ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ኣምላኻዊ ምህሮ ኣደልዲልካ ሓዞ

ነቲ ኣምላኻዊ ምህሮ ኣደልዲልካ ሓዞ

ነቲ ኣምላኻዊ ምህሮ ኣደልዲልካ ሓዞ

“ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።”​—⁠ምሳሌ 3:⁠5, 6

1. ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ንሰብኣዊ ፍልጠት ተቓሊዕና ዘሎና ብኸመይ ኢና፧

 ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ብዘላ ዓለም ዳርጋ 9,000 መዓልታዊ ጋዜጣታት ይዝርጋሕ ኣሎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጥራይ ገለ 200,000 ዝኸውን ሓደስቲ መጻሕፍቲ ተሓቲሙ ይወጽእ ኣሎ። ብመሰረት ሓደ ገምጋም ከኣ እቲ ናይ ኢንተርነት ናይ ወብ ገጻት ክሳዕ ወርሒ መጋቢት ናይ 1998 ዳርጋ 275 ሚልዮን ገጻት በጺሑ ነበረ። እዚ ኣሃዝ እዚ ኣብ ወርሒ ብ20 ሚልዮን ገጻት ይውስኽ ከም ዘሎ ይዝረብ። ካብ ቅድሚ ሕጂ ብእተፈልየ መልክዑ ሰባት ዳርጋ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ርእሰ ጕዳይ ሓበሬታ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣወንታዊ ጐድንታት እኳ እንተለዎ: ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓበሬታ ምዕልቕላቕ ግን ግድላት ኣልዒሉ ኢዩ።

2. ናይዚ ኣዕለቕሊቑ ዘሎ ሓበሬታ ተጠቃሚ ናይ ምዃን ተኽእሎ ብምህላዉ ክስዕብ ዝኽእል ግድላት እንታይ ኢዩ፧

2 ገሊኦም ውልቀ⁠-​ሰባት ሓበሬታ እንተ ዘይረኺቦም ዘየኽእሎም ውሉፋት ኰይኖም ኣለዉ: ኵሉ ግዜ ድማ ነቲ እዋናውያን ኰይኖም ንኽርከቡ ዘለዎም ፈጺሙ ዘይዓግብ ድሌቶም ንኸርውዩ ዝያዳ ኣገደስቲ ንዝዀኑ ነገራት ዕሽሽ ይብሉ። ካልኦት ድማ ብዛዕባ እተሓላለኸ ዓውድታት ፍልጠት ምሉእ ዘይኰነ ሓበሬታ ይህልዎም እሞ ንገዛእ ርእሶም ሊቅ ገይሮም ከቕርብዋ ይፍትኑ። ምናልባትውን ብዛዕባ ነገራት ኣብ ዘለዎም ቍንጣሮ ዝዀነ ምርዳእ ተመርኲሶም ንገዛእ ርእሶም ይኹን ንኻልኦት ክሃሲ ዝኽእል ከቢድ ውሳነ ይገብሩ ይዀኑ ኢዮም። ካልእ ከጋጥም ዝኽእል ኵነታት ድማ ንሓሶት ወይ ግጉይ ንዝዀነ ሓበሬታ እተቓላዕካ ምዃን ኢዩ። እዚ ኣዕለቕሊቑ ዘሎ ሓበሬታ ቅኑዕን ሚዛናውን ምዃኑ ክረጋገጸሉ ዝከኣል መገዲ የለን እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኰነን።

3. ብዛዕባ ደድሕሪ ሰብኣዊ ጥበብ ምስዓብ ዝመጸ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ተዋሂቡ ዘሎ፧

