ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ሓዳስ ዓለም ክትህሉዶ ኢኻ፧

ኣብ ሓዳስ ዓለም ክትህሉዶ ኢኻ፧

ኣብ ሓዳስ ዓለም ክትህሉዶ ኢኻ፧

“ንኣታቶምሲ ኻብ ባህ ምባልን ካብ ብህይወቶም ከለዉ ሰናይ ምግባርን ዚሔሾም ከም ዜብሎም ፈለጥኩ። እምበኣርሲ ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን: ብዅሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን: እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ። ”​መክብብ 3:⁠12, 13

1. ብዛዕባ መጻኢ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ክህልወና ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧

 ብዙሓት ሰባት ነቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ከም ሕሱምን ተሪርን ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። እንተዀነ ግን: እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጥቕሲ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃሉ ዝርከብ ሓቂ ኢዩ። እዚ ድማ ምስቲ “ብሩኽ [“ሕጉስ:” NW  ] ኣምላኽ” ከም ዝዀነ ዝሕብር መግለጺ ከምኡውን ምስቲ ንቐዳሞት ወለድና ኣብ ምድራዊት ገነት ብምንባር ዘርኣዮ ባህሪ ዝሰማማዕ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:⁠11፣ ዘፍጥረት 2:⁠7-9) ነቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ኣብ መጻኢ ክገብረሎም እተመባጽኦ ነገር ብምስትዓል ምስ እንርእዮ: ነባሪ ሓጐስ ከምጽእ ዝኽእል ኵነታት ክህሉ ምዃኑ እንተ ፈለጥና ከገርመና የብሉን።

2. ኣብ መጻኢ ክኸውን ኢዩ ኢልካ ብሃንቀውታ እትጽበዮ ገለ ነገራት እንታይ ኢዩ፧

2 ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ: ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ብዛዕባ “ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን” እተነግረ ኣርባዕተ ትንቢታት ነተን ሰለስተ ርኢናየን ኢና። (ኢሳይያስ 65:⁠17) ሓንቲ ካብዘን ትንቢታት እዚኣተን ኣብ ራእይ 21:⁠1 ተመዝጊባ ትርከብ። እተን ደድሕሪኣ ዘለዋ ጥቕስታት ብዛዕባ እቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ንዅነታት ምድሪ ዓቢ ለውጢ ብምምጻእ ከም ዝመሓየሽ ዝገብረሉ እዋን ኢየን ዝገልጻ። ንናይ ሓዘን ንብዓት ክደርዞ ኢዩ። ሰባት ብእርጋን: ሕማም: ወይ ሓደጋ ኣይክሞቱን ኢዮም። ሓዘን: ጫውጫው: ከምኡውን ስቓይ ኣይክህሉን ኢዩ። ኣየ ከመይ ዝበለ ዘሐጕስ ተስፋ ኰን ኢዩ! ይኹን እምበር: እዚ ፍጻሜኡ ከም ዝረክብ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእልዶ: ኣብዚ እዋን እዚኸ እቲ ተስፋ ኣባና እንታይ ጽልዋ ኢዩ ክህልዎ ዝኽእል፧

ርግጸኛታት ክንኰነሉ እንኽእል ምኽንያት

3. ንመጻኢ ዝምልከት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መብጽዓታት ክንውከሎ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

3 ራእይ 21:⁠5 ብኸመይ ከም እትገልጾ ኣስተውዕል። እቲ ኣብ ሰማያዊ ዝፋን እተቐመጠ ኣምላኽ “እንሆ: ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ” ኢሉ ከም ዝኣወጀ ትጠቅስ። እዚ መለኮታዊ መብጽዓ እዚ ካብ ዝዀነ ይኹን ኣዋጅ ሃገራዊ ናጽነት: ካብ ዝዀነ ይኹን መሰረታዊ መሰላት ናይ ሰባት ዝሓዘ ሕጊ: ወይ ካብቲ ወድሰብ ብዛዕባ መጻኢ ክህልዎ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ትምኒት ዝሓሸ ኢዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ዘይሕሱ” እተባህለሉ ኣካል እተዛረቦ ስለ ዝዀነ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ትውክልቲ ክንገብረሉ ንኽእል ኢና። (ቲቶስ 1:⁠2) ነዚ ባህ ዘብል ተስፋ ምስትምቓርን ኣብ ኣምላኽ ምውካልን እኹል ኢዩ ዝብል ስምዒት እንተ መጸካ ኣየገርምን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ግድን እኹል ኢዩ እንብለሉ ምኽንያት የብልናን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ተወሳኺ ነገር ሒዙልና ኣሎ።

