ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብልሽውና ኣመና ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧

ብልሽውና ኣመና ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧

ብልሽውና ኣመና ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧

“መማለዲ ነቶም ዚርእዩ የዕውር: ዘረባ ጻድቃን ከኣ የቕንን እዩ እሞ: መማለዲ ኣይትውሰድ።”—⁠ዘጸኣት 23:⁠8

 ቅድሚ ሰለስተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ዓመታት ኣቢሉ ሕጊ ሙሴ ንጉቦ ኰነኖ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኣብ ዝነበረ ዘመናት ኣንጻር ብልሽውና ዝወጽእ ሕግታት እናበዝሐ ከይዱ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: እቲ እተሓገገ ሕግታት ንብልሽውና ክዓግት ኣይከኣለን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብሚልዮናት ዝቝጸር ጉቦ ካብ ሓደ ሰብ ናብ ካልእ ይመሓላለፍ: ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ከኣ ብሳዕቤን ናይዚ ይሳቐዩ ኣለዉ።

ብልሽውና ኣመና ኣስፋሕፊሑን ተራቒቑን ስለ ዘሎ ነቲ ቀንዲ ትሕተ-ቅርጺ ናይ ሕብረተሰብ ከየዳኽሞ የፍርህ ኣሎ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ጉቦ እንተ ዘይሂብካ ዳርጋ ምንም ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ነቲ ዝምልከቶ ሰብ ጉቦ ብምሃብ መርመራ ክትሓልፍ: ፍቓድ መምርሒ ከተውጽእ: ውዕል ክትገብር: ወይ ኣብ ሕጊ ዝቐረበ ጕዳይ ክትረትዕ ትኽእል ኢኻ። ኣርኖ ሞንትበር ዝበሃል ኣብ ፓሪስ ዝርከብ ጠበቓ “ብልሽውና ኣብ መንፈስ ሰባት ከም ዘንጸላሉ ሰፊሕ ብከላ ኢዩ” በለ።

ጉቦ ምሃብ ብፍላይ ነቲ እናስፋሕፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ንግዲ ዓለም ይቈጻጸሮ ኢዩ። ገለ ኩባንያታት ሲሶ ናይ መኽሰበን ንብልሽውና ዘጥቅዖም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ጉቦ ንኽኸፍላ ይምድብኦ። ብመሰረት እታ ኣብ ብሪጣንያ እትሕተም ዘ ኢኮኖሚስት እትበሃል መጽሔት (እንግሊዝኛ) ካብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ንዓለምለኻዊ ንግዲ ኣጽዋር ካብ ዝውዕል 25 ቢልዮን ዶላር ክሳዕ 10 ሚእታዊት ኣቢሉ ዝኸውን ደሓር ዓማዊል ክዀኑ ንዝኽእሉ ጉቦ ብምሃብ ዝጠፍእ ኢዩ። ደረጃ ናይ ብልሽውና እናወሰኸ ክኸይድ ከሎ: እቲ ሳዕቤናቱ ኣዕናዊ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ናይ “ዘመድ” ካፒታሊዝም: ማለት ንሒደት ጽቡቕ ርክብ ዘለዎም ጥራይ ዝጠቅም ብልሽውና ዝመልኦ ንግዳዊ ንጥፈታት: ንቝጠባ ናይ ሃገራት ኣዕንዩ ኢዩ።

ርግጽ ኢዩ: እቶም ብምኽንያት ብልሽውናን ቍጠባዊ ዕንወትን ዝሳቐዩ እቶም ጉቦ ክህቡ ዘይክእሉ ድኻታት ሰባት ኢዮም። ዘ ኢኮኖሚስት ብንጹር ከም ዝበለቶ “ብልሽውና ሓደ ዓይነት ጭቈና ኢዩ።” እዚ ዓይነት ጭቈና ክጠፍእ ይኽእል ድዩ ወይስ ዘይተርፍ ነገር ኢዩ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ መጀመርታ ገለ ካብቲ መሰረታዊ ጠንቅታት ብልሽውና ክንፈልጥ ኣሎና።