3 ሓድሽ ነገር ናይ ምፍላጥ ህንጥዮት ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ወድሰብ ክልለየሉ ዝጸንሐ ባህርይ ኢዩ። ዘይረብሕ አረ ጐዳኢ እውን ክኸውን ዝኽእል ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዝጠፍእ ኣዝዩ ብዙሕ ግዜ ዘስዕቦ ሓደጋ ኣብ እዋን ንጉስ ሰሎሞን እውን ይፍለጥ ነይሩ ኢዩ። ባዕሉ ንጉስ ሰሎሞን “መጻሕፍቲ ምጽሓፍ መወዳእታ የብሉን: ብዙሕ ምምሃር ድማ ንስጋ የድክሞ” ኢሉ ተዛረበ። (መክብብ 12:⁠12) ዘመናት ጸኒሑ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ጸሓፈሉ:- “ካብቲ: ገሊኦም ተአሚኖምዎ ኻብ እምነት ዘምቢሎም ዘለዉ: ብሓሶትሲ ፍልጠት ተብሂሉ ዘሎ ርኹስ ሃተውተውን ክትዕን ርሐቕ። ነቲ ሕድሪ እተዋህበካ ሐልዎ።” (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠20, 21) እወ: ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ብዘየድሊ መገዲ ንጐዳኢ ዝዀነ ሓሳባት ከይቃልዑ ክጥንቀቑ ኣገዳሲ ኢዩ።

4. ሓደ ካብቲ ኣብ የሆዋን ትምህርቱን ዘሎና ትውክልቲ ከነርእየሉ እንኽእል መገድታት እንታይ ኢዩ፧

4 ኣብ ርእሲ እዚውን ህዝቢ የሆዋ ነቲ ኣብ ምሳሌ 3:⁠5, 6 ዘሎ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ዝብል ቃላት ከድህብሉ ሰናይ ኢዩ። ኣብ የሆዋ ምእማን ነቲ ካብ ናይ ገዛእ ርእስና ምርዳእ ይኹን ወይ ካብ ብጾትና ዝበቍል ምስ ቃል ኣምላኽ ዝጋጮ ዝዀነ ይኹን ሓሳባት ምንጻግ ዘጠቓልል ኢዩ። መንፈሳውነትና ንምሕላው በቲ ጐዳኢ ሓበሬታ ከነለልየሉ እሞ ካብኡ ክንርሕቀሉ እንኽእል መገዲ: ልቦናና ከነለማምድ ኣድላዪ ኢዩ። (እብራውያን 5:⁠14) እስከ ንገለ ምንጭታት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ ንመያየጠሎም።

ብሓይሊ ሰይጣን እተዓብለለት ዓለም

5. ሓደ ምንጪ ናይ ጐዳኢ ሓሳባት እንታይ ኢዩ: ብድሕሪት ኰይኑ ዘሳውር ዘሎኸ መን ኢዩ፧

5 እዛ ስጋዊት ዓለም እዚኣ ዘይትነጽፍ ምንጪ ጐዳኢ ዝዀነ ሓሳባት ኢያ። (1 ቈረንቶስ 3:⁠19) የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ “ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር: ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ” ብምባል ናብ ኣምላኽ ጸልዩ ኢዩ። (ዮሃንስ 17:⁠15) ደቀ መዛሙርቱ “ካብቲ ኽፉእ” ንኽሕለዉ የሱስ ዘቕረቦ ልማኖ: ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ዓለም ጽልዋ ከም ዝገብር ኣፍልጦ ዝህብ ኢዩ ነይሩ። ክርስትያናት ምዃንና ናይዛ ዓለም እዚኣ ሕማቕ ጽልዋ ከም ዘይትንክፈና ገይሩ ይሕልወና ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ዮሃንስ “ካብ ኣምላኽ ምዃንና: ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና” ብምባል ጽሒፉ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 5:⁠19) ብፍላይ ኣብ መወዳእታ ክፋል ናይዘን ዳሕሮት መዓልትታት: ሰይጣንን ኣጋንንቱን ነዛ ዓለም እዚኣ ዒቕ ክሳዕ ዝብላ ብጐዳኢ ሓበሬታ ከም ዝመልእዋ ትጽቢት ዝግበረሉ ጕዳይ ኢዩ።

