ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ትሕቲ ግፍዒ ናይ ናዚ እሙናትን ዘይፈርሁን

ኣብ ትሕቲ ግፍዒ ናይ ናዚ እሙናትን ዘይፈርሁን

ኣብ ትሕቲ ግፍዒ ናይ ናዚ እሙናትን ዘይፈርሁን

ኣብ 17 ሰነ 1946 ናይ ኔዘርላንድ ንግስቲ ዊልሄልሚና ንሓንቲ ኣብ ኣምስተርዳም ዝነበረት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስድራ​ቤት ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ለኣኸትላ። ዕላማ እቲ መልእኽቲ ነቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብኣባላት ናዚ እተቐትለ ያኮፕ ቫን ቤናኮም ዝበሃል ወዲ እታ ስድራ​ቤት ዘለዋ ኣድናቖት ንምግላጽ ኢዩ። ቅድሚ ሒደት ዓመታት: ቤት ምኽሪ ናይታ ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ኔዘርላንድ እትርከብ ከተማ ዱቲቸም ንሓደ ጐደና በርናርት ፖልማን ኢሉ ክሰምዮ ወሰነ: እዚ ስም እዚ ናይ ሓደ ኣብቲ ግዜ ውግእ እተቐትለ ናይ የሆዋ ምስክር ኢዩ።

 ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ናዚ ኣንጻር ያኮፕ: በርናርት: ከምኡውን ኣንጻር እቶም ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተላዕለ ስለምንታይ ኢዩ፧ እዞም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ እቲ ነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ ጭካነ ዝመልኦ መስጐጕቲ እሙናት ኰይኖም ንኽቕጽሉ ከምኡውን ኣብ መወዳእታ ናይ ደቂ ዓዶምን ናይታ ንግስትን ኣድናቖትን ክብርን ንኽረኽቡ ዘኽኣሎም እንታይ ኢዩ፧ ነዚ ንምፍላጥ ናይቲ ኣብ መንጎ እቶም ንእሽቶ ጕጅለ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን እቲ ገዚፍ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ስርዓት ናዝን ዘጋጠመ ናብ ግጭት ዳዊትን ጐልያድን ዘምርሐ ገለ ፍጻመታት ንርአ።

እጉዳት እንተ​ዀነ ግን ካብ ቀደሞም ንላዕሊ ንጡፋት

ኣብ 10 ግንቦት 1940 ሰራዊት ናዚ ንኔዘርላንድ ጐበጣ። እቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዝርጋሕ ዝነበረ ጽሑፋት ነቲ እከይ ተግባር ናዚ ዘቃልዕን ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝጣበቕን ስለ ዝነበረ: እቶም ኣባላት ናዚ ብኡንብኡ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደው ንምባል ጸዓሩ። ናዚ ንኔዘርላንድ ወሪሮም ምስ ሓዝዋ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም እተኣገዱ ዝገልጽ ምስጢራዊ ኣዋጅ ዘርግሑ። ኣብ 10 መጋቢት 1941: ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ኣንጻር መንግስትን ትካላት ኣብያተ⁠-​ክርስትያንን” ወፈራ የካይዱ ኣለዉ ብዝብል ክሲ ከም እተኣገዱ ሓደ ናይ ወረ ማዕከን ጸብጻብ ሃበ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብደቂቕ ክህደኑ ጀመሩ።

እቲ ዘገርም ግን: እቶም ዕሉላት ጌስታፖ ወይ ምስጢራዊ ፖሊስ ንዅለን ኣብያተ⁠-​ክርስትያናት ጽኑዕ ምክትታል ይገብሩለን እኳ እንተ ነበሩ: ብርቱዕ መስጐጕቲ ዝወረዳ ግን ሓንቲ ክርስትያናዊት ማሕበር ጥራይ ኢያ ነይራ። ኔዘርላንዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ዶክተር ሉዊ ዲ ዮንግ “እቲ ክሳዕ ሞት ዝበጽሕ ዝነበረ መስጐጕቲ ንሓንቲ ሃይማኖታዊት ጕጅለ ማለት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ኢዩ ዘጥቅዕ ነይሩ” ኢሉ ገለጸ።​—⁠ሀት ኮኒንግክራይክ ደር ኔደርላንደን ኢን ደ ትዌደ ቬረልዶርሎች (መንግስቲ ኔዘርላንድ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም)

