ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ጥንቈላ ክትፈልጦ ዘሎካ ነገር

ብዛዕባ ጥንቈላ ክትፈልጦ ዘሎካ ነገር

ብዛዕባ ጥንቈላ ክትፈልጦ ዘሎካ ነገር

 ዘመናዊ ጥንቈላ እዚ ኢዩ ኢልካ ንምግላጹ ዘሸግር ኢዩ። እዚ ኸኣ እቶም ኣብዚ ተግባር እዚ ዝጽመዱ ሰባት ኣዝዮም ዝፈላለዩ ብምዃኖም ኢዩ። ማእከላይ ኰይኑ ዝመርሖም ኣካል ወይ ሰረተ⁠-​እምነት ወይ ናይ እምነት ሓድነት ዘምጽኣሎም ቅዱስ ጽሑፍ የብሎምን። ኣብ ዝስዕብዎ ልምድታት: ኣብ ኣወዳድባ: ኣብ ወግዒ: ከምኡውን ኣብ ከም ነየናይ ኣምላኽ ከኽብሩ ከም ዘለዎም ዝገብርዎ ምርጫታት እውን ፍልልያት ኣለዎም። ሓደ ጸሓፊ “ናይ ጥንቈላ ዓለም ንውልቀ⁠-​ሰባት ናይ ሓሳባት ‘ናጻ ናይ ዕዳጋ ቦታ’ ኢዩ ዝኸፍተሎም” ብምባል ርእይቶኡ ይገልጽ። ካልእ ጸሓፊ ድማ “መብዛሕትኦም ሰዓብቲ እተሓደሰ ኣረማውነት ዳርጋ ኣብ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይሰማምዑን ኢዮም” ብምባል ይዛረብ።

ንብዙሓት እዚ ምግርጫዋት እዚ ጸገም ኣይፈጥረሎምን ኢዩ። ሓንቲ ኣብ ዓውዲ ጥንቍልና ክኣትዉ ንዝደልዩ ሰባት ንምሕጋዝ እተዳለወት መምርሒት መጽሓፍ ከምዚ ትብል:- “ዝጋጮ ዝመስል ሓበሬታ እንተ​ድኣ ኣጋጢሙካ: ነቲ ሓበሬታ መርምሮ እሞ ነየናይ ክትጭብጥ ከም ዘሎካ ወስን። እቲ ብሃውሪ ኣብ ኣእምሮኻ ዝመጽኣልካ ምርዳእ ቅኑዕ ምዃኑ እመን። ብኻልእ ኣዘራርባ ነቲ ቕኑዕ ዝመስለካ ነገር ንምውሳን: ዝዀነ ይኹን ዝመረጽካዮ ወግዕን ብዛዕብኡ ዝገልጽ መምርሒ መጽሓፍን ክትስዕብ ትኽእል ኢኻ።”