6. ናይ ምዝንጋዕ ዓለም ንሓደ ሰብ ብስነ-ምግባር ከደንዝዞ ዝኽእል ከመይ ገይሩ ኢዩ፧

6 ብተወሳኺውን ገለ ካብዚ ጐዳኢ ሓበሬታ እዚ ዘይሃሲ መሲሉ ከም ዝቐርብ ዘይሰሓት ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 11:⁠14) ንኣብነት: ነቲ ናይ ተሌቭዥን ምርኢታት: ፊልምታት: ሙዚቃ: ከምኡውን ጽሑፋት ዘጠቓልል ናይ ምዝንጋዕ ዓለም እስከ ነስተብህለሉ። ገሊኡ ዓይነት ምዝንጋዕ ከም ብዕልግና: ዓመጽ: ከምኡውን ከም ሓሽሽ ምውሳድ ዝኣመሰለ ሕስረት ዝመልኦ ተግባራት ዘተባብዕ እናዀነ ይኸይድ ከም ዘሎ ብዙሓት ይሰማምዕሉ ኢዮም። ሓደ ጽዩፍ ዓይነት መዘናግዒ ንፈለማ ግዜ ዝርእዩ ተመልከትቲ ስኽሕክሕ ይብሉ ይዀኑ። ብተደጋጋሚ ምስ ዝርእይዎ ግን ክድንዝዙ ይኽእሉ ኢዮም። ጐዳኢ ዝዀነ ሓሳብ ዘመሓላልፍ መዘናግዒ ከም ቅቡል ወይ ጕድኣት ኣልቦ ገይርና ክንወስዶ ከቶ ኣይግብኣናን ኢዩ።​—⁠መዝሙር 119:⁠37

7. ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና እምንቶ ክብሕጕጎ ዝኽእል እንታይ ዓይነት ሰብኣዊ ጥበብ ኢዩ፧

7 ኣዕናዊ ዝዀነ ሓበሬታ ክህብ ዝኽእል ካልእ ምንጪ እስከ ንርአ: እዚ ኸኣ እቲ ንሓቅነት መጽሓፍ ቅዱስ ኣተሓታቲ ክገብርዎ ዝጽዕሩ ገለ ሊቃውንትን ምሁራትን ንዝህብዎ ሓሳባት ሒዙ ዝወጽእ ጽሑፋት ኢዩ። (ምስ ያእቆብ 3:⁠15 ኣረኣእዮ።) ከምዚ ዝኣመሰለ ጽሑፋት ኣብተን ውሩያት መጽሔታትን ኣብ ህቡብ መጻሕፍትን ኢዩ ብተደጋጋሚ ዝወጽእ: እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ እምንቶ ክብሕጕጎ ዝኽእል ኢዩ። ገሊኦም ውልቀ⁠-​ሰባት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸእምን ዘለዎ ሓይሊ ንምድኻም ዘቕርብዎ ማእለያ ዘይብሉ ግምታዊ ሓሳባት ይሕበንሉ ኢዮም። “ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ: ብልማድ ሰብ: ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ: ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ: ተጠንቀቑ” ካብ ዝብል ቃላት ሃዋርያ ጳውሎስ ክንርድኦ ከም እንኽእል: ሃዋርያት ኣብ ዝነበርሉ ግዜ እውን ተመሳሳሊ ሓደጋ ነይሩ ኢዩ።​—⁠ቈሎሴ 2:⁠8

ጸላእቲ እታ ሓቂ

8, 9. ኣብዚ ግዜ እዚ ክሕደት ዝገሃድ ዘሎ ብኸመይ ኢዩ፧

8 ከሓድቲ እውን እንተዀኑ እቶም ንመንፈሳውነትና ካልእ ስግኣት ዝፈጥርሉ ባእታ ኢዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ ማእከል እቶም ኣምሰሉ ክርስትያናት ክሕደት ከም ዝለዓል ኣቐዲሙ ነጊሩ ነይሩ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠29, 30፣ 2 ተሰሎንቄ 2:⁠3) ከም ፍጻሜ ናይቲ ኣቐዲሙ እተዛረቦ ድማ ድሕሪ ሞት ሃዋርያት: ሓደ ሰፊሕ ክሕደት ናብ ምዕባለ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ኣምርሐ። ሎሚ ኣብ ማእከል ህዝቢ ኣምላኽ ሰፊሕ ክሕደት የልቦን። እንተ​ዀነ ግን: ሒደት ውልቀ⁠-​ሰባት ንመሳርዕና ጠንጢኖምዎ ወጺኦም ኣለዉ፣ ገሊኦም ድማ ሓሶትን ግጉይ ሓበሬታን ብምንዛሕ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ምጽላም ስርሐይ ኢሎም ተታሓሒዞምዎ ይርከቡ። ገለ ሒደት ከኣ ምስቶም ነቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ብውዱብ መልክዕ ዝጻረርዎ ካልኦት ጕጅለታት ይተሓጋገዙ ኣለዉ። ከምዚ ብምግባሮም ምስቲ ቝጽሪ ሓደ ከሓዲ ዝዀነ ሰይጣን ይውገኑ።

