ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ስዉር ኮድ ኣለዎዶ ኢዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ስዉር ኮድ ኣለዎዶ ኢዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ስዉር ኮድ ኣለዎዶ ኢዩ፧

 ቀዳማይ ሚኒስተር ይስሃቅ ራቢን ብ1995 ምስ ተቐትለ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣቢሉ: ሓደ ጋዜጠኛ ትንቢት ናይዚ ፍጻመ ኣብቲ በዅሪ ናይ እብራይስጢ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓገዝ ናይ ኮምፒዩተር ቴክኖሎጂ ከም ዝረኸቦ ገለጸ። እዚ ሚካኤል ድሮዝኒን ዝበሃል ጋዜጠኛ ልዕሊ ዓመት ዝኸውን ኣቐዲሙ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከጠንቅቖ ከም ዝፈተነ ግን ዝሰምዖ ከም ዘይረኸበ ጸሓፈ።

ካልኦት መጻሕፍትን ዓንቀጻትን እዚ ስዉር ኮድ እዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈ ብዘየወላውል መገዲ ከም ዘረጋግጽ ጽሒፈን ኣለዋ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኮድ ኣሎዶ ኢዩ፧ እዚ ስዉር ኮድ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ከም ዝነፈሶ እንኣምነሉ መሰረት ክዀነና ኣለዎዶ ኢዩ፧

ሓድሽ ሓሳብዶ ኢዩ፧

እዚ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ይርከብ ኢዩ ዝበሃል ስዉር ኮድ ሓድሽ ሓሳብ ኣይኰነን። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ቀንዲ ኣምር ናይቲ ካባላ ወይ ያታዊ ናይ ኣይሁድ ምስጢራውነት ኢዩ። ብመሰረት እቶም ናይ ካባላ መምህራን እቲ መሰረታዊ ትርጕም ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ: እቲ ናይ ሓቂ ትርጕሙ ኣይኰነን። ኣምላኽ ኣብ ናይ እብራይስጢ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ነፍሲ ወከፍ ፊደል ከም ምልክት ገይሩ ከም እተጠቕመሉ: ብግቡእ እንተ ተረዲእናዮ ድማ ዝበለጸ ሓቂ ከም ዝገልጸልና ኢዮም ዝኣምኑ። ከምቲ ኣረኣእያኦም እንተ ዀይኑ: ኣምላኽ ኣብ ኣእምሮኡ ፍሉይ ዕላማ ብምሓዝ ንነፍሲ ወከፍ ናይ እብራይስጢ ፊደልን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ቦታን ብመስርዕ ኣንቢርዎ ኢዩ።

ብመሰረት ሓደ ጀፍሪ ሳቲኖቨር ዝበሃል ተመራማሪ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኮድ: እዞም ናይ ኣይሁድ ምስጢራውነት ዝከታተሉ ሰባት እቲ ኣብ ዘፍጥረት ዝርከብ ጸብጻብ ፍጥረታት ዝገልጽ ናይ እብራይስጢ ፊደላት ዘደንቕ ስዉር ሓይሊ ከም ዝሓዘ ይኣምኑ ኢዮም። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ:- “ብሓጺሩ: ዘፍጥረት መግለጺ ጥራይ ኣይኰነን፣ ናይ ፍጥረት መሳርሒ ከምኡውን እቲ ኣብ ኣእምሮ ኣምላኽ ዘሎ ንድፊ ብኣካል እተገልጸሉ ኢዩ።”

ኣብ መበል 13 ዘመን ኣብ ሳራጎሳ: ስጳኛ ዝነብር ዝነበረ ባችያ ቤን ኣሼር ዝበሃል ናይ ካባላ ራቢ: ሓደ ክፋል ናይ ዘፍጥረት ከንብብ ከሎ ንነፍሲ ወከፍ መበል 42 ፊደል ብምልግጋብ እተገልጸሉ ገለ ስዉር ሓበሬታ ጸሓፈ። ብሓደ እተወሰነ ቍጽሪ ብተርታ ፊደላት እናዘለልካ ስዉር ሓሳባት ንምርካብ ዝግበር ፈተነ: መሰረት ናይዚ ዘመናዊ ኣምር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኮድ ኢዩ።

