ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንብልሽውና ብናይ መንፈስ ሰይፊ ምቅላሱ

ንብልሽውና ብናይ መንፈስ ሰይፊ ምቅላሱ

ንብልሽውና ብናይ መንፈስ ሰይፊ ምቅላሱ

“እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ።”​—⁠ኤፌሶን 4:⁠24

 ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ኣብ ዝለዓለ ደረጅኡ በጺሑ ኸሎ ሰባት ካብ ዝረኣይዎ እቲ ዝዓበየ ምምሕዳር ናይ ዓለም ኢዩ ነይሩ። ሕግታት ሮሜ ኣዝዩ ዕዉት ስለ ዝነበረ ሕጂውን መሰረት ሕጊ ናይ ብዙሓት ሃገራት ኰይኑ የገልግል ኣሎ። ሮሜ ብዙሕ ዓወታት እኳ እንተ ነበራ: እቶም ሰራዊታ ግን ንሓደ ሰላሕ ጕልድም ዝዀነ ጸላኢ ማለት ንብልሽውና ክቈጻጸሩ ኣይከኣሉን። ኣብ መወዳእትኡ ድማ ብልሽውና ንውድቀት ሮሜ ኣቀላጠፈ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ሓደ ካብቶም ኣብ ብልሽውና ብዝጠሓሉ ሰበ-ስልጣን ሮሜ እተሳቐዩ ሰባት ኢዩ ነይሩ። እቲ ዝመርመሮ ሮማዊ ገዛኢ ፌሊክስ: ጳውሎስ ገበን ከም ዘይነበሮ ኣጸቢቑ ተረዲእዎ ነበረ። እንተ​ዀነ ግን: ፌሊክስ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ኣብ ብልሽውና ኣጸቢቖም እተኣልኩ ሰባት ስለ ዝነበረ: ጳውሎስ ምእንቲ ክፍታሕ ኢሉ ገንዘብ ክህቦ ተስፋ ብምግባር ነቲ ጕዳይ ኣደናጐዮ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 24:⁠22-26

ጳውሎስ ግን ንፌሊክስ ጉቦ ኣብ ክንዲ ዝህቦ ብግልጺ ብዛዕባ “ጽድቅን ንጽህናን [“ርእሰ-ግትኣትን:” NW ]” ነገሮ። ፌሊክስ መገዱ ኣይቀየረን: ጳውሎስ ከኣ ነቲ ሕጋዊ መስርሕ ብጉቦ ክሰግሮ ኣብ ክንዲ ዝፍትን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸንሐ። መልእኽቲ ሓቅን ቅንዕናን ሰበኸ: ምስዚ ተሰማሚዑ ድማ ይነብር ነበረ። ንኣይሁድ ክርስትያናት “ብዅሉ ደግነት ክንነብር እናደሌና: ሰናይ ሕሊና ኸም ዘሎና: ተረዲእናዮ አሎና” ኢሉ ጸሓፈሎም።​—⁠እብራውያን 13:⁠18

እዚ ኣቕዋም እዚ ካብቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ስነ-​ምግባር ፈጺሙ እተፈልየ ኢዩ ነይሩ። እቲ ፓላስ ዝበሃል ንፌሊክስ ሓዉ ካብቶም ኣብታ ጥንታዊት ዓለም ዝነበሩ ዝሃብተሙ ሰባት ሓደ ኢዩ ነይሩ: እቲ ምስ ተገምገመ 45 ሚልዮን ዶላር ኣቢሉ ዝዀነ ሃብቱ ድማ ዳርጋ ብምሉኡ ብጉቦን ብዓመጽን እተኣከበ ነበረ። እንተ​ዀነ ግን: እቲ ሃብቱ ምስዚ ኣብ መበል 20 ዘመን ብገለ መራሕቲ ኣብ ምስጢራዊ ናይ ባንክ ሕሳብ እተሓብአ ቢልዮናት ዶላራት ክወዳደር ከሎ ኣብ ግምት ዘይኣቱ ኢዩ። ሎሚ ዘለዋ መንግስታት ኣንጻር ብልሽውና ዝገብርኦ ቃልሲ ተዓዊተን ኢየን ኢሉ ዝኣምን ገርሂ ጥራይ ኢዩ።

