ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከምቲ ብትንቢት እተነግረ ንዅሉ ምሕዳስ

ከምቲ ብትንቢት እተነግረ ንዅሉ ምሕዳስ

ከምቲ ብትንቢት እተነግረ ንዅሉ ምሕዳስ

“እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፤ እንሆ: ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ: በለ። እዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ።”ራእይ 21:5

1, 2. ብዙሓት ሰባት ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዝኸውን ንምግማት ምውልዋሎም ቅኑዕ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

 ‘ጽባሕ እንታይ ከም ዝኸውን መን ይፈልጥ፧’ ኢልካ ተዛሪብካ ወይ ሓሲብካዶ ትፈልጥ ኢኻ፧ ሰባት ኣብ መጻኢ ዝኸውን ነገር ንምግማት ወይ ነቶም ብታህዋኽ ዝንበዩ ሰባት ንምእማን ስለምንታይ ከም ዝወላወሉ ክርድኣካ ይኽእል ኢዩ። ብሓጺሩ: ደቅሰብ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ወይ ዓመታት እንታይ ከም ዝኸውን ብልክዕ ክነግሩ ኣይክእሉን ኢዮም።

2 እታ ፎርብዝ ኤኤስኤፒ እተባህለት መጽሔት (እንግሊዝኛ) ብዛዕባ ግዜ ዝገልጽ ሕታም ኣውጽአት። ኣብ መጽናዕቲ እተመርኰሰ ጸብጻባት ኣብ ቲቪ ዘቕርብ ሮበርት ክሪንግሊ ኣብታ መጽሔት እቲኣ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣብ መወዳእታኡ ግዜ ንዅላትና የዋርደና ኢዩ እሞ ከምቶም ብዛዕባ መጻኢ ዝግምቱ ሰባት ገይሩ እተዋረደ ግን የለን። ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዝኸውን ነገር ክትግምት ምፍታን ዳርጋ ኵሉ ሳዕ ዘይንዕወተሉ ጕዳይ ኢዩ። . . . ገና ግን እቶም ክኢላታት ዝበሃሉ ካብ ምንባይ ኣየቋረጹን።”

3, 4. (ሀ) ገሊኣቶም ብዛዕባ ሓድሽ መዋእል እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧ (ለ) ካልኦትከ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ኣብ ክውንነት እተመስረተ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም፧

3 ነዚ ሓድሽ መዋእል ብዙሕ ኣቓልቦ ስለ እተገብረሉ: ብዛዕባ መጻኢ ብዙሕ የዘራርብ ምህላዉ ኣስተውዒልካ ትኸውን ኢኻ። ኣብ መጀመርታ ናይ ዝሓለፈ ዓመት መክሊንስ እትበሃል መጽሔት (እንግሊዝኛ) ከምዚ በለት:- “መበል 2000 ዓመት ንመብዛሕትኦም ካናዳውያን ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ዘላ ተራ ዓመት ጥራይ ትዀኖም ትኸውን: እንተዀነ ግን መጀመርታ ናይ ሓደ ሓድሽ ነገር እውን ክትከውን ትኽእል ኢያ።” ናይ ዩኒቨርሲቲ ዮርክ ፕሮፌሰር ዝዀነ ክሪስ ዱድኒ ናይዚ ተስፋ እዚ ምኽንያት “እቲ መዋእል ካብቲ ዝሓለፈ ክፉእ ዘመን እንፈላለየሉ ግዜ ኢዩ” ኢሎም ስለ ዝሓስቡ ከም ዝዀነ ገለጸ።

4 ይኹን እምበር: እዝስ ተስፋ ዘለዎ ኣተሓሳስባዶ ይመስል ኢዩ፧ ኣብ ካናዳ ካብቶም ሕቶ ዝቐረበሎም ሰባት 22 ሚእታዊት ጥራይ ኢዮም “መበል 2000 ዓመት ንዓለም ሓድሽ መጀመርታ ከም እትኸፍት ዝኣምኑ።” አረ ፍርቂ ዝዀኑስ ኣብ ውሽጢ 50 ዓመት “ካልእ ግጭት ዓለም”—ውግእ ዓለም—ክኸውን ኢዮም “ዝጽበዩ።” መብዛሕትኦም ሰባት ሓድሽ መዋእል ንጸገማትና ፈቲሑ ንዅሉ ከም ዘየሐድሶ ይርድኦም ኢዩ። ናይ ብሪተይንስ ሮያል ሶሳይቲ ፕረዚደንት ነበር ሰር ማይክል ኣቲያ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ዝርአ ዘሎ ቅልጡፍ ለውጢ . . . መበል ዕስራን ሓደን ዘመን ኣብ ብምሉኡ ስልጣነና ወሳኒ ብድሆታት ከም ዘምጽእ ዝሕብር ኢዩ። ብዝሒ ህዝቢ: ድሩትነት ምንጪ ንጥረ-ነገራት: ኣከባብያዊ ብከላ: ከምኡውን ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ድኽነት ዘምጽኦ ጸገማት ድሮ የጓንፈና ኣሎ: እዚ ኸኣ ብህጹጽ ክፍታሕ ኣለዎ።”

5. ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዝኸውን ክገልጸልና ዝኽእል ትውክልቲ ዝግበሮ ሓበሬታ ኣበይ ክንረክብ ንኽእል፧

5 ‘ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ክፈልጡ ስለ ዘይክእሉ እንተ ገደፍናዮዶ ኣይምሓሸን፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። መልሱ ግን ኣይፋልን! ዝብል ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: ሰባት ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዝኸውን ብልክዕ ክነግሩ ኣይክእሉን ኢዮም፣ እንተዀነ ግን: ዋላ ሓደ ብዛዕባ መጻኢ ክፈልጥ ዝኽእል የለን ኢልካ ኣይትደምድም። መን ደኣ ኢዩ ክፈልጥ ዝኽእል: ተስፋ እንገብረሉኸ ስለምንታይ ኢና፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ኣብ ኣርባዕተ ንጹር ትንቢታት ዘዕግብ መልሲ ክትረኽበሉ ትኽእል ኢኻ። እዘን ትንቢታት እዚኣተን ኣብቲ ካብ ዝዀነ መጽሓፍ ንላዕሊ ግጉይ ምርዳእ እተዋህቦን ሸለል እተባህለን ግን ከኣ ዝሰፍሐ ዝርጋሐ ዘለዎን ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ እተነበን መጽሓፍ: ማለት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢየን ተመዝጊበን ዝርከባ። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ይኹን ሓሳብ ይሃልኻ: ምስኡ ዘሎካ ሌላ እውን ክሳዕ ክንደይ ይኹን ብዘየገድስ: ነዘን ኣርባዕተ መሰረታውያን ጥቕስታት እዚኣተን እንተ መርመርካየን ክትጥቀም ኢኻ። ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዝኸውን ነገር ኢየን ዝንበያ። ኣብ ርእሲ እዚ: እዘን ኣርባዕተ ኣገደስቲ ትንቢታት እዚኣተን ኣብ መጻኢ ንዓኻን ነቶም እተፍቅሮም ሰባትን እንታይ ከጋጥመኩም ከም ዝኽእል ዝገልጻ ኢየን።

6, 7. ኢሳይያስ መዓስ ኢዩ እተነበየ: እቲ ትንቢቱኸ ዘደንቕ ፍጻመ ዝረኸበ ብኸመይ ኢዩ፧

6 እታ ናይ መጀመርታ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 65 ኢያ እትርከብ። ነታ ትንቢት ቅድሚ ምንባብካ: ነቲ ክጸሓፍ ከሎ ዝነበረ ኵነታትን ግዜን ከምኡውን ብዛዕባ እንታይ ከም እተጻሕፈን ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። እቲ ነዘን ቃላት እዚኣተን ዝጸሓፈን ናይ ኣምላኽ ነብዪ ዝነበረ ኢሳይያስ መንግስቲ ይሁዳ ቅድሚ ምጥፍኣ ሓደ ዘመን ኣቐዲሙ ይነብር ነበረ። እዚ ጥፍኣት እዚ ዝመጸ የሆዋ ካብቶም ዘይእሙናት ኣይሁድ ዕቝባኡ ምስ ኣልገሰ እሞ ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ከጥፍኡዋን ንህዝባ ክማሩኽን ምስ ኣፍቀደ ኢዩ። እዚ ዝዀነ ኢሳይያስ ከም እትጠፍእ ምስ ተነበየ ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ጸኒሑ ኢዩ።—2 ዜና መዋእል 36:15-21

7 ብዛዕባ ናይቲ ፍጻመ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ ብዝምልከት: ኢሳይያስ ብመሪሕነት ኣምላኽ ስም ናይቲ ንባቢሎን ዝስዕራ ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ገና ዘይተወልደ ፋርሳዊ ቂሮስ: ተነብዩ ከም ዝነበረ ዘክር። (ኢሳይያስ 45:1) ቂሮስ ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ኣይሁድ ናብ ዓዶም ንኽምለሱ መገዲ ኣዳለወሎም። እቲ ዘደንቕ ግን: ኣብ ምዕራፍ 65 ከም እንረኽቦ ኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ ምምላስ ተነብዩ ነይሩ ኢዩ። ናብቲ እስራኤላውያን ካብ ምርኮ ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ ዘስተማቕርዎ ኵነታት ከኣ ኣተኲሩ ነበረ።