ነቶም ሓቂ እንታይ ማለት ምዃኑ ዝፈልጡ ሰባት ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ምግርጫዋት ዘተሓታትት ኢዩ። ሓቂ: ኣብ ክውንነት እተመስረተ ጭብጢ ኢዩ። ሓደ ሰብ ብስምዒት ወይ ትጽቢት ስለ ዝገበረሉ ወይ ድማ ሓቂ ኢዩ ኢሉ ስለ ዝኣመነሉ ጥራይ ሓደ ነገር ሓቂ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ንኣብነት: ፈዋሶ ሓደ እዋን ንሓደ ነድሪ ሳምቡእ ዝሓዞ ሰብ ብህይወታ ዘላ ደርሆ ኣብ ክልተ ቘሪጽካ ኣብ ኣፍ ልቡ ብምግባር ከተሕውዮ ከም ዝከኣል ይኣምኑ ነበሩ። በዚ ሕክምና እዚ ክሓውዩ ከም ዝኽእሉ ብቕንዕና ዝኣመኑ ብዙሓት ሕሙማት ምንባሮም ኣየጠራጥርን ኢዩ። ይኹን እምበር: ኵሉ እቲ እምነቶምን ገይሮምዎ ዝነበሩ ተስፋን ምስቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕክምና ንነድሪ ሳምቡእ ከሕዊ ከም ዘይክእል ዝገልጽ ጭብጢ ዘየሳኒ ኢዩ ነይሩ። ሰባት ንሓቂ ኣይምህዝዋን ኢዮም: ንኽግንዘብዋ ግን ይጽዕቱ ኢዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ ንመንፈሳዊ ነገራት ዝምልከት ሓቂ ሒዙ ኸም ዘሎ ባዕሉ ይዛረብ ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ኣብቲ ናብ ኣቦኡ ዘቕረቦ ጸሎት “ቃልካ ሓቂ እዩ” ብምባል ገሊጹ ኣሎ። (ዮሃንስ 17:⁠17) ሃዋርያ ጳውሎስ “ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ኢዩ” ብምባል ኣስፊሩ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16 NW ) ብዙሓት ኣብ ጥንቈላ እተጸምዱ ሰባት ምስ እዚ ሓሳብ እዚ ኣይሰማምዑን ኢዮም። ኣብ ክንድኡስ መንፈስን መሪሕነትን ንምርካብ ኣብ ጽዉጽዋይን ጥንታዊ ሃይማኖታትን ስነ⁠-​ፍልጠታዊ ልቢ ወለዳትን ኢዮም ሃሰስ ዝብሉ። ይኹን እምበር: እንተ ወሓደ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብል ምምርማር ምኽንያታዊዶ ኣይምዀነን፧ ልዕሊ ዅሉ ድማ ቅዱስ መጽሓፍ ምዃኑ ዳርጋ ዓለም ብዓለሙ ኣፍልጦ ዝሃበሉ ኢዩ። ካብቶም ንመዋእላት ኣብ ህላወ ክጸንሑ ዝኸኣሉ ጥንታዎት ሃይማኖታውያን መጻሕፍቲ ሓደ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ንኽውዳእ 1,600 ዓመታት ኢዩ ወሲዱ: ኵሉ እቲ ሒዝዎ ዘሎ ትምህርትታት ንሓድሕዱ ዘሳኒ ኢዩ። እስከ ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ በቶም ጥንቈላ ዘስፋሕፍሑ ዝግለጽ ገለ ናይ ሓባር እምነታት ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ ትምህርትታት ነወዳድሮ።

ኣብቲ መንፈሳዊ ዓለም ዝነብር መን ኢዩ፧

ኣብቲ መንፈሳዊ ምርዳእ ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ዝለዓል መሰረታዊ ሕቶ ‘ኣብቲ መንፈሳዊ ዓለም ዝነብር መን ኢዩ፧’ ይብል። መብዛሕትኦም ዘመናውያን ጠንቈልቲ ሰዓብቲ ናይቲ ኣብ ባህርይ ዘተኵር ኣብ ብዙሓት ኣማልኽቲ ዘድህብ እምነት እኳ እንተዀኑ: ገሊኦም ዓቢ ግምት ዝወሃባ ኣደ ዝዀነት ኣንስተይቲ ኣምላኽ የምልኹ። ኣምልኾኦም ከኣ ነቲ ከም ድንግል: ኣደ: ከምኡውን እርጋን ዘርከባ ሰበይቲ ዀይና እትጻወቶ ሰለስተ ተራ የንጸባርቕ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ህይወት ዘሎ ቀንዲ ደረጃታት ዘመልክት ኢዩ። ቀርኒ ዘለዎ ኣምላኽ ከም ዘፍቅራ ድማ ይኣምኑ። ካልኦት ጠንቈልቲ ኸኣ ተባዕታይን ኣንስተይትን ኣምላኽ የምልኹ። ሓደ ጸሓፊ ከምዚ ይብል:- “ኣንስተይትን ተባዕታይን ኣምላኽ ነቲ ኣብ ባህርይ ዘሎ ኣንስታይን ተባዕታይን ሓይሊ ኸም ዝገልጹ ገይርካ ኢዮም ዝርኣዩ። ነፍሲ ወከፎም: ምስ ተወሃሃደ ኣብ ንሓድሕዱ ዝሰማማዕ ህይወት ከም ዝፍጠር ዝገብር ፍሉይ ጠባያት [ኣለዎም]።” ካልእ ደራሲት ድማ ከምዚ ብምባል ትጽሕፍ:- “ካብቶም ኣብ ጥንቈላ እትገብሮም ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝዀኑ ምርጫታት ሓደ ነቲ ምስኡ እናተሓባበርካ ክትዓዪ እትደልዮ ኣምላኽ (ተባዕታይ/ኣንስታይ) ንምሕራይ እትገብሮ ምርጫ ኢዩ። . . . ጥንቈላ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣምላኽ ንኽትሓርን ከተምልኽን ሓርነት ይህበካ ኢዩ።”

መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ እዚ ሓሳባት እዚ ኣይድግፎን ኢዩ። ቀንዲ ኣትኵሮ ናይቲ የሱስ ክርስቶስ ዝፍጽሞ ዝነበረ ኣገልግሎት ብዛዕባ እቲ ‘ንበይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ’ ዝዀነ የሆዋ ንኻልኦት ምምሃር ኢዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 17:⁠3) መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “እግዚኣብሄርሲ ዓብዪ እዩ: ብዙሕ ምስጉን ከኣ እዩ። ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ድማ ዜፍርህ እዩ። ኵሎም ኣማልኽቲ ኣህዛብሲ ጣኦታት እዮም።”​—⁠1 ዜና መዋእል 16:⁠25, 26

ብዛዕባ ድያብሎስከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ወብስተርስ ናይንዝ ኒው ኮልጀይት ዲክሽነሪ ዝበሃል ናይ እንግሊዝኛ መዝገበ⁠-​ቃላት ንጥንቈላ “ምስ ድያብሎስ ዝግበር ርክብ” ብምባል ይገልጾ። ሎሚ ካብቶም ኣብዚ ተግባር እዚ እተጸምዱ ነዚ መግለጺ እዚ ዝሰማምዓሉ ሰብ ክትረክብ ግን ኣጸጋሚ ኢዩ: ከመይሲ ንናይ ሰይጣን ድያብሎስ ህልውና ዘይኣምንሉ ብዙሓት ኢዮም። ሓንቲ “ልዑል መዓርግ ዘለዋን መራሒት ናይ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ኣየርላንድ ዘለዋ ኣገደስቲ ናይ ጠንቋሎ ጕጅለታት” ከም ዝዀነት ኣብ ጋዜጣ ዘ ኣይሪሽ ታይምስ (እንግሊዝኛ) እተገልጸት ጐርዞ ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ምኽንያት ትህብ:- “ድያብሎስ ከም ዘሎ ምእማን: ንክርስትና ምቕባል ማለት ኢዩ። . . . ኣምላኽ ኣብ ዘይብሉ ኣድማስ [ድያብሎስ] ክነብር ኣይክእልን ኢዩ።”