ኮምፒዩተራት ነዚ ኮድ “ይገልጻኦ”

ኮምፒዩተር ቅድሚ ምምሃዛ ወድሰብ በዚ ኸምዚ ገይርካ ንመጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምምርማር ክእለቱ ድሩት ኢዩ ነይሩ። ኣብ ነሓሰ 1994 ግን ሓንቲ ስታትስቲካል ሳይንስ እትበሃል ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) እቲ ኣብ ጀሩሳሌምስ ሄብሪው ዩኒቨርስቲ ዝሰርሕ አሊያሁ ሪፕስን ምስኡ ዝተሓባበሩ ተመራመርትን ዝበልዎ ዘደንጹ ነገራት ኣብ ዓምዳ ኣውጽአት። ንዅሉ እቲ ኣብ መንጎ ፊደላት ዘሎ ቦታ ብምልጋስን ኣብቲ ክፍሊ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ ዝዀነ ዘፍጥረት ዝርከብ ፊደላት ብማዕረ ብምዝላልን ስም ናይ 34 ውሩያት ራቢታት ከምኡውን ከም እተወልዱሉ ወይ ዝሞቱሉ ዕለት ዝኣመሰለ ካልእ ሓበሬታ ጥቓ እቲ ኣስማቶም ከም ዝረኸቡ ገለጹ። a እዞም ተመራመርቲ እዚኣቶም ብተደጋጋሚ ፈተነ ምስ ገበሩ እቲ ኣብ ዘፍጥረት ብመልክዕ ኮድ ተጻሒፉ ዘሎ ፊደላት ብኣሃዛዊ ጸብጻብ ክርአ ከሎ ብኣጋጣሚ ዝመጸ ኢዩ ክበሃል ከም ዘይከኣል: ኣብ ክንድኡስ ኣብ ዘፍጥረት ኰነ ኢልካ ብመልክዕ ኮድ ንኣሽሓት ዓመታት ተሓቢኡ ዝጸንሐ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ሓበሬታ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኢዩ ዝብል መደምደምታ ብጽሑፍ ሓቲሞም ኣውጽኡ።

ካብዚ ሜላ እዚ ተበጊሱ ጋዜጠኛ ድሮዝኒን ኣብተን ኣብ መጀመርታ ዝርከባ ሓሙሽተ መጻሕፍቲ ናይ እብራይስጢ መጽሓፍ ቅዱስ ስዉር ሓበሬታ ብምድላይ ናይ ገዛእ ርእሱ ፈተነ ገበረ። ብመሰረት ድሮዝኒን እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ 4,772 ፊደላት እናዘለለ ዝረኸበን ፊደላት ነታ ይስሃቅ ራቢን እትብል ስም ዘቝማ ኢየን። እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት በብ4,772 ፊደላት ምስ ተሰርዐ ስም ናይ ራቢን (ንትኹል ተጻሒፉ): በቲ ድሮዝኒን “ዝቐትል ቀታሊ” ኢሉ ዝተርጐማ መስመር ንጐኒ ተሰንጢቑ (ዘዳግም 4:⁠42 ንጋድም ተጻሒፋ) ርኣየ።

ከም ሓቂ እንተዀይኑ ግን ዘዳግም 4:⁠42 ብዛዕባ ከይፈለጠ ሰብ ዝቐተለ ቀታሊ ኢያ እትገልጽ። ስለዚ: ብዙሓት ሰባት እዚ ስነ⁠-​ፍልጠታዊ ዘይኰነ ኣገባብ ኣብ ዝዀነ ይኹን ጽሑፍ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ክትረኽበሉ ከም እትኽእል ብምግላጽ ነዚ ድሮዝኒን ከም ዝጥዕሞ ገይሩ እተጠቕመሉ ኣሰራርሓ ነቒፎሞ ኢዮም። ድሮዝኒን ግን ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ብድሆ ብምቕራብ ኣብ መርገጹ ጸኒዑ ኢዩ:- “እቶም ነቐፍተይ ብዛዕባ ቅትለት ናይ ሓደ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብታ ሞቢ ዲክ [እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ ልቢ ወለድ] ብኮድ መልክዕ ተጻሒፉ ምስ ረኸቡ: ሽዑ ክኣምኖም ኢየ።”