ብልሽውና ንነዊሕ እዋን ሱር ስለ ዝሰደደ: ሓደ ክፍሊ ባህሪ ደቅሰብ ኢዩ ኢልና ክንሓስብ ኣሎናዶ ኢዩ፧ ወይስ ብልሽውና ንምዕጋት ገለ ነገር ክግበር ይከኣል ድዩ፧

ብልሽውና ብኸመይ ክዕገት ይኽእል፧

ብልሽውና ንምዕጋት ዝግበር ቀዳማይ ስጕምቲ ብልሽውና ኣዕናውን ጌጋን ምዃኑ ኣፍልጦ ምሃብ ኢዩ: ምኽንያቱ ብልሽውና ንኻልኦት ሰባት ብምህሳይ እቶም ዘይቅኑዓት ጥቕሚ ዝረኽብሉ ኣገባብ ኢዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ገለ ምዕባለ ከም እተገብረ ዘይከሓድ ኢዩ። ኣብ ሕ.መ.ኣ. ናይ መንግስቲ ምክትል ጸሓፊ ጄምስ ፎሊ ከምዚ በለ:- “ጉቦ ዘስዕቦ ጕድኣት ከቢድ ከም ዝዀነ ኵላትና ንፈልጥ ኢና። ጉቦ ንጽቡቕ ኣገዛዝኣ የዳኽም: ቍጠባዊ ስልጠትን ዕቤትን ይዕንቅፍ: ንግዲ የዛብዕ: ከምኡውን ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ዜጋታት ከቢድ ጕድኣት የምጽኣሎም።” ብዙሓት ምስቲ ዘረብኡ ይሰማምዑ ኢዮም። ብ17 ታሕሳስ 1997: 34 ዓበይቲ ሃገራት “ኣንጻር ብልሽውና ንምቅላስ ዓቢ ጽልዋ ዘለዎ” ናይ “ጉቦ ሓባራዊ ስምምዕ” ብምግባር ክታመን ኣንቢረን ኢየን። እቲ ሓባራዊ ስምምዕ “ዓለምለኻዊ ንግዳዊ ረብሓታት ንኽትረክብ ወይ ንኽትዕቅብ ኢልካ ንሓደ ወጻእተኛ በዓል ስልጣን ጉቦ ምቕራብ: ምምብጻዕ ወይ ምሃብ ገበን ይገብሮ።”

ይኹን እምበር: ኣብ ካልኦት ሃገራት ንግዳዊ ውዕላት ንኽትዕወት ኢልካ ዝወሃብ ጉቦ: ንእሽቶ ክፍሊ ብልሽውና ጥራይ ኢዩ። ብልሽውና ምሉእ ብምሉእ ንምውጋድ ዘድሊ ካልኣይን ዝያዳ ኣጸጋምን ስጕምቲ ምልዋጥ ልቢ ሰብ: ወይ ብልክዕ ንምዝራብ ምልዋጥ ልቢ ብዙሓት ሰባት ኢዩ። ሰባት ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ጉቦን ብልሽውናን ምጽላእ ክማሃሩ ኣለዎም። ሽዑ ጥራይ ኢዩ ጉቦ ክጠፍእ ዝኽእል። ገለ ሰባት: ነዚ ንምፍጻም መንግስታት “ሓፈሻዊ ኣረኣእያ ናይ ዜግነታዊ ውርዝውና ከተባብዓ” ኣለወን ዝብል ስምዒት ከም ዘለዎም መጽሔት ኒውስዊክ (እንግሊዝኛ) ትገልጽ። ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ዝበሃል ንሰበ-ስልጣን ኣንጻር ብልሽውና ንምጽላው ዝቃለስ ጕጅለ እውን ብተመሳሳሊ እቶም ደገፍቱ ኣብ ዓውደ ስራሕ “‘ዘርኢ ናይ ንጽህና’ ክዘርኡ” ይላቦ።