9 እቲ ገለ ከሓድቲ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንምዝርጋሕ ንኢንተርነት ሓዊስካ ዝጥቀምሉ ዘለዉ ሜላታት መራኸቢ ብዙሓን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ከም ውጽኢት እዚ ድማ ቅኑዓት ውልቀ⁠-​ሰባት ንእምነትና ዝምልከት ምርምር ክገብሩ ኸለዉ እቲ ናይ ከሓድቲ ፕሮፓጋንዳ የጋጥሞም ይኸውን ኢዩ። ብተወሳኺውን ከሓድቲ ዝካፈልዎ ገለ ናይ ቴለቪዥን ይኹን ሬድዮ ፕሮግራማት ኣሎ። ብመንጽር እዚ ክርአ ኸሎ ኣየናይ ጥበባዊ መገዲ ኢና እንስዕብ፧

10. ንናይ ከሓድቲ ፕሮፖጋንዳ ዝምልከት ክንወስዶ ዘሎና ጥበባዊ ስጕምቲ እንታይ ኢዩ፧

10 ሃዋርያ ዮሃንስ ንኸሓድቲ ናብ ኣባይቶም ክቕበልዎም ከም ዘይብሎም ዝገልጽ መምርሒ ንክርስትያናት ሂብዎም ኢዩ። ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጸ እሞ ነዚ ምህሮ እዚ እንተ ዘየምጽኤ: ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ: ሰላምውን ኣይትበልዎ። እቲ ሰላም ዚብሎስ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ሐቢርዎ እዩ።” (2 ዮሃንስ 10, 11) ምስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ተቓወምቲ ክግበር ካብ ዝከኣል ኵሉ ዓይነት ርክባት ምርሓቕ ካብቲ መበላሸዊ ዝዀነ ኣተሓሳስባኦም ክባልሃና ኢዩ። ገዛእ ርእስና ነቲ ብእተፈላለየ ሜላታት ዘመናዊ መራኸቢ ኣቢሉ ዝመጽእ ናይ ከሓድቲ ምህሮ ከም እትቃላዕ ምግባር ከስዕበልና ዝኽእል ሓደጋ ማዕረ እቲ ንሓደ ከሓዲ ብኣካል ናብ ኣባይትና ምስ እንቕበሎ ዘውርዶ ሓደጋ ኢዩ ዘለዎ። ሓድሽ ነገር ናይ ምፍላጥ ህንጥዮት ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናብ መዓት ዝወስድ መገዲ ኸም እንኣቱ ገይሩ ከህርረና ፍጹም ክንፈቕደሉ የብልናን!​—⁠ምሳሌ 22:⁠3

ኣብ ውሽጢ እታ ጉባኤ

11, 12. (ሀ) ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ: ምንጪ ጐዳኢ ሓሳባት እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) ገለ ክርስትያናት ንኣምላኻዊ ምህሮ ኣደልዲሎም ካብ ምሓዝ ዝሰነፉ ብኸመይ ኢዮም፧

11 ምንጪ ጐዳኢ ሓሳባት ክኸውን ዝኽእል ካልእ መዳይ እውን ንርአ። ናይ ሓሶት ትምህርቲ ንኽምህር ዕላማ እኳ እንተ ዘይሃለዎ ሓደ ህይወቱ ዝወፈየ ክርስትያን ጐዳኢ ዘረባ ናይ ምዝራብ ልምዲ ከጥሪ ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 12:⁠18) ኵላትና ብምኽንያት ዘይፍጽምናና ሓድሓደ ግዜ ብልሳንና ንእብስ ኢና። (ምሳሌ 10:⁠19፣ ያእቆብ 3:⁠8) ኣብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝነበረሉ ግዜ ገለ ካብቶም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ልሳኖም ምቍጽጻር ይስእኑን ኣብ ናይ ቃላት ርሱን ክትዕ ይእለኹን ከም ዝነበሩ ፍሉጥ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:⁠8 NW ) ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣረኣእያ ኣዕዚዞም ዝሓስቡ ንስልጣን ጳውሎስ ክሳዕ ምድፋር እውን ከይተረፈ ዝበጽሑ ካልኦት እውን ነይሮም ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 10:⁠10-12) ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈስ ብዘየድሊ ግርጭታት ኢዩ ዝለዓል ነይሩ።