እቶም ጌስታፖ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ምርካብን ምእሳርን ብናይ ኔዘርላንድ ፖሊስ ይሕገዙ ነበሩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ሓደ ብፍርሂ እተዋሕጠ ገያሺ ተዓዛቢ ከሓደ እሞ ነቶም ናዚ ብዛዕባ እቶም ኣመንቲ ብጾቱ ዝነበሩ ሰባት ሓበሬታ ይህቦም ነበረ። ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ 1941: 113 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣስሩ። እዚ ከቢድ መጥቃዕቲ ነቲ ዕዮ ስብከት ደው ኣቢልዎዶ ኢዩ፧

ናይዚ መልሲ ኣብቲ ኣብ ሚያዝያ 1941 ናይ ጀርመን ዝሽርሃይትስፖሊጻዪ (ናይ ጸጥታ ፖሊስ) ዘዳለዎ መልዱንገን ኡስ ደን ኔደርላንደን (ናይ ኔዘርላንድ ጸብጻብ) ዝብል ሰነድ ይርከብ ኢዩ። እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ይብል:- “እዞም እተኣገዱ ኣባላት ናይዚ ኣንቈራ ዘይሕጋዊ ኣኼባታት ብምግባርን ከም ‘ንመሰኻኽር ኣምላኽ ምስጓጕ ገበን ኢዩ’ ከምኡውን ‘የሆዋ ነቶም ሰጐጕቲ ብዘለኣለማዊ ጥፍኣት ክቐጽዖም ኢዩ’ ዝኣመሰለ ጭርሖታት ዘለዎ ጽሑፋት ብምልጣፍን ኣብ ብምልእታ እዛ ሃገር ሓያል ንጥፈታት የካይዱ ኣለዉ።” ድሕሪ ክልተ ሰሙን እዚ ምንጪ እዚ “እቲ ኣንጻር ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብናይ ጸጥታ ፖሊስ ዝውሰድ ጽኑዕ ስጕምቲ እናሓየለ እኳ እንተኸደ: እቲ ንጥፈታቶም ግን ብቐጻሊ ይውስኽ ኣሎ” ብምባል ጸብጻብ ሃበ። እወ: እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ማእሰርቲ ከጋጥሞም ይኽእል እኳ እንተ ነበረ ዕዮኦም ግን ኣየቋረጹን፣ ብ1941 ጥራይ እኳ ልዕሊ 350,000 ጽሑፋት ንህዝቢ ዓደሉ!

እዞም ሒደት ግን ከኣ እናወሰኹ ዝኸዱ ዝነበሩ ብሒደት ኣማእታት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ዘፍርሁ ጸላእቶም ብትብዓት ንኽገጥሙ ዘኽኣሎም እንታይ ኢዩ፧ ልክዕ ከምቲ እሙን ዝነበረ ናይ ጥንቲ ነብዪ ኢሳይያስ: ንኣምላኽ ድኣ እምበር ንሰብ ኣይፈርሁን ኢዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣብቲ የሆዋ ንኢሳይያስ “ኣነ: ኣነ እየ ዘጸናንዓኩም: ንስኻኸ ካብዚ መዋቲ ሰብ . . . እትፈርህሲ መን ኢኻ፧” ብምባል ዝሃቦ መረጋገጺ ድልዱል እምንቶ ነበሮም።​—⁠ኢሳይያስ 51:⁠12

ዘይምፍርሖም ክብሪ ከም ዝረኽቡ ገይርዎም

ኣብ መወዳእታ 1941 ቍጽሪ ናይቶም እተኣስሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ 241 ደየበ። ሒደት ግን ንሰብ ፈሪሆም ኢዮም። ሓደ ዕሉል ኣባል ናይ ጀርመን ምስጢራዊ ፖሊስ ዝዀነ ቪሊ ላገስ “90 ሚእታዊት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነ ይኹን ነገር ምቅላዕ ኣብዮም ኢዮም: ካብ ካልኦት [ሃይማኖታዊ] ጕጅለታት ግን ንኸይለፋለፉ ጽንዓት ዝነበሮም ኣዝዮም ሒደት ሚእታዊት ጥራይ ኢዮም” ኢሉ ምዝራቡ ተጠቒሱ ኣሎ። ሓደ ምስ ገለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣሲሩ ዝነበረ ዮሃነስ ጀይ. ቡስከስ ዝበሃል ኔዘርላንዳዊ ቀሺ እተዓዘቦ ነገር ምስዚ ላገስ ዝበሎ ይሰማማዕ ኢዩ። ብ1951 ቡስከስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:-