መንፈስ ከም ዝነፈሶ ዘረጋግጽ ድዩ፧

ኣብ ኣውስትራልያን ናሽናል ዩኒቨርሲቲ ኣብ ክፍሊ ኮምፒዩተር ሳይንስ ዝዓዪ ፕሮፌሰር ብረንዳን ማካይ: ነዚ ድሮዝኒን ዘቕረቦ ብድሆ ክገጥመሉ ወሰነ እሞ ብኮምፒዩተር ገይሩ ኣብቲ ናይ እንግሊዝኛ ጽሑፍ ናይ ሞቢ ዲክ ጽዑቕ ምምርማር ገበረ። b ማካይ በቲ ድሮዝኒን እተጠቕመሉ ሜላ ገይሩ ኢንድራ ጋንዲ: ጁንየር ማርቲን ሉተር ኪንግ: ጆን ኤፍ. ኬነዲ: ኣብርሃም ሊንከን: ከምኡውን ካልኦት ከም ዝቕተሉ ዝሕብር “ትንቢታት” ከም ዝረኸበ ሓበረ። ብመሰረት ማካይ: እታ ሞቢ ዲክ እትበሃል መጽሓፍ ይስሃቅ ራቢን ክቕተል ምዃኑ እውን “ተነብያ” ከም ዝነበረት ረኸበ።

ፕሮፌሰር ማካይን ተሓባበርቱን ነቲ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ ዘፍጥረት ብምምርማር እውን ናይ ሪፕስን ተሓባበርቱን ምርምር ዋጋ ኣልቦ ገይሮሞ ኢዮም። እቲ ውጽኢታት ካብ ምስቲ መንፈስ ዝነፈሶ ኮድ ንላዕሊ ምስ ናይቶም ተመራመርቲ ሜላን ኣቀራርባን ይተሓሓዝ ዝብል ክሲ ኣቕረቡሎም። እዚ ማለት ድማ እቲ ጭብጥታት ክገጣጠም ከሎ ብምርጫ ናይቶም ተመራመርቲ ኢዩ ዝግበር። ብዛዕባ እዚ ነጥቢ እዚ ናይ ምሁራት ክርክር ይቕጽል ኢዩ ዘሎ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ኮድ ኣብቲ “ኣብ ኵሉ ኣፍልጦ ዝረኸበ” ወይ “በዅሪ” ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ ኰነ ኢልካ ከም ዝሕባእ ተገይሩ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ክመጽእ ከሎ ካልእ ሕቶ ይለዓል ኢዩ። ሪፕስን ተመራመርቲ ብጾቱን “ብዅሉ ኣፍልጦን ተቐባልነትን ብዝረኸበ ጽሑፍ ናይ ዘፍጥረት” ገይሮም ምርምር ከም ዝገበሩ ኢዮም ገሊጾም። ድሮዝኒን ድማ “ኵሉ እቲ ሕጂ እንረኽቦ ብበዅሪ ቋንቋ እብራይስጢ እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱሳት ሓደ ዓይነት ኣሰራርዓ ፊደላት ኢዩ ዘለዎ” ኢሉ ጸሓፈ። እንተ​ዀነ ግን: ከምኡ ድዩ፧ ሎሚ “ኣብ ኵሉ ኣፍልጦ ዝረኸበ” ሓደ ናይ እብራይስጢ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኰነስ: ኣብ እተፈላለየ ናይ ጥንቲ ኢደ⁠-​ጽሑፍ እተመርኰሰ በብዓይነቱ ሕታማት ኢዩ ዘሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ እኳ እንተ ዘይተቐየረ: እዚ እተፈላለየ ኢደ⁠-​ጽሑፋት ግን ሓደ ዓይነት ኣሰራርዓ ፊደላት የብሉን።

