ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብሓይሊ የሆዋ ተጸናናዕ

ብሓይሊ የሆዋ ተጸናናዕ

ብሓይሊ የሆዋ ተጸናናዕ

“ጓሂ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ምስ በዝሔ: ምጽንናዕካ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ።”—⁠መዝሙር 94:⁠19

 መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሎም እቶም ምጽንናዕ ሃረር ዝብሉ ሰባት ዝኸውን ዘጸናንዕ ቃላት ኣለዎ። ስለዚ: ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ዝበሃል መዝገበ-ፍልጠት (እንግሊዝኛ) “ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ኣብ ግዜ ጸበባን ዘይምርግጋእን ምጽንናዕ: ተስፋ: ከምኡውን መምርሒ ንምርካብ ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ዝኸዱ” ምባሉ ኣየገርምን ኢዩ። ስለምንታይ፧

ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ናይቲ ‘ብጸበባና ዘበለ ዘጸናንዓናን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን’ ዝዀነ ፈቃር ፈጣሪና ዝነፈሶ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 1:⁠3, 4) ንሱ ‘ናይ ምጽንናዕ ኣምላኽ’ ኢዩ። (ሮሜ 15:⁠5) የሆዋ ንዅላትና ራህዋ ዘምጽእ ነገር ብምሃብ ዝመጸ ኣብነት ይዀነና ኢዩ። ተስፋን ምጽንናዕን ምእንቲ ክንረክብ ኢሉ ነቲ ሓደ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ናብ ምድሪ ለኣኾ። የሱስ ከምዚ ብምባል መሃረ:- “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” (ዮሃንስ 3:⁠16) መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ‘ነንመዓልቲ ጾርና ከም ዝጸውርን: ኣምላኽ ምድሓንና’ ከም ዝዀነን ገይሩ ይገልጾ። (መዝሙር 68:⁠19) ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ኣፎም መሊኦም “ንእግዚኣብሄር ኵሉ ግዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮ: ብየማነይ ስለ ዝዀነ: ኣይክናወጽን እየ” ክብሉ ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠መዝሙር 16:⁠8

እዚ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ነቲ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ደቅሰብ ዘለዎ ዓሚቝ ፍቕሪ የርኢ። ኣብ ግዜ ጸበባ ዝኣክል ምጽንናዕ ንኽህበና ከምኡውን ካብ ጓሂና ንኽድብሰና ልባዊ ባህግን ክእለትን ከም ዘለዎ ዘነጽር ኢዩ። “ንድኹም ሓይሊ ይህብ: ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ።” (ኢሳይያስ 40:⁠29) እሞ ድኣ ከመይ ገይርና ኢና ብሓይሊ የሆዋ ክንጸናናዕ እንኽእል፧

እቲ ዝድብስ ሓልዮት የሆዋ

እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ: ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን።” (መዝሙር 55:⁠22) እወ: የሆዋ ኣምላኽ ብዛዕባ ሰብኣውያን ስድራቤት ይሓሊ ኢዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት “ንሱ [ኣምላኽ] ይሐልየልኩም እዩ” ኢሉ ኣረጋገጸሎም። (1 ጴጥሮስ 5:⁠7) የሱስ ክርስቶስ ነቲ ደቅሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለዎም ክብሪ ከምዚ ብምባል የጕልሖ:- “ሓሙሽተ ዑፍዶ ንኽልተ ኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካባታተን ሓንቲ እኳ ኣይትርሳዕን እያ። ንስኻትኩምሲ ዅለን ጸጕሪ ርእስኹም እኳ ቝጹራት እየን። እምበኣርከ ኻብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ ኣይትፍርሁ።” (ሉቃስ 12:⁠6, 7) ኣምላኽ ክሳዕ ክንድዚ ኣኽቢሩ ስለ ዝርእየና ብዛዕባና ዝደቐቐ ዝርዝር ነገራት እውን ከይተረፈ ይፈልጥ ኢዩ። ንሕና ባዕልና ዘይንፈልጦ ነገራት እኳ ይፈልጥ ኢዩ: ከመይሲ ብዛዕባና ኣጸቢቑ ይሓሊ ኢዩ።