ምስ ብልሽውና ዝግበር ቃልሲ ስነ-ምግባራዊ ስለ ዝዀነ ሕጋጋት ብምሕጋግ ወይ ብ“ሰይፊ” ናይ ሕጋዊ መቕጻዕትታት ዓወት ኣይርከብን ኢዩ። (ሮሜ 13:⁠4, 5) ናይ ውርዝውናን ንጽህናን ዘርኢ ኣብ ኣልባብ ሰባት ክዝራእ ኣለዎ። እዚ ብዝበለጸ ክፍጸም ዝከኣል በቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ናይ መንፈስ ሰይፊ’ ኢሉ ዝገልጾ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ።​—⁠ኤፌሶን 6:⁠17

መጽሓፍ ቅዱስ ንብልሽውና ይዅንን

ጳውሎስ ንብልሽውና ሸለል ኢሉ ዘይረኣዮ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ፍቓድ ናይቲ “ገጽ ርእዩ ዘየዳሉ: መማለዲ ኸኣ ዘይቕበል” ኣምላኽ ክገብር ስለ ዝደለየ ኢዩ። (ዘዳግም 10:⁠17) ኣብ ርእሲ እዚ: ጳውሎስ ነቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ እተጻሕፈ “መማለዲ ድማ ዓይኒ ጠቢባን የዕውር: ነገር ጻድቃን ከኣ የቕንን እዩ እሞ: መማለዲ ኣይትቀበል” ዝብል ንጹር መምርሒ ከም ዝዘከሮ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ዘዳግም 16:⁠19) ንጉስ ዳዊት እውን ብተመሳሳሊ የሆዋ ብልሽውና ከም ዝጸልእ ይርዳእ ነበረ: ስለዚ ምስቶም “የማነይቲ ኢዶም መማለጃ ዝመልኤት” ሓጥኣን ከይቍጸር ንኣምላኽ ለመነ።​—⁠መዝሙር 26:⁠10

እቶም ንኣምላኽ ብቕንዕና ዘምልኽዎ ብልሽውና ንኽነጽጉ ተወሳኺ ምኽንያታት ኣለዎም። ሰሎሞን “ንጉስ ንሃገር ብፍርዲ የጽንዓ: ፈታው መማለጃ ግና የጥፍኣ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳሌ 29:⁠4) ፍትሒ ብፍላይ ካብቲ ዝለዓለ ብዓል ስልጣን ጀሚርካ ክሳዕ እቲ ዝተሓተ ኣብ ተግባር ክውዕል ከሎ ኣብ ሃገር ምርግጋእ የምጽእ: ብልሽውና ግን ንሃገር የድክያ። መጽሔት ኒውስዊክ “ነፍሲ ወከፍ ካብ ብልሽውና መኽሰብ ክረክብ ኣብ ዝደልየሉን ብኸመይ ከም ዝርከብ ኣብ ዝፈልጠሉን ኣገባብ: ቍጠባ ብቐሊሉ ኢዩ ዝዓኑ” ብምባል ኣገዳሲ ነጥቢ ትሕብር።

ቍጠባ ምሉእ ብምሉእ እንተ ዘይዓነወ እውን: ብልሽውና ብዘይ​ዓጋቲ ክስስን ከሎ ኣፍቀርቲ ፍትሒ ሕልናኦም ይዓርቦም ኢዩ። (መዝሙር 73:⁠3, 13) እቲ ባህጊ ናይ ፍትሒ ዘውረሰና ፈጣሪና እውን ይጕሂ ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት: የሆዋ ቅሉዕ ብልሽውና ንምጥፋእ ጣልቃ ኣትዩ ኢዩ። ንኣብነት: ንተቐማጦ የሩሳሌም ጸላእቶም ከጥቅዕዎም ከለዉ ስለምንታይ ከም ዝጥንጥኖም ብንጹር ነገሮም።

ኣምላኽ ብነብዪ ሚክያስ ኣቢሉ ከምዚ በለ:- “ኣቱም ፍርዲ [“ፍትሒ:” NW ] እትፍንፍኑ ቅኑዕ ዘበለ እትጠውዩ: . . . ኣሕሉቕ ቤት ያእቆብን መሳፍንቲ ቤት እስራኤልን: እዚ ዀታ ስምዑ: ሓላቑኣ ብመማለጃ ይፈርዱ: ካህናታ ብዋጋ ይምህሩ: ነብያታ ብገንዘብ ይንበዩ: . . . ስለዚ ብሰርኹም ጽዮን ከም ግራት ክትሕረስ: የሩሳሌም ከኣ ኵምራ ኣእማን ክትከውን [ኢያ]።” ብልሽውና ልክዕ ከምቲ ድሕሪ ዘመናት ንሮሜ ዘማህመና ንሕብረተሰብ እስራኤል እውን ኣዕንዪዎ ነበረ። ሚክያስ ነዘን ቃላት እዚኣተን ምስ ጸሓፈ ሓደ ዘመን ዝኸውን ጸኒሑ የሩሳሌም ምስ ተደምሰሰትን ባደመትን እቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ተፈጸመ።​—⁠ሚክያስ 3:⁠9, 11, 12