8. ኢሳይያስ እንታይ ዘሐጕስ መጻኢ ከም ዝህሉ ኢዩ እተነበየ: ብፍላይ እተገድስከ ኣየነይቲ መግለጺት ኢያ፧

8 ኣብ ኢሳይያስ 65:17-19 ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “እንሆ: ኣነ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክፈጥር እየ እሞ: እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን ኣብ ልቢውን ኣይኪሕሰብን እዩ። ግናኸ እንሆ: የሩሳሌም ንእልልታ: ህዝባ ኸኣ ንሓጐስ ክፈጥር እየ እሞ: በቲ ኣነ ዝፈጥሮስ ክትሕጐሱን ንዘለኣለም ደስ ኪብለኩምን እዩ። ኣነ ድማ ብየሩሳሌም እልል ክብል: ብህዝበይውን ደስ ኪብለኒ እዩ: ድምጺ ብኽያትን ድምጺ ኣውያትን ድሕርዚ ኣብኣ ኣይኪስማዕን እዩ።” እቲ ኢሳይያስ ዝገለጾ ኵነታት ካብቲ ኣይሁድ ኣብ ባቢሎን ከለዉ ዝነበሩዎ ኣጸቢቑ ዝሓሸ ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ። ብዛዕባ ሓጐስን እልልታን ኢዩ ተነብዩ። ሕጂ ኣብታ “ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን” እትብል መግለጺት ኣተኵር። እዛ ሓረግ እዚኣ ካብተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከባ ኣርባዕተ ከምኣ ዝኣመሰላ ሓረጋት እታ ናይ መጀመርታ ኢያ፣ እዘን ኣርባዕተ ጥቕስታት እዚኣተን ንመጻኢና ብቐጥታ ክጸልውኦ ይኽእላ ኢየን: አረ ብዛዕብኡ እውን ኢየን ዝንበያ።

9. ጥንታውያን ኣይሁድ ኣብ ፍጻሜ ናይ ኢሳይያስ 65:17-19 ብኸመይ ኢዮም እተኻፈሉ፧

9 እቲ ናይ መጀመርታ ፍጻሜ ናይ ኢሳይያስ 65:17-19 ነቶም ጥንታውያን ኣይሁድ ዘጠቓልል ነበረ፣ እዚኣቶም ከምቲ ኢሳይያስ እተነበዮ ናብቲ እንደገና ጽሩይ ኣምልኾ ዝቘመሉ ዓዶም ተመሊሶም ኢዮም። (እዝራ 1:1-4፣ 3:1-4) ናብታ ኣብዛ ፕላኔትና ዘላ ዓዶም እምበር ኣብ ኣድማስ ናብ ዝርከብ ካልእ ቦታ ከም ዘይከዱ ትርድኦ ኢኻ። ብዛዕባ እዚ ዘሎና ምርዳእ ኢሳይያስ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ከም ዝነበረ ንኸነስተውዕል ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ከምቲ ገሊኣቶም ነቲ ዘይንጹር ናይ ናስትራደይመስ ትንቢታት ወይ ካልኦት ብዛዕባ መጻኢ ዝዛረቡ ሰባት ዝበልዎ ነገር እንታይ ምዃኑ ክግምቱ ዝፍትኑ: ክንግምት ኣየድልየናን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ የብርሃልና ኢዩ።

10. ነታ ኢሳይያስ እተነበያ ሓዳስ ‘ምድሪ’ ብኸመይ ኢና እንርድኣ፧

10 መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ‘ምድሪ’ እትብል ቃል ኵሉ ሳዕ ንፕላኔትና ጥራይ እተመልክት ገይሩ ኣይጥቀመላን ኢዩ። ንኣብነት: መዝሙር 96:1 ቃል ብቓሉ “ኵልኺ ምድሪ: ንእግዚኣብሄር ዘምሪ” ትብል። ፕላኔትና ማለት እዚ ንቑጽ ምድርን ሰፊሕ ውቅያኖሳትን ክዝምር ከም ዘይክእል ንፈልጥ ኢና። ሰባት ኢዮም ክዝምሩ ዝኽእሉ። እወ: መዝሙር 96:1 ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ሰባት ኢያ እተመልክት። a ይኹን እምበር ኢሳይያስ 65:17 ብዛዕባ ‘ሓድሽ ሰማይ’ እውን ትጠቅስ ኢያ። እታ ‘ምድሪ’ እትብል ቃል ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ናብ ዓዶም እተመልሱ ሓድሽ ሕብረተሰብ ዘቘሙ ሰባት እተመልክት ካብ ኰነት እቲ ‘ሓድሽ ሰማይ’ ድኣ ንምንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

