ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ባሕሪ ኤጅያን ንሰባት ከም ዓሳ ምግፋፎም

ኣብ ባሕሪ ኤጅያን ንሰባት ከም ዓሳ ምግፋፎም

ኣብ ባሕሪ ኤጅያን ንሰባት ከም ዓሳ ምግፋፎም

 ባሕሪ ኤጅያን ብሸነኽ ሰሜንን ምዕራብን ምስቲ ቀንዲ መሬት ግሪኽ: ብሸነኽ ደቡብ ምስ ደሴት ቅሬጥስ: ብሸነኽ ምብራቕ ከኣ ምስ ቱርኪ ዝዳወብ ኰይኑ: ንሰፊሕ ክፋል ምብራቓዊ ሜዲተራንያን ዝሽፍን ኢዩ። መበቈል ናይ ገለ ካብቶም ቀዳሞት ዓበይቲ ስልጣነታት ድማ ኢዩ: ፋሕ ዝበሉ ዓበይትን ንኣሽቱን ደሴታት ኣለዉዎ። እቲ ብብርሃን ጸሓይ ዘብለጭልጭ ኣዝዩ ንኣሽቱን ጻዕዳ ሕብሪ ዘለዎን ኣባይቲ ዝርከቦ እትው ውጽእ ዝበለ ገማግም ናይተን ደሴታት ንሓደ ገጣሚ ምስ “ዘጋፍ ፋረ ዘለዎም ናይ ማርሞ ኣፍራስ” ንኸመሳስሎም ደሪኹዎ ኢዩ።

እዘን ደሴታት እዚኣተን እምበኣር ክፋል ናይቲ ኣብ ዓለምና ዘሎ ንበጻሕቲ ዝምስጥ ህቡብ ቦታታት እንተዀና ዘገርም ኣይኰነን! ተፈጥሮኣዊ ባህርያት ናይቶም ኣብአን ዝነብሩን ዝሰርሑን ሰባት ንመልክዕ ናይዘን ደሴታት ዝያዳ ዘወቅብ ኢዩ። እቶም ሰባት ኣብ ክውንነት ዝኣምኑን ተቐበልቲ ጋሻን ኣብ ርእሲ ምዃኖም መትከል ዘለዎም ስለ ዝዀኑ ንፍሉይነት እቲ ኸባቢ ድምቀት ይውስኸሉ።

መብዛሕትኦም ተቐማጦ እተን ደሴታት ኣብ ማያት ባሕሪ ኤጅያን ዓሳ ብምግፋፍ ኢዮም ዝመሓደሩ። ይኹን እምበር: ኣብቲ ኸባቢ ዝካየድ ዘሎ ካልእ ዓይነት ኣገዳሲ ዝዀነ “ምግፋፍ ዓሳ” ኣዝዩ ብዙሕ ምህርቲ ይሕፈሰሉ ኣሎ። ብስራት መንግስቲ ዘስፍሑ ወንጌላውያን “ገፈፍቲ ሰብ:” ክርስትያን ደቀ መዛሙርቲ ንምፍራይ ንደሴታት ኤጅያን የባጽሕወን ኣለዉ።​—⁠ማቴዎስ 4:⁠18, 19፣ ሉቃስ 5:⁠10