እንተ​ዀነ ግን: ዝዀነ ይኹን ሰብ ወይ ህዝቢ ኣብ ብልሽውና ክኣቱ ኣየድልን ኢዩ። ረሲእ ኣነባብራኡ ንኽሓድግ ከምኡውን ሓሳቡ ንኽልውጥ ኣምላኽ የተባብዕ ኢዩ። (ኢሳይያስ 55:⁠7) ነፍሲ ወከፍና ንስስዐ ብልግሲ: ንብልሽውና ኸኣ ብጽድቂ ክንትክኦ ኢዩ ዝደልየና። የሆዋ “እቲ ንድኻ ዚጭቍን ንፈጣሪኡ ይጸርፍ: ንስኡን ዚርሕርሓሉ ግና የኽብሮ” ብምባል የዘኻኽረና።​—⁠ምሳሌ 14:⁠31

ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ገይርካ ንብልሽውና ብዕዉት መገዲ ምቅላሱ

ሓደ ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጢ ንኽገብር ዝድርኾ እንታይ ኢዩ፧ እቲ ንጳውሎስ ናብራ ፈሪሳውያን ጠንጢኑ ጽኑዕ ደጋፊ የሱስ ክርስቶስ ንኽኸውን ዝደረኾ ሓይሊ ነዚ ለውጢ እዚ ንምግባር ክድርኽ ይኽእል ኢዩ። ጳውሎስ “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 4:⁠12) ሎሚ ድማ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ኣብቶም ኣብ ብልሽውና ኣጸቢቖም ጥሒሎም ዝነብሩ እውን ከይተረፈ ቅንዕና ንኽህሉ ይደፋፍእ ኢዩ። እዚ ኣብነት እዚ ርአ።

ኣሌክሳንደር ዝበሃል ኣብ ምብራቓዊ ኣውሮጳ ዝርከብ ሰብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎቱ ወዲኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ምስ ሓንቲ ኣብ ምትላል: ምዝራፍ: ከምኡውን ጉቦ እትካፈል ጕጅለ ተጸምበረ። a “ስርሐይ ንሃብታማት ነጋዶ ዕቝባ ክትረኽቡ ኢኹም እናበልካ ብጕርሒ ገንዘብ ከም ዝኸፍሉ ምግባር ነበረ” ብምባል ይገልጽ። ቀጺሉ ከምዚ በለ:- “ሓደ ነጋዳይ ሓንሳእ ምስ ኣመነኒ: ካልኦት ኣባላት ጕጅለና ኸኣ የፈራርህዎ። ብድሕርዚ ብዙሕ ገንዘብ እንተ​ድኣ ኸፊሉ ነቲ ጕዳይ ክፈትሖ ምዃነይ እነግሮ። እቶም ‘ዓማዊለይ’ ኣነ ጠንቂ እቲ ጸገም ክነሰይ: ጸገማቶም ንኽፍታሕ ስለ ዝሓገዝክዎም የመስግኑኒ ነበሩ። እዚ ዘደንጹ እኳ ዝመስል እንተ​ዀነ: እዚ መዳይ ናይዚ ስራሕ እዚ ኢየ ዝፈትዎ ነይረ።