11. እታ ‘ሓዳስ ሰማይ’ እትብል ሓረግ ንምንታይ ኢያ እተመልክት፧

11 እቲ ብማክሊንተክን ስትሮንግን እተዳለወ ሳይክሎፔድያ ኦቭ ቢብሊካል: ቴኦሎጂካል: ኤንድ ኤክለስያስቲካል ሊትረቸር ዘርእስቱ ናይ እንግሊዝኛ መዝገበ-ቓላት ከምዚ ይብል:- “እቲ ትርኢት ናይ ትንቢታዊ ራእይ ሰማይ ኢሉ ኣብ ዝጠቐሰሉ ዘበለ እዋን . . . ከምቲ ባህርያዊ ሰማይ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝቘመን ዝገዝእን . . . ነቶም ኣብ ልዕሊ ተገዛእቶም ዝስልጥኑን ዝገዝኡን ገዛእቲ ሓይልታት ዘመልክት ኢዩ።” ድሕርዚ እቲ ሳይክሎፔድያ ነታ “ሰማይን ምድርን” እትብል ሓረግ ከምዚ ብምባል ይገልጻ:- ‘ብትንቢታዊ ቋንቋ ክርአ ኸሎ እዛ ሓረግ እዚኣ ንፖለቲካዊ ኵነታት ናይቶም እተፈላለየ ደረጃ ዘለዎም ሰባት ኢያ እተመልክት። ሰማይ ነቶም ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎም ከመልክት ከሎ ምድሪ ኸኣ ነቶም ብኣሕሉቖም ዝግዝኡ ገባር የመልክት።’

12. እቶም ጥንታውያን ኣይሁድ ነቲ “ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን” ዘስተማቐርዎ ብኸመይ ኢዮም፧

12 ኣይሁድ ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ ሓድሽ ኣገባብ ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝኽእል ነገር ኢዮም ረኺቦም። ሓደስቲ ገዛእቲ ነበርዎም። እቲ ካብ ዘርኢ ንጉስ ዳዊት ዝዀነ ዘሩባቤል ኣመሓዳሪ: እያሱ ኸኣ ሊቀ-ኻህናት ነበሩ። (ሃጌ 1:1, 12፣ 2:21፣ ዘካርያስ 6:11) እዚኣቶም ‘ሓድሽ ሰማይ’ ኣቘሙ። ኣብ ልዕሊ እንታይ ኢዮም ነይሮም፧ እቲ ‘ሓድሽ ሰማይ’ ኣብ ልዕሊ እቲ ‘ሓድሽ ምድሪ’ ነበረ፣ እዚ ኸኣ ነቶም ንየሆዋ ምእንቲ ከምልኹ ኢሎም ንየሩሳሌምን ቤት መቕደሳን እንደገና ክሃንጽዋ ናብ ዓዶም እተመልሱ ዝጸረዩ ሕብረተሰብ ዘመልክት ኢዩ። ስለዚ: ብመሰረት እዚ ንጹር ሓሳባት እዚ ኣብቲ ፍጻሜ እቲ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ኣብቲ ግዜ እቲ ንዝነበሩ ኣይሁድ ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ።

13, 14. (ሀ) ነየነይቲ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ እተጠቕሰት “ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” እትብል ሓረግ ኢና ክንምርምር ዘሎና፧ (ለ) ናይ ጴጥሮስ ትንቢት ብፍላይ ኣብዚ ግዜ እዚ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

13 ነቲ ቀንዲ ነጥቢ ከይትስሕት ግን ተጠንቀቕ። ኣተረጓጕማ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይኰንካን እትለማመድ ዘሎኻ ወይ እውን ናይ ጥንቲ ታሪኽ ጥራይ ኣይኰንካን እትርኢ ዘሎኻ። እታ “ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” እትብል ሓረግ እትርከበሉ ካልእ ቦታ ብምምርማር ነዚ ክትርድኦ ትኽእል ኢኻ። ኣብ 2 ጴጥሮስ ምዕራፍ 3 እንተድኣ ገንጺልካ: እዛ ሓረግ እዚኣ እተጠቕሰትላ ቦታ ክትረኽቦ ኢኻ፣ መጻኢና ምስቲ ብትንቢት እተነግረሉ ነገር ስለምንታይ ከም እተተሓሓዘ ኸኣ ክርድኣካ ኢዩ።