4, 5. ኣየናይ ኣቐዲምና ዝመርመርናዮ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎና እምንቶ ከደልድሎ ዝኽእል፧

4 ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ዝረኣናዮ ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን ከም ዝህሉ ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መብጽዓታት እሞ ኣስተንትን። ኢሳይያስ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓድሽ ኣገባብ ከም ዝህሉ ተነበየ: እዚ ድማ ኣይሁድ ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱን ሓቀኛ ኣምልኾ እንደገና ምስ መስረቱን ተፈጸመ። (እዝራ 1:⁠1-3፣ 2:⁠1, 2፣ 3:⁠12, 13) እንተዀነ ግን: ትርጕም ናይቲ ኢሳይያስ ዘመልክቶ ነገር እዚ ጥራይ ድዩ፧ ብርግጽ ኣይኰነን! እቲ እተነበዮ ነገር ካብቲ ንሱ እተነበዮ ግዜ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ብዝዓበየ መገዲ እውን ክፍጸም ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መደምደምታ እንበጽሕ ስለምንታይ ኢና፧ ኣብ 2 ጴጥሮስ 3:⁠13 ከምኡውን ራእይ 21:⁠1-5 ዘንበብናዮ ነገር ኢዩ ኣብዚ መደምደምታ እዚ ኣብጺሑና። እዘን ጥቕስታት እዚኣተን ንክርስትያናት ዝጠቅም ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን ብዓለምለኻዊ ደረጃ ክመጽእ ምዃኑ ኢየን ዝሕብራ።

5 ኣቐድም ኣቢልና ከም ዝጠቐስናዮ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” እትብል ሓረግ ኣርባዕተ ግዜ ተጠቒሙላ ይርከብ። ካብዚኣተን ነተን ሰለስተ መርሚርናየን: ኣብ ዘተባብዕን ዘነቓቕሕን መደምደምታ ድማ በጺሕና ኢና። ኣምላኽ ንእከይን ካልእ ጠንቂ ስቓይን ከም ዘጥፍእ: ብድሕሪኡ ኸኣ ንደቅሰብ በቲ እተማባጽዖ ሓድሽ ኣገባብ ከም ዝባርኾም መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲሙ ጠቒሱ ኢዩ።

6. እታ “ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን” እትብል ሓረግ እተጠቕሰትላ ራብዓይቲ ትንቢት ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ኢያ እትብል፧

6 ሕጂ ነታ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ እትርከብ ዝተረፈት “ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን” እትብል መግለጺ ንመርምር። ኢሳይያስ 66:⁠22-24 ከምዚ ትብል:- “ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ኣብ ቅድመይ ዚነብር: ከምኡ ዘርእኹምን ስምኩምን ኪነብር እዩ: ይብል እግዚኣብሄር። ኪኸውን ድማ እዩ: ካብ ሰርቂ ወርሒ ኽሳዕ ሰርቂ ወርሒ: ካብ ሰንበት ከኣ ክሳዕ ሰንበት: ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣብ ቅድመይ ኪሰግድ ኪመጽእ እዩ: ይብል እግዚኣብሄር። ወጺኦም ከኣ ንሬሳታት እቶም ካባይ ዝዐለዉ ኺርእዩ እዮም: ሓሰኻኦም ኣይኪመውትን: ሓዎም ድማ ኣይኪጠፍእን እዩ እሞ: ንዅሉ ስጋውን መፈንፈኒ ኪዀኑ እዮም።”

7. ኢሳይያስ 66:⁠22-24 ኣብ መጻኢ እዋን ፍጻሜ ክህልዋ ኢዩ ኢልና ክንድምድም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

7 እዛ ትንቢት እዚኣ ኣብቶም ናብ ዓዶም እተመልሱ ኣይሁድ ፍጻሜ ነይርዋ ኢዩ: እንተዀነ ግን: ካልእ ፍጻሜ እውን ኣለዋ። እዚ ዝፍጸም ካልኣይ ጴጥሮስን ራእይን ካብ ዝጸሓፍ ዓመታት ጸኒሑ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ: ከመይሲ ክልቲኦም ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ “ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ኢዮም ተነብዮም። ኣብ ሓድሽ ኣገባብ ዝዓበየን ምሉእን ፍጻሜኡ ንኽረክብ ክንጽበ ንኽእል ኢና። ገለ ካብቲ ኣብ መጻኢ እንሕጐሰሉ ነገራት እሞ ሕስብ ኣብሎ።

