ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምጽንናዕ—ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዝድለ ዘሎ!

ምጽንናዕ—ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዝድለ ዘሎ!

ምጽንናዕ​—⁠ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዝድለ ዘሎ!

“እንሆ ኸኣ: ንብዓት እቶም ግፉዓት ርኤኹ: ኣጆኹም: ዚብሎምውን ኣይነበሮምን: ካብ ኢድ እቶም ገፋዕቶም ዓመጻ ወጸ: ኣጆኹም: ዚብሎም ከኣ ኣይነበሮምን።”​—⁠መክብብ 4:⁠1

 ምጽንናዕ ትደሊዶ ኣሎኻ፧ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ናይ ተስፋ ምቝራጽ ኴንካ: ጩራ ምጽንናዕ ንኽትረክብ ሃረር ትብልዶ ኣሎኻ፧ ነታ ብመሪር ስቓይን ዘጕሂ ተመክሮታትን ዝመልአት ህይወትካ ምእንቲ ክትድብሳ ሒደት ምጽንናዕ ንምርካብ ሃንቀውታዶ ኣሎካ፧

ኣብ እተፈላለየ እዋን: ኵላትና ምጽንናዕን ምትብባዕን ኣጸቢቕና ንደሊ ኢና። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ኣብ ህይወት ጓሂ ከምጽእ ዝኽእል ኣዝዩ ብዙሕ ነገራት ስለ ዘሎ ኢዩ። ኵላትና ዕቝባ ክንረክብ ከምኡውን ተፈተውቲ ወይ ተፈቀርቲ ክንከውን ንደሊ ኢና። ገሌና ብዕድመ ዝደፋእና ክንከውን ንኽእል: እዚ ድማ ባህ ኣይብለናን ኢዩ። ካልኦት ድማ ናብርኦም ከምቲ ተስፋ ዝገበሩሉ ስለ ዘይኰነ ኣጸቢቖም ይጕህዩ ኢዮም። ገና ካልኦት እውን ካብ ናይ ሕክምና ቤተ-​ምርምር ብዝረኸብዎ ናይ መርመራ መልሲ ሰምቢዶም ኢዮም።

ኣብ ርእሲ እዚ: ኣብዚ ግዜና ዘሎ ፍጻመታት ንምጽንናዕን ተስፋ ንምርካብን ብዙሕ ተደላይነት ከም ዝህልዎም ገይሩ ኢዩ ኢሎም ሒደት ሰባት ይከራኸሩ ኢዮም። ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመን ጥራይ ልዕሊ ሚእቲ ሚልዮን ሰባት ኣብ ውግእ ሞይቶም ኢዮም። a ዳርጋ ዅሎም እዚኣቶም ምጽንናዕ ደልዮም ሃረር ዝብሉ ብሓዘን እተዋሕጡ ኣባላት ስድራቤት: ማለት ኣዴታትን ኣቦታትን: ኣሓትን ኣሕዋትን: ከምኡውን መበለታትን ዘኽታማትን ሓዲጎም ኢዮም ሞይቶም። ሎሚ: ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዝዀኑ ሰባት ኣብ ክቱር ድኽነት ኢዮም ዝርከቡ። ፍርቂ ህዝቢ ዓለም ሕክምናን ኣፋውስን ብቐጻሊ ኣይረክብን ኢዩ። ኣብ ጐደናታት ናይ እተበከላ ዓበይቲ ከተማታት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ብዘይሓብሓቢ ዝተረፉ ቈልዑ ዘወን ክብሉ ይረኣዩ: መብዛሕትኦም ከኣ ሓሽሽ ዝወስዱን ኣብ ምንዝር ዝካፈሉን ኢዮም። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ድማ ኣብ ዘስካሕክሕ ሰፈር ስደተኛታት ማሲኖም ኢዮም።

