ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብቕዓት ከም ዘሎካ ተርኢዶ ኣሎኻ፧

ብቕዓት ከም ዘሎካ ተርኢዶ ኣሎኻ፧

ብቕዓት ከም ዘሎካ ተርኢዶ ኣሎኻ፧

ክትሓርቕ ወይ ተስፋ ክትቈርጽ ከሎኻ: ‘ሰብ ዝበለ እንተበለ ኣይግድሰንን ኢዩ ’ ዝብል ተሪር ቃላት ኣውሲእካ ትፈልጥ ትኸውን ኢኻ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ባርዕ ዝዀነ ስምዒት ሓንሳእ ምስ ቀሃመ ግን እቲ ዝነበርካዮ ኵነታት ከተሓሳስበካ ይጅምር። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ መብዛሕትና ብዛዕባ እቲ ካልኦት ኣባና ዘለዎም ኣመለኻኽታ ብሓቂ ንግደስ ኢና።

 እወ: ብስምዒት ካልኦት ብርግጽ ክንግደስ ይግብኣና ኢዩ። ብፍላይ ከም ክርስትያናት መጠን ንየሆዋ ኣምላኽ ከነገልግል እተመዘዝና ብምዃንና ብዛዕባ እቲ ካልኦት ኣባና ዘለዎም ኣመለኻኽታ ግቡእ ተገዳስነት ኢዩ ዘሎና። ከመይሲ “ኣብ ቅድሚ ዓለም ኣብ መድረኽ ትያትር ከም ዘለዉ ተዋሳእቲ” ኢና። (1 ቈረንቶስ 4:⁠9 NW  ) ኣብ 2 ቈረንቶስ 6:⁠3, 4 እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ሂብዎ ዘሎ ርጡብ ምኽሪ ተመዝጊቡ ንረክብ:- “ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይጽረፍ: ንሓደ እኳ ብገለ ነገር መዓንቀፊ ከቶ ኣይንህብን ኢና። ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ [“ብቕዓት ከም ዘሎና:” NW  ] ርእስና ነርኢ ኣሎና።”

ብቕዓት ከም ዘሎና ምርኣይ ክበሃል ከሎ ግን እንታይ ማለት ኢዩ፧ ገዛእ ርእስና ክብ ከነብል ወይ ከኣ ካልኦት ኣባናን ኣብ ክእለትናን ዘየድሊ ቈላሕታ ከም ዝገብሩ ክንገብር ኣሎና ማለት ድዩ፧ ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡ ነቲ ኣብ 1 ጴጥሮስ 2:⁠12 ዘሎ ሓሳባት ኣብ ግብሪ ምውዓል ማለት ኢዩ:- “ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም . . . ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ: ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ።” ክርስትያናት ኵሉ ኣካይድኦም ኣብ ክንድኦም ከም ዝዛረብ ብምግባር ብቕዓት ከም ዘለዎም የርእዩ። መወዳእትኡ ኸኣ እዚ ንዓና ዘይኰነስ ንኣምላኽ ውዳሰ ዘምጽእ ኢዩ። ይኹን እምበር: ብቕዓት ከም ዘሎና ምስ እነርኢ ብሕታዊ ረብሓ እውን ኣለዎ። እዚ ሓቂ ምዃኑ ዘርኢ ሰለስተ መዳያት እስከ ንመርምር።

ሓዳር ክትገብር ምስ እትሓስብ

ንኣብነት ንመርዓ ዝምልከት ንርአ። ካብቲ “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ወለዶታት [“ስድራቤታት:” NW  ] ካብኡ ዚስመ” የሆዋ ኣምላኽ ዝመጸ ህያብ ኢዩ። (ኤፌሶን 3:⁠15) ምናልባት ሓደ መዓልቲ ክትምርዖ ትሓስብ ትህሉ። ትሓስብ እንተድኣ ኣሊኻ በዓል እንዳ (በዓልቲ እንዳ) ንምዃን ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ብቕዓት ከም ዘሎካ እተርኢ ዘሎኻ፧ እወ: ከም ንጽል ክርስትያን ሰብኣይ (ሰበይቲ) መጠን እንታይ ዓይነት ስም ኢዩ ዘሎካ፧