“ኣብቲ ግዜ እቲ: በቲ ዝነበሮም ትውክልትን ብርታዐ እምነትን ኣብኣቶም ዓቢ ኣኽብሮት ሓደረኒ። ነቲ ብዛዕባ ውድቀት ሂትለርን ሳልሳይ ራይኽን ዝንበ ፓምፍለት ዝዓደለ ዕድሚኡ ካብ 19 ዓመት ንላዕሊ ዘይከውን መንእሰይ ፈጺመ ኣይርስዖን ኢየ። . . . ንኸምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ከም ዘቋርጾ እንተ ዝመባጻዕ ነይሩ ኣብ ውሽጢ መንፈቕ ምተፈትሐ ነይሩ። ነዚ ኣትሪሩ ተቓወሞ እሞ ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝርከብ ናይ ሸቕሊ ደምበ ክሰርሕ ተፈርዶ። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣጸቢቕና ንፈልጥ ነይርና ኢና። ንጽባሒቱ ንግሆ ክነቅል ከሎ ምስ ተሰናበትናዮ: ብዛዕብኡ ከም እንሓስብን እንጽልየሉን ነገርክዎ። ንሱ ኸኣ ‘ብዛዕባይ ኣይትጨነቕ። መንግስቲ ኣምላኽ ብርግጽ ክትመጽእ ኢያ’ ኢሉ መለሰለይ። ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝምህርዎ ነገራት ዝዀነ ይኹን ተቓውሞ እውን እንተሎካ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ኣይትርስዖን ኢኻ።”

እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጭከና ዝመልኦ ምጽራር እኳ እንተ ኣጋጠሞም ቍጽሮም ግን እናወሰኸ ይኸይድ ነበረ። ቀቅድሚ ካልኣይ ውግእ ዓለም 300 ኣቢሎም ነበሩ: ብ1943 ቍጽሮም ናብ 1,379 ደየበ። እቲ ዘሕዝን ግን: ክሳዕ መወዳእታ ናይታ ዓመት ካብቶም ልዕሊ 350 ዝዀኑ ተኣሲሮም ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር 54 ኣብ እተፈላለየ መዳጐኒ ደምበታት ሞቱ። ብ1944 ካብ ኔዘርላንድ እተኣስሩ 141 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ እተፈላለየ መዳጐኒ ደምበታት ነበሩ።

እታ ናይ መወዳእታ ዓመት ናይ ናዚ መስጐጕቲ

ድሕሪ እታ ዲ ደይ ተባሂላ እትፍለጥ 6 ሰነ 1944: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመወዳእታ ግዜ ዝስጐጉላ ዓመት መጸት። ናዚን ተሓባበርቶምን ወተሃደራዊ ስዕረት የጋጥሞም ነበረ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ኣባላት ናዚ ንንጹሃት ክርስትያናት ካብ ምህዳን የቋርጹ ኢዮም ኢልካ ይሕሰብ ይኸውን። እንተ​ዀነ ግን: ኣብታ ዓመት እቲኣ ካልኦት 48 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣሲሮም: ካብቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ኸኣ 68 ሞቱ። ሓደ ካብኣቶም እቲ ኣቐድም ኣቢሉ እተጠቕሰ ያኮፕ ቫን ቤናኮም ኢዩ።

እቲ ወዲ 18 ዓመት ዝነበረ ያኮፕ ካብቶም ብ1941 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምዃን እተጠምቁ 580 ሰባት ሓደ ኢዩ ነይሩ። ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሐ ስርሑ ንክርስትያናዊ ገለልትነቱ ከም ዝለማመጥ ዝገብሮ ስለ ዝነበረ ዘኽስብ እኳ እንተ ነበረ ሓደጎ። ተለኣኣኺ ኰይኑ ክዓዪ ጀመረ: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ድማ ኰነ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት እናጓዓዓዘ ከሎ ተታሕዘ እሞ ተኣስረ። ኣብ ነሓሰ 1944 ሽዑ ወዲ 21 ዓመት ዝነበረ ያኮፕ ኣብታ ኣብ ከተማ ሮተርዳም እትርከብ ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ ንስድራ​ቤቱ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም:-

