ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ደቅሰብ ሓጋዚ ዝደልዩሉ ምኽንያት

ደቅሰብ ሓጋዚ ዝደልዩሉ ምኽንያት

ደቅሰብ ሓጋዚ ዝደልዩሉ ምኽንያት

 ሓደ ትዕቢተኛን ሕሱምን ዝነበረ ሰብኣይ “ሰጓጕን ገፋዕን ነይረ” ብምባል ተኣመነ። ነቶም ንኣምላኽ ዝፈርሁ ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ከየናሕሰየ ዘጨንቕን ዘጥቅዕን ተጻራፊ ሰብ ኢዩ ነይሩ። እንተ​ዀነ ግን: “ምሕረት ረኸብኩ” ብምባል ብሞሳ ተዛረበ። እዚ ዘይእመን ዝመስል እኳ እንተ​ዀነ: እዚ ሕሱም ሰጓጒ እዚ እቲ እሙን ክርስትያን ዝዀነ ሃዋርያ ጳውሎስ ኢዩ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 1:⁠12-16፣ ግብሪ ሃዋርያት 9:⁠1-19

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከምቲ ጳውሎስ ዝፈጸሞ ነገራት ኣይገበረን። ገና ግን ኵላትና ናይ ኣምላኽ ስርዓታት ካብ ምምላእ ንሰንፍ ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም” ኢዮም። (ሮሜ 3:⁠23) ብተወሳኺ: ምናልባት ምሕረት ኣምላኽ ዝግብኣና ኣይኰነን ዝብል ስምዒት ስለ ዝሓድረና ብቐሊሉ ብተስፋ ምቝራጽ ክንዕብለል ንኽእል ኢና። ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ሓጥእ ዝንባለታቱ ከስተንትን ከሎ “ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ: ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒ እዩ፧” ኢሉ ተዛረበ። ነዚ ሕቶኡ ባዕሉ ክምልስ ከሎ ኸኣ “ንኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ” በለ።​—⁠ሮሜ 7:⁠24, 25

ሓደ ጻድቕ ፈጣሪ ምስ ሓጥኣን ርክብ ክህልዎ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ (መዝሙር 5:⁠4) ነቲ ጳውሎስ “ንኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ” ዝበሎ ኣስተውዕለሉ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ካልእ ምሕረት ኣምላኽ ዝረኸበ ሰብ ድማ ከምዚ ኢሉ ገለጸ:- “ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተሎ: ጠበቓ [“ሓጋዚ:” NW  ] ኣብ ኣቦ አሎና: ንሱ የሱስ ክርስቶስ: እቲ ጻድቕ: እዩ። ንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ እዩ: ብናይ ሓጢኣት ኵላ ዓለም ድማ እዩ እምበር: ብናይ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን።”​—⁠1 ዮሃንስ 2:⁠1, 2

የሱስ ክርስቶስ “ሓጋዚ ኣብ ኣቦ” እተባህለ ስለምንታይ ኢዩ፧ ናይ ሓጢኣት “መተዓረቒ” ዝዀነኸ ብኸመይ ኢዩ፧

ሓጋዚ ዘድልየሉ ምኽንያት

የሱስ ‘ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኸሕልፍ’ ኢሉ ኢዩ ናብ ምድሪ ዝመጸ። (ማቴዎስ 20:⁠28) በጃ ክበሃል ከሎ ንሓደ ሰብ ወይ ነገር መሊስካ ንምዕዳጉ ወይ ከኣ ሓራ ንምውጽኡ ዝኽፈል ዋጋ ኢዩ። እታ ግሲ ናይታ “በጃ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቃል ምሽፋን ወይ ንሓጢኣት ምትዕራቕ ዝብል ሓሳብ ኢያ እተመሓላልፍ። (መዝሙር 78:⁠38) እታ ኣብ ከም ማቴዎስ 20:⁠28 እትርከብ ናይ ግሪኽ ቃል ብፍላይ ናይ ውግእ ምሩኻት ወይ ባሮት ሓራ ንምውጻእ ዝኽፈል ዋጋ ኢያ እተመልክት። እቲ ዝድለ ፍትሒ ምእንቲ ክህሉ: ሓደ ነገር ንምርካብ ምስኡ ዝመዓራረ ዋጋ ይኽፈል ኢዩ።

እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ ኣንጻር ኣምላኽ ስለ ዝዓለወ ደቅሰብ ኣብ ትሕቲ ባርነት ኰኑ። ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 3 ተገሊጹ ኸም ዘሎ እቲ ፍጹም ሰብኣይ: ኣዳም: ንየሆዋ ኣምላኽ ዘይምእዛዝ መረጸ። ከምዚ ብምግባሩ: ገዛእ ርእሱን ነቶም ገና ዘይተወልዱ ዝነበሩ ዘርኡን ንባርነት ናይ ሓጢኣትን ሞትን ሸጠ። ስለዚ: ኣዳም ንገዛእ ርእሱን ንዘርኡን ውህበት ናይ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ኣጥፍአ።​—⁠ሮሜ 5:⁠12, 18, 19፣ 7:⁠14

ኣብ ጥንታዊት እስራኤል: ኣምላኽ ምስቶም ሓጥኣን ንምትዕራቕ ወይ ሓጢኣቶም ንምሽፋን ናይ እንስሳታት መስዋእቲ ኣዳለወ። (ዘሌዋውያን 1:⁠4፣ 4:⁠20, 35) በዚ ኸምዚ ህይወት ናይቲ እተሰውአ እንስሳ ኣብ ክንዲ እቲ ሓጢኣተኛ ይወሃብ ነበረ። (ዘሌዋውያን 17:⁠11) ስለዚ ድማ: እታ “መዓልቲ ዕርቂ:” “መዓልቲ በጃ” ኢልናውን ክንጽውዓ ንኽእል ኢና።​—⁠ዘሌዋውያን 23:⁠26-28

ይኹን እምበር: እንስሳታት ካብ ሰባት ዝተሓቱ ስለ ዝዀኑ “ደም ኣብዑርን ድቤላታትን [ምሉእ ብምሉእ] ሓጢኣት ኬርሕቕ ኣይከአሎን እዩ።” (እብራውያን 10:⁠1-4) እቲ ዝቐርብ መስዋእቲ ንምትዕራቕ ወይ ንሓዋሩ ሓጢኣት ንምርሓቕ እኹል ዋጋ ምእንቲ ክህልዎ ማዕረ እቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ፍትሓዊ ምእንቲ ክኸውን ምስቲ ፍጹም ሰብኣይ (ኣዳም) ዘጥፍኦ ነገር ማዕረ ዝዀነ ፍጹም ሰብኣይ (የሱስ ክርስቶስ) የድሊ። ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ዘለዎ ጥራይ ኢዩ ንዘርኢ ኣዳም ካብቲ ቀዳማይ ኣቦኦም ዝሸጦም ባርነት በጃ ብምኽፋል ሓራ ከውጽኦም ዝኽእል። ሓቀኛ ፍትሒ ክግበር እንተ​ድኣ ዀይኑ “ነፍሲ ኣብ ክንዲ ነፍሲ” ክወሃብ ኣለዎ።​—⁠ዘጸኣት 21:⁠23-25

ኣዳም ሓጢኡ ንሞት ክፍረድ ከሎ: እቶም ዘይተወልዱ ዘርኡ ገና ኣብ ሕቘኡ ኢዮም ነይሮም: ስለዚ ምስኡ ሞይቶም ኢዮም። እቲ ፍጹም ሰብኣይ የሱስ: “እቲ ዳሕራይ ኣዳም:” ብፍቓዱ ቈልዑ ኣይወለደን። (1 ቈረንቶስ 15:⁠45) ፍጹም ሰብ ኰይኑ ክስዋእ ከሎ ዘይተወልዱ ዘርኢ ኣብ ሕቘኡ ነበርዎ። ስለዚ: እቶም ካብ ሕቘኡ ክወጹ ዝኽእሉ ዝነበሩ ደቅሰብ ምስኡ ሞይቶም ክበሃል ይከኣል ኢዩ። የሱስ ነቲ ሓጢኣተኛን መዋትን ስድራ​ቤት ኣዳም ከም ስድራ​ቤቱ ገይሩ ወሰዶ። ናይ ገዛእ ርእሱ ስድራ​ቤት ናይ ምምስራት መሰሉ ኣይተጠቕመሉን። የሱስ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወቱ ብምስዋእ ንዅሎም ካብ ኣዳም እተወልዱ ደቅሰብ ስድራ​ቤቱ ክዀኑ ዓደጎም: እዚ ድማ “ኣቦ ዘለኣለም” ከም ዝኸውን ገበሮ።​—⁠ኢሳይያስ 9:⁠6, 7

በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ነቶም እዙዛት ደቅሰብ ምሕረት ኣምላኽን ዘለኣለማዊ ህይወትን ንኽረኽቡ መገዲ ኸፈተሎም። በዚ መሰረት እዚ: ሃዋርያ ጳውሎስ “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ: ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 6:⁠23) ምስዚ በጅነት ብእተተሓሓዘ መገዲ ንየሆዋ በቲ ዘርኣየና ፍቕርን ድንጋጸን ክንውድሶ ንድረኽ ኢና፣ እዚ በጅነት እዚ ንዕኡን ነቲ ፍቑር ወዱን ክቡር ዋጋ ከም ዝኸፍሉ ገይርዎም ኢዩ። (ዮሃንስ 3:⁠16) የሱስ ሰማያዊ ህይወት ሒዙ ምስ ተንስአን ዋጋ ናይ መስዋእታዊ በጅነቱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ምስ ኣቕረበን “ሓጋዚ ኣብ ኣቦ” ከም ዝዀነ ኣረጋጊጹ ኢዩ። a (እብራውያን 9:⁠11, 12, 24፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠18) ሕጂ ግን የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ሓጋዚና ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ምዕራፍ 4ን 7ን ርአ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት የሱስ ዘርኢ ኣዳም ንምብጃው ዘድሊ ዋጋ ኰነ