ኣብ ገለ ገለ ሃገራት እዚ ንስድራቤታት ኣጸቢቑ ኢዩ ዘገድሶም። ንኣብነት ኣብ ጋና ክልተ ሰባት ክማራዓዉ ምስ ዝሓስቡ ክልቲኦም ነንወለዶም ከፍልጡ ብባህሊ ይግደዱ ኢዮም። እቶም ወለዲ ኸኣ ንኻልኦት ኣባላት ስድራ​ቤት ይሕብሩ። ድሕርዚ እቶም እንዳ ወዲ: እታ ጓል ኣብቶም ጐረባብቲ ዘለዋ ስም እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ከረጋግጹ ይጅምሩ። እታ ጓል ብቕዕቲ ኰይና እንተድኣ ረኺቦምዋ ኸኣ ናብ ስድራቤታ ከይዶም ወዶም ክምርዓዋ ይሓስብ ከም ዘሎ ይነግርዎም። ሽዑ ወለዲ እታ ጓል ‘ትብጻሕኩም’ ቅድሚ ምባሎም እቲ ወዲ እንታይ ስም ከም ዘለዎ ንምፍላጥ የረጋግጹ። በዚ ድማ ኢዩ “ቅድሚ ምምርዓውካ ሕተት ኣርጢብካ” ዝብል ምስላ ጋናውያን ዘሎ።

ኣብቲ ውልቀ-ሰባት ናይ መርዓ ብጻይ ዝዀኖም ባዕሎም ክመርጹ ዝፍቀደሉ ምዕራባውያን ሃገራትከ ድኣ እንታይ ክበሃል ይከኣል፧ ኣብኡ እውን እንተዀነ ሓደ ብሱል ክርስትያን ነቶም ንሓዳር ዝኸውን ሰብ እንታይ ዓይነት ብቕዓት ከማልእ ከም ዘለዎ ዝፈልጡ ወለዲ ወይ ብሱላት ኣዕሩኽ ብግልጺ ክውከሶም ጥበባዊ ኢዩ። ብመሰረት እታ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት እትበሃል መጽሓፍ ሓንቲ ጐርዞ ከምዚ ኢላ ክትሓትት ትኽእል ኢያ:- “‘እዚ ሰብኣይ እዚ እንታይ ዓይነት ስም ኢዩ ዘለዎ፧ ኣዕሩኹ በዓል መን ኢዮም፧ ርእሱ ዝቈጻጸር ድዩ፧ ንዓበይቲ ሰባት ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮም፧ ካብ እንታይ ዓይነት ስድራቤት ዝመጸ ኢዩ፧ ምስ ስድራቤቱ እንታይ ዓይነት ርክብ ኢዩ ዘለዎ፧ ብዛዕባ ገንዘብ እንታይ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎ፧ ኣልኮላዊ መስተ ብዘይግቡእ ይጥቀም ድዩ፧ ሓራቕ: ዝዋቓዕ ድዩ፧ እንታይ ናይ ጉባኤ ሓላፍነታት ኢዩ ዘለዎ: ብኸመይከ ኢዩ ዝፍጽሞ፧ ዓሚቝ ኣኽብሮት ከርእዮ እኽእል ድየ፧’​—ዘሌዋውያን 19:⁠32፣ ምሳሌ 22:⁠29፣ 31:⁠23፣ ኤፌሶን 5:⁠3-5, 33፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:⁠8፣ 6:⁠10፣ ቲቶስ 2:⁠6, 7።” a

ወዲ እውን እንተዀነ ብዛዕባ እታ ክምርዓዋ ዝሓስባ ዘሎ ክርስትያን ተመሳሳሊ ሕቶታት ክሓትት የድልዮ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ቦኣዝ ኣብታ ጸኒሑ እተመርዓዋ ሩት ከምዚ ዝኣመሰለ ተገዳስነት ኣንጸባሪቑ ነይሩ ኢዩ። ሩት “ኣነ ወሰንተኛ ኽንሰይሲ: ንኣይ ክትፈልጠኒ ብምንታይ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ረኸብኩ፧” ኢላ ምስ ሓተተቶ: ቦኣዝ ‘እቲ ዝገበርክዮ ዘበለ ኣጸቢቖም ነጊሮምኒ ኣለዉ’ በላ። (ሩት 2:⁠10-12) እወ: ቦኣዝ ብዛዕባ እቲ ሩት ዝነበራ ተኣማንነት: ተወፋይነት: ህርኩትነት ባዕሉ ተዓዚቡ ጥራይ ዘይኰነስ: ካብ ካልኦት እውን ብዛዕባኣ ጽቡቕ ሓሳባት ረኺቡ ኢዩ።

ብተመሳሳሊ: እተርእዮ ምምልላስ ንመርዓ ትበቅዕ እንተ ዄንካ ወይ እንተ ዘይኴንካ ንምርግጋጽ ግደ ኣለዎ። በዚ መዳይ እዚ ብቕዓትካ ብኸመይ ኢኻ እተርኢ ዘሎኻ፧

