ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓደ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣብኡ ክትህልዉ ዲኹም፧

ሓደ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣብኡ ክትህልዉ ዲኹም፧

ሓደ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣብኡ ክትህልዉ ዲኹም፧

 ቅድሚ 3,500 ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ሓንቲ ዘይትርሳዕ መዓልቲ የሆዋ ኣምላኽ ንዅለን ኣብ ግብጺ ባሮት ዝነበራ እስራኤላውያን ስድራ​ቤታት ገንሸል ወይ ድቤላ ሓሪደን ደሙ ኣብ ቀዋሚ ልዳትን ላዕላይ ልዳትን ናይ ኣባይተን ከም ዝለኽያኦ ገበረ። በታ ምሸት እቲኣ: መልኣኽ ኣምላኽ ነተን እዚ ምልክት እዚ እተገብረለን ኣባይቲ ሓለፈን: ንዅሎም ኣብ ኣባይቲ ግብጻውያን ዝነበሩ በዅሪ ኣወዳት ግን ቀተለ። ድሕርዚ: እስራኤላውያን ሓራ ወጹ። ኣይሁድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ነታ እዚ ፍጻመ እዚ ዝዀነላ መዓልቲ ፋስጋ የብዕሉ ነበሩ።

የሱስ ክርስቶስ ንመወዳእታ ግዜ ምስ ሃዋርያቱ ፋስጋ ምስ ኣብዓለ: መዘከርታ ናይ መስዋእታዊ ሞቱ ዝኸውን መኣዲ ሰርዐ። ንሃዋርያቱ ዘይበዅዐ ቅጫ ሃቦም እሞ “እዚ ስጋይ እዩ: ውሰዱ: ብልዑ” በሎም። ድሕርዚ: ጽዋእ ወይኒ ሃቦም እሞ “እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ: ካብዚ ዅልኹም ስተዩ” በሎም። የሱስ “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” እውን ኢልዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 26:⁠26-28፣ ሉቃስ 22:⁠19, 20) ስለዚ: የሱስ ንሰዓብቱ ዝኽሪ ሞቱ ከብዕሉ ኣዚዝዎም ኢዩ።

ኣብዚ ዓመት እዚ በዓል ዝኽሪ ረቡዕ 19 ሚያዝያ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ክኽበር ኢዩ። ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ዝኽሪ እዚ ከምቲ የሱስ ዝኣዘዞም ገይሮም ምእንቲ ከብዕልዎ ኣብዛ ፍልይቲ ምሸት እዚኣ ክእከቡ ኢዮም። ምሳና ከም ተዓዘብቲ ክትሓብሩ ምዉቕ ዕድመ ነቕርበልኩም። እቲ ልክዕ ቦታን ግዜን ናይዚ ፍሉይ ኣኼባ ንምፍላጥ በጃኹም ነቶም ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቲትኩም ኣረጋግጹ።