8, 9. (ሀ) ህዝቢ ኣምላኽ ‘ምንባር’ ዝቕጽሉ በየናይ መገዲ ኢዮም፧ (ለ) ትርጕም ናይቲ ኣገልገልቲ የሆዋ “ካብ ሰርቂ ወርሒ ኽሳዕ ሰርቂ ወርሒ: ካብ ሰንበት ከኣ ክሳዕ ሰንበት” ከምልኹ ምዃኖም ዝገልጽ ትንቢት እንታይ ኢዩ፧

8 ራእይ 21:⁠4 ሞት ከም ዘይህሉ ትገልጽ ኢያ። እቲ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 66 ዘሎ ሓሳባት ምስዚ ዝሰማማዕ ኢየ። ኣብ ቍጽሪ 22 እቲ ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን ግዝያዊ ወይ ንእተወሰነ ግዜ ጥራይ ዝጸንሕ ዘይምዃኑ የሆዋ ከም ዝፈልጥ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ: ህዝቡ ብህይወት ክቕጽሉ: ኣብ ቅድሚኡ ድማ ‘ክነብሩ’ ኢዮም። ኣምላኽ ነቶም ሕሩያት ህዝቡ ክሳዕ ሕጂ ዝገበረሎም ነገራት ምርኣይ እምንቶ ንኽሓድረና ምኽንያት ይዀነና ኢዩ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት እተፈላለየ መስጐጕቲ ኣጋጢምዎም ኢዩ፣ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ፈጺምካ ንምጥፍኦም ሓያል ጻዕሪ ተገይሩ ኢዩ። (ዮሃንስ 16:⁠2፣ ግብሪ ሃዋርያት 8:⁠1) እንተዀነ ግን: ከም ሮማዊ ሃጸይ ኔሮን ኣዶልፍ ሂትለርን ዝኣመሰሉ ሓያላት ጸላእቲ ህዝቢ ኣምላኽ እውን ከይተረፉ ነቶም ንኣምላኽ እሙናት ዝዀኑን ንስሙ ዝጾሩን ሰባት ከጽንትዎም ኣይከኣሉን። የሆዋ ንጉባኤ ናይ ህዝቡ ክሳዕ ሕጂ ከም እትቕጽል ገይሩ ኢየ: ንሓዋሩ ከም እትነብር ክገብር ከም ዝኽእል እውን ርግጸኛታት ከንከውን ንኽእል ኢና።

9 ብተመሳሳሊ: እቶም ንኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ ክፍሊ ናይታ ሓዳስ ምድሪ: ኣብ ሓዳስ ዓለም ዝህልዉ ናይ ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ሕብረተሰብ ከም ምዃኖም መጠን ብውልቂ ህላወኦም ክቕጽል ኢዩ: ከመይሲ ነቲ ናይ ኵሉ ነገራት ፈጣሪ ጽሩይ ኣምልኾ የቕርቡ ኢዮም። እዚ ኣምልኾ እዚ ሓሓሊፍካ ወይ ብወዝቢ ዝግበር ኣይክኸውንን ኢዩ። እቲ ብሙሴ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ሕጊ ኣምላኽ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብቲ ሰርቂ ወርሒ ተባሂሉ ዝፍለጥ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ከኣ ኣብቲ ሰንበት ተባሂሉ ዝፍለጥ ግዜ ገለ ዓይነት ኣምልኾ ይሓትት ነበረ። (ዘሌዋውያን 24:⁠5-9፣ ዘሁልቍ 10:⁠10፣ 28:⁠9, 10፣ 2 ዜና መዋእል 2:⁠4) ስለዚ: ኢሳይያስ 66:⁠23 ካብ ሰሙን ክሳዕ ሰሙን ካብ ወርሒ ክሳዕ ወርሒ ንኣምላኽ ዝቐርብ ኣምልኾ ብቐጻሊ ክህሉ ምዃኑ ኢያ ትንበ ዘላ። ኢዘሀርነትን ሃይማኖታዊ ግብዝናን ሽዑ ኣይክርከብን ኢዩ። ‘ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣብ ቅድሚ [የሆዋ] ክሰግድ ክመጽእ ኢዩ።’

10. እታ ሓዳስ ዓለም ንሓዋሩ ብእኩያት ሰባት ከም ዘይትበላሾ ርግጸኛታት ከንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

