የሆዋ ክቡር ገይሩ ዝርእዮ ውህብቶ
የሆዋ ክቡር ገይሩ ዝርእዮ ውህብቶ
እዚ ዝስዕብ ደብዳበ ናብቲ ኣብ ሞዛምቢክ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተላእከ ኢዩ:-
“ኣነ ወዲ ሸውዓት ዓመት ኢየ። ተመሃራይ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ድማ ኢየ። ሓደ ጫቚት ኣዕብየ ንዝረኸብክዎ ገንዘብ እልእከልኩም ኣለኹ። ነቲ ጫቚት 12,000 መቲካይስ [1.00 ዶላር ኣመሪካ] ኢየ ሸይጠዮ። ነዚ ንፈለማ ግዜ ዘዕበኽዎ ጫቚት: የሆዋ እኹል ኣርሓ ደርሆ ከም ዝኸውን ገይሩ ስለ ዘዕበዮ አመስግኖ። እዚ ዝልእኮ ዘለኹ ህያብ ኣብ ዕዮ መንግስቲ የሆዋ ክውዕል ኢዩ ድላየይ።
“ተወሳኺ ሓበሬታ:- ነዛ ደብዳበ እዚኣ ክጽሕፋ ከለኹ ኣቦይ ሓጊዙኒ ኢዩ።”
ንልግሲ: ምስቶም ኣኽል ታርፍ ንዋታዊ ነገራት ዘለዎም ዘተሓሕዝዎ ሰባት ኣለዉ። ነቲ ብዛዕባ እታ ኣብ ሳጹን ምጽዋት “ኽልተ ለብጦን” ዘውደቐት መበለት ዝገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እነንብብ ግን: ልግሲ ዝዕቀን ብብዝሒ ዘይኰነስ ብዝንባለ ልቢ ናይቲ ዝህብ ዘሎ ሰብ ምዃኑ ንግንዘብ ኢና።—ሉቃስ 21:1-4
የሆዋ ንዅሉ እቲ ብፍቕሪ ዝግበር ውህብቶ: ይውሓድ ይብዛሕ ብዘየገድስ የማስወሉ ኢዩ። ነቶም ግዜኦም: ጉልበቶም: ወይ ድማ ንዋታዊ ዓቕሞም ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብምሃብ ንልግሱ ዝቐድሕዎ ኣብዚሑ ኢዩ ዝባርኾም።—ማቴዎስ 6:33፣ እብራውያን 6:10