14 ሃዋርያ ጴጥሮስ: እቶም ኣይሁድ ናብ ዓዶም ካብ ዝምለሱ ልዕሊ 500 ዓመት ጸኒሑ ኢዩ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ጽሒፉዋ። ሓደ ካብቶም ሃዋርያት የሱስ ከም ምዃኑ መጠን ናብቶም ሰዓብቲ ናይቲ ኣብ 2 ጴጥሮስ 3:2 ተጠቒሱ ዘሎ ‘ጐይታ’ እተባህለ ክርስቶስ ኢዩ ጽሒፍዋ። ጴጥሮስ ኣብ ቍጽሪ 4 “ተስፋ ህላወ” (NW) የሱስ ጠቒሱ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ነዚ ትንቢት እዚ ምስዚ ግዜና ኣጸቢቑ ከም ዝሰማማዕ ይገብሮ። የሱስ ካብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣትሒዙ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ስልጣን ምስ ሓዘ ህላወኡ ከም እተገልጸ ዝሕብር እኹል መርትዖታት ኣሎ። (ራእይ 6:1-8፣ 11:15, 18) ነቲ ጴጥሮስ ኣብ ምዕራፍ 3 እተነበዮ ካልእ ነጥቢ ኣብ ግምት ምስ እነእቱ: እዚ ፍሉይ ትርጕም ይህልዎ።

15. እቲ ጴጥሮስ ብዛዕባ ‘ሓድሽ ሰማያት’ እተነበዮ ነገር ፍጻሜኡ ዝረክብ ዘሎ ብኸመይ ኢዩ፧

15 ኣብ 2 ጴጥሮስ 3:13 “ንሕና ግና: ከምቲ ተስፋኡ: ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ ኣሎና” ዝብል ነንብብ። ሕጂ ኣብ ሰማያዊ ዝፋኑ ተቐሚጡ ዘሎ የሱስ እቲ ቐንዲ መራሒ ናይ ‘ሓድሽ ሰማያት’ ከም ዝዀነ ድሮ ትፈልጥ ትኸውን። (ሉቃስ 1:32, 33) ካልእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት እውን ንሱ በይኑ ከም ዘይገዝእ ይሕብር ኢዩ። የሱስ: እቶም ሃዋርያትን ከምኣቶም ዝኣመሰሉ ገለ ካልኦትን ኣብ ሰማይ ቦታ ክህልዎም ምዃኑ መብጽዓ ኣትዩ ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ እብራውያን: ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚኣቶም ‘ካብቲ ሰማያዊ ጽውዓ ግደ ዘለዎም’ ኢልዎም ኣሎ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) የሱስ እውን ነቶም ካብዚ ጕጅለ እዚ ዝዀኑ ሰባት ኣብ ሰማይ ምስኡ ኣብ ዝፋን ክቕመጡ ምዃኖም ገለጸ። (እብራውያን 3:1፣ ማቴዎስ 19:28፣ ሉቃስ 22:28-30፣ ዮሃንስ 14:2, 3) ሕጂ ክትኰረሉ ተደልዩ ዘሎ ኣብቲ ‘ሓድሽ ሰማያት’ ካልኦት እውን ምስ የሱስ ክገዝኡ ምዃኖም ኢዩ። እቲ ጴጥሮስ ዝጠቐሶ ‘ሓድሽ ምድሪ’ ድኣ እሞ እንታይ ኢዩ፧

16. ሕጂ ዘሎ ‘ሓድሽ ምድሪ’ እንታይ ኢዩ፧

16 ልክዕ ከምቲ ኣይሁድ ናብ ዓዶም ብምምላሶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ፍጻሜኡ ዝረኸበ: ሎሚ ዘሎ ፍጻሜ ናይ 2 ጴጥሮስ 3:13 ድማ ነቶም ንግዝኣት ናይዚ ሓድሽ ሰማያት ዝእዘዙ ሰባት ዘጠቓለለ ኢዩ። ሎሚ ነቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ግዝኣት ተሓጒሶም ዝእዘዙ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ካብቲ በዚ ግዝኣት እዚ ዝዳሎ ትምህርታዊ መደብ ይጥቀሙ: ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሕግታቱ ኸኣ ተሰማሚዖም ይነብሩ ኢዮም። (ኢሳይያስ 54:13) እዚኣቶም ካብ ኵሎም ኣህዛብ: ቋንቋታት: ከምኡውን ዓሌታት ተዋጺኦም ሓደ ዓለምለኻዊ ሕብረተሰብ ስለ ዘቘሙን ነቲ ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ክእዘዙ ብሓባር ስለ ዝዓየዩን መሰረት ናይቲ ‘ሓድሽ ምድሪ’ ኢዮም። ንስኻ እውን ክፍሊ ናይዚኣቶም ክትከውን ምኽኣልካ ዓቢ ግምት ዝወሃቦ ሓቂ ኢዩ!—ሚክያስ 4:1-4

