ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዓመጸኛታት ብኣረኣእያ ኣምላኽ ዲኻ እትምልከቶም፧

ንዓመጸኛታት ብኣረኣእያ ኣምላኽ ዲኻ እትምልከቶም፧

ንዓመጸኛታት ብኣረኣእያ ኣምላኽ ዲኻ እትምልከቶም፧

ኣካላዊ ሓይልን ጅግንነትን ንዘለዎም ብርቱዓት ሰባት ናእዳን ክብርን ምሃብ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ብደቂ ሰባት እተለምደ ኢዩ። ሓደ ካብዚኣቶም እቲ ኣብ ናይ ጥንታዊት ግሪኽ ኣፈ-ታሪኽ ተገሊጹ እንረኽቦ ሄራክለስ ወይ ከኣ ብኣጸዋውዓ ሮማውያን ሄርኩለስ ኢዩ።

ሄራክለስ ዓቢ ዝና ዝነበሮ ብሉጽ ጅግናን ካብ ኵሎም ተቓለስቲ እቲ ዝሓየለን ኢዩ ነይሩ። ኣፈ-​ታሪኽ ከም ዝገልጾ ሓውሲ ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ፣ ኣቦኡ እቲ ዘዩስ ዝበሃል ኣምላኽ: ኣዲኡ ድማ እታ ኣልክሚን እትበሃል ስጋዊት ኣደ ኢያ ነይራ። ነቲ ጅግንነታዊ ስርሑ ገና ብሕጻንነቱ ኣብ ዓራት ቈልዓ ኸሎ ኢዩ ጀሚርዎ። ሓንቲ ቐናእ ኣንስተይቲ ኣምላኽ ንኽቐትልዎ ክልተ ዓበይቲ ኣትማን ምስ ሰደደትሉ ሄራክለስ ሓኒቑ ቀተሎም። ምስ ዓበየ ኣብ ብዙሕ ዓውድታት ኲናት ተሳቲፉን ንጎብለላት ጥሒርዎምን ኢዩ: ከምኡውን ንሓንቲ ዓርኩ ንምድሓን ምስ መልኣከ ሞት ተቓሊሱ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ከተማታት ኣዕንዩ: ኣንስቲ ዓሚጹ: ካብ ሓደ ግምቢ ንሓደ ወዲ ደርብዩ: ከምኡውን ንበዓልቲ ቤቱን ደቁን ቀቲሉ ኢዩ።

ናይ ሓቂ ብህይወት ዝነበረ ሰብኣይ እኳ እንተ ዘይኰነ: ካብ ቅድም ኣትሒዙ እቲ ጽውጹዋይ ዝዀነ ሄራክለስ ኣብ ኵሉ እቲ ግሪኻውያን እግሮም ኣዕሪፎምሉ ኢዮም ዝበሃል ጥንታዊ ቦታታት ይዝንቶ ነይሩ ኢዩ። ሮማውያን ከም ኣምላኽ የምልኽዎ ነበሩ፣ ነጋዶን ገየሽትን ብልጽግና ከምኡውን ካብ ሓደጋ ዕቝባ ንምርካብ ናብኡ ይጽልዩ ነበሩ። ነቲ ጅግንነታዊ ተግባሩ ዝገልጽ ዛንታታት ንኣሽሓት ዓመታት ንሰባት ከደንቖም ጸኒሑ ኢዩ።

መበቈል እቲ ኣፈ-ታሪኽ

እዚ ናይ ሄራክለስ ዛንታታትን ካልእ ብዛዕባ እተፈላለዩ ጀጋኑ ዝገልጽ ኣፈ-ታሪኻትን ኣብ ክውንነት እተመስረተ ድዩ፧ ምናልባት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ መጀመርታ ሰብኣዊ ታሪኽ: “ኣማልኽቲ” ከምኡውን “ሓውሲ ኣማልኽቲ” ብሓቂ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ከም ዝነበሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ ኢዩ።

ብዛዕባ እቲ ዘመን እቲ ንምግላጽ ሙሴ ከምዚ ብምባል ጽሒፉ ኢዩ:- “ኰነ ድማ ሰብ ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኺበዝሕ ምስ ጀመረ: ኣዋልድ ከኣ ምስ ተወልዳሎም: እቶም ደቂ ኣምላኽ ድማ ነተን ኣዋልድ ሰብ: መልክዔኛታት ከም ዝዀና ምስ ረአዩ: ካባታተን ዘዝሐረይወን ኣንስቲ ወሰዱ።”​—⁠ዘፍጥረት 6:​1, 2