12 ሓድሓደ ግዜ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይምስምማዓት ናብ “ብርቱዕ ጽልኢ” ይሰጋገር ነበረ። (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠5፣ ገላትያ 5:⁠15) ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ክትዓት ዘልዕሉ ዝነበሩ ሰባት እዚ ዝስዕብ ጸሓፈ:- “ሓደ እኳ ኻልእ ምህሮ እንተ መሀረ: በቲ ጥዑይ ቃል ጐይታና የሱስ ክርስቶስን በቲ ኣምልኾ ዘለዎ ምህሮን እንተ ዘይተታሕዘ: ንሱ ብኽትዕን ብዜብእስ ዘረባን ሐሚሙ እዩ እምበር: ሓንቲ እኳ ዘይፈልጥ ንፉሕ እዩ። ካብዚ እዩ ቕንኢ: ባእሲ: ጸርፊ: ሕሱም ጥርጥር . . . ዚመጽእ።”​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:⁠3, 4

13. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ካብ ዝነበሩ ክርስትያናት ናይ መብዛሕትኦም ምምልላስ ከመይ ይመስል ነበረ፧

13 እቲ ዘሐጕስ ግን ኣብቲ ሃዋርያት ዝነበርሉ እዋን መብዛሕትኦም ክርስትያናት እሙናትን ፈልከት ከይበሉ ኣብ ምእዋጅ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዘተኵሩን ኢዮም ነይሮም። ኣብ ዘይረብሕ ብዛዕባ ቃላት ዝግበር ክትዓት ግዜ ካብ ምሕላፍ “ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን” ብምብጻሕ ትሑዛት ኢዮም ነይሮም: ንገዛእ ርእሶም ከኣ “ኻብ ርኽሰት ዓለም” ይሕልውዋ ነበሩ። (ያእቆብ 1:⁠27) መንፈሳውነቶም ምእንቲ ኽሕልዉ ካብቲ ኣብ ውሽጢ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ከይተረፈ ዝነበረ “ሕማቕ ዕርክነት” ይርሕቁ ነይሮም ኢዮም።​—⁠1 ቈረንቶስ 15:⁠33፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:⁠20, 21

14. እንተ​ድኣ ዘይተጠንቂቕና እቲ ንቡር ሓድሕዳዊ ሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ናብ ሃሳዪ ክትዕ ክቕየር ዝኽእል ከመይ ገይሩ ኢዩ፧

14 ብተመሳሳሊ እቲ ኣብ ቍጽሪ 11 ተገሊጹ ዘሎ ኵነታት መለለዪ ናይዘን ሎሚ ዘለዋ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይኰነን። ገና ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይረብሕ ክትዓት ክኽሰት ከም ዝኽእል ኣፍልጦ ክህልወና ሰናይ ኢዩ። ርግጽ ኢዩ ብዛዕባ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ክትመያየጥ ወይ ድማ ብዛዕባ እቲ ዛጊት ዘይተገልጸ መዳያት ናይታ መብጽዓ እተገብረላ ሓዳስ ዓለም ኣብ ኣእምሮኻ ሕቶታት ክለዓለካ ንቡር ኢዩ። ንኸም ኣከዳድናን ኵልንትንኣዊ ኣቃውማን ወይ ድማ ንኸም ናይ መዘናግዒ ምርጫኻ ዝኣመሰለ ብሕታዊ ጕዳያት ዝምልከት ሓድሕዳዊ ሓሳብ ክትለዋወጥ ምንም ጌጋ የብሉን። ይኹን እምበር: ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ሓሳብ ድርቕ እንብል: ካልኦት ምስቲ ናትና ሓሳባት ምስ ዘይሰማምዑ ድማ እንቕየም ዓይነት ሰባት እንተ​ድኣ ዄንና: እታ ጉባኤ ብጢጥቅሚጥ ዝዀነ ጕዳያት ተጐዛዝያ ክትተርፍ ኢያ። እቲ ኣብ ፈለማ ንእሽቶ ዝመስል ዝነበረ ዘረባ ዓቢ ጕድኣት ከስዕብ ይኽእል ኢዩ።