10 ኢሳይያስ 66:⁠24 ሰላምን ጽድቅን ናይታ ሓዳስ ምድሪ ፈጺሙ ኣብ ሓደጋ ከም ዘይኣቱ ተረጋግጸልና ኢያ። እኩያት ሰባት ነዚ ኣይከበላሽውዎን ኢዮም። ኣብ መጻኢ “መዓልቲ ፍርድን . . . ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን” ከም ዝኸውን 2 ጴጥሮስ 3:⁠7 ከም እትገልጽ ኣይትረስዕ። ኣብታ እትቐርብ ዘላ መዓልቲ ጥፍኣት ዝድምሰሱ እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባት ኢዮም። ንጹሃት ሰባት ጕድኣት ኣይክበጽሖምን ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ካብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ሰላማውያን ሰባት ካብ ወተሃደራት ንላዕሊ ግዳያት ዝዀኑሉ ብሰባት ዝግበር ውግእ እተፈልየ ኢዩ ክኸውን። እታ መዓልቲ እቲኣ: እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ዝጠፍኡላ መዓልቲ ከም እትኸውን እቲ ዓቢ ፈራዲ ውሕስነት ኣትዩልና ኣሎ።

11. እቶም ኣንጻር ኣምላኽን ኣምልኾኡን ዝዓለዉ እንታይ ከም ዝዀኑ ኢዩ ኢሳይያስ ዝገለጸ፧

11 እቶም ዝድሕኑ ጻድቃን ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል: ሓቂ ከም ዝዀነ ክርእዩ ኢዮም። ቍጸሪ 24 ‘ሬሳታት እቶም ካብ [የሆዋ] ዝዓለዉ’ መረጋገጺ ናይ ፍርዱ ከም ዝኸውን ትንበ። እቲ ኢሳይያስ እተጠቕመሉ ስእላዊ ኣገላልጻ ዘሰንብድ ኢዩ ዝመስል። እንተዀነ ግን ምስ ታሪኻዊ ሓቂ ዝሰማማዕ ኢዩ። ኣብ ወጻኢ ግምቢ የሩሳሌም ጐሓፍ: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ሬሳ ናይቶም ንቡር ቀብሪ ክግበረሎም ዘይበቕዑ እተቐትሉ ዓመጽቲ ዝድርበየሉ ቦታ ነበረ። a ብዙሕ ከይጸንሐ እቲ ጐሓፍን እቶም ሬሳታትን ብሓሳኹን ብጕሁር ሓውን ይህሞዅ ነበረ። በዚ መሰረት እዚ: ኢሳይያስ ነዚ ሓሳብ እዚ ብምውሳድ ኣብቶም ዓለወኛታት ዝወርድ ናይ መወዳእታ ፍርዲ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ገለጸ።

እቲ እተማባጽዖ ነገር

12. ኢሳይያስ ብዛዕባ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዝህሉ ህይወት እንታይ ተወሳኺ ሓበሬታ ኢዩ ዝሃበ፧

12 ራእይ 21:⁠4 ኣብቲ ዝመጽእ ሓድሽ ኣገባብ ገለ ነገራት ከም ዘይህሉ ትገልጸልና ኢያ። እንታይ ድኣ ኢዩ ክህሉ፧ ህይወት ከመይ ክመስል ኢዩ፧ ገለ ዝእመን ነጥቢ ክንረክብዶ ንኽእል ኢና፧ እወ: ንረክብ ኢና። ኢሳይያስ ምዕራፍ 65 ስምረት የሆዋ እንተድኣ ረኺብና ነቲ ኣብ መወዳእታ ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን ክፈጥር ከሎ እነስተማቕሮ ኵነታት ብትንቢት ትገልጽ። እቶም ኣብታ ሓዳስ ምድሪ ነባሪ ሰላም ብምርካብ እተባረኹ ሰባት ኣሪጎም ኣይክሞቱን ኢዮም። ኢሳይያስ 65:⁠20 ከምዚ ብምባል ተረጋግጸልና:- “ሚእቲ ዓመት ገይሩ ዚመውት ብንእስነቱ ይመውት: ሓጢኣተኛ ኸኣ ሚእቲ ዓመት ምስ ገበረ እዩ: ዚርገም እሞ: ድሕሪዚ ሓጺር ዝዕምሩ ሕጻንን ዕድሚኡ ዘየብጽሔ ኣረጊትን ኣይኪርከብን እዩ።”