ይኹን እምበር: እዚ ኣሃዝ እዚ ንኣቓልቦና ዝስሕቦ እኳ እንተዀነ: ነቲ ኣብ ልዕሊ ገሊኣቶም ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ዝወርድ ዘሎ ስቓይን መከራን ግን ኣይገልጾን ኢዩ። ንኣብነት: ብዛዕባ እታ ካብ ኣዝዩ ድኻ ስድራቤት እተወልደት ኣብ ባልካን እትርከብ ስቭየትላና እሞ ሕስብ ኣብል። b ንሳ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ወለደይ ገንዘብ ንኽረኽቡ ኢሎም ክልምን ወይ ክሰርቕ ይልእኹኒ ነበሩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ግዳይ ናይቲ ምስ ኣባል ስድራቤት ዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ክሳዕ ዝኸውን ናብራ ስድራ​ቤትና ኣዝዩ ተበላሽዩ ነበረ። ስራሕ ረኸብኩ እሞ ኣሳሳዪት ኰይነ ክዓዪ ጀመርኩ: ነቲ ዝኽፈሎ ገንዘብ እትቕበሎ ዝነበረት ኣደይ ካብ ስራሕ እንተድኣ ተሰጒገ ርእሳ ከም እትቐትል ነገረትኒ። እዚ ዅሉ ኣመንዝራ ናብ ምዃን መርሓኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ ገና ጓል 13 ዓመት ኢየ ነይረ። ድሕሪ ገለ ግዜ ጠነስኩ እሞ ነቲ ጥንሲ ሰደድክዎ። ጓል 15 ዓመት ከለኹ 30 ዓመት ዝገበርኩ መሰልኩ።”

ሓደ ኣብ ላቲቭያ ዝነብር ላይማኒስ ዝበሃል ሰብኣይ ምጽንናዕ ኣድላዪ ምዃኑን ብዛዕባ እቲ ዘጕህዮ ሕማቕ ተዘክሮታትን ይገልጽ። ወዲ 29 ዓመት ከሎ ሓደጋ ማኪና ስለ ዘጋጠሞ ካብ ሕቘኡ ንታሕቲ ልሙስ ኰነ። ምሉእ ብምሉእ ተስፋ ስለ ዝቘረጸ ኣልኮላዊ መስተ ብብዝሒ ክሰቲ ጀመረ። ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ብኣልኮላዊ መስተ እተወለፈ መጻኢ ተስፋ ዘይብሉ ብላሽ ኰነ። ካበይ ኰን ኢዩ ምጽንናዕ ክረክብ ዝኽእል፧

ወይ እውን ብዛዕባ ኣንጂ እስከ ሕሰብ። ሰብኣያ ሰለስተ ሳዕ ናይ ኣእምሮ መጥባሕቲ ስለ ዝገበረ ኣብ መጀመርታ ፍርቂ ኣካላቱ ልሙስ ኰይኑ ነበረ። ካብኡ: እታ ናይ መወዳእታ መጥባሕቲ ካብ ዝገብር ሓሙሽተ ዓመት ጸኒሑ ኣብ ሞት ከብጽሖ ዝኽእል ከቢድ ሓደጋ ኣጋጠሞ። ሰበይቱ ናብቲ ሃንደበታዊ ክፍሊ ምስ ኣተወት እሞ ሰብኣያ ኣብ ርእሱ ከቢድ ጕድኣት ስለ ዝበጽሖ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ በጥ ኢሉ ምስ ረኣየቶ: ዘሕዝን ፍጻመ የንጸላሉ ከም ዘሎ ተረድኣ። ኣብ መጻኢ ንዓኣን ስድራቤታን ጸገም ከጋጥሞም ኢዩ። ሓገዝን ምትብባዕን ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል፧