እታ ኣብ ዝሓለፈ ዓንቀጽ እተጠቕሰት ብንእሽቶኣ ኣመንዝራ ዝነበረት ስቭየትላና: የሆዋ ብውልቂ ከም ዝሓልየላ ምፍላጣ ብዙሕ ኣጸናንዓ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትራኸብ ከላ ርእሳ ክትቀትል ሓሲባ ነበረት። ድሕሪኡ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ተሰማምዐት: እዚ ድማ ንየሆዋ ብዛዕባ ድሕንነታ ዝሓሊ ናይ ሓቂ ኣካል ከም ዝዀነ ገይራ ንኽትፈልጦ ሓገዛ። እዚ ንልባ ተንከፎ እሞ ኣነባብራኣ ንኽትቅይርን ገዛእ ርእሳ ንየሆዋ ንኽትውፍን ደረኻ። ብተወሳኺውን: እዚ ገዛእ ርእሳ ኣኽቢራ ከም እትርኢ ብምግባር ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠማ ንኽትጸንዕን ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኽትሕዝን ኣኽኢልዋ ኢዩ። ስቭየትላና ሕጂ ከምዚ ትብል:- “የሆዋ ፈጺሙ ከም ዘይሓድገኒ እኣምን ኢየ። እቲ ኣብ 1 ጴጥሮስ 5:⁠7 እተጻሕፈ ‘ንሱ ይሓልየልኩም ኢዩ እሞ ንዅሉ ሓልዮትኩም [ኣብ የሆዋ] ኣውድቕዎ’ ዝብል ጥቕሲ ሓቂ ኰይኑ ረኺበዮ ኢየ።”

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋ የጸናንዕ ኢዩ

ኣምላኽ ምጽንናዕ ካብ ዝህበሉ ሓደ መገዲ በቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘደንቕ ተስፋ ዝሓዘ እተጻሕፈ ቃሉ ኣቢሉ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና: እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ።” (ሮሜ 15:⁠4) ጳውሎስ “እቲ ዘፍቀረናን ብጸጋ ናይ ዘለኣለም ምጽንናዕን ጽቡቕ ተስፋን ዝሀበና እግዚኣብሄር ኣቦናን: ብሰናይ ግብርን ቃልን ዘበለ ልብኹም የጸናንዕን የበርትዕን” ኢሉ ብምጽሓፍ ነቲ ኣብ መንጎ ሓቀኛ ተስፋን ምጽንናዕን ዘሎ ምትእስሳር ንጹር ገይርዎ ኢዩ። (2 ተሰሎንቄ 2:⁠16, 17) እዚ ‘ጸቡቕ ተስፋ’ እዚ ነታ ፍጽምቲ: ሓጐስ ዝመልኣ: ከምኡውን ዘለኣለማዊት ህይወት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ምርካብ ዘጠቓለለ ኢዩ።​—⁠2 ጴጥሮስ 3:⁠13

ከምዚ ዝኣመሰለ እተረጋገጸን ብሩህን ተስፋ ኸኣ ኢዩ ነቲ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓንቀጽ እተጠቕሰ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዝነበሮ ላይማኒስ ምትብባዕ ዝሃቦ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘዳለዉዎ ጽሑፋት ምስ ኣንበበ: ኣብታ ብመንግስቲ ኣምላኽ እትመሓደር ሓዳስ ዓለም ምሉእ ጥዕና ከም ዝህልዎ ፈለጠ እሞ ተሓጐሰ። ነዚ ዝስዕብ ብዛዕባ ተኣምራታዊ ምፍዋስ ዝገልጽ ብሩህ መብጽዓ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንበበ:- “ሽዑ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ: ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን። ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር: ልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል . . . እዩ።” (ኢሳይያስ 35:⁠5, 6) ላይማኒስ ኣብታ ገነት እቲኣ ክነብር ምእንቲ ክኽእል ዓቢ ለውጢ ገበረ። ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ኣቋረጸ: እቶም ጐረባብቱን ዝፈልጥዎ ሰባትን ድማ ነቲ ዝገበሮ ለውጢ ኣስተውዓልሉ። ኣብዚ እዋን እዚ: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋ ዝህቦ ምጽንናዕ ንኻልኦት ብምክፋል ሓያሎ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሕ ኣሎ።