ጠንቅታት ብልሽውና እንታይ ኢዩ፧

ሰባት ብቕንዕና ኣብ ክንዲ ዝመላለሱ: ኣብ ብልሽውና ክጥሕሉ ዝመርጹ ስለምንታይ ኢዮም፧ ንገሊኣቶም ዝደለይዎ ንኽረኽቡ ዝቐለለ ወይ እውን እንኮ መገዲ ስለ ዝዀነ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ: ጉቦ መቕጻዕቲ ከም ዝተርፍ ክገብር ይኽእል ኢዩ። ፖለቲከኛታት: ኣባላት ፖሊስ: ከምኡውን ደያኑ ንብልሽውና ሸለል ኢሎም ክርእይዎ ወይ ከኣ ኣብኡ እውን ከይተረፈ ክጥሕሉ ብምርኣዮም ጥራይ ብዙሓት ሰባት ኣብነቶም ይስዕቡ ኢዮም።

ብልሽውና ብቕልጡፍ እናስፋሕፍሐ ምስ ከደ: ዝያዳ ተቐባልነት ይረክብ እሞ ኣብ መወዳእትኡ ልሙድ ነገር ይኸውን። እቶም ኣዝዩ ትሑት ደሞዝ ዘለዎም ሰባት ካልእ ኣማራጺ ዘይብሎም ኰይኑ ይስምዖም። ጽቡቕ መነባብሮ ክህልዎም እንተ​ድኣ ደልዮም ጉቦ ክሓቱ ኣለዎም። እቶም ጉቦ ኣገዲዶም ዝቕበሉ ወይ እቶም ዘይርትዓዊ ረብሓ ንኽረኽቡ ኢሎም ጉቦ ዝህቡ ሰባት ከይተቐጽዑ ምስ ዝተርፉ: ብልሽውና ንምቅዋም ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት ይውሕዱ። ንጉስ ሰሎሞን “እኩይ ግብሪ ብቕልጡፍ ኣይፍረድን እዩ እሞ: ስለዚ ልቢ ደቂ ሰብ እኩይ ንምግባር ብሃቐና መልኤ” ብምባል ትዕዝብቱ ይገልጽ።​—⁠መክብብ 8:⁠11

ብልሽውና ንኽህሉ ዝደፋፍኣ ክልተ ጽልዋ ዘለወን ሓይልታት ኣለዋ፣ ንሳተን ከኣ ስስዐን ህርፋንን ኢየን። ኣብ ብልሽውና እተኣልኩ ሰባት ስስዐ ስለ ዘለዎም እቲ ብልሽውንኦም ኣብ ካልኦት ዘውርዶ ስቓይ ዕሽሽ ይብልዎ: ረብሓ ስለ ዝረኽቡሉ ኸኣ ንጉቦ ምኽኑይ ይገብርዎ። እቶም ኣብ ብልሽውና እተኣልኩ ሰባት ዝያዳ ንዋታዊ ረብሓታት እናደለቡ ብዝኸዱ መጠን ዝያዳ ስሱዓት ይዀኑ። ሰሎሞን “ብሩር ዚፈቱ ብብሩር ኣይጸግብን። ሃብቲ ዚፈቱ ኸኣ ኣይረብሕን” ብምባል ትዕዝብቱ ይገልጽ። (መክብብ 5:⁠10) ልክዕ ኢዩ: ገንዘብ ንምድላብ ስስዐ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: እንተ​ዀነ ግን: ንብልሽውናን ዘይሕጋውነትን ብቐጻሊ ዕሽሽ ከም ዝበሃል ይገብር ኣሎ።

ኣብዚ: ግደ ናይቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሰይጣን ድያብሎስ ኢሉ ዝጽውዖ ዘይርአ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ሸለል ክበሃል ዘይብሉ ካልእ ረቛሒ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 5:⁠19፣ ራእይ 12:⁠9) ሰይጣን ብልሽውና ንኽህሉ ብቐጻሊ ይደፋፍእ ኢዩ። እቲ ኣብ መዝገብ ካብ ዝሰፈረ ዝዓበየ ጉቦ እቲ ሰይጣን ከምዚ ብምባል ንክርስቶስ ዘቕረበሉ ኢዩ:- ‘ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይ: መንግስታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን ክህበካ ኢየ።’​—⁠ማቴዎስ 4:⁠8, 9

የሱስ ግን ኣብ ብልሽውና ኣይኣተወን: ንሰዓብቱ እውን ተመሳሳሊ ባህሪ ንኸርእዩ ምሂርዎም ኢዩ። እዚ ክርስቶስ ዝማሃሮ ነገራት ሎሚ ዘሎ ብልሽውና ንምጥፋእ ኣስላጢ መሳርሒ ክኸውን ይኽእልዶ ኢዩ፧ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ ዝቕጽል ዓንቀጽ ክትምርመር ኢያ።