ኣስታት 19 ዘመናት ይገብር: ወንጌል ዘስፍሑ ዝነበሩ ክርስትያናት ንደሴታት ኤጅያን በጺሖምወን ነይሮም ኢዮም። ብ56 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዝኡ ክምለስ ከሎ ሓጺር ምብጻሕ ንምግባር ናብ ደሴታት ሌስቮስ: ክዮስ: ሳሞስ: ቆስ: ከምኡውን ናብ ሮዶስ ተኣልዩ ኢዩ። ከም ቀናእ ሰባኺ መጠን ጳውሎስ ንገለ ተቐማጦ እተን ደሴታት ሰቢኹሎም ክኸውን ኣለዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠14, 15, 24፣ 21:⁠1, 2) ደድሕሪ እቲ ኣብ ሮሜ ዘሕለፎ ናይ ክልተ ዓመት ናይ ማእሰርቲ እዋን: ንቅሬጥስ በጺሕዋ ከምኡውን ኣብታ ደሴት ኣብ ዝግበር ዝነበረ ክርስትያናዊ ንጥፈት ተኻፊሉ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ኣጋ ምዝዛም ቀዳማይ ዘመን: ሃዋርያ ዮሃንስ ‘ምእንቲ ቓል ኣምላኽን ምስክር የሱስን’ ኣብ ደሴት ጳጥሞስ ተኣሲሩ ነይሩ ኢዩ። (ራእይ 1:⁠9) ዘመናውያን ወንጌላውያንከ ኣብዘን ደሴታት እዚኣተን ብስራት ክእውጁ ዝኸኣሉ ብኸመይ ኢዮም፧

ጽቡቕ ፍረ እተረኽበሉ ወፍርታት ስብከት

ኣብዘን እኩባት ደሴታት እዚኣተን ዝግበር ስብከት ኣጸጋምን ብዙሕ ጻዕርን ርእሰ-መስዋእትነትን ዝሓትት ኢዩ። ገሊአን ደሴታት ኣብ ንሓድሕደን እተረሓሓቓ ኢየን። ገለ ካብተን ደሴታት ብባሕሪ ይኹን ብሰማይ ዝግበር ስሩዕ ዝዀነ ሜላ መጓዓዝያ የብለንን፣ ኣብ ገሊአን ከኣ እሞ ጥራስ መጓዓዝያ የለን ክበሃል ይከኣል ኢዩ: ብፍላይ ኣብ እዋን ክረምቲ ዘይሕሰብ ኢዩ። እቲ ወቕቱ ሓልዩ ዝመጽእ ሜልተምያ ዝበሃል ንፋስ ሰሜን ክነፍስ ከሎ ብፍላይ: እቲ ባሕሪ ዘይህዱእ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ መብዛሕትአን እተን ኣብቲ ደሴታት ዝርከባ ኣቝሻት ካብ ንሓድሕደን ግልል ዝበላ ከምኡውን እቲ ደበቝበቋ ዝዀነን ጽርግያ ዘይብሉን መገድታተን ንኽትከዶ ኣጸጋሚ ብምዃኑ ኣብተን ኣቝሻት ንኽትበጽሕ ኣሸጋሪ ኢዩ። ናብ ገሊአን ኣቝሻት ብንኣሽቱ ጀላቡ ጥራይ ኢዩ ክኽየድ ዝከኣል።

ንኣብነት ንደሴት ኢካርያ ንርአ። ኣብታ ደሴት ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ጉባኤ ዘለዉ 11 ኣስፋሕቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንዅለን እተን ኣብታ ደሴት ይኹና ኣብ ከባቢኣ ኣብ ዝርከባ ንኣሽቱ ደሴታት ዘለዋ ኣቝሻት ከብጽሑለን ኣይክእሉን ኢዮም። ስለዚ ድማ ኢዮም ክርስትያናት ኣሕዋትን ኣሓትን ነቶም ኣብ ኢካርያ ከምኡውን ኣብ ፉርኖኢ: ጳጥሞስ: ከምኡውን ኣብ ሊፕሶስ ዝርከቡ ሰባት ንምስባኽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ንምሕጋዝ ካብ ሳሞስ ናብዘን ደሴታት እዚኣተን ዝኸዱ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ሓደ ኸምዚ ዝኣመሰለ ንኽልተ መዓልቲ እተኻየደ ወፈራ: እቶም መሰኻኽር ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝምልከት 650 መጽሔታት: 99 ብሮሹራት: ከምኡውን 25 መጻሕፍቲ ክዕድሉ ክኢሎም ኢዮም! የሆዋ መን ምዃኑ ምንም ዘይፈልጡ ሰባት ከምኡውን ምስኦም ክጸንሑን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክምህርዎምን ዝልምንዎም ሰባት ምስ ኣጋጠምዎም ተገሪሞም ኢዮም። ሓንቲ ሰበይቲ ንሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ከምዚ ዝስዕብ ኢላታ ኢያ:- “ሕጅስ ትኸዲ ኣሎኺ: ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ግን: ገና ብዙሕ ሕቶታት ኣሎኒ። መን ኢዩ ክሕግዘኒ፧” እታ ክርስትያን ሓብቲ ብስልኪ ክትራኸባ ምዃና ነዛ ተገዳሲት ተመባጽዓትላ: ከም ቃላ ድማ ብስልኪ ገይራ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረትላ።

ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ንኢካርያ ክበጽሓ ኸሎ: ብምልእታ እታ ደሴት እትሽፈነሉ መደብ ገበረ። ደገፍ ናይ 30 ዝዀኑ ካብ ሳሞስ ዝመጹ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ረኸበ። እቶም ኣጋይሽ ኣሕዋት ናይ ክልተ ለይቲ ናይ ሆቴል ከምኡውን ነተን ፎር ዊል ድራይቭ ዝዓይነተን መካይን ንምክራይ ዝኸውን ወጻኢታት ክኸፍሉ ነበሮም። ንኽልተ መዓልቲ ብዘይምቍራጽ ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ ነይሩ ኢዩ: ኣብታ ቀዳመ-ሰንበት እቲኣ እውን ቀዝሒ ዝመልኦ ኵነታት ኣየር ከም ዝህሉ ተተምቢሁ ነይሩ ኢዩ። እቶም ኣሕዋት ግን ነቲ ኣብ መክብብ 11:⁠4 ዝርከብ “ንንፋስ ዚምልከት ኣይዘርእን: ንደበና ዚጥምት ድማ ኣይዐጽንድን እዩ” ዝብል ቃላት ብምዝካር እቲ ኵነታት ኣየር ክዓናቕፎም ኣይፈቐዱን። ጸኒሑውን እቲ ኵነታት ኣየር በብቝሩብ እናተመሓየሸ ከይዱ ኢዩ: እቶም ኣሕዋት ነቲ ሒዞምዎ ዝነበሩ ኣገዳሲ መልእኽቲ ኣብ ምልእቲ እታ ደሴት ምስ ኣባጽሕዎ: ነናብ ዓዶም ብሓጐስን ብዕግበትን ኢዮም ተመሊሶም።

እቶም ኣብ ደሴት ኣንድሮስ ዝነብሩ 16 ኣስፋሕቲ ነታ ደሴት ብምልእታ ንምብጻሕ ዝከኣሎም ጻዕሪ ገይሮም ኢዮም። ክልተ ኣሕዋት ናብ ሓንቲ ግልል ኢላ እትርከብ ቍሸት ክኸዱ ኸለዉ: ንዅሎም እቶም ተቐማጦ ክሰብኩሎም ቈሪጾም ነበሩ። ንሰባት ኣብ ኣባይቶም: ኣብ መገድታት: ከምኡውን ኣብ መሮር ኣዛሪቦምዎም ኢዮም። ኣብ መደበር ፖሊስ እውን ከይተረፈ በጺሖምን ጽሑፋት ሓዲጎምን ኢዮም። ንዅሎም ተቐማጦ እታ ቝሸት ከም ዝረኸብዎም ምሉእ ምትእምማን ስለ ዝነበሮም ካብታ ዓዲ ክወጹ ነቐሉ። ካብ ማእከል ሰፈር እታ ዓዲ ክወጹ ምስ ተበገሱ: ሓደ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቀሺ ክመጽእ ረኣዩ። ከም ዘይመስከርሉ ብምስትብሃል ከኣ ሓንቲ ንእሽቶ ጽሕፍቲ ኣበርከትሉ: ንሱ ኸኣ ብሓጐስ ተቐበሎም። ሽዑ ብዘይጥርጥር ኣብቲ ንኽሰብኩ ዝገብርዎ ዝነበሩ ጻዕርታት እተሓልፈ ዋላ ሓደ ሰብ ከም ዘይነበረ ከስተውዕሉ ከኣሉ!

