ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓጐስ ዘለዎ ናብራ ስድራቤት ካልኦት ናብ ኣምላኽ ንኽቐርቡ ይሕግዝ

ሓጐስ ዘለዎ ናብራ ስድራቤት ካልኦት ናብ ኣምላኽ ንኽቐርቡ ይሕግዝ

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ

ሓጐስ ዘለዎ ናብራ ስድራ​ቤት ካልኦት ናብ ኣምላኽ ንኽቐርቡ ይሕግዝ

 የሆዋ ንዮሴፍ ብዙሕ ጥበብን ምስትውዓልን ብምሃብ ባረኾ። (ግብሪ ሃዋርያት 7:⁠10) በዚ ምኽንያት እዚ እቲ ዮሴፍ ዝነበሮ ዓሚቝ ምርዳእ “ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ዅሎም ገላዉኡን ጽቡቕ ኰነ።”​—⁠ዘፍጥረት 41:⁠37

ሎሚውን ብተመሳሳሊ የሆዋ ህዝቡ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽንዖም ዓሚቝ ምርዳእን ምስትውዓልን ከም ዝረኽቡ ይገብሮም ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16, 17) ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ኣብ ተግባር ክውዕል ከሎ እዚ ጥበብን ምስትውዓልን እዚ ጽቡቕ ፍረ የፍሪ። እዚ ቀጺሉ ዘሎ ኣብ ዙምባብወ ዘጋጠመ ተመክሮታት ከም ዘብርሆ እቲ ሰናይ ጠባዮም መብዛሕትኡ ግዜ ‘ኣብ ኣዒንቲ እቶም ዝዕዘብዎም ጽቡቕ ኢዩ ኰይኑ።’

ሓንቲ ሰበይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጐረባብቲ ነበርዋ። ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይትፈትዎም እኳ እንተ ነበረት: ብባህርያቶም ኣውራ ድማ ብናብራ ስድራ​ቤቶም ትግረም ነበረት። እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ጽቡቕ ርክብ ከም ዝነበሮም እቶም ውሉዳቶምውን እዙ​ዛት ከም ዝዀኑ ተገንዘበት። ብፍላይ ድማ እቲ ሰብኣይ ንበዓልቲ ቤቱ ኣዝዩ ከም ዘፍቅራ ኣስተብሃለት።

ኣብ ገለ ባህልታት ኣፍሪቃ ሰብኣይ ንሰበይቱ ዘፍቅራ እንተ​ዀይኑ እታ በዓልቲ ቤት ንሰብኣያ “ንምግራሕ” ገለ ዓይነት ሽሕር ተጠቒማ ኽትከውን ኣለዋ ዝብል እምነት ኣሎ። ስለዚ እታ ሰበይቲ ናብታ ናይ የሆዋ ምስክር በዓልቲ ቤት ቀሪባ “ሰብኣየይ ከምቲ ሰብኣይኪ ንዓኺ ዘፍቅረኪ ገይሩ ምእንቲ ከፍቅረኒ በጃኺ ግዳ እቲ ንሰብኣይኪ እተጠቐምኩሉ ሽሕር ሃብኒ” በለታ። እታ ናይ የሆዋ ምስክር ድማ “ሕራይ: ጽባሕ ድሕሪ ቐትሪ ሒዘልኪ ክመጽእ ኢየ” ኢላ መለሰትላ።

ንጽብሒቱ እታ ሓፍቲ ነቲ “ሽሕር” ሒዛ ናብታ ጐረቤታ ከደት። እቲ ሽሕር እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ መጽሓፍ ቅዱስን እታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍን ኢዩ ነይሩ። ካብ መጽሓፍ ፍልጠት እታ “ንኣምላኽ እተኽብር ስድራ​ቤት ምህናጽ” እትብል ኣርእስቲ ድሕሪ ምውሳደን ነታ ሰበይቲ ከምዚ በለታ:- “እቲ ኣነን ሰብኣየይን ንሓድሕድና ‘ንምግርራሕ’ እንጥቀመሉ ‘ሽሕር’ እዚ ኢዩ: በዚ ምኽንያት እዚ ኢና ኣጸቢቕና እንፋቐር።” ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመራ: እታ ሰበይቲ ድማ ብቕልጡፍ ዕቤት ኣርኣየት እሞ ህይወታ ንየሆዋ ወፍያ ተጠምቀት።

ጥቓ ሰሜናዊ ምብራቕ ዶብ ዙምባብወን ሞዛምቢክን ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ጉባኤ እተመደቡ ክልተ ፍሉያት ፓይነራት ንኽልተ ሰሙን ዝኸውን ካብ ቤት ናብ ቤት ኣይከዱን። ስለምንታይ ኢዮም ዘይከዱ፧ ሰባት ነቲ ዝብልዎ ንኽሰምዑ ናብኦም ይመጹ ስለ ዝነበሩ ኢዩ። ሓደ ካብቶም ፓይነራት እዚ ብኸመይ ከም ዘጋጠመ ከዘንቱ ኸሎ ከምዚ ይብል:- “ንሓደ ተገዳሲ ሰሙናዊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንመርሓሉ ዓሰርተ ሓሙሽተ ኪሎ ሜተር ንጕዓዝ ነበርና። ኣብዚ ቦታ እዚ ንኽንበጽሕ ንዓና ቀሊል ኣይነበረን። ብመገዲ ጭቃ ክንጓዓዝ: ክሳዕ ክሳድና ዝበጽሕ ወሓይዝ ክንሰግር ነበረና። እዚ ንምግባር ክዳውንትናን ጫማናን ኣብ ርእስና ገይርና ሚዛንና ሓሊና ክንከይድ: ብድሕሪኡ ድማ ናብቲ ሓደ ወገን ምስ በጻሕና እንደገና ክዳውንትና ምኽዳን ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ።

“ጐረባብቲ ናይቲ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብኣይ በቲ ዘሎና ቅንኢ ኣዝዮም ተመሰጡ። ካብቶም ነዚ ዘስተብሃሉ እቲ ናይቲ ከባቢ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢዩ ነይሩ። ነቶም ሰዓብቱ ከምዚ በሎም:- ‘ከምዞም ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መንእሰያት ቀናኣት ክትኰኑ ኣይትደልዩንዶ፧’ ንጽብሒቱ ብዙሓት ካብ ሰዓብቱ ክሳዕ ክንድዚ ጽኑዓት ክንከውን ዝኸኣልና ብኸመይ ምዃኑ ንኽሓቱና ናብ ገዛና መጹ። ኣብ ርእሲ እዚ: ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ ክልተ ሰሙን ብዙሓት ኣጋይሽ ስለ ዝመጹና መግብና ከነዳሉ ከይተረፈ ግዜ ኣይረኸብናን!”

ኣብ መንጎ እቶም ኣብቲ ክልተ ሰሙን ናብ ገዛ እቶም ፓይነራት ዝመጹ እቲ መራሕ ሃይማኖት ኢዩ ነይሩ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ፍቓደኛ ምስ ኰነ እቶም ፓይነራት እተሰምዖም ሓጐስ እሞ ገምቶ!