“እዚ ዓይነት ኣነባብራ እዚ ዘምጽኣለይ ገንዘብን ባህታን እውን የሐጕሰኒ ነበረ። ክብርቲ ማኪና ነበረትኒ: ኣብ ጽቡቕ ኣፓርታማ እነብር ነበርኩ: ከምኡውን ዝደልዮ ዘበለ ዅሉ ከዐድግ ዝኽእል ገንዘብ ነበረኒ። ሰባት ይፈርሁኒ ነበሩ: ስለዚ ድማ ሓይሊ ይስምዓኒ ነበረ። ዋላ ሓደ ሰብ ክትንክፈኒ ዘይክእል ከምኡውን ልዕሊ ሕጊ ዝዀንኩ ኰይኑ ተሰምዓኒ። ምስ ፖሊስ ገለ ሽግር እንተ​ድኣ ተፈጢሩ ካብ መስርሕ ናይ ፍትሒ መምለጢ ቀዳዳት ብዝፈልጥ ክኢላ ጠበቓ ወይ ነቲ ዝግብኦ ሰብ ጉቦ ብምሃብ ይፍታሕ ነበረ።

“ይኹን እምበር: ኣብ መንጎ እቶም ህይወቶም ኣብ ብልሽውና እተመርኰሰ ሰባት ምትእምማን ዝበሃል ዳርጋ የለን። ሓደ ካብቶም ጕጅለና ክጸልኣኒ ጀመረ: ብኻልኦት ከኣ ተጸላእኩ። ብሃንደበት: ነታ እተብለጭልጭ ማኪናይ: ገንዘበይ: ከምኡውን እታ ክቡር ነገራት እትፈቱ ዓርከይ ሰኣንኩ። አረ ብርቱዕ ማህረምቲ እውን ኣሕሊፈ ኢየ። እዚ ውድቀት እዚ ብዛዕባ ትርጕም ህይወት ኣርዚነ ከም ዝሓስብ ገበረኒ።

“ሒደት ኣዋርሕ ኣቐዲማ: ኣደይ ናይ የሆዋ ምስክር ኰነት: ኣነ ድማ ንጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከንብብ ጀመርኩ። እቲ ኣብ ምሳሌ 4:⁠14, 15 ዝርከብ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ጥቕሲ ብሓቂ ከም ዝሓስብ ገይሩኒ ኢዩ:- ‘ናብ መገዲ ረሲኣን ኣይትእቶ: ብጐደና እቶም እኩያት ከኣ ኣይትኺድ። ካብኣ ርሐቕ: ብእኣ ኣይትሕለፍ: ኣግልሰላ: ክንየዋ ኺድ።’ እቶም ንህይወቶም ምስ ዓመጽ ብእተተሓሓዘ መገዲ ክመርሑ ዝደልዩ ሓቀኛ መጻኢ ከም ዘይብሎም ነቲ ዘሕለፍክዎ ናብራ ብምርኣይ ኣመንኩ። ናብ የሆዋ ክጽሊ ጀመርኩ: ብቕኑዕ መገዲ ንኽመርሓኒ ድማ ሓተትክዎ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽናዕኩ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ህይወተይ ንኣምላኽ ወፈኹ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዘ ብቕንዕና እመላለስ ኣለኹ።

“ልክዕ ኢዩ: ብቕኑዕ ስርዓታት ምምልላስ ክበሃል ከሎ ኣጸቢቑ ዝውሓደ ገንዘብ ምርካብ ማለት ኢዩ። ሕጂ ግን ኣብ ህይወተይ ሓቀኛ ትርጕም ስለ ዝረኸብኩ ብዛዕባ መጻኢ ትስፉው ኢየ። እቲ ናይ ቀደም ኣነባብራይ ምስ ኵሉ እቲ ክቡር ሽልማታቱ ጽኑዕ መሰረት ዘይነበሮ ኣብ ዝዀነ እዋን ክፈርስ ዝኽእል ኢዩ ነይሩ። ቀደም ሕልናይ ድንዙዝ ኢዩ ነይሩ። ሕጂ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽንዐይ ዋላ እውን ኣብ ንኣሽቱ ነገራት ዝዀነ ይኹን ዘይቅኑዕ ነገር ክገብር እንተ ተፈቲነ ሸቕ የብለኒ። ምስቲ ኣብ መዝሙር 37:⁠3 ዝርከብ ‘ብእግዚኣብሄር ተማዕቈብ: ሰናይ ድማ ግበር: ኣብታ ሃገር ተቐመጥ: እምነት ከኣ ድለ’ ዝብል ተሰማሚዐ ክነብር እጽዕር ኣለኹ።”