17, 18. እቲ ኣብ 2 ጴጥሮስ 3:13 ዘሎ ቃላት ንመጻኢ ንኽንጥምት ምኽንያት ዝዀነና ስለምንታይ ኢዩ፧

17 እቲ ጕዳይ ኣኺልዎ እዚ ኢዩ: ብዛዕባ መጻኢ ዝርዝር ዝዀነ ዓሚቝ ፍልጠት ኣይክህልወናን ኢዩ ዝብል ስምዒት ኣይሰማዕካ። ትሕዝቶ ናይ 2 ጴጥሮስ ምዕራፍ 3 ምስ እትርኢ: ኣብ መጻኢ ዓቢ ለውጢ ክህሉ ምዃኑ ዝሕብር ነገራት ክትረክብ ኢኻ። ኣብ ቍጽሪ 5ን 6ን ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ብግዜ ኖህ ንዝነበረት እክይቲ ዓለም ዘጥፍአ ማይ ኣይሂ ጸሓፈ። ኣብ ቍጽሪ 7 “እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን:” ማለት እቶም ገዛእትን ህዝብን: “ክሳዕ መዓልቲ ፍርድን ክሳዕ ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን” ይሕሎ ከም ዘሎ ገለጸ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዚ ኸኣ እታ “እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን” እትብል ሓረግ ነዚ ግኡዝ ኣድማስ ዘይኰነስ ንሰባትን ንገዛእቶምን ከም እተመልክት እዛ ጥቕሲ ኣረጋጊጻትልና ኢያ።

18 ጴጥሮስ ቀጺሉ እታ እትመጽእ መዓልቲ የሆዋ ዓቢ ምጽራይ ክትገብር ምዃና: ነቲ ኣብ ቍጽሪ 13 ተጠቒሱ ዘሎ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ድማ መገዲ ክትከፍት ምዃና ገለጸ። እቲ ግዜ እቲ “ጽድቂ ዚነብረሉ” ምዃኑ ኣብ መወዳእታ ናይታ ጥቕሲ ከም እተገልጸ ኣይትረስዕ። እዝስ ንረብሓና ዝኸውን ዓበይቲ ለውጥታት ከም ዝህሉዶ ኣይሕብርን ኢዩ፧ ደቅሰብ ካብዚ ናይ ሎሚ ናብርኦም ንላዕሊ ሓጐስ ዝረኽቡሉ ግዜ ከም ዝኸውን ብምሕባር ብሓቂ ሓደስቲ ነገራት ዝህልወሉ ተስፋዶ ኣይህብን ኢዩ፧ ነዚ ከተስተውዕል እንተድኣ ኽኢልካ: ብዛዕባ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ዓሚቝ ምስትውዓል ኣለካ ማለት ኢዩ: እዚ ኸኣ ሒደት ሰባት ጥራይ ዝረኽብዎ ኢዩ።

19. እታ ብሕጂ ፍጻሜኣ እትረክብ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዘላ “ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን” እትብል ሓረግ እንታይ ድሕረ-ባይታ ነበራ፧

19 ነዚ ኣጸቢቕና እስከ ንመርምሮ። እታ “ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን” እትብል ሓረግ እትርከበለን ቦታታት ማለት ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 65: ከምኡውን ኣብ 2 ጴጥሮስ ምዕራፍ 3 ዘሎ ትሕዝቶ ርኢና ኢና። ሕጂ እዛ መግለጺ እዚኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከበሉ ካልእ ቦታ: ማለት ራእይ ምዕራፍ 21 እስከ ንርአ። ሕጂውን እቲ ድሕረ-ባይታ እንታይ ከም ዝነበረ ምርድኡ ይሕግዘና ኢዩ። ክልተ ምዕራፋት ምልስ ኢልና ማለት ኣብ ራእይ ምዕራፍ 19 እንተ ርኢና ብንጹር ዝዀነ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ውግእ ከም ዝግበር ተገሊጹ ይርከብ፣ እቲ ውግእ ግን ኣብ መንጎ ተጻባእቲ ሃገራት ዝግበር ኣይኰነን። በቲ ሓደ ወገን ናይቲ ውግእ እቲ “ቃል ኣምላኽ” ዝበሃል ነበረ። እዚ ማዕርግ እዚ ንየሱስ ክርስቶስ ከም ዘመልክት ትፈልጥ ትኸውን ኢኻ። (ዮሃንስ 1:1, 14) ንሱ ኣብ ሰማይ ኢዩ ዘሎ: ኣብዚ ራእይ እዚ ድማ ምስ ሰማያውያን ሰራዊቱ ከም ዘሎ ኰይኑ ተገሊጹ ኣሎ። ኣንጻር መን ኢዮም ዝዋግኡ፧ እታ ምዕራፍ ‘ነገስታት:’ ‘ሓለቓታት’ ከምኡውን እተፈላለየ ደረጃ ዘለዎም “ናእሽቱን ዓበይትን” ትጠቅስ። እዚ ውግእ እዚ ነታ ንእከይ ከተጥፍእ እትመጽእ ዘላ መዓልቲ የሆዋ ዘጠቓልል ኢዩ። (2 ተሰሎንቄ 1:6-10) እታ እትቕጽል ምዕራፍ ማለት ራእይ ምዕራፍ 20 ‘እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ዝዀነ ድያብሎስን ሰይጣንን’ ከም ዘልግስ ብምግላጽ ኢያ እትጅምር። እዚ ፍልጠት እዚ ራእይ ምዕራፍ 21 ንምምርማር ይድግፍ ኢዩ።