ከም ሰራሕተኛ መጠን

ጽቡቕ ኵለንትንኣዊ ምምልላስ ንረብሓኻ ክዀነሉ ዝኽእል ካልእ መዳይ ድማ ናይ ስራሕ ቦታ ኢዩ። ስራሕ ንምርካብ ብርቱዕ ውድድር ክህሉ ይኽእል ኢዩ። መምርሒ ዘይስዕቡ: ናይ ምድንጓይ ኣመል ዘለዎም: ከምኡውን መደላሃቕቲ ዝዀኑ ሰራሕተኛታት መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ስራሕ ይባረሩ ኢዮም። ብዘይዚውን ኩባንያታት ወጻኢታተን ንምንካይ ኢለን ሰራሕተኛታት ዘሰናብታሉ ግዜያት ኣሎ። እቶም ካብ ስራሕ እተሰናበቱ ሰባት ሓድሽ ስራሕ ክደልዩ ከለዉ ከጋጥሞም ዝኽእል ነገር ኣሎ: እዚ ኸኣ እተን ክቘጽርኦም ዝደልያ ኩባንያታት ናይ ስራሕ ልምዶም: ዝንባለኦም: ተመክሮኦም ከመይ ከም ዝነበረ ንምፍላጥ ነተን ዘሰናበትኦም ኩባንያታት ኣቐዲመን ይውከሳ ምዃነን ኢዩ። ብዙሓት ክርስትያናት በቲ ኣኽብሮት ዝመልኦ ጠባያቶም: ውርዙው ኣከዳድንኦም: ባህ ዘብል ኣቕዋሞም: ፍሉይ ክርስትያናዊ ባህርያቶም ብቕዓት ከም ዘለዎም ንወሃብቲ ስራሕ ብዕዉት መገዲ ኣርእዮም ኢዮም።

ሓደ ካብዚ ባህርያት እዚ ሓቀኛ ምዃን ኢዩ። ብዙሓት ወሃብቲ ስራሕ ከኣ ነዚ ባህሪ እዚ ቀዳምነት ኢዮም ዝህብዎ። ልክዕ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ንሕናውን “ብዅሉ ደግነት [“ሓቀኛታት ኴንና:” NW  ] ክንነብር” ኢና እንደሊ። (እብራውያን 13:⁠18) ኣብ ጋና ኣብ እትርከብ ሓንቲ ኩባንያ ዕደና: ፍግሪ ከም ዘሎ ሓበሬታ ተዋህበ። ብዙሓት ካልኦት ካብ ስራሕ ክሰናበቱ ኸለዉ ኣብ ናይ መዀልዒ ክፍሊ ዝሰርሕ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ ሓላፊ ናይቲ ስራሕ ኣይተሰናበተን። ስለምንታይ፧ ኣካየድቲ ናይቲ ስራሕ ነቲ ንዓመታት ዘርኣዮ ናይ ተኣማንነት ባህሪኡ ተዓዚቦምዎ ኢዮም። ብጻዕሩን በቲ ንሓለፍቲ ዘለዎ ኣኽብሮትን እውን ኣጸቢቑ እተፈልጠ ኢዩ። እወ: ብምኽንያት እቲ ቅኑዕ ኣካይድኡ ስርሑ ክቕጽል ከኣለ!

ሓደ ክርስትያን ናይ ስራሕ ብቕዓት ከም ዘለዎ ንኸርኢ ክገብሮ ዝኽእል እንታይ ካልእ ነገራት ኣሎ፧ ንእተዋህበካ ዝዀነ ይኹን ስራሕ ብውሕልነት ንምዕያይ ጽዓር። (ምሳሌ 22:⁠29) ብትግሃትን ብሕልናን ስራሕ። (ምሳሌ 10:⁠4፣ 13:⁠4) ንወሃብ ስራሕካን ሓላፊኻን ኣኽብሮም። (ኤፌሶን 6:⁠5) ሰዓትካ ምኽባር: ሓቀኛ ምዃን: ስሉጥነት: ጻዕረኛ ምዃን ወሃብቲ ስራሕ ዓቢ ግምት ዝህብዎ ባህርያት ኢዩ። እዚ ባህርይ እዚ ኸኣ ኣብቲ ስራሕ ዝሰኣነሉ ግዜያት እውን ከይተረፈ ስራሕ ንምርካብ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ።

ናይ ጉባኤ መሰላት

ሎሚ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ዝኣልዩ ብሱላት ሰብኡት ይድለዩ ኣለዉ። ዘድልይሉ ዘለዉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧ ኢሳይያስ “ስፍራ ድንኳንኪ ኣርሕቢ: እቲ መጋረጃታት ማሕደሪኺ . . . ይገተር” ኢሉ ተነበየ። (ኢሳይያስ 54:⁠2) ንፍጻሜ እዚ ትንቢት እዚ ድማ እታ ዓለምለኻዊት ጉባኤ የሆዋ ብቐጻሊ ትዓቢ ኣላ።