“ኣነ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ኢየ ዘለኹ: ምሉእ ሓጐስ ድማ ኣለኒ። . . . ክሳዕ ሕጂ ኣርባዕተ ግዜ መርመራ ተገይሩለይ። እተን ናይ መጀመርታ ክልተ ኣዝየን ከበድቲ ኢየን ነይረን: ብዙሕ ከኣ ተቐጥቂጠ: እንተ​ዀነ ግን ብሓይልን በቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነትን ጐይታ ክሳዕ ሕጂ ንዋላ ሓደ ኣየቃላዕኩን። . . . ኣብዚ ብድምሩ ሽዱሽተ ዝርርብ ሂበ ኣለኹ: ጠቕላላ ሰማዕቲ ድማ 102 ነይሮም። ገለ ካብዚኣቶም ጽቡቕ ተገዳስነት ኣርእዮም: ምስ ተፈትሑ ብኡንብኡ ከም ዝቕጽልዎ ኸኣ ተማባጺዖም ኣለዉ።”

ኣብ 14 መስከረም 1944 ያኮፕ ናብቲ ኣብ ሆላንድ እትርከብ ከተማ ኣመርስፉርት ዝነበረ መዳጐኒ ደምበ ተወስደ። ኣብኡ እውን ከይተረፈ ስብከቱ ቀጸለ። ብኸመይ፧ ሓደ ኣብኡ ተኣሲሩ ዝነበረ ሰብ ከምዚ ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ:- “እቶም እሱራት ነቲ እቶም ሓለውቲ ዝደርበይዎ መዓኮር ሽጋራ ብምእራይ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ገጻት ከም ናይ ሽጋራ ወረቐት ገይሮም የትክኽዎ ነበሩ። ሓድሓደ ግዜ ያኮፕ ዝገበረ ገይሩ ካብቲ ትምባኾ ንምጥቕላል ዝጥቀሙሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ገጻት ሒደት ቃላት የንብብ ነበረ። ብኡንብኡ ኸኣ እተን ቃላት ንዓና ንምስባኽ ከም መሰረት ገይሩ ይጥቀመለን ነበረ። ነዊሕ ከይገበረ ‘ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሰብኣይ’ ዝብል ሳጓ ኣውጻእናሉ።”

ኣብ ጥቅምቲ 1944 ያኮፕ ካብቶም ናይ ታንክ መጻወድያ ክዅዕቱ እተኣዘዙ ብዙሓት እሱራት ሓደ ነበረ። ያኮፕ ሕልንኡ ንውግእ ኣብ ዝግበር ዕዮ ንኽሕግዝ ስለ ዘይፈቕደሉ ነዚ ምግባር ኣበየ። እቶም ሓለውቲ ብተደጋጋሚ እኳ እንተ ኣፈራርህዎ ንሱ ግን ፍቓደኛ ኣይነበረን። ኣብ 13 ጥቅምቲ ሓደ በዓል ስልጣን ንያኮፕ ካብቲ በይኑ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ቦታ ናብቲ ዝኳዓተሉ ቦታ ወሰዶ። ሕጂ እውን ያኮፕ ኣብ መትከሉ ጸንዐ። ኣብ መወዳእታ: መቓብሩ ክዅዕት ተኣዘዘ እሞ ተረሸነ።

ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ምህዳን ቀጸለ

እቲ ትብዓት ዝመልኦ ኣቕዋም ያኮፕን ካልኦትን ነቶም ኣባላት ናዚ ኣቘጥዖም እሞ ከም ብሓድሽ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሃድንዎም ጀመሩ። ሓደ ካብቶም ግዳያት እቲ ወዲ 18 ዓመት ኣቨርት ከተላራይ ኢዩ። ኣብ መጀመርታ: ኣቨርት ኣምሊጡ ክሕባእ ከኣለ: ድሓር ግን ተታሕዘ እሞ ብዛዕባ ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓበሬታ ምእንቲ ክህብ ከቢድ ማህረምቲ ወረዶ። ስለ ዝኣበየ ኸኣ ኣብ ጀርመን ናብ ዝርከብ ናይ ሸቕሊ ደምበ ተላእከ።