ነቲ እተዋህበና ሕድሪ ምሕላዉ

15. ‘ትምህርቲ ኣጋንንቲ’ ብመንፈስ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ክሃስየና ዝኽእል: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋትከ እንታይ ዝብል ምኽሪ ኢዩ ተለጊሱልና ዘሎ፧

15 ሃዋርያ ጳውሎስ “በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም: ንመናፍስቲ ስሕተትን ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ: እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል አሎ” ብምባል የጠንቅቕ። (1 ጢሞቴዎስ 4:⁠1) ብርግጽ: ጐዳኢ ሓሳባት ዓቢ ስግኣት ክፈጥር ይኽእል ኢዩ። ጳውሎስ ነቲ ዝፈትዎ ዓርኩ ጢሞቴዎስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል እተማሕጸኖ እምበኣር ብርዱእ ምኽንያት ኢዩ:- “ኣታ ጢሞቴዎስ: ካብቲ: ገሊኦም ተአሚኖምዎ ኻብ እምነት ዘምቢሎም ዘለዉ: ብሓሶትሲ ፍልጠት ተብሂሉ ዘሎ ርኹስ ሃተውተውን ክትዕን ርሐቕ። ነቲ ሕድሪ እተዋህበካ ሐልዎ።”​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:⁠20, 21

16, 17. ካብ ኣምላኽ ብሕድሪ እተዋህበና እንታይ ኢዩ: ክንሕልዎ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

16 እዚ ፍቕራዊ መጠንቀቕታ እዚ ሎሚ ክጠቕመና ዝኽእል ከመይ ገይሩ ኢዩ፧ ጢሞቴዎስ ሓደ ተኸናኺኑ ክሕልዎ ዝነበሮ ኣዝዩ ክቡር ዝዀነ ነገር ኢዩ ብመልክዕ ሕድሪ እተዋህቦ። እዚ ሕድሪ እዚ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ጳውሎስ ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጾ:- “ነቲ ኻባይ ዝሰማዕካዮ ጥዑይ ቃል ከኣ በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ እምነትን ፍቕርን ንምሳሌ ሐዞ። ነቲ እተቐበልካዮ ጽቡቕ ሕድሪ በቲ ኣባና ሐዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ሐልዎ።” (2 ጢሞቴዎስ 1:⁠13, 14) እወ: እቲ ንጢሞቴዎስ ተዋሂብዎ ዝነበረ ሕድሪ ነቲ “ጥዑይ ቃል” ዝዀነ ‘ኣምልኾ ዘለዎ ምህሮ’ ዘጠቓልል ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠3) ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ምስ እዚ ቓላት እዚ ብምስምማዕ: እምነቶምን ነታ ሕድሪ እተዋህብዋ ሓቅን ንምሕላው ቈራጽነት ወሲዶም ኣለዉ።

17 ነዚ ሕድሪ እዚ ምሕላው ‘ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ እናገበርካ’ ከም ጽቡቕ መደብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባርን ጸሎት ምዝውታርን ዝኣመሰለ ነገራት ምዅስኳስ ዘጠቓልል ኢዩ። (ገላትያ 6:⁠10፣ ሮሜ 12:⁠11-17) ጳውሎስ ቀጺሉ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል ማዕዳ ይህብ:- “ደድሕሪ ጽድቂ: ኣምልኾ: እምነት: ፍቕሪ: ትዕግስቲ: ህድኣት ስዐብ። ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል: ነታ እተጸዋዕካላ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክርውን ጽቡቕ ምእማን እተአመንካላ ህይወት ዘለኣለም ሐዛ።” (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠11, 12) እተን ጳውሎስ ተጠቒሙለን ዘለዋ ከም “ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል” ከምኡውን “ሐዛ” ዝብላ ቃላት ብመንፈስ ክሃስየና ንዝኽእል ጽልዋታት ብንጥፈት ከምኡውን ብቘራጽነት ንኽንቃወሞ ዘሎና ግዴታ ብሩህ ዝገብራ ኢየን።