20. ራእይ 21:1 እንታይ ዓቢ ለውጢ ክህሉ ምዃኑ ኢያ እትሕብር፧

20 ሃዋርያ ዮሃንስ “እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሐሊፎም: ባሕሪውን ደጊምሲ የልቦን እሞ: ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ” ብዝብል ባህ ዘብል ቃላት ኢዩ ዝጅምሮ። ኣቐዲምና ኣብ ኢሳይያስ ምእራፍ 65 ከምኡውን ኣብ 2 ጴጥሮስ ምዕራፍ 3 ከም ዝረኣናዮ: እዚ ቃል ብቓሉ ንሰማያት ከምኡውን ነዛ ፕላኔትናን ነቲ ኣብኣ ዘሎ መዓሙቝ ማያትን ምትካእ ማለት ከም ዘይኰነ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እተን ኣቐድም ኣቢለን ዘለዋ ምዕራፋት ከም ዝገልጽኦ ነቲ ዘይርአ መራሒ ዝዀነ ሰይጣን ሓዊስካ እኩያት ሰባትን ገዛእቶምን ክጠፍኡ ኢዮም። እወ: እዚ ኣብዚ ዘሎ መብጽዓ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ሰባት ዘጠቓለለ ሓድሽ ኣገባብ ክህሉ ምዃኑ ኢዩ ዝሕብር።

21, 22. ዮሃንስ እንታይ በረኸት ከም እንረክብ ኢዩ ዘረጋግጸልና: ምድራዝ ንብዓትከ እንታይ ማለት ኢዩ፧

21 ነዚ ዘደንቕ ትንቢት እናመርመርናዮ ምስ ከድና ናይዚ መረጋገጺ ንረክብ ኢና። ኣብ መወዳእታ ቍጽሪ 3 እንተ ርኢና: ኣምላኽ ምስ ደቅሰብ ክነብር: ማለት ክጠቕሞም ብዝኽእል መገዲ ኣቓልቦኡ ናብቶም ፍቓዱ ዝፍጽሙ ሰባት ክገብር ምዃኑ ትገልጽ። (ህዝቅኤል 43:7) ዮሃንስ ቀጺሉ ኣብ ቍጽሪ 4ን 5ን ከምዚ ይብል:- “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ ኢዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ: ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፤ እንሆ: ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ: በለ። እዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ: ጽሐፍ: በለኒ።” ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ መንፈስካ ዘሐድስ ትንቢት ኰን ኢዩ!

22 ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ ዝንበዮ ዘሎ ምእንቲ ከተስተማቕሮ ህድእ ኢልካ እስከ ሕሰበሉ። “ኣምላኽ . . . ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ።” እዚ ነቲ ተኣፋፊ ዝዀነ ዓይንና ከየቋረጸ ዝሓጽብ ንብዓት ኰነ ነቲ ናይ ሓጐስ ንብዓት ከመልክት ኣይክእልን ኢዩ። እወ: ኣምላኽ ዝደርዞ ንብዓት እቲ ብስቓይ: ሓዘን: ተስፋ ምቝራጽ: ጕድኣት: ከምኡውን ቃንዛ ዝመጽእ ኢዩ። ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ እዚ ኣምላኽ ንብዓት ከም ዝደርዝ ዝገልጽ ዘደንቕ ተስፋ ምስቲ ‘ሞት: ሓዘን: ጫውጫው: ጻዕሪ ከም ዘይከውን’ ዝሕብር መግለጺ ተተሓሒዙ ኣሎ።—ዮሃንስ 11:35