እታ 38 ተቐማጦ ጥራይ ዘለውዋ ጋቭዶስ (ወይ ድማ ክላውዳ) እትበሃል ኣብ ትሕቲ ቅሬጥስ እትርከብ ንእሽቶ ደሴት እታ ናይ ኣውሮጳ ናይ መወዳእታ ደቡባዊት ጫፍ ከም ዝዀነት ኢያ እትሕሰብ። (ግብሪ ሃዋርያት 27:⁠16) ሓደ ገያሺ ተዓዛብን በዓልቲ ቤቱን ምስ ካልኦት ሰብኣይን ሰበይትን ሰብ ሓዳር ኰይኖም ኣብታ ደሴት ንምስባኽ ሰለስተ መዓልትታት ኣሕሊፎም ኢዮም። ወጻኢታት ንምንካይ ኣብ ድንኳን ኢዮም ዝድቅሱ ነይሮም። ንዅሎም እቶም ተቐማጦ እቲ ብስራት በጺሕዎም ኢዩ: እቶም ኣሕዋት ከኣ እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ሰባት ከይመርመሩ ብሕማቕ ዘይፈርዱ ብምንባሮም ተሓጒሶም ኢዮም። ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሰምዕዎ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ነገር ኣይነበረን። እቶም ደቂ እታ ደሴት: እንተላይ ሓደ ቐሺ: ብሓፈሻ 19 መጻሕፍትን 13 ብሮሹራትን ወሰዱ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብንእሽቶ ጃልባ ገይሮም ናብ ቅሬጥስ ክምለሱ ኸለዉ: እቲ ባሕሪ ንህይወቶም ክሳዕ ዘስግእ ይናወጽ ነበረ። “ብህይወት ናብ ዓድና ስለ እተመለስና ንየሆዋ ኣመስጊንናዮ ኢና: ልዕሊ ዅሉ ከነመጕሶ እንደልየሉ ምኽንያት ግን ኣብታ ናይ መወዳእታ ደቡባዊት ጫፍ ኣውሮጳ ዝዀነት ደሴት ስሙ ከነኽብር ስለ ዝፈቐደልና ኢዩ” በሉ።

ጳጥሞስ እታ ሃዋርያ ዮሃንስ ነታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ ዝዀነት ራእይ ዝጸሓፈላ ደሴት ኢያ። ክሳዕ እዚ ቐረባ እዋን ኣብ ጳጥሞስ ዋላ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኣይነበረን። ኣብታ ደሴት ናይ ስብከት ወፈራ ንምግባር ካብ ሳሞስ ብዝመጹ ኣሕዋት ጥንቃቐ ዝመልኦ ምድላው ተገብረ። እታ ደሴት ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን እትዕብልለሉ ቦታ ብምዃኑ ብርቱዕ ምጽራር ከጓንፎም ከም ዝኽእል ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። ንሓንቲ ሰበይቲ ብስራት መንግስቲ ዝነግርኣ ዝነበራ ክልተ ኣሓት ናብ ቤታ ክኣትዋ ዓደመተን። በዓል ቤታ ነታ ሰበይቲ መን ናብ ገዝኦም ከም ዝለኣኸን ነተን ኣሓት ደጋጊሙ ሓተተን። ንነፍሲ ወከፍ ገዛ ይበጽሓኣ ከም ዝነበራ ምስ ነገራኦ: “ካብዞም ጐረባብቲ ዝለኣኸክን ሰብ የለን፧” ብምባል እንደገና ሓተተን። ጸኒሓ እታ ኣብ ዛየር ከላ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፈለጠት በዓልቲ ቤቱ ሽዑ ንግሆ እንታይ ከም ዘጋጠመ ነተን ኣሓት ገለጸትለን። ከምዚ በለተን:- “ናብዛ ደሴት ሒደት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክልእኽ ልክዕ ከምቲ ኻልእ ግዜ ዝገብሮ ናብ የሆዋ እጽሊ ነበርኩ። በዓል ቤተይ ሰሓቐኒ። ኣብ ኣፍደገ ምስ ረኣኹኽን ግን ተገረምኩ: በዓል ቤተይ ድማ ደንጸዎ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ መን ናብ ገዛና ከም ዝሰደደክን ንምፍላጥ ብዘይምቍራጽ ዝሓተተክን።” እታ ሰበይቲ ብኡንብኡ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት። እቲ ጽንዓት ንዓሰርተ ኣዋርሕ ዝኸውን ብስልኪ ተኻየደ፣ ርግጽ ኢዩ: እዚ ነታ ሓብትን ነታ ተገዳሲት ሰበይትን ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ከውጽኣ ሓቲትወን ኢዩ። እታ ሰበይቲ ድሕሪ ገለ ግዜ ተጠምቀት: ሕጂ ንሳ ኣብታ 1,900 ዓመታት ይገብር ሃዋርያ ዮሃንስ ንበይኑ ተጠልዩላ ዝነበረ ደሴት እታ እንኮ ናይ የሆዋ ምስክር ኢያ።