ፓት ቅድሚ ገለ ዓመታት ሓደ ክረምቲ ንግሆ ከም ልማዳ መዓልታዊ ንጥፈታታ ከተካይድ ጀመረት። እንተዀነ ግን: ብዛዕባ እተን ቀጺለን ዝነበራ ሰለስተ መዓልትታት ዋላ ሓንቲ ትዝክሮ ነገር የብላን። ድሓር ግን ሰብኣያ: ኣብ ኣፍልባ ሓያል ስቓይ ከም እተሰምዓ እሞ ህርመት ልባ ደው ከም ዝበለ ነገራ። ኣብ መጀመርታ ህርመት ልባ ቅልጡፍን ዘይስሩዕን ኰነ: ጸኒሑ ኸኣ ፈጺሙ ኣቋረጸ። ትንፋሳ እውን ኣቋረጸ። ፓት “ብዓይኒ ሕክምና ክርአ ኸሎ ብሓቂ ሞይተ ኢየ ነይረ” በለት። ኣጋጣሚ ግን ደሓነት። ብዛዕባ እቲ ኣብ ሆስፒታል ዝጸንሓትሉ ነዊሕ እዋን ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ብዙሕ መርመራታት ክግበረለይ ከሎ: ብፍላይ ከኣ ንልበይ ከምቲ ኣቐዲማ ዝዀነቶ ህርመታ ዘይስሩዕ ከም ዝኸውንን ደው ከም እትብልን ክገብሩዋ ከለዉ ብፍርሂ እወሓጥ ነበርኩ።” ኣብዚ ጽንኩር እዋን እዚ ምጽንናዕን ቅሳነትን ክህባ ዝኸኣለ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧

ጆ ከምኡውን ሪበካ ወዲ 19 ዓመት ወዶም ብሓደጋ ማኪና ሰኣኑ። ብዛዕባ እዚ ኵነት “ከምዚ ዝኣመሰለ ዘጕሂ ነገር ኣጋጢሙና ኣይፈልጥን” በሉ። ቀጺሎም ድማ ከምዚ በሉ:- “ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ምስቶም ቀረባኦም ዝሞቶም ካልኦት ሰባት እኳ እንተ ሓዘንና: ብሓቂ ክርአ ከሎ ግን ከምዚ ናይ ሕጂ ዝኣመሰለ ክቱር ጓሂ ልቢ ኣይተሰማዓናን።” ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ “ክቱር ጓሂ ልቢ” ማለት ሓደ ኣጸቢቕካ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ሞተካ ካብ ዝስምዓካ ከቢድ ሓዘን ክድብሰካ ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧

ኵሎም እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶምን ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ካልኦትን ብርግጽ ሓለፍ ዝበለ ምንጪ ምጽንናዕን ደበስን ረኺቦም ኢዮም። ካብዚ ምንጪ እዚ ብኸመይ ክትጥቀም ከም እትኽእል ንምፍላጥ በጃኻ ንባብካ ቀጽል።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ቍጽሪ ናይ ዝሞቱ ወተሃደራትን ሰላማውያን ሰባትን ብልክዕ ኣይፍለጥን ኢዩ። ንኣብነት: እታ ብ1998 ዝወጸት ፋክትስ ኣባውት ዘ ኣመሪካን ዎርስ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ብዛዕባ ካልኣይ ውግእ ዓለም ጥራይ ከምዚ ትብል:- “መብዛሕትኡ ምንጭታት ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝሞቱ ሰባት ብጠቕላላ (ወተሃደራትን ሰላማውያን ሰባትን) 50 ሚልዮን ኢዩ ይብል: እንተዀነ ግን ነቲ ጕዳይ ብደቂቕ ዘጽንዕዎ ብዙሓት ሰባት እቲ ልክዕ ኣሃዝ ኣጸቢቑ ከም ዝዛይድ: ክሳዕ ዕጽፊ ናይቲ ቍጽሪ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ይኣምኑ ኢዮም።”

b ስም ተለዊጡ ኢዩ።

[ምንጪ ስእሊ]

UNITED NATIONS/PHOTO BY J. K. ISAAC

UN PHOTO 146150 BY O. MONSEN