23. ኣብ ናይ ዮሃንስ ትንቢት እንታይ ኵነታት ከም ዘይህሉ ኢዩ መረጋገጺ እተዋህበና፧

23 እዝስ ሕማም መንሽሮ: ወቕዒ: ሕማም ልቢ: አረ ሞት እውን ከይተረፈ ከም ዝጠፍእዶ ኣየረጋግጸልናን ኢዩ፧ መን ካባና ኢዩ ዘፍቅሮ ሰብ ብሕማም: ብሓደጋ: ወይ ብባህርያዊ ዕንወት ዘይሞቶ፧ ኣምላኽ ሞት ከም ዘይህሉ ካብ ተማባጽዓልና: ኣብቲ ግዜ እቲ ቘልዑ እንተ ተወሊዶም ኣሪጎም ኣይክሞቱን ኢዮም። እቲ ኣብ ግዜ እርጋን ልሙድ ዝዀነ ዓይነት ሕማማት ማለት ከም ኦልዘይመርስ ዝበሃል ናይ ምርሳዕ ሕማም: ኦስቲዮፖሮሲስ ዝበሃል ናይ ኣዕጽምቲ ሕማም: ፋይብሮይድ ትዩመር እተባህለ ሕማም ማህጸን: እተፈላለየ ዓይነት ሕማማት ዓይኒ እውን ከይተረፈ ኣይክህሉን ኢዩ።

24. እቲ “ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን” በረኸት ዝዀነና ብኸመይ ኢዩ: ብሕጂ እንምርምሮኸ እንታይ ኢዩ፧

24 ሞት: እርጋን: ከምኡውን ሕማም ምስ ዝጠፍእ ሓዘንን ጫውጫውን ከም ዝቕንስ ብዘይጥርጥር ትሰማምዓሉ ኢኻ። እንተዀነ ግን: ብዛዕባ እቲ ንሰባት ዝደቍስ ዘሎ ድኽነት: ንቘልዑ ምህሳይ: ከምኡውን ብሰንኪ መበቈል ወይ ሕብሪ ቈርበት ዝመጽእ ጭቈና ዝመልኦ ምፍልላይ እንታይ ኢዩ ዝግበሮ፧ እዚ ሎሚ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ዝቕጽል ነይሩ እንተ ዝኸውን ካብ ሓዘንን ጫውጫውን ክንናገፍ ኣይምኸኣልናን ነይርና። ስለዚ ህይወት ኣብ ትሕቲ እቲ “ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን” በዚ ሕጂ ዘሎ ጠንቂ ሓዘን ዝዀነ ነገራት ኣይክበላሾን ኢዩ። ኣየ ከመይ ዝበለ ለውጢ ኰን ኢዩ! ክሳዕ ሕጂ ካብተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከባ “ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን” ዝብላ ኣርባዕተ ሓረጋት ነተን ሰለስተ ርኢናየን ኣሎና። ምስዚ ዝመርመርናዮ እትተሓሓዝ ከምኡውን ነቲ ኣምላኽ መዓስን ብኸመይን ‘ንዅሉ ከም ዘሐድስ’ ዝኣተዎ መብጽዓ እንጽበየሉ ምኽንያት እተጕልሕ ሓንቲ መግለጺ ተሪፋ ኣላ። እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ነታ ትንቢት እቲኣን ምስ ሓጐስና ብኸመይ ከም እትተሓሓዝን ክትገልጸልና ኢያ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል ዝበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ቅዱስ ንመዝሙር 96:1 “ኣብ ምድሪ ዘለኹም ሰባት ኵሉኹም ንጐይታ ዘምሩ” ኢሉ ኢዩ ተርጒምዋ ዘሎ። ዘ ኮንተምፖራሪ ኢንግሊሽ ቨርሽን ዝበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ቅዱስ እውን “ነፍሲ ወከፍ ኣብዛ ምድሪ ዘሎ ንጐይታ ውዳሰ ይዘምር” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። ኢሳይያስ ‘ሓድሽ ምድሪ’ ክብል ከሎ እምበኣር ነቶም ናብ ዓዶም እተመልሱ ህዝቢ ኣምላኽ የመልክት ምንባሩ ርዱእ ኢዩ።

እንታይ ትዝክር፧

እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን” እተነበየሉ ሰለስተ ኣጋጣሚታት ኣየናይ ኢዩ፧

እቶም ጥንታውያን ኣይሁድ ኣብ ፍጻሜ ናይቲ “ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን” እቱዋት ዝነበሩ ብኸመይ ኢዮም፧

ካብቲ ጴጥሮስ ዝጠቐሶ “ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” እንታይ ፍጻሜ ከም ዝህሉ ኢኻ እትርዳእ፧

ራእይ ምዕራፍ 21 ብሩህ መጻኢ ከም ዝህሉ እትሕብረና ብኸመይ ኢያ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ከምቲ የሆዋ እተነበዮ: ቂሮስ ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ኣይሁድ ናብ ዓዶም ንኽምለሱ መገዲ ኣዳለወሎም