ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መሰረታዊ ስርዓት ንምሕላው ሞይቱ

መሰረታዊ ስርዓት ንምሕላው ሞይቱ

መሰረታዊ ስርዓት ንምሕላው ሞይቱ

 ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብቲ ቅድም ናይ ዛክሰንሃውዘን መዳጐኒ ደምበ ዝነበረ እተረኽበ (ኣብ ታሕቲ ዘሎ) ጽላት ከምዚ ዝብል ጽሑፍ ነበሮ:- “ነቲ (ብ1910 እተወልደ) ናይ የሆዋ ምስክር ዝነበረ ኦገስት ዲክማን ንዝክሮ ኢና።” ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ከምዚ ዝበለ ጽላት ክግበረሉ ዝበቕዐ ስለምንታይ ኢዩ፧ እቲ መቐጸልታ ናይቲ ጽሑፍ ነቲ ምኽንያት የብርሆ:- “ብምኽንያት ሃይማኖታዊ ናይ ገለልትነት ኣቕዋሙ ብ15 መስከረም 1939 ኣብ ቅድሚ ህዝቢ በቶም ኤስኤስ ተረሸነ።”

ኦገስት ዲክማን ኣብ መዳጐኒ ደምበ ዛክሰንሃውዘን ዝኣተወ ብ1937 ኢዩ ነይሩ። ካልኣይ ውግእ ዓለም ብ1939 ድሕሪ ምጅማሩ ሰለስተ መዓልቲ ጸኒሑ: ዲክማን ወተሃደር ንኽኸውን ወረቐት ክፍርም ተኣዘዘ። ምስ ኣበየ ኣዛዚ ናይቲ መዳጐኒ ደምበ ምስቲ ሄንሪች ሂምለር ዝብሃል ሓላፊ ናይ ኤስኤስ (ሹትሽታፈል፣ ናይ ሂትለር ብሉጻት ሓለውቲ ጸጥታ) ብምርኻብ ኣብ ቅድሚ ኵሎም እቶም እሱራት ንዲክማን ክርሽኖ ፍቓድ ሓተተ። ኣብ 17 መስከረም 1939 ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ካብ ጀርመን ከምዚ ዝብል ጸብጻብ ኣቕረበት:- “ኣብዚ እቲ ወዲ 29 ዓመት ኦገስት ዲክማን . . . ብጕጅለ ወተሃደራት ተረሺኑ።” ኣብቲ ውግእ እቲ ብምኽንያት ሃይማኖታዊ ኣቕዋሙ ኣይዕስከርን ዝበለ ናይ መጀመርታ ጀርመናዊ ምዃኑ እታ ጋዜጣ ገለጸት።

ድሕሪ ስሳ ዓመታት እቲ ብራንደንበርግ ሜሞርያል ፋውንደሽን ዝብሃል ማሕበር ኣብ 18 መስከረም 1999 መዘከርታ ሞት ዲክማን ገበረ: እቲ ናይ ዝኽሪ ጽላት ከኣ ሎሚ ንበጻሕቲ ብዛዕባ ትብዓትን ጽኑዕ እምነትን ናይ ዲክማን የዘኻኽሮም። ኣብ መንደቕ እቲ ናይ ቅድም መዳጐኒ ደምበ ዝርከብ ካልኣይ ጽላት ድማ ንበጻሕቲ: ዲክማን ሓደ ካብቶም ገለ 900 ዝዀኑ ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ዛክሰንሃውዘን እተሳቐዩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኑ የዘኻኽሮም። እወ: ኣብ ትሕቲ ዘስካሕክሕ ኵነታት ናይ መዳጐኒ ደምበ እውን ከይተረፈ ብዙሓት ንስርዓታት ኣምላኽ እሙናት ኰይኖም ኢዮም።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ‘ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዘሎ ስልጣን [መንግስቲ]’ ክእዘዙ ክርስትያናዊ ግዴትኦም ኢዩ። (ሮሜ 13:⁠1) እንተ​ዀነ ግን: መንግስታት ነቲ ናይ ኣምላኽ ሕጊ ንኽጥሕሱ ምስ ዝግድድኦም ኣብነት ናይቶም “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ዝበሉ ሃዋርያት ክርስቶስ ኢዮም ዝስዕቡ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:⁠29) በዚ ምኽንያት እዚ ኣብታ ብዓሌታውን ቀቢላውን ጽልኢ ዘስካሕክሕ ጭካነ ዝመልኣ ዓለም: ኣብ ኵሉ ቦታ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ኦገስት ዲክማን ንሰላም ኢዮም ዝስዕቡ። “ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ እምበር: በቲ እከይ ኣይትሰዐር” ዝብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ዝስዕቡ።​—⁠ሮሜ 12:⁠21