ብዙሓት ናይ ሎሚ ትርጕማት: ሌኒንግራድ ኮዴክስ ዝበሃል ብ1000 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ እተቐድሐ ኢደ⁠-​ጽሑፍ እተመስረተ ኢዩ። እዚ ጽሑፍ እዚ ካብ እተማልአ መጽሓፍ ቅዱሳት እቲ ዝያዳ ዅሉ ጥንታዊ ዝዀነ ብቋንቋ እብራይስጢ እተዳለወ ናይ ማሶራውያን ኢደ⁠-​ጽሑፍ ኢዩ። ሪፕስን ድሮዝኒንን ግን ኮረን ዝበሃል ካልእ ጽሑፍ ኢዮም ተጠቒሞም። ሽሎሞ ስተርንበርግ ዝበሃል ሓደ ናይ ኦርቶዶክስ ራቢ ከምኡውን ኣብ ሃቫርድ ዩኒቨርስቲ ናይ ሕሳብ ክኢላ: ነቲ ናይ ሌኒንግራድ ኮዴክስ “ካብቲ ድሮዝኒን እተጠቕመሉ ሕታም ናይ ኮረን ኣብ ዘዳግም ጥራይ ብ41 ፊደላት ይፈላለ” ብምባል ገለጸ። እቲ ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት ቅድሚ 2,000 ዓመታት እተጻሕፈ ገለ ክፋላት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘ ኢዩ። እቲ ኣብዚ ጥቕላል እዚ ዘሎ ፊደላት ምስቲ ድሓር ብማሶራውያን እተጻሕፈ ክወዳደር ከሎ ብዙሕ ፍልልይ ኣለዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ኣደማምጻ ነጥብታት ዘይተማህዙ ስለ ዝነበሩ: ኣብ ሓድሓደ ጥቕላላት ኣደማምጻ ንምሕባር ገለ ገለ ፊደላት ብብዝሒ ተወሲኽዎ ኣሎ። ኣብ ገሊኡ ጥቕላላት ግን ዝወሓደ ፊደላት ኢዩ ዝርከብ። ኣብ መንጎ ኵሉ እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢደ⁠-​ጽሑፋት እተገብረ ምንጽጻር: ትርጕም ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ጥቕስታት ከም ዘይተተንከፈ ይሕብር። ይኹን እምበር: ኣብ መንጎ ሓንቲ ጥቕሲ ናይ ሓደ ኢደ⁠-​ጽሑፍን ናይ ካልእ ኢደ⁠-​ጽሑፍን ዘሎ ናይ ፊደላት ኣሰራርዓን ቍጽርን ከም ዝፈላለ እውን ብንጹር የርኢ ኢዩ።

እቲ ስዉር መልእኽቲ ይርከብ ኢዩ ኢልካ ዝግበር ምንዳይ: ፈጺሙ ኣብ ዘይተቐየረ ጥቕሲ ኢዩ ዝምርኰስ። እዚ ኮድ ናይ ሓቂ እንተ ዝኸውን ነይሩ: ናይ ሓንቲ ፊደል ምልዋጥ ጥራይ ነቲ መስርዕ​—⁠ከምኡውን ነይርዎ እንተ ዝኸውን ነቲ መልእኽቲ​—⁠ምሉእ ብምሉእ ምቐየሮ። ኣምላኽ ንመልእኽቱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዓቂብዎ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ከም ኣሰራርዓ ፊደል ንነዊሕ ዘመናት ንኸይልወጥ ምቍጽጻር ዝኣመሰለ ዘይጠቅም ነገራት ስለ ዘየጨነቖ ንነፍሲ ወከፍ ፊደል ከምታ ዝነበረታ ኣይዓቀባን። እዝስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስዉር መልእኽቲ ከም ዘየስፈረ ኣይሕብርንዶ፧​—⁠ኢሳይያስ 40:⁠8፣ 1 ጴጥሮስ 1:⁠24, 25

