 24:⁠45-47፣ እብራውያን 10:⁠21-25) ንኣብነት: ሓደ ሰብ ብመንፈሳዊ መገዲ እንተ​ድኣ ሓሚሙ “ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ።” ቀጺሉ ያእቆብ ከምዚ ብምባል የረጋግጸልና:- “እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ: ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ።”​—⁠ያእቆብ 5:⁠13-15

ንመረድኢ: ሓደ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተፈሪዱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ሰብኣይ “ንዅሎም እቶም ንሰባት ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽቐርቡ ብምሕጋዝ ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ እተጀመረ ሰናይ ዕዮ ክፍጽሙ ዝጽዕሩ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ዘለዎ ሞሳ ብምግላጽ ንሓደ ናይ ጉባኤ ሽማግለ ጸሓፈሉ። ቀጺሉ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ደብዳበኻ ምስ ተቐበልኩ ኣዝየ ኢየ ተሓጒሰ። ንመንፈሳዊ ድሕነተይ ዘሎካ ሓልዮት ኣጸቢቑ ተንኪፉኒ ኢዩ። ነቲ የሆዋ ኣምላኽ ንነስሓ ዝገበሮ ጻውዒት ክስዕብ ንኽጅምር ዝበለጸ ምኽንያት ኰይኑኒ ኢዩ። ን27 ዓመታት ብናይ ሓጢኣት ደልሃመት: ምትላል: ዘይሕጋዊ ጕዳያት: ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ተግባራት: ከምኡውን ብኣጠራጣሪ ሃይማኖታት ክዕንቀፍን መገደይ ክስሕትን ጸኒሐ ኢየ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድሕሪ ምፍላጠይ ግን ኣብ መወዳእትኡ ነታ ቕንዕቲ መገዲ ከም ዝረኸብኩ ይስምዓኒ ኣሎ! ካብ ሕጂ ንደሓር ብእኣ ክመላለስ ጥራይ ኢዩ ዘሎኒ።”

ድሕሪ ሓጺር እዋን ዝርከብ ዝያዳ ሓገዝ

ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተባላሸወ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ዓለም ኵነታት: ኣብቲ ቅድሚ “ብርቱዕ ጸበባ” ምጅማሩ ዘሎ ወሳኒ እዋን ንነብር ከም ዘሎና ዝሕብር ንጹር መርትዖ ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ: ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ቋንቋታትን እተኣከቡ ዓቢ ጭፍራ ‘ንኽዳውንቶም ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም የጻዕድዉ ኣለዉ።’ (ራእይ 7:⁠9, 13, 14፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5) ኣብቲ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ እምነት ብምግባሮም: ሓጢኣቶም ይቕረ ይበሃለሎም ኣሎ ከምኡውን ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ንኽገብሩ​—⁠አረ ኣዕሩኽቱ እውን ንኽዀኑ​—⁠ይሕገዙ ኣለዉ።​—⁠ያእቆብ 2:⁠23

እቲ ገንሸል የሱስ ክርስቶስ ነቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝደሓኑ ‘ክጓስዮምን ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ክመርሖምን ኢዩ። ኣምላኽ እውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኽደርዘሎም ኢዩ።’ (ራእይ 7:⁠17) ድሕርዚ: ክርስቶስ ከም ሊቀ ኻህናት መጠን ዘለዎ ሓላፍነት ክፍጽም ኢዩ። ኵሎም ኣዕሩኽ ኣምላኽ ካብ “ዔላታት ማይ ህይወት” ምሉእ ብምሉእ: ማለት ብመንፈሳውን ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስምዒታውን መዳያት ክጥቀሙ ኢዮም። የሱስ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ዝጀመሮን ኣብ ሰማይ ኰይኑ ዝቐጸሎን ነገር ሽዑ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ክውዳእ ኢዩ።

ስለዚ: ነቲ ኣምላኽን ክርስቶስን ዝገበሩልናን ዝገብሩልና ዘለዉን ነገር ዓሚቝ ሞሳኻ ካብ ምርኣይ ኣይተቋርጽ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ይምሕጸነና ኢዩ:- “ብጐይታ ዅሉ ሳዕ ተሐጐሱ: . . . ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ክሕልዎ እዩ።”​—⁠ፊልጲ 4:⁠4, 6, 7

ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ሓጋዚና የሱስ ክርስቶስ ሞሳኻ እትገልጸሉ ኣገዳሲ መገዲ ኣሎ። ረቡዕ 19 ሚያዝያ 2000 ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ክርስቶስ ዝኽሪ ሞት ንምብዓል ክእከቡ ኢዮም። (ሉቃስ 22:⁠19) እዚ ነቲ ኣብ በጅነታዊ መስዋእቲ ክርስቶስ ዘሎካ ሞሳ ንምዕማቝ ኣጋጣሚ ክኸፍተልካ ኢዩ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ንኽትእከብ ከምኡውን ኣምላኽ ብክርስቶስ ኣቢሉ ዝገበሮ ዘደንቕ ምድላው ናይ ድሕነት ብኸመይ ንዘለኣለም ክጠቕመካ ከም ዝኽእል ንኽትሰምዕ ተዓዲምካ ኣሎኻ። እቲ ልክዕ ቦታን ግዜን ናይዚ ፍሉይ ኣኼባ ንምፍላጥ በጃኻ ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቲትካ ኣረጋግጽ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንኣምላኽ ኣጽኒዕካ ክትልምን ከሎኻ ከመይ ከም ዝስምዓካ ይፈልጥ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ክርስቶስ ነቲ ንበይንና ዝኸብደና ጸገማት ንኽንዋጽኣሉ ክሕግዘና ኢዩ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ክርስቶስ በቶም ፈቃራት ሽማግለታት ገይሩ ይሕግዘና ኢዩ