ኣብ ወደባት “ዓሳ ምግፋፍ”

ኣቝሑ ናይቶም ንዕረፍቲ ዝመጹ በጻሕቲ ዝጸዓና መራኽብ: ሓጋይ መጸ ኣብ ሓያሎ ወደባት ደሴታት ኤጅያን ይዕሸጋ ኢየን። ስለዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ብዙሓት ኣህዛብን ቋንቋታትን ንዝመጹ ሰባት ምርካብ ዘኽእሎም ብርቂ ዝዀነ ኣጋጣሚ ኣለዎም። እተን ጉባኤታት ኣብ መኽዘነን ብእተፈላለየ ቋንቋታት እተዳለወ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ኣለወን: እቶም ኣስፋሕቲ ድማ ብኣሽሓት ዝቝጸር መጽሔታት ንበጻሕቲ ይዕድሉ። ገሊአን መራኽብ ናብቲ ወደባት ሰሙን ሰሙን ስለ ዝመላለሳ: ነቶም ሰራሕተኛታት እተን መራኽብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር አረ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከይተረፈ ንምምራሕ ነቶም ኣሕዋት ብሉጽ ኣጋጣሚ ኢዩ ከፊትሎም።

ኣብ ሮዶስ ብሓጋይ ናይ 1996 ሓንቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣስፋሒት ሓብቲ ኣብ ሓንቲ ዓርቢ ዓርቢ ናብታ ወደብ እትመጽእ መርከብ ንዝሰርሕ ጃማይካዊ መንእሰይ መስከረትሉ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓርቢ እቲ መንእሰይ ኣብታ ደሴት ኣብ ዝግበር ዓቢ ኣኼባ ክካፈል ዕድመ ቐረበሉ። እታ ፓይነር ሓብቲ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሓዝ ንገለ ካብቲ ኣብቲ ፕሮግራም ዝቐረበ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ንኽርዳእ ሓገዘቶ። እቶም ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበሮም ምዉቕ ፍቕሪ ነቲ መንእሰይ ኣዝዩ መሰጦ። ኣብታ እትስዕብ ዓርቢ ንኽልተ ደቂ ተባዕትዮ ፓይነራት ናብታ መርከብ ክመጹ ዓደሞም። እቶም ፓይነራት ናይ እንግሊዝኛን ስጳኛን ጽሑፋት ሒዞም ከዱ። ሓደ ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ድማ እቲ ናይ ኣገልግሎት ቦርሳኦም ጥራዩ ተረፈ! ሓጋይ ክሳዕ ዝሓልፍ ድማ እዚ ጃማይካዊ መንእሰይ እዚ ነፍሲ ወከፍ ዓርቢ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይገብር ነበረ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ሓጋይ ተመሊሱ መጸ: ጽንዓት እንደገና ንምጅማር እውን ድልዊ ነበረ። ኣብዚ እዋን እዚ ግን መንፈሳዊ ዕቤት ንምግባር ስራሕ ክቕይር ወሲኑ ነበረ። ብድሕርዚ እንደገና ተመልሰ። እዚ መንእሰይ እዚ ኣብ ምጅማር 1998 ከም እተጠመቐ እቶም ኣብ ሮዶስ ዝነበሩ ኣሕዋት ምስ ፈለጡስ ክንደይ ኰን ተሓጒሶም ይዀኑ!