ምስትውዓል ኣድላዪ ኢዩ

18. ንዓለማዊ ፍልጠት ብዝምልከት ክርስትያናዊ ሚዛን ከነንጸባርቕ እንኽእል ከመይ ገይርና ኢና፧

18 ኣብቲ ጽቡቕ ገድሊ እምነት ንኽንጋደል እንገብሮ ቅልስ ምስትውዓል ኣድላዪ ኢዩ። (ምሳሌ 2:⁠11፣ ፊልጲ 1:⁠9) ንኣብነት: ንዅሉ ዓለማዊ ፍልጠት ትውክልቲ ክግበረሉ ኸም ዘይከኣል ገይርካ ምድምዳም ዘይምኽንያታዊ ምዃን ኢዩ። (ፊልጲ 4:⁠5 NW፣ ያእቆብ 3:⁠17 ) ኵሉ ሰብኣዊ ሓሳባት ምስ ቃል ኣምላኽ ዝጋጮ ኣይኰነን። ሕሙማት ብዓለማዊ ትምህርቲ ናብ ደረጃ በዓል ሞያ ምዃን ብዝበጽሐ ሓደ ሓኪም ክርኣዩ ኸም ዘለዎም ዝእምት ዓይነት ዘረባ የሱስ ተዛሪቡ ነይሩ ኢዩ። (ሉቃስ 5:⁠31) ኣብቲ ግዜ እቲ ደረጃ ምዕባለ ሕክምና ድሑር እኳ እንተ ነበረ: ካብቲ ሓኪም ዝገብረልካ ሓገዝ ገለ ጥቕሚ ክርከብ ከም ዝከኣል ኢዩ የሱስ ኣፍልጦ ሂቡ። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ንዓለማዊ ፍልጠት ዝምልከት ሚዛናዊ ዝዀነ ኣረኣእያ ዘንጸባርቑ እኳ እንተዀኑ: ካብቲ ብመንፈስ ክሃስዮም ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ግን ገዛእ ርእሶም ይሕልዉ ኢዮም።

19, 20. (ሀ) ሽማግለታት ነቶም ጥበብ ዝጐደሎ ኣዘራርባ ዘለዎም ሰባት ክሕግዙ ኸለዉ ምስትውዓል ክጥቀሙ ዝኽእሉ ከመይ ገይሮም ኢዮም፧ (ለ) ንጕዳይ እቶም ናይ ሓሶት ትምህርቲ ኣብ ምንዛሕ ዝጸንዑ ሰባት እታ ጉባኤ ብኸመይ ክትሕዞ ኣለዋ፧

19 ኣብ ርእሲ እዚውን ሽማግለታት ነቶም ጥበብ ዝጐደሎ ኣዘራርባ ዘዘውትሩ ሰባት ሓገዝ ክህቡ ኸለዉ ምስትውዓል ከርእዩ ኣድላዪ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:⁠7) ሓድሓደ ግዜ ኣባላት ጉባኤ ብጢጥቅሚጥ ኣብ ዝለዓል ክትዓትን ግምታዊ ክርክራትን ክኣትዉ ይኽእሉ ኢዮም። ሓድነት ጉባኤ ንምዕቃብ ሽማግለታት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ግድላት ዝኸውን ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ቅልጡፋት ክዀኑ ኣለዎም። ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ ኣብ ዝወስድሉ እዋን ግን ስልጥ ኢሎም ንኣሕዋቶም ሕማቕ ድራኸ ከም ዘለዎም ገይሮም ካብ ምዅናን ከምኡውን ብሃወኽ ከም ከሓድቲ ካብ ምቝጻር ይቝጠቡ ኢዮም።