እዞም “ደቂ ኣምላኽ” እዚኣቶም ደቅሰብ ኣይኰኑን ነይሮም፣ እዚኣቶም መላእኽቲ ዝነበሩ ውሉዳት ኣምላኽ ኢዮም ነይሮም። (ምስ እዮብ 1:6፣ 2:1፣ 38:​4, 7 ኣረኣእዮ።) እቲ ሓደ ካብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ይሁዳ “ሰፈሮም ዝሐደጉ እምበር: መዓርጎም ዘይሐለዉ” ውሑዳት መላእኽቲ ከም ዝነበሩ ይዛረብ። (ይሁዳ 6) ብኻልእ ኣዘራርባ: ነቲ ኣብ ሰማያዊት ማሕበር ኣምላኽ ተመዲቦምሉ ዝነበሩ ቦታ ሓዲጎም ኣብ ምድሪ ምስ መልክዐኛታት ደቂ ኣንስትዮ ምንባር ሓረዩ። ቀጺሉ ይሁዳ ነዞም ዓለወኛታት መላኽእቲ እዚኣቶም ምስቶም ኣብ ሶዶምን ጎሞራን ዝነበሩ ‘ዝመንዘሩ ደድሕሪ ስጋ ጓና እውን ዝሰዓቡ’ ሰባት ኣመሳሲልዎም ኣሎ።​—ይሁዳ 7

መጽሓፍ ቅዱስ ንተግባራት እዞም ዘይእዙዛት መላእኽቲ ዝገልጽ ምሉእን ዝርዝራውን ሓበሬታ ኣይህብን ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ግሪኽን ኣብ ካልእ ከባቢታትን ዝንገር ጥንታዊ ኣፈ-ታሪኻት ብዛዕባ እቶም ብጋህዲ ይኹን ብዘይርአ ኣገባብ ኣብ ማእከል ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዝመላለሱ ዝነበሩ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ኣማልኽቲ ሓበሬታ ይህብ ኢዩ። ስጋ ሰብ ክለብሱ ኸለዉ ኣዝዮም ጽቡቓት ኢዮም ዝዀኑ ነይሮም። ይበልዑ: ይሰትዩ: ይድቅሱ: ከምኡውን ኣብ ንሓድሕዶም ይኹን ምስ ደቅሰብ ጾታዊ ርክብ ይፍጽሙ ነበሩ። ከም ቅዱሳትን ዘለኣለማውያንን እኳ ይሕሰቡ እንተ ነበሩ: ይሕስዉን የታልሉን: ይጻልኡን ይባኣሱን ነበሩ: ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም የስድዑን ይጋሰሱን እውን ነይሮም ኢዮም። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣፈ-ታሪኻት እተዃሓሓለን ቄናንን ጸብጻባት ዝሓዘ እኳ እንተዀነ: ነቲ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ዝዀነት ዘፍጥረት ተጠቒሱ ዘሎ ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ኵነታት ዘንጸባርቕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ካብ ጥንቲ ስሙያት ዝነበሩ ጀጋኑ

እቶም ስጋ ለቢሶም ዝነበሩ ዘይእዙዛት መላእኽቲ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ርክብ ይፍጽሙ ነበሩ: እተን ደቂ ኣንስትዮ ኸኣ ውሉዳት ወለዳሎም። እዚኣቶም ተራ ውሉዳት ኣይነበሩን። እዚኣቶም ካብ ሰብን መላእኽትን እተወልዱ ንጉዓት ኢዮም ነይሮም። ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ደቂ ኣምላኽ ናብተን ኣዋልድ ሰብ ምስ አተዉ: ንሳተን ከኣ ምስ ወለዳሎም: በቲ ዘበን እቲ: ብድሕሪኡ ድማ: ኣብ ምድሪ ንጉዓት ሰባት ነበሩ። እቶም ካብ ጥንቲ ስሙያት ዝነበሩ ጀጋኑ ሰባት እዚኣቶም እዮም።”​—⁠ዘፍጥረት 6:⁠4