ናይ ጸሎት ግደ

ልብና ብገለ ምኽንያት ምስ ዝጕሂ: ናብ የሆዋ ብምጽላይ ምጽንናዕ ክንረክብ ንኽእል ኢና። እዚ ንጾርና ከልግሰልና ይኽእል ኢዩ። ክንምህለል ከሎና ኣብ ቃል ኣምላኽ እተጻሕፈ ነገራት ብምዝካር ክንጸናናዕ ንኽእል ኢና። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ዝነውሐት መዝሙር ልክዕ ከም ብሉጽ ጸሎት ኢያ። እቲ ኣዳላዊኣ “ጐይታየ: ናይ ጥንቲ ፍርድታትካ እናሐሰብኩ: እጸናናዕ አሎኹ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 119:⁠52) ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኵነታት: ብፍላይ ከኣ ንሞት ዘስግእ ክኸውን ከሎ መብዛሕትኡ ግዜ ንዅሉ ዝሽፍን ሓደ መልሲ ኣይርከቦን ኢዩ። ብሓይልና እንተ ዀይኑ ናበይ ከም እንኸይድ እውን ብልክዕ ኣይንፈልጥን ኢና። ብዙሓት ሰባት ዓቕሞም ዝፈቕደሎም ዘበለ ኵሉ ድሕሪ ምግባሮም: ናብ ኣምላኽ ብጸሎት ምቕራብ ኣጸናኒዕዎም: ሓድሓደ ግዜ ድማ ዘይተጸበይዎ መፍትሒ ንኽረኽቡ ኣኽኢልዎም ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 10:⁠13

እታ ናብቲ ኣብ ሆስፒታል ዝርከብ ሃንደበታዊ ክፍሊ ብህጹጽ እተወስደት ፓት ነቲ ጸሎት ዝህቦ ምጽንናዕ ርእያቶ ኢያ። ምስ ሓወየት ከምዚ በለት:- “ናብ የሆዋ ጸለኹ ከምኡውን ፍቓዱ ዘበለ ዅሉ ንኽገብር ኣብኡ ትውክልቲ ምግባር ህይወተይ ኣብ ኢዱ ምግዳፍ ተማሂረ ኢየ። እዚ ዅሉ ክኸውን ከሎ ህድኣት ነበረኒ: እቲ ኣብ ፊልጲ 4:⁠6, 7 እተጠቕሰ ሰላም ኣምላኽ እውን ይስምዓኒ ነበረ።” እዘን ጥቕስታት እዚኣተን ንዅላትና ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢየን ከጸናንዓና ዝኽእላ! ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ይምዕደና:- “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ክሕልዎ እዩ።”

መንፈስ ቅዱስ መጸናንዒ ኢዩ

የሱስ ድሮ ሙማቱ ኣብ ዝነበረት ምሸት ንሃዋርያቱ ከም ዝፍለዮም ብንጹር ገለጸሎም። እዚ ኣጨኒቕዎምን ኣጕህይዎምን ኢዩ። (ዮሃንስ 13:⁠33, 36፣ 14:⁠27-31) የሱስ ብቐጻሊ ምጽንናዕ ከም ዘድልዮም ስለ ዝፈለጠ “ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ: ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ” ኢሉ ተመባጽዓሎም። (ዮሃንስ 14:⁠16) የሱስ ኣብዚ ንናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ ዘመልክት ነይሩ። መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ርእሲ እቲ ዝፍጽሞ ካልእ ነገራት: ንሃዋርያት ኣብ ግዜ ፈተናታቶም ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ንኽቕጽሉ ኣበራቲዕዎም ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠31

እታ ሰብኣያ ከቢድ ሓደጋ ምስ ኣጋጠሞ ኣብ ኣፍ ሞት ቀሪቡ ዝነበረ ኣንጂ ንዅሉ እቲ ዘጋጠማ ጭንቅን ጓህን ክትዋጽኣሉ ክኢላ ኢያ። እንታይ ኢዩ ሓጊዝዋ፧ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ብዘይሓገዝ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ኣጋጢሙና ዝነበረ ነገር ብጽንዓት ክንሓልፎ ኣይምኸኣልናን። ሓይሊ የሆዋ ብርግጽ ብድኽመትና ተገሊጹ ኢዩ። ኣብ እዋን ጭንቅና ድማ ጸግዒ ኰይኑና ኢዩ።”