ስዉር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኮድ የድልየናዶ ኢዩ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ: መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ” ብምባል ብንጹር ጽሒፉ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16, 17) እቲ ንጹርን ትኽ ዝበለን መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትርድኦ ወይ ኣብ ግብሪ ንኸተውዕሎ ዘጸግም ኣይኰነን: እንተ​ዀነ ግን ብዙሓት ሰባት ዕሽሽ ምባሉ ኢዮም ዝመርጹ። (ዘዳግም 30:⁠11-14) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብግሁድ ተገሊጹ ዘሎ ትንቢታት: እቲ ጽሑፍ መንፈስ ኣምላኽ ከም ዝነፈሶ ንኽንኣምን ጽኑዕ መሰረት ይዀነና ኢዩ። c ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከም ኮድ ስዉር: ኣብ ኣተረጓጕማ ናይ ውልቀ⁠-​ሰብ እተመርኰሰ: ከምኡውን ‘ትርጉሙ ኻብ ርእሱ [“ብውልቂ እተበገሰ:” NW ] ኣይኰነን።’​—⁠2 ጴጥሮስ 1:⁠19-21

ሃዋርያ ጴጥሮስ “ነቲ ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሓይልን ምጽኣትን ክንነግረኩም ከሎና: . . . እተጣበብዎ ጽውጽዋያት ኣይሰዐብናን” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጴጥሮስ 1:⁠16) እዚ ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኮድ እተላዕለ ኣምር ምንጩ ካብ ናይ ኣይሁድ ምስጢራውነት ኢዩ: ‘ብጥበብ’ እተኣልመ ሜላ ብምጥቃም ከኣ ነቲ ንጹር ትርጕም ናይቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ይሸፋፍኖን ይጠዋውዮን። ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት እውን ባዕሉ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ስዉር ኣተሓሕዛ ብንጹር ይዅንኖ ኢዩ።​—⁠ዘዳግም 13:⁠1-5፣ 18:⁠9-13

መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ንምፍላጥ ክሕግዘና ዝኽእል ንጹር መልእኽትን መምርሕን ስለ ዝሓዘ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዘሐጕሰና! እዚ ብውልቂ እናተርጐምካን ብኮምፒዩተር እናተሓገዝካን ብእትረኽቦ ስዉር መልእኽትታት ገይርካ ብዛዕባ ፈጣሪና ንምፍላጥ ካብ ዝግበር ጻዕሪ ኣጸቢቑ ዝሓሸ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 7:⁠24, 25

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብ ቋንቋ እብራይስጢ: ኣሃዛት ብፊደላት ክውከሉ ይኽእሉ ኢዮም። ስለዚ: እዚ ዕለታት እዚ በቲ ኣብ ናይ እብራይስጢ ጥቕስታት ዘሎ ፊደላት ድኣ እምበር ብቍጽሪ ኣይኰነን ተወሲኑ።

b እብራይስጢ ኣድማጺ ፊደላት ዘይብሉ ቋንቋ ኢዩ። እቲ ኣንባቢ ምስቲ ሓፈሻዊ ትርጕም ናይቲ ጽሑፍ ኣሰማሚዑ ኣድማጺ ፊደላት ይሰዅዓሉ። እቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳብ ኣብ ግምት እንተ ዘይኣትዩ: ሓደ ቃል እተፈላለየ ኣድማጺ ፊደላት ብምስኳዕ ፈጺሙ እተፈልየ ትርጕም ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። እንግሊዝኛ ፍሉጥ ኣድማጺ ፊደላት ኣለዎ: ስለዚ ኣብዚ ቋንቋ እዚ በዚ ሜላ እዚ ገይርካ ናይ ቃላት ምድላይ ምግባር ኣዝዩ ኣጸጋምን ቀያድን ይገብሮ።

c መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ዝነፈሶ ምዃኑን ብዛዕባ ትንቢታቱን ዝያዳ ሓበሬታ እንተ​ድኣ ደሊኻ ነታ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ ዘርእስታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ብሮሹር ርአ።