እታ ኣብዚ “ንጉዓት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ነፍሊም እትብል ናይ እብራይስጢ ቃል: ቃል ብቓላ “ሓፍ ፈጠቕ ዘብሉ” ወይ ድማ ብዓመጽ ዝስንድዉ ማለት ኢያ። ስለዚ እቲ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ “ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልኤት” ብምባል እንተ ቐጸለ ዘገርም ኣይኰነን። (ዘፍጥረት 6:​11) እቶም ከም በዓል ሄራክለስ ከምኡውን ከም ጊልጋመሽ ዝበሃል ባቢሎናዊ ጅግና ዝኣመሰሉ ኣብ ኣፈ-ታሪኽ ተገሊጾም እንረኽቦም ሓውሲ ኣማልኽቲ: ብሓቂ ነቶም ነፍሊም ዝመሳሰልዎም ኢዮም።

እቶም ነፍሊም “ጀጋኑ” ከምኡውን “ስሙያት” ተባሂሎም ተጸዊዖም ከም ዘለዉ ኣስተብህል። ንሳቶም ከምቲ ኣብ ግዜኦም ዝነበረ ኖህ እቲ ጻድቕ ሰብኣይ ኣይነበሩን፣ ዝና የሆዋ ንዕኦም ዘገድሶም ጕዳይ ኣይነበረን። ንሳቶም ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ዝና: ክብሪ: ከምኡውን ስም ኢዮም ዝግደሱ ነይሮም። በቲ ብዘይጥርጥር ዓመጽን ምፍሳስ ደምን ዘጠቓልል ዝነበረ ጅግንነታዊ ተግባራቶም: ነቲ ሃረር ዝብልዎ ዝነበሩ ዝና ካብታ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበራ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረት ዓለም ክረኽብዎ ክኢሎም ኢዮም። ንሳቶም ናይቲ ግዜኦም ብሉጻት ጀጋኑ ኢዮም ነይሮም፣ ዝፍርሁን ብኽብሪ ዝረኣዩን: እወ ዘይጸዓዱ ዝነበሩ ኢዮም ዝመስሉ።

እቶም ነፍሊምን ሕሱራት መላእኽቲ ዝዀኑ ኣቦታቶምን ኣብ ቅድሚ እቲ ሽዑ ዝነበረ ወለዶ ነቲ ዝብህግዎ ዝነበሩ ዝና እኳ እንተ ረኸቡ: ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ግን ክቡራት ኣይነበሩን። ጽዩፍ ናብራ ኢዩ ነይርዎም። ከም ውጽኢት እዚ ድማ ኣምላኽ ኣንጻር እዞም ሓጥኣን መላእኽቲ ስጕምቲ ወሰደ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ኣምላኽ ግና ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ እኳ ናብ ገሃነም ደርብዩ: ብመቝሕ ጸልማት ተአሲሮም ንፍርዲ ኺሕለዉ ኣሕሊፉ ሀቦም እምበር: ካብ ዘይነሐፎም: ነታ ቐዳመይቲ ዓለም ድማ ካብ ዘይነሐፋስ: ናብታ ናይ ሓጥኣን ዓለም ማይ ኣይሂ ምስ ኣውረደ ኸኣ: ንኖህ ሰባኽ ጽድቂ ሳምናይ ርእሱ ሐለዎ።”​—2 ጴጥሮስ 2:​4, 5

ማይ ኣይሂ ኣብ መላእ ዓለም ክወርድ ከሎ: እቶም ዓለወኛታት መላእኽቲ ነቲ ለቢሶምዎ ዝነበሩ ስጋ ቐንጢጦም ውርደት ተሰኪሞም ናብቲ መንፈሳዊ ግዝኣት ተመልሱ። ኣምላኽ ግና እንደገና ሰብኣዊ ኣካል ንኸይለብሱ ብምእጋድ ቀጽዖም። ኵሎም እቶም ብዘይንቡር ኣገባብ እተወልዱ ነፍሊም ዝዀኑ ውሉዳት ናይቶም ዘይእዙዛት መላእኽቲ ድማ ጠፍኡ። ኖህን እቶም ሒደት ኣባላት ስድራ​ቤቱን ጥራይ ኢዮም ካብ ጥፍኣት ማይ ኣይሂ ክድሕኑ ዝኸኣሉ።