ኣብታ ወርሒ እቲኣ: ኣብ ጥቅምቲ 1944: ኣባላት ፖሊስ ንበርናርት ሎይመስ ዝበሃል ሰብኣይ ሓብቱ ንኣቨርት ሃደንዎ። ክሕዝዎ ከለዉ ኣንቶኒ ራማየር ከምኡውን ኣልበርትዩስ ቦዝ ዝበሃሉ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስኡ ነበሩ። ኣልበርትዩስ ድሮ ኣብ መዳጐኒ ደምበ 14 ኣዋርሕ ኣሕሊፉ ነበረ። ይኹን እምበር: ምስ ተፈትሐ ብቕንኢ ናብቲ ዕዮ ስብከት ተመልሰ። መጀመርታ እቶም ሰለስተ ሰብኡት ብኣባላት ናዚ ብዘስካሕክሕ መገዲ ተቐጥቀጡ: ድሕሪኡ ኸኣ ተረሸኑ። ሬሳኦም ክርከብን ከም ብሓድሽ ክቕበርን እተኻእለ እቲ ውግእ ድሕሪ ምውዳኡ ኢዩ። እቲ ውግእ ምስ ተወድአ ብዙሕ ከይጸንሐ ገለ ኣብታ ሃገር ዝሕተማ ጋዜጣታት ብዛዕባ እዚ ቕትለት እዚ ጸብጻብ ኣቕሪበን ነበራ። ሓንቲ ካብተን ጋዜጣታት እዞም ሰለስተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንናዚ ዝዀነ ይኹን ኣገልግሎት ምሃብ ኣንጻር ሕጊ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ከም ዝኣበዩ እሞ “ነዚ ኸኣ ህይወቶም ከም ዝኸፈሉ” ጸሓፈት።

እዚ ክኸውን ከሎ: ኣብ 10 ሕዳር 1944 እቲ ኣቐድም ኣቢሉ እተጠቕሰ በርናርት ፖልማን ተኣስረ እሞ ኣብ ወተሃደራዊ ፕሮጀክት ክዓዪ ተላእከ። ኣብ መንጎ እቶም ተገዲዶም ዝዓዩ ዝነበሩ ሰባት በይኑ ጥራይ ኢዩ ናይ የሆዋ ምስክር ነይሩ: ንሱ በይኑ ድማ ምስራሕ ኣበየ። እቶም ሓለውቲ ንኸለማምጥዎ ኢሎም እተፈላለየ ሜላታት ተጠቕሙ። መግቢ ኣይወሃቦን ነበረ። ብዘስካሕክሕ መገዲ ብበትሪ: ብባዴላ: ከምኡውን ብሰለፍ ጠበንጃ ይቕጥቅጥዎ ነበሩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ክሳብ ብርኩ ብዝበጽሕ ዝሑል ማይ ከም ዝኸይድ ይግበር እሞ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዝርከብ ጠሊ ዘለዎ ክፍሊ ምሉእ ለይቲ ምስቲ ዝጠልቀየ ክዳውንቱ ይዳጐን ነበረ። ገና ግን: በርናርት ኣይተሓለለን።

ኣብቲ ግዜ እቲ: ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰና ኣሓቱ ንበርናርት ክበጽሓኦ ተፈቕደለን። ሓሳቡ ክቕይር ድማ ለመናኦ: እዚ ግን ዋላ ሓንቲ ጽልዋ ኣይገበረሉን። ንበርናርት እንታይ ክገብራሉ ከም ዝደሊ ምስ ሓተትኦ ናብ ገዝአን ከይደን መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዓ ነገረን። እቶም ዘሳቕይዎ ዝነበሩ ሰበይቱ ከተለማምጦ ኢያ ብዝብል ተስፋ ነታ ነፍሰ⁠-​ጾር ዝነበረት ሰበይቱ ክትበጽሖ ፈቐዱላ። እንተ​ዀነ ግን: ክትበጽሖ ብምኽኣላን እቲ ዘተባብዕ ቃላታን ነቲ በርናርት ንኣምላኽ እሙን ኰይኑ ንኽቕጽል ዝገበሮ ውሳነ ኣደልደሎ ድኣ። ኣብ 17 ሕዳር 1944 ካልኦት ተገዲዶም ዝዓዩ ዝነበሩ ሰባት እናረኣዩ: በርናርት ብሓሙሽተ ካብቶም ዘሳቕይዎ ዝነበሩ ተረሸነ። በርናርት ምስ ሞተ እውን ከይተረፈ ንሬሳኡ ብጠያይት መንፊት ገበርዎ: እቲ ኣብኡ ዝነበረ በዓል ስልጣን ካብ ሕሉፍ ሕርቃን እተላዕለ ሽጉጡ ኣውጺኡ ኣብ ክልተ ኣዒንቲ በርናርት ተኰሰ።

