ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ክቡር ገይሩ ዝርእዮ ውህብቶ

የሆዋ ክቡር ገይሩ ዝርእዮ ውህብቶ

የሆዋ ክቡር ገይሩ ዝርእዮ ውህብቶ

 እዚ ዝስዕብ ደብዳበ ናብቲ ኣብ ሞዛምቢክ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተላእከ ኢዩ:-

“ኣነ ወዲ ሸውዓት ዓመት ኢየ። ተመሃራይ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ድማ ኢየ። ሓደ ጫቚት ኣዕብየ ንዝረኸብክዎ ገንዘብ እልእከልኩም ኣለኹ። ነቲ ጫቚት 12,000 መቲካይስ [1.00 ዶላር ኣመሪካ] ኢየ ሸይጠዮ። ነዚ ንፈለማ ግዜ ዘዕበኽዎ ጫቚት: የሆዋ እኹል ኣርሓ ደርሆ ከም ዝኸውን ገይሩ ስለ ዘዕበዮ አመስግኖ። እዚ ዝልእኮ ዘለኹ ህያብ ኣብ ዕዮ መንግስቲ የሆዋ ክውዕል ኢዩ ድላየይ።

“ተወሳኺ ሓበሬታ:- ነዛ ደብዳበ እዚኣ ክጽሕፋ ከለኹ ኣቦይ ሓጊዙኒ ኢዩ።”

ንልግሲ: ምስቶም ኣኽል ታርፍ ንዋታዊ ነገራት ዘለዎም ዘተሓሕዝዎ ሰባት ኣለዉ። ነቲ ብዛዕባ እታ ኣብ ሳጹን ምጽዋት “ኽልተ ለብጦን” ዘውደቐት መበለት ዝገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እነንብብ ግን: ልግሲ ዝዕቀን ብብዝሒ ዘይኰነስ ብዝንባለ ልቢ ናይቲ ዝህብ ዘሎ ሰብ ምዃኑ ንግንዘብ ኢና።—ሉቃስ 21:1-4

የሆዋ ንዅሉ እቲ ብፍቕሪ ዝግበር ውህብቶ: ይውሓድ ይብዛሕ ብዘየገድስ የማስወሉ ኢዩ። ነቶም ግዜኦም: ጉልበቶም: ወይ ድማ ንዋታዊ ዓቕሞም ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብምሃብ ንልግሱ ዝቐድሕዎ ኣብዚሑ ኢዩ ዝባርኾም።—ማቴዎስ 6:33፣ እብራውያን 6:10