ሎሚ ዘለዉ ሰብ ዝና

ሎሚ ሰብኣዊ ኣካል ለቢሶም ዝርኣዩ ኣማልኽቲ ይኹኑ ሓውሲ ኣማልኽቲ የለዉን። እንተዀነ ግን ዓመጻ ፈቐድኡ ኢዩ ዝርአ። ሎሚ ዘለዉ ሰብ ዝና ኣብ መጻሕፍቲ: ፊልምታት: ቴለቭዥን: ከምኡውን ብሙዚቃ ይምጐሱ ኢዮም። የማነይቲ መትልሕካ ንዝወቕዓካ እታ ኻልኣይቲ ምምላስ: ጸላእትኻ ምፍታው: ሰላም ምድላይ: ይቕረ ምባል: ወይ ድማ ካብ ዓመጻ ምርሓቕ እዞም ሰባት እዚኣቶም ፈጺሞም ዘይሓስብዎ ተግባራት ኢዩ። (ማቴዎስ 5:​39, 44፣ ሮሜ 12:17፣ ኤፌሶን 4:​32፣ 1 ጴጥሮስ 3:​11) ኣብ ክንድኡስ: ዘመናውያን ጀጋኑ በቲ ንኽቃለሱ: ሕነ ንኽፈድዩ: ከምኡውን በቲ ንዓመጽ ብኻልእ ዝገደደ ዓመጽ ንኸፍሽሉ ዘለዎም ሓይልን ክእለትን ይነኣዱ ኢዮም። a

እቲ ኣምላኽ ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ዘለዎ ኣረኣእያ ልክዕ ከምቲ ኣብ ግዜ ኖህ ዝነበሮ ኢዩ ዘሎ። የሆዋ ንኣፍቀርቲ ዓመጻ ኣይንእዶምን ኢዩ: ከምኡውን ብጅግንነታዊ ተግባራቶም ባህ ኣይብሎን ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እግዚኣብሄር ንጻድቕ ይዕዘቦ: ንረሲእን ንፈታው ግፍዕን ግና ነፍሱ ትጸልኦም” ብምባል ዘሚሩ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 11:⁠5

ፍሉይ ዓይነት ሓይሊ

ነቶም ዓመጽ ዘዘውትሩ ጀጋኑ ሓዊስካ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ ሰባት ኣዝዩ ውሩይ በዓል ዝና እቲ ሰለማዊ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ኣብ ምድሪ ኸሎ ‘እከይ ኣይገበረን።’ (ኢሳይያስ 53:⁠9) ጸላእቱ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ክሕዝዎ ምስ መጹ: ሰዓብቱ ሒደት ኣስያፍ ሒዞም ነይሮም ኢዮም። (ሉቃስ 22:​38, 47-​51) ስለዚ ናብ ኣይሁድ ምእንቲ ኸይወሃብ እምባጋሮ ብምፍጣር ክከላኸሉ ክፍትኑ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም።​—⁠ዮሃንስ 18:⁠36

ሃዋርያ ጴጥሮስ እሞ ንየሱስ ክከላኸለሉ ሰይፉ ካብ ሰገባኣ መሊሑ ኢዩ: የሱስ ግን “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ: ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ” በሎ። (ማቴዎስ 26:51, 52) ከምቲ ኣብ ሰብኣዊ ታሪኽ ብተደጋጋሚ እተራእየ፣ ዓመጻ: ዓመጻ ከም ዘኸትል ምንም ኣየጠራጥርን ኢዩ። የሱስ ካብቲ ገዛእ ርእሱ ብኣጽዋር ንኽከላኸል ዝነበሮ ኣጋጣሚ እተፈልየ ካልእ መከላኸሊ ሜላ እውን ነይርዎ ኢዩ። ኣስዒቡ ንጴጥሮስ ከምዚ በሎ:- “ነቦይ ምልማኑ ዘይከአለኒ: ንሱ ኸኣ ካብ ዓሰርተው ክልተ ለጌዎን ዚበዝሑ መላእኽቲ ሕጂ ኺሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ አሎ፧”​—ማቴዎስ 26:⁠53

የሱስ ነቲ ዘጓነፎ ሓደጋ ብዓመጽ ክፈትሖ ክንዲ ዝፍትን ወይ ድማ መላእኽቲ ክከላኸልሉ ክንዲ ዝጽበ: በቶም ዝቐተልዎ ክተሓዝ ኢዩ ፈቒዱ። ስለምንታይ፧ እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ኣብ ምድሪ እከይ ከም ዘብቅዕ ዝገብረሉ ግዜ ዛጊት ከም ዘይኣኸለ ይፈልጥ ምንባሩ እቲ ሓደ ምኽንያት ኢዩ። ነቲ ኣጓኒፍዎ ዝነበረ ሓደጋ ባዕሉ ኽፈትሖ ኣብ ክንዲ ዝፍትን: ኣብ የሆዋ ኢዩ ተወኪሉ።