ክርስትያን ወዲ ተባዕታይ እንተድኣ ዄንካ እምበኣር ንሓላፍነት ንኽትምዘዝ ብቕዓት ከም ዘሎካ ብኸመይ ከተርኢ ምኸኣልካ፧ ኣብነት ናይቲ መንእሰይ ጢሞቴዎስ ርአ። ሉቃስ “እቶም ኣብ ልስጥራን ኢቆንዩምን ዘለዉ ኣሕዋት” ንጢሞቴዎስ ‘ጽቡቕ ከም ዝመስከርሉ’ ጸብጻብ ሃበ። እወ: እዚ መንእሰይ እዚ በቲ ጽቡቕ ጠባዩ ኣብ ክልተ እተፈላለያ ከተማታት ብቕዓት ከም ዘለዎ ኣርእዩ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ጳውሎስ ኣብቲ ናይ ግሽነት ኣገልግሎቱ ክሓብሮ ንጢሞቴዎስ ዓደሞ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 16:⁠1-4

ሎሚ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ብግቡእ ማለት ብኣምላኻዊ መገዲ ‘መዓርግ ኤጲስቆጶስ ክደሊ’ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ ንኽምዘዝ ኢሉ ጐስጓስ ከካይድ ዘይኰነስ: ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሓላፍነት ከብቅዖ ዝኽእል መንፈሳዊ ባህርያት ብምዅስኳስ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-10, 12, 13፣ ቲቶስ 1:⁠5-9) ኣብቲ ናይ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ምሉእ ተሳትፎ ብምግባር ‘ንሰናይ ግብሪ ዝምነ’ ምዃኑ እውን ከርኢ ይኽእል ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠14፣ 28:⁠19, 20) እቶም ገዛእ ርእሶም ንክርስትያናዊ ሓላፍነት ዝበቕዑ ምዃኖም ዘርእዩ ኣሕዋት ንድሕንነት መንፈሳውያን ኣሕዋቶም ናይ ሓቂ ተገዳስነት የርእዩ ኢዮም። ነቲ “ብዜድልዮም ንቕዱሳን ኣማቕሉ: ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ” ዝብል ምኽሪ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ግብሪ የውዕልዎ ኢዮም። (ሮሜ 12:⁠13) ብርግጽ እምበኣር ሓደ ክርስትያን ሓው እዚ ነገራት እዚ ብምግባር ‘ንርእሱ ከም ኣገልጋሊ ኣምላኽ ከርኢ’ ይኽእል ኢዩ።

ወትሩ

ብቕዓት ከም ዘሎካ ምርኣይ ክበሃል ከሎ ኣምሰሉ ምዃን ወይ ከኣ ‘ንሰብ ባህ ምባል’ ማለት ኣይኰነን። (ኤፌሶን 6:⁠6) ብመሰረቱ ክርአ ኸሎ ሕግታቱን ስርዓታቱን ብሕልና ኣብ ግብሪ ብምውዓል ብቕዓት ከም ዘሎና ንፈጣሪና የሆዋ ኣምላኽ ምርኣይ ማለት ኢዩ። መንፈሳውነትካ ኣማዕቢልካ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ንዘሎካ ርክብ እንተድኣ ኣደልዲልካ: ምስ ኣባላት ስድራቤትካ: መሳርሕትኻን ክርስትያን ብጾትካን ኣብ እትገብሮ ርክብ ምምሕያሽ ከም ዝገበርካ ካልኦት ከስተብህሉ ኢዮም። ብዘይዚውን ንጽንዓትካን ሚዛናውነትካን: ነቲ ናይ ምምዝዛንን ሓላፍነት ናይ ምስካምን ክእለትካ: ከምኡውን ንትሕትናኻ ክዕዘብዎ ኢዮም። እዚ ኸኣ ከም ዘፍቅሩኻን ዘኽብሩኻን ዝገብር ኢዩ: ብዝያዳ ድማ ብቕዓት ከም ዘሎካ ስለ ዘርኣኻ ስምረት የሆዋ ኣምላኽ ከም እትረክብ ዝገብረካ ኢዩ!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ብዙሓት ወለዲ ብዛዕባ እቶም ውሉዳቶም ክምርዓውዎም ዝደልዩ ሰባት ንምፍላጥ ብጥበብ ይሓቱ ኢዮም

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ሓው ንኻልኦት ሓላዪ እንተድኣ ዀይኑ ናይ ኣገልግሎት መሰላት ንምርካብ ብቕዓት ከም ዘለዎ ከርኢ ይኽእል ኢዩ