13. ህዝቢ ኣምላኽ ድሕንነት ከም ዝረኽቡ ኢሳይያስ 65:⁠20 ብኸመይ ተረጋግጸልና፧

13 እዚ ብግዜ ኢሳይያስ ኣብ ዝነበሩ ሰባት ክፍጸም ከሎ: እቶም ቈልዑ ኣብ ዓዶም ሓደጋ ኣይክረኽቦምን ኢዩ ማለት ነበረ። ከምቲ ሓደ ግዜ ባቢሎናውያን ዝገበርዎ: ጡብ ንዘይሓደጉ ንኽማርኹ: ወይ ንሰብኡት ኣብቲ ዝያዳ ንጡፋትን ኣፍረይትን ዝዀንሉ ዕድሚኦም ንኸጥፍእዎም ኢሎም ጸላእቲ ኣይመጹን ኢዮም። (2 ዜና መዋእል 36:⁠17, 20) ኣብ ሓድሽ ኣገባብ ሰባት ዕቝባን ድሕንነትን ክረኽቡ: ህይወት እውን ከስተማቕሩ ኢዮም። ሓደ ሰብ ብምርጭኡ ካብ ኣምላኽ ምስ ዝዓሉ ብህይወት ክነብር ኣይክፍቀደሉን ኢዩ። ኣምላኽ ከጥፍኦ ኢዩ። እቲ ዝዓለወ ሓጢኣተኛ ወዲ ሚእቲ ዓመት እንተዀነኸ፧ ምስቲ መወዳእታ ዘይብሉ ህይወት ብምንጽጻር “ብንእስነቱ” ይመውት።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 1:⁠19, 20፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:⁠16-19

14, 15. ኢሳይያስ 65:21, 22 መሰረት ብምግባር ኣብ መጻኢ እንታይ ሽልማት ንምርካብ ኢኻ ክትጽበ እትኽእል፧

14 ኢሳይያስ እቶም ደይመደይ ኢሎም ዝሓጥኡ ብኸመይ ከም ዝጠፍኡ ንምግላጽ ኣብ ክንዲ ዘተኵር: ነቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዝሰፍን ኵነታት እቶም ህያዋን ይገልጽ። ገዛእ ርእስኻ ኣብቲ ኵነታት እስከ ኣእትዋ። ቀልጢፉ ኣብ ኣእምሮኻ ዝሰኣል ነገር ብብሕትኻ ዘገድሰካ ነገር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኢሳይያስ ኣብ ቍጽሪ 21ን 22ን ከምዚ ብምባል ዝገለጾ ነገር እውን እዚ ኢዩ ነይሩ:- “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም: ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ: ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። ዕድመ ህዝበይ ከም ዕድመ ኦም ኪኸውን: ሕሩያተይ ድማ ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪበልዑ እዮም እሞ: ካልኦት ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኣይኪሰርሑን: ካልኦት ፍሬኡ ዚበልዕዎ ኸኣ ኣይኪተኽሉን እዮም።”

15 ናይ ምህናጽ ክእለት እንተ ዘይብልካ ወይ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ዓዪኻ ዘይትፈልጥ እንተድኣ ኴንካ እዚ ናይ ኢሳይያስ ትንቢት እዚ ከም ዝሕብሮ ክትማሃር ኢኻ ማለት ኢዩ። ክኢላታት መምህራን ምናልባት እውን ሕያዎት ጐረባብትኻ እናሓገዙኻ ክትማሃር ፍቓደኛዶ ኣይምዀንካን፧ ኢሳይያስ ነቲ ህዱእ ንፋስ ትሮፒክ ምእንቲ ከተስተማቕሮ ቤትካ ቬትሮ ዘይብሉ ኰይኑ መጋረጃ ዘለዎ ወይ ነቲ ዝለዋወጥ ወቕቲ ንኽትዕዘብ ዘኽእለካ ብቬትሮ እተሰርሐ ዘይክፈት መሳዅቲ ክህልዎ ድዩ ኣይክህልዎን ክገልጽ ኣይፈተነን። ዝናብን በረድን ምእንቲ ከየዕቍር ነቲ ናሕሲ ኣጕዶ ዝመስል ቅርጺ ዘለዎ ገይርካ ዲኻ ክትሰርሖ: ወይስ ብሰንኪ እቲ ኣብ ከባቢኻ ዝህሉ ክሊማ ከም ሓደ ካብቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ኣባላት ስድራቤት ብሓባር ኰይኖም ዝምገቡሉን ዘዕልሉሉን ጸፊሕ ናሕሲ ኢዩ ዘድልየካ፧​—⁠ዘዳግም 22:⁠8፣ ነህምያ 8:⁠16