እዚ ምስ ድኻም ዝጽብጸብ ዘይኰነስ ሓደ ካብቲ ውሽጣዊ ሓይሊ ዝግለጸሉ መገድታት ኢዩ። የሆዋ ኣብቲ ባዕሉ ዝመደቦ ግዜን በቲ ንሱ ዝደልዮ መገድን ንነገራት ከቕንዖም ምዃኑ የሱስ ድልዱል እምነት ኣርእዩ ኢዩ። የሱስ እዙዝ ስለ ዝነበረ ብትሕቲ የሆዋ ዝለዓለ ዝና ናብ ዘለዎ ቦታ ክብ ክብል በቒዑ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ የሱስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ: ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተአዘዘ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ: ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ: ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ።”​—⁠ፊልጲ 2:​8-​11

ዓመጻ ንኸብቅዕ ኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓ

ሓቀኛታት ክርስትያናት ንህይወቶም ብኣብነትን ትምህርትን የሱስ ኢዮም ዝቐርጽዎ። ንዓለማውያን ሰብ ዝናን ዓመጽ ዘዘውትሩን ኣይንእድዎምን ወይ ድማ ኣይመስልዎምን ኢዮም። ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግቡእ ግዜ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ልክዕ ከምቶም ኣብ ዘመን ኖህ ዝነበሩ እኩያት ብርግጽ ንዘለኣለም ክጸንቱ ምዃኖም ይፈልጡ ኢዮም።

ንምድርን ደቅሰብን ዝፈጠረ ኣምላኽ ኢዩ። እቲ ንኽገዝእ መሰል ዘለዎ ልዑል እውን ንሱ ኢዩ። (ራእይ 4:⁠11) ሓደ ሰብኣዊ ዳኛ ፍርዳዊ ውሳነታት ክህብ ሕጋዊ ስልጣን ዘለዎ እንተድኣ ዀይኑ: ኣምላኽ እሞ ዝለዓለ ስልጣን ኢዩ ዝህልዎ። እቲ ንጽድቃዊ ስርዓታቱ ዘለዎ ኣኽብሮት: ከምኡውን እቲ ንዘፍቅርዎ ዘበሉ ዘለዎ ፍቕሪ: ንዅሉ እከይን እኩያትን ከም ዘብቅዕ ንምግባር ስጕምቲ ንኽወስድ ክድርኾ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 13:​41, 42፣ ሉቃስ 17:​26-​30

እዚ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ናብ መወዳእታ ዘይብሉ ሰላም ከምርሕ ኢዩ: እወ ኣብ ፍትሕን ጽድቅን እተመስረተ ሰላም ክህሉ ኢዩ። እዚ ኣብቲ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ እተዋህበ ኣዝዩ ውሩይ ትንቢት ብኸምዚ ዝስዕብ ኣቐዲሙ ተገሊጹ ኢዩ:- “ሕጻን ተወሊዱልና: ወዲ ተውሂቡና እዩ እሞ: እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኵቡ እዩ: ስሙውን ግሩም: መካር: ብርቱዕ ኣምላኽ: ኣቦ ዘለኣለም: መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ። ብፍርድን ብጽድቅን ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ምእንቲ ኼጽንዓን ኬቝማንሲ: ኣብ ዝፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን። ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነዚ ኺገብር እዩ።”​—⁠ኢሳይያስ 9:​6, 7

ክርስትያናት ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ነዊሕ እዋን ይገብር ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ እተጻሕፈ ምኽሪ ጠቢቖም ዝስዕብዎ እምበኣር ብቕቡል ምኽንያት ኢዮም:- “ብገፋዒ ሰብ ኣይትቕናእ: መገዱ ዘበለ ዅሉ ኣይትምረጽ። እግዚኣብሄር ነቲ ቔናን ይፍንፍኖ: ምስጢሩ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ።”​—⁠ምሳሌ 3:⁠31, 32

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቶም ኣብ መብዛሕትኡ ናይ ቪድዮ ጸወታታትን ኣብ ናይ ስነ-ፍልጠታዊ ልቢ ወለድ ፊልምታትን ዘለዉ ተዋሳእቲ ነቲ እኩይን ዓመጽ ዝመልኦን ባህርያት ብኣዝዩ ዝኸፍአ ደረጅኡ ኢዮም ዘንጸባርቕዎ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Alinari/Art Resource, NY

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ዘመናውያን ጀጋኑ በቲ ንዓመጽ ብኻልእ ዝገደደ ዓመጽ ንኸፍሽሉ ዘለዎም ሓይልን ክእለትን ይነኣዱ ኢዮም