ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

 ነቲ ኣብ ቐረባ እዋን ዝወጸ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ብምንባብ ተሓጒስካዶ ኢኻ፧ ከምኡ እንተድኣ ዀይኑ እስከ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ:-

ኣብ ኮርያ ልደት ብቐሊሉ ተቐባልነት ንኽረክብ መገዲ ዝጸረገ እንታይ ኢዩ፧

ኣብ ኮርያን ኣብ ገለ ካልኦት ሃገራትን ብዛዕባ እቲ ኣብ ታሕሳስ ብመውጽእ ትኪ ኣቢሉ ይመጽእ ኢዩ ኢልካ ዝሕሰብ ዝነበረ ናይ ክሽነ ኣምላኽ ዝገልጽ ጥንታዊ እምነት ነበረ። ኣብ ርእሲ እዚ: ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ወተሃደራት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያናት ህያባትን ረድኤትን ይዕድሉ ነበሩ።​—⁠15/12 ገጽ 4, 5

ከም ፍጻሜ ናይ ኢሳይያስ 21:⁠8 ኣብዚ ግዜና ኣምላኽ ከመይ ዝበለ “ሓላዊ” ኢዩ ዘለዎ፧

ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ክፍሊ ናይቲ ሓላዊ ብምዃን እቲ ናይ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ፍጻሜ ዝዀነ ኵነታት ዓለም እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ንሰባት ከንቅሑ ጸኒሖም ኣለዉ። ንተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ ሰረተ-እምነታትን ተግባራትን ንኸለልዩ እውን ሓጊዞምዎም ኢዮም።​—⁠1/1 ገጽ 8, 9

“ፖሊሽ ብረዘርን” እንታዎት ነበሩ፧

ኣብ መበል 16ን 17ን ዘመን ኣብ ፖላንድ ዝነበሩ ሒደት ኣባላት ዝነበርዎም ሃይማኖታዊ ጕጅለ ኰይኖም: ንመጽሓፍ ቅዱስ ምስዓብ ስለ ዘተባብዑ ነቲ ከም ስላሴ: ንሕጻናት ምጥማቕ: ከምኡውን ገሃነም እሳት ዝኣመሰለ ልሙድ ናብ ቤተ-ክርስትያን ሰረተ-እምነታት ዝነጸጉ ኢዮም። ኣብ መወዳእታኡ: ከቢድ መስጐጕቲ ስለ ዝወረዶም: ናብ ካልኦት ሃገራት ፋሕ ክብሉ ተገደዱ።​—⁠1/1 ገጽ 21-3

ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ፍዩቸሮሎጂስት ወይ ካብ ቈጸርቲ ከዋኽብቲ ንላዕሊ ትውክልቲ ክግበረሉ ዝግባእ ስለምንታይ ኢዩ፧

ኵሎም እዞም ነብያት ኢና ዝብሉ ንየሆዋን ንመጽሓፍ ቅዱስን ስለ ዝነጽጉ ክትውከሎም ዘየተኣማምኑ ኰይኖም ኢዮም ዝርከቡ። ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኢዩ ንዓኻን ንስድራቤትካን ነባሪ ጥቕሚ ብምምጻእ ፍጻመታቱ ምስ ዕላማ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝተሓሓዝ ንኽትፈልጥ ክሕግዘካ ዝኽእል።​—⁠15/1 ገጽ 3

ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘሎና ዘረጋግጸልና ገለ መርትዖታት እንታይ ኢዩ፧

ሳዕቤን ናይቲ ሰይጣን ካብ ሰማይ እተደርበየሉ ኵነታት ክንርእዮ ንኽእል ኢና። (ራእይ 12:⁠9) ኣብ ግዜ ናይቲ ኣብ ራእይ 17:⁠9-11 ተጠቒሱ ዘሎ ናይ መወዳእታ ‘ንጉስ’ ኢና እንነብር ዘሎና። እቶም ናይ ሓቂ ቅቡኣት ክርስትያናት ቍጽሮም ይጐድል ኢዩ ዘሎ: ገና ግን ገለ ካብኣቶም እቲ ዓቢ ጸበባ ክጅምር ከሎ ኣብ ምድሪ ዝጸንሑ ኢዩ ዝመስል።​—⁠15/1 ገጽ 12, 13

መጽሓፍ ኣንባቆም መዓስ ኢያ ተጻሒፋ: ክንግደሰላ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧

እዛ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ እዚኣ ብ628 ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢላ ተጻሕፈት። ኣብ ልዕሊ እታ ጥንታዊት ይሁዳን ባቢሎንን ዝወርድ ፍርዲ የሆዋ ዝሓዘት ኢያ። ኣብ ልዕሊ እዚ ኣብ ግዜና ዘሎ እኩይ ኣገባብ ዝወርድ መለኮታዊ ፍርዲ እውን ትሕብር ኢያ።​—⁠1/2 ገጽ 8

ንደገኛታት ኣንስቲ ዝኸውን ሓንቲ ኣደ ዝሃበቶ ጥበባዊ ምኽሪ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣበይ ኢና እንረኽቦ፧

እታ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ናይ መጽሓፍ ምሳሌ: ማለት ምዕራፍ 31: ብሉጽ ምንጪ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ምኽሪ ኢያ።​—⁠1/2 ገጽ 30, 31

የሆዋ “ሓሳብ ክርስቶስ” ብምግላጹ ስለምንታይ ኢና መመስገንቲ ክንከውን ዘሎና፧ (1 ቈረንቶስ 2:⁠16)

የሆዋ ብሓገዝ ወንጌላት ገይሩ ናይ የሱስ ሓሳባት: ስምዒታት: ንጥፈታት: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ቀዳምነት ዝሃቦ ነገራት ክንፈልጥ ኣኽኢሉና ኢዩ። እዚ ኸኣ ዝያዳ ንየሱስ ክንመስሎ: ብፍላይ ድማ ኣብቲ ህይወት ዘድሕን ዕዮ ስብከት ንኸነተኵር ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።​—⁠15/2 ገጽ 25

ሎሚ ኣምላኽ ናብኡ ንዝቐርብ ጸሎት ይምልሰሉ ድዩ፧

እወ። ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ከም ዘይምልስ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጽ እኳ እንተዀነ: ሰባት ምጽንናዕ ከምኡውን ከም ናይ ሓዳር ዝኣመሰለ ግድላት ንምፍታሕ ሓገዝ ደልዮም ዝጸለይዎ ጸሎት ብዙሕ ግዜ ከም ዝመለሰሎም ኣብ ዘመናዊ ተመክሮታት ተራእዩ ኢዩ።​—⁠1/3 ገጽ 3-7

ሓይሊ ኣምላኽ ንምርካብ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

ሓይሊ ምእንቲ ክወሃበና ክንጽሊ: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈሳዊ ብርታዐ ክንረክብ: ከምኡውን ብክርስትያናዊ ሕብረት ክንበራታዕ ንኽእል ኢና።​—⁠1/3 ገጽ 15, 16

ወለዲ ደቆም ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብዝበለጸ ንኽጥቀሙ ብኸመይ ክሕግዝዎም ይኽእሉ፧

ምናልባት ኣቐዲሞም ደቆም ዕረፍቲ ከም ዝረኽቡ ብምግባር ንቑሓት ንኽዀኑ ክሕግዝዎም ይኽእሉ ኢዮም። ቈልዑ “መዘኻኸሪ” ንኽጽሕፉ ምትብባዕ ክዋሃቦም ይኽእል ኢዩ፣ ንኣብነት: ልሙድ ቃላት ወይ ስያመታት ኣብ ዝሰምዑሉ እዋን ኣብ ወረቐት ምልክት ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠15/3 ገጽ 17, 18

ካብ ኣብነታት እዮብ እንታይ ክንማሃሮ እንኽእል ነገራት ኣሎ፧

እዮብ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ ቀዳምነት ኢዩ ሂብዎ፣ ምስ ሰባት ብዘይኣድልዎ ኢዩ ተመላሊሱ፣ ምስ ናይ መርዓ ብጸይቱ እሙን ክኸውን ኢዩ ዝጽዕር ነይሩ፣ ብናይ ስድራቤቱ መንፈሳውነት ተገዲሱ ኢዩ፣ ከምኡውን ኣብ ትሕቲ ፈተና ብተኣማንነት ጸኒዑ ኢዩ።​—⁠15/3 ገጽ 25-7

መጽሓፍ ቅዱስ ንእተሓብአ መልእኽትታት ከተስተውዕሎ ዘኽእል ስዉር ኮድ ኣለዎዶ ኢዩ፧

የብሉን። እቲ ስዉር ኮድ ኣለዎ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣብ ገሊኡ ዓለማዊ መጻሕፍቲ እውን ብማዕረ ክዓዪ ዝኽእል ኢዩ። ኣብ ናይ እብራይስጢ ኢደ-ጽሑፋት ናይ ፊደላት ፍልልይ ምህላዉ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ ዝበሃል ኮድ ክትርጐም ከሎ ዋጋ ዘይብሉ ይገብሮ።​—⁠1/4 ገጽ 30, 31