“መማለጃ ዚጸልእ . . . ብህይወት ይነብር”

ልክዕ ከምቲ ንኣሌክሳንደር ዘጋጠሞ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ንሓደ ሰብ ብልሽውና ንኸርሕቕ ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ። ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቱ ዝበሎ ብምስምማዕ ለውጢ ይገብር ኣሎ: እቲ መልእኽቲ ከምዚ ይብል:- “ነቲ ቐደም እተመላለስኩምሉ: ብትምኒት ስሕተት ዚጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም: በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ክትሕደሱ እሞ: እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ። ስለዚ ኸኣ ንሓሶት ንየው በልዎ: ኣካል ሓድሕድ ኢና እሞ: ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ። እቲ ዝሰረቐ: ነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ: ጽቡቕ እናገበረ ደኣ በእዳዉ ይጽዐር እምበር: ደጊምሲ ኣይስረቕ።” (ኤፌሶን 4:⁠22-25, 28) ናይ ደቅሰብ መጻኢ ብቐንዱ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጥታት እተመርኰሰ ኢዩ።

ስስዐን ብልሽውናን እንተ ዘይተዓጊቱ ልክዕ ከምቲ ንሃጸያዊት ግዝኣት ሮሜ ዘዕነዋ: ንምድሪ እውን ከዕንዋ ይኽእል ኢዩ። እቲ ዘሐጕስ ግን: ፈጣሪ ናይ ደቅሰብ እዚ ነገራት እዚ ብዕድል ክጠፍእ ኢዩ ኢሉ ኣይሓድጎን ኢዩ። ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ከጥፍኦም’ ወሲኑ ኣሎ። (ራእይ 11:⁠18) ብተወሳኺ: የሆዋ ነቶም ብልሽውና ዘይብላ ዓለም ክርእዩ ዝህንጠዩ ሰባት ድሕሪ ሓጺር እዋን “ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ክመጽእ ምዃኑ መብጽዓ ኣትዩሎም ኣሎ።​—⁠2 ጴጥሮስ 3:⁠13

ልክዕ ኢዩ: ሎሚ ቅኑዕ ስርዓታት እናሓለኻ ምንባር ቀሊል ከይከውን ይኽእል ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ኣብ መወዳእታ “እቲ ረብሓ ዚሀርፍ ንቤቱ ይህውኻ: መማለጃ ዚጸልእ ግና ብህይወት ይነብር” ብምባል የሆዋ ኣረጋጊጹልና ኢዩ። b (ምሳሌ 15:⁠27) ካብ ብልሽውና ብምርሓቕ ናብ ኣምላኽ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢልና ክንጽሊ ከሎና ካብ ልብና ከም ዝዀንና ነርኢ።​—⁠ማቴዎስ 6:⁠10

እታ መንግስቲ እቲኣ ስጕምቲ ክትወስድ እናተጸበና: ብልሽውና ሸለል ብዘይ​ምባል ወይ ኣብኡ ብዘይ​ምክፋል ነፍሲ ወከፍና ‘ጽድቂ ንዝራእ።’ (ሆሴእ 10:⁠12) ከምዚ እንተ​ድኣ ገይርና: እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ መስለጢ ምዃኑ ብኣነባብራና ክንምስክር ኢና። ናይ መንፈስ ሰይፊ ንብልሽውና ከጥፍኦ ይኽእል ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ስሙ ተቐይሩ ኢዩ።

b ኣብ መንጎ ጉቦን ሞቕሽሽን ፍልልይ ከም ዘሎ እተረጋገጸ ኢዩ። ጉቦ ፍትሒ ንምቕናን ወይ ንዘይቅኑዕ ዕላማታት ዝዋሃብ ክኸውን ከሎ: ሞቕሽሽ ግን ንእተዋህበካ ኣገልግሎት ሞሳኻ እትገልጸሉ ኢዩ። እዚ ጕዳይ እዚ ኣብታ ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 1986 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) እትርከብ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” እትብል ዓንቀጽ ተገሊጹ ኣሎ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ብሓገዝ መጽሓፍ ቅዱስ “ሓድሽ ሰብ ” ክንኵስኵስን ብልሽውና ከነርሕቕን ንኽእል ኢና