መጽሓፍ ቅዱስ: ድያብሎስ ከም ዘሎ የረጋግጽን ብመብዛሕትኡ በቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ስቓይን ህውከትን ተሓታቲ ምዃኑ ይገልጽን ኢዩ። (ራእይ 12:⁠12) የሱስ: ድያብሎስ ከም ዘሎ ምሂሩ ጥራይ ዘይኰነስ ከይፈለጥካ እውን ፍቓድ ድያብሎስ ከም እትፍጽም ኣርእዩ ኢዩ። ንኣብነት: እቶም ተመጻደቕቲ ዝነበሩ ናይ ቀዳማይ ዘመን መራሕቲ ሃይማኖት ደቂ ኣምላኽ ከም ዝዀኑን ፍቓድ ኣምላኽ ይገብሩ ኸም ዝነበሩን ገሊጾም ኢዮም። እቲ ኣብ ኣልባቦም ንዘሎ ከስተውዕል ዝኽእል ዝነበረ የሱስ ግን እቲ ዝብልዎ ዝነበሩ ሓቂ ኸም ዘይኰነ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። “ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም: እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም” ብምባል ብግልጺ ነጊርዎም ኢዩ። (ዮሃንስ 8:⁠44) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ እታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ራእይ: ድያብሎስ ‘ንብዘላ ዓለም የስሕታ ኸም ዘሎ’ ትገልጽ።​—⁠ራእይ 12:⁠9

ስራይ​—⁠ንሰናይ ግብሪ ዝውዕል መዳይ ኣለዎ ድዩ፧

ርግጽ ኢዩ ስራይ ወትሩ ምስ ጥንቈላ ክተሓሓዝ ጸኒሑ ኢዩ። a ብዙሓት ጥንታውያንን ዘመናውያንን ሰባት እቲ ብጠንቋሎ ዝዝውተር ስራይ ንኻልኦት ንምጕዳእ ተባሂሉ ከም ዝግበር ኢዮም ዝኣምኑ። ጠንቈልቲ ብስራይ ገይሮም ከቢድ ስቓይ ከምኡውን ሞት ከይተረፈ ከውርዱ ከም ዝኽእሉ ኢዩ ዝእመን። ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ጠንቋሎ ብኣዝዩ ብዙሕ ሽግራት እንተላይ ብሕማም: ሞት: ከምኡውን ዘራእቲ ብዘይ​ምፍራዩ ተሓተትቲ ምዃኖም ይንገር።

ሎሚ ዘለዉ ጥንቈላ ዘዘውትሩ ሰባት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ክስታት ይነጽግዎ ኢዮም። ሳሕቲ ክፉእ ተግባራት ዝፍጽሙ እኩያት ጠንቈልቲ ኸም ዘለዉ ኣፍልጦ ዝህቡ እኳ እንተዀኑ: መብዛሕትኦም ግን እቲ ዘዘውትርዎ ስራይ ረብሓታት ዘምጽእ ድኣ እምበር ከም ዘይጐድእ ኣርጊጾም ይዛረቡ ኢዮም። ሰዓብቲ ዊካ: እቲ ብስራይ ዝግበር ነገራት ኣብቶም ዘዘውትርዎ ሰለስተ ዕጽፊ ኰይኑ ከም ዝምለስ ይምህሩ: ከምኡ ምምሃሮም ከኣ ነቲ ብስራይ ዝመጽእ መዓት ክገትእ ዝኽእል ዝበለጸ ሜላ ኢዩ ይብሉ። ገዛእ ርእስኻ ንምክልኻል: ገዛ ክትቅይር ከሎኻ ቅድሜኻ ዝነበሩ ተኻረይቲ ካብ ዝሓደግዎም ጐዳእቲ ሓይልታት ናጻ ንምግባር: ንመስተፋቕር: ፍወሳን ጥዕናን ንምምጻእ: ካብ ስራሕ ንዘይምውጻእ: ከምኡውን ገንዘብ ንምጥራይ ዝግበር መዐንዘዝን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ናይቲ ሰናይ ግብሪ ዝበሃል ናይ ስራይ ኣብነታት ኢዮም። ጥንቈላ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝርጋሐ ዘለዎ መዳያት ክውዕል ዝኽእል ሓይሊ ስለ ዘለዎ እምበኣር: ህቡብነት እናረኸበ እንተ ኸደ ክገርመና የብሉን።

ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ሰናይን እኩይን ብምባል ዝፈላልዮ ስራይ የልቦን። ኣብቲ ንሙሴ እተዋህበ ሕጊ: ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዘለዎ ኣቕዋም ብንጹር ኣፍሊጡ ኢዩ። ‘ኣይተማርቱ’ ኢዩ ዝበለ። (ዘሌዋውያን 19:⁠26) ብተወሳኺ እውን “ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ ወይ ተራጋሚ: መናፍስቲ ዚጥይቕ . . . ኣባኻ ኣይረኸብ” ዝብል ነንብብ ኢና።​—⁠ዘዳግም 18:⁠10, 11

ስለምንታይ ኢዩ ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ፧ ነቲ ዝረብሓና ዘበለ ክሓርመና ስለ ዝደለየ ኣይኰነን። የሆዋ እዚ ሕግታት እዚ ንህዝቡ ዝሃቦም ስለ ዘፍቅሮምን ባሮት ፍርህን ማሪትን ክዀኑ ስለ ዘይደለዮምን ኢዩ። እወ: ንባሮቱ እቲ ዘድልዮም ነገራት ንኽሓትዎ ናብኡ ክቐርቡ ኢዩ ዝዕድሞም። ንሱ ምንጪ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን” ኢዩ። (ያእቆብ 1:⁠17) ሃዋርያ ዮሃንስ “ንትእዛዛቱ እንሕሉን ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ እንገብርን ስለ ዝዀንና: ነቲ እንልምኖ ዘበለ [ካብ ኣምላኽ] ንቕበል ኢና” ብምባል ንኣመንቲ ብጾት ኣረጋጊጽሎም ኢዩ።​—⁠1 ዮሃንስ 3:⁠22

ብዛዕባ እኩያት መናፍስቲኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧

ብዙሓት ጥንቈላ ዘዘውትሩ ሰባት ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ እኩያት መናፍስቲ ኸም ዘለዉ ዝገልጾ ሓሳብ ይሰማምዑ ኢዮም። ሓደ ጥንቈላ ዘስፋሕፍሕ ሰብኣይ ኣብ ሓደ ጽሑፍ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል የጠንቅቕ:- “መናፍስቲ ኣለዉ። ምስዚ ናትና ዝመሳሰል ብህያዋን ፍጡራት ኣብ ዝመልአ ዓለም ይነብሩ። . . . እቲ ‘ስርኤል’: ‘እኩይ መንፈስ’ ከምኡውን ‘ጋኔን’ ዝብል ስያመታት ብሓቂ ልክዕ ኢዩ። መናፍስቲ ኣዝዮም ሓያላት ኢዮም። እቶም ኣዝዮም ብልህታት ዝዀኑ መናፍስቲ  . . . ናብ ዓለምና (ሓደ ሰብ ንኽኣትዉ መገዲ እንተ​ድኣ ከርሕወሎም ክኢሉ) ንኽኣትዉ ክኢላታት ኢዮም። . . . ናብ ኣካላትኩም ክኣትዉ ይኽእሉ ኢዮም . . . ክቈጻጸርኹም ከም ዝኽእሉ እውን የርእዩ ኢዮም። ብርግጽ እዚ ምስቲ ብዛዕባ እቶም ኣጋንንቲ ከም ዝሓዝዎም ዝትርኽ ጥንታዊ ዛንታታት ብልክዕ ዝመሳሰል ኢዩ።”

ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ እዋናት: ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ሰባት ብእተፈላለየ መገዲ ይሳቐዩ ነይሮም ኢዮም። ገሊኣቶም ክዛረቡ ኣይክእሉን: ገሊኦም ዕዉራት: ገሊኦም ዓበድበድ ይብሉ: ገሊኦም ድማ ልዕለ⁠-​ሰብኣዊ ባህርይ ነበሮም። (ማቴዎስ 9:⁠32፣ 12:⁠22፣ 17:⁠15, 18፣ ማርቆስ 5:⁠2-5፣ ሉቃስ 8:⁠29፣ 9:⁠42፣ 11:⁠14፣ ግብሪ ሃዋርያት 19:⁠16) ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ብዙሓት ኣጋንንቲ ብሓንሳብ ኣብ ሓደ ሰብ እንተ​ድኣ ሰፊሮም: ነቲ ሰብ ብርቱዕ ስቓይ ይስምዖ ነበረ። (ሉቃስ 8:⁠2, 30) የሆዋ ንሰባት ካብ ጥንቈላ ይኹን ሽሕር ክርሕቁ እንተ ኣጠንቀቖም እምበኣር: ብርግጽ ብቕቡል ምኽንያት ኢዩ።

ኣብ ሓቂ እተመስረተት ሃይማኖት

ሎሚ ብዙሓት ናብ ጥንቈላ ዝስሓብሉ ዘለዉ ምኽንያት ዘይጓዳእን ልኡምን ባህርያውን ሃይማኖት ኰይኑ ስለ ዝስምዖም ኢዩ። ኣብ ገሊኡ ማሕበረሰባት ቅቡል እናዀነ ይኸይድ ኣሎ። ኣይፍራህን ኢዩ ዘሎ። አረ: ከም ተራ ነገር ኢዩ ዝርአ ዘሎ። ኣብቲ ሃይማኖታዊ ተጻዋርነት ንብዙሓት ስግንጢር ዝዀነ ነገራት ሓንጐፋይ ኢሎም ከም ዝቕበሉ ዝገብሮም ከባቢታት እውን ጥንቈላ ሰፊሕ ተቐባልነት ይረክብ ኣሎ።

ብርግጽ: ሃይማኖታት ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰብ ማዕሪኡ ሳእኒ ዝዕድግ ንድሌታቶም ዝሰማማዕ ኵነታት ንምሕራይ ዘኽእሎም ናጻ ዕዳጋ ኢየን ኰይነን ዘለዋ። በንጻሩ ግን የሱስ ብዛዕባ ክልተ ምርጫታት ጥራይ ኢዩ ተዛሪቡ። ከምዚ በለ:- “እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ: መገዳውን ገፋሕ እያ: እቶም ብእኣ ዚአትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ: መገዳውን ቀጣን እያ: እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም እሞ: በታ ጸባብ ደገ እተዉ።” (ማቴዎስ 7:⁠13, 14) እታ ዝሓረናያ መገዲ ክንወስድ ንኽእል ኢና። ዘለኣለማዊ ድሕንነትና ግና ኣብ ሓደጋ ስለ ዘሎ: እቲ እንገብሮ ምርጫ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። መንፈሳዊ ብርሃን ንምርካብ መገዲ ሓቂ ክንስዕብ ይግብኣና: እዛ መገዲ እዚኣ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኢያ እትርከብ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ቋንቋ እንግሊዝ: ገለ ሰባት ነቲ ኣብ መድረኽ ኴንካ ዝግበር ስራይ (magic) ካብቲ ኣብ ጥንቈላ ዝዝውተር ስራይ ንምፍላይ ነታ “magick” እትብል ቃል ይጥቀሙ። ኣብ ናይ 8 መስከረም 1993 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 26 ዘሎ “ምዝውታር ስራይ ጕድኣት ኣለዎ ድዩ፧” ዝብል ኣርእስቲ ተመልከት።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ሎሚ ንጥንቈላ ከም ጕድኣት ዘይብሉ ባህርያዊ ሃይማኖት ዝርእይዎ ብዙሓት ኢዮም

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ስራይ ወትሩ ምስ ጥንቈላ ኢዩ ዝተሓሓዝ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ጥንቈላ ዘዘውትሩ ሰባት ብዘይ​ፍላጥ ድዮም ፍቓድ ድያብሎስ ዝፍጽሙ ዘለዉ፧

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ መገዲ ሓቂ ይገልጽ ኢዩ