ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

 የሱስ ብኽቡር ዘይቲ ክቕባእ ከሎ ብዛዕባ እተራእየ ምጕርምራም ሰለስተ ጸሓፍቲ ወንጌል ኣዘንትዮም ኣለዉ። ብዙሓት ሃዋርያት ድዮም ኣጕረምሪሞም ወይስ እቲ ቐንዲ ይሁዳ ኢዩ ነይሩ፧

እዚ ፍጻመ እዚ ብማቴዎስን ማርቆስን ዮሃንስን ተመዝጊቡ ኢና ንረኽቦ። ነቲ ምጕርምራም ዘበገሶ ይሁዳ ኽኸውን ከሎ ገለ ሒደት ካልኦት ሃዋርያት ከኣ ምስኡ እተሰማምዑ ኢዩ ዝመስል። እዚ ኣጋጣሚ እዚ ኸኣ ኣርባዕተ ናይ ወንጌል ጸብጻባት ብምህላዉ ከነመስግነሉ ዘሎና ምኽንያት ዝገልጽ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ጸሓፊ ዝጸሓፎ ሓበሬታ ቅኑዕ እኳ እንተ ነበረ ኵላቶም ግን ሓደ ዓይነት መግለጺ ኣይዘርዘሩን። ተመሳሳሊ ዝዀነ ጸብጻባት ንሓድሕዱ ብምውድዳር: ብዛዕባ እተፈላለየ ፍጻመታት ምሉእን ዝያዳ ዝርዝር ዘለዎን ኣመለኻኽታ ክህልወና ይኽእል ኢዩ።

እቲ ኣብ ማቴዎስ 26:⁠6-13 ዘሎ ጸብጻብ እቲ ኵነታት እተፈጸመሉ ቦታ: ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን እቲ ለምጻም ምንባሩ ይነግረና: ስም እታ ኣብ ርእሲ የሱስ ቅዱይ ቅብኢ ከተፍስስ ዝጀመረት ሰበይቲ ግን ኣይገልጸልናን ኢዩ። ማቴዎስ ‘ደቀ መዛሙርቱ እዚ ርእዮም ከም እተናደዱ’ እሞ እቲ ዘይቲ ተሸይጡ: እቲ ገንዘብ ንድኻታት ምተዋህበ ነይሩ ኢሎም ከም ዘጕረምረሙ ይጠቅስ።​—⁠ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

መብዛሕትኡ እዚ ዝርዝር ሓሳባት እዚ ኣብቲ ማርቆስ ዝሃቦ ጸብጻብ እውን ይርከብ ኢዩ። ንሱ ግን ነቲ ብልቃጥ ከም ዝሰበረቶ ዝገልጽ ሓሳባት ወሲኹ ኣሎ። ጽሩይ “ቅብኢ ናርዶስ” ዝመልአ ኢዩ ነይሩ: እዚ ድማ ካብ ህንዲ እተጠልበ ነይሩ ክኸውን ይኽአል ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ምጕርምራም ከኣ ማርቆስ “ሓያሎ ብልቦም እናተናደዱ: . . . ኰረዩላ ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። (ማርቆስ 14:⁠3-9፣ ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ስለዚ እምበኣር እዚ ክልተ ጸብጻባት እዚ ዘጕረምረሙ ሃዋርያት ካብ ሓደ ንላዕሊ ምንባሮም ዝሕብር ኢዩ። ይኹን እምበር ብኸመይ ኢዩ ጀሚሩ፧