ዘጸናንዕ ሕውነት

ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ ኵነታት ህይወት ኣብ ዝዀነ ይኹን ደረጃ ይሃሉ: ከምኡውን ዝዀነ ዓይነት ዘጕሂ ነገራት የጋጥሞ ብዘየገድስ: በቲ ኣብ ጉባኤ የሆዋ ዘሎ ሕውነት ክጸናናዕ ክኽእል ኣለዎ። እቶም ምስታ ጉባኤ ዝሓብሩ ካብዚ ሕውነት እዚ መንፈሳዊ ደገፍን ሓገዝን ይረኽቡ ኢዮም። ዝዀነ ሰብ ካብታ ጉባኤ ዘፍቅሩ: ዝሓልዩ: ከምኡውን ዘጸናንዑ ኣዕሩኽ ክረክብ ይኽእል ኢዩ: እዚኣቶም ከኣ ኣብ ግዜ ጭንቂ ንኻልኦት ሰባት ንምሕጋዝን ንምጽንናዕን ድሉዋት ኢዮም።​—⁠2 ቈረንቶስ 7:⁠5-7

ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ‘ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራቤት ሰናይ ክገብሩ’ ኢዮም ዝማሃሩ። (ገላትያ 6:⁠10) እቲ ዝዋሃቦም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትምህርቲ ኣብ ንሓድሕዶም ሕውነታዊ ፍቕርን ለውሃት ዘለዎ ድንጋጽን ንኸንጸባርቑ ይድርኾም ኢዩ። (ሮሜ 12:⁠10፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠8) ኣብ ጉባኤ ዘለዉ መንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ሕያዎት: ዘጸናንዑ ከምኡውን ብለውሃት ዝድንግጹ ክዀኑ ይድረኹ ኢዮም።​—⁠ኤፌሶን 4:⁠32

እቶም ብዘሕዝን ፍጻመ ወዶም ዝሰኣኑ ጆ ከምኡውን ሪበካ ካብ ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘጸናንዕ ደገፍ ረኺቦም ኢዮም። ከምዚ ድማ ይብሉ:- “የሆዋን እታ ፈቃር ጉባኤኡን ኣብቲ ጽንኩር እዋን ሓጊዞምና ኢዮም። ብኣማእታት ዝቝጸሩ ካርድታትን ደብዳበታትን ተቐቢልና: ብተደጋጋሚ ኸኣ ቴለፎን ተደዊሉልና ኢዩ። እዚ ድማ ሕውነትና ክሳዕ ክንደይ ክቡር ምዃኑ ከም እነማስወሉ ገይሩና ኢዩ። በቲ ዘሕዝን ፍጻመ ጋን ተሰሪሕና ከለና: ብዙሓት ኣባላት ናይተን ኣብ ከባቢና ዘለዋ ጉባኤታት መግቢ ንምድላውን ገዛ ንምጽራይን ክሕግዙና መጹ።”

ተጸናናዕ!

ጸበባ ከም ህቦቡላ ክጅምር ከሎ: እቲ ዘየናሕሲ ጭንቂ ኸኣ ከም ዝናብን በረድን ክወቅዕ ከሎ: ኣምላኽ ዘጸናንዕ ዕቝባ ንምሃብ ድሉው ኢዩ። ሓንቲ ካብተን መዝሙራት “ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ: ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ” ብምባል ነቲ ዘጸናንዕ ዕቝባኡ ትገልጾ። (መዝሙር 91:⁠4) እዚ ኣብዚ ዘሎ መግለጺ ንንስሪ ዘመልክት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ መብርሂ እዚ ሓንቲ ሓደጋ የንጸላሉ ከም ዘሎ ዝፈለጠት ዑፍ ንጨቓዊታ ንምዕቋብ ኣብ ልዕሊኦም ኣኽናፋ ከም እትዝርግሕ ዘርኢ ኢዩ። ብዝዓበየ ድማ የሆዋ ነቶም ኣብኡ ዝጽግዑ ኵሎም ናይ ሓቂ ዕቝባ ይዀኖም ኢዩ።​—⁠መዝሙር 7:⁠1

ብዛዕባ ኣምላኽ: ባህርያቱ: ዕላማታቱ: ከምኡውን ምጽንናዕ ኣብ ምሃብ ብዛዕባ ዘለዎ ክእለት ዝያዳ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ ቃሉ ንኸተጽንዕ ዕድመ ቀሪቡልካ ኣሎ። ኣብዚ መዳይ እዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጒሶም ክሕግዙኻ ይኽእሉ ኢዮም። እወ: ንስኻ እውን ብሓይሊ የሆዋ ክትጸናናዕ ትኽእል ኢኻ!

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ብዛዕባ መጻኢ ዝገልጽ ተስፋ ምጽንናዕ ክህብ ይኽእል ኢዩ