20 ጳውሎስ ነቲ ሓገዝ ዝወሃበሉ መንፈስ ገሊጽዎ ኣሎ። “ኣሕዋተየ: ሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ: ነዚ ኸምዚ ዝበለ: ንስኻትኩም መንፈሳውያን: ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ” በለ። (ገላትያ 6:⁠1) ብዛዕባ እቶም ምስቲ ዘለዎም ምጥርጣር ዝቃለሱ ክርስትያናት ፍልይ ኣቢሉ ክዛረብ ከሎ ይሁዳ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ጸሓፈ:- “ንገሊኦም: ነቶም ዚጣራጠሩ: ኣረድእዎም። ንገሊኦም ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም።” (ይሁዳ 22, 23) ርግጽ ኢዩ: ሓደ ሰብ ብተደጋጋሚ ማዕዳ ተዋሂብዎ ክነሱ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ኣብ ምንዛሕ እንተ​ድኣ ጸኒዑ: ሽማግለታት ነታ ጉባኤ ንምሕላው ቈራጽ ስጕምቲ ምውሳድ ከድልዮም ኢዩ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 1:⁠20፣ ቲቶስ 3:⁠10, 11

ንኣእምሮና ብዝንኣድ ነገራት ምምልኡ

21, 22. ብዛዕባ እንታይ ኢና መረጽቲ ክንከውን ዘሎና: ነእምሮና ክንመልኦ ዘሎናኸ ብምንታይ ኢና፧

21 ክርስትያናዊት ጉባኤ ‘ከም መንሽሮ ንዝልሕም’ ጐዳኢ ዘረባ ተርሕቖ ኢያ። (2 ጢሞቴዎስ 2:⁠16, 17፣ ቲቶስ 3:⁠9) እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ቃላት ነቲ መስሓቲ ዝዀነ ዓለማዊ “ጥበብ:” ናይ ከሓድቲ ፕሮፓጋንዳ: ወይ ድማ ነቲ ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ዝዝረብ ጐዳኢ ዘረባ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ሓደስቲ ነገራት ንኽትፈልጥ ጥዑይ ድሌት ምሕዳር ጠቓሚ እኳ እንተ​ዀነ: ልጓሙ ዝበተኸ ህንጥዮት ግን ንጐዳኢ ሓሳባት ዘሳጥሕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንውዲት ሰይጣን ኣይንስሕቶን ኢና። (2 ቈረንቶስ 2:⁠11) ካብቲ ናብ ኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ንኸጓናድበና ብርቱዕ ጻዕርታት ይገብር ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና።

22 ከምቲ ኻብ ንፉዓት ኣገልገልቲ ዝድለ ነቲ ኣምላኻዊ ምህሮ ኣደልዲልና ንሓዞ። (1 ጢሞቴዎስ 4:⁠6) ኣብቲ ክንረኽቦ እንደልዮ ሓበሬታ መረጽቲ ብምዃን ንግዜና ብጥበብ እንጥቀመሉ ይግበረና። ከምኡ ምስ እንገብር በቲ ሰይጣን ዘናፍሶ ፕሮፓጋንዳ ብቐሊሉ ኣይክንናወጽን ኢና። ሃየ እምበኣር “ሓቂ ዘበለ: ርዝነት ዘለዎ ዘበለ: ቅኑዕ ዘበለ: ንጹህ ዘበለ: ተፈታዊ ዘበለ: ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ: ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ: ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ” ብእኡ ንሕሰብ። ንኣእምሮናን ኣልባብናን ብኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት እንተ​ድኣ መሊእናዮ: ኣምላኽ ሰላም ምሳና ክኸውን ኢዩ።​—⁠ፊልጲ 4:⁠8, 9

እንታይ ኢና ተማሂርና፧

ዓለማዊ ጥበብ ንመንፈሳውነትና ስግኣት ክፈጥረሉ ዝኽእል ከመይ ገይሩ ኢዩ፧

ካብቲ ሃሳዪ ዝዀነ ናይ ከሓድቲ ሓበሬታ ገዛእ ርእስና ንምሕላው እንታይ ክንገብር ምኸኣልና፧

ካብ ውሽጢ ጉባኤ ክእለ ዘለዎ ዓይነት ኣዘራርባ እንታይ ኢዩ፧

ነዚ ሎሚ ኣዕለቕሊቑ ዘሎ ሓበሬታ ብዝምልከት: ክርስትያናዊ ሚዛን ምሕላው ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

መብዛሕትኡ ህቡብ መጽሔታትን መጻሕፍትን ምስቲ ክርስትያናዊ ናይ ስነ⁠-​ምግባር ስርዓታትና ዝጋጮ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ድርቕ ዝበለ ኣቕዋም ከይሓዙ ሓሳብ ክለዋወጡ ይኽእሉ ኢዮም