ዮሃንስ ናይ ዓይኒ ምስክር ስለ ዝነበረ ዝሰማማዕ ዝርዝር ሓሳባት ወሲኹ ኣሎ። እታ ሰበይቲ: ማርያም ሓብቲ ማርታን ኣልኣዛርን ምዃና ብስማ ጠቒሱ ሓቢሩ ኣሎ። ብዘይዚውን “ኣእጋር የሱስ ለኸየት: ብጸጕሪ ርእሳውን ደረዘቶ ” ዝብል ሓሳባት ሂቡና ኣሎ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዚ ኸኣ ንዝጐደለ ሓሳባት መመላእታ ዝኸውን ድኣ እምበር ዝጋጮ ገይርና እንርእዮ ኣይኰነን። ነዚ ጸብጻባት እዚ ኣብ ሓደ ብምጥርናፍ ከኣ ማርያም ነቲ ዮሃንስ “ቅዱይ ናርዶስ” ብምባል ደጊሙ ዘረጋገጾ ዘይቲ ኣብ ርእስን እግርን የሱስ ከም ዘፍሰሰቶ ክንርዳእ ንኽእል። ዮሃንስ ምስ የሱስ ጥብቂ ርክብ ስለ ዝነበሮ ካልኦት ክንዕቅዎ ኸለዉ ይቝጣዕ ነበረ። ከምዚ ዝብል ከኣ ነንብብ:- “ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓደ: እቲ ኼትሕዞ ዘለዎ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ግና፤ እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኸመይ ግዳ ንሰለስተ ሚእቲ ድሪም ተሸይጡስ ንድኻታት ዘይውሀብ፧ በለ።”​—⁠ዮሃንስ 12:⁠2-8

ልክዕ ኢዩ: ይሁዳ “ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓደ” ኢዩ ነይሩ: ይኹን እምበር: ዮሃንስ ዘቘጥዖ ሓደ ካብኣቶም ንየሱስ ክኽሕዶ መደብ ብምግባሩ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ተርጓሚ ዶክተር ሲ. ሃዋርድ ማተኒ ብዛዕባ ዮሃንስ 12:⁠4 ከምዚ በለ:- “እቲ ናይ ህልዊ ግዜ ዘመልክት ‘ዝቀራረብ ዘሎ’ [ወይ: “ዘለዎ”] ዝብልን እቲ ናይ ህልዊ ሱር ግሲ ዘመልክት ‘ንኽኽሕዶ’ [ወይ “ኼትሕዞ ዘለዎ”] ዝብልን ቃላት ክልቲኡ ተኸታታሊ ወይ ከኣ ቀጻሊ ዝዀነ ተግባር ዝገልጽ ኢዩ። እዚ ኸኣ ይሁዳ ንየሱስ ምኽሓዱ ሃንደበታዊ ነገር ከም ዘይኰነ ክንርዳእ ይሕግዘና: ኣብ ክንድኡስ ብዙሕ መዓልትታት ሓሲቡሉን መዲቡዎን ኢዩ።” ብዛዕባ እቲ ይሁዳ ዘጕረምረመሉ ምኽንያት ወሲኹ ክገልጽ ከሎ ዮሃንስ ከምዚ ይብል:- “ሰራቒ ስለ ዝዀነ እዩ እምበር: ንድኻታት ሐልዩሎም ኣይኰነን። ማሕፉዳ ምስኡ ነበረ: ካብቲ ኣብኡ ዝአተወውን የልዕል ነበረ።”

ስለዚ እቲ ክቡር ዘይቲ ተሸይጡስ እቲ ገንዘብ ኣብቲ ንሱ ሒዝዎ ዝነበረ ማሕፉዳ እንተድኣ ኣትዩ ብዙሕ ክሰርቕ ይኽእል ስለ ዝነበረ: እቲ ሰራቒ ይሁዳ ነቲ ምጕርምራም ኣበጊስዎ ክበሃል ምኽንያታዊ ኢዩ ነይሩ። ነዚ ምጕርምራም እዚ ይሁዳ ሓንሳእ ምስ ኣበገሶ ኸኣ ገለ ካብቶም ሃዋርያት ነቲ ተቐባልነት ዘለዎ ዝመስል ሓሳብ ስለ እተሰማምዕሉ ኣጕረምሪሞም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ቀንዲ መለዓዓሊ ናይቲ ምጕርምራም ግን ይሁዳ ኢዩ ነይሩ።