16. ኣብ ሓዳስ ዓለም ዝህሉ ኵነታት ኵሉ ሳዕ ዘዕግብ ክኸውን ኢዩ ኢልካ ትጽቢት ክትገብረሉ እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧

16 ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝርዝራት ንላዕሊ ናይ ገዛእ ርእስኻ ቤት ከም ዝህልወካ ምፍላጥ ኢዩ ዘገድስ። እቲ ቤት ከምዚ ሎሚ ብኽንደይ ጻዕሪ ሰሪሕካ ንሰብ ዝኸውን ዘይኰነስ: ናትካ ክኸውን ኢዩ። ብተወሳኺ: ኢሳይያስ 65:⁠21 ክትተክል: ፍሪኡውን ክትበልዕ ኢኻ ትብል። እዚ ነቲ ሓፈሻዊ ኵነታት ኣሕጽር ኣቢሉ ይገልጾ። ካብ ጻዕርኻ ብዙሕ ዕግበት: ወይ ፍረ ጻማኻ ክትረክብ ኢኻ: ነዚ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ክትገብሮ ክትክእል ኢኻ: ማለት ዕድመኻ “ከም ዕድመ ኦም” ክኸውን ኢዩ። እዚ ብሓቂ ነታ ‘ኵሉ ነገር ሓድሽ’ እትብል መግለጺ ዝበቅዕ ኢዩ!​—⁠መዝሙር 92:⁠12-14

17. ወለዲ ነየናይ መብጽዓ ኢዮም ብፍላይ ዘተባብዕ ኰይኑ ዝረኽብዎ፧

17 ወላዲ እንተድኣ ዄንካ እዚ ቃላት እዚ ንልብኻ ክትንክፎ ኢዩ:- “ንሳቶም ዘርኢ እቶም ብሩኻት እግዚኣብሄር እዮም: ተ[ረ]ፎም ከኣ ምሳታቶም ኪነብር እዩ እሞ: ንኸንቱ ኣይኪጽዕሩን: ብድንገት ዚሞቱ [“ምኽንያት ጭንቀት ዝዀኑዎም:” NW  ] ደቂ ኣይኪውለዱን እዮም። ኪኸውን ድማ እዩ: ከይጸውዑ ኽመልስ: ገና ኺዛረቡ ኸለዉ ኸኣ ክሰምዕ እየ።” (ኢሳይያስ 65:⁠23, 24) ‘ምኽንያት ጭንቀት ዝዀኑኻ ደቂ ምውላድ’ ዘምጽኦ ስቓይ ካብ ተመክሮ ትፈልጦዶ ኢኻ፧ ንወለድን ንኻልኦት ሰባትን ዘጨንቕ ንቘልዑ ከጋጥሞም ዝኽእል ሽግራት ምዝርዛር ኣየድልየናን ኢዩ። ምስዚ ብምትእስሳር ብስርሖም: ብንጥፈታቶም: ወይ ብተድላኦም እምብዛ ስለ እተታሕዙ ምስ ደቆም ግዜ ዘየሕልፉ ወይ ከኣ ዘይግደሱሎም ወለዲ ከም ዘለዉ እውን ኵላትና ርኢና ኢና። ብኣንጻሩ ግን: የሆዋ ዘድልየና ነገራት ምስ እንሓቶ ከም ዝሰምዓናን ምላሽ ከም ዝህበናን: አረ ከይተዛረብናዮ እውን ከም ዝሓስበሉን: መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ።

18. ኣብ ሓዳስ ዓለም ብእንስሳታት ባህ ክብለካ ትጽቢት ክትገብር እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧

18 ብዛዕባ እቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ከተስተማቕሮ እትኽእል ነገራት ክትሓስብ ከሎኻ: ነቲ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ዝገልጾ ነገር ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ: ከምዚ ኸኣ ይብል:- “ተዅላን ዕየትን ብሓደ ኺጓሰዩ እዮም: ኣንበሳ ከም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ: ተመን ከኣ ሓመድ ኪቕለብ እዩ። ኣብ ኵሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ኣይክጐድኡን ኣይኬጥፍኡን እዮም: ይብል እግዚኣብሄር።” (ኢሳይያስ 65:⁠25) ሰኣልቲ ነዚ ብስእሊ ክገልጽዎ ፈቲኖም ኢዮም: እዚ ዘንበብናዮ ግን ብሓሳብ እተፈጥረ ስነ-ጥበብ ጥራይ ኣይኰነን። እዚ መግለጺ እዚ ናይ ሓቂ ፍጻሜኡ ክረክብ ኢዩ። ኣብ መንጎ ደቅሰብ ሰላም ክሰፍን ኢዩ: በቲ ምስ እንስሳታት ዝህልዎም ሰላም ከኣ ክስነ ኢዩ። ብዙሓት ተመራመርቲ ስነ-ህይወትን ኣፍቀርቲ እንስሳታትን እቲ ዝበለጸ ዓመታት ህይወቶም ብዛዕባ ሒደት ዓይነት እንስሳታት: ወይ ድማ ብዛዕባ ሓደ ዓሌት ወይ ዘርኢ እንስሳ እናተማህሩ የሕልፍዎ ኣለዉ። ብኣንጻሩ ግን: እንስሳታት ካብ ፍርሂ ሰብ ናጻ ኣብ ዝዀንሉ ግዜ ክትማሃሮ እትኽእል ነገር እሞ ሕስብ ኣብሎ። ሽዑ ኣብ ዱር ወይ ጫካ ዝነብሩ ኣዕዋፍን ንኣሽቱ ፍጥረታትን እውን ከይተረፉ ክትቀርቦም: ክትዕዘቦም: ካብኣቶም ክትማሃር: ከምኡውን ምስኣቶም ግዜ ከተሕልፍ ክትክእል ኢኻ። (እዮብ 12:⁠7-9) እዚ ክትገብር ከለኻ: ካብ ሰባት ኰነ እንስሳታት ሓደጋ ከጋጥመኒ ኢዩ ኢልካ ኣይክትፈርህን ኢኻ። የሆዋ “ኣብ ኵሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ኣይኪጐድኡን ኣይኬጥፍኡን እዮም” ይብል። እዝስ ካብዚ ሎሚ እንርእዮን ዘጋጥመናን ዘሎ ነገር ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዝፍለ!

19, 20. ህዝቢ ኣምላኽ ካብቶም ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት ኣጸቢቖም ዝፍለዩ ስለምንታይ ኢዮም፧

19 ኣቐድም ኣቢሉ ከም እተጠቕሰ: ዋላ እኳ ብዛዕባ እዚ ሓድሽ መዋእል ኣብ ኵሉ ዘስፋሕፍሐ ጭንቀት እንተሎ: ደቅሰብ ብዛዕባ መጻኢ ብትኽክል ክንበዩ ኣይክእሉን ኢዮም። እዚ ንብዙሓት ሰባት ተስፋ ከም ዝቘርጹ: ከም ዝደናገሩ: ወይ ሕልናኦም ከም ዝዓርቦም ይገብሮም ኢዩ። ናይ ሓደ ኣብ ካናዳ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ዳይረክተር ዝዀነ ፒተር ኢምበርሊ: ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ጸሓፈ:- “ብዙሓት [በጽሕታት] ኣብ መወዳእታ ምስ መሰረታዊ ሕቶታት ህልዉና ይፋጠጡ ኣለዉ። ኣነ መን ኢየ፧ ብሓቂ ንምንታይ ኢየ ዝጽዕር ዘለኹ፧ ንዝቕጽል ወለዶ ዝገድፎ ውርሻ እንታይ ኢዩ፧ ዓመታት ህይወቶም ምስ ኣፋረቕዎ ኣብ ህይወቶም ስርዓትን ትርጕምን ንኽረኽቡ ይቃለሱ ኣለዉ።”

20 እዚ ጕዳይ እዚ ስለምንታይ ንብዙሓት ከም ዘጨንቖም ክትርድኦ ትኽእል ኢኻ። ንመሕለፍ ግዜ ዝኸውን ንጥፈታት ብምዕያይ ወይ ከሐጕሶም ዝኽእል ዓይነት መዘናግዒ ብምዝውታር ሓጐስ ይደልዩ ይዀኑ። ኣብ መጻኢ እንታይ ይጽበዮም ከም ዘሎ ግን ኣይፈልጡን ኢዮም: ስለዚ ህይወቶም ኣገዳስነት: ስርዓት ከምኡውን ሓቀኛ ትርጕም ዘይብሉ ይዀኖም። ነዚ እተማሃርናዮ ኣብ ግምት ብምእታው: ንህይወትካ ምስ ናታቶም እስከ ኣነጻጽራ። ኣብቲ የሆዋ እተማባጽዖ ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን ምስ ኣተና: ከባቢና ርእይ ኣቢልና ብምሉእ ልብና ‘ኣምላኽ ብሓቂ ንዅሉ ኣሐዲስዎ ኢዩ!’ ክንብል ምዃንና ትፈልጥ ኢኻ። ኣየ ክሳዕ ከንደይ ኰን ከነስተማቕሮ ኢና!