ዝፈልሱ “ዓሳታት” ምሓዝ

ባሕሪ ኤጅያን ብብዝሒ ናይቶም ማእለያ ዘይብሎም ፈሊሶም ዝመጹ ከም ሳርዲን ከምኡውን ስዎርድፊሽ ዝኣመሰሉ ናብ ማያቱ ዝኣትዉ እሞ ንምሸቱ ድማ ካብ መርበብ ውሕሉላት ገፈፍቲ ዘይምልጡ ዓሳታት ኣዝዩ ውሩይ ኢዩ። ብተመሳሳሊ: ኣስፋሕቲ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ብዙሓት ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ ናብ ግሪኽ ዝመጹ ተቐባሊ ልቢ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ይረኽቡ ኢዮም።

ረዚ ንፈለማ ግዜ ካብ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብዛዕባ የሆዋን ዕላምኡን ከተንብብ ከላ: ጓል ዓሰርተ ዓመት ኢያ ነይራ። ኣብ ኣልባንያ ኸኣ ኢያ ነይራ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ግን ንሳን ስድርኣን ናብ ደሴት ሮዶስ ገዓዙ። ሓደ መዓልቲ: ረዚ ኣብዚ ጋሻ ዀይና መጺኣትሉ ዘላ ዓዲ ንህዝቢ የሆዋ ንምርካብ ሓገዝ ደልያ ጸለየት። ንጽባሒቱ ኣቦኣ ነተን ድሮ ረዚ ምስአን ሌላ ዝነበራ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ሒዙ መጸ: ብሓጐስ ከኣ ፍንጭሕ በለት። ምስታ ንኣቦኣ እተን መጽሔታት ዝሃበቶ ሓብቲ ድማ ተራኸበት: በታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ከኣ ጽንዓት ጀመረት። ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ጽንዓት ክግበረላ እትሓተሉ ግዝያት እውን ነይሩ ኢዩ! ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ዘይተጠምቀት ኣስፋሒት ኰነት: ጓል 14 ዓመት ምስ ኰነት ድማ ኣብ መጋቢት 1998 ተጠምቀት። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ሓጋዚት ፓይነር ኰይና ከተገልግል ጀመረት: ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጸኒሓ ድማ ስርዓታዊት ፓይነር ማለት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰይና ክትዓዪ ጀመረት።