እዚ ጭካነ ዝመልኦ ተግባር ነቶም ብዛዕባ እዚ ቅትለት እዚ ዝፈለጡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እኳ እንተ ኣሰምበዶም: እሙናትን ድምብርጽ ዘይብሎምን ኰይኖም ኢዮም ቀጺሎም ከምኡውን ክርስትያናዊ ንጥፈታቶም ኣየቋረጹን። ሓንቲ ኣብ ከባቢ እቲ በርናርት እተቐትለሉ ቦታ ዝነበረት ንእሽቶ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ደድሕሪ እቲ ቅትለት ብዙሕ ከይጸንሐት ከምዚ ዝብል ጸብጻብ ሃበት:- “ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ሕማቕ ኵነታት ኣየርን ሰይጣን ኣብ መገድና ዘምጽኦ ዕንቅፋታትን እኳ እንተ ነበረ: ብዙሕ ወሰኽ ክንገብር ክኢልና ኢና። እቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዘሕለፍናዮ ሰዓታት ካብ 429 ናብ 765 ወሰኽ ገይሩ ኢዩ። . . . ሓደ ሓው እናሰበኸ ከሎ ንሓደ ሰብኣይ ረኸቦ እሞ ጽቡቕ ምስክርነት ክህቦ ከኣለ። እቲ ሰብኣይ እዛ እምነት እዚኣ ከም ናይቲ እተረሸነ ሰብኣይ እንተ ዀይና ሓተተ። እታ እምነት እቲኣ ምዃና ምስ ፈለጠ ‘ኣየ ሰብኣይ: ኣየ እምነት! ብእምነት ጅግና ዝብሎ ንኸምዚ ዓይነት ሰብ ኢየ!’ በለ።”

ብየሆዋ ተዘኪሮም

ኣብ ግንቦት 1945: ናዚ ተሳዕረ እሞ ካብ ኔዘርላንድ ወጸ። ኣብ ግዜ እቲ ውግእ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘየቋርጽ መስጐጕቲ እኳ እንተ ወረዶም ቍጽሮም ግን ካብ ሒደት ኣማእታት ናብ ልዕሊ 2,000 ወሰኽ ገበረ። እቲ ጸሓፍ ታሪኽ ዶክተር ዲ ዮንግ: ብዛዕባ እቶም ኣብ ግዜ ውግእ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክዛረብ ከሎ “መብዛሕትኦም ምፍርራህን ስቓይን እኳ እንተ ወረዶም እምነቶም ኣይከሓዱን” ብምባል ኣፍልጦ ሃበ።

እምበኣር ገለ ዓለማውያን ሰበ⁠-​ስልጣን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ናዚ ዝነበሮም ትብዓት ዝመልኦ ኣቕዋም ክዝክርዎም ሓቆም ኢዮም። ይኹን እምበር: እቲ ዝያዳ ዘገድስ እዚ ብሉጽ ጸብጻብ ናይቶም ኣብ ግዜ ውግእ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብየሆዋን የሱስን ክዝከር ምዃኑ ኢዩ። (እብራውያን 6:⁠10) ኣብዚ እናቐረበ ዝመጽእ ዘሎ ሽሓዊ ግዝኣት የሱስ ክርስቶስ: እዞም ንኣገልግሎት ኣምላኽ ክብሉ ህይወቶም ዝኸፈሉ እሙናትን ድምብርጽ ዘይብሎምን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ገነታዊት ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋ ሒዞም ካብ ዝኽሪ መቓብር ክትንስኡ ኢዮም!​—⁠ዮሃንስ 5:⁠28, 29

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ያኮፕ ቫን ቤናኮም

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም እተኣገዱ ዝገልጽ ኣዋጅ ዝሓዘት ጋዜጣ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

የማን:- በርናርት ሎይመስ፣ ትሕቲኡ:- ኣልበርትዩስ ቦዝን (ጸጋም ) ኣንቶኒ ራማየርን፣ ታሕቲ:- ናይ ማሕበር ቤት ጽሕፈት ኣብ ሄምስተድ