21. ኣብ ኢሳይያስ 65:⁠25 ከምኡውን ኣብ ኢሳይያስ 11:⁠9 እንታይ ተመሳሳሊ መግለጺ ኢዩ ዝርከብ፧

21 ኣብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ምንባር እንታይ ከም ዝመስል ምሕሳብ ሕልሚ ኣይኰነን። ሕጂ ብሓቂ ከነምልኾ ከምኡውን ነቲ ‘ኣብ ኵሉ እቲ ቅዱስ ከረኑ ዝጓዳእን ዘጥፍእን [ዘይርከበሉ]’ ግዜ ዝህሉ ህይወት እንበቅዕ ክንከውን ዓዲሙና ኢዩ። (ኢሳይያስ 65:⁠25) እንተዀነ ግን: ኢሳይያስ ኣቐድም ኣቢሉ ተመሳሳሊ መግለጺ ከም እተጠቕመን ኣብ ሓዳስ ዓለም ዝህሉ ሓጐስ ንኽንረክብ ዝሕግዘና ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ረቛሒ ከም ዝገለጸን ተገንዚብካዶ፧ ኣብ ኢሳይያስ 11:⁠9 ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ: ኣብ ኵሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ እከይን ጕድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ።”

22. ነዘን ኣርባዕተ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምርማርና እንታይ ውሳነ ንኽገብር ኢዩ ከበራትዓና ዘለዎ፧

22 ‘ፍልጠት እግዚኣብሄር።’ ኣምላኽ ንዅሉ ከሐድሶ ኸሎ እቶም ተቐማጦ ምድሪ ብዛዕብኡን ብዛዕባ ፍቓዱን ርጡብ ፍልጠት ክህልዎም ኢዩ። እዚ ነቶም ኣምላኽ ዝፈጠሮም እንስሳታት ብምዕዛብ ትምህርቲ ምውሳድ ጥራይ ኣይኰነን ዘጠቓልል። መንፈስ ዝነፈሶ ቃሉ ኣብዚ እቱው ኢዩ። ንኣብነት: ነተን “ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን” ዝብል እተጠቕሰለን ኣርባዕተ ትንቢታት ብምምርማርና ጥራይ ክንደይ ነገራት ከም ዝፈለጥና እሞ ኣስተንትነሉ። (ኢሳይያስ 65:⁠17፣ 66:⁠22፣ 2 ጴጥሮስ 3:⁠13፣ ራእይ 21:⁠1) መጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ንኸተንብብ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎካ። እዚ ልማድ እዚ ኣሎካዶ ኢዩ፧ እንተ ዘይብልካ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ገለ ካብቲ ኣምላኽ ዝበሎ ምእንቲ ከተንብብ እንታይ ምትዕርራይ ክትገብር ትኽእል፧ ነቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዝርከብ ሓጐስ ምጽባይ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብዚ እዋን እዚ እውን ልክዕ ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዘጋጠሞ ሓጐስካ ክውስኽ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 1:⁠1, 2

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስቱ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ጥራዝ 1 ገጽ 906, 906, 906, 906 ርአ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

ኢሳይያስ 66:⁠22-24 ብዛዕባ መጻኢ ኢያ እትንበ ኢልና ክንድምድም እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

ካብቲ ኣብ ኢሳይያስ 66:⁠22-24 ከምኡውን ኣብ ኢሳይያስ 65:⁠20-25 ዘሎ ትንቢታት ብፍላይ ነየናይ ኢኻ ብሃንቀውታ እትጽበዮ፧

ብዛዕባ መጻኢኻ ርግጸኛ ንኽትከውን ዘኽእል እንታይ ምኽንያታት ኣሎካ፧

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኢሳይያስ: ጴጥሮስ: ከምኡውን ዮሃንስ ብዛዕባ “ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ” ተነብዮም ኢዮም