ኣብ ቆስ ሓደ ሓው ካብ ሩስያ ንዝመጹ ገለ ሰባት ጽንዓት ይገብረሎም ነበረ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ዝደልዩ ፈተውቲ እንተድኣ ኣልዮምዎም ኰይኖም ንምፍላጥ ምስ ሓተቶም ናብቶም 30 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቍሸት ዝነብሩ ሊዮኒዳስን ኦፊልያን ዝበሃሉ ደቂ ኣርመንያ ሰብኣይን ሰበይትን ወሰድዎ። ኣብኡ ምስ በጽሑ እቶም ኣሕዋት ተገረሙ። እዞም ኣርመናውያን ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ቦርሳ መሊኡ ዝነበረ ብቛንቋታት ኣርመንያን ሩስያን እተዳለወ ጽሑፋት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኣምጽኡ! ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይገብሩ ከም ዝነበሩ እሞ ክሳብ ዘይተጠመቑ ኣስፋሕቲ ምዃን በጺሖም ከም ዝነበሩ ገለጹሎም። ፖለቲካዊ ቅልውላውን ቍጠባዊ ጸገማት ብምብዝሑን ካብ ዓዶም ክወጹ ነበሮም። ኣብ ቆስ እትው ምስ በሉ ግን ነተን ኣብኡ ዝጸንሕኦም ንሊዮኒዳስ ኣዲኡን ሓብቱን ጽንዓት ክገብሩለን ጀመሩ። በዚ ኸምዚ ድማ እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይተሓስበ ሰለስተ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ረኸበ፣ እዚ ድማ ሓደ ጽንዓት ምስ ኦፍሊያ: እቲ ሓደ ምስ ሊዮኒዳስ: እቲ ሓደ ድማ ምስ ኣዲኡን ሓብቱን ንሊዮኒዳስ ምዃኑ ኢዩ። ነዚ ጽንዓታት እዚ ንምምራሕ ናብቲ ቦታ ንምብጻሕ ጥራይ 30 ኪሎ ሜተር ዝርሕቀቱ መገዲ ብሞተር ብሽክለታ ክጓዓዝ የድልዮ ነበረ። ገለ ኣዋርሕ ጸኒሖም ሊዮኒዳስን በዓልቲ ቤቱን ተጠምቁ። እዝስ ከመይ ዝበለ ዓስቢ ናይቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ኣሕዋት ዝገበርዎ ርእሰ-መስዋእታዊ መንፈስ ኰን ኢዩ!

የሆዋ ኢዩ ኸም ዝዓቢ ዝገብሮ

የሆዋ ነቲ እቶም ልዕሊ 2,000 ዝዀኑ ኣብ ደሴታት ኤጅያን ዝርከቡ ንጡፋት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝገብርዎ ክምህ ዘይብል ጻዕርታት ይባርኾ ከም ዘሎ ግሁድ ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ 44 ጉባኤታት ከምኡውን 25 ጕጅለታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ኸባቢ ኣለዋ። ካብተን ጕጅለታት 17 ዝዀና ብናይ ወጻኢ ቋንቋታት ኢየን: እዚ ኸኣ የሆዋ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጸእ” ዝደሊ ብምዃኑ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:⁠4) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ 13 ፍሉያት ፓይነራት ኣብ ግልል ዝበለ ዞባታት ዘለዉ ዝያዳ ሰባት ንምርካብ ልዑል ጻዕሪ ይገብሩ ኣለዉ።

ባሕሪ ኤጅያን ንኣዝዩ ብዙሕ ዘመናት: ባህላውን ንግዳውን ማእከል ኰይኑ ጸኒሑ ኢዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ዓሰርተታት ዓመታት እዚ ባሕሪ እዚ ናይ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ በጻሕቲ ህቡብ ምርጫ ዀይኑ ጸኒሑ ኢዩ። ካብዚ ንላዕሊ ዘገድስ ግን ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም “ገፈፍቲ ሰብ” መጠን ንየሆዋ ክውድሱ ሃረር ዝብሉ ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ብዙሓት ሰባት ኣብዘን ደሴታት እዚኣተን ረኺቦም ኢዮም። ኵሎም ብሓፈሻ ነቲ “ንእግዚኣብሄር ክብሪ ይሀቡ: ምስጋናኡ ኸኣ ኣብ ደሴታት ይንገሩ” ዝብል ብመልክዕ ትንቢት ዝቐረበ ዕድመ ምላሽ ሂቦምሉ ኢዮም።​—⁠ኢሳይያስ 42:⁠12

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ባሕሪ ኤጅያን

ግሪኽ

ሌስቮስ

ክዮስ

ሳሞስ

ኢካርያ

ፋርኖኢ

ጳጥሞስ

ቆስ

ሮዶስ

ቅሬጥስ

ቱርኪ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ደሴት ሌስቮስ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ደሴት ጳጥሞስ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ደሴት ቅሬጥስ