ሎሚ መንፈስ ኣምላኽ ብኸመይ ኢዩ ዝዓዪ፧
ሎሚ መንፈስ ኣምላኽ ብኸመይ ኢዩ ዝዓዪ፧
ካብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትሒዙ ኣእጋሩ ዝሞተ ኢዩ ነይሩ። ካብቶም ናብቲ ቤት መቕደስ ዝኣትዉ ምጽዋት ምእንቲ ኽልምን ኣብታ ጽብቕቲ እትበሃል ደገ ቤት መቕደስ ኮፍ ይብል ነበረ። ሓደ ግዜ ግን እዚ ስንኩል ለማኒ እዚ ካብ ሒደት ሰናቲም ኣዝዩ ዝበልጽ ነገር ተመጽወተሉ። ካብ ስንክልንኡ ዘናግፍ ነገር ኢዩ ተገይርሉ!—ግብሪ ሃዋርያት 3:2-8
‘ኣእጋሩ ምእንቲ ኽጸንዓ’ ብኢዱ ሒዞም ‘ዘተስእዎ’ ሃዋርያ ጴጥሮስን ዮሃንስን ኢዮም ነይሮም: እንተዀነ ግን በቲ ዝፈጸምዎ ናይ ምሕዋይ ግብሪ ክምጐሱ ኣይደለዩን። ስለምንታይ ኢዮም ዘይደለዩ፧ ጴጥሮስ ባዕሉ ብዛዕባ እዚ ኽገልጽ ከሎ ከምዚ በለ:- “ኣቱም ሰብ እስራኤል: ንምንታይ በዚ ትግረሙ፧ ብገዛእ ሓይልና ወይስ ብጽድቅና ነዚ ኪኸይድ ከም ዝገበርናዮስ: ንምንታይ ንኣና ትጥምቱ አሎኹም፧” ብርግጽ: ከምዚ ዝኣመሰለ ግብሪ ክፍጽሙ ዝኸኣሉ ብሓይሎም ዘይኰነስ ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ምዃኖም ጴጥሮስን ዮሃንስን ይግንዘቡ ነይሮም ኢዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 3:7-16፣ 4:29-31
ኣብቲ እዋን እቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ‘ሓይሊ’ ዝወሃብ ዝነበረ: እታ ውልዶ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ደገፍ ኣምላኽ ከም ዝነበራ ንምርኣይ ኢዩ። (እብራውያን 2:4) ዕላምኡ ምስ ወድአ ግን “ኺሰዐር” ምዃኑ ሃዋርያ ጳውሎስ ገሊጹ ኣሎ። a (1 ቈረንቶስ 13:8) ስለዚ ድማ ኢና ሎሚ ኣብታ ሓቀኛ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝዀነ ይኹን መለኮታዊ ምሕዋይ: ትንቢታዊ መልእኽትታት: ወይ እውን ምውጻእ ኣጋንንቲ ዘይንርኢ።
ከምዚ ክበሃል ከሎ ግን ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይዓይን ኢዩ ዘሎ ማለት ድዩ፧ ብፍጹም! እስከ ነቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ይኹን ሕጂ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ንጡፍ ኰይኑ ዝዓየሉ ዘሎ ገለ መገድታት ንዳህስስ።
“መንፈስ ሓቂ”
ሓበሬታ ምሃብ: መንፈሳዊ ብርሃን ከም ዝበርህ ምግባር: ከምኡውን ሓቂ ከም ዝንጽር ምግባር ሓደ ዕዮ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ። የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ ብምባል ነገሮም:- “ዝነግረኩም ብዙሕ ካልእ ዘረባ ገና አሎኒ: ግናኸ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና: . . . ናብ ኵሉ [ሓቂ] ኪመርሓኩም እዩ።”—ዮሃንስ 16:12, 13
“መንፈስ ሓቂ” ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ፈሲሱ፣ ሽዑ እቶም ኣብ የሩሳሌም ኣብ ላዕላይ ደርቢ ናይ ሓደ ህንጻ ተኣኪቦም ዝነበሩ 120 ደቀ መዛሙርቲ ብመንፈስ ቅዱስ ተጠምቁ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4) ሃዋርያ ጴጥሮስ ሓደ ኻብቶም ኣብቲ ዓመታዊ በዓል እተረኽቡ ኢዩ ነይሩ። መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ ድማ ‘ተንስአ’ እሞ ንገለ ብዛዕባ የሱስ ዝገልጽ ሓቅታት ብሰፊሑን ብንጹርን ተዛረበሉ። ንኣብነት: “የሱስ ብዓል ናዝሬት” ብኸመይ “ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል” ከም ዝበለ ኣዘንትዩ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:14, 22, 33) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ “ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ የሱስ: ንእኡ ጐይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮ: ብዘላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ” ኢሉ ብትብዓት ንኣይሁዳውያን ሰማዕቱ ክነግሮም መንፈስ ኣምላኽ ንጴጥሮስ ደሪኽዎ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:36) ከም ውጽኢት ናይዚ ጴጥሮስ ብመንፈስ ተደሪኹ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ድማ “ዘረባኡ ባህ ኢልዎም እተቐበሉ” ከምኡውን እተጠምቁ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰባት ነበሩ። በዚ ኸምዚ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ንሰባት ናብ ሓቂ ኣብ ምምራሕ ሓጊዙ ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:37-41
ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ከም መምህርን መዘኻኸርን ኰይኑ እውን ዓይዩ ኢዩ። የሱስ “እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ: መንፈስ ቅዱስ: ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም: ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ” በለ።—ዮሃንስ 14:26
መንፈስ ቅዱስ ከም መምህር ኰይኑ ክዓዪ ዝኸኣለ ከመይ ገይሩ ኢዩ፧ መንፈስ ኣምላኽ ነቲ ካብ የሱስ ሰሚዖምዎ ዝነበሩ ግን መሊኦም ዘይተረድእዎ ነገራት ንኽግንዘቡ ኣእምሮ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸም ዝኽፈት ገይሩ ኢዩ። ንኣብነት: የሱስ ተታሒዙ ኸሎ ነቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ይሁዳ ዝነበረ ጶንጥዮስ ጲላጦስ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” ኢሉ ኸም ዝነገሮ እቶም ሃዋርያት ዮሃንስ 18:36፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:6) ሃዋርያት ንትርጕም ቃላት የሱስ ክሳዕ እቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ዝፈሰሰሉ ግዜ መሊኦም ምርዳእ ዝሰኣንዎ ኢዩ ዝመስል።
ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። እንተዀነ ግን: የሱስ ምስ ዓረገ ድሕሪ 40 መዓልቲ እውን እንተዀነ እቶም ሃዋርያት ግጉይ ግምት ነይርዎም ኢዩ፣ እታ መንግስቲ ኣብዚ ኣብ ምድሪ እትቐውም ይመስሎም ነበረ። (መንፈስ ኣምላኽ ነቲ የሱስ ዝመሃሮ እተፈላለየ ትምህርትታት እንደገና ናብ ኣእምሮኦም ከም ዝመጽእ ብምግባር መዘኻኸሪ ኰይኑ እውን ዓይዩ ኢዩ። ንኣብነት: እቲ ብዛዕባ ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ እተዋህበ ትንቢታት ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ሓድሽ ትርጕም ክረክብ ክኢሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 16:21፣ ዮሃንስ 12:16) ሃዋርያት ንትምህርትታት የሱስ ክዝክሩ ምኽኣሎም ብዛዕባ እቲ ሒዞምዎ ዝነበሩ ኣቕዋም ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ፈረድትን ናይ ሃይማኖት መራሕትን ብትብዓት ከም ዝጣበቑ ገይርዎም ኢዩ።—ማርቆስ 13:9-11፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:5-20
ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ንቐዳሞት ክርስትያናት ናብ ፍርያም ዞባ ኣገልግሎት ብምምራሕ ሓጊዝዎም ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:6-10) ብተወሳኺ እውን መንፈስ ኣምላኽ ምእንቲ ጥቕሚ ዅሎም ደቅሰብ ኣብ ዕዮ ምጽሓፍ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽሳተፉ ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ደሪኽዎም ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ብግልጺ ክንርእዮ ከም እንኽእል እምበኣር መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ብእተፈላለየ መገድታት ንጡፍ ኰይኑ ይዓዪ ነይሩ ኢዩ። ተኣምራት ንምፍጻም ጥራይ ኣይኰነን ዝወሃብ ነይሩ።
መንፈስ ቅዱስ ኣብ ግዜና
መንፈስ ቅዱስ ኣብዚ ግዜና እውን ንደገፍ ሓቀኛታት ክርስትያናት ክዓዪ ኢዩ ጸኒሑ። እዚ ንሓንቲ ኣብ ኣለጌኒ: ዮሃንስ 8:32፣ 16:13
ፔንሲልቫንያ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነበረት ንእሽቶ ጕጅለ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ኻልኣይ መፋርቕ ናይ መበል 19 ዘመን ጋህዲ ኰይኑ ኢዩ። እዞም ህርኩታት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣቶም “ንሓቂ” ኽፈልጡዋ ሃረር ኢዮም ዝብሉ ነይሮም።—ሓደ ኣባል እዚ ጕጅለ እዚ ዝነበረ ቻርለስ ቴዝ ራስል: ብዛዕባ እቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኽገልጽ ከሎ “ንልበይን ኣእምሮይን ካብ ዝዀነ ይኹን ከይመርመርካ ብጌጋ ናይ ምፍራድ ስምዒት ናጻ ንምግባሩን መንፈሱ ናብቲ ቅኑዕ ምርዳእ ምእንቲ ክመርሓንን . . . ጸልየ ኢየ” ብምባል ተዛሪቡ ኢዩ። ኣምላኽ ነዚ ብቕንዕና ዝቐረበ ጸሎት እዚ ባሪኽዎ ኢዩ።
ራስልን ብጾቱን ንቕዱሳት ጽሑፋት ብህርኩትና ምስ መርመርዎ: ብዙሕ ነገራት ብሩህ ኰነሎም። “እቲ ንዘመናት ዝኣክል እተፈላለያ ኣንቈራታትን ጕጅለታትን ሒዘናኦ ዝጸንሓ ሰረተ-እምነታት መጽሓፍ ቅዱስ: ይውሓድ ይብዛሕ ሰብኣዊ ግምታትን ጌጋታትን እተሓወሶ ዀይኑ ኢና ረኺብናዮ” ብምባል ራስል ገሊጹ ኢዩ። እዚ ኸኣ ከምቲ ራስል ባዕሉ ዝገለጾ “ግጉይ ኣወዓዕላ ሓቂ” ኣማዕበለ። እወ: ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት በቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመናት ናብ ህዝበ-ክርስትያን ልሒኹ ዝኣተወ ኣዝዩ ብዙሕ ኣረማዊ ትምህርትታት ተቐቢሩ ነይሩ ኢዩ። ራስል ግን ንሓቂ ኽፈልጣን ክእውጃን ቈሪጹ ኢዩ ነይሩ።
ራስልን ብጾቱን ብመጽሔት ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛን ህላወ ክርስቶስ ዝእውጅ ነጋሪትን ገይሮም ብትብዓት ነቲ ንኣምላኽ ዘጸልም ናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ ሰረተ-እምነታት ኰኒኖምዎ ኢዮም። ነፍሲ መዋቲት ምዃና: ከም ውጽኢት እዚ ድማ ምስ ሞትና ናብ መቓብር ከም እንኸይድ: ከምኡውን የሆዋ እቲ እንኮ ሓቀኛ ኣምላኽ ደኣ እምበር ክፍሊ ናይ ስላሴ ከም ዘይኰነ ከስተውዕሉ ክኢሎም ኢዮም: እቲ ከስተውዕልዎ ዝኸኣሉ ነገራት ከኣ ኣንጻር እቲ ህቡብ ዝዀነ ሃይማኖታዊ እምነታት ኢዩ ነይሩ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ንሓሶት ትምህርትታት ናይ ምቅላዕ ተግባር ግን ንቤተ-ክህነት ህዝበ-ክርስትያን ከም ዘቘጥዖ ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ። ብዙሓት ኣቕሽሽቲ ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ነቲ ንኻልኦት ጽልዋ ናይ ምግባር ቦታኦም ኣደልዲሎም ንምሓዝ ካብ ዝነበሮም ክቱር ድሌት እተላዕለ: ንራስል ንምውራድ ዝዓለመ ወፈራታት ወዲቦም ኢዮም። ንሱን ብጾቱን ግን ተስፋ ኣይቈረጹን። መንፈስ ኣምላኽ መሪሕነቱ ንኽህቦም ምሉእ እምንቶ ነይርዎም ኢዩ። “እቲ ብመድሓኒናን መንጎኛናን ርእስናን ዝዀነ የሱስ ዝውሃብን ብእኡ ኣቢሉ ዝለኣኽን . . . ናይቲ ሰማያዊ ኣቦ መንፈስ ቅዱስ: መምህርና ከም ዝኸውን ናይ ጐይታና መረጋገጺ ኢዩ” ብምባል ራስል ተዛረበ። ብርግጽ ድማ መንፈስ ቅዱስ ምሂሩ ኢዩ! እዞም ቅኑዓት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣቶም ነቲ ጽሩይ ማይ ሓቂ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስታዮም ቀጺሎም ኢዮም: ኣብ መላእ ዓለም ድማ ኣዊጆምዎ ኢዮም።—ራእይ 22:17
ዘመናዊት ማሕበር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንልዕሊ ሓደ ዘመን መመላእታ: ንመሪሕነት ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ቅልጡፍ ምላሽ ክትህበሉ ጸኒሓ ኣላ። መንፈስ የሆዋ ነቲ መንፈሳዊ ምስትውዓል እቶም መሰኻኽር በብቝሩብ ብርሃን እናወሰኸሉ ብዝኸደ መጠን: ንሳቶም ምስቲ ሓድሽ ምርዳእ ንምስምማዕ እቲ ዘድሊ ምትዕርራይ ብፍታው ይገብሩ ኢዮም።—ምሳሌ 4:18
“ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም”
የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና: ሓይሊ ኽትቅበሉ: . . . ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” ኢሉ ኽዛረቦም ከሎ: ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ዝግለጸሉ ተወሳኺ ካልእ መገዲ ግብሪ ሃዋርያት 1:8) እቲ ኣምላኽ ክፍጸም ዝደልዮ ዕዮ ንምዕማም ዘኽእል “ሓይሊ” ከምኡውን “መንፈስ ቅዱስ” ንደቀ መዛሙርቱ ክመልኦም ምዃኑ የሱስ ዝኣተዎ መብጽዓ ኣብዚ ግዜ እዚ እውን ተፈጻምነት ኣለዎ።
ኢዩ ዝሕብር ነይሩ። (ብደረጃ ጕጅለ ክረኣዩ ኸለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ዝገብርዎ ንጥፈታት ስብከት ኣጸቢቖም ፍሉጣት ኢዮም። (ሳጹን ተመልከት።) ብርግጽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብዛዕባ እታ ሓቂ ዝገልጽ መልእኽቲ ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራትን ደሴታትን ይነግርዎ ኣለዉ። ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት: እንተላይ ኣብቲ ብውግእ ዝዓኑ ዘሎ ኸባቢታት ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ብምእታው ንመንግስቲ ኣምላኽ ንምድጋፍ ብትብዓት ድምጾም ዓው ኣቢሎም ይጭድሩ ኣለዉ። እቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ዘርእይዎ ቅንኢ: መንፈስ ቅዱስ ኣብዚ ግዜ እዚ ይዓዪ ኸም ዘሎ ድልዱል መርትዖ ኢዩ። የሆዋ ኣምላኽ ንጻዕርታቶም ይባርኾ ኸም ዘሎ እውን ንጹር ኢዩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ንኣብነት: ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዝኸውን ሰዓታት ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ተወፍዩ ኢዩ። ከመይ ዝበለ ውጽኢትከ ተረኽበ፧ ገለ 323,439 ዝዀኑ ሰባት ህይወቶም ንኣምላኽ ከም ዝወፈዩ ንምርኣይ ብማይ ተጠሚቖም ኢዮም። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ 4,433,884 ሰሙናዊ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ሓደስቲ ተገደስቲ ሰባት ተኻይዱ ኢዩ። ኵሉምሉ: 24,607,741 መጻሕፍቲ: 631,162,309 መጽሔታት: ከምኡውን 63,495,728 ብሮሹራትን ንኣሽቱ መጻሕፍትን ተዓዲሉ ኢዩ። እዝስ መንፈስ ኣምላኽ ይዓዪ ኸም ዘሎ ዘርኢ ከመይ ዝበለ ድልዱል መርትዖ ዀን ኢዩ!
መንፈስ ኣምላኽን ንስኻን
ሓደ ውልቀ-ሰብ ነቲ ብስራት ብኣወንታ እንተድኣ መሊሱሉ: ኣነባብራኡ ምስ መለክዒታት ኣምላኽ እንተድኣ ኣሰማሚዑ: ከምኡውን ኣብቲ ናይ በጅነት ምድላው እምነት እንተድኣ ገይሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽሩይ ኣቕዋም ንኽህልዎ እቲ መገዲ ርሑው ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ‘ኣምላኽ መንፈስ ቅዱሱ ከም ዝህቦም’ ይገልጽ።—1 ተሰሎንቄ 4:7, 8፣ 1 ቈረንቶስ 6:9-11
መንፈስ ኣምላኽ ዘሎካ ምዃን ብዙሕ ሰናይ በረኸታት ዘምጽእ ኢዩ። እንታይ ዓይነት በረኸታት፧ ብዛዕባ ሓደ ኻብቲ በረኸታት: እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል:- “እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ይአኽለኒ ምባል እዩ።” (ገላትያ 5:22, 23) ስለዚ እምበኣር: ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ንሰናይ ዘበለ ዝድርኽ ብርቱዕ ሓይሊ ኢዩ፣ እዚ ንሓደ ሰብ ኣምላኻዊ ባህርያት ከንጸባርቕ የኽእሎ።
ኣብ ርእሲ እዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብን ነቲ ዝፈለጥካዮ ኣብ ግብሪ ተውዕልን እንተድኣ ዄንካ: መንፈስ ኣምላኽ ብጥበብ: ፍልጠት: ምስትውዓል: ከምኡውን ብናይ ምምዝዛንን ምሕሳብን ክእለት ክትዓቢ ከኽእለካ ኢዩ። ንጉስ ሰሎሞን ኣብ ክንዲ ንሰብ ንኣምላኽ ከሐጕስ ድሌት ስለ ዝነበሮ “ኣዝዩ ብዙሕ ጥበብን ምስትውዓልን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑጻ ዝምርሓቡ ልብን” ተዋህቦ። (1 ነገስት 4:29) የሆዋ ንሰሎሞን መንፈስ ቅዱስ ካብ ሃቦ እምበኣር: ብርግጽ ነዞም ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዉ ከሐጕስዎ ዝደልዩ ሰባት ኣይነፍጎምን ኢዩ።
ክርስትያናት ንሰይጣንን ኣጋንንትን: ነዚ ኣገባብ እዚ: ከምኡውን ኣንጻር እዚ ሓጥእ ስጋና ዘምጽኦ ዝንባለታት ክቃወሙ እውን ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ይሕግዞም ኢዩ። እዚ ኸመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል፧ ሃዋርያ ጳውሎስ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ብምባል ይምልስ። (ፊልጲ 4:13) መንፈስ ቅዱስ ጸገማትን ፈተናታትን ኣይኣልየልካን ይኸውን፣ ንኽትጻወሮ ግን ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ። ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ትውክልቲ ብምግባር እቲ ንዝዀነ ይኹን ጸገምን ጭንቀትን ክንዋጽኣሉ ዝሕግዘና “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ክንረክብ ንኽእል ኢና።—2 ቈረንቶስ 4:7፣ 1 ቈረንቶስ 10:13
ንዅሉ መርትዖታት ኣብ ግምት እንተድኣ ኣእቲኻዮ: ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣብዚ ዘለናሉ ግዜ ይዓዪ ኸም ዘሎ ኣይክትጠራጠርን ኢኻ። የሆዋ ብዛዕባ እቲ ዓበይቲ ዕላማታቱ ንምምስካር ንኣገልገልቱ ብመንፈሱ የሐይሎም ኢዩ። እቲ መንፈሳዊ ብርሃን ምብርሁ ከም ዝቕጽል ክገብር ኢዩ: ከምኡውን ንፈጣሪና እሙናት ኴንና ንኽንጸንሕ ዘድልየና ሓገዝ ብምሃብ እምነትና ከደልድለልና ኢዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣምላኽ ንእሙናት ኣገልገልቱ መንፈስ ቅዱስ ብምሃብ መብጽዕኡ ስለ ዝሓለወ ኣዚና ኸነመስግኖ ንኽእል ኢና!
[እግረ-ጽሑፍ]
a ነታ ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 1971 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 501-5 “ተኣምራታዊ ውህበታት እቲ መንፈስ ዘቋረጸ ስለምንታይ ኢዩ፧” እትብል ዓንቀጽ ርአ።
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ሳጹን]
ካልኦት ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብልዎ
“ካልኦት ኣብያተ-ክርስትያን ንኸም ግብሪ ሰዶም ከምኡውን ምንጻል ጥንሲ ዝኣመሰለ ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ገኒኑ ዘሎ ኣከራኻሪ ጕዳያት ንምብዳህ ኣማኸርቲ ክቘጽራ ኸለዋ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ነዚ ዝለዋወጥ ዘሎ ኵነታት ዓለም ኣይለማመጥሉን ኢዮም። ገና ሕጂውን ናይ ስብከት ጐስጓሳቶም ኣብ መላእ ምድሪ የካይዱ ኢዮም ዘለዉ።”—ናይ ኣውራጃ ኦሬንጅ: ካሊፎርንያ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካዘ ኦሬንጅ ካውንቲ ሬጂስተር
“ብዛዕባ እምነት ምስፋሕ ዝመጸ ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር . . . ዝበለ ውዕዉዕ ስምዒት ዘለወን ጕጅለ ሃይማኖታት ውሑዳት ኢየን።”—ናይ ኮሎምበስ: ኢንድያና: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘ ሪፓብሊክ
“ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ካብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድ ‘ነቲ ብስራት’ ዘብጽሕዎ ንሳቶም ጥራይ ኢዮም።”—ዡኪ ሊተራስኪ: ፖላንድ
“ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሳዕ ሕጂ ካብ እተኻየደ እቲ ዝበለጸ ወፈራታት ስብከት ገይሮም ንመልእኽቲ የሆዋ ኣብ መላእ ዓለም ኣብጺሖምዎ ኢዮም።”—ኒውስ-ኦብዘርቨር: ታማክዋ: ፔንሲልቫንያ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ መንፈሳዊ ብርሃን ይህበና:
. . . ሰናይ ዝዀነ ክርስትያናዊ ባህርያት ከም ዝዕምብብ ይገብር